Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Aba
Member
Posts: 4018
Joined: 15 Apr 2011, 17:52

Re: ሓበሬታት ካብ ሃገረ ኤርትራ...

Post by Aba » 22 Dec 2021, 14:37

Please wait, video is loading...

Temt
Member+
Posts: 5279
Joined: 04 Jun 2013, 22:23

Re: ሓበሬታት ካብ ሃገረ ኤርትራ...

Post by Temt » 23 Dec 2021, 12:26

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና
Dec 23, 2021



ሎሚ ኣብ መወሸብን መመርመሪን ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ደቡብ፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕርን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 12 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም ድማ፡ 8 ካብ ዞባ ማእከል – ማለት ሓደ ካብ መወሸቢ ማእከል፡ 7 ድማ ካብ መመርመሪ ማእከላት ኰይኖም፡ ኣድራሻኦም 2 ካብ ገጀረት፡ ሓሓደ ድማ ካብ ደምበ-ሰምበል፡ ገረሚ፡ ገዛ-ብርሃኑ፡ ዓዲ-ቀን ባረንቱን፣ 2 ካብ መመርመሪ ማእከላት መንደፈራን ማይ-ድማን – ዞባ ደቡብ፣ ሓደ ካብ መመርመሪ ማእከል ጊንዳዕ – ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ከምኡ’ውን ሓደ ካብ መመርመሪ ማእከል ዓሰብ – ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ‘ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 6 ካብ ዞባ ማእከል፡ 10 ድማ ካብ ዞባ ደቡብ፡ ብጠቕላላ 16 ዜጋታት ሓውዮም ክፋነዉ ከለዉ፡ ወዲ 85 ዓመትን ጓል 75 ዓመትን ካብ ዞባ ማእከል፡ ብሞት ተፈልዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 7829 በጺሑ’ሎ። 7609 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 72 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 148 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና
23 ታሕሳስ 2021

Temt
Member+
Posts: 5279
Joined: 04 Jun 2013, 22:23

Re: ሓበሬታት ካብ ሃገረ ኤርትራ...

Post by Temt » 24 Dec 2021, 10:54

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና
Dec 24, 2021



ሎሚ ኣብ መወሸብን መመርመሪን ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 24 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም ድማ፡ 5 ካብ መወሸቢ ማእከል፡ 19 ድማ ካብ መመርመሪ ማእከላት ኰይኖም፡ ኣድራሻኦም 3 ካብ ጎዳይፍ፣ 2 ካብ ማእከል-ከተማ፣ 2 ካብ ቀሓውታ፣ ከምኡ’ውን ሓሓደ ካብ ኣልፎሮማዮ፡ ጸጸራት፡ ኣርባዕተ-ኣስመራ፡ ሰረጀቓ፡ ፓራዱባ፡ ፓራዲዞ፡ ዓዲ-ኣበይቶ፡ ዕዳጋ-ሓሙስ፡ ሰምበል፡ ዓላ፡ ኣውጋሮን ባረንቱን‘ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 7 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 7853 በጺሑ’ሎ። 7616 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 72 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 165 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና
24 ታሕሳስ 2021

Temt
Member+
Posts: 5279
Joined: 04 Jun 2013, 22:23

Re: ሓበሬታት ካብ ሃገረ ኤርትራ...

Post by Temt » 25 Dec 2021, 12:20

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና
Dec 25, 2021



ሎሚ ኣብ መወሸብን መመርመሪን ማእከላት ዞባ ማእከል፡ ዓንሰባ፡ ደቡብን ጋሽ-ባርካን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 20 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም ድማ፡ 8 ካብ ዞባ ማእከል ማለት 3 ካብ መወሸቢ ማእከል፡ 5 ድማ ካብ መመርመሪ ማእከላት ኰይኖም፡ ኣድራሻኦም 2 ካብ ማይ-ተመናይ፡ ሓሓደ ድማ ካብ ስፔስ፡ ደቀምሓረን ተሰነይን፣ 9 ካብ ዞባ ዓንሰባ – ማለት 2 ካብ መወሸቢ ማእከል፡ 7 ድማ ካብ መመርመሪ ማእከላት ከረን – 4፡ ዒላበርዕድ – 2፡ ሓመልማሎ – 1፣ ከምኡ’ውን ሓደ ካብ መመርመሪ ማእከላት ባረንቱ – ዞባ ጋሽ-ባርካ‘ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 15 ካብ ማእከል፡ 6 ድማ ካብ ዞባ ደቡብ፡ ብጠቕላላ 21 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 7873 በጺሑ’ሎ። 7637 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 72 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 164 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና
25 ታሕሳስ 2021

Temt
Member+
Posts: 5279
Joined: 04 Jun 2013, 22:23

Re: ሓበሬታት ካብ ሃገረ ኤርትራ...

Post by Temt » 26 Dec 2021, 12:55

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና
Dec 26, 2021



ሎሚ ኣብ መወሸብን መመርመሪን ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 13 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም ድማ፡ 3 ካብ መወሸቢ ማእከል፡ ከምኡ’ውን 10 ካብ መመርመሪ ማእከላት ኰይኖም፡ ኣድራሻኦም 3 ካብ ኣኽሪያ፡ 2 ካብ ገጀረት፡ ሓሓደ ድማ ካብ ማይተመናይ፡ ማእከል-ከተማ፡ መዓስከር-ደንደን፡ ዓዲሰጒዶን ጎዳይፍን‘ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 21 ዜጋታት፡ ሓውዮም ክፋነዉ ከለዉ፡ ወዲ 75 ዓመት ካብ ዞባ ማእከል ድማ ብሞት ተፈልዩ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 7886 በጺሑ’ሎ። 7658 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 73 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 155 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና
26 ታሕሳስ 2021

Aba
Member
Posts: 4018
Joined: 15 Apr 2011, 17:52

Re: ሓበሬታት ካብ ሃገረ ኤርትራ...

Post by Aba » 26 Dec 2021, 15:24



Temt
Member+
Posts: 5279
Joined: 04 Jun 2013, 22:23

Re: ሓበሬታት ካብ ሃገረ ኤርትራ...

Post by Temt » 27 Dec 2021, 12:04

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና
Dec 27, 2021



ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 16 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም ድማ፡ 15 ካብ ዞባ ማእከል ክዀኑ ከለዉ፡ ኣድራሻኦም 4 ካብ ማእከል ከተማ፡ 2 ካብ ፓራዲዞ፡ ሓሓደ ድማ ካብ ኣርባዕተስመራ፡ ገዛ-ኸኒሻ፡ ገረሚ፡ እምባጋልያኖ፡ ጎዳይፍ፡ ማይተመናይ፡ ጣባ፡ ድባርዋን ዓዲ-ቐይሕን፡ ከምኡ’ውን ሓንቲ ካብ ጊንዳዕ – ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ‘ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 3 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 7902 በጺሑ’ሎ። 7661 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 73 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 168 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና
27 ታሕሳስ 2021

Temt
Member+
Posts: 5279
Joined: 04 Jun 2013, 22:23

Re: ሓበሬታት ካብ ሃገረ ኤርትራ...

Post by Temt » 28 Dec 2021, 13:58

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና

Last Updated Dec 28, 2021



ሎሚ ኣብ መወሸብን መመርመሪን ማእከላት ዞባታት ማእከልን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 29 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም ድማ፡ 23 ካብ ዞባ ማእከል ማለት 6 ካብ መወሸቢ ማእከል፡ 17 ከኣ ካብ መመርመሪ ማእከላት ኰይኖም፡ ኣድራሻኦም 3 ካብ ጎዳይፍ፡ 2 ካብ ገዛባንዳ፡ 2 ካብ ሰታንትኦቶ፡ ሓሓደ ድማ ካብ ማእከል-ከተማ፡ ሓዝሓዝ፡ ማይተመናይ፡ ማይ-ጭሆት፡ ኣርባዕተ-ኣስመራ፡ ቊሸት፡ ቀሓውታ፡ ገዛ-ኸኒሻ፡ እንዳ-ቦንድን ቢሻን፣ ከምኡ’ውን 6 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ደቡብ – ማለት 5 ካብ መንደፈራ፡ ሓደ ድማ ካብ ዓዲ-ቐይሕ‘ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 20 ካብ ዞባ ማእከል፡ 17 ካብ ዞባ ደቡብ፡ 11 ካብ ዞባ ዓንሰባ፡ 2 ድማ ካብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ብጠቕላላ 50 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 7931 በጺሑ’ሎ። 7711 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 73 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 157 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና
28 ታሕሳስ 2021

Temt
Member+
Posts: 5279
Joined: 04 Jun 2013, 22:23

Re: ሓበሬታት ካብ ሃገረ ኤርትራ...

Post by Temt » 28 Dec 2021, 23:54

ንወያነ ምድሓን ዘይከኣል ዕማም-DimTsi Hafash Eritrea/ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ


Temt
Member+
Posts: 5279
Joined: 04 Jun 2013, 22:23

Re: ሓበሬታት ካብ ሃገረ ኤርትራ...

Post by Temt » 29 Dec 2021, 13:02

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና
Dec 29, 2021



ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 17 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም ድማ፡ 16 ካብ ዞባ ማእከል ኰይኖም፡ ኣድራሻኦም 2 ካብ ማይ-ተመናይ፡ 2 ካብ ገጀረት፡ ሓሓደ ድማ ካብ ደምበ-ሰምበል፡ ጣባ፡ ኣርባዕተስመራ፡ ቊሸት፡ ዕዳጋ-ሓሙስ፡ ዳዕሮ-ቓውሎስ፡ ዓዲ-ሰጒዶ፡ ዕዳጋ-ዓርቢ፡ ኣባሻውል፡ ደቀምሓረ፡ መቐርካን ድባርዋን፣ ከምኡ’ውን ሓደ ካብ መመርመሪ ማእከላት ዓዲ-ዃላ – ዞባ ደቡብ ‘ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎ ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቡ ክንክን ክግበረሉ ዝጸንሐ ወዲ 74 ዓመት፡ ብሞት ተፈልዩ’ሎ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 7948 በጺሑ’ሎ። 7711 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 74 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 163 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና
29 ታሕሳስ 2021

Temt
Member+
Posts: 5279
Joined: 04 Jun 2013, 22:23

Re: ሓበሬታት ካብ ሃገረ ኤርትራ...

Post by Temt » 30 Dec 2021, 11:39

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና
Dec 30, 2021



ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ደቡብ፡ ዓንሰባን ጋሽ-ባርካን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 34 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም ድማ፡ 17 ካብ ዞባ ማእከል ማለት 2 ካብ መወሸቢ ማእከላት፡ 15 ድማ ካብ መመርመሪ ማእከላት ኰይኖም፡ ኣድራሻኦም 3 ካብ እምባጋልያኖ፡ ሓሓደ ከኣ ካብ ቲራቮሎ፡ ጸሎት፡ ማይተመናይ፡ ሰላዕዳዕሮ፡ ዓዲ-ጓዕዳድ፡ ማእከል-ከተማ፡ መዓስከር ደንደን፡ ፓራዲዞ፡ እንዳ-ቦንድ፡ ቪላጆ፡ መንደፈራን ሻምብቆን፣ 9 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ደቡብ – ማለት 7 ካብ መንደፈራ፡ 2 ካብ ድባርዋ፣ ከምኡ’ውን 7 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ዓንሰባ – ማለት 3 ካብ ከረን፡ 2 ካብ ዒላበርዕድ፡ 2 ካብ ዓዲተከሌዛን፣ ሓደ ድማ ካብ መመርመሪ ማእከል ባረንቱ – ዞባ ጋሽ-ባርካ‘ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 17 ካብ ዞባ ማእከልን 3 ካብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን – ብጠቕላላ 20 ዜጋታት ሓውዮም ክፋነዉ ከለዉ፡ ወዲ 87 ዓመት ካብ ዞባ ማእከል ድማ ብሞት ተፈልዩ’ሎ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 7982 በጺሑ’ሎ። 7731 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 75 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 176 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና
30 ታሕሳስ 2021

Temt
Member+
Posts: 5279
Joined: 04 Jun 2013, 22:23

Re: ሓበሬታት ካብ ሃገረ ኤርትራ...

Post by Temt » 31 Dec 2021, 11:10

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና
Dec 31, 2021



ሎሚ ኣብ መመርመሪን መወሸብን ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ዓንሰባን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 29 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም ድማ፡ 20 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ኰይኖም፡ ኣድራሻኦም 2 ካብ እምባጋልያኖ፡ 2 ካብ ሰምበል፡ 2 ካብ ቲራቮሎ፡ ሓሓደ ድማ ካብ ሓዝሓዝ፡ ጎዳይፍ፡ ዓዲ-ኣቤቶ፡ ማእከል-ከተማ፡ ገዛ-ባንዳ፡ ዓዲ-ገብራይ፡ ወኪ-ድባ፡ ገጀረት፡ ጣባ፡ ቀሓውታ፡ ጸጸራት፡ ዓዲ-ጓዕዳድ፡ ቪላጆን ከረንን፣ 6 ካብ ዞባ ዓንሰባ – ማለት ሓደ ካብ መወሸቢ ማእከል ከረን፡ 5 ድማ ካብ መመርመሪ ማእከላት ዒላበርዕድ፣ ከምኡ’ውን 3 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ደቡብ – ማለት 2 ካብ ዓዲ-ቐይሕ፡ ሓደ ድማ ካብ ደቀምሓረ‘ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 14 ካብ ዞባ ማእከል፡ ሓደ ድማ ካብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ብጠቕላላ 15 ዜጋታት ሓውዮም ክፋነዉ ከለዉ፡ ወዲ 75 ዓመት ካብ ዞባ ማእከል ድማ ብሞት ተፈልዩ’ሎ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 8011 በጺሑ’ሎ። 7746 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 76 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 189 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና
31 ታሕሳስ 2021

Temt
Member+
Posts: 5279
Joined: 04 Jun 2013, 22:23

Re: ሓበሬታት ካብ ሃገረ ኤርትራ...

Post by Temt » 31 Dec 2021, 12:06

ዕላል ምስ ብጸይቲ ሓድነት ቀለታ፡ ሓላፊት ህዝባዊን ኮማውን ርክባት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣሜሪካ -DimTsi Hafash Eritrea/ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ

Temt
Member+
Posts: 5279
Joined: 04 Jun 2013, 22:23

Re: ሓበሬታት ካብ ሃገረ ኤርትራ...

Post by Temt » 01 Jan 2022, 12:19

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና
Jan 1, 2022



ሎሚ ኣብ መመርመሪን መወሸብን ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 15 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም ድማ፡ 2 ካብ መወሸቢ ማእከል፡ 13 ድማ ካብ መመርመሪ ማእከላት ኰይኖም፡ ኣድራሻኦም 2 ካብ ገጀረት፡ ከምኡ’ውን ሓሓደ ካብ ደምበ-ሰምበል፡ ጸጸራት፡ ፓራዲዞ፡ ጎዳይፍ፡ ሰምበል፡ እምባደርሆ፡ እምባጋልያኖ፡ መዓስከር ደንደን፡ ማይ-ተመናይ፡ ቪያ ጅዳን ኣርባዕተስመራን‘ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 17 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 8026 በጺሑ’ሎ። 7763 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 76 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 187 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና
01 ጥሪ 2022

Aba
Member
Posts: 4018
Joined: 15 Apr 2011, 17:52

Re: ሓበሬታት ካብ ሃገረ ኤርትራ...

Post by Aba » 01 Jan 2022, 12:40

Please wait, video is loading...

Temt
Member+
Posts: 5279
Joined: 04 Jun 2013, 22:23

Re: ሓበሬታት ካብ ሃገረ ኤርትራ...

Post by Temt » 02 Jan 2022, 12:29

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና
Jan 2, 2022



ሎሚ ኣብ መመርመሪን መወሸብን ማእከላት ዞባታት ማእከልን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 23 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም ድማ፡ 21 ካብ ዞባ ማእከል – ማለት 6 ካብ መወሸቢ ማእከል፡ 15 ድማ ካብ መመርመሪ ማእከላት ኰይኖም፡ ኣድራሻኦም 3 ካብ ገጀረት፡ 2 ካብ ደቂሽሓይ፡ ሓሓደ ድማ ካብ ገዛ-ባንዳ፡ ዕዳጋ-ሓሙስ፡ ወቐርቲ፡ ሰገነይቲ፡ ኣኽሪያ፡ ማእከል-ከተማ፡ ሓዝሓዝ፡ ቊሸት፡ ደምበ-ሰምበልን ቈሓይቶን፡ ከምኡ’ውን 2 ካብ መመርመሪ ማእከላት ድባርዋ – ዞባ ደቡብ‘ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 10 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 8049 በጺሑ’ሎ። 7773 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 76 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 200 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና
02 ጥሪ 2022

Temt
Member+
Posts: 5279
Joined: 04 Jun 2013, 22:23

Re: ሓበሬታት ካብ ሃገረ ኤርትራ...

Post by Temt » 02 Jan 2022, 20:54

ብዘመነ ወያነ ዝጸመመ ወያነ ኣንዳበለ ሞተ - DimTsi Hafash Eritrea/ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ


Aba
Member
Posts: 4018
Joined: 15 Apr 2011, 17:52

Re: ሓበሬታት ካብ ሃገረ ኤርትራ...

Post by Aba » 02 Jan 2022, 21:54


Temt
Member+
Posts: 5279
Joined: 04 Jun 2013, 22:23

Re: ሓበሬታት ካብ ሃገረ ኤርትራ...

Post by Temt » 03 Jan 2022, 12:53

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና
Jan 3, 2022



ሎሚ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 14 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ኣድራሻኦም ድማ፡ 2 ካብ ጣባ፡ 2 ካብ ገጀረት፡ 2 ካብ ማእከል-ከተማ፡ ሓሓደ ድማ ካብ ጸጸራት፡ ዓዲ-ሰጒዶ፡ ኣርባዕተስመራ፡ እንዳ-ጀርመን፡ ማይ-ተመናይ፡ ጻዕዳ-ክርስትያን፡ መዓስከር ደንደን፡ ከምኡ’ውን ተሰነይ‘ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 11 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 8063 በጺሑ’ሎ። 7784 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 76 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 203 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና
03 ጥሪ 2022

Temt
Member+
Posts: 5279
Joined: 04 Jun 2013, 22:23

Re: ሓበሬታት ካብ ሃገረ ኤርትራ...

Post by Temt » 04 Jan 2022, 12:57

ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና
Jan 4, 2022



ሎሚ ኣብ መወሸብን መመርመሪን ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ደቡብ፡ ዓንሰባን ጋሽ-ባርካን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 65 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም፡ 44 ካብ ዞባ ማእከል – ማለት 11 ካብ መወሸቢ ማእከል፡ 33 ድማ ካብ መመርመሪ ማእከላት ኰይኖም፡ ኣድራሻኦም 3 ካብ ማእከል ከተማ፡ 3 ካብ ሰምበል፡ 3 ካብ ደቀምሓረ፡ 2 ካብ ቲራቮሎ፡ 2 ካብ ቀሓውታ፡ 2 ካብ ማይ-ተመናይ፡ 2 ካብ ገዛባንዳ፡ ሓሓደ ድማ ካብ ጒላ፡ ዕዳጋ-ሓሙስ፡ በራኽ፡ ዓዲ-ጓዕዳድ፡ ኲዶብዑር፡ መንደፈራ፡ ዓዲ-ዃላ፡ ሰታንትኦቶ፡ ኣባሻውል፡ ዓመጺ፡ ዓዲ-ንፋስ፡ ጸጸራት፡ መዓስከር ደንደን፡ ኣርባዕተስመራ፡ ዓዲ-ኣበይቶን ገጀረትን፣ ከምኡ’ውን 10 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ደቡብ – ማለት 3 ካብ ማይ-ድማ፡ 2 ካብ መንደፈራ፡ ሓሓደ ድማ ካብ ዓዲ-ቐይሕ፡ ደቀምሓረ፡ ጸሮና፡ ዓዲ-ዃላን ድባርዋን’ዮም።

ብዘይካ’ዚ፡ 9 ካብ ዞባ ዓንሰባ – ማለት ሓደ ካብ መወሸቢ ማእከል ከረን፡ 6 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዒላበርዕድ፡ 2 ድማ ካብ መመርመሪ ማእከላት ዓዲ-ተከሌዛን፣ ከምኡ’ውን 2 ካብ መመርመሪ ማእከላት ግርማይካ – ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ በቲ ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ‘ሎ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 17 ካብ ዞባ ማእከል፡ 9 ካብ ዞባ ደቡብ፡ 9 ከኣ ካብ ዞባ ዓንሰባ፡ ብጠቕላላ 35 ዜጋታት ሓውዮም ክፋነዉ ከለዉ፡ ጓል 86 ዓመት ኣደ ካብ ዞባ ማእከል ድማ ብሞት ተፈልያ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 8128 በጺሑ’ሎ። 7819 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 77 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 232 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና
04 ጥሪ 2022

Post Reply