Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Meleket
Member
Posts: 264
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

ትፈልጦ’ዶ? ማኒፌስቶ ደርግ ብዛዕባ ሃይማኖታት ከምዙይ ኢዩ ዝነበረ ያኢ!!!

Post by Meleket » 14 Jun 2019, 10:10

ከምዡይ ዚብል ታሪኽ ኣብገለ ነቢብና’ዶ ኔርና ሓቐይ! ደርጊ ነየኖት ካብዚኣን ውጥናቱ ተግቢርዎን ኔሩ ይኸውን!?

ብሓጺሩ እዚ ዚስዕብ ነጥብታት ዘለዎ ዝርዝር ፖሊሲ መንግሥቲ ደርግ፣ ከም “ፍራንክፉርተር ኣልገማይነ ሳይቱንግ”(Frankfurter algemeiner Zeitung) ዝበለ “በዓል ሓሙሽተ ኾኸብ” ጋዜጣ ጀርመን ኮነ፡ ካልእ ወገን “ሚድያ” ኣብ ዓምድታቶም ዘስፈርዎ እዩ፡-

1) ንግሆ ሰንበት ናይ ቀበሌ ኣኼባታት ምግባር፣ ነቶም ዘይሳተፉ ምቍጽጻር፣ ምቕጻዕ።

2) ነቶም ግዱሳት ክርስትያን፣ ኣብ ናይ ቀበሌ ስራሓት ከምዚነጥፉ ምግባር፣ ብኸም’ዚ ከኣ ካብ ክርስትያናዊ ግዴታኦም ከም ዚወናደቡ ምግባር፣ ንዝነጸገ ክሳብ ኣብ ማሕቡስ ምእታዉ፣

3) ኣብ ናይ ክርስትያን ማኅበራትን ጕጅለታትን፣ ኣባላት ፓርቲ ወይ ሰልፊ ሰርሲሮም ከምዚኣትዉ ከምዚልስዩዎምን ምግባር፣

4) ነበርቲ ቀበሌ ኣመንቲ ምዃኖም ዘይምዃኖም ብግልጺ ኪሕብሩ ምሕታቶም፣ ኣማኒ ክርስትያን’የ ንዝበለ ጸዊዕካ ከም ዚኽሕድ ምግባር፣ እንተኣበየ ንገለ መዓልቲ ምእሳር፣ ድሕር’ዚ ባዕሎም ስድራኡ ከም ዚኽሕድ ኪገብርዎ (ምእንቲ ኪፍተ-ሓሎም) ወይ ብውሽጡ ጥራሕ ንኺገልጾ ኪነግርዎ፣ ስድራ ጸገም ከየምጽኣሎም ባዕሎም ከምዚዕንቅፍዎ ምግባር፣

5) መንእሰያት ንቤተክርስትያን ካብ ምኻድ ምትዕንቓፎም፣ ወረቐት መንነቶም ምሕዳግ፣ ቀቢጾም ክሳብ ዚሓድግዎ’ውን ምፍርራሖም፣ ብፍላይ ወለዶም ከይእሰርዎም ስለዚፈርሑ ባዕሎም ካብ መንፈሳዊ ቦታ ከርሕቕዎም እዮም።

6) እዚ ካብ ቤተክርስያን ናይ ምኽልካል መደብ እንተዘይሰርሐ፣ ነቶም ናይ ማኅበራት ክርስትና መራሕቲ ኵሎም ብሓደ ግዜ ምእሳር፣ ስለ’ዚ ከኣ ውሳኔ ዚህብን፣ ምስ ወጻኢ ዚራኸብን ኣይኪርከብን እዩ።

7) ክትኣስርዎም ከሎኹም፣ ምኽንያት መእሰሪኦም ኣይትንገርዎም ፍርዲ ዚወሃበሉ ዕለት ኣይተፍልጥዎም፣ እሱራት ሓገዝቲ ከይረኸቡ፣ ቤተሰቦምም’ውን ከምዘይሕገዙ ግበሩ። ንዚሕግዙ ቅጽዑ፣ ናቶም ሓገዝ ንእሱራት ዘጋድደሎም ምዃኑ ከም ዚርድኦም ግበሩ።

8_) “ንቐበሌ መኣከቢ የድልየና እዩ” ኢልኩም ንቤተክርስትያን ዕጸዉ፣ ኣብኡ ንዝጸንሓኩም ቅዱስ ኣቓሑ ኣቓጽሉ፣

9) ነዚ ናይ ምዕጻው ተግባር፣ በቶም ኣብኡ ዘለዉ ተሓባበርቲ ምግባሩ’ምበር፣ “መንግሥቲ ተጻይ ሃይማኖት’ዩ” ዚብል ጥርጣ ረ ከምዘየሕድር ምግባር።

10) ኵሉ ዜጋ ንሃገሩ እሙን ኪኸውን ደኣ’ምበር፣ ንቤተክርስትያን ዚጠፍእ ግዜን ገንዘብን ካብ ሃገር ዝተሰርቀ ምዃኑ ንምርዳእ፡ ብዅሉ ኃይልኻ (ራዲዮ-ጋዜጣ-ጭርሖ ...) ምጽዓር።

11) ኣብ ላዕለዋይ ተቅዋም-ትምህርቲ ዚመሃሩ፣ ንስኮላርሺፕ ዚለኣኹን ተመሃርቲ እንኪምደቡ ኮነ፡ ሓገዝ ኪወሃብ ከሎ ... ነቶም ኽርስትያን ኣመንቲ ምውጋድ፣ብርኡይ ኣድልዎ ምግባር፡

12) ኣብ ስራሕ ቤተክርትያን ናይ ዝተዋፈሩ ሰራሕተይናታትን፣ እቶም ካህናትን ውፉያትን፣ ዚንቀሳቐስ ዘይንቀሳቐስ ንብረቶም ምውሳድ፣ ንመንግሥቲ ከምዘድልዮ ምንጋር፣

13) ናይ ቤተክርስትያን ኣብያተ-ትምህርቲ…..ኣብ ባንክ ዘሎ ሕሳባቶም ምድስካል፣ ስለ’ዚ መስርሒ መንቐሳቀሲ ከም ዚስእኑ ምግባር፣

14) ብሃይማኖት/መንፈሳዊ መደብ ምትእኽኻብ ከልክሉ፣ ንዚግበር መንፈሳዊ ኣኼባ ፍቓድ ከምዘድሊ ንገርዎም፤ ፍቓድ ምስ ሓተቱ ከምኡ ክልእዎም፣ ወይ ንዘይተወሰነ መዓልቲ ከም ዚተሓላለፍ ግበሩ። ግና ናጽነት ሃይማኖት የልቦን ምእንቲ ከይበሃል ንገሊኡ ቤተክርስትያን ከይዓጸኹም ሕደግዎ።

15) ነቲ ክርስትያን ቅዱስ ዚብልዎ ወይ ዚሓስብዎ ቦታ ኣራኽስዎ። ናይ መቓብር ቦታታት ከም ናይ ዕዳጋ ቦታ ተጠቐሙሉ፣

16) ኣብ ወጻኢ ሃገር ኮነ ኣብ ውሽጢ ሃገር፣ ኣብ መንፈሳዊ ዓውደ መጽናዕቲ ክንሳተፍ ንዚብሉ ፍቓድ ዘይምሃብ፣

17) ንናይ ቤተክርስትያን ሰባትን፣ ነቶም ወጻእተይናታት ሰበኽትን ኣብ ሃገር ኪንቀሳቐሱ ኣይተፍቅዱ፣ ዘድሊ ፍቓዳት ኣይተሃቡ፣ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ’ዩ ወይ ላዕለዋይ ሓለቓ ንጸበ እናበል ኩም፣ ነቲ ጕዳይ ንዘይተፈልጠ ግዜ ከምዚመሓላለፍ ምግባር፣

18) ናይ ክርስትያን መጻሕፍቲ ከምዘይሽየጥ ምግባር፣ ማኅተም እውን ኣይተፍቅዱ፣ ንኸይተፍቅዱ ገለ ምኽንያት እናፈጠር-ኩም ምእጋድ ምእንቲ ኪጥዕም “ምርመራ” ሳንሱር ምእዋጅ

19) ንገለ መጻሕፍቲ ኪኅተም ምፍቃድ ግን ጽቡቕ እዩ - እንተኾነ እቲ መጽሓፍ’ቲ ኣዝዩ ተደላዪ እንተኾይኑ፣ ዳግማይ ንኪኅተም ዘይምፍቃድ።

20) ኣብ ናይ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ትርጕምን ኅትመትን ጥብቂ ቍጽጽር ምግባር፣ እንተድለየ ምዕጋቱ፣ ናጽነት ሃይማኖት ኣሎ ምእንቲ ኪበሃል ግን፣ በቲ ቀንዲ ቛንቋ ዝተሰናደወ ገሊኡ ኅታም ቅዱስ መጽሓፍ ምህላዉ የኣክል።

21) ኣብ ዝኾነ ይኹን ቤትትምህርቲ እንተወሓደ ንሓደ ሰሙን ዚካየድ ዓመታዊ ፖሊቲካዊ ትምህርቲ ኪግበር፣ እዚ ከኣ ካብ ሓደ ክፍሊ ናብ ዚቕጽል ክፍሊ ንምሕላፍ ወሳኒ ምዃኑ ኪፍለጥ ኣለዎ። ኣብ’ዚ ትምህርት’ዚ ሕልፊ ከትኵሩሉ ዘለዎም፣ እቲ ልዕሊ ኵሉ ነገር ንሃገሩ ዜፍቅር ንኣምላኽ ዚኸውን ቦታን ግዜን ከም ዘይብሉ ምንጻር እዩ።

22) ኣብ ኵሉ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣብ’ቲ ብቤተክርስትያን ዚካየድ ከይተረፈ’ውን፣ ጸሎትን ንባብ ቅዱስ መጽሓፍን ከልክሉ።

23) ክርስትያን ኣብ ኣባይቶም ንጸሎትን ንባብ ቅዱስ መጽሓፍን ምትእኽኻቦም ከልክሉ፣

24) ሕፃናትን መንእሰያትን ወለዶምን ስድራቤቶምን ንዚገብርዎ ዝኾነ መንፈሳዊ ተግባር ምእንቲ ኪቈጻጸሩን፣ ንዚምልከቶ ኪሕብሩን ኣተባብዑዎም፣ ወላ’ውን ገለ ዓስቢ ወይ ሽልማት ግበሩሎም ኣብ ውሽጢ ገዝኦም’ውን እንተኾነ፣ ወለዲ ብእምነ-ቶም ምንባብ ከፍርሆም ኣለዎ።

25) ካብ ወጻኢ ሃገራት ዚመጽእ ሓገዝ ምእንቲ ከየቋርጽ፣ ከምኡ እውን ብቱሪዝም ዝመጽአ ጸገም ምእንቲ ከየስዕብ፣ ናይ ገለ ሚስዮናውያን ህላዌ ምፍቃድ፣ ግና ሓደስቲ ንኸይመጽኡ፣ ሎሚ ጽባሕ እናበልካ ብምምልላስን፣ ናይ ቪዛ ነገር ከም ዘይሰልጥን ብምግባር ምትዕንቓፍ፣ ንገሊኦም ሚስዮናውያን ናብ ገለ ዞባታት ምእታው ክትክልክልዎም ትኽእሉ ኢኹም። ንብረቶም ንምውሳድ’ውን ስኽፍ ኣይበልኩም። ኣብ ሃገር ዚገብርዎ ኵሉ ምንቅስቓሳቶም ደረት ግበሩሉ፣ ነዞም ሚስዮና- ውያን ንሓድሕዶም ኪተኣኻኸቡ፣ ንሕዝቢ’ውን ንኪረኽቡ ኣይተፍቅዱ፣ ነዚ ከኣ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ብልኃት ተጠቐሙ።

26) ኣገዳሲ እጃምን ኃላፍነትን ንዘለዎ ሓደ ኣማኒ ከተወግድዎ ኣድላዪ ኮይኑ እንተተረኽበ ከምኡ ግበሩ፤ ግና ሞይቱ ከይበል-ኩም ከም ዚጠፍእ ግበርዎ። ስድራቤቱን ቤተክርስትያንን ወትሩ ኪመጸና እዩ እናበሉ ይጸበዩ።

27) ብዛዕባ ስደት-ሃይማኖት ኪለዓል ከሎ፣ ብፍላይ ኣብ ቅድሚ’ቲ ዓለምለኸ ሚድያ እንክትርከቡ፣ “ፈጺሙ ሓሶት’ዩ፣ ስደት ሃይ-ማኖት ዚበሃል ነገር ፈጺሙ የልቦን” በሉ። እቲ ዝተኻየደ ናይ ምውራስ ተግባር ንፖለቲካዊ ለውጥን ምሕዳስን ኣገዳሲ ምዃኑ፤ ቤተክርትያን’ውን ፍሉይ ጕንዖ ከም ዘይትጽበ ንገሩ። ቤተክርስትያናት ወትሩ ርሑው ምዃኑ፣ ናይቶም ዚንቀሳቐሱ ሚስዮናውያን ህላዊ እውን መርኣያ ምዃኑ ኣነጽሩ።

28) ናይ ኵላቶም ክርስትያንን ናይ ዚጥርጠሩ ሚስዮናውያንን ቡስጣን ቴሌፎንን ድማ ብጥብቂ ተቘጻጸርዎ። እንተድለየ ተጻዮም ዜድሊ ዅሉ ይገበር። እዚ ከኣ ስለምንታይ ከም ዚግበር ዜድሊ መግለጺ ንምሃብ ተበላሓቱ። ቤተክርስትያን ንኽትጠፍእ ወይ ከኣ ኣብ ትሕቲ መንግሥቲ ንኽትከውን ዜድሊ ዘበለ ብልኃትን ጥበብን ተጠቐሙ።

እዚ ሰነድ’ዚ ዳሕራይ እዋን ብገለ ሰሊኹ ዝተረኽበ እንኪኸውን፣ ንተፈጻምነቱ ብዚርኢ ግን፣ ገሊኡ ነጥብታቱ ከም ዝተፈጸመ ግልጺ እንኪኸውን፣ ገሊኡ ግን መን ይፈልጥ እቲ ግዜን ታሪኽን ቐዲምዎ ግዲ ኮይኑ፣ ወይ ከኣ እቲ ኅብረተሰብ ብዝዓመቘ መልክዑ ኣማኒ ብምዃኑ፣ እቶም ኣፈጸምቲ ዚበሃሉ ድዮም ዘየስለጡ?...ወዘተ ብሓፈሻኡ ኣይተ-ፈጸመን ኪበሃል ይከኣል። እቲ ተፈጺሙ ኪበሃል ዚከኣል እውን እንተኾነ፣ ብወግዓዊ መንገዲ ወይ ድማ ብኣዋጅ ዝኾነ ከም ዘይነበረ ግልጺ እዩ።

ካብ’ቲ ብስማዕ ልማዕ ዝተፈጸመ ሓደ፣ እቲ ኣብ ኣሥመራ ዝተኻየደ፡ ካቶሊካዊ ገዳማት ንምውራስ ዝተገብረ ናይ መንግሥቲ መደብ እዩ። እዚ ተግባር’ዚ ብኽልተ መዳይ ኪረአ ይከኣል። በቲ ሓደ ወገኑ፣ ዕላማ ኮሚዩኒዝም ተጻይ ቤተክርስትያንን ሃይማኖትን ዝዓለመ ምንባሩ እንኪኸውን፣ እዚ ውዒሉ ሓዲሩ ንመላእ ኢትዮጵያ’ውን ኪዝርጋሕ ዝነበሮ እዩ፤ እቲ ካልኣይ ግን ብፍላይ ንኤርትራ ዚጥምት ይመስል። እቲ ዝተወርሰ ናይ ከተማ ኣሥመራ ካቶሊካዊ ገዳማት ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ኣብ ሕይወት’ታ ከተማን፣ ኣብ መንነት ሕዝባን ኣዝዩ ፍሉይ ዝኾነ ጽልዋ ዝነበሮ እዩ። እቲ ገዳማት ኣብያተ ትምህርቲ ስለዝነበሮ፣ ብኣካዳሚያዊ መዳይ፡ ኣብ ውሽጢ ብምእታው ኮነ፣ ብግዳም ብምምልላስ ይውሓድ ይብዛሕ ካብኡ ገለ ዝቐሰሙ መንእሰያት ውሑዳት ኣይኮኑን፤ ብዝነበሮም ናይ ትምህርትን ስፖርትን ካልእ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓሳትን ድማ ብዘይ ናይ ሃይማኖት ሌላን ጕሌላን ዚመላለስዎ ማእለያ ኣይነበሮምን፤እዚኣቶም’ውን ነቲ ብሕፃንነቶም ዝተዀስኰሱሉ ቦታታት ከም ናይ መንነቶምን መዕበያዊ ጕዕዞምን ኣካል ኪርእይዎ ንቡር እዩ። ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዘዘውትርዎ ዝነበሩ ናይ ቤተክርስትያን ማእከላት’ውን ንርእሱ ነቲ ዚዓቢ መንእሰይ ፍሉይ መንነትን ብስለትን ከምዘጨበጦ ዘይከሓድ እዩ።

በዚ ዅሉ ዝሓለፈ መንእሰይ፡ ኣብ ዝኸደ ኸይዱ ፍሉይ መንነትን ብስለትን ስለዜርኢ፣ እቲ ናይ ኤርትራውያን ፍሉይነት ንመራሕቲ ደርጊ ኣይተዋሕጠሎምን። ንዅሉ ማዕረ ንምግባር ወይ ነቲ ፍሉይነት’ቲ ንዚምግብ ምንጪ ምድራቑ ዚብል መደብ ከም ዕላማ ምሓዝ ዚሓይሽ ኮይኑ ተራእዮም። ስለ’ዚ ከኣ እቲ ዅሉ ካብ ሙዓለ-ሕፃናት ኣትሒዙ ክሳብ ዩኒቨርሲቲ ዘሎ ናይ ከተማ ኣሥመራ ሃብትን መንነትን ዚገልጽ ብሉጽ ተቅዋማታ (ብፍላይ ካቶሊካዊ) ብመንግሥቲ ደርጊ ከምዚውረስ ተገብረ። ዕላማኡ ከኣ ንኤርትራ ማዕረ’ተን ካልኦት ክፍለሃገራት ንምግባራ፣ እቲ ፍሉይ ኵነታ ከምዘይህሉ ንምግባር ነበረ።

ነዚ ውርሻ’ዚ ዚርኢ ኣዋጅ ከይወጽአ፣ ኣብኡ ከሎ ብሰላሕታ ብምውሳድ፣ ኣብ ናይታ ሃገር ሚድያ ድማ፣ “ናይ ጸላኢ ብፍላይ ናይ ጣልያን ተረፍ ዝነበረ ገሊኡ ንብረት ተዓርዩ፣ ኣብ ጥቕሚ ሓፋሽን ሃገርን ኣውዒልናዮ” ዚብል ሽፋን ኪህብዎ ተረኽቡ።
:mrgreen: