Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Abe Abraham
Member
Posts: 4729
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

saveAdna : What is happening in Raya ?

Post by Abe Abraham » 13 Jul 2018, 17:58

XXX

saveAdna wrote :

ክቡር ሓወይ :- ሰላም ። ኣብ ከባቢ ራያ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ኣላማጣን በዞም ከሓድትን ኣዛብእን ዝግበር ዘሎ ምንቅስቃስ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ ። ኣነ ወድቲ ከባቢ ጥራይ ዘይኮንኩስ ስድራ ደቅባት እውን ። መንነትካ ምስ ዝኾነ ውድብ ፣ መንግስቲ ወይ ድማ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር ብዝፈጠሮ ስምዒት ክትቅይሮ ኣይትኽእልን ።

ዶብ ራያ ክሳብ ኣላውሃ እዩ ክንብል ከለና ወለድና ካብ ዘፅንሑልና ቅያን ካብ ጭቡጥ ታራኽን ምበር ግምታዊ ነበረያ ነበረ ሒዝካ ኣይኮነን ። ዝኾነ ኮይኑ እዞም ክሽጡናን ክልውጡናን ዝፍትኑ ዘለው ዉልቀ ሰባት ብዝገርም ኹነት ብዘይካ ሓገዞም ሕዳሩ ( ትግራዋይ ከይብሃል ሽሙ ኣገዘው እዳሩ ዘበለ) ዳርጋ ኩሎም ተወለድቲ ኣምሓራ ብፍላይ ላስታ ሸድሆ : መንዝ : ወሎን ዋግን እዮም ። ደቂ ዋግ እቶም ዝሐሹን ኣብ ምንቅስቃሶም ብዙሕ ኢድ ዘይብሎም እዮም ።


ከምዝፍለጥ ራያ ካብ ክልተ ዝተገምዐ ብ1949 ዓ.ም እዩ ። ካብዚ ግዘ ኣትሒዙ ክሳብ 1983 ካብ ኣምሓራ እናነቀለ ዝመፀ ህዝቢ ክትግምቶ ትኽእል ። ተወሊዱ ዝዓበየን ዝተዋለደን ዓሌቶም ቀሊል ኣይነበረን ። እዚኦም እዮም ተገልቢጦም ደቂባት ክኾኑ ዝፍትኑ ዘለው ።


ሓገዞም መዘናይን መምሃርተይ እንትኸውን ሲሳይ ድማ ትምህርቲ ሕጊ ብሓባር ኣፅኒዕና ኢና ። ናይ ክልቲኦም መንነትን ታሪኽን ናይ ተኸተልቶም እንታይነትን ብዝግባእ ይፈልጦ እየ ። ብዝኾነ ብፍላይ ሲሳይ ምስ ገዱ ብዕርክነት ይኹን ብዕላማ ዘለዎም ምትእስሳር ቅድም ኢለ'ውን ይፈልጦ እየ ። ስለዚ ምእንታን ሓቀኛ ታሪኽን መንነትን ህዝቢ ራያ ፈተውቲ ትግራይ ዝኾንኩም ክትሕግዙናን ክንቃለሶምን ይላቦ ።


ጉዳይ ከባቢ ራያ ዕድል ሚድያ ተረኺቡ ሓሳባትናን እቲ ሓቅን ክቃላዕ ድማ ፃዕሪ ንገብር ስለዘለና ግዱሳት ሓገዝኩም ኣይፈለየና ።
የመስግነካ ።

ሓደ መሓዛይ ዝለኣኸለይ እዩ፡፡

እምበኣር እኒ ላስታ ሸድሆ : መንዝ : ወሎ (ብፍላይ ገረገራ፣ መቂት፣ዋድላ ደላንታ) እዮም ዝኹሉ ዓገርገር ዝብሉ ዘለዉ
https://www.youtube.com/watch?v=8wxu9T3Z2LE