Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
sarcasm
Senior Member
Posts: 10186
Joined: 23 Feb 2013, 20:08

ድሕሪ ኩናት ትግራይ ዉጥን መራሕቲ ሻዕብያ ካበይ ናበይ?

Post by sarcasm » 28 Sep 2021, 15:37

ድሕሪ ኩናት ትግራይ ዉጥን መራሕቲ ሻዕብያ ካበይ ናበይ?
******************************************


ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ርስሓታ ደፊኣ ጭቃ ዕግርግር ካብ ትፈጥር 30 ዓመታ ኣሕሊፋ ዘላ ሻዕብያ፡ ባዕላ ዝፈሓሰቶ ገመድ ናብ ክሳዳ ኣብ ዝኣትወሉ ዘሎ እዋን፡ ብቕደም ተኸተል ዝዋደደቶ እኩይ ስሩዕ መደባታ እንታይ እዩ ዝብል ነጥብታት ክንርኢ ኢና። ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት እቶም ብዕድመ ዝደፉኡን ዝበዘሐ ወቕቲ ብመድሃኒትን ተደጊፎም ስለይ ዝብሉ ዓቀይቶት ሻዕብያ፡ ኣብ ደገ ወጺኦም ሃለፍተኦም ክኽዕዉ ተዓዚብና ኢና፡ ግን ነዚ እንታይ እዩ ጠንቁ ዝብል ሕቶ ክህሉ ንቡር እዩ። ምስ መን እዮም ተኣኪቦም፡ ንመን ከ ዓዲሞም፡ ትሕዝቱኡ ከ እንታይ ዝብል ነበረ ዝብሉን ካልእን ሕቶታታ ዝምልስ ዝተጨበጠ ጽሑፋዊ ትንታነይ ናባኹም የብሎ። ብዘይካ ነዊሑ ዝብል ቅረታ፡ ርእይቶ፡ ሕቶ ኩሉ ቕቡል እዩ። ካብ ዓድና ናብዚ ዘለናዮ ስደት ዘሎ ናይ ንውሓት ጉዕዞ ወዲእና ዘይደኸመና፡ ኮፍ ኢልና ወይ ድማ ጎቦ ኮይና ንነቦ ጽሑፍ ኣይንታሃከ። ምኽሪ ሓውካ ብድውካ ይብሉ ኣበዋት። በሉ ናብቲ ቀንዲ ትሕዝቶይ ከእትወኩም።

ሻዕብያ ነቲ መቐለ ከርዲና ኣብ ቆላ ተንቤን ክትዛዝሞ ዝወጠነት፡ ጥፋኣት ትግራይን ተጋሩን፡ ብጽንዓትን ሳይነሳዊ ጥበብ ተጋሩን ተበዲሁ ነገር ምስ ሸለሐ፡ ኣብታ ዑና ዝቐየራታ ኣስመራ ተኾርማያ ከም ብሓድሽ እኩይ መደባት ክትሓናጽጽ ወሪሓ ኣላ። ኣቡኡ ብዙሕ ወረድ ደይብ ከምዝነበሮ እኹል ሓበረታ እኳ ኣንተሎ፡ እቲ በቶም ኮራርምቶም ወዲኦም ብግርጻኖም ዝሕይኹ ዓቆይቶታ ጌራ ናብ ህዝቢ ዝኸዓወቶ ሃለፍተኣ ጥራይ ምግምጋም እኹል እዩ ዝብል እምንቶ ኣሎኒ። እቲ ዓቢ ኣጀንዳ እዚ ህዝቢ ዎያነ ይመጸኣካ ኣሎ ኢልናዮ ምስላፍን ምርዳእን እንተ ኣብዩና ምርጫና ሩዑኳ ጠቕሊልካ ሳሕል ምምላስ እዩ ዝብል መርገጺ ይርከቦ። ግን ነዚ እንታይ ወለዶ ዝብል ነጥቢ ምልዓል ኣገዳሲ ክኸዉን እዩ። እታ ካብ ምኽባር ሕጊ ናብ ናይ ህላውነት ቃልሲ ወዲቓ ዘላ ኢትዮጵያ፡ ኣማውታኣ ኣፍሊጣ ኣላ። ኮይኑ ሎሚ ሻዕብያ እትወስዶ ናይ ህላዉነት ፋሕጠርጠር ንኹሎም ዘድሕን ኣይኮነን።

ኣብ ቀዳማይ መስርዕ ተቐሚጡ ብመልክዕ ቃለ ምልልስ፡ ሃለፍታ ክኽዑ ዕድል ዝተዋህቦ፡ እቲ በተን ካብ ዱባይ ዝመጸኦኦ መሕጸቢ ደምን መዓናጡን መድሃኒት ተሓጊዙ፡ ምስ መንደቕ እና ተደገፈ ልእኽቶ ኢሰያስ ዝፍጽም ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ እዩ። ንሱ ይብል ንሕና ኢትዮጵያ ከይትብተን ክንቃለስን ዋጋ ክንከፍልን ኢና፡ ወያነ ኣብ ስልጣን ንኸይትምለስ ተዓጢቕና ክንቃለስ ኢና ወሲኹ። ህዝቢ ኤርትራ ኢትዮጵያ ገዛኢትካ እያ፡ ካብ ኢትዮጵያ ነጻ ክትወጽእ ተቓለስ ኢሎም ብምጉስጓስ፡ 30 ዓመት ኣሻሓት ሂወትን ኣካልን ኣብሪሶም፡ ግልብጥ ኢሎም ሎሚ ንድሕነት ኢትዮጵያ ኩሉዃ ክተት ብምባል ኣብ ታሪኽ ክልተ ዘይራኸቡ መስዋእቲ ፈጢሮም። ካብ ከርሲ ሓደ ህዝቢ ሙዃኑ ድማ የሕዝን። ኣቦ ኣንጻር ኢትዮጵያ፡ ዉላድ ንስለ ኢትይጵያ መይቶም። ሻዕብያ ካብ ሃይለስላሴ ይኹን ደርግ ናይ ስልጣን እምበር ናይ ዕላማ ፍልልይ ኣይነበሮምን ዝበለ ምንቅስቕስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራውያን፡ ነዚ ጭቡጥ ጉዕዞ ሻዕብያ ኣንጊሁ ስለ ዝተረደአ እዩ። ንዕቀት ናይቲ ህዝቢ ዘግሃደ መደረ ኣልኣሚን ትሕዝቱኡ ናይ ብሓቂ ንሓልዮት ኢትዮጵያ ድዩ ዝብል ግን ክንሪኦ ይግባእ። ትግራይ ዝብሃል ሕብረተሰብ ኣብ ትግራይ እንተ ዘይሃሊቑ፡ ኣብ ዘለናዮ መጺኡ ስለ ዘይሓድገና፡ ኢትዮጵያ ዝብል ጥብቆ ተጠቂምና ነብስና ንድሕን እዩ ትርጉሙ። ኣቢይ ስዕረት እንዳጎሰዐ፡ ሻዕብያ እንታይ ሓበጥዋ ንኩናት ትጉስጉስ እንተኢልኩም፡ እቲ 8 ወርሒ ኣብ ትግራይ ኣትያ ዝፈጸመቶ ጸይቂ፡ መሕብኢ ስለ ዘይትረኽበሉ እዩ። ካብ ትፍጠር ክሳብ ሕጂ መሕቢኢኣ ኩናትን ዕግርግርን ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታታ እንተ ሃዲኡ ረብሓኣ ኣይኮነን። ሻዕብያ ኣብ ሰላም ካብ ባሕሪ ከም ዝወጸ ዓሳ እያ። ሃለፍታ ኣልኣሚን ነቲ ኣመሪካ ብእገዳ ጀሚራቶ ዘላ ጉዶም፡ ተጋሩ ብጽፍዒት ክዛዝምዎ ስለ ዝኽእሉ በኣግኡ ፕሮፖጋንዳ ነዚሕካ ምጽናሕ ካብ ዝብል ፍሽል ውጥን ዝተበገሰ እዩ። ኮይኑ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወራር ብዓወት ተጋሩ መልክዑ ኣብ ዝሕዘሉ ዘሎ መድረኽ፡ ሻዕብያ ኣብቲ ከባቢ ሓድሽ ዕግርግር ክትምህዝ ኔርዋ። እንተ ዘይኮይኑ ሕቶ ህዝቢ ትግራይን ሰራዊቱን ኣድፍህቦ ማሕብረ ሰብ ዓለም ስሒብሉ ኣብ ዘሎ እዋን ሻዕብያ ድቃስ ለይቲ ክወስዳ እዩ ኢልካ ክሕሰብ የብሉን። ብሱሩ እኳ በቲ ሰባብ ግብራ ደቃሲት ኣይኮነትን። ድሕሪ ሃለፍታ ኣላኣሚን ሓዲሽ ውዲት ሻዕብያ ኣብ ሱዳን ክንምልከት ኢና።

ዋና ዕላሙኡ ኣመሪካ ምስ ሱዳን ዘለዋ ዝምድና ንተራ ሩስያን ቱርኩን ስለ ዘልመሶ፡ ጽልዋ ሻዕብያ ኣብ ሱዳን ወዲቑ እዩ ጸኒሑ። ብዲፕሎማሲ ካብ ደረጃ ኤምባሲ ናብ ቆንሱል እዩ ወሪዱ፡ ንሱ ‘ዉን ሻዕብያ ብተካይዶ ስዉር ምትንዃል፡ ሱዳን ክትልኩቶ ሙዃና ኣጠንቂቓ እያ። ምስ ኣልበሽር ብዝነብሮም ዝምድና ዘካይድዎ ዝነበሩ ዕንደራ ስለ ዝሰኣንዎ፡ ነቶም ኣብ ስልጣን ዝነብሩ ብጾት ኣልበሽር ኣኻኺቦም መንግስቲ ንምግልባጥ መደብ ሓንጺጾም። እዚ ነቲ እቐዲሙ ብምብራቕ ሱዳን ብብሂረ በጃ፡ ሀደንዳውን ኣምሲልካ ሻዕብያ ብእትምዉሎም ሃሱሳት ጌርካ ዝተወደበ ዕግርግር መራጎዲ እዩ። ነዚ ዝምርሕ ድማ ሜ/ ጀነራል ዓብደል ባቂ ባክራዊ ዝተባህለ ዓርኪ ሻዕብያን ንነዊሕ እዋናት ምሰኦም ዝተቐመጠ በዓል ስልጣን ከም ዝኾነ ተፈሊጡ እዩ። ክሳብ ናይ ምግንጻል ሕቶ ሒዞም ንኽቐርቡን ነቲ ናይ ሱዳን ናይ ምስግጋር መስርሕ ደው ከብልዎን ድማ ስትራተጂ ነደፉ። ካብ ደቡብ ሱዳን ዘኣቱ ነዳዲ ንከይ ከፋፈል ፖርት ሱዳን ንኽዕጾ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ። ከሰላ መስመር መጓዓዝያ ተዓጽዩ። እዚ በቶም ኣብ ግዜ ኣልበሽር ምስ ሻዕብያ ክሰርሑ ዝጸንሑ መራሕቲ ነበር ዝተኸደ ናይ መወዳእታ ፈተነ እዩ። ኮይኑ ግን ኣብ ዉሽጢ ሓጺር ግዜ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስትን ጸጥታን ሱዳን ከኣቱ ኪኢሉ እዩ። ኣስታት 40 ሰባት ድማ ተታሒዞም ኣለው። ነዚ መሳለጢ ዝኸዉን 800 ብረት ኣየር ኢትዮጵያ ከተእትዎ ከም ዝተታሕዘት መንግስቲ ሱዳን ኣቃሊዕዋ እዩ። ኩሉ ቀዲሙ እዩ ፈሺሉ። መንግስቲ ሱዳን ድሕሪ ዑደት ምግባሩ ናይ ሓባር ስምምዕ ፈሪሞም፡ ብሽርሒ ሻዕብያ ተዓጽዩ ዝነበረ መንገድታት ተኸፊቱ ኣብ ንቡር ስርሑ ይርከብ። ሰራዊት ኢትዮጵያን ናይ ክልል ኣምሓራን ብጊደኦም፡ ኣብቲ ምስ ሱዳን ዘሰሓሕብ መሬት ጠርባሽ ፈተነ ኣካይዶም፡ ብሰራዊት ሱዳን ተጸፊዖም ተመሊሶም። ኩሉ ኣብ ኢድ ሰራዊት ሱዳን ኣትዩ ይርከብ።

ካላኣይ ዕላሙኡ ኣመሪካ ኣብ ትግራይ ንዘለዋ መርገጺ ንምቕያርን ኩሉ ኣብ ኢድ ሻዕብያ ሙዃኑ ንምእማን እዩ ኔሩ። ኢትዮጵያ ዘለዋ ሽግር ምስ ናይ ሱዳን ተመሳሳሊ እዩ። ምብራቕ ሱዳን ክንግንጸል ኢና ዝብል ሕቶ የቕርቡ ኣለው፡ ሕቶ መሰል ርእሰ ዉሳኔ ትግራይ እንተተቐቢልኩም ናይ ሱዳን እውን ክትቅበልዎ ኣለኩም ዝብል ኣጉል ምጉት ንምቕራብን ኣመሪካ ከም ፈጣሪት ሽግር ጌርካ ንምቕራጽን እዩ ተጌሩ። ይኹን እምበር ኣብ ኩሉ ከይበጸሐ ሃፊፉ። ሻዕብያ ንምብራቕ ሱዳን ከም መጣሊዒት ካርታ ሒዙ፡ ሱዳን ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ እንተዘይተሰሊፋ፡ ከፈራራሓ ብማለት ዝሓዞ ስልቲ እዩ። ነዚ ዝተረደአ መንግስቲ ሱዳንን ጸጥቱኡን ኣብ ሓደ ሰዓት ኣበርዒንዎ። ሻዕብያ ኣብዚ ዘውደቓ ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ትግራይ ዘጋጠማ ስዕረትን ዓለምለኻዊ ዉርደትን እዩ። ሱዳን ናብ ተመሳሳሊ ሽግር ኣውዲቕካ ርእይቶን ኣድህቦን ዓለም ንምቕያር ድማ ሃቂኖም። ካብ ጌም ኦቨር ናብ ክተት ዘውደቖም ደማሳሳይ ውግእ ትግራይ ኣብ ኣስመራ ተኾርምዮ ዳግም ጸይቂ ክጥጁኡ ጌርዎም ይርከብ።

ቀጺሉ ህዝቢ ዘኣከበ ኣምሲሉ፡ ካብ ሰራዊትን ካብቶም ስሩዓት ኣባላት ናይቲ ዉዱብን ኣኪቡ ዝገዓረ፡ ኣብራሃ ካሳ እዩ። ንሱ ይብል ሰራዊት ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ካብ ሓመድ ተሲኦም ብሓደ ኣካል ተላዒሎም ኣለው፡ ኢትዮጵያ ተፋሪቖማ እዮም። ስለዚ ንሕና ነብስና ክንከላኸል ይግባእ። ይኹን በኣንጻሩ ናትና መንእሰይ ከይከትት ይሃድም ኣሎ፡ ናይ ቃልሲ መንፈስ የብሉን እንታይ ንግበር ዝብል ፍርሒ ዝተሓወሶ ለበዋ ነሩ። ንዓለም እውን ኣእሚኖማ ኩላ ኣንጻርና እያ ዘላ እንታይ ንኹን። ልክዕ ከምቲ ዝሓለፈ ቃልሲ እዩ ኣጋጢሙና ዘሎ ሎሚ ኸ ሳሕል ክንምለስ ይከኣል ድዩ። ሓታትን መላስን ኮይኑ ዝመርሖ መደብ ኣካይዱ። ወሲኹ ኤርትራውያን ኣብ ደገ ዘለዉ መንእሰያት ምስ ወያኒ እዮም ኮይኖ ከዲዖም እዮም ብምባል ከፈራርሕ ጀሚሩ። ኮይኑ ግን ብዘይ ኣዋጣሪ ሕቶን ርእይቶ እዩ ደምዲሙ።
የማነ ማንኪ ዓለም ለኻዊ ዲፕሎማስን ምፍጣር፡ መሓዉር ሻዕብያ ኣብ ደገ ዝሓዘ መልእቲ ኣቕሪቡ። ካብቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ypdj ተስፋ ዝቖረጸ ይመስል። ኣይተተስከረን እምበር ypfdj እኳ ኣብ ጥልያን ሓሚሙ ኣብ ሆላንድ ብወግዒ ዓሪፉ [ሞይቱ] እዩ። ማንኪ ዎያነ ዝብዝሖ መደረ ኣሕሊፉ ንዕቀት ብዘለዎ ለበዋ ዛዚምዎ። ንምዃኑ ኣብ 50 ዓመቶም ናብ መድያ ዘቐልቀሎም ጉዳይ እኮ ዓወት ትግራይ እዩ። ሰራዊት ትግራይን ኣመሪካን ኣባህሪረነኦም እዮም ብታህዋኽ ተዘርጊሖም ቀንዮም። እኒ ዕጥሩን፡ ማርትዕቭ፡ ሸሪፎ ሊኢኽካ ቆልዓ ሰብይቲ ትግራይ ኣጽኒትካ ከ ናበይ ክእቶ። እምበር ኣብ ግምባር ጀነረተር፡ ኣብ ድፋዕ ባተርን ዓየን ዝተሰዉኡ እኒ ዕጥሩንስ ቀለብ ኣሞራ ከይኖም እዮም ዊ! ቀጺሎም ዝመደሩ ዎልደንኬል ወዲ 89 ዓመት ዝተመሰሖ ዝርስዕ ብባህርን ተፈጥሮን ማለት እዩ። ፍሊጶስን ሓጎስ ክሻን እውን ተመሳሳሊ ናይ ኩናት ትሕዝቶ ዘለዎ መደረ ሂቦም እዮም።

ኣብ መወዳእታ ኢሰያስ ባዕሉ መጺኡ ከተት ኩናት ተጀሚሩ ኢሉ ከም ዝእውጅ ርጉጽ እዩ። ኣብዚ ክንርደኦ ዘለና፡ ጉዕዞ ኢድ ኣሚን ዳዳ ኣብ ጉዳይ ታንዛንያን፡ መወዳእታ ሳዳም ሑሴን ኣብ ወራር ኩዌት እዩ። እዞም ዝጠቐስክዎም ክልተ ኣብነታት ብንዕቀት ህዝቦም ተወጢሮም ጎሮባብቲ ብወራርን ኩናትን ክሕምሱ መዲቦም መወዳእቶኦም ድማ ከምቲ ንፈልጦ ኮይኑ። ምናልባት ሳዳም ምስ ኣመሪካ ክዋጋእ እዩ ተታሕዙ ሞይቱ ክብሃል ይከኣል እዩ። ምስ ኣመሪካ ኣም ምትፋናን ዘእተዎ ግን ምውራር ክዌት እዩ ኔሩ። ሒጂ ኢሰያስ ድሕሪ እዞም ሉኡዃቱ መጺኡ ዝእውጃ ኩናት መወዳእቱኡ ምዃና ርጉጽ እዩ። ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ኣብ መቓብሮም መጻኢኡ ከውሕስ እዩ!!
ዉድቀን ንፋሽሽታውያን ሓይልታት!!
28/09/ 2021
ዉፉይ!!
Please wait, video is loading...

Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: ድሕሪ ኩናት ትግራይ ዉጥን መራሕቲ ሻዕብያ ካበይ ናበይ?

Post by Zmeselo » 28 Sep 2021, 16:13

Don't flatter urselves, stupid lementi. Our fight is with those who call themselves superpowers, not with their socks & sandals.








__________





Do Not demonstrate in-front of Eritrean Embassy unless you are going to burn it down.

Martin Plaut

Please wait, video is loading...



Temt
Member+
Posts: 5279
Joined: 04 Jun 2013, 22:23

Re: ድሕሪ ኩናት ትግራይ ዉጥን መራሕቲ ሻዕብያ ካበይ ናበይ?

Post by Temt » 28 Sep 2021, 17:34

Zmeselo wrote:
28 Sep 2021, 16:13
Don't flatter yourselves, stupid lementi. Our fight is with those who call themselves superpowers, not with their socks & sandals.




Do Not demonstrate in-front of Eritrean Embassy unless you are going to burn it down.

Martin Plaut
Please wait, video is loading...
Tell them በሳብስ ዓጋመ፡ who are good for nothing bloody fools!

sarcasm
Senior Member
Posts: 10186
Joined: 23 Feb 2013, 20:08

Re: ድሕሪ ኩናት ትግራይ ዉጥን መራሕቲ ሻዕብያ ካበይ ናበይ?

Post by sarcasm » 14 Jan 2022, 20:29

Please wait, video is loading...

Post Reply