Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ንምህጋር ኣብያተ ትምህርቲ ተቓዊሞም

Post by Meleket » 11 Sep 2019, 03:16

ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብሃይማኖታውያን ትካላት ክመሓደራ ንዝጸንሓ ኣብያት ትምህርቲ ድሕሪ ምህጋሩ ናይ ኣብዮቱታ መግለጺ ኣውጺኦም።

ነቲ ብ4 መስከረም 2019 ናብ ሚኒስተር ትምህርቲ ኤርትራ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ዝተጻሕፈ ወግዓዊ ናይ ደብዳበ ዝጸሓፉ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንነዊሕ ዓመታት ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ክእለያን ክመሓደራን ንዝጸንሓ ኣብያተ ትምህርትን ሆስፒታላትን ክሊኒካትን ብምህጋሩ ከቢድ ቅሬታ ከም ዝተሰመዖም ይሕብር።


እቶም ጳጳሳት፡ ብጉዳይ ሃገርን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብዘርእይ ጉዳይ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ተራኺቦም ክዝትዩን ክዘራረቡን ተደጋጋሚ ጠለብ እኳ እንተቕረቡ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ግን ምንም ተገዳስነት ከምዘይረኸቡ ኣብ ጽሑፎም ኣስፊሮም።

ኣብቲ ኣርባዕተ ዝገጻቱ ዝርዝር ኣብየቱታ፡-

ካብ 1860 ዓመተ ምሕረት ኣትሒዙ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ እናተተኽለ፡ ኣብ ኤርትራ ዘመናዊ ትምህርቲ ቀለምን፡ መንፈሳዊ ትምህርትን ብምሃብ ንመንእሰያት ክኹስኩስ ዝጸንሐ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ብትእዛዝ መንግስቲ ዝተዓጽወ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዚርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዘርአ ክህነት፤

ካብ መባእታ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ዝምህር ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ዮሴፍ ላሳለ ከረን

ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣሕዋት ካፑቺኒ መንደፈራ

ከምኡ እውን ኣብ ባጽዕ ዝርከብ ማእከላይን ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ብመንግስቲ ምህጋሩ ከቢድ ቅሬታ ከምዝተሰመዖም ኣብ ጽሑፎም ብምስፋር፡ እቲ ውሳነ ንኩነታት ትምህርቲ ኤርትራ ብኣሉታ ክጸልዎ ከምዝኽእል ሓቢሮም።

እቲ ጽሑፍ፡ ትምህርቲ ኣብ ምዕባለን ስልጣነን ወዲ ሰብ ዓቢይ እጃም ከምዘለዋ ብምምጓት እቲ ብፈጣሪ ዝተዋህበ መሰል ብደቂ ሰባት ክንፈግ ኣይግባእን ይብል።

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያ ኣብ ኤርትራ ፈላሚ ቤት ማሕተም ብምኽፋት፡ ዝተፈላለያ ኮሌጃትን ዩኒቨርስትን ብምህናጽ ንብዙሓት ኤርትራውያን ሕጻናት መኣዲ ትምህርቲ ብምስራዕ ባብ ፍልጠት ዘርሓወ ትካል ብምዃኑ ኣብ ምሕደራን ፖለቲካን፡ ኣብ ስነ ጽሑፍን ስነ ፍልጠትን ኣብ ምዕባለን ዕቤትን ቋንቋ ልዑል ኣበርክቶ ዝገበረ ትካል ምዃኑ ሓቢሮም።

እታ ቤተክርስትያን ብስነ-ምግባርን ሞራልን ዝተሃንጸ፡ ትምህርትን ፍልጠትን ዝደለበ ጥዕና ዘለዎ ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽ ንዘበርከተቶ እጃም ብምግላጽ፡ ኣብ ሕብረተሰብ እወታዊ ኣበርክቶ ንዝገብር ትከላት ምዕጻው ፍትሓዊ ኣይኮነን ብምባል፡ መንግስቲ ኤርትራ ንቅሬታኦምን ተቓውሞኦምን ሰሚዑ ግቡእ ምላሽ ክህቦምን ንዘተ ክዕድሞምን ተማሕጺኖም።


ብተወሳኺ እዚ ዝግበር ዘሎ ምውራስ ትካላት፡ ንናይቤተክርስትያን መሰልን ናጽነት እምነትን ከምኡ'ውን ንህላዌኣ ዚትንክፍ ብምዃኑ ዳግመ ግምት ተገቢሩሉ ብዝቐልጠፈ ደው ኪብል ሓቲቶም።

እታ ቤተ-ክርስታያን መሰላን ናጽነታን ዳግም ክሳብ እትለብስ፤ ብሕጋዊ መንገዲ ናብ ዚምልከቶ ኣካል ምእንቲ መሰላ 'ኣቤት' ካብ ምባል ዓዲ ከም ዘይትውዕል'ውን ኣመልኪቶም።


https://www.bbc.com/tigrinya/news-49658935