NationalEr Interest
about an hour ago
·
እንሆ ዜና |• ህዉሓት --- ን14 ኣባላት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ካብ ስልጣኖም ኣደስኪሉ፡
እቲ ሎሚ 07 ጥቅምቲ 2024 ዝወጸ መግለጺ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ኣብ ትሕቲ "ኣብ ካቢነ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ዞባታትን ምምዕርራይ ኣመራርሓ ንምግባር" ዝብል ኣጀንዳ ኮይኑ፡ ንፕረዚደንት እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ሓዊሱ፡ 14-ኣባላት ካብ ስልጣኖም ከም'ዘደስከሎም ኣፍሊጡ።
መግለጺ ህዉሓት፡ ንፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ብመን ከም'ዝትክኦ፡ ምስ መንግስቲ ፈደራል ክዘራረበሉ ምኳኑ ከፍልጥ ከሎ፡ ንካልኦት 13-ኣባላት ካቢኔ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ግን፡ ድሮ መተካእትኦም ወግዓዊ ጌርዎ ኣሎ። እቲ ዝወጸ መምርሒ፡ ንምክትል ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ዝኮነ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣይተንከፎን ኣሎ።
ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝለዓለ ጽልዋን እጃምን ዘለዎ ሓላፊ ዲሞክራታይዘሽንን ትካላዊ ኣሰራርሓን እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ሌ/ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ዝተዋህበ ዝኮነ ርኢቶ ግን የለን።
ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮነ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጲያ፡ ብዛዕባ እዚ ብህዉሓት ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ዝሃቦ ዝኮነ ግብረመልሲ ክሳብ'ዛ ሰዓት የለን። እንተኮነ፡ ህዉሓት ክመጻ ዝክእል ጎነጻዊ ግብረመልሲ ንምድላዉ፡ ናብ ዝተፈላለዩ ኣዘዝቲ ሰራዊታ፡ መምርሒታትን ጎስጓሳትን ከተዉርድ ቀኒያ ኣላ። እዚ ዝወጸ መግለጺ፡ ተግባራዊ ምስ ዘይከዉን ዉን፡ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክትወስድ ምኳና ዘጠራጥር ኣይኮነን።
=======================================================================================================================
-
- Senior Member+
- Posts: 34527
- Joined: 26 Feb 2016, 13:04