Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

" ኣብ ኤርትራ ከም'ዚ ዓይነት ኮሜድያን ኣሎና ድዩ ? " ወዲ ሓወቦይ ምስ ኮኸብ ዳዊት እዩብ ንመጀመርታ ብዩትዩብ ምስ ተላለየ ዝበሎ። ሓቁ!!

Post by Abe Abraham » 24 Jan 2022, 14:45

" ኣብ ኤርትራ ከም'ዚ ዓይነት ኮሜድያን ኣሎና ድዩ ? " ወዲ ሓወቦይ ምስ ኮኸብ ዳዊት እዩብ ንመጀመርታ ብዩትዩብ ምስ ተላለየ ዝበሎ። ሓቁ!!

ንሕና ምስ ከም በዓል ዩኒስ ሸለቢ፡ ወሒድ ሰይፍ፡ ሰሚር ቓንም፡ ዓድል ኢማም፡ ነጋሕ ኣል-ሙጊ፡ መዝሃር ኣቡ ኣል-ነጋ፡ ሰዒድ ሳልሕ ፡ ኣል-ሙንተሲር ቢላ፡ ጆርጅ ሲድሆም፡ ዩሲፍ ዳዉድ፡ ሙስጣፋ ርዝእ፡ ዲያእ ኣል-ሚር ቓኒ፡ ፉኣድ ኣል-ሙሃንዲስ ፡ ዓብዱልሙንዒም መድቡሊ፡ ፉኣድ ኸሊል፡መሓመድ ህኔዲ፡ ሓሰን ሑስኒ፡ ሉጥፊ ለቢብ፡ ሃኒ ረምዚ፡ ዓላእ ሙርሲ፡ ተውፊእ ኣል-ድእን፡ ዓላእ ወልይ ኣል-ዲን: ኢብራሂም ነስር፡ ሱለይማን ዒድ ፡ ኣሕመድ ቢዴር ፡ መሓመድ ዓወድ፡ መሓመድ ነጅም: ኣሕመድ ኣደም፡ መሓመድ ሱብሒ፡ ዓሊ ረቢዕ: ሰይድ ዘያን፡ ዩሲፍ ዒድ .....ማሕሙድ ኣል-ቐልዓዊ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኮሜዲያናት ደቂ ምስሪ ንነዊሕ እዋን ስለ ዘሕለፍናን ብኡ ድማ ናይ ብሓቂ ኮሜዲያዊ ተውህቦ ክነስተማቕር ብምኽኣልና ንኮኸብ ኮሜዲ ኤርትራ ዳዊት እዮብ ምስ እዞም ዝተጠቕሱ ክንሰርዖ ኣብ መደምደምታ በጺሕና ። ብቕዓቱን ተውህቦኡን ከም ናይ እቶም ዓበይቲ ምስራውያን ናይ ኮሜዲ ተዋሳእቲ ኮይኑ ስለ ዝረኸብናዮ ብግስ ከይበልና ኣተዓባብያኡ ካብ ቁልዕነቱ ከም 'ዚ ናትና ናይ ወጻእን ዓረባዊ/ምስራዊ ጽልዋ ዘለዎን መሲሉና ኔሩ ። እንተ ረኣኻስ ኣብ ሳሕል ዝተወልደ ወዲ ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ ኢዮብን ተጋዳሊት ኣዲኡን ! እዚ ዘርእየካ ተውህቦ ዝበሃል ናይ ተፈጥሮ ከም ዘሎ እዩ ። ኮኸብ ኮሜዲ ኤርትራ ዳዊት እዮብ ሕጂ ምስ ዩኒስ ሸለቢ ተራኺቡ ዘይፈልጥ እንከሎ ክዋዘን ክላገጽን ክቕልድን እንከሎ ብዙሕ ካብኡ ኣለዎ። ዘገርም ኣዝዩ ዘገርም እዩ ። ናይ ዓድና ናይ ፊልምን ትያትርን ኢንዳስትሪ እንተ ዝምዕብል ዳዊት ንበይኑ ንሓንቲ ናይ ፊልምን ናይ ትያትርን ስራሕ ክጸውር ከም ዝኽእል ጥርጥር የብልናን ። ካብ ናይ ወጻኢ 'ውን ተርጒምካን ኣዳፕት እንዳ ገበርካን ዓበይቲ ናይ ኪነት ስራሓት ብበዓል ዳዊት ኢዮብ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ ። ደረስቲ እንተ ኣልዮም ዳዊት ወዲ እዮብ እቲ ካብኡ ዝጥለብ ከማልእ ይኽእል እዩ ።



Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: " ኣብ ኤርትራ ከም'ዚ ዓይነት ኮሜድያን ኣሎና ድዩ ? " ወዲ ሓወቦይ ምስ ኮኸብ ዳዊት እዩብ ንመጀመርታ ብዩትዩብ ምስ ተላለየ ዝበሎ። ሓቁ!!

Post by Abe Abraham » 29 Jan 2022, 17:43

  • ካብ እቶም ዓበይቲ ኮሜዲያናት ናይ ምስሪ ሓደ ዓድል ኢማም ይበሃል ። ዓድል ኢማም ኩሉ ግዜ ዘይትርሳዕን ኣብ ዩትዩብ ጥራሕ ልዕሊ 19 ሚልዮን ሳዕ ዝተጠወቐት ኣል-ሙተሰውል ( ለማኒ ) ትበሃል ፊልም ኣላቶ ። ኣብ 'ዛ ፍልም ሓሰኔን ኣል-በርጡሺ ( ዓድል ኢማም ) ዝተባህለ ሰብ ድሕሪ ሞት ኣቡኡ ካብ ሃገረ-ሰብ ዓዱ ናብ ከተማ ይስደድ ። ኣኮኡ ኣቦ ስድራ ሰለዝኾነን ወዲ ሓፍቱ ድማ ብሃንደበት ስለ ዝነጠቦን ኣዝዩ ኣይተሓጎሰን ። ኮይኑ ግን ንዓድኻ ተመለስ ኢሉ ከዕግቦ ስለ ዘይከኣለ ብዝከኣል መጠን ስራሕ ክረኽበሉ ፈቲኑ ። ሓስኔን ኣል-በርጡሺ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣብ ሓደ ስራሕ ጠጠው ክብል ኣይከኣለን ። ሚነዋለ ኣይከኣሎ ፡ ኣሕምልቲ ምሻጥ ኣይከኣሎ ፡ ኣብ እንዳ ቅመማ-ቅመም ዱካን ምስራሕ ኣይከኣሎ ...ኮታስ ኣብ ኩሉ ፈሺሉ ። ካብ እታ እንዳ ዱካን ከፋንውዎ እንከለዉ ሓንቲ መስሓቕ ኣጋጣሚት ኣጓኒፋቶ ! ምስ ሓንቲ ኣብ'ቲ ዱካን ገለ ክትገዝእ ይኹን ካልእ ደልያ ዝመጽአት ሰበይቲ ማለት እዩ !

    ዓሚል ፥ ሓባሃንን ሚስቲካን ኣሎካ ዶ ?
    ኣል-በርጡሺ ፥ እወ! ኩሉ እቲ ነገራት ኣሎኒ ፡ ንመግቢ ድማ ድንቂ እዩ ዝገብሮ !!
    ዓሚል ፥ ንስኻ ድንቂ ኢኻ ፡ መግበይ 'ውን ደስ ክብለካ እዩ ።
    ኣል-በርጡሺ ፥ ነቶም ዝበልዕዎ ክንዲ ግዛዕ ይግበሮም !!
    ዓሚል፥ ንስኻ ወዲ ሓረስታይ ኢኻ ፡ ኣይኮነን ?
    ኣል-በርጡሺ ፥ እወ! ካብ ኽርቤትሀ/ ብሔራ
    ዓሚል፥ ሓዲሽ ኢኻ ፡ እወዶ ?
    ኣል-በርጡሺ ፥ እወ! ሕጂ ቀረባ እየ መጺይአ ።
    ዓሚል ፥ ደሓን ኢኻ ዘሎኻ ( ምስ ሓይልኻ !!) ማለት እዩ ?
    ኣል-በርጡሺ ፥ እወ! ፍርድኺ ይጥዓም!
    ዓሚል ፥ ( ምጥጥ ኣቢላ ) እሞ ሑበሃንንን ኣሎካ ዶ ?
    ኣል-በርጡሺ ፥ እንታይ ?
    ዓሚል ፥ ሑበሃንንንን ...ንሓባሃን ኣቃባጢረ ናብ ሑበሃን ቀይረ መታን ሑብ ክብለካ!
    ኣል-በርጡሺ ፥ እወ...ሑበሃን ኣሎና ኣብ'ዚ እነሀሎ!!
    ዓሚል ፥ ስማዕ እንዶ ክብለካ ናባይ መጺእካ መግበይ ዘይትጥሞ
    ኣል-በርጡሺ ፥ እንታይ?
    ዓሚል ፥ ነዓ መግበይ ጠዓሞ
    ኣል-በርጡሺ ፥ ኣምላኽ ይሃብኪ
    ዓሚል ፥ ኣንታ ሰብ ከምዚ ኣይትኹም ፡ ዓዋን ኣይትኹን (ከም ዘይተረዳኣካ ኣይትግበር !)
    ኣል-በርጡሺ፥ እምበኣር ኣነ እየ ዓዋን! ኣንቲ ሰበይቲ ንስኺ ብልሓተኛ ኢኺ ፡፡ ኣነ እንታይ ማለትኪ ምዃንኪ ሕርሕራይ ጌረ ፈሊጠኪ ኣለኹ! ተላይ ካብ ቅድመይ ተኣለዪ !!
    ዓሚል ፥ ወይለይ ንስኻ 'ባ ስዲ ናይ ብሓቂ!
    ኣል-በርጡሺ፥ እምበኣር ኣነ እየ ስዲ !
    ዓሚል ፥ ነብስኻ ዘይትእክብ ሂወት(ሽኮር) ሓትንኡየ
    ኣል-በርጡሺ፥ ሓትነይ ደኣ ኣብዚ እንታይ ኣእቲይዋ?
    ዓሚል ፥ ወይለከይ !
    ዋና ዱካን ፥ እንታይ ተረኽበ ?
    ዓሚል ፥ እንታይ ዝበለ ኢኻ ኣብዚ ኣምጺእካ ?
    ዋና ዱካን ፥ እንታይ ኣሎ ?
    ዓሚል ፥ 'ዚ ወዲ ኣብ እግረይ ረጊጹ ክጠማምተኒ ጸኒሑ
    ኣል-በርጡሺ ፥ ኣነ ደኣ ኣብቲ ኮይነ ከመይ ኢለ እየ ዝጥምተኪ ? ዳሕራይ ከኣ ኣብቲ ኮይነ ከመይ ኢለ ክረግጸኪ? ንስኺ ኣብዚ ኣነ ኣብቲ !

    ዋና ዱካን
    ፥ ኣታ ወዲ እዚ ኩሉ እንታይ ዝበለ ስድነት እዩ !
    ኣል-በርጡሺ፥ ኣንታ መዓልም ኣነ ኣይጠማመትክዋ ዋላ እግራ ኣይረገጽክዋ
    ዋና ዱካን ፥ እዛ ሰበይቲ ትሕሱ ኣላ ማለት ድዩ ?
    ዋና ዱካን ነታ ዓሚል ፥ ደሓን ናባይ ግበርዮ ፡ ጠለብኪ ክማላእ እዩ ፡ ብሕሳብና
    ዓሚል ፥ ጅግና ዕድመ ይሃብካ ! ሙቓት ይደሊ ኣለኹ ።

    በዓል ዱካን ነታ ዓሚል ሒዝዋ ናብ ውሽጢ ይኣቱ !

    ኣል-በርጡሺ ፥ ወይ ጉድ! ንስኻ ናይ ብሓቂ ስነ-ስርዓት ዘይብሉ መዓልም ኢኻ ።


    ኣል-በርጡሺ ኣብ ዝፈተኖ ስራሕ ምስ ፈሸለ ድሕሪ ምክልባት ኣብ ዝኸዶ ምስ ሰኣነ ኣብ መስጊድ ደቂሱ እንከሎ ንልመና ሰባት ዘናድዩ ዒሳባ ብሓደ ልእኾም ( ሰይድ ዘያን ) ክንሕግዘካ ኢሎም ናብ ቦትኦም ይወስድዎ ። ኮይኑ ድማ ንልመና ምቹእ ክገብርዎ ኢሎም ኣካሉ ክሃስይዎ ህርድግ ኢሎም ምስ ተቓለሶም ሓደ ካብ እቶም ሓላፍቲ እታ ዒሳባ ( ወሒድ ሰይፍ ) " ነዚ ዘድልዮ ፈሊጠዮ ኣለኹ ሕደግዎ -- ባድላ ከዲንካን ኦክያለ ኣውዲኻን ንሓለፍቲ መንገዲ ከም ሓደ ግዜ ዝጠለሞ ወዲ ሰብ ጌርካ ምቕራብ እዩ ። " ድሕሪ ምባሉ ኣል-በርጡሺ ኣብ ጥቓ ሓደ ሆቴል ምቹእ ቦታ ሒዙ ናይ ልመና ስርሑ ይጅምር ። ሓደ መዓልቲ ኣል-በርጡሺ እንዳ ለመነ እንከሎ ናይ ሓደ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣብ ንግዲ ዝተዋፈረ ቢዝነስማን ኣቃልቦ ይስሕብ ። ስለምንታይ ? እቲ ቢዝነስማን ኣል-በርጡሺ ለማናይ ዘይኮነስ ምንቅስቓሳቱ ተኻታቲሉ ናብ ፖሊስ ጸብጻብ ዘማሓላልፍ ናይ ፖሊስ እዝንን ዓይንን ከይከውን ዝብል ጥርጣረ ስለ ዝሓደሮ ። ካብ ጥርጣረን ስግኣትን ተበጊሱ ድማ ገለ ክገብር ስለ ዝነበሮ ንኣል-በርጡሺ ጸዊዑ ጉቦ ክህቦ ይውስን ። ኣል-በርጡሺ ጎራሕ ስለ ዝነብረ ናብ ፖሊስ ከይዱ ብዛዕባ እቲ ጉዳይን ዝተዋህቦ ጉቦን ንፖሊስ የማሓላልፍ ። እታ ፊልም ብጽቡቕ ክትውዳእ መታን መንግስቲ ካብ እቲ ዘስተለሞም ገንዘብ ጎኒዖም ንኣል-በርጡሺ ከም ሽልማት ስለ ዝሃብዎ ንሱ ምስ እታ እንዳለመነ እንከሎ ዝተላለያ ጎርዞ ክምርዖ ክኢሉ ። ኣብ መርዓ ግን ዳስ ተተኺሉ እንከሎ በቲ ኣል-በርጡሺ ተጻዊቱለይ ኢሉ ዝኾረየ ቢዝነስማን ዝተላእኩ ሰባት ዳንኬራን ወታዕታዕን ተፈጢሩ ። ዝተታሕዘ ተታሒዙ ዝተኣስረ ተኣሲሩ እቲ ሓጎስ ናይ ኣል-በርጡሺ ክጓናደብ ኣይከኣለን ።

    እዚኣ ዎ ደሓንኩም !!!



.

Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: " ኣብ ኤርትራ ከም'ዚ ዓይነት ኮሜድያን ኣሎና ድዩ ? " ወዲ ሓወቦይ ምስ ኮኸብ ዳዊት እዩብ ንመጀመርታ ብዩትዩብ ምስ ተላለየ ዝበሎ። ሓቁ!!

Post by Abe Abraham » 03 Feb 2022, 17:27



ዓድል ኢማም ፊልም ክሰርሕ እንከሎ ነተን ምስኡ ዝሰርሓ ኮኸባት ሰዓዒሙ ስለ ዝውድአን ብኡ ስለ ዝኽሰስን ሓደ መዓልቲ ሓደ ጋዜጠኛ ነዚኣ ሕቶ ከይሓተትክዋ ክሓልፍ ኣይክእልን እየ ብምባል ንዓድል ኢማም '' ጓልካ ኣብ ናይ ሲነማ ዓለም ተዋፊራ ኣብ 'ታ ዓባይ ሻሽ ( ንእሽተ ሻሽ ቲቪ ምዃና እዩ ) ክትሰዓም ምተቀበልካ ዶ ? '' ኢሉ ምስ ሓተቶ እቲ ዓቢ ኮሜድያን ብኣይፋልን መሊሱሉ ። እቲ ጋዜጠኛ " ንስኻ ደኣሞ ስለምንታይ ኣንስቲ እንዳማትካ ትሰዓዕም ? " ብትብል ተኸታሊት ሕቶ ክገጥሞ ምስ ከኣለ ኔሩ ኮይኑ ግን እንተ ብፍርሓት እንተ ብሓንኪ እንተ ብክልቲኡ በቲ ዝተዋህቦ መልሲ ኣእኪሉ ናብ ካልእ ኣርእስቲ ሰጊሩ ።

ዓብዱልሑስይን ዓብዱልሪዳ ዝበሃል ዓቢ ናይ ኩወይት ኮሜዲያን ኣብ ሓንቲ ብዛዕባ ደቂ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ሃብቲ ናይ ፔትሮል ካብ ሰማይ ከመ ማና ምስ ነጠቦም ቋንቋ ከይተማህሩ ብጉያ ናብ ሎንዶን ንዙረት ዝኸዱ ትዛረብ ናይ ቀልዲ ትያትር ኣብ ሓደ ክላብ ኣትዩ ምስ ሓንቲ ኣብ ጥቕኡ ኮፍ ዝበለት ጓል ኣንስተይቲ እንግሊዝ ናይ ሌላ ዕላል ከፊቱ ፥ ኣብ ኩወይቲ ቤቢ ...ኖ ሚልክ ....ቢትሮል / ኣብ ኩወይት ነቖልዑትና ክዓብዩ እንከለዉ ፔትሮል እምበር ጸባ ኣይነስትዮምን ኢና ኢልዋ !! ( ደቂ ኸሊጅ ብብዝሒ ፔትሮልን ሰልድን ጥራሕ እዩ ዘለዎም ስለ ዝበሃሉ !!)

ሱለይማን ዒድ ( ንባዕሉ ሶማላዊ ዝመስል) ክዋዘ እንከሎ " ሓንቲ ነፋሪት ፈውሲ ጽዒና ካብ ካይሮ ተበጊሳ ናብ ሞቕዲሾ ምስ በጽሐት ካብ መዕረፊ ነፈርቲ ሽዑ ንሽዑ ተመሊሳ ። ምኽንያት ? እቲ ጽዒናቶ ዝኸደት ፈውሲ ኣብ እቲ ወረቐቱ " ድሕሪ መግቢ ውሰዶ " ዝብል ጽሑፍ ስለ ዝነበሮ ። " ( ኣብ ግዜ ጭንቂ መግቢ ተሳኢኑ እንከሎ ፈውሲ በየን ይወሰድ ማለት እዩ ሕመረት ናይ 'ቲ ቀልዲ )

ፉኣድ ኸሊል ( ምስራዊ ኮሜድያን ትምህርቱ ሓኪም ኣስናን) ፥ ሓደ ዘቕረበሉ ዊስኪ ምስ ጠዓሞ ደስ ስለ ዘይበሎ " ዊስኪ ናይ ታይዋን ኣምጺኡለይ " ኢሉ ተራጊምዎ ። ( ካብ ቀደም ኣብ ሃገራት ዓረብ ታይዋን ንካልኦት ዝመሃዝዎ ቀቀዲሓ 'ያ ኢያ ናብ ዕዳጋ ተቕርብ ፡ ትምኑይ እምበር ኦሪጂናል ዝበሃል የብላን ዝብል ርድኢት ስለ ዘሎ ። )

ፋሩቕ ፈለውከስ ኣብ ሓንቲ ፊልም ኣብ ገዛ ምስ ሓደ ዓርኩ ኮፍ ኢሉ እንዳ ሰተየን እንዳ ተዛናግዐን እንከሎ ንሓደ ዝተጸንበሮም ጋሻ መስተ ንክሰቲ ዓዲምዎስ ምስ ኣሐለሎ " ኣብ ኤውሮጳ ነዚ ኣቖልዑት/ኣጥፋል ኢዮም ዝሰትይዎ " ኢልዎ !

ተውፊእ ኣል-ድእን ኣብ ሓንቲ ፊልም ምስ ካብኡ ብዕድመ ትንእስ ሰበይቱ ምስ ተጋራጨወ " ያ ቢንት ኣል-ኻዋጃ / ኣንቲ (ስዲ) ጓል ፈረንጂ " ኢሉ ጸሪፍዋ ።

ነጋሕ ኣል-ሙጊ ኣብ ሓንቲ ብዛዕባ ምብጻሕ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ናብ ምስሪ ( ካብ ሓንቲ መጽሓፍ ዝተወስደት ዋዛ ምስ ቁም-ነገር ዘለዋ ዛንታ ። እታ ዛንታ ብዛዕባ ደቂ ሓንቲ ዓዲ ኣብ ምስሪ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ናብ ዓድና እንተ በጺሑ ከርብሓና እዩ 'ሞ ንዕዑ መእተዊ ዝኸውን መንገዲ ባቡር ክንተክል ኣሎና ኢሎም ወዘኽ-ዘኽን ኔው-ነጅውን ክብሉ እንከለዉ ኢያ ትሕኪ ። ቁም-ነገር ናይታ ዛንታ ፥ ርእስኻ ምኽኣል 'ምበር ኣብ ምጽወታ ኣሜሪካ ምትእምማን ትርጉም የብሉን ። ) ተዘንቱ ፊልም ምስ ደቂ ዓዲ ኣብ ጥቓ ሓንቲ ዱካን ኮይኖም ብዛዕባ ኣሜሪካ ዝፈልጥዎን ዘይፈልጥዎን ክሕክዩ እንከለዉ " ኣብ ኣሜሪካ ኩሉ ብኳሬንቲ እዩ ዝሰርሕ ሓታ ኣል-ስታት/ ዋላ ደቂ-ኣንስትዮ ከይተረፋ " ኢልዎም!!!





Post Reply