Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
tarik
Senior Member+
Posts: 33235
Joined: 26 Feb 2016, 13:04

***(((JUST IN)))***ህዝቢ ትግራይ ደወል ቃጭል ኣድሕኑኒ ክድዉል ጀሚሩ:Cursed-Land-Tigray Ppl R Begging 4 Help!!! WEEY GUUD !!!

Post by tarik » 22 Jan 2022, 10:51

Center for research and documentation ማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራዉያን
8tSmht929for4fg ·
ህዝቢ ትግራይ- ደወል ቃጭል ኣድሕኑኒ ክድዉል ጀሚሩ
====
ክልል ትግራይ ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቕልዉላዉ ምህላዋ ብዙሓት ተወለድቲ እታ ክልል ዝሕብርዎ ዘለዉ'ዩ። ብፍላይ'ቶም ምስ ጃንዳ ማለሊት ወጊኖም ከዳኽሩ ዝጸንሑ ኣክትቪስት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ቕልዉላዉ፡ ካብ ቑጽጽር ወጻኢ ይኸይድ ምህላዉ ኣብ ምሕባር ተጸሚዶም ይርከቡ። እቲ ምስ ጃንዳ ማለሊት ወጊኑ ኩናት ክጉስጉስ ዝጸንሐ ስየ ኣብርሃ'ዉን ከይተረፈ፡ ጃንዳ ማለሊት ስልጣን ሓዲጋ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ከምጽእ ዝኽእል መገዲ ክትከፍት ጸዊዑ'ሎ። ኣብ ደገ ዝነብሩ ተወለድቲ እታ ክልል'ዉን፡ እቲ ኩናት ደዉ ክብልን ጃንዳ ማለሊት ነቲ ኩናት ንምቕጻል ካብ እተካይዶ ዘላ ምትኹታኹ ክትቑጠብን ኣብ ምጽዋዕ ይርከቡ።
እንተኾነ ወተሃደራዊ ኮማንድ ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ዝገበሮም ገምጋማት፡ እቲ ኩናት ብቕልጡፍ ክዛዘም እንተዘይክኢሉ፡ ህዝቢ ትግራይ ህላዉኡ ኣብ ሓደገ ከም ዝወድቕ ብምቕማጥ፡ ወልቃይትን ሑመራን ንምዉራር ሰፊሕ ምድላዋት ኣብ ምግባር ከም ዘሎ ኣፍሊጡ'ሎ። ኣብ ባይታ ዘለዉ ሓቅታት ከም ዝገልጽዎ፡ ጃንዳ ማለሊት ኣብ መላእ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ዜጋታት፡ ብሓይሊ ብረት ኣብ ምዕጣቕን ህዝቢ መግቢ ንኸዳሉ ኣብ ምግዳድን ተጸሚዳ'ላ።
መንግስቲ ኣሜሪካ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ንምቁጽጻርን ብዓቢኡ'ድማ ጃንዳ ማለሊት ካብ ትፍኣት ንምግልጋልን፡ ንፍሉይ ልኡኹ ማሊ ፊን ዴቪድ ሳተርፊልድን ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኢኹ'ሎ። መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣቕሪብዎ ብዘሎ ጠለባት፡ እዘን ኣብ ታሕቲ ተዘርዚረን ዝርከባ 3 ነጥብታት ንኽማልኣ ብፍሉይ ልኡኽ ኦሊሶጎን ኣባሳንጆ ኣቕሪቡ'ሎ።
1- ጃንዳ ማለሊት ዕጥቃ ኣዉሪዳ፡ ሰራዊታ ናብ መዓስከራት ከተእቱ
2- ብሕጊ ዝሕተቱ ዉልቀሰባት ኣብ ቕድሚ ሕጊ ንኽቐርቡ
3- ሓይሊ ምክልኻል ኢትዮጲያ ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ
እንተኾነ ጃንዳ ማለሊት ነዘን ጠለባት ብምንጻግ፡ ህዝቢ ትግራይ ደጊማ ናብ ኩናት ንምጥባስ ተበጊሳ'ላ። ህዝቢ ትግራይ ዘልዕሎም ዘሎ ጠለባት ንምዕፋን'ድማ ሰፊሕ ናይ ግፋ ተግባራት ኣብ ምክያድ ትርከብ። ኣብ ከተማታት መቐለ፡ ሽረ፡ ዓድዋ፡ ኣኽሱም፡ ዓዲ ግራት፡ ዉቕሮ፡ ዕዳጋ ሓሙስ፡ የሓ፡ እንትጮ፡ ኣጉላዕን ካልእን ሰፊሕ ናይ ክተት ኣዋጃት ወጺኡ ይርከብ። ድሮ'ዉን ኣብ ኩሉ መርበባት፡ ብወገን ባድመን ኣብዓላን ከቢድ ኩናት ጀሚሩ ምህላዉ ጎስጓስ ጀሚሩ'ሎ። በዚ ዝረዓደ ህዝቢ፡ ከበድቲ ሕቶታት ኣብ ምልዓልን ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት መፍትሒ ክግበረሉ ብቓልዕ ኣብ ምሕታትን ይርከብ። እሞ- ህዝቢ ትግራይ- ደወል ቃጭል ኣድሕኑኒ ክድዉል ጀሚሩ እንተበልናስ መን ክማጎት ይኽእል፧