Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Thomas H
Senior Member
Posts: 12589
Joined: 27 Jan 2007, 16:30
Location: Kaliti
Contact:

Breaking: ኖርዌይ ውስጥ ከሻእቢያው የማነ ገብረአብ ጋር ሆነው ሳዋ የተመሠረበትን 25ኛ ዓመት ያከበሩ ከአገር ሊባረሩ ነው

Post by Thomas H » 22 Jan 2022, 12:47

Asyljuks avslørt. Eritrearar mistar opphaldsløyve
FLYKTNINGAR: UDI blei pålagt å granske 150 eritrearar som har fått opphald i Norge. I 13 saker er opphaldsløyvet kalla tilbake. Fire skal bli sendt ut. Ni får bli.

4 ኣባላት ህግደፍ ካብ ኖርወይ ክጥረዙ፥ 13 ድማ ገለ ዜግነቶም ገለ ድማ መንበሪ ወረቀቶም ክሕደጉ መንግስቲ ኖርወይ ወሲኑ!
ስርዓት ኤርትራ በዲልና ኢሎም ኣብ ሃገረ ኖርወይ ዕቑባ ሓቲቶም ከብቑዑ፥ መበል 25 ዓመት ናይ ምምስራት ሳዋን ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎትን ከኽብሩ የማነ ገብረኣብ ኣብ ዝተረኸበሉ ጽንብል ኣብ ወርሒ ነሀሰ 2019 ዝተሳተፍ 150 ኤርትራውያን፥ ጉዳዮም ብኢሚግሬሽንን ብፖሊስን ናይቲ ሃገር ክምርመር ድሕሪ ምጽናሕ፥ 13 ካብኣቶም ገለ ተዋሂብዎም ዝነበረ ናይ ኖርወይ ዜግነቶም፥ ገለ ካልኦት ድማ መንበሪ ወረቀቶም ክሕደጉ ተወሲኑ ኣሎ።
4 ድማ ካብ ሃገረ ኖርወይ ክጥረዙ ተወሲኑ ኣሎ። 2 ካብኣቶም ናብ ኤርትራ ክጥረዙ ከለው፥ እቶም ዝተረፍ ክልተ ድማ ቅድሚ ንኖርወይ ምምጽኦም ኣብ ካልኦት ሃገራት ኢሮፕ ይነብሩ ስለዝነበሩ ናብኡ ክጥረዙ እዮም።
36 ካብኣቶም ድማ ጉዳዮም ገና ብኢምግሬሽንን ብፖሊስን ይምርመር ኣሎ።
እቶም ዜግነቶም ወይ መንበሪ ወረቐቶም ተሓዲጎም ዘለው 13 ሰባት፥ ናይ ሓገዝን ካልእን መሰላቶም’ውን ክሕደጉ እዮም።
እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ኣሳእል፥ ኣብቲ በዓል ዝተወሰደ እዩ። እቶም ሰባት'ውን ካብዞም ኣብዚ ኣዳራሽ ዘለው እዮም።




























SOURCE: https://www.vl.no/nyheter/2022/01/21/as ... YNXw--7r2w