Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

"ሕዝቢ ትግራይ'ከ ከሲቡ'ዶ ከሲሩ?" ቃል ብረዚደንት ሃገረ ኤርትራ

Post by Meleket » 13 Jan 2022, 11:38

ክቡር ፕረዚደንት፡ ወያነን ኣሸቀልቱን ዝወልዕዎ ኩናት ዝያዳ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ዋጋ ኣኽፊልዎ። ኣብ ርእስኡ ጃንዳ ወያነ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን ዝፈጸሞ ግፍዕን ዕንወትን ህዝቢ ትግራይ ተጸላኢ ገይርዎ ኢዩ። እዚ ኩነታት እዚ ተሰጊሩ፡ ከም ደቂ ሓንቲ ሃገር ብሓባር ንምንባር ብወገን ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብል? ህዝቢ ትግራይከ ምስ ጎረባብቲ ህዝቢ ኤርትራ ብዓቢኡ ብስኒትን ሰላምን ክነብር ስለዝግባእ ከተመሓላልፎ እትደሊ መልእኽቲ?

ብረዚደንት፦ ብምሉኡ እቲ ኤትኒካዊ ምክፍፋላት ዝፈጠሮ ሃዋህው፡ እዚ ሓድሽ ደርቢ፡ ሓድሽ ናይ ቁጠባ ጉጅለ ዝተፈጥረ፡ ኣብ ነንበይኖም ክልላት ዝነበሩ ነጋዶ ወይ ኣውፈርቲ ወይ ሰብ-ዋኒን መብዛሕትኦም ሰብፍሉይ ረብሓ እዮም። ካብ ጸቢብ ጉጅለ ናብ ተራ ሰረቕቲ ናቶም ሰዓብቲ እናፈጠሩ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ሃብቲ፡ ውልቃዊ ናይ ስድርኦም ናይ ካልእ ማልእ ሃብቲ እናኣጥረዩ ከይዶም። ኣብ መወዳእታ ኩሉ እቲ ካልእ ብሄራት ዘዕዘምዝመሉን ዝኸስሰሉን ዝነበረ ኩነታት ተፈጢሩ። ኣብዚ መስርሕ’ዚ እቲ ባህሊ እናተዀስኮሰ መጺኡ። ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ጽልኣት ክፈጥር ጀሚሩ። ክሳብ ክንደይ እዩ፡ ብኸመይ መንገዲ’ዩ ዝረኣ ነይሩ? እንድሕር ኢልካ ወያነ ብዝፈጠሮ ጸገም፡ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተጸላኢ ገይሩዎ። ናይ ኢትዮጵያ ጥራይ ኣይኮነን፡ ኣንጻር ሻዕቢያ . . . ሻዕብያ እናበልካ ኣንጻር ኤርትራ ዝተፈጥረ ስምዒት እውን ክሳብ እዚ ትማሊ ዝረኣናዮ፡ ናታቶም ሓድጊ ናይ ጽልኢ ምዅስኳስ እዩ። ጽላኢ ምምሕዳር እዩ። ማክሮ ማነጅመንት ናይ ጽልኢ’ዩ እዚ ኩሉ ዝፈጠረ። ሰዓብቲ ኣለዎም፡ የብሎምን መን ይስዕቦም መን ኣይስዕቦምን ኣይኮነን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓድግን ኣመዓባብላኡን ግን ኣብ መወዳእታ፡ ንህዝቢ ትግራይ ተጸላኢ ገይሩዎ። ነዚ ከኣ፡ እዚ ጸቢብ ጉጅለ ናይ ወያነ ከም ረብሓ’ዩ ርእዩዎ። ጅሆ’ዩ ሒዙዎ ንህዝቢ ትግራይ ተጠቒሙሉ እዩ። ናብኡ ገጹ’ዩ ማዕቢሉ። ካብ ‘ንነዓቕ ኢና’ ናብ ‘ንዕብልል ኢና’ . . ንሕና ንበልጽ ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ እዩ ከይዱ።

ብኸምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ብኸምዚ ዓይነት ሓድጊ፡ ኣብ መወዳእታ መን ተሃስዩ ወይ ተበዲሉ እንድሕር ተባሂሉ፡ ህዝቢ ትግራይ እዩ። ክሳብ እዚ ናይ ትማሊ ሓንሳብ ኣንጻር ኣምሓራ፡ ሓንሳብ ኣንጻር ፕሮስፔሪቲ፡ ሓንሳብ ኣንጻር ሻዕብያ፡ እናተባህለ፡ ነቲ ህዝቢ ቀጻሊ ናብ ጽልኢ ገጹ ናብ ስጋኣት ገጹ ከምዝሓስብ ምግባር፡ ንዕኡ ማኔጅ ምግባር እዩ። መን ከሲሩ ኣብ ውሽጢ እዚ 30 ዓመታት ዋላ ኣብ ውሽጢ’ዚ 50 ዓመታት እንድሕር ኢልና፡ ንገዛእ ርእሱ እቲ ስም ናይ ወያነ ዝበሃል፡ ወያነ ናይ መኸተ ታሪኽ እዩ ኢልካ እንድሕር ክትዛረብ ኮይንካ ናይ ብሓቂ ምሽ ወያነ ናይ’ዚ ሕጂ ጉጅለ ስም ዝወረሰ ዘይኮነ፡ እቲ ወያነ’ዚ ኣንጻር ዕብለላ ዝተኻየደ ቃልሲ ዝገልጽ ኩነታት እዩ ነይሩ። ምስዚ ሕጂ ዘሎ ጸቢብ ናይ ወያነ ጉጅለ ዝተዛመደ ነገር የብሉን። ግን ብዝተፈላለየ ጥበባት ከተዛምዶ ትኽእል ኢኻ። ኣብ መወዳእታ መን ከሲሩ እንተደኣ ተባሂሉ፡ እዚ ሕጂ ‘ደቅኻ ኣምጽእ፡ ዕጠቕ፡ ከምዚ ግበር’ እናተባህለ ብሓይሊ ኣብ ዘየድልዮ ጉዳይ፡ መመሊሱ ኣብ ጸገም ዝኣቱ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ እዩ። . . .

እቲ ሓድጊ ካብ ፈለማኡ ከመይ ጌሩ ማዕቢሉ ኣበየናይ ጥርዚ በጺሑ፡ ሕጂ ፈጢሩዎ ዘሎ ኩነታትከ፡ እንታይ እዩ? ኣምሓራ ኣሎ፡ ኦሮሞ ኣሎ፡ ዓፋር፡ሶማል በንሻንጉል ኣሎ ጉምዝ ኣሎ ድላይካ በል - ቅድሚ ኩሉ ዝተሃሰየ ህዝቢ፡ ህዝቢ ትግራይ እዩ። ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ፖለቲካ ጸወታ ናይ ሓደ ጸቢብ ጉጅለ ግዳይ ዝኾነ፡ ብቐጻሊ ንምምሕዳር ምእንቲ፡ ንዕኡ ማኒዩፒለይት ንምግባር ብደገ ዘለዉ፡ ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ፍላስፋታት ኢና ዝብሉ፡ ነዚ ጉዳይ’ዚ እናመዝመዙ ክጥቅመሉ ዝደልዩ ዘልዉ እንታይ ረኺቡ ህዝቢ ትግራይ እንተ ኢልካ፡ ካብኡ ዝረኸቦ የለን። ካብ ኵናት ናብ ኩናት፡ ካብ ረጽሚ ናብ ረጽሚ፡ ምስ ካልኦት ህዝብታት ብሰላም ከይነብር ምእንቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መዋጥር ኣብ ከምዚ ኣመሰለ ዓዘቕቲ ዘውደቖ ሓደ ጸቢብ ጉጅለ እዩ። ብናቱ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ካብ’ዚ ናይ ጆሆነት ኣተሓሕዛ ኵወጽእ ክኽእል ኣለዎ። እቲ ካልእ ህዝብታት’ዉን ብስምዒት ዘጥርዮ ዘሎ ጽልኢ መስመሩ ዝሓዘ ኣይኮነን።

ንስኻ ንሓደ ጸቢብ ጉጅለ ጠንቂ ናይ ጸገምና’ዩ ጠንቂ ናይ ሽግርና’ዩ ኢልካ ክትሓምዮ ትኽእል ትኸውን፡ ንህዝቢ ብምልኡ ግን ከምኡ ገርካ ክትሓምዮ ዝከኣል ኣይኮነን። እዚ ሕጂ ሓደ ካብቶም ክራይተርያ እንብሎም እዩ። ፍወሳ ዘድልዮ ሓድጊ እዚ ኣሉታዊ ባህሊ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ዝማዕበለ ናይ 30 ዓመታት ሓደጋ ክፍወስ ምእንቲ፡ ቅድም ቀዳድም ናይ’ቲ ህዝብታት ንቕሓት ክህሉ ክኽእል ኣለዎ። ሰብ ጸቢብ ረብሓ፡ ጸቢብ ጉጅለታት ዝፈጥርዎ ጸገም ብምኽንያቶም ንኻልኦት ህዝብታት ዘጽልእ ምኽንያት የብልካን። ስለ’ዚ ናብኡ ገጽካ ክትከይድ የብልካን። ነዚ እናኣጐሃሃርካዮ፡ መመሊስካ ነቲ ምትፍናና እናኣረሓሓቕካዮ ክትከይድ ናበይ’ዩ ዝኸይድ ኣብ መወዳእታኡ፡ ናብ ዕንወት እዩ ዘምርሕ።

ዝሓለፈ ኩናት ናይ 14 ኣዋርሕ እንተርኢናዮ ዕንወት እዩ፡ መግለጺ’ውን ክትረኽበሉ ኣይትኽእልን። ክንደይ ሰብ ጠፊኡ፡ ክንደይ ሰብ ሃሊቑ፡ ክንደይ ሰብ ተጎዲኡ ኣሎ፡ ክንደይ ሰብ ተመዛቢሉ ኣሎ ኢልካ እንተጸብጺብካ መግለጺ’ውን ክትረኽበሉ ኣይትኽእልን። ዝበቅዕ ምኽንያታት እውን የብሉን። ስለዚ፡ ነዚ ባህሊ’ዚ ክንፍውሶ እንተኾይንና፡ እንተላይ እዚ ጉዳይ’ዚ ብግቡእ ክንኣልዮ ክንኽእል ኣለና። ምስ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ዘጻልእ ኣለዎ? ምስ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ዘጻልእ እንታይ ኣለዎ? ካብ ጸበብቲ ብስምዒት ዝካየዱ ጐስጓሳት ወጻኢ፡ ናብ ገፊሕ ዝረሓበ ኣጠማምታ ክኸይድ ክኽእል ኣለዎ። ብናትና ገምጋም፡ ብናይ ሻዕብያ ገምጋም፡ ካብ ህዝብታት ኢትዮጵያ ዝበሃሉ ወይ ኤትኒካት ወይ ዝተፈላለዩ ካልኦት - ኣብዚ 30 ዓመታት ዝኸሰበ መሲልዎ ዝዓበየ ክሳራ ዝኸሰረ ህዝቢ ትግራይ ስለዝዀነ፡ ህዝቢ ትግራይ ክጽላእ የብሉን። ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈላለየ መገዲ ዝተፈላለየ ጥበባት እናተጠቐምካ ጅሆ ክተሓዝ የብሉን። ከምኡ ዝሓሸ ኣረኣእያ ኣለኒ ዝብል እንተሎ ይምጻእ የርእየና።

ካብ ዝሓለፈ ተመኵሮና ናትና ኣጠማምታ ጥራይ ዘይኰነ ባህርያዊ ጕዳይ ናይዚ ሓድጊ’ዚ መኣረሚ፡ እዛ ሕርያ እዚኣ ጥራይ እያ። ተሰሪቱ ዝጸንሐ እምነታት ወይ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባታት ከመይ ገይርካ ትሓጽቦ? ከመይ ገርካ ናብ ሃናጺ ዝዀነ ኣጠማምታ ትቕይሮ? ከኣ ስራሕ እዩ ዘድልዮ። ትራንዚሽን ወይ ናይ መሰጋገሪ እዋን እንድሕሪ ክህሉ ኰይኑ፡ እቲ ናይ ምስግጋር እዋን፡ ብመጠን ዝወጹ ውጥናትን ናታቶም ትግባረን፡ ናታቶም ኣብ ባይታ ዝመጽእ ለውጢን እናተመዘነ ክኸይድ ክኽእል ኣለዎ። ፖለቲካዊ ለውጢ፡ ባህላዊ ለውጢ፡ ሓባራዊ ለውጢታት ኣብ ኢትዮጵያ ክመጽእ እንተደኣ ኰይኑ ከኣ፡ ሓደ ክልተ ሰለስተ መለኽዒታት፡ እዚኣቶም እዮም፡ ሓደ ካብኦም ከኣ እዚ ክእረም ዘለዎ ሓድጊ ስለዝኹነ ጐሲኻዮ ክሕለፍ ዝከኣል ኣይኰነን።

[ካብ ብ 8 ጥሪ 2022 ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ዝተገብረ ቃለ-መሕትት ምስ ብረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ]

ኣይዞኻ ሕዝቢ ትግራይ!
:mrgreen:

Digital Weyane
Member+
Posts: 8497
Joined: 19 Jun 2019, 21:45

Re: "ሕዝቢ ትግራይ'ከ ከሲቡ'ዶ ከሲሩ?" ቃል ብረዚደንት ሃገረ ኤርትራ

Post by Digital Weyane » 13 Jan 2022, 12:25

አውዙይ ሕወሓት ዝለኮሶ ጦርነት ስጋብ 900,000 ሽሕ ዝኾኑ ተጋሩ መናእሰይን ህፃናት ወተሃደራትን እይና ከሲርና። ኡዙይ ማለት ኻው ነፍስወከፍ ትግራዋይ ቤተሰብ ብግዳጅ ሓደይ ወይ ክልተይ ህይወት ከሲርና ማለት ኡዩ። <<ላይ ውጪ ሃገር ጁንታ ጥዒሙዎ አሎ፣ አው ዓዲ ዘሎ ዘመድ ጁንታ ግን ሀም ቆፅሊ ይረግፍ አሎ>> ልባሃል አነጋግራ አሎ። ክብርቲ ኡኖይ ሀምዙይ እንትሪኣ <<ዘይስንኻ አሸዋ ቆርጥመሉ!>> ይብላ ነበራ።

ህዝቢ ትግራይ ህይወት ደቁ ኡዩ ብከንቱ ልከንቱ ከሲሩ። ላይ ውጪ ሃገር ጁንታ ግና ኡቱ ኻው ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘሪፉ ለግንዮ ልነበረ ጥቕሚ ኡዩ ከሲሩ። ኡዛ ሎሚ አው ጎደናታት እላተንከባለለት ላይ ሃራሲ ጆ ባይደን ስም እላልዓለት ተእዊ ዘላ ጁንታ አው ዓዲ ኣምሓራን ኦሮሞን ዓፋርን ጋምቤላን ሰፊሕ መሬት ተዋሂቡዋ ልነበረት ኡያ። ነቱ ዝዘረፈቶ መሬት ልምምላስ ኡያ ህይወት ህፃናት ተጋሩ ብከንቱ አው ዘየድሊ ጦርነት ተህልቕ ዘላ። ዋይ ዋይ ዋይ ዋይ ዋይ :cry: :cry: :cry:

Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: "ሕዝቢ ትግራይ'ከ ከሲቡ'ዶ ከሲሩ?" ቃል ብረዚደንት ሃገረ ኤርትራ

Post by Meleket » 14 Jan 2022, 04:19

"ኣይዞኻ ህዝቢ ትግራይ"፡ ህዝብን መንግሥትን ኤርትራ ኣብ ጐድንኻ ኢዩ! ብሱሩ ብሱሩ ዘይሓልፍ የለይ እዙይ ጭንቕካ'ዉን ጽባሕ ኪሃልፍ ኢዩ፡ ለቶም ቁንጣሮ ጸየቕቲ ዕያውትኻ ድማ መዓዶም ኢኻ። :mrgreen:

Post Reply