"ካብ ሑሞራ ክሳብ ዓሊግድር"
==================
ብግርማይ ወልደግዮርጊስ (መንከኒኖ)
1ይ ክፋል
ተወላዲ ሽረ እንዳ ስላሴ ዝኾነ ትግራዋይ እምባየ ገብረሂወት ገብረስላሴ፡ ዶባት ዛላምበሳ ሰርሓ ፡ራማ-ዓዲ ዃላ ምስ ተኸፍተ፡
እናበሉ ሩባ ተከዘ ሰጊሮም ናብ ኦምሓጀር ብምኻድ፡ ልቢ መንእሰያትን ህዝቢን ኦማሓጀር ክሰልቡ ካብ ዝህቅኑ ዝነበሩ መንእሰያት ሓደ ምንባሩ፡ ተቐማጦ ኦምሓጅር የዘንቱው፡፡ስለምንታይ ሑመራ ኦም-ሓጀር ዘይክፈት? ስለምንታይ ምስ ኣሕዋትና ኤርትራውያን ገጽ ንገጽ ዘይንራኸብ? ስለምንታይ ኢና ቂምን ቅርሕንትን እናሓርቀምና እንነብር? ህዝቢ ንህዝቢ ተራኺብና ቁጠባዊ ፖለቲካዊ ማሕበራዊ ሽግራትና ዘይንፈትሕ? ካብ ሓደ ሩባ እንሰቲ ሓደ ዝቛንቋና ህዝብታት'ዶ ከይኮንና? ስለዚ ዶባት ንምንታይ ይሓጽሩና? ከም'ቲ ብወገን ክልልና ትግራይ ዘሎ ሰናይ ተበግሶ፡ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ምትሕብባሩ ከርኢ ትጽቢት ዝግበር'ዩ
ህዝቢ ኦምሓጀር ሓደ ክፋል ካብ ህዝቢ ኤርትራ ብምዃኑ፡ ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ብጥርጣረ ዓይኒ ዘይኮነ ብኽፋት ልብን ሰናይ ባህግን ርእዩ; ካብታ ዘላቶ ኣአንጊዱ
ብምባል ሰሰናዩ ተመንዩ የፋኑዎም ነበረ።እንቋዕ ደኣ ናብዚ ተበጽሐ 'ምበር ጉዳይ ምኽፋት ዶባት መዓልቱ ሓሊ'ዩ ክመጽእዩ
ከም'ቲ ሰብ ኦምሓጀር ዝተመነዩዎ መዓልቲ ምኽፋት ዶባት ኦምሓጀር ሑመራ ርጉጽ ኮነ። በዚ መሰረት እምባየን ካልኦትን ዝርከቡዎም መንእሰያት ትግራይ፡ "መን ኢኻ"? ዝብል ዘይብሎም፡ "እዚ ወይ ከምዚ'ኮ ክገብሩና ይኽእሉ'ዮም" ዝብል ጥርጣረ ኣብ ርእሲኦም ከይሓደረ፡ ንኸተማታት ኦምሓጀር፡ ተሰነይ፡ ባረንቱን፡ ዓሊግድር ሓምበጡለንን ዓንደሩለንን፡ ድሕሪ'ዚ ዝሓለሙዎን ዝዓለሙዎን ዕላማ ንምትግባር ከም ቀዳምነት ነዞም ዝስዕቡ ኣጀንዳታት ኣብ ምትግባር ተንቀሳቐሱ።
1ይ -ብመጀመርያ፡ ናይቲ ህዝቢ ባህላዊ ኣነባብራ፡ ኣብ ገበንን ገበን ምክልኻልን ዘለዎ ንቕሓት ኣብ ምጽናዕን ምስትብሃልን'ዮም ተጸሚዶም፡፡ በዚ መሰረት፡ ባህላዊ ኣነባብርኡ እዝግን ጎረቤትን ኣሚኑ ቤቱ ኣርሒዩ ኣስተርሒዩ ከምዝድቅስ፡ ብዛዕባ ስርቂ ድማ፡ ዝኾነ ሰብ በታ ርሃጹ ጻሕቲሩ ዝረኸባ ቁራስ እምበሪ ናይ እንዳኣማቱ ቁሊሕ ዘይብል ምዃኑ ተገንዘቡ፡፡ እዚ ባህላዊ ኣነባብራን ኣተሓሳስባን፡ ሓደ ንስርቂ ካብ ዝምችኦም ጉዳይ ምዃኑ ተሰማምዑሉ።
2- እዞም ኣስታት ሸውዓተ ዝበጽሑ፡ ካብ ከተማታት ሑመራን ካልኦት ከተማታት ትግራይን ኣብ ስርቅን ዝምታን ቅጥፈትን ክዋፈሩ ዝጸንሑ ሰብ እከይ ዕላማ፡ ብኸምዚ ዝተጠቕሰ ቁጽሪ ናብ ከተማታት ኤርትራ ክንቀሳቀሱ እንተኾይኖም፡ ናብ ቃልዕ ምውጻእ ስለዝኾነ፡ ናብ ክልተ ጉጅለ ተመቓቒሎም ንኽንቀሳቐሱ መደብ ሰርዑ።
በዚ መሰረት ቀዳመይቲ ጉጅለ፡ እምባየ፡ ሓየሎም(መፍዙዝ) ከምኡ'ውን ዜናዊ ሒዛ፡ እታ ካልኣይቲ ጉጅለ ድማ፡ ሓጎስ፡ ክብሮም፡ ሳልሳይ ድማ ንግዚኡ ስሙ ዘይተፈልጠ "ባርያ" ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ሓቚፋ ክትንቀሳቐስ ብምርድዳእ ንዝምታ ናብ ኤርትራ ወፊሩ፡፡
ፈለማ ኣብ መደበራት ኦምሓጀርን ጎልጅን፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ቁጽሪ፡ "ንብረት ኮነ ገንዘብ ተሰሪቑና" ዝትሕዝትኡ ጥርዓናት ብተደጋጋሚ ክቐርብ ጀመረ። ህዝቢ መታሕት ብሓፈሻ፡ ህዝቢ እዚ ከባቢ ድማ ብፍላይ፡ ከምቲ ደጋጊምካ ዝጥቀስ ቤቱን ንብረቱን ንእዝግን ንጎረቤቱን ኣሚኑ ባብ ኣርሕዩ ናይ ምድቃስ ባህሊ ኢዩ ዘለዎ። ብዓልቲ ድኳን ዝኾነት ኣደ ከይተረፈት፡ ነቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ውላዳ ወይ ድማ ጥርሑ ገዲፋቶ፡ ኣብ ውሽጢ ገዝኣ ምስ ናብራ ምስውስው ትብል'ሞ፡ደላዪ መጺኡ ምስ ተዳሃያ ኢያ ደሃይ ድኳና ትገብር። ስለ'ዚ፡ እዞም ካብ ስግር ዶብ ዝመጹኡ ዘመት'ቲ፡ ነዚ ኣገባብ'ዚ ክምዝምዙዎ ሓደ ካብቲ መደባቶም ኮይኑ ክጥቀመሉ ጀመሩ፡፡ ህዝቢ ድማ ኣብ መንጎ እቲ ንወለዶታት ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ኣነባባርን ነዚ ኣነባብራ'ዚ ዝዘርግ በዞም ካብ ስግረ ዶብ ዝመጹ ዘመትቲ ዝተኣታተወ ሓድሽ ክስተትን፡ ክቕርቀርን ክሻቐልን ጀመረ።
ከም ውጽኢቱ ናይ'ዚ ዝርገት'ዚ፡ ካብ ህዝቢ ጎልጅን ኦምሓጀርን ናብ መደበራት ፖሊስ ዝቐርብ ዝነበረ ጥርዓን ከይኣክል፡ ከም ተወሳኺ ካብ ህዝቢ ተሰነይን ዒሊግድርን ልዕሊ 20 ጥርዓናት ገበን ናብተን መደበራት ወሓዘ፡፡
(Courtesy: Shur Shur)