Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 17 Dec 2021, 10:59

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)። :mrgreen:

75 - እምነትን ተግባርን

ተግባር እንተዘይተሓዊስዋ፡ እምነት ንበይና ኣይተድኅንን ኢያ። “ከምቲ ሥጋ ብዘይ መንፈስ ምውት ዝኾነ፡ እምነት እውን ብዘይ ግብሪ ምውቲ ኢያ” (ያዕ 2፡26 ረአ)። ሸይጣውንቲ እውን ይኣምኑ ምዃኖም ኣይትረስዕ (ያዕ 2፡19 ረአ)። እቲ እትኣምነሉ ትምህርቲ ሃይማኖት፡ ኣብ ሕይወትካ ብተግባር ተርእዮ እንተኾይንካ ኢኻ፡ ብሓቂ ከምእተኣምን እትምስክር (ቲቶ 1፡16 ረአ)።

ምስ ትምህርቲ ሃይማኖትካ ኣጸቢቕካ እትላለ፡ እምነትካ ኣብ ሕይወትካ ኣብ ተግባር ምስ እተውዕሎ ኢዩ (1ዮሓ 2፡4 ረአ)። ንትምህርቲ ሃይማኖት ናብ መንፈሱ ብዓሚቑ ኪሥርጾ ዚኽእል፡ እቲ ነቲ ዚኣምኖ ነገር፡ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ከሎ ጥራይ ኢዩ። እምነትካ ብኢድ ዚጭበጥን ብዓይኒ ዚረኤ ተግባርን እምበር፡ ኣብ ትምህርቲ ጥራይ ዝተመሥረተ ኪኸውን ኣይግባእን። እምነትካ፡ ንምሉእ ክርስቲያናዊ ሕይወትካ ዚቕይርን ዘማሓይሽን፡ ዓሚቝ ርዲኢትን፡ ውሳኔን፡ ኃይልን፡ ኪፈጥረልካ ኪኽእል ኣለዎ።

ብዘይግቡእ ክርስቲያን ተባሂልካ ምእንቲ ከይትጽዋዕ ንእምነትካ ብሕይወትካ መረጋገጽን ምስክርነትን ግበረሉ። ምእንቲ ክርስቲያናዊ መንነቶም ኢሎም፡ ብዙኃት ብሰማዕትነት ከምዝሞቱ ኣይትረስዕ። መርገም ጐይታና ከይወርደካ፡ ተግባር ዘይብልካ፡ ተዛራባይ ጥራሕ ኮይንካ ከይትተርፍ ተጠንቐቕ (ማር 11፡21 ረአ)።

ንእትሰብኮ እምነትካ፡ ብኽፉእ ስራሕካ ኣይተፍርሶ፡ እኳ ደኣ፡ ብኣንጻሩ፡ ነቲ ብዕሊ እትኣምነሉ ትምህርቲ ሃይማኖትካ፡ ኣብ ስራሕካ ከምዚረኤ ግበር። ተግባር፡ ኵሉ ሰብ ዚርድኦ ቋንቋ ኢዩ። ብሕይወትካ ዚእመን ወንጌላዊ ምስክርነት ከተቕርበሎም ብዘይምኽኣልካ፡ ብዙኃት ኣብ ክርስቶስ ኪኣምኑ ኣይኸኣሉን። እቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልቢ ቅዱሳን ዚጸሓፎን ኣብ ስራሕቶም እውን ዚንበብ ቅዱስ ወንጌል፡ ሕይወትካ ከኣ ከምኡ፡ ሕያው ወንጌል ንኺኸውን ጽዓር። እቶም ካብ እግዚኣብሔር ርሒቖም ዚርከቡ፡ ብሰንክኻ ኣብ ጌጋኦም ጸኒዖም ምእንቲ ከይተርፉ፡ ንዓኣቶም እውን፡ ብጹቡቕ ሕይወትካ ንኽትሓንጾም ጽዓር።


ብዙኃት ካብዙ ሓቀኛ ሃይማኖትና እዚ፡ ርሒቖም ዚርከቡ፡ እቲ ህይወት ክርስቲያን-ኣመንቲ፡ ምስቲ እምነቶም ኣሳኒዩ ኪኸይድ ስለ ዘይርከብ ኢዩ። ክርስቲያን ከምዝኾንካ ኣዊጅካ፡ ሓቀኛ ክርስቲያን ኮይንካ ካብ ዘይትነብር፡ ክርስቲያን ምዃንካ ከይኣወጅካ፡ ሓቀኛ ክርስቲያን ኮይንካ ክትነብር ይበልጽ። ብዛዕባ እምነትካ እናተጠራጠርካ ካብ ምንባር፡ ንእምነትካ ሓቂ ብሓቂ ኂዝካ ክትነብር ከሎኻ ምተሓጐስካ ነይርካ። ነቲ እትኣምኖ ነገር ከተፍቅሮ ጽዓር እምበር፡ ኣማኒ ብምኳንካ ጥራይ ደስ ኪብለካ ኣይግባእን። ኣብ ፍቕራዊ ተግባር ዝተመሥረተት እምነት፡ ተስፋኻ ኣብቲ ሰማያዊ ሃብቲ ከምተንብሮን ንሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ከኣ፡ ከምትምንኖን ኢያ ትገብረካ። ከምኡ እውን ምድራዊ ሃብቲ ብሰማያዊ ሃብቲ ከምዚቕየር ኢያ ትገብር።

ኣብርሃም ኣብ ፅኑዕ እምነትን ኣብ ርግጸኛ ዝኾነ ተስፋን ተጸጊዑ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ቓል ተስፋ ዝገበረ፡ ሓደ ንውልቁ ዝኾነ ይሥሓቕ ወዱ፡ ድኅሪ እቲ ኵሉ ተቐቢልዎ ዝነበረ ተስፋ፡ እግዚኣብሔር ንወድኻ ሠውዓለይ ምስ በሎ፡ ኣብርሃም ነግፈረግ ከይበለ፡ ነቲ ፍቁር ወዱ ኪሥውዓሉ ቢሉ ኵሉ ነገር ኣሰናድዩ ከምዝነበረ፡ ቅዱስ መጽሓፍ ይነግረና። ንስኻኸ፡ ምእንቲ ምስክርነት እምነትካ፡ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ እንታይ ክትሥውዓሉ ሓሲብካ ኣሎኻ?።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ብተስፋ ምንባር” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Wedi
Member+
Posts: 7959
Joined: 29 Jan 2020, 21:44

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Wedi » 17 Dec 2021, 12:08

Meleket is there a way to find ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - either in English or Amharic version? Thank you in advance

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 18 Dec 2021, 06:11

ክቡር ሓዉና Wedi ነቱይ ትርጉም ትግርኛ ሳላ ኣባ ተስፋልደት ኣባይ ረኺብናዮ ኣሎና። ነቱይ ኣምሓርኛ ንቤትጽሕፈት ካርዲናል ብርሃነኢየሱስ ክትውከስ ትኽእል። ናይ ኢንግሊዝኛ ትርጉም ድማ ኣብ ኢንተርኔት ሃሰስ ምባል ኢዩ። :mrgreen:
Wedi wrote:
17 Dec 2021, 12:08
Meleket is there a way to find ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - either in English or Amharic version? Thank you in advance

Wedi
Member+
Posts: 7959
Joined: 29 Jan 2020, 21:44

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Wedi » 18 Dec 2021, 16:42

Meleket wrote:
18 Dec 2021, 06:11
ክቡር ሓዉና Wedi ነቱይ ትርጉም ትግርኛ ሳላ ኣባ ተስፋልደት ኣባይ ረኺብናዮ ኣሎና። ነቱይ ኣምሓርኛ ንቤትጽሕፈት ካርዲናል ብርሃነኢየሱስ ክትውከስ ትኽእል። ናይ ኢንግሊዝኛ ትርጉም ድማ ኣብ ኢንተርኔት ሃሰስ ምባል ኢዩ። :mrgreen:
Wedi wrote:
17 Dec 2021, 12:08
Meleket is there a way to find ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - either in English or Amharic version? Thank you in advance
ጽቡቅ ሓሳብ እዩ!!! :P

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 24 Dec 2021, 04:32

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

76- ብተስፋ ምንባር

እምነትካ፡ ኣብዙ ተቐያያሪ ዝኾነ ዓለምዙይ፡ ኅላፊ ኣብ ዝኾነን ሠሢዕካ እተጥርዮን ሓዚንካ እውን እተጥፍኦን ሃብቲ፡ ኣብኡ ተስፋኻ ኣይተንብር። ኵሉ ምድራዊ ሓጐስ፡ ምስቲ ብተስፋ እትጽበዮ ሰማያዊ ሃብቲ፡ ጨሪሹ ኣይቀራረብን ኢዩ። እቲ ብተስፋ ሃረር እትብሎ ዘሎኻ ሰማያዊ ሃብቲ ርግጸኛን ዘለዓለማውን ኪኸውን ከሎ፡ እዙ ምድራዊ ሃብቲ ግን፡ ጊዜያውን ዓናውን ኢዩ።

ምድራዊ ሕይወትካ ጊዜያዊ ክንዲ ዝኾነ፡ ኣተና ተስፋኻን ሃረርታኻን ሰማይ እምበር፡ እዙ ዓለምዙይ ኪኸውን ኣይኽእልን ኢዩ። ኣብ ሰማይ ምስ በጻህካ ከኣ ምሉእ ታሕጓስ ኪህልወካ ኢዩ፥ ከመይ እቲ ሰማያዊ ሕይወት ከጽግበካ ኢዩ፥ ሽዑ ብተስፋ ጥራይ ኣይኮንካን ትነብር። እቲ ሰማያዊ ሕይወት ኣብ ኢድካ ስለ ዚርከብ፡ ደጊም ብተስፋ እትጽበዮን እትደልዮን ነገር ኣይኮነን። ንነፍስኻ ናብቲ ብተስፋ እትጽበዮ ዘሎኻ ሰማያዊ ሃብቲ፡ ብእምነት እንተደኣ ኣዕሪግካያ ንሃብቲ እዙ ዓለምዙይ፡ ከም ሃብቲ ገይርካ ኣይኽትቈጽሮን ኢኻ። እዙ ዓለምዙይ ነቲ ድሮ ዘሎካ እኳ፡ ኬኅድገካ እናደለየስ፡ ካብኡ እንታይ ካልእ ዚረብሕ ነገር ትጽበ?

ኣብዙ ዓለምዙይ ብሽግር ትሳቐ እንተሊኻ፡ በቲ እትትስፈዎ ሰማያዊ ሃብቲ ተጸናኒዕካ፡ ነዙ ጊዜያዊ ፈተናዙይ ብትዕግሥቲ ጽወሮ። እቲ ኣተስፍዩካ ዘሎ ኣምላኽ እሙን ስለ ዝኾነ፡ ተስፋ ከይቈረጽካ ንሕይወትካ ብትዕግሥቲ ምርሓዮ እሞ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ እግዚአብሔር ኪስልመካ ኢዩ (ዕብ 10፡23 ረአ)። ሃረር እናበልካ እትጽበዮ ነገር ሰማያዊ ነገር ንምርካብን፡ (ዕብ 11፡16 ረአ)፥ እቲ ወዲሰብ ንኣምላኹ መሲሉ፡ ኪነብረሉ ዘለዎ ዘለዓለማዊ ሕይወትን ንምርካብ ይኹን (1ዮሓ 2፡25 ረአ)። ነቲ እትትስፈዎ ዘሎኻ ዘለዓለማዊ ሕይወት ከኣ እግዚኣብሔር ኪህበካ ኢዩ (ዕብ 11፡1 ረአ)።

ናብታ ዘይትበርስን ዘይትመውትን ሰማያዊት ከተማ ክትኣቱ እናተጸበኻ፡ ኣብዛ ምድራዊት ከተማኻ፡ ብትዕግሥቲ እናነበርካ ሕይወትካ ቀጽል።
ተስፋኻ፡ ናብቲ ዚመጽእ ዓለም እናጠመተ፡ ንናብራ ናይ ሕጂ ሕይወትካ፡ ብጽቡቕ ኬካይዶ ኣለዎ (ዕብ 13፡14 ረአ)። ምድራዊ ብዓል፡ ጽላሎት እቲ ሰማያዊ በዓል ኢዩ እሞ፡ ነቲ ተተስፊዩልካ ዘሎ ሰማያዊ ዓለም እናሓሰብካ፡ ተሓጕስካ ንበር (ቆላ 1፡5 ረአ)።

እግዚኣብሔር፡ ንዝተወሰነ ጊዜ ብሽግር ምስ ፈተነካ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ዚህበካ ንእሽቶ ታሕጓስ ከኣ፡ ዕርቡን እቲ ሰማያዊ፡ ዘለዓለማዊ ዝኾነ ታሕጓስ ኢዩ። እዙ ብቓል ወንጌል ኣተስፊዩልካ ዘሎ ነገር፡ ካብ ልብኻ ከቶ ኣይተርሕቖ (ቆላ 1፡23 ረአ)። ተስፋ፡ ምንጪ ሓጉስ ኢዩ። ታሕጓስ እዙ ዓለምዙይ ብዙኅ ጓሂ ኢዩ ዜስዕብ፥ ተስፋ ዘለዓለማዊ ሕይወት ግን፡ ብዙኅ ጥዑም ነገር ኢዩ ዜኸትል። ንናይ ተስፋ፡ ጥቕሚ መንፈሳዊ ኃይሊ፡ ኣትሒትካ ኣይትርአዮ።

ዓራርቦ ኣብ ዘይብሉ ሕይወትን፡ ኣብ ትንሣኤ ምውታንን፡ ተስፋ ምግባር፡ እቲ ንሰማዕታት ትብዓትን ኃይልን ዚሃበ፡ ንቕዱሳን ከኣ ዳግም ከምዝፍጠሩ ዝገበሮም፡ ኃይሊ ኢዩ።
ንኵሉ ነገር፡ እዙ ዓለምዙይ መኒንካ፡ ንኵሉ ስራህካ ከም መቐረብታ እቲ ዚመጽእ ካልኣይ ሕይወት ገይርካ እናረኤኻ፡ ንተስፋኻ ክኒየው እዙ ዓለምዙይ ኣንብሮ።

ኣብዙ ሓጺር ምድራዊ ሕይወትካ እትገብሮ ዘሎኻ ተግባር መወዳእታ ኵሉ ኣይኮነን። ሞት ምስ ቐረበት እቲ ዓወት ጕያኻ ዝኾነ ኣኽሊል፡ ሽልማት ንኺወሃበካ ብተስፋ ተጸበዮ ኢኻ (2ጢሞ 4፡6 ቀጻልን ረአ)። በዙ ተስፋ እዙይ፡ ምሉእ ዘይጕዱል እንተኾይንካ፡ ንሞትካ እውን ከይተሸበርካ፡ ብቕሱን ልቢ ክትቅበላ ኢኻ።

ሰብነትካ ኣብ ተስፋ ትንሣኤ ምውታን ተመርኵሱ ካብ ሓሳረ-መከራ እዙ ዓለምዙይ ተገላጊሉ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ኪረክብ ኢዩ (መዝ 16፡10 ረ)። እቲ ንመንግሥተ ሰማይ ዝፈጠረ፡ ኣቦን ጐይታን ዝኾነ እግዚአብሔር፡ ንዓኻ፡ ከመይ ዝበለ ዓቢይ ተስፋን፡ ኣብ ሰማይ ከኣ፡ ምስ ቅዱሳኑ፡ ከመይ ዝመሰለ ሃብትን ዓቢይ ክብርን ዓቝሩልካ ከምዘሎ፡ ምእንቲ ክትፈልጥን ክትርዳእን ንኣእምሮኻ ዘብርሃልካ ይግበሮ፡ ኣሜን (ኤፌ 1፡18 ረአ)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ተስፋኻ ኣብ ክርስቶስ ኣንብሮ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 31 Dec 2021, 09:30

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)። :mrgreen:

77 - ተስፋኻ ኣብ ክርስቶስ ኣንብሮ

ኢየሱስ ተስፋኻ ይኹን፡ ካብ ኢየሱስ እትርሕቐሉ መዓልቲ ከቶ ኣይምጻእካን፡ ኣየርእኻን። ኢየሱስ ኣብዙ ዓለምዙይ ከሎ፡ ዝገለጸልና ነገር፡ ኵሉ ኣባኻ ከምዚፍጸም ይግበሮ። እቲ ቀጻሊ እምኒ መኽደን መቓብሩ ዝኾነ ከኣ፡ ምሉእ ተስፋ መንግሥተ ሰማይ ኣብ ሰብነትካ ከምዚኃድር፡ ንኵሉ ነገር ብኽርስቶስ፡ ተስፋ ሓዲሽ ሕይወት ከምዚበቖ ይግበሮ።

እግዚአብሄር ንዓኻ፡ ብትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ፡ ኣብ ሰማይ ብዝተዓቝረ ሕያው ተስፋን፡ ብዘይምሽምሽ ውርስን፡ ዳግማይ ከምትውለድ ገይሩካ ኢዩ (1ጴጥ 1: 3-4 ረአ)። ኢየሱስ ሓንሳእ ምስ ሞተ፡ ካብ ሞት ከይተንሥኤ ነዙ መሥሪትዎ ዘሎ ሃይማኖት፡ መሥሪትዎ እንተዝኸውን ነይሩ፡ ንሕና ሓንቲ ተስፋ ኣይምሃለወናን ነይሩ። ብኣንፃሩ ግን፡ ኢየሱስ ካብ ሞት ተንሢኡ ኢዩ፥ እቲ ኣብ ድኅነት ዘሎና ተስፋ ከኣ፡ ዓቢይ ኢዩ። ካብዙይ ተላዒሉ ከኣ፡ ትንሣኤ ክርስቶስ መሠረትን ዓንድን እምነትና፡ መረዳእታን መፍትሒ ሽግርናን ከምዝኾነ ንኣምን። ከምዙይ እንተዘይኸውን ነይሩ ግን፡ ካብ ዝሞተ ሰብ፡ ሕይወትዶ ኪርከብ ይከኣል ኢዩ?

ኢየሱስ ከም ሰብ መጠን ብሕይወቱ ከሎ፡ ሓዋርያቱ ነቶም ውሑዳት ኣይሁድ ጸላእቶም ኪቛወምዎም ኣይምኸኣሉን ነይሮም፡ ኢየሱስ፡ ምስ ሞተ ግን፡ ድኅሪ ሞቱን ትንሣኤኡን፡ ትብዓትን ኃይልን ስለ ዝሃቦም፡ ይትረፍዶ ነቶም ቑሩባት ኣይሁድስ፡ ንምሉእ ዓለም እዮም ኣሸኒፎም። ካብ ሞት ከምዝተንሥኤ ብዓይኖም እንተዘይርእይዎ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንምውራስ ተስፋ እንተዘይገብሩን ነይሮም፡ ብርግጽ፡ ኣብዙ ኵሉ ጸገም ኣይምተኣተዉን ነይሮም።

ኢየሱስ ክርስቶስ ሕጂ ብሕይወቱ ብሓቂ ክንዲ ዘሎ፤ ንኵሉ እቲ ተስፋኻ ብጽንዓት ዓቂቡ፡ ኣብ ስቓይካን ሞትካን፡ ብእኡ እትጸናናዕ ይግበርካ። ንምሉእ ሕይወትካ፡ ኣብ ትንሣኤኡ ተስፋ እናገበርካ፡ እቲ ክቡር ቍስሉን ሕማማቱን ሞቱን፡ ኣብ ሰብነትካ ከምዚኅተም ይግበረልካ (2ቆሮ 4፡10 ረአ)።

ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ዘተንሥኦን ዜኽበሮን እግዚኣብሔር ከምዝዀነ እመን እሞ፡ እምነትካ ከኣ፡ ኣብ እግዚኣብሔር ተስፋ እንተኅድረልካ ክትከውን ኢያ (1ጴጥ 1፡21 ረአ)። ኣብዙ ዓለምዙይ ብሞት ጥራይ ኣይኮነን ዚብከ፥ ብኻልእ ምኽንያት እውን ይብከ ኢዩ፥ ኵሉ ብኽያት ከኣ፡ ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ኣየእቱን ኢዩ፥ ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ዘእቱ፡ እቲ ብኽርስቶስን ምእንቲ ክርስቶስን ኢልካ እትበኽዮ ብኻይን እትሳቐዮ ስቓይን ጥራይ ኢዩ።

ክርስቲያናዊ ሕይወት ምንባር ማለት (ኤፌ 2፡5 ረአ) ምስ ክርስቶስ ምስቓይን (ሮማ 8፡17 ረአ)፡ ምስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒልካ (ገላ 2፡19 ረአ) ምማትን፡ (ቆላ 3፡3 ረአ) ምስ ክርስቶስ ንርእስኻ ምቕባርን፡ (ቅላ 2፡12 ረአ) ምስ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሢእካ ኣብ ሰማይ ብኽብሪ ምቅማጥን፡ (ኤፌ 2፡6 ረአ) ንዘለዓለም ንዕኡ ምግልጋልን (2ጢሞ 2፡12 ረ) ኢዩ።

ምስቲ ካብ ሞት ዝተንሥኤ ክርስቶስ፡ ኣብ ሕይወቱ ሓቀኛ ተሳትፎ ዘለዎ ክርስቲያናዊ ሕይወትካ፡ ብመሠረት ፋሲካዊ መልክዑ ንኽትነብር ጽዓር። ንስኻ ኣብቲ ካብ ሞት ዘተንሥኦ ኃይሊ ኣምላኽ ክንዲ ዝኣመንካ። ኣብ ጥምቀትካ ምሳኡ ተቐቢርካ፡ ምሳኡ ከኣ ካብ ሞት ተንሢእካ ኢካ (ሮማ 4፡4 ረአ)። እዙ መሠረታዊ ሓቂዚ፡ ንምሉእ ክርስቲያናዊ ሕይወትካ መሪሕ ይኹኖ። ብጸጋ ጥምቀት፡ ምስ ክርስቶስ ክትራኸብ ክኢልካ ኢኻ። ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣካሉ ምስ ኮንካ፡ ናይ ሕያው እግዚኣብሔር ቤተ መቕደስ ኮይንካ ኢኻ።

ኣብ ጥምቀት ዘሎካ እምነትን፡ በቲ ኣብ ትንሣኤ ዘሎካ ተስፋን ገቢርካ ነቲ ፍረ እምነትካ ዝኾነ ራእይ ኣምላኽ ክትርኢ ሃረር እናበልካ ተጸበዮ። ብጸጋ ጥምቀትካ፡ ሓንሳእ ኣባል ቤተ ክርስቲያን ምስ ኮንካ፡ እቲ ምእንታኻ ኢሉ ዝሞተን ካብ ሞት ዝተንሥኤን ክርስቶስ እምበር፡ ጥሪት ገዛእ ርእስኻ ምዃን ኣቋሪጽካ ኢኻ።

ምስ ክርስቶስ ካብ ሞት ካብ ተንሣእካ ናይ ሰማይ ዓስቢ ከኣ ኣብቲ ኣብ የማን ኣቡኡ ተቐሚጡ ዚርከብ፡ ካብኡ ድለዮ (ቆላ 3፡1 ቀጻልን ረአ)። ካብ ሕጂ ኣትኂዝካ ኣባል እቲ መጻኢ መንግሥቲ ኣምላኽ ምዃንካ ውሕስነት ኣሎካ (ሮማ 8፡23: 2ቆላ 5፡5 ረአ)። ነቲ ኣብ መወዳእታ ሕይወትካ፡ ካብ ውርደት ናብ ክብሪ ኪልወጥ ዘለዎ ሰብነትካ ንምርኣይ ብቅዱስ ሃረርታ ተጸበዮ (ሮማ 8፡22: ፊሊ 3፡10 ረአ)።

ነቲ ብሩኽ ተስፋን ነቲ ካልኣይ ንምግላጽ ወልደ ኣምላኽን ብሃረርታ እናተጸበኻዮ ጽናሕ፤ ንሱ ንስራሕካ ርእዩ ጽቡቕ ኪፈድየካ ኢዩ፥ (ማቴ 16፡27: 25፡31-46 ረኤ)። ትርጉም ሕይወትካ ምስ ክርስቶስ ኃቢርካ ምንባር እንተደኣ ኮይኑ፡ ምስኡ ኃቢርካ ምማት ከኣ፡ ረብሓኻ ኢዩ (ፊሊ 1፡20-21 ረአ)።

እቲ ሕይወትካ ዝኾነ ክርስቶስ ንኻልኣይ ጊዜ ብኽብሪ ናብዙ ዓለምዙይ ምስ ዚምለስ፡ ንስኻ እውን ሽዑ ብኽብሪ ተኸብኪብካን ክትረኤ ኢኻ (ቆላ 3፡4 ረአ)። ክርስቶስ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ሰብነትካ ከምዚኸብር ጽኑዕ ተስፋን እምነትን ኂዝካ፡ ንኽትነብር ጽዓር። ከም ቅዱስ ጳውሎስ ኣባይ ዚነብር ዘሎ ክርስቶስ ደኣ እምበር፡ ኣነ ኣይኮንኩን፡ ክትብል እንተትብቅዕ ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ! (ገላ 2፡20 ረአ)። ቅዱሳን ኣብዙ ዓለምዙይ ካብ ምንባር፡ ሞይቶም፡ ምስ ኽርስቶስ ምንባር ኢዮም፡ ዝደልዩ ዝነበሩ። ኣየወ! ንስኻ እውን በቱ ናይ ቅዱሳን ተስፋን እምነትን ትነብር እንተትኸውን ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ! (ፊሊ 1፡21-23 ረአ)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “መከራ ጻድቕ፡ ልዑል ትርጉም ኣለዎ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 06 Jan 2022, 02:26

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

78 - መከራ ጻድቕ፡ ልዑል ትርጉም ኣለዎ

ኦ ዝኸበርካ ኃወይ! ብኽርስቶስ ኣብ ቅድስና ክትነብር እንተደሊኻ ስደት ኪወርደካ ኢዩ (2 ጢሞ 3፡12 ረአ)፥ ኤረ! ሓድሓደ ግዜስ፡ እቶም ዝኸፋኡ ጸላእትኻ ቤተ ሰብካ ኢዮም! ናብ ቅድስና እተድህብ እንተኾይንካ፡ በቶም ናብ ቅድስና ዘየድህቡ ክፉኣት ሰባት፡ ክትሳቐ ኢኻ። መብዛኅቱ ጊዜ እኳ ደኣ፡ ክፉእ ሰብ ንሕያዋይ ሰብ ከም ክፉእ ኢዩ ዚጸልኦ፥ እዙይ ሕይወት-ጻድቕ ንኽፉእ ሰብ፡ ዕረፍቲ ዘይህቦ ወቓሲኅሊና ክንዲ ዝኾነ ኢዩ (መጽ ጥበ 2:21ን ቀጻልን ረአ)። ክፉእሰብ ንጻድቕ ዜሳድደሉ ምኽንያት፡ ብኻልእ ዘይኮነስ፡ ጻድቕ ክንዲ ዝኾነ ጥራይ ኢዩ፥ ዝገበረ ገይሩ ምስ ኣምላኹ ኬባእሶ ኢዩ ዚጽዕር። ዝኾነ ኮይኑ ንኽፉእ ሰብ፡ እግዚኣብሔር ብጥበቡ፡ ንጽቡቕ ነገር ዚጥቀመሉ መሳርሒ ኢዩ (1ቆሮ 2፡6 ረአ)።

ጽልኢ፡ ፍሉይን ረቒቕን ዝኾነ ናይ ገዛእ ርእሱ ክፉእ ኣተሓሳስባ ስለ ዘለዎ፡ ኤረ! ሓድሓደ ጊዜስ ካብቲ ናይ ፍቕሪ ዝረቐቐ ሜላ ኢዩ ዘለዎ፥ ምእንትዚ ጸላእትኻ፡ ካብ ዚህብዎ ክፉእ ፍርዲ ተሓሎ። ጽልኢ ካብ ክቱር ቅንኢ ስለ ዚመጽእ፡ ብቅንኢ ንዚጸልኦ ሰብ፡ ከጥፍኦ ጥራይ ዚኅልን። መደብ እግዚኣብሔር ግን፡ ብክፉኣት ገይሩ ንመንፈስካ ኬንጽሕን፡ ንዘለዓለማዊ ሕይወት፡ ብቑዕ ኪገብረካን ኢዩ።

ናይ እቲ ብኽፉኣት ዚወርደካ ምስጢራዊ ዝኾነ ስቓይ ትርጉም ኣብ ውሽጡ ኣቲኻ ክትርድኦ ጽዓር እሞ፡ ንኽትጸውሮ ከኣ፡ ኃይሊ ክትረክብ ኢኻ። ብኽፉእ ሰብ ንዚወርደካ መከራን ውርደትን፡ ከም ጸጋ-ኣምላኽን፡ (ፊሊ 1፡29ረአ) ከም ምንጪ ሓጐስካን፡ (1 ጴጥ 4፡12 ረአ) ገይርካ ረኣዮ ኢኻ። መከራን ጭንቅን ክትረክብ ከሎኻ፡ ኣብ ኣምላኽ ተማኅጸን (ማቴ 26፡53: ዮሓ 16፡32 ረአ) ብትዕግሥቲ ጽወሮ (2 ተሳ 1፡4 ረአ) ንጸላእትኻ ከኣ ጸሎት ግበረሎም (ማቴ 5፡44፥ ሉቃ 23፡34፥ ግሓ 7፡60 ረአ)።

ብዘይ ሓደ ምኽንያት እንተጸልኡኻን እንተነዓቑኻን፡ ሕነኻ ከይፈደኻ፡ ተስፋኻ ኣብ እግዚኣብሔር ጥራይ ኣንብሮ፥ ጐይታን ቅዱሳንን እውን፡ ሓንቲ ክፉእ ከይገበሩ፡ በዚይን ብኸምዚይ ዝኣመሰለ ቅዱስ ነገር ተጸልኡን ተነዓቁን፡ ንስኻ ከኣ፡ ንዓኣቶም ክትመስል ጸዓር።

ንኢየሱስ ክትክተል እንተደሊኻ፡ እቲ ኣብ ርእሱ ዝወረደ መከራን ምስዳድን ኣብ ርእስኻ እውን ኪወርድ ግድን ኢዩ’ሞ፡ ብኣኡ ብዙኅ ክትግረምን ክትዕንቀፍን ኣይግብኣካን ኢዩ፥ ኣኳ ደኣ (ማቴ 10፡22: 24፡9 ረአ)፥ ኣብቲ ናይ መምህርና ኢየሱስ ትዕድልቲ ስለ እትኻፈል፡ ክትሕጐስ ምተገብኣካ ነይሩ (1ዮሓ 3፡13: ሉቃ 6፡23 ረአ)። ኢየሱስ፡ ነቲ ኣብ ሕይወቱ ዜጋጠሞ መከራን ምስዳድን ኵሉ፡ ከምብሓዲሽ ኣባኻ ተደጊሙ ኪርእዮ ኢዩ (ግሓ 9፡4 ቀጻልን፤ ቆላ 1፡24 ረኣ)።

ኢየሱስ ካብ ዓለም ጽልኢ ከጥፍእ ኢሉ ተሠውዔ። ሞት ኢየሱስ፡ እቲ ብፍቕሪ ገይሩ፡ ከምብሓዲሽ ናብ ዓለም ንፍቕሪ ኣእትዩ ኣብ ዓለም ንኵሉሻዕ ከምዚተርፍ ዝገበረ ክንዲ ዝኾነ፡ ብሞቱ ገይሩ ኣብ ዓለም ንዝነበረ ጽልኢ ሓንሳእን ንወትሩን ኣጥፊኢዎ ኢዩ። ንስኻ ግን፡ ዝኮንካ እንተኾንካ፡ ምእንቲ ኪከላኸለልካን ኬድኅነካን ኢየሱስ ምሳኻን፡ ኣብ ውሽጢ ልብኻን፡ ከምዘሎ ኣይትረስዕ። ጸላእትኻ ንነፍስኻ ዚጐድእ፡ ሓንቲ እኳ ኪገብሩ ኣይኽእሉን ኢዮም (ማቴ 10፡ 28-31 ረአ)። እምበኣርከስ፡ ካልኦት ብሓሶት ጸሎሎ እናቐብኡኻ ከለዉ፡ ንስኻ እውን ምእንቲ ኢየሱስ ኢልካ፡ እንተደኣ ተዋሪድካን ተሰዲድካን፡ ብሓቂ፡ ዕውቱን ብፁዑን ኢኻ። ኣብ ሰማይ ዓስብኻ ዓቢይ ስለ ዝኾነ ደስ ይበልካ (ማቴ 5፡11-12 ረአ)።

ኢየሱስ ንዓለም ስለ ዝሠዓሮን ኣብ መወዳእታ ዓለም ከኣ፡ ምስቶም ንሱ ዝኃረዮም ኵሎም ቅዱሳት ኃቢሩ፡ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ዓወት ኪጓናጸፍ ኢዩ (ዕብ 1፡13 ረአ)። ዝኾነ ኾይኑ ግን፡ መንፈስ ስንድዊ፡ ሥጋ ግን ድኹም ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ጸሎት ተጸመድ ኢኻ (ማቴ 26፡41 ረአ)። ብጊዜ መከራ እውን፡ ነታ ኅሊናኻ ከምዘይትዓርብን፡ ቅሱን እትገብረካን ተስፋ፡ ኣይተጥፍኣያ ኢኻ (ሮማ 12፡12 ረአ)። ብጊዜ መከራን ጸበባን እውን ሕጉስ ኮይንካ ምንባር፡ መንፈስ ቅዱስ ዚህበካ ፍሉይ ጸጋ ኢዩ (1 ተሳ 1፡6: ገላ 5፡22 ረአ)። እምበኣርከስ፡ ኣኽሊል ዘለዓለማዊ ሕይወት ከምትቕበል ተኣሚንካ፡ ንዝገጥመካ ስደት እዙ ዓለምዙይ፡ ብተስፋ እናነበርካ፡ ነዙ ኵሉ ብሕጉስ መንፈስ፡ ክትቅበሎ ፈትን ኢኻ (ራእይ 2፡10 ረአ)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ብሰንኪ ጽልእን ጸርፍን፡ ትሩፋትን ሥሬት ኃጢኣትን ይርከብ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 14 Jan 2022, 09:30

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)። :mrgreen:

79 - ብሰንኪ ጽልእን ጸርፍን፡ ትሩፋትን ሥሬት ኃጢኣትን ይርከብ


ሓድሓደ ጊዜ ጽቡቕ ክትገብር ከሎኻ፡ ከም ጻማ ወቐሳን፡ ኣንፃርነትን ተቓውሞን፡ ኵራን ኢኻ ትቕበል። እንተኾነ ግን፡ ኣይትሕዘን ጽቡቕ ካብ ምግባር ከኣ፡ ድኅር ኣይትበል። ኣብ ኵሉ ከኣ፡ ነቲ ጻማኻ ንዘለዓለማዊ ሕይወት ኪዕቅበልካ ዚደሊ ኃላይ ዝኾነ ኢድ ኣምላኽ፡ ናብኡ ብተስፋ ጠምት። ሓንቲ ከይገበርካ እንተገረፉካ እውን፡ ሽዑ እተርእዮ ትዕግሥቲ፡ ብዙኅ ትሩፋት ኬፍርየልካ ኢዩ። ትሩፋት ዚርከብ ምእንቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢልካ ካብ እትሳቐዮ ስቓይ እምበር፡ ካብ ታሕጓስ ኣይኮነን። ቅዱሳን ኣብ ቅድስና ንኺበጽሑ፡ ኣብ ሕይወቶም ከመይ ዝኣመሰለ ቃልሲ ከምዘካየዱ እስኪ ቍሩብ ሕስብ ኣብል!።

ከምቲ ፍረ ዘለላ-ወይኒ ምስ ተጸምቘ ናብ ዚስተ ነቢት ዚቕየር፡ ከማኡ ከኣ፡ ኣብ ርእሲ ቅዱሳን ዚወርድ ስደት፡ ናብ ታሕጓስ ኢዩ ዚቕየር። ንስኻ እውን ንዚወርደካ ሓሳረ-መከራ ብእምነትን ብትዕግሥትን እንተተቐበልካዮ፡ ከም ኣብርሃም ዓርኪ እግዚኣብሔር ክትከውን ኢኻ። እግዚኣብሄር፡ በቶም ዜሳቕዩኻ ገይሩ እውን፡ ኪፍትነካ ይኽእል ኢዩ። እግዚኣብሔር፡ መደቡ ኣብ ፍጻሜ ንምብጻሕ፡ ባኣኻ ዚጥቀም፡ ተፈቲንካ ነቲ ፈተና እንተኃለፍካዮ ጥራይ ኢዩ።

ምስ ትጽረፍ፡ እቲ ጸርፊ ንመንፈስካ ዜንጽህን ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ኣምላኽ ከኣ፡ ዚያዳ ቅቡል ዚገብረካን ምዃኑ ሕሰብ። ነቲ ብሰንኪ ኃጢኣትካ ኪወሃበካ ዚግባእ መቕጻዕቲ እንተሓሰብካ፡ እቲ ካብ ርእስኻ ዚወርድ ጸርፊ ቀሊል ኮይኑ ኪረኣየካ ኢዩ። እግዚኣብሔር ንዓኻ ምእንቲ ኪዕገሰካ፡ ነቲ ዚጻረረካ ኵሉ ከኣ፡ ምእንቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢልካ ተዓገሶ ኢኻ።

ሓቀኛ ሳምዕ ዚበሃል፡ እቲ ደሙ ምእንቲ ክርስቶስ ዜፍስስ ጥራይ ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ፡ እቲ ኣብ ሕይወቱ ንዚገጥሞ ተጻብኦ ብትዕግሥቲ ዚቕበሎ እውን ኢዩ። ንስኻ ከኣ ነቶም ክፉእ ዚገብሩካ ጸሎት ግበረሎም (ሉቃ 6፡28 ረአ) ከመይሲ፡ ነቶም ዘሳቕዩኻ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ካብቲ ርኅራኄ ዚመልኦ ተማልዶኻ ዚስማዕ ጸሎት የልቦን። ኪጸርፉኻ ከለዉ፡ ስለ እቲ ንእግዚኣብሄር ዚግበር በደል ሕዘን ደኣ እምበር፡ በቲ ዚበደሉኻ ኣይትሕዘን።

ብሰላም እናነበርካ ብጸጋ ኣምላኽ ሃብታም እንድኅሪ ኮይንካ፡ እዙይ፡ ኣምላኽን ንስኻን ጥራይ እትፈልጡዎ ኢዩ። ብሓሳረ መከራ ዝተኻላበትካ እንተኾይንካ ግን፡ ነቲ መዓዛ ቅድስናኻ ንስኻን ኣምላኽን ጥራይ ኣይኮንኩምን ትፈልጡዎ፡ ካልኦት እውን፡ ነቲ ጥዑም ሽታኻ ሸቲቶም፡ ኪፈልጡዎ ኢዮም። ምእንትዙይ፡ ኣብ ህይወትካ ዝኾነ ጸገም ምስ ትረክብ፡ ምሉእ ተስፋኻን እምነትካ ኣብ እግዚኣብሔር ኣንብር።


እቲ ብሓሳረ መከራ እዙ ዓለምዙይ ዚቈሰለ ልብኻ ከኣ፡ ብጊዜኡ ኪሓዊ ኢዩ። እቲ ቀደም ዓቢይ ዝበሃል ዝነበረ ነገር እውን፡ ቀስ እናበለ እናነኣሰ ኪኸይድ ኢዩ። እዙይ ከኣ፡ ኣብ ገዛእ ምሉእ ሕይወትና እንዕዘቦ ነገርን ታሪኽን ኢዩ፥ ብዓቢዩኡ ኸኣ፡ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ እንዕዘቦ ኢዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “እግዚኣብሔር ነቶም ዜፍቅሮም ይፍትኖም” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 22 Jan 2022, 02:43

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

80- እግዚኣብሔር ነቶም ዜፍቅሮም ይፍትኖም

እግዚኣብሔር ዜፍቅረካ እንተኾይኑ፡ ኣኽሊል ክብሪ ንኪህበካ ኢሉ፡ ቅድም ብብዙኅ ሓሳረ-መከራ፡ ብእምነትካ ኪፍትነካ ኢዩ (ዮዲት 8፡26-28 ረአ)። እግዚኣብሔር ማዕረ ክንደይ ከምዘፍቅረካ እንተትፈልጥ ነይርካ፡ ማዕረ ክንድኡ ከኣ፡ ካብ ኢዱ ታሕጓስ ይኹን ስቓይ ይኹን ደስ እናበለካ ክትቅበሎ ምደለኻ ነይርካ። እግዚኣብሔር ኣቦኻ ክንዲ ዝኾነ፡ እቲ ዝመረረ ስቓይ እዙ ዓለምዙይ እንተዝህልወካ፡ ንሱ ሕቝፍ ኣቢሉ ምስ ሰዓመካ እሞ፡ ንስኻ ከኣ፡ ንኵሉ ስቓይካ ረሲዕካ፡ ዓቢይ ታሕጓስ ምተሰምዓካ ነይሩ።

ፈተና እዙ ዓለምዙይ፡ እግዚኣብሔር ከምዜፍቅረካን ኬድኅነካ ከምዚደልን ዚህበካ ዘሎ ምልክት ኢዩ።
እግዚኣብሔርሲ ነቲ ፍቁር ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ዜውርደሉ ስቓይ ኪህበካ እንተዘይኮይኑ፡ ካብዚ ዝዓቢይ ካልእ ፍቕሪ ኪገልጸልካስ ኣይምኸኣለን ነይሩ? ንስቓይ ብኸምዙይ ዝመሰለ ኣረኣእያ እንተጠሚትካዮ፡ ንኽትጻወሮ ዝቀለለ ኪኾነልካ ኢዩ።

እቲ ሓድሓደ ጊዜ፡ ኣብ ግብሪ ንኽተውዕሎ ጨካን ዚመስል ፍቓድ ኣምላኽ፡ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ክንዲ ዝኾነ፡ እቲ ጨካን ዚመስለካ ተግባሩ፡ ናይ ፍቕሪ ተግባር ምዃኑ ኣጸቢቑ ከርድኣካ ጸኒሑ ኢዩ (1ዮሓ 4፡8 ረአ)። እግዚኣብሔር ኪፍትነካ ከሎ፡ ሽዑ ማዕረ ክንደይ ከምዚፈትወካ ጨሪሽካ ክትርድኦ ኣይትኽእልን ኢኻ። ስቓይ፡ ኣባታዊ ኢድ፡ ዋሕስ ፍቅሪ ኣምላኽ ኢዩ።

እግዚኣብሔር፡ ምእንቲ ፍቕሩ ኢልካ ስቓይ ክትሳቐ ዝተቐረብካ ኮይንካ እንተረኺቡካ፡ ፈተና ስቓይ ኪውስኸካ ኢዩ፥ ካብኡ ዘይፍለ ከኣ፡ ብዙኅ ኃይልን ትዕግሥትን ኪህበካ ኢዩ። ድኅሪ ኃይሎ ጊዜ፡ ማዕረ ክንድዙይ ዝኣክል ስቓይ ብትዕግሥቲ ምስቓይካ፡ ባዕልኻ ክትግረም ኢኻ። ብዘይስቓይ እትኅልፎ መዓልቲ፡ እግዚኣብሔር ረሲዑካ ከይኸውን ክትፈርሕ ይግብኣካ። ንስኻ ንእግዚኣብሔር ኢልካ ገለ ጽቡቕ ስራሕ እንተሰሪሕካ፡ ንሱ ከኣ ብወገኑ ከም ምስጋናን ጻማኻን ገለ ሽግር ኪሰደልካ ኢዩ። እቲ ነዙ ጥቕሚዙይ ዚርዳእ ሰብ፡ ደሞዙ ኣዚዩ ልዑል ኢዩ።

ኣብ ኣዚዩ ብርቱዕ ስቓይ ክትርከብ ከሎኻ፡ ነቲ ጥዑም ዝኾነ ህያብ ኣምላኽ እናሓሰብካ (ሲራ 11፡25 ረአ) “ካብ ኣምላኽ ሠናይ ነገር ካብ ተቐበልኩስ፡ ነቲ እኩይ ነገርከ ክቕበሎ ኣይግብኣንንዶ? (ኢዮ 2፡10)፥ ወይ “እግዚኣብሔር ሃበ፥ እግዚኣብሄር ከኣ ወሰደ፥ ስም እግዚኣብሔር ይባረኽ” (ኢዮ 1፡21) እናበልካ ንርእስካ ኣዘካኽር። ስለዚ ኵሉ እቲ እግዚኣብሔር ዚሰደልካ መከራ፡ ናይ ፍቕሪ ምልክት ኢዩ


ብዙኅ ምእንቲ ክትፈሪ ከም ፍረ እኽሊ ክትመውት ይግባእ (ዮሓ 12፡24 ረአ)፥ ሕይወትካ ንዘለዓለም ምእንቲ ክትዕቅባ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ክተጥፍኣ ይግባእ (ዮሓ 12፡25 ረአ)፥ ንስኻ ምስ ኢየሱስ ኣብ መንግሥተ ሰማይ ኃቢርካ ምእንቲ ክትነብር፡ ኣብዙ ዓለምዙይ መስቀልካ ተሸኪምካ ክትስዕቦ ይግብኣካ (ማቴ 10፡38 ረአ)። እግዚኣብሔር ብኣኻ ሕጉስ እንተኾይኑ፥ ንስኻ ከኣ ብመከራ ክትልብለብ ናይ ግድን ኢዩ (ጦቢት 12፡13 ረአ)።

ከምቲ ኣቦ ንዘፍቅሮ ውሉድ ዚቐጽዕ፡ ከምኡ ከኣ እግዚኣብሔር ንዜፍቅሮ ኢዩ ዚእርም፥ እግዚኣብሔር እንተደኣ ኣሪሙካ ከኣ ብፁዕ ኢኻ (ኢዮ 5፡17 ረአ)። እግዚኣብሔር ነታ ሓቀኛ ዝኾነት ፍሥሓ ሃረር ኢልካ ምእንቲ ክትደልያ፡ ሓድሓደ ጊዜ ነዙ ምድራዊ ሓጐስካ እዚ፡ ብሓዘን ኢዩ ዜካውሶ። ከምቲ ሓቀኛ ወርቂ ብሓዊ ዚጸሪ፡ ከምኡ ከኣ፡ እግዚኣብሔር ንዚፈትዎም ኵሎም፡ ብስቓይ ሓዊ ገይሩ ኢዩ ዜካውሶምን ዜጽርዮምን (ሲራ 2፡5 ረአ)። እቲ ኣብዙ ዓለምዙይ ብሓደጋን ብሽግርን ከምትሳቐ ዚገብረካ ኣምላኽ፡ ኣብቲ ካልኣይ ዓለም ከኣ፡ ብድኅነቱ መወዳእታ ዘይብሉ ፍሥሓ ኪህበካ ኢዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ጥቕሚ ስቓይ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 29 Jan 2022, 03:23

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)። :mrgreen:

81 - ጥቕሚ ስቓይ

ሓሳረ መከራን፡ ጭንቅን እዙ ዓለምዙይ ካብ ባህጊ እዙ ዓለምዙይ የርሕቐካን፡ ናብቲ ዘለዓለማዊ ሕይወት ቀልጢፍካ ንኽትከይድ ከኣ ይድርኸካን ኢዩ። ብሓሳረ-መከራ እዙ ዓለምዙይ እንተዘይተሸጊርካ፡ ነዙ ሃገረስደት ዝኾነ ዓለምዙይ፡ ምስቲ ሓቀኛ ዝኾነ ናይ ሰማይ ሃገርካ፡ ከተደናግሮን ክትልውጦን ትኽእል ኢኻ። ምእንትዙይ ኣብዙ ዓለምዙይ ጥዒሙካ፡ ነቲ ሰማያዊ ሃገርካ ረሲዕካ፡ ኣብ መንገዲ እዙ ስደት ዝኾነ ዓለምዙይ ጠጠው ንኸይትብል፡ ጐይታና ንምድራዊ ሕይወትካ ብእሾኽ ኣመኼላ ከምዚመልእ ኢዩ ዚገብሮ።

እግዚኣብሄር ኣቦኻ ክንዲ ዝኮነ፡ ዚፍትነካ ምኽንያት መንግሥተ ሰማይ ምእንቲ ክትወርስ ኢሉ ኢዩ (ዕብ 12፡6 ረአ)። ኣተና ሕይወትካ ታሕጓስ እምበር ስቓይ ኣይኮነን። ስቓይ ብኢድካ ኂዛ ኢያ ናብ መንግሥተ ሰማይ እተእትወካ። ብምኽንያት እቲ ኵሉ ዝደኸምካዮን ዝተሳቐካዮን ኣብ ሰማይ ዓቢይ ስልማት ከምዚወሃበካ ኣይትረስዕ ኢኻ። ዘሎኻዮ ጊዜ፡ ጊዜ ፈተና ይኹን እምበር፡ በዙ ኵሉ ዝተባህለ ኣሚንካ፡ ነፍስኻ ኣብዙ ዓለምዙይ ከም ሓደ ኣብ ኣሻኵ ኦም ኮይኑ ዚደርፍ ዑድ ክትከውን ይግባኣ።

ብስቓይ ንብዙኅ ነገር ክትእርምን ከተመሓይሽን ትኽእል ኢኻ፥ ንኣብነት ስቓይ፡ ሕያዋይን፡ ተደናጋጻይን፡ ብዛዕባ መጻኢ ሕይወትካ ዚያዳ ከምትሓስብን ንኽትሰርሓሉ እምበር ንኽትጻወትሉ ከምዘይኮነ ብዝበለጸ ከተሓሳስበካ ይኽእል ኢዩ።

ስቓይ፡ ናብ ብሓቂ፡ ብዛዕባ ሕይወትካ ብዙኅ ኢዩ ዘተሓሳስበካ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ስቓይ ኣቲኻ እንተዘይተማሂርካ፡ ንመጽሓፍ ሕይወትካ ከተንብቦ ኣይትኽእልን ኢኻ። ከምኡ እውን ንናይ ካልኦት ስቓይ መታን ክትርዳእ፡ ቅድም ቀዳድም ንስኻ ባዕልኻ ንስቓይ ዝፈተንካ ክትከውን ይግባእ።

ስቓይ፡ ንልቢ ብጻይካ ኣንቢብካ ከምትኽእልን፡ ዝበኪ ሰብ ኣብ ልቡ፡ ክንደይ ሓዘን ከምዚስመዖን፡ ዚነብዕ ሰብ እውን፡ ክንደይ ስቓይ ከምዘለዎን ንምርዳእ ይሕግዘካ ኢዩ። መላእኽቲ ዚቀንኡልካ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ከማኻ ምእንቲ እግዚኣብሔር ኪሳቐዩ ዘይምኽኣሎም ኢዩ። ኦ ኣምላኸይ፡ ኣነ ኣፍቅረካ ኢየ፡ ክትብል እትኽእል ከኣ ትሳቐ እንተኰንካ ጥራሕ ኢዩ።

ሕይወት ደቂ ሰብ፡ ነፍሳት በሲለን ንመንግሥተ ሰማይ ዚሰናደዋሉ ዓቢይ ጻሕሊ ኢዩ። ነዙ ዓለምዙይ ነባሪ መንበሪኻ ክትገብሮ ምስ ትደሊ፡ እግዚኣብሔር ከኣ፡ ብሓንቲ ቅጽበት-ዓይኒ ዝኾነት ምልክት ገይሩ፡ ኣብ ከብዲ እግርኻ ዜሳቒ ሓዊ ንኺነድድ ይእዝዝሞ፡ ንስኻ ከኣ ጕዕዞኻ ትቕጽል። እቲ ኣብ ጥዑም ጊዜ ቀልጢፍካ ከተጥፍኦ እትኽእል ሃብቲ፡ ኣብ ሽግር ጊዜ ግን፡ ብቐሊሉ ኣይተጥፋኦን ኢኻ። ብኃጢኣት ትብድል ኢኻ፡ ብስቓይ ግን ትልብም ኢኻ። እቲ ኣብ ታሕጓስ እዙ ዓለምዙይ ዘይርኢ ዝነበረ ዓይንኻ፡ ኣብ ስቓይ ኪራኢ ይጅምር።

እቶም ብብዝኂ ሃብቲ ብትዕቢትን ድፍረትን ተመሊኦም ዝነበሩ፡ ኣብ ልዕሊኦም ስቓይ ምስ ዚወርድ ግን፡ ኣብ ልቦም ፍርሃት እግዚኣብሔር ኪኃድር ይጅምር። ንስኻ ከኣ ገና ምስ ምሉእ ኃይልኻ ከሎኻ፡ ንዓለም ኣብ ኢድካ ዚጨበጥካያ ይመስለካ ይኸውን፥ ስቓይ ምስ ዚትንክፈካ ግን፡ ሕይወት ወዲ ሰብ ማዕረ ክንደይ ኃላፍን መከራ ዚመላኦን ከምዝዀነ ብዓይንኻ ኢኻ ትርእዮ።

እቶም ብመንገዲ ስቓይ ናብ ሓቀኛ ሃይማኖት ዚበጽሑ ብዙኃት ኢዮም። እግዚኣብሔር እቲ ኣብ ኢድ’ቲ ፋሕጣሪ ዝኾነ ጽፍርን፡ ነኻሲ ዝኾነ ስንን ስቓይ ዜንበሮ ክቡር ህያቡ፡ ጩራ ብርሃን ኢዩ። ስቓይ፡ መተካእታ ፍቕሪ ኢዩ፥ ስቓይ የጽርየካ፥ ስቓይ ንነፍሲ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ፍጽምና ኬብጽሓ ዚኽእል፡ ንፉዕ በዓል ሥነኪነት ኢዩ። ስቓይ፡ ብሓቂ፡ እቲ ንፍቕሪ ዚቐርጾ ንፉዕ ዓንጠረኛ ኢዩ።

ንስኻ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ይኹን ኢልካ፡ ስቓይ ብትዕግሥቲ እንተተቐቢልካዮ ንነፍስኻ ኣንጺሁ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ፡ ነፍስኻ፡ ድልውቲ ኮይና ከምትቐርብ ይገብራ (ኤር 9፡6: መዝ 66፡10 ረአ)። ስቓይ ንመንፈስካ የዕብዮ ኢዩ (ኦዘዳ 8፡5: ምሳ3፡11 ቀጻልን ረአ)፡ ሳላ ስቓይ ኃጢኣትካ ይሥረየልካ (ኢሳ 40፡2 ረአ)፡ ስቓይ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ይፍትኖም ኢዩ (ኦዘፍ 22 ረኣ) ፥ስቓይ ንድኅነት ዚሕግዝ መሳርሒ ኢዩ (ኦዘጽ 17፡11 ረአ)። ምእንቲ ኣምላኽ ኢልካ ዝተቐበልካዮ ስቓይ፡ ክንደይ ጥቕምን ረብሓን የምጽኤልካ ይመስለካ!።

እቲ ምእንቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢልካ እትቕበሎን ናተይ ኢልካ እትሕዞን ንእሽቶ ስቓይ እውን፡ ንእግዚኣብሄር የሕጕሶ ኢዩ፥ ንእሽቶ ስቓይ ከኣ፡ ኣብ ሕይወትካ ኣናናሻዕ ስለዚገጥመካ፡ ነዙ ኣጋጣሚ እዙይ ጽቡቕ ገይርካ ክትጥቀመሉ ከሎኻ፡ ብመንፈስ ሃብታም ኪገብረካ ይኽእል ኢዩ። ስቓይ ኣዚዩ ጠቓሚ ዝኾነ መጋበሪ ኢዩ!። እግዚኣብሔር ብነፍሲ ጥዑይ ኮይንካ ምእንቲ ክትነብር፡ ብዙኅ ጊዜ ጥዕና ሥጋ ኪኸልኣካ ይርከብ።

ንሕማምካ ካብ ኢድ ኣምላኽ፡ እዚ ፍቓድካ ይኹን ኢልካ እንተተቐቢልካዮ፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ጸሎት፡ እቲ ዝበለጸ ተጋድሎ ኢዩ። ብርግጽ፡ ካብ ስቓይካ ምግልጋል፡ ዓቢይ ጸጋ ኢዩ፥ እንተኾነ፡ እግዚኣብሄር ንዓኻ፡ ኃይልን ትዕግሥትን ሂቡ፡ ንዕኡ ደስ ክሳብ ዚብሎ፡ ክሳብ መወዳእታ ክትሳቐ እንተኺኢልካ፡ እዙይ እውን፡ እቲ ዝዓበየ ጸጋ ኪኸውን ይኽእል ኢዩ። ነዙ እምነት እዙይ ኅዚካ እንተተሳቒኻ ዕዉት ኢኻ።

ዝተዘርኤ ፍረ ስርናይ እንተዘይሞይቱ፡ ኪቦቝልን ፍረ ኬውጽእን ኣይኽእልን ኢዩ፥ (ዮሓ 12፡24 ረአ)። ንስኻ ግን ምናልባት፡ ከይሞትካ ኢኻ ፍረ ከተፍሪ እትደሊ። ኣነ ኣይረብህን ኢየ ትብል እንተኾይንካ፡ ካልእስ ይትረፍ፡ እትሳቐዮ ኵሉ፡ ንእግዚኣብሔር ኣወፍዮ። ነፍስኻ ናብ ዝበለጸ መንፈሳውነትን ኅብረት ኣምላኽን ምእንቲ ከተብላ፡ መንፈስ ቅዱስ ንነፍስኻ ብስቓይ ኢዩ ዜንጽሓ። “እግዚኣብሄር ዚቐጽዓና፡ ንዓና ነቶም እነምልኾ ኬጠንቕቐና ኢሉ ኢዩ” (ዮዲት 8፡27)።

እግዚኣብሔር ንኼጽርየካ ኢሉ ብውሽጣውን ብግዳማውን ፈተና ኪፍትነካ ከሎ፡ ዓቢይ ጸጋ ኢዩ ዚገብረልካ ዘሎ፥ ከመይ እዙይ ምልክት መደብ ፍቕሩን ቅድስናኡን ኢዩ። እግዚኣብሔር ብዙኅ ድኻም ዜድልዮ ስራሕ ክትነብር እንተደልዩካ፡ እቲ ንሱ ኪህበካ ሓሲቡዎ ዘሎ ነገር ኣብዚኁ ኪህበካ ስለ ዝተደለየ ከምዝኾነ ፍለጥ። ኣምላኽ ንነፍስኻ ምእንቲ ከሕውያ ምስቓይ ኣድላዪ ኢዩ። እግዚኣብሔር ብጸጋኡ ኪመልኣካ ብዙኅ ኢዩ ዚደሊ እሞ፡ ክንደይ ኪህበካ ከምዘለዎ ነቲ ዓቐኑ ባዕልኻ ኣይትደርቶ።

ስቓይ፡ ብዝኾነ ይኹን መልክዕ፡ ንምሉእ ሕይወትካ ኃቢሩካ ዚነብር ኢዩ። እንተኾነ፡ ጥቕሙ ተረዲእካ ንመንግሥተ ሰማይ እንተሰሪሕካሉ ዕዉት ኢኻ። እዙይ እንታይ ማለት ኢዩ፡ እቲ ኣብዙ ዓለምዙይ ከሎኻ ብጻዕርን ድኻምን ዚዘራእካዮ፡ ናብ ሰማይ ምስ ኃለፍካ፡ ኣባኡ ተሓጕስካ ክትሓፍሶ ኢኻ። ስቓይ፡ ንዘለዓለም ዝኸውን፡ ብሓቂ ምንጪ ብዙኅ ጻማ ኢዩ!። ስቓይ ኃላፊ ኢዩ፥ እተሳቐኻዮ ስቓይ ግን፡ ንዘለዓለም ዚነብር ኢዩ።

እቶም ዜሳቐዩኻ ሰባት፡ ክንደይ ከምዝጠቐሙኻ ሓደ መዓልቲ ክትርኢ ኢኻ። ንእግዚኣብሔር ካብ ሕማምካ ኪገላግለካ ካብ ምልማን፡ እቲ ንሱ ዚደልዮ ስቓይን ንዚደልዮ ጊዜን፡ ምእንቲ ፍቕሩ ብመንፈሳዊ ትብዓት ተሳቒኻ ምእንቲ ክትክእል ኃይሊ ኪህበካ እንተትልምኖ፡ ንመንፈስካ ብዙኅ ረብሓ ክትረክብ ምኸኣልካ ነይርካ። እዙ ጸሎት እዙይ፡ ብርግጽ፡ ምስ ሰብኣዊ ባህርኻ ዚጋጮ ነገር ኪከውን ይኽእል ኢዩ፡ ግን ብእግዚኣብሄር ቅቡል ኢዩ። ተሳቕየ ኣይኽእልን ኢየ ኣይትበል፥ ንኣብነት፡ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ዝኣተወት ሰፍነግ፡ ሓንሳብ ማይ ምስ መልኣት፡ ካልእ ማይ ከተእቱ ኣይትኽእልን ኢያ። ልቢ ሰብ ግን ከማኡ ኣይኮነን። ልቢ ሰብ ኪሳቐን ኬፍቅርን፡ ወሰን ዘይብሉ ዓቅምን ክእለትን ኣለዎ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ነፍስወከፍ ሰብ፡ መመስቀሉ ይሽከም” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 04 Feb 2022, 04:28

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

82 - ነፍስወከፍ ሰብ፡ መመስቀሉ ይሽከም

ዝኸበርካ ኃወይ! ንኢየሱስ ክትክተሎ እንተደሊኻ፡ መስቀልካ ከይተሸከምካ ክትነብር ከምዘይትኽእል ክርድኣካ ይግባእ። ንስኻ መስቀልካ እንተተሸኪምካ፡ ሃንደበት ንዚወድቀካ ነገር ኵሉ ብትዕግሥቲ ክትጾሮ ኢኻ። ብመስቀልካ ኣይተዕዘምዝም፥ መስቀል ካልኦት፡ ካብ መስቀለይ ይቐልል ኢዩ ቢልካ እውን ኣይትሕሰብ። እኳ ደኣ፡ መስቀልካ ካብ ናይ ካልኦት ዝቐለለ ኮይኑ ምእንቲ ኪስመዓካ፡ ንመስቀል ካልኦት፡ ካብ መስቀልካ ከምዚኸብድ ገይርካ ክትሓስቦ ይግባእ።

እግዚኣብሔር፡ ጥበበኛ ኣቦ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ዘሸክመና መስቀል፡ ምስ ናይ ነፍስወከፍ እንግድዓ ኣሰማሚዑ ስለ ዘሸክመና፡ ነፍስወከፍና እንሽከሞ ሸኸም፡ ዓቕምና ኢዩ። ነዛ ምድራዊት ሕይወት እዚኣ ብዘይመስቀል ዚኃልፋ ዘሎ ሰብ ከይመስለካ። ነፍስወከፍ ሰብ ዚሽከሞ ናቱ መስቀል ኣለዎ። ምናልባት፡ መስቀልካ ዓቢይ ስለ ዘይኮነ ሕጕስ እንተዘይኮንካ፡ ባዕልኻ እትፈልጦ ንእሽቶ መስቀል ኣይትስእንን ኢኻ። ብዙኅ ጊዜ እቲ መስቀልካ ዚበሃል፡ እቲ መዓልቲ መጸ ኣብ ሕይወትካ ዜጋጥመካ ጸገም ኢዩ። ኣብ ሕይወትካ፡ ደስ ዘይብል፡ ሕማቕ መዓልቲ እውን ከምዘሎ ፍሉጥ ኢዩ። ነዙ ሕማቕ መዓልቲዚ እውን ብትዕግሥቲ ተቐበሎ፥ ኣምላኽ ንዚህበካ መስቀል ተቐበል፥ ግዳ ምስኡ ከኣ ጐይታና መሸከሚ መስቀል ዝኸውን ኃይሊ ጸጋኡ ከምዚህበካ ፍለጥን እመንን ኢኻ።

ንድኅነትካን ንድኅነት ካልኦት ምእንቲ ኪኸውን፡ ጸገምካ ምስቲ ናይ ኢየሱስ ጸገም ጸምብሮ፥ ኣብዙ ዓለምዙይ ሓንሳብ ጥራሕ ኢኻ ትነብር’ሞ፡ ንሕይወትካ ብመንፈስ ሃብታም ከምዚኸውን ግበሮ
። ምእንቲ ኢየሱስ ኢልካ ዓቢይ ሽግር ክትጻወር ሃረርታኻ እንተኾይኑ እውን፡ ግን ንጊዜኡ ንእሽቶ ሽግር ንምጻር እውን ቅሩብ ኩን ኢኻ። ንኢየሱስ ፍቕርኻ ክትገልጸሉ እንተደሊኻ፡ ነቲ ኣብ ህይወትካ፡ መዓልቲ መጸ ዜጋጥመካ ናእሽቱ መስቀል ብትዕግሥቲ ክትሽከሞ ክትጽዕር ኣሎካ እምበር፡ ብኣምላኽ ንዘይተዋህበካ መስቀል፡ ብሕልሚ ጥራሕ ክትሽከሞ ምድላይ፡ ሓቅነት ዘይብሉ፡ ኣብ ሰማይ ዝተንጠልጠለ ድሌት ኢዩ። ምእንትዙይ ኣብ ንእሽቶ ነገር እውን፡ ንፍቓድካ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ኣሰማሚዕካ፡ ድኅሪኡ ልብኻ ንዓቢይ ጸገም እውን፡ ብትዕግሥቲ ንምጻር ብዝበለጸ ስንድዊ ኪኸውን ኢዩ።

ምእንቲ ፍቕሪ ኢየሱስ ኢልካ፡ ተስፋ ከይቈረጽካ ንኵሉ ጸገምካ ብትዕግሥቲ እንተደኣ ጸዊርካዮ፡ ኣብ መወዳእታ ክትዕወትን እቲ ዝተተስፈወካ ሽልማት ከኣ፡ ክትጓናጸፎን ኢኻ። መንፈስ ቅዱስ፡ በቲ መስቀል ዚርከበሉ መንገዲ ጥራይ ኢዩ ንኢየሱስ ከምእትመስል ዚገብረካን ናብ ቅድስና ዚመርሓካን። ንሰማይ ዝኸፍተልካ መፍትሕ፡ እቲ ብሕይወትካ ከሎኻ ብትዕግሥትን ምእንቲ ፍቕሪ ኣምላኽን ኢልካ፡ ዝተሸከምካዮ መስቀል ኢዩ። ንመስቀልካ ብፍቕሪ ክትቅበሎ፡ እግዚኣብሔር ረዲኤቱ ኪህበካ እንተለሚንካዮ ክትሕጐስ ኢኻ። ኣብዙ ዓለምዙይ ንርእስኻ ረስዕ፥ ውርስኻ መስቀል ይኹን፥ ታሕጓስ ኣብ ስቓይ ከምዚርከብ እመን’ሞ፡ ቅሳነት ዚህብ ሰላም ክትረክብ ኢኻ። ቅዱሳን ኣብ ቅድስና ኪበጽሑ ዝኸኣሉ ንመስቀሎም ብፍቕሪ ስለ ዝተሸከሙዎ ኢዩ።

ኣብዙ ዓለምዙይ ከሎኻ ሓሳረ መከራ ብምርካብካ ኣብ ሰማይ ንእግዚኣብሔር ከተመስግኖ ኢኻ፥ ከመይ ሳላኡ ማንም ዘይወስደልካ ታሕጓስ ክትቅበል ኢኻ። ምእንትዙይ ነቲ ንዓለም ዘድኃነ መስቀል ብዓቢይ ፍቕሪ ተሳለሞ። ምስ ደኸምካ ኢኻ እተዕርፍ፥ ከምኡ እውን ምስ ሞትካ ኢኻ ሕይወት እትረክብ።

ስቓይካ ውሽጣዊ ብዝኾነሉ መጠን፡ ብዝበለጸ ንእግዚኣብሔር ኬሕጕሶ ኢዩ። ኦ ጐይታ፡ ኣብ ሕይወተይ እትህበኒ መስቀል ዘበለ ኵሉ ብትዕግሥቲ ምእንቲ ክቕበሎ ጸጋኻ ሃበኒ’ሞ፡ ዝደለኻዮ መስቀል ከኣ ኣሸኽመኒ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ምሥጢራዊ ስቓይ ወዲ ሰብ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 10 Feb 2022, 09:24

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)። :mrgreen:

83 - ምሥጢራዊ ስቓይ ወዲ ሰብ

ኣየ! ስቓይ ወዲ ሰብ! እዙ ኵሉ ስቓይ ትርጉም ዶኾን ይህልዎ? ነዙ ምሥጢራዊ ዝኾነ ስቓይ ወዲ ሰብ፡ ብእምነት ኢድ ንሥኣሉ ኢኻ። እቲ ሓሳብ ኣምላኽ ዚፈልጥ እንታዋይ ኢዩ? ሓሳብ ኣምላኽ ከም ሓሳብካ ኣይኮነን፥ መንገዲ ኣምላኽ፡ ከም መንገድኻ ኣይኮነን (ኢሳ 55፡8 ረአ)። “ኣየ! ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን፡ ክንደይ ዓሚቝ ኢዩ! ንፍርዱ ኪምርምሮ ዚኽእል የልቦን! ንመንገዱ ኪኣስሮ ዚኽእል እዉን የልቦን! ሓሳብ እግዚኣብሔር ዚፈልጥ መን ኢዩ? እቲ ዘማኸሮኸ መን ኢዩ”? (ሮማ 11፡33)።

እግዚኣብሔር እቲ ንዘመናት ዚኣክል፡ ተኃቢኡካ ዝነበረ ናይ ፍቕሪ መደቡ፡ ምልኣተ ዘመን ምስ ኣኸለ፡ እንሆ፡ ኣባኻ ኣብ ግብሪ ከምዚውዕል ገበረ፥ ካብቲ ጥንቲ ኣትኂዙ፡ ንዓኻ ኢሉ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሰናደዎ መደብ ጸጋ ኢዩ። ብዛዕባ እዙ ምሥጢር’ዙይ፡ እግዚኣብሔር ዓሚቝ ፍልጠት ዚህበካ ይግበሮ።

ልብኻ ብታሕጓስ ኪመልእ ብዙኅ ሃረር እናበለ ኸሎ እውን፡ ኣብዙ ዓለምዙይ፡ ንጹር ዝኾነ ትርጉም ፈጺምካ ክትርእየሉ ዘይትኽእል ፈተና ይገጥመካ ኢዩ። ኣብ ከምዙይ ዝኣመሰለ ኵነታት፡ ባዕሉ ንዝገበሮ ልብኻ፡ ብታሕጓስ ኪመልኦ ዚኽእል፡ ንሱ ጥራሕ ክንዲ ዝኾነ፡ ናብ እግዚኣብሔር ክትቀርብ ጸዓር ደኣ እምበር፡ ካብኡ ኣይትርሓቕ።

ስቓይ ሕማማትን ሞትን ጐይታና ኢየሱስ፡ ኵሉ ጊዜ ሕይወቱን ክብሩን ኣባኻ ምእንቲ ኪግለጽ፡ (2ቆሮ 4፡10 ረአ) ንስኻ እውን ንዓኡ ምእንቲ ክትመስል (ፊሊ 3፡10 ረአ)፡ ባዕሉ ፈትዩን ረድዩን ኣብ ትሕቲ መቍሕ ስቓይ ኣትዩ ኢዩ። “ከምቲ ንብሩርን ንወርቅን ሓዊ ዜጽርዮም፡ ከምኡ ከኣ፡ ንልቢ ሰብ ዜጽርዮ እግዚኣብሔር ኢዩ” (ምሳ 17፡2)። ንሠናይ ነገር ካብ ኢድ ኣምላኽ እናተቐበልካዮ፡ ስለምንታይ ደኣ፡ ንሠናይ ዘይኮነ ነገር እውን ዘይትቕበሎ? (ኢዮ2፡10 ረአ)

ስራሕካ ከምቲ እትደልዮ እንተዘይኮይኑልካ፡ እግዚኣብሔር ካባኻ ዝረሓቐ ኢዩ ዚመስለካ፡ እንተኾነ ግን፡ እግዚኣብሔር ቀቅድሜኻ እናኸደ ብዝበለጸ ንሕይወትካ ዚመርሖ፡ ሽዑ ኪኸውን ከምዚኽእል እንታይ ትፈልጥ? እግዚኣብሔር፡ ንሕይወትካ ኪመርሕ ኢሉ፡ ብዝበለጸ ናባኻ ቀሪቡ ዚነብረሉ፡ ጊዜ ስቓይካ ኢዩ። ንሱ ብስቓይን ብፈተናን ገይሩ፡ ናብቲ ንሱ ዚደልዮ ደኣ እምበር ናብቲ ንስኻ እትደልዮ ኣይኮነን። መደብ ኣምላኽ ኣባኻ ዚፍጸም ብፈተናን ብስቓይን ኣምላኽ ክንዲ ዝኾነ፡ ንስኻ፡ ነዙ ኵሉ ነገር ብእምነትን ብትዕግሥትን ተቐበሎ።

ኣብ ትሳቐየሉ ጊዜ፡ ኣብ እግዚኣብሔር ዘሎካ እምነት ንኸይጐድል ተጠንቐቕ፥ እቲ ኵሉ እትሳቐዮ ነገር፡ ኣምላኽ ደልዩዎ ኢዩ እምበር፡ ሱቕ ኢሉ ባዕሉ ዚመጽእ ኣይኮነን። ንስኻ፡ ምስ ኣምላኽ እትካታዕስ መን ኮይንካ ኢኻ? (ኢዮ 38 ረአ)። ኃጢኣት ዘይብልካ ንጹሕ ሰብ እንተኾይንካ፡ ስቓይካ ትርጉም ከምዘይብሉ ገይርካ ኣይትርኣዮ፡ እንታይደኣ፡ ከምቲ ንንጹሕ ኢየሱስ ኣብ መስቀል ሰቒሎም ዝቐተልዎ፡ ኮይንካ ተሰቐል። እግዚኣብሔር ዚቐጽዓካ ዓስብኻ ንኺበዝኅ ደኣ እምበር፡ ንኺቐጽዓካ ኢሉ ኣይኮነን።

እቲ ንስኻ ክትርድኦ ዘይትኽእል፡ እሞ በብጊዜኡ ዚወርደካ ፈተና፡ በቲ ብሰብ ኪፍለጥ ዘይከኣል ፍርዲ ኣምላኽ፡ ኣብ ዘይጋገ ሚዛን፡ ዝተመዝነ ኢዩ። ነዙ ምሥጢራዊ ዝኾነ መደብ ኣምላኽ እንተዘይተረዲእካዮ እውን፡ ንኵሉ ስቓይካ ብዙኅ ትዕግሥቲ ገይርካ ተጻወሮ። ስቓይ እውን ከም ፍቕሪ፡ ዓቢይ ምሥጢር ስለ ዝኾነ፥ ከምቲ ብዘይፍቕሪ ክትነብር ዘይትኽእል፡ ብዘይስቓይ እውን ከተፍቅር ኣይትኽእልን ኢኻ።

ኣብ መደብ ውሳኔ ኣምላኽ ንኽትነብር ጽዓር፥ ናይቲ እትሳቐዮ ስቓይ፡ ሓቀኛ ትርጉም ክትርድኦ እንተዘይኺኢልካ፡ ኣነ ክሳቐ ኣይግብኣንን ኢዩ ኣይትበል። ሓሳብ እግዚኣብሔር ከኣ ኪምርመር ዘይከኣል ብዘይመጠን ዓሚቝ ኢዩ! (መዳ 36፡7 ረአ)።

ዝኸበርካ ኃወይ! ሓቦ ገቢርካ ንመስቀልካ ብፍቕሪ ተሸከሞ። ተጻብኦ ክፉእ ዝንባሌኻ ዘይትሰምዓሉን ስቓይ ኪመጸኒ ኢልካ ዘይትሰግኣሉን ሠናይ ዝኮነ ጊዜ፡ ብዙኅ ከይደንጐየ ኪመጸካ ኢዩ። ሓሳረ-መከራን ተጋድሎ እዙ ዓለምዙይን ወዲእካ፡ ናብቲ ሓቀኛ ሰላምን ቅሳነትን ዚርከቦ፡ ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ቀልጢፍካ ክትኣቱ ኢኻ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ስቓይ ሰብነትና” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 19 Feb 2022, 04:06

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

84 - ስቓይ ሰብነትና

ዝኸበርካ ኃወይ! ኣብ ዝተወሰነ ናይ ሕይወትካ ዕድመ ምስ በጻህካ፡ ብሕማም ክትጥቓዕ ክትጅምር ምዃንካ፡ ናተይ ኢልካ ክትቅበሎ ዝግብኣካ ጕዳይ ኢዩ። እቲ ኣብ መንፈስካ ዚስመዓካ ስቓይ ከይተረፈ፡ ኣብ ሰብነትካ ክትሰምዖ ኢኻ። ንኣብነት ሰብነትካ፡ ጥማር ሥጋን ኣዕጽምትን ክንዲ ዝኾነ፡ መዓልቲ መዓልቲ እናፈረሰ ዚኸይድ ነገር ኢዩ። እዙ መዓልቲ መጸ እናተበታተነ ዚኸይድ ሰብነትካ፡ ሕማማት ክርስቶስ ንዚጐደሎ ንምምላእ፡ ኣብ ስራሕ ክትጸምዶ ይግባእ (ቆላ 1፡24 ረአ)።

ሕይወትካን፡ ሰብነትካን ንእግዚኣብሔር መዓልቲ መጸ ከም እትሥውዓሉ መሥዋዕቲ ቅዳሴ ኢዩ ዚኸውን። በቲ መዓልቲ’ቲ ገለ ሕማም እንተተሰምዓካ፡ ነቲ ዝጀመርካዮ መሥዋዕቲ ሕማምካ፡ ብትዕግሥቲ ቀጽሎ። እዚ በራሲ ዝኾነ ሰብነትካ፡ ናብ ዘይበርስን ናብ ዘይበልን፡ ናብ ናይ ክርስቶስ ክቡር ሰብነት ዚቕየረሉ ጊዜ ኪመጽእ ኢዩ (1ቆሮ 15፡52-53 ረአ)።

ንሰብነትካ እናሓጐስካ ብዝኸድካዮ መጠን፡ መመሊሱ ግበረለይን ሃበንን ኪብለካ ስለ ዝኾነ፡ ንናእሽቱ ሕማማትካ ብዙኅ ግዲ ኣይትሙተሎም። ንሕይወትካ ብዙኅ ጊዜ ኢኻ ብትብዓት ዘወፈኻዮ፡ እንተኾነ ግን፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ንእሽቶ ሕማም እውን እንተጋጠመካ ኬፍርሓካ ኣይግባእን።

ንኢየሱስ፡ ኣብ መስቀል ሸንኪሮም ምስ ሰቐልዎ፡ ምስዙ ኵሉ ስቓዩ ካብ ሰብ ንእሽቶ ምጽንናዕ’ኳ ኪረክብ ከምዘይኸኣለ ኣይትረስዕ። ንስኻ፡ እውን ክትሓምም ከሎኻ፡ ምእንቲ ካሕሳ ኃጢኣትካ ኢልካ ንኵሉ ስቓይካ ብቕሱን መንፈስ ተቐበሎ። ከምዙይ ክትገብር ከሎኻ፡ እቲ ድኅሪ ሞትካ፡ ኣብቲ ካልኣይ ዓለም ብብዙኅ ካሕሳን ትሩፋትን ዘይርከብ ክትከፍሎ ዝግብኣካ ዝነበረ ካሕሳ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ከሎኻ ግን፡ ብሒደት ትሩፋት ዚርከበሉ ካሕሳ ክትከፍሎ ከሎኻ ማዕረ ክንደይ ከምዚበልጽ ሕሰብ።

ከም ሰብ መጠን፡ ኣብዙ ዓለም እዙይ ስቓይ ዘይተርፈካ ነገር ክንዲ ዝኾነ፡ ካብ ስቓይካ ትሩፋት ከምትረክብ ገይርካ ተሳቐ። እዙ ዓለምዙይ ዓስብና እንረኽበሉ ስፍራ ስለ ዝኾነ፡ ካብኡ ዝተላዕለ ናይ ስቓይ ስፍራ ኢዩ። ከይደኸምካ ሽልማት ኣይርከብን ኢዩ፥ ብዘይ ትዕግሥቲ እውን ጻማ ኣይርከብን ኢዩ። ኣብ ጊዜ ስቓይካ፡ ሱቕ ኢልካ ተዓጊሥካ ምስቓይ ክንደይ ዓቢይ ነገር ይመስለካ! እቶም ንኺበጽሑኻ ዚመጹ፡ ምእንቲ ፍቕሪ ኢየሱስ ኢልካ፡ ፍሕሹው ገጽን ፍሽኽታን ኣርእዮም ኢኻ። ከመይ ኣሎኻ፡ ንዚብለካ ጽቡቕ ኣሎኹ፡ እግዚኣብሔር ይመስገን ኢልካ መልሸሉ ኢኻ።

ንስቓይካ ሰብ ካብ ዚፈልጦ፡ እዝጊ እንተፈለጦ ይሓይሽ። እቲ ምስ ኢየሱስ ስቑል ኅብረት ዘለዎ ሕይወትካ፡ ብመጋረጃ ስቕታ ገይርካ ከውሎ። ብሰንኪ ስቓይካ ካልኦት ኪሳቐዩ ኣይግባእን ኢዩ። ስቓይካ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዝግን ጥራይ ይኹን። ከምቲ ፍረ ስርናይ ከይሞተ ኪበቝል ዘይኽእል፡ ከምኡ ከኣ፡ ንስኻ ኣብ ሰማይ ምእንቲ ክትበቍል፡ ኣብ ትልሚ ሕርሻ ስቓይካ፡ ክትመውት ኢኻ (ዮሓ 12፡24 ረአ)።

ንኻልኦት ክትገልጾ ዝግባኣካ ነገር፡ እቲ ፍረ ስቓይካ ዝኾነ ቅሳነት ጥራይ ኢዩ። ደምካ ከየፍሰስካ ብትዕግሥትኻ ጥራሕ፡ ንስየ ሰማዕትነት ክትዓትር ኢኻ፥ ሳምዕ ንኽትከውን ሰብነትካ ምሥዋዕ ናይ ግድን ኣድላዪ ኣይኮነን፥ ጸገምካን ስቓይካን ንእግዚኣብሔር እንተወፊኻዮ እውን፡ ሰማዕትነት ኢዩ። ንኵሉ ስቓይካ ካብ ኢድ ኣምላኽ ብምቕባል፡ እዙይ ካብ ጥዕና ዘይንእስ ህያብ ምዃኑን ፡ ካብ ብዝኂ ርኅራኄኡ ዚመጽእ ነገር ምዃኑን፡ ንድኅነትካ ዚጥቀመሉ መሳርሒ ምዃኑ ገይርካ እንተተቐቢልካዮ፡ ምስ ሞትካ እቲ ሰማዕታት ዚቕበልዎ ስየ፡ ንስኻ እውን ክትቅበሎ ኢኻ።

ዝኾነ ስቓይ፡ እቲ ሕያዋይ ዝኾነ ኣምላኽካ ምሳኡ ምእንቲ ከኅብረካ ኢሉ ብቐጥታ ዚሰደልካ ፈተና ምዃኑ ኣይትረስዕ። ምእንቲ ሰብነታዊ ጥዕናኻ ኢልካ ክትጽዕር ከሎኻ እውን፡ ግቡእን ጽቡቕን ነገር ኢኻ ትገብር። ግዳ ከምዙይ ክትገብር ከሎኻ፡ ዝኾነ ንገር ይምጻእካ፡ ንእግዚኣብሔር ከተመስግኖን ኣብኡ ዓቢይ ተስፋን እምነትን ከተኅድር ይግባኣ። ንወትሩ ምስኡ ኃቢርካ ምእንቲ ክትነብር፡ እግዚኣብሔር ናባኻ ኣቢሉ ኵሉሻዕ ቈላሕ ምስ በለ ኢዩ።

ንህይወትካ፡ “ተሳቕየ ኢየ” ኢልካ ባዕልኻ ብኢድካ ክሳብ ትጽሕፈሉ፡ ከም ጻዕዳ ወረቐት ኢዩ። ብርቱዕ ሓሚምካ ከሎኻ ንእግዚኣብሔር ከተመስግኖ ከሎኻ፡ ብሓቂ ካብ ልቢ ዚወጸ ምስጋና ስለ ዝኾነ፡ ዓቢይ ነገር ኢዩ፥ ምስ ምሉእ ጥዕናኻ ንእግዚኣብሔር ከተመስግኖ ከሎኻ ግን፡ ክንድ’ቱ ቀዳማይ ምስጋና ኣይኸውንን ኢዩ። ፍቕሪ ዚፍለጥ ኣብ ስቓይ ኢዩ። ንስኻ ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ብሓቂ ተፍቅሮ እንተደኣ ኮይንካ፡ ብሓለንጊ ኪገርፉኻ እንከሎ እውን ከተመስግኖን ክትውድሶን ኢኻ። ንእግዚኣብሄር ዜፍቅር ኵሉ፡ ንዝኾነ ፈተናኡ፡ ናብ ፍረ ቅድስና ኢዩ ዚቕይሮ።

እቶም ናብ ጊዜ ሞቶም ብኣምላኽ ዝተባረኹ፡ ኵሎም ከምቲ ኢየሱስ ናብ ጎልጎታ ቅድሚ ምድያቡ ኣብ ጌትሰማኒ ከሎ፡ ብርቱዕ ትካዜ ዝተሰምዖ፡ ከምኡ እውን ንሳቶም ኣብ ጊዜ ሞቶም ትካዜ ይስመዖም ኢዩ። ንስኻ እውን ኣብ ከምዙይ ዝመሰለ ኵነታት ምስ ትርከብ፡ እንታይ ተቐሪቡልካ ከምዘሎ ስለ ዘይትፈልጥ ንኣምላኽ መርቆን፡ ባርኮን፡ ወድሶን ደኣ እምበር፡ ኣይተጕረምርም። ሰብነትካ እናፈረሰ ኪኸይድ ከሎ፡ መንፈስካ ግን፡ መዓልቲ መጸ፡ እናተሓደሰ ኪኸይድ ይግባእ። ሰብነትካ ናብ ሞት ኪቀራረብ ከሎ፡ መንፈስካ ግን፡ ናብ ዝበለጸ ሕይወት ኢዩ ዚቀራረብ (2ቆሮ 4፡16 ረአ)።

ንስቓይካ ከም ኣረኣእያን ኣተኃኅዛን ቅዱሳን እንተዝኸውን፡ ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ! ንሳቶም፡ ንዝኾነ ስቓይ ካብ እግዚኣብሔር ከም ህያብ ገይሮም ኢዮም ዚቕበልዎ ዝነበሩ፡ ጥዑምን ተፈታውን ነገር እምበር፡ ስቓይ ኮይኑ ከኣ ይስመዖም ኣይነበረን። ንቕዱሳን፡ ምእንቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ምስቓይ ማለት፡ እቲ ዝዓበየ ታሕጓስ ምጕንጻፍ ማለት ኢዩ።

ዝኸበርካ ኃወይ! ኣብዙ ዓለምዙይ ክሳብ ዘሎኻ ንእምነትካ ኣብ ክርስቶስ ኣደልዲልካ፡ ሓቦ ገቢርካ፡ ንብዓት ስቓይካ ገና ቍሩብ ከተፍስስ ኢኻ፡ ጽንሕ ኢልካ ግን፡ ንዘለዓለም፡ ዓወትካ ክትእውጅ ኢኻ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ኣብ ጊዜ ስቓይ ተስፋ ኣይትቝረጽ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 23 Feb 2022, 10:50

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)። :mrgreen:

85- ኣብ ጊዜ ስቓይ ተስፋ ኣይትቝረጽ


ዝኸበርካ ኃወይ! ምሉእ ሕይወት ወዲ ሰብ ቃልሲ ከምዝኾነ ፍለጥ። ኣብዙ ዓለምዙይ ክሳብ ዘሎኻ ከተዕርፍ ኢልካ ኣይትሕሰብ። ኣብ ሰማይ ኢኻ እተዕርፍ፡ ኣብዙይ፡ ብሓሳረ መከራን ብስቓይን፡ ክትጸሪ ኢኻ። እግዚኣብሔር ኣብቲ መጻኢ ዓለም ኪሽልመካ ክንዲ ዚደለየ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ብፈተና ኪፍትነካ ኢዩ። እግዚኣብሔር ዓስብኻ ቀልጢፉ እንተዚህበካ ነይሩ፡ እቲ ንዕኡ ዘሎካ ፍቕርን ተስፋን ክትገልጾ ዕድል ኣይምረኸብካን ነይርካ።

ሓሚምካ ምስ ሓወኻ ኢኻ ትሕጐስ፥ ሰሪሕካ ዓስብኻ ምስ ወሰድካ ኢኻ ከኣ፡ ግቡእ ዕረፍትኻ እትረክብ፥ ሰበይቲ ቈልዓ ምስ ወለደት፡ ድኅሪ ሕማም ሕርሲ ኢያ ትሕጐስ (ዮሓ 16፡21 ረአ)፥ “ሕማም ሕርሲ ተረሳዒ እኳ ዚበሃል”። ደድኅሪ ፈተነ እዙ ዓለምዙይ ከኣ፡ በቱ ብተስፋ ንጽበዮ ዝነበርና መንግሥተ ሰማይ ክንሕጐስ ኢና። እቲ ብትዕግሥትን ኣብ ተስፋ ኣምላኽ ተመርኵስካን ዝጾርካዮ ንእሽቶን ጊዜያውን ስቓይን፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክንድዙይ ዘይበሃልን ዘለዓለማዊ ዝኾነ ክብርን ኬውህበካ ኢዩ (2ቆሮ 4፡17 ረአ)።

ነቲ ገና ዘይወርስካዮ ሰማያዊ ሃብቲ፡ ምስ ወረስካዮ፡ ክፉእ ዝበሃል ነገር ኣይክነኽኣካን ኢዩ። እንተኾነ፡ ከይተሳቐኻ ክትወርሶ ከምዘይትኽእል እውን ክትፈልጥ ይግባኣ። ብመንገዲ መስቀል፡ እንተዘይኮይኑ ብኻልእ መንገዲ ናብ ሰማይ ክትድይብ ስለ ዘይትኽእል (ግብ 14፡22 ረአ) ናብ መንግሥተ ሰማይ ክትኣቱ እንድኅር ደሊኻ፡ ብዙኅ ሓሳረ-መከራ ድኅሪ ምቕባልካ ከምዝኾነ፡ ክትፈልጥ ይግብኣካ።

ኢየሱስ ናብ መንግሥቱ ኪኣቱ ከሎ፡ ብመንገዲ መስቀል ገይሩ ኢዩ ኣትዩዎ። ንስኻኸ፡ ናብ መንግሥተ ሰማይ ክትኣቱ ሰለል ዜብል ጥዑም መንገዲ ኂዝካዶ ክትኣትዎ እትደሊ?

ዝኸበርካ ኃወይ! ሓሳብካ ከምዙይ እንተኾይኑ ብዙኅ ትጋገ ኣሎኻ። ኢየሱስ፡ ናብ መንግሥቱ ዜእቱ፡ ካብ መንገዲ መስቀል ዚሓይሽ መንገዲ እንተዚህሉ ነይሩ፡ ብርግጽ ንዓኣ ምኃረየልካ ነይሩ (ሉቃ 24፡26 ረአ)።

ነቲ ብተስፋ ኣብ ልብኻ ዘሎ ሓጐስ እንተደእ ብሓቂ ጨቢጥካዮ፡ ነቲ ኵሉ ዜጋጥመካ፡ ግዳማዊ ተጻብኦ ንኽትምክቶ ዚኣክል ኃይሊ ክትረክብ ኢኻ። ከምቲ ኣብ እቶት ዘራእትኡ ተስፋ ገይሩ ነቲ ኵሉ ድኻሙ ዚርስዕ ሓረስታይ፡ ከምኡ ከኣ ንስኻ፡ ተስፋ ገይርካ ብእትረኽቦ ታሕጓስ ነቲ ካብ ባህሪኻ ዚፍጠር ባህርያዊ ስቓይ ገቢርካ ሠዓሮ።

ስቓይን ሞትን ብዘይ ተስፋ እንታይ ትርጉም ኣለዎም?። ኵሉ ስቓይ ሕሱም ኢዩሞ፡ ግን እቲ ናይ ሕሱም ሕሱም ስቓይ፡ እቲ ብዘይ ሓደ ኣምላኻዊ ተስፋ እትሳቐዮ ስቓይ ኢዩ፥ ንትርጉሙ ግን ካብቲ ስቓይ ኢኻ ክትረኽቦ እትኻል፣ ንስኻ ክንየው እዙ ጊዜያዊ ስቓይ እናጠመትካ፡ ብሓሳብካ ናብቲ ሰማያዊ ታሕጓስ ንኽትበጽሕ ጽዓር።

ነቲ እግዚኣብሔር ኣብ መወዳእታ ሕይወትካ ዚህበካ ዓስቢ ሃረር እናበልካ እንተደኣ ትጽበዮ ኮይንካ፡ ነቲ ምእንቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢልካ ዝተቐበልካዮ ጸገም ኵሉ ከኣ ካብ ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ንላዕሊ ገይርካ ክትርእዮ ኢኻ። ጐይታና ነዙ ምድራዊ ሕይወትካዙይ፡ ጊዜ ጸበባን ስቓይን ገይሩ ዝወሰኖ፡ ኣብቱ ዚመጽእ ካልኣይ ዓለም፡ ንዘለዓለም ተሓጕስካ ምእንቲ ክትነብር ኢሉ ኢዩ። እቲ ኵሉ ኣብ ምድሪ ዝተሳቐካዮ ምስቱ ኵሉ ኣብ ሰማይ ክትሕጐሰሉ ዘሎካ ከተነጻጽሮ ከሎኻ፡ ብዘይመጠን ሒደት ወይ ከኣ ፈጺምካ ከምዘይተሳቐካ ኮይኑ ኪረኣየካ ኢዩ። እግዚኣብሔር፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ከሎኻ ብኽርስቲያናዊ ትዕግሥቲ ንኽትሳቐ ጸጋኡ ስለ ዝሃበካ፡ ንዘለዓለም እናባረኽካዮ ክትብር ኢኻ።

ነፍስኻ፡ ብመንደል ጥበበኛ ሥነኪነት ፈተነ ዝተሰርሔት፡ ኣብ መንግሥተ ሰማይ ኣብ ክብ ዝበለ ኣትራኖስ ብብቕዓት ንእትቕመጥ ዕድለኛ እምኒ ኢያ ትመስል፣ ስቓይ፡ ንኣኽሊል ዓወትካ፡ ከምቲ ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ፡ ዝጸበቐን ዝኸበረን ኢዩ ዚገብሮ (መጥ 3፡6 ረአ)። ንስኻ እውን፡ ኣብ ሰማይ ኣኽሊል ክብሪ ክትደፍእ እንተደሊኻ፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ምስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኃቢርካ ኣኽሊል እሾኽ ድፋእ።

ክትሳቐ ከሎኻ፡ ብሓሳብካ፡ ኣብቲ ርእስኻ ዝኾነ ኢየሱስ (ኤፌ 2፡6 ረአ) ከቢሩ ዚርከበሉ ሰማያዊ መንግሥቲ፡ ከምትርከብ ገይርካ ሕሰብ እሞ፡ ናይቲ ሃረርታ ቅዱስ ነገር ከኣ፡ ንኵሉ ስቓይካ፡ ብትብዓትን ብኃይልን ከምተሸንፎ ኪገብረካ ኢዩ። ኣብ ሕይወትካ፡ ኣብ ዘሕዝን ኵነታት ምስትርከብ እውን፡ ቅሳነትካ ከየጥፋእካ፡ ሰማይሲ ካብ ዓይንኻ ኪሥወር የብሉን። ስቓይ እዙ ዓለምዙይ እናቐለለልካ ዚኸይድ፡ ሃረርታ መንግሥተ ሰማይ ኣባኻ እናበዝኄ ብዝኸደሉ ኢዩ። ብተስፋ ንላዕሊ ብዝዓረግካዮ መጠን፡ ብእኡ መጠን ከኣ፡ ካብ ስቓይን ሓዘንን ክትገላገል ኢኻ። ጻድቃን ኪሳቐዩ ከለዉ መንግሥተ ሰማይ ከምዚወርሱ ይተኣማመኑ ስለ ዝነበሩ፡ ቀሲኖም ኢዮም ንስቓይ ዚዕገስዎ ዝነበሩ።

ናብ ነዊኅ መገሻ ነቒልካ ክትጐዓዝ ከሎኻ፡ ኮፍ ኢልካሉ ዘሎኻ ስፍራ ጸቢብን ዘምይሽውን እንተኾነ እውን፡ ግና ተሳፊርካዮ ዘሎኻ ባቡር፡ ናብ ዘለዓለማዊ ታሕጓስ ኣቢሉ ይኸይድ ከምዘሎ ስለ እትፈልጥ፡ በዙይ ክትጸናናዕን ክትሕጐስን ኢዩ ዚግብኣካ።

ኦ ዝኸበርካ ክርስቲያን ኃወይ! ኣብዙ ዓለምዙይ ሕይወት ወዲ ሰብ ብዘይመጠን ሓጺር ኢዩ። ክርስቲያናዊ ተስፋኻ ካብ ልብኻ ኣይተጥፍእ። ስቓይኻ፡ ክንየው እታ ሞት እትኃልፈላ ማዕጾ ኣይትኃልፍን ኢያ። ንብዓትካ ድኅሪ ቁሩብ ጊዜ ኪሕበሰልካ ኢዩ (ራእይ 7፡17: 21፡4 ረአ)። ሓሳረ-መከራኻ እውን ቀልጢፉ ኪውዳእ ኢዩ፥ ድኅሪ እዙ ኵሉ፡ ኪውዳእ ወይ ከቋርጽ ኢዩ ኢልካ ዘይሕሰብ ዘለዓለማዊ ታሕጓስን፡ ብጻማኻ ዝረኸብካዮ ኣኽሊል ክብርን ኪወሃበካ ኢዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “መጻወድያ ገንዘብ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 04 Mar 2022, 04:29

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

86 - መጻወድያ ገንዘብ


እቶም ብዛዕባ እቲ ምስ ሞቱ ዚማልእዎ ዘለዓለማዊ ሃብቲ ኣብ ክንዲ ዚግደሱ፡ ነቲ ንኻልኦት ሰባት ገዲፎምዎ ዚኸዱ ኃላፊ ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ፡ ኪእክቡ ኢሎም ዚደኽሙ ሰባት፡ ክንደይ ዓያሹ ኢዮም! ብዙኃት፡ ዳርጋ ንምሉእ ሕይወቶም፡ ነቲ ምስ ሞቱ ገዲፎምዎ ዚኸዱ ሃብቲ፡ ኣብ ምእካብን ኣብ ምድላብን ኢዮም ዘኅልፍዎ። ገሊኣቶም ከኣ፡ ምእንቲ እዙ ኃላፊ ዝኾነ ነገር፡ ትእዛዝ ኢየሱስ ንምሕላው ክንድዙይ ዚኣክል ግዲ ከይሞቱ (ሉቃ 6፡29 ረአ) ምሉእ ሕይወቶም ኣብ ባእስን እንባጓሮን የኅልፍዎ። ከምኡ እውን፡ ገሊኣቶም እምነቶምን ሃይማኖቶምን ክሳብ ምጥፋእ በጺሖም፡ ከይተሓጐሱ፡ ሃሞኦምን ቀልቦምን ኣብ ገንዘብ ጥራይ ገይሮሞ ዝነበሩ ብዙኃት ኢዮም (1ጢሞ 6፡10 ረአ)።

ንዘለዓለማዊ ሃብቲ ብገንዘብ ኪግዛእ እንተዚከኣል ነይሩ ኣብ ገንዘብ ዓቢይ ግምትን ኣኽብሮትን ምግባር ጽቡቕ ነገር ምኾነ ነይሩ። እንተኾነ ግን ሰማያዊ ሃብቲ ዚጥረ ንምድራዊ ሃብቲ መኒንካ ጥራይ ኢዩ። ግን ንምድራዊ ሃብቲ ከም ጐሓፍ ክትቘጽሮ ክትርከብን፡ ኣብ ምድራዊ ሃብቲ ተስፋ ምግባር ከኣ፡ ከም ዓቢይ ድኽነት ገይርካ ክትርእዮ እትኽእልን እግዚኣብሔር እንተዓዲሉኻ ጥራሕ ኢኻ።

ናብዙ ዓለምዙይ ክትመጽእ ከሎኻ ጥራሕኻ ኢኻ መጺእካ፡ ካብዙ ዓለም ክትወጽእ ከሎኻ እውን ጥራህካ ኮይንካ ክትወጽእ ኢኻ (ኢዮ 1፡21 ረአ)። ናብዙ ዓለምዙይ ዘምጻእካዮ ነገር የብልካን፡ እትወስዶ ነገር እውን የብልካን (1ጢሞ 6፡7 ረአ)። ካብዙ ዓለምዙይ ሓንቲ ነገር ኣይትድለ፥ እኳ ደኣ፡ ነቲ ካብዙ ዓለምዙይ ክትፋኖ ከሎኻ፡ ምሳኻ ኂዝካዮ ክትኸይድ እትኽእል ሃብቲ ንኣኡ ህረፍ። ዕቤት ሕይወትካ ዚምዘን ብብዝኂ ዘሎካ ሃብቲ ኣይኮነን (ሉቃ 12፡15 ረአ)። ጸብጻብ ነፍስኻ ሕጂ ክትሕተት ኪኻ፡ እዙ ኵሉ ዝኣከብካዮ ሃብቲ ደኣ፡ ንመን ኪኸውን ኢዩ? (ሉቃ 12፡20 ረአ)።

ተስፋኻ ኣብ ገንዘብ እንተዘይገይርካዮ ዕዉትን ብፁዑን ኢኻ! ገንዘብ፡ ሓሶት ዝኾነ ታሕጓስ ኢዩ ዚህበካ፥ ገንዘብ ንቍሩብ መዓልቲ ከሕጕሰካ ይኽእል ኢዩ፡ ነባሪ ዝኾነ ሰላምን ታሕጓስን ግን፡ ኪህበካ ኣይኽእልን ኢዩ። ኵሉ ነገር ዚኣርግን ዚባላሾን፡ ክንዲ ዝኾነ ንስኻ እውን ምስኡ ክትኣርግን ክትበላሾን ኢኻ። እትእክቦ ገንዘብ ግን፡ ዘይኣርግ ኪኸውን ኣለዎ፥ ሰራቒ ኣብ ዘይረኽቦን፡ ነቐዝ ኣብ ዘይበልዖን፡ ኣብ ሰማይ ዕቘሮ።

ብፍቕርን ብሥሠዔ ንዋይን እዙ ዓለምዙይ ዝተጻወደ መጻወድያ ከይተተኃዝካ፡ ብሰማያዊ ሃብቲ ጥራይ ክትህብትም እንተደሊኻ ብፁዕ ኢኻ። እግዚኣብሔር ብዘለዓለማዊ ሃብቲ ምእንቲ ክትህብትም ኢሉ፡ ነቲ ኵሉ ዘሎካ ክትምንን እንተደኣ ጸዊዑካ፡ ብዝበለጸ ዕዉትን ብፅዑን ኢኻ! (ማቴ 19፡21 ረአ)። ሓንቲ ሃብቲ እውን እንተዀነት ብኽርስቶስ እምበር ባዕልኻ ስለ ዘይትውንኖ ክትሕጐስ ኢኻ (2ቆሮ 6፡10 ረአ)። እቲ ካብዙ ድኽነትዙይ ዚዓቢ ሃብቲ ኣየናይ ኢዩ (2ቆሮ 8፡9 ረአ)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ሓቀኛ ሃብቲ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 10 Mar 2022, 04:41

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)። :mrgreen:

87 - ሓቀኛ ሃብቲ

ሃብቲ፡ እቲ ብዘይምቍራጽ ካብ ሓደ ሰብ ናብ ካልእ ብቕልጡፍ ዚመኃላለፍ ንብረት ኢዩ! እቲ ብዙኅ ሃብቲ ኣለዎ ዚበሃል ሰብ እውን፡ ብገዛእ ሃብቱ ኪተኣማመን ኣይኽእልን ኢዩ።

ጥበበኛ ዚበሃል ሰብ እቲ ብዙኅ ሃብቲ ዘለዎ ዘይኮነስ፡ እቲ ንሃብቱ ጽቡቕ ገይሩ ዚጥቀመሉ ኢዩ። ከምኡ እውን ሓቀኛ ሃብቲ ዚበሃል እቲ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ዘሎ ደኣ እምበር፡ እቲ ካባኻ ወጻኢ ዚርከብ ሃብቲ ኣይኮነን፥ እቲ ቀዳማይ ሃብቲ ንስኻ ምስ ኣቕዋምካን መንነትካን እምበር፡ እቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ገንዘብ ኣይኮነን። ጐይታ እትኸውን ብብዝኂ ሃብት ዘይኮነስ፡ ኣብ ልብኻ ብዚርከብ ዕቑር ሃብቲ ኢዩ።

ጕዕዞ ሕይወት እዙ ዓለም እዙይ ምስ ተወደኣ፡ ነፍስወከፍ ሰብ እቲ ኅቡእ ዝኾነ ሃብቱን ድኽነቱን ኪፍለጥ ኢዩ፥ ብመሠረት እቲ ኣብዙ ዓለምዙይ ከሎኻ ዝሰራህካዮ ስራሕ ከኣ፡ ሃብታም ወይ ድኻ ከምዝዀንካ ኪግለጽ ኢዩ። ምምራት ንወርቂ ኣይበልዖን ኢዩ፡ ሰራቒ ግን ኪሰርቆ ይኽእል ኢዩ። ዚሰርቆ ከኣ፡ እቲ ሞት ዚስሙ ህቡብ ዝኾነ ሰራቂ ኢዩ። ሃብትኻ ዚጠቕመካ ንሓጺር ጊዜ ጥራይ ከምዝኾነ ኣይትረስዕ፥ እቲ ክትፈልጦ ዘሎካ ሓቂ ግን፡ ወይ ባዕላ ሃብቲ ክትገድፈካ ኢያ፡ ወይ ከኣ፡ ንስኻ ክትገድፋ ኢኻ።

ንሃብታም ኣይትቕንኣሉ፡ ንድኻ ከኣ፡ ብንዕቀት ኣይትጠምቶ። ሕጉስ ዚበሃል እቲ ኣብ ሰማይ ሃብቲ ዘዋህለለ እምበር፡ እቲ ኣብዙ ዓለምዙይ ገንዘብ ዘለዎ ኣይኮነን። ብሓቂ፡ ሃብታም ዚበሃል፡ እቲ ብዙኅ ንብረት ዚውንን ዘይኮነስ፡ እቲ ብናብራኡ ሕጉስ ዝኾነን፡ ብዙኅ ነገር ዘየድልዮን ሰብ ኢዩ። ከምኡ እውን ድኻ ዚበሃል እቲ ሓንቲ ነገር ዘይውንን ዘይኮነስ፡ እቲ ብዙኅ ሃብቲ ኬጥሪ ኢሉ ሃረር ዚብል ሰብ ኢዩ።

ንስኻ ደኣ፡ ጐይታ ጥሪትካ እንተኾይንካ፡ ብሓቂ ሃብታም ኢኻ፥ ባርያ ጥሪትካ እንተኾይንካ ግን፡ ድኻ ኢኻ። ሃብታም ክትከውን እንተደሊኻ፡ ገንዘብ ካብ ምብዛኅ፡ ንገንዘብ ዘሎካ ሃረርታ ምንካይ ይሕሸካ። ሃብቲ ከኣ፡ ከም ዘይነጽፍ ማይ ሓይቅ ኢዩ፥ ብዝሰተኻዮ መጠን፡ ተተመላሊስካ ስተዮ ኢዩ ዚመጸካ።

ከምቲ ሰባት እዙ ዓለምዙይ ኪህብትሙ ኢሎም ብዙኅ ጻዕሪ ዚገብሩ፡ ንስኻ ከኣ፡ ልብኻ ካብ ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ከተርሕቆ ኢልካ ጽዓር፥ ሃብቲ ኂዝካ ናብ መንግሥተ ሰማይ ክትኣቱ ኣይትኽእልን ኢኻ (ሉቃ 19፡23 ረአ)። ሃብትኻ ኣብ ሰማይ እምበር ኣብዙ ዓለምዙይ ኣይትዕቘሮ (ማቴ 6፡19 ረአ)። ኣብዙ ዓለምዙይ ሃብታም እትኸውን ድኅሪ ብዙኅ ድኻም ኢዩ፥ ንሃብትኻ ዓቝርካ እትኅዞ ከኣ፡ ብክንደይ ስግኣትን ፍርሓትን ኢዩ፥ ከተጥፍኦ ከሎኻ ከኣ፡ ብዙኅ ትጕሂ።

እቲ ሓቀኛ ሃብቲ፡ ብዙኅ ገንዘብ ኣብ ምውናን ዘይኮነስ፡ እንታይደኣ ወናኒ ብዙኅ ገንዘብ ንምዃን ዘይምድላይ ኢዩ። እቲ ብልቡ ሃብታም ኪኸውን ዘይደሊ፡ ብሺሻይ ተኸቢቡ ኢዩ ዚነብር። እቲ ክፉእ ነገር ኣብ ሃብቲ ዘይኰነስ እንታይደኣ፡ ግዙእ ሃብትኻ ኣብ ምዃን ኢዩ። ኢየሱስ ዚኵንን ነቲ ብዙኅ ሃብቲ ዘለዎ ዘይኮነስ፡ ነቲ ብምሉእ ልቡ፡ ተስፋኡ ኣብ ሃብቱ ጥራሕ ዜንብር ሰብ ኢዩ (ማቴ 6፡21: ሉቃ 12፡34 ረአ)።

ሥሣዔ ሃብቲ፡ ንነፍስኻ የዕውሮ፡ ንልብኻ የድርቆ፡ ንፍቕርኻ ከኣ ይቐትሎ “ፍቕሪ ገንዘብ ናይ ኵሉ ክፍኣት ሡር ክንዲ ዝዀነ ኢዩ” (ጢሞ 6፡10)። ሃብቲ ናብ ምድሪ ኣቢሉ ጓዕጺጹ ዚኅዘካ ሸኸም ኢዩ። ካብ እግዚኣብሔር ንዚረሓቐ ሃብቲ፡ ከም ዓቢይ ድኽነት ጌርካ ሕሰቦ።

ሃብታማት ይኹኑ ድኻታት ይኹኑ፡ ኣብ ሕይወቶም፡ ኣብቲ ቁምነገር ዝኾነ ሓደ ዝዓይነቱ ዕድል ኢዮም ዚኽተሉ። ንሱ ከኣ፡ ኪፍጠሩ ከለዉ ኵሎም ካብ ሓደ ዓይነት ጭቃ ኢዮም ተፈጢሮም፥ ኪሞቱ ከለዉ እውን፡ ኵሎም ናብታ ጭቃኦም ኢዮም ዚምለሱ። ሰብ ዚፈላለ ቁምነገር ኣብ ዘይብሉ ነገራት ጥራይ ኢዩ፥ ኣብ ቁምነገር፡ ኵሉ ሰብ ሓደ ኢዩ፥ ሃብታም ካብ ድኻ ዚበልጸሉ ነገር የብሉን፡ ድኻ ከኣ ካብ ሃብታም ዚንእሰሉ የብሉን።

ምእንትዙይ ንስኻ እውን፡ ብዜድሊ ነገር ጥራይ ሃብታም ኮይንካ ምእንቲ ክትርከብ፡ ነቲ ዘየድሊ ሃብትካ ኵሉ ጸልጺልካ ደርብዮ። ድኅሪኡ ንርእስኻ ድኻ ኮይንካ፡ ንኻልኦት ሃብታማት ከምዝዀኑ ክትገብር ኢኻ (2ቆሮ 6፡10 ረአ)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ከንቱነት ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 17 Mar 2022, 10:52

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

88 - ከንቱነት ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ

ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ፡ ኣብ ሰማይ ኮይንካ ክትርእዮ ከሎካ፡ ክንደይ ሒደትን ንእሽቶን ምዃኑ ኪርድኣካ ኢዩ። እዙይ ከኣ፡ ብርሃን ሽምዓ ምስ ብርሃን ፀሓይ ከም ምንጽጻር ማለት ኢዩ። ከንቱነት እዙ ዓለምዙይ፡ ዚርደኣካ ኣብ ሰማይ ምስ በጻሕካ ኢዩ። ጥቕሚ ንዘይብሉ ከንቱ ዝኾነ ነገር፡ ክንድዙይ ዚኣክል ድኻም ብምድካምካ፡ እቲ ጕዳይ ከስሕቐካ ወይ ከብክየካ ኢዩ።

ምስ እግዚኣብሔር ዘሎካ ኅብረት ብሓቂ ስጡም እንተደኣ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ከንቱነት ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ፡ ኣብ ልብኻ ከሥርጸልካ ኢዩ። ምስ እግዚኣብሔር ዘሎካ ኅብረት እናተመሓየሸ ብዝኸደሉ መጠን፡ ብዘይካ ዘለዓለማዊ ሕይወት ኵሉ ከንቱ ነገር ከምዝዀነ ክርድኣካ ኢዩ (መጥ 5፡9-13 ረአ)። ንስኻ ቅድስና ክሳብ ትለብስ፡ ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ዓቢይ ነገር ኮይኑ ክረኣየካ ኢዩ፥ ግን ብቕድስና ኣምላኽ እንተተሸፊንካ፡ ድኽነቱን፡ ከንቱነትን፡ ጥቕሚ ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ክንደይ ሓጺር ከምዝዀነ ብዓይንኻ ክትርእዮ ኢኻ። ክብሪ ደቂ ሰብ፡ ከም ሓንቲ ብማዕበል ኣብ ዝተናወጸ ባሕሪ፡ ኣሠራ ዘይትገድፍ መርከብ ኢዩ ዚመስል፥ ወይ ከኣ፡ ከም ሓደ ኣብ ሰማይ እናነፈረ ኣሠር ዘይገድፍ ዑፍ ኢዩ ዚመስል፥ ክብሪ ደቂ ሰብ ከም ነፋስ ኢዩ ዚኃልፍ (መጥ 5፡10-11 ረአ)።


ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ፡ ከም ጸወታ ቘልዑ ቀልጢፉ ኢዩ ዚበላሾ። ልብኻ ኣብ ከምዙይ ከንቱ ነገር ምውዳቕ፡ ንጽላሎት ምጭባጥ ማለት ኢዩ። ኵሉ ኃልፊ ነገር፡ ኢምንት ከምዝኾነ ከይረሳዕካ፡ ልብኻ ናብቲ ኃላፊ ዝኾነ ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ኣይተውድቖ ንዕኡ ኣይተፍቅር። ሃብቲ ቅድም ንኸተጥሪዮ ብዙኅ የድክመካን የሸግረካን፡ ምስ ኣጥረኻዮ ከኣ፡ ንኸይጠፍኣካ ብዙኅ ብኣኡ ከምትሻቐል ይገብረካ። ሕይወት ኵሉ ነገር ሓጺር ምዃኑ ብምስትንታን፡ ንድኅነት ነፍስኻ ብዙኅ ኪጠቕመካ ኢዩ።

ጊዚያዊ ሃብትኻ ካብ ኢድካ ኪጠፍእ ብዝረኣኻዮ መጠን፡ ብእኡ ምኽንያት ንዘለዓለማዊ ሃብቲ ክትደልዮ ይግብኣካ። ከምቲ ብለይቲ ዝሓለምካዮ ሕልሚ፡ መዓልቲ ምስ መጸ ዘይትዝክሮ፡ ከምኡ እውን፡ እቲ ብመዓልቲ ዝሓለምካዮ ሕልሚ፡ እታ ለይቲ ሞትካ ምስ መጸት ኣይክትዝክሮን ኢኻ። እምበኣር ሕልሚ ለይቲ ኮነ ሕልሚ መዓልቲ ኮነ፡ ኵሉ ከንቱ ኢዩ።

ከምኡ ከኣ ስለምንታይ ኢኻ ክንድዙይ ዚኣክል ሃብቲ ንምጥራይ እትሽገር? ነቲ ርእሲ ኵሎም ሃብቲ ዝኾነ እግዚኣብሔር ክትረክብ ኢልካ ግዳይ፡ ዘይትጽዕር? ቅዱሳን፡ ንኵሉ ሃብቲ ዓለም መኒኖም፡ ሰብ ምሉእ ሓጐስ ኢዮም ነይሮም፥ እዙይ ከኣ ንእግዚኣብሔር ምስ ረኸቡ፡ ብእኡ ገይሮም ንኵሉ ጽቡቕ ነገር ስለ ዝረኸቡ ኢዩ (2ቆሮ 6፡10 ረአ)።

ነዙ ኃላፊ ዝኾነ ሃብቲ ዓለምዙይ ኢልካ ስለምንታይ ክንድዙይ ዚኣክል ትርበሽ? ነቲ ዘለዓለማዊ ዕድልካ ብምሕሳብ፡ ንሻቕሎትን ንስክፍታን ምድራዊ ሕይወትካ ከተሸነፍ ጽዓር። ኣብዙ ዓለምዙይ ኵሉ ነገር ኃላፊ ክንዲ ዝኾነ፡ ፍጹም ኣድላዪ ዝኾነ ነገር የልቦን። ንኃላፊ ሃብቲ ምጭባጥ ምድላይ፡ ታሕጓስካ ኣብ ውሕስነት ዘይብሉ ሃብቲ ምንባርን ኅላፊ ንዝኾነ ሃብቲ ከተጥሪ ኢልካ ሃረር ምባልን፡ ምሳኡ ኃቢርካ ክትኃልፍ ዘይምድላይን፡ ብሓቂ ዜሕዝን ባርነት ኢዩ!። ናጻ ዚበሃል ሰብ፡ እቲ ሃረርታ ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ከም ቁምነገር ገይሩ ዘይርእዮን ዘይምነዮን ጥራሕ ኢዩ።

ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ምስ ሃብቲ መንግሥተ ሰማይ ኪነጻጸር ከሎ፡ ልክዕ ከም ሕይወትን ከም ጽላሎት ሕይወትን ኢዩ። ሓደ መዓልቲ ንበይንኻን ብዘይሓንቲ ነገርን ካብዙ ዓለምዙይ ክትፋኖ ኢኻ። ቅድስና፡ እታ ካብ ወዲ ሰብ ዘይትፍለ፡ ክብሩ ኢያ። ኵሉ ሰብ ከም ሳዕሪ ኢዩ፥ ኵሉ ክብሩ ከኣ ከም ዕንባባ ኢዩ። እቲ ሳዕሪ ይነቅጽ፡ እቲ ዕንባባ እውን ጠውሊጉ ይነቅጽ (1ጴጥ 1፡24: ኢሳ 40፡6 ረአ)። ኣብቲ ካልኣይ ዓለም ዝተርፍ ነገር እቲ ብሕይወትካ ከሎኻ፡ ዝገበርካዮ ጽቡቕን ሕማቕን ነገር ጥራሕ ኢዩ። እቲ ጽቡቕ ዘለዓለማዊ ሽልማት ኢዩ፥ እቲ ሕማቕ ከኣ ንዘለዓለም መቕጻዕቲ ኢዩ።

ኵሎም እቶም ኣብዙ ዓለምዙይ ዚነብሩ ሰባት፡ ናይ መጨረሽታ ዕድሎም መንግሥተ ሰማይ ወይ ከኣ ገሃነም እሳት ኢዩ። ንስኻ እውን፡ ናይ ጽባሕ ዘለዓለማዊ ዕድልካ ከመይ ኪኸውን ከምዚኽእል እስኪ ቍሩብ ሕሰብ እሞ፥ ንሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ብዝሩግ ልቢ ሃረር ኣይክትብሎን ኢኻ።

ብሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ተዓብሊልካ፡ ንዘለዓለማዊ ዕድልካ ክሳብ ትርስዕ ኣይትኹን። ከምኡ እውን ኣብቲ ዕምባባ ዚመላኦ ጐደና እዙ ዓለምዙይ ከይትጠፍእ ተጠንቐቕ። ኣተና እዙ ምድራዊ ሕይወትካ፡ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንምኽሳብ ኢዩ። ኣብዙ ጊዚያዊ ዝኾነ ዓለም ተፈጠር እምበር፡ ዕላማኻስ ኣብኡ ምንባር ኣይኮነን። ንሓዳስ መጻኢት ከተማ ትጽበ ኣሎኻ እምበር፡ ኣብዙ ዓለምዙይ ነባሪት ከተማ ከምዘይብልካ፡ ብሕይወትካ መስክሮ ኢኻ (ዕብ 13፡14 ረአ)።

መዓልቲ- መዓልቲ ክንደይ ዘይበርስ ሃብቲ ከተጥሪ እናኸኣልካ እንከሎኻ፡ ግና፡ ነዙ ኵሉ፡ ንብረትካ ንኽትውንን ኢልካ ዘይምጽዓር፡ ክንደይ ሕማቕ ዕድልን ዕምርን ኢዩ!። እዙ ብዛዕባ ሰማያውን ዘለዓለማውን ሃብቲ ኪግደስ ዚግብኦ፡ ልቢ ወዲ ሰብ ደድኅሪ ዘይጠቅም ኃላፊ ምድራዊ ሃብቲ ዚኸይድሲ፡ ክንደይ ዓሻን ተሪር ልብን ኢዩ!

እዙ ንፍረ ገዲፉ ንዕምባባ ሕይወት ዚቅንጥብ ልቢ ወዲ ሰብሲ ክንደይከ ይዕሹ ኢዩ! ንሕይወት ገዲፉ ደድኅሪ ጽላሎት ኪጐዪ ዚውዕልስ ክንደይከ ይዕሹ ኢዩ! ንዘይበርስ ሃብቲ ገዲፉ፡ ንበራሲ ሃብቲ ኪደሊ ዚውዕልከ፡ ክንደይከ ይዕሹ ኢዩ! ንሰማያዊ ሃብቲ ዘይኮነስ ንምድራዊ ሃብቲ ኪረክብ ኢሉ ምስ ሰብ ኪበኣስ ዚውዕልስ ክንደይከ ይዕሹ ኢዩ!


ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ሣልሳይ ክፍሊ - ውሽጣዊ ሕይወትን፡ ነፍሲ፡ ምስ እግዚኣብሔር ዘለዋ ኅብረትን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 24 Mar 2022, 08:33

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ) :mrgreen:

ሣልሳይ ክፍሊ - ውሽጣዊ ሕይወትን፡ ነፍሲ፡ ምስ እግዚኣብሔር ዘለዋ ኅብረትን

89 - መንፈሳዊ ሕይወት


ናይ መንፈስ ሓቀኛ ናጽነት እንተደኣ ኣሊዩካ ኮይኑ፡ ሓንቲ’ኳ ኣየድልየካን ኢዩ፥ ጐይታ ኵሉ ክትከውን ኢኻ (2ቆሮ 6፡10 ረአ)፥ ብዝገጠመካ ፈተና፡ ተስፋ ኣይክትቈርጽን ኢኻ፥ ብእትረኽቦ ዓወት ኣይክትጀሃርን ኢኻ፥ ሰላም ብኣምላኽ ስለ እትርከብ፡ ንዓኣ ዜሕድገካን፡ ካብኣ ዚፈልየካን ኃይሊ ኣይኪህሉን ኢዩ። እቲ ንዓኻ፡ ከሳቕየካ ዚግባእ ነገር፡ ንእግዚኣብሔር ንጸጋኡን ንኸይተጥፍእ ዚብል ስግኣት ጥራይ ኢዩ። ናይ መንፈስ ናጽነት ማለት ኣብ ዝኾነ ነገር እግዚኣብሔር ምርኣይ ማለት ኢዩ፥ ኵሉ እቲ ካብዙይ ዝተረፈ ግን፡ ባርነት መንፈስ ኢዩ።

ልዕሊ ኵሉ ብሓሳባትካ ምስ እግዚኣብሔር ከመይ ገይርካ ከምትራኸብን ከምትሰማማዕን ክትጽዕር ኣሎኻ፡ ከምኡ እውን እቲ ዝለዓለ ናትካ ስግኣት ካብ እግዚኣብሔር ከይትፈላለን ከይትርሕቕን ኪኸውን ይግባእ። ንእግዚኣብሔር ብኵለንተናኻ እንተተወፊኻ፡ ወላ ዋሕዲ ገንዘብ ይሃሉኻ ብውሽጣዊ ሃብቲ መንፈስካ ክትዓግብ ኢኻ።

ብውሽጣዊ መንፈስ ድኻ እንተኾይንካ ግን፡ ዝኾነ ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ኣይክዕግበካን ኢዩ። ንገዛእ ልብኻ ብመንፈስ ኣምላኽ እንተዘይሓኒጽካዮ፡ ንኽፍሊ ገዛኻ (ንገዳምካ) ብዓቢይ ቀጽሪ እንተነደቕካዮ እውን እንታይ ኢዩ ጥቕሙ? ናብዙ ናይ ዓለም ሃብቲ ብምሉእ ልብኻ እንተተዋፊርካ፡ ነታ ክፍሊ ገዛኻ ወይ ገዳምካ ከም ክፉእ ጸላኢ ገይርካ ትጸልኣ ኢኻ።

ነገር እዙ ዓለምዙይ ምስ ዕቤት እቲ መንፈሳዊ ነገር ኪነጻጸር ዘይግብኦ ስለ ዝኾነ፡ ንዕኡ ብዙኅ ግምት ክትህበሉ ኣይግባእን። እቲ ኵሉ መንፈሳዊ ዘይኮነ ነገር፡ ከም ኵሉ ምድራዊ ነገር በራሲ ኢዩ (ገላ 6፡8 ረአ)። ንሃብታማት እዙ ዓለም እዙይ፡ ኣይትቕንኣሎም። ኣብ ትሕቲ ጸጋ ኣምላኽ ትነብር እንተደኣ ኣሊኻ ኮይንካ፡ ኣብ ሰማይ ካብ ናታቶም ኣዚዩ ዚበዝኅ ሃብቲ ከተጥሪ ትኽእል ኢኻ።

ዓለም፡ ንቕዱሳን ከም ዕቡዳት ገይሩ ኢዩ ዚርእዮም፥ እንተኾነ ጥበብ እዙ ዓለምዙይ፡ ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ከም ዕሽነት ኢዩ ዚቍጸር (1ቆሮ 3፡19 ረአ)። ነቲ ብዙኅ ዝተዋህቦ ብዙኅ ስለ ዚሕተቶ፡ ነቲ ብዙኅ ዝተነብረሉ ብዙኅ ስለ ዝጥየቕ፡ ንስኻ ከኣ፡ በቲ እግዚኣብሔር ገይሩልካ ዘሎ ብዙኅ ህያባት፡ ክትፈርህ ይግብኣካ (ሉቃ 12፡48 ረአ)።

እቲ ልዑል ዝኾነ ስራሕ ነተን ልዑል ዝኾነ ህያብ ዘለወን ነፍሳት ሓዲግካ፡ ንእግዚኣብሔር ኣብቲ ትሑት ዝኾነ ስራሕ፡ ኣገልግል። ናብ መንፈስ ፍሉይ ዝኾነ ህያብ ዘሎካ ኮይኑ እንተተሰሚዑካ ከኣ፡ ነዙ ክንድዙይ ዚኣክል ስራሕ ኣይበቅዕን ኢየ ኢልካ፡ ኣብ ርእስኻ እምነት ኣይተኅድር። ፍቓድ ኣምላኽ እንተደኣ ኮይኑ፡ ንኵሉ ነገር ባዕሉ ከብርሆ ኢዩ። እግዚኣብሔር ንሰብ ሓንሳእ ብጸጋኡ እንተደኣ ሸሊምዎ፡ ትሕትና ስለ ዝገበረ ኢሉ፡ ተጣዒሱ ኣይቕንጥጦን ኢዩ።

ንኻልኦት ከተህብትም ክትብል፡ ንርእስኻ ምእንቲ ከይተድኪ፡ ምእንቲ ጥቕሚ ኣኅዋትካ ኢልካ ክትሰርሕ ከሎኻ እውን፡ እቲ ቀዳማይን ዝዓበየን ሓሳብካን ኣተኩሮኻን ምስ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ዘሎካ ሓድነት፡ ብዝበለጸ ንኸተደልድሎ ኢልካ ጽዓር። ንእግዚኣብሔር ክሳብ ትርስዕ፡ ብኵሉ ኃይልኻ፡ ለይትን መዓልትን፡ ኣብ ስራሕ እንተደኣ ተዋፊርካን ተጸሚድካን፡ ሓንሳብ ካብ እግዚኣብሔር ምስ ርሓቕካ፡ ስራሕካ መንፈሳዊ መልክዑ ኣጥፊኡ፡ ሰብኣውን ዓለማውን መልክዕ ጥራሕ ኂዙ ኪተርፍ ኢዩ።


ውሽጣዊ መንፈሳውነት ናብ እግዚኣብሔር ዚመርሕ መንገዲ ክንዲ ዝኾነ፡ ንስኻ ከኣ መንፈሳዊ ሰብ ክትከውን ጽዓር። ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት መጠን ንቕድሚት ዝሰጐምካዮ ብመጠኑ ኃይልን ብርታዔን ክትረክብ ኢኻ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “መንፈሳዊ ትምህርቲ፥ ዓቃቢ ጥዕና ልቢ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 01 Apr 2022, 02:42

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

90 - መንፈሳዊ ትምህርቲ፥ ዓቃቢ ጥዕና ልቢ

እግዚኣብሔር ብመንፈሳዊ ህልውናኡ ኣብ ውሽጥኻ ብዘይምቍራጽ ከምዚርከብ ረሲዕካ፡ ብዛዕባኡ ተኦሎጊያውን ትምህርታውን ፍልጠት ጥራይ ከይህልወካ ተጠንቐቕ (ዮሓ 14፡23 ረአ)። ንስኻ ሕያው ቤት መቕደስ ኣምላኽ ስለ ዝኾንካ ኣብ ውሽጥኻ እግዚኣብሔር ከምዘሎ ተረዲእካ ኣስተንትን (1ቆሮ 3፡16 ረአ)። ምስ ሥላሴ ተወሃሂድካ ንሕይወትካ ዝኸውን ፍረ ቅድስና ካብኦም ቅዳሕ። በቲ መዓልቲ መጸ እተማዕብሎ ቅድስናኻ፡ እቲ ፍጹም ክርስቲያን ዚገብረካ መንፈሳዊ ኃይሊ ቅድስና፡ ኣብ ውሽጥኻ ኪዕምብብ ኢዩ።

ቅዱስ ኢግናጺዮስ ብዓል ሎዮላ፡ ካብቱ ኵሉ ዓመት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሶርቦና ከሎኹ ዝተመሃርኩዎ ነገረ-መለኮት (ተኦሎጊያ) ናብ ኣምላኽ ምስ ተመለስኩ፡ ኣብ ገምገም ካርዶነር፡ ኣብ ማንረሳ ዝተባህለ ውሕጅ ኮይነ ብተመስጦ፡ ብሂደት ደቓይቕ፡ ዝተማሃርኩዎ ነገረ-መለኮት ይበዝኅ ይብል ነበረ።
እዙይ፡ እቲ ዘይመውትን፡ ክትነብሮ ከኣ ብዙኅ ጥቕሚ ዘለዎ፡ ውሽጣውን፡ መልዕልተ ባሕርያውን ዝኾነ፡ ምስ ናይ መወዳእታ ዕላማ ሕይወትና ዚሰማማዕን ሓደ ዝኾነ፡ መለኮታዊ ሕይወት ኢዩ።

ንመንፈሳውነትካ ሓቀኛ ኣብ ዝኾነ ትምህርቲ መሥሪትካ ኃዞ ኢኻ። እንተኾነ ግን፡ መንፈሳውነት፡ ኣብ ፍልጠትን፡ ኣብ ሊቅነት፡ ዝተመሥረተ ነገር ከምዘይኮነ ከኣ ይትረስዕ።
መንፈሳውነት እቲ ተማሂሩ ዘጥረዮ ሊቕ ዝኾነ ተኦሎጋውን፡ እቲ ከይተማህረ፡ እግዚኣብሔር ዘኅደረሉ መንፈሳውነትን ሓደ ኢዩ። ንስኻ፡ ብኵሉ ነገር ተሓጕስካን ፍቓድ ኣምላኽ ክትመልእን ኢልካ ሃረር ክትብል ከሎኻ ጥራይ ኢኻ፡ ኣብ መንገዲ ቅድስና ከምዘሎኻ ክትረጋገጽ እትኽእል።

ትምህርቲ መንፈሳዊ ሕይወት ከተጥሪ እትእኽል፡ ብብዝኂ ንባብ ዘይኮነስ፡ ካብቲ ካብ ላዕሊ ዚወርድ፡ ብርሃንን ቅብኣትን መንፈስ ቅዱስ ኢዩ።
ካብ ብብዙኅ መጽናዕቲ፡ ብሓደ ወርኂ ጥራሕ፡ ብሓገዝ ጸጋ ኣምላኽ፡ እትገብሮ ምዕባለ ይበልጽ። መንፈሳዊ ምዕባሌኻ ንድኅሪት ዚጕተተሉ ምኽንያት፡ ኣብ ብዙኅ ዚጠቅምን ዘይጠቅምን ነገር ኃይልኻ ስለ እትውድእ ኢዩ። ብዝከኣለካ መጠን፡ ንኽብሪ ኣምላኽ ዘይውዕል ሓንቲ ነገር ንኽይትሓስብን ንኸይትገብርን ተሓሎ ኢኻ። ታህዋኽ፡ ተፃይ መንፈሳዊ ሕይወት ስለ ዝኾነ፡ ጊዜ ኪውሕደካ ከሎ፡ ካብ ታህዋኽ ተጠንቐቕ።

ውልቀ ሰብ ይኹን ሕዝቢ ብኣተሓሳስባኦም ኢዮም ዚልለዩን ዚመኃደሩን። ንስኻ እውን፡ ብኣተሓሳስባኻን ብኣዛራርባኻን ኢኻ ካብ ካልኦት እትልለ። እምበኣር፡ እምነት ሃይማኖትካ ኪልሕልሕ ከሎ፡ ካብ መንገዲ ቅድስና ርሒቕካ ከምትኸይድ ኢዩ ዚገብረካ። መንፈሳዊ ሕይወትካ ቅኑዕ ሓበሬታ ዚረክብ፡ ካብቲ ብጸጋ ኣምላኽ ዚበርሄ ኣእምሮኻን፡ ካብቲ ብፍቕሪ ዚምራሕ ሕይወትካን፡ ካብቲ ኣብ ሕይወትካ እተዘውትሮ ቅድስናን ኢዩ።

ኣካያይዳኻ ብመንፈስ ኣምላኽ ተሠሪዑ ምእንቲ ኪምራሕ ነቲ ናይ ልብኻ ሃረርታን፡ ነቲ ኵሉ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ዚካየድ ነገር፡ ንኵሉ ብጥንቓቔ እናተኸታተልካ፡ ንልብኻ ተቘጻጸር። እዙ ኵሉ፡ ውሽጣዊ መንፈሳዊ ሰላም ዚህበካ ኢዩ። ልብካ ንምቍጽጻር ብዝሰልጠንካዮን ብዘርኣኻዮን መጠን፡ ብእኡ መጠን ከኣ፡ ብመንፈሳዊ ሕይወትካ ክትምዕብል ኢኻ።

ኣብ ሻቕሎት እዙ ዓለም እዙይ፡ ጥሒልካን ተሸጊርካን ኣብ እትርከበሉ ጊዜ ከኣ፡ ጸጸኒሕካ ናይ ኅሊና መርመራ ግበር፡ ንጕዳይ ነፍስኻ ኣይትረስዕ። ኣብ ህይወትካ ኪገጥመካ ንዚኽእል ጸገም፡ ክብርኻን፡ ተስፋኻን ከየጥፋእካ፡ ብሱልን ምሉእ ሰብን ኮይንካ ንጸገምካ እንተሥዒርካ፡ ብመንፈሳውነትካ ከምዚሰልጠንካ ከተርኢ ኢኻ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ታሕጓስ መንፈስ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 08 Apr 2022, 03:24

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ) :mrgreen:

91 - ታሕጓስ መንፈስ

ብዝኂ ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ከሕጉሰካ ስለ ዘይኽእል፡ ታሕጓስካ ኣብኡ ኣይተንብር። ምድራዊ ታሕጓስ እንተደኣ ደሊኻ፡ ካብ ሰማያዊ ታሕጓስ ትሩፍ ኢኻ። ካብቲ ኵሉ ኣብ ዓለም ዚርከብ ታሕጓስ፡ እቲ ዝነኣሰ ኣብ መንፈሳውነት እተስተማቕሮ ታሕጓስ ይበልጽ። ነቲ ብመልክዑ ኮነ ብሕያውነቱ ኮነ ብፍልጠቱ ኮነ ዓቢይ ዝኾነ ጐይታ ክንዲ ዝኃረኻ ደኣ ተሓጐስ እምበር፡ ብሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ሃብታም ኰይነ ቢልካ ኣይትተሓጐስ (ኢዮ 37፡23 ረአ)።

ንጐይታ በዲልካ እንተኾይንካ ንዕኡ ንኽትመስል ክትሳቐ ይግብኣካ እምበር፡ ናይ መንፈስ ፍስሓ ክትረክብ ኢልካ ሃረር ክትብል ኣይግባእን ኢዩ። ብዙኅ ጊዜ፡ ብሓደ ወገን ታሕጓስ ኬብክየካ ከሎ፥ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ፡ ሓድሓድ ጊዜስ ስቓይ እውን፡ የሕጕስ ኢዩ። ንስኻ ንታሕጓስ ብዝበለጸ እተስተማቕሮ፡ ኣቐዲምካ ስቓይ ርኢኻ እንተዀንካ ኢዩ ወይ ከኣ ኣብ ሓዘን ጸኒሕካ፡ ብድኅሪኡ ዚርከብ ሓጐስ፡ ጥዑም ኢዩ (ዘዳ 126፡6 ረአ)።

ምእንትዙይ፡ ነቲ ከም ህያብ ዚወሃበካ ነገር ተጠንቒቕካ ምእንቲ ክትሕዞ፡ እግዚኣብሔር፡ ብዙኅ ጊዜ፡ ኣቐዲሙ ብፈተና ይፍትነካ’ሞ፡ ጸኒሑ ከኣ፡ ሓጐስ ይህበካ ኢዩ።


እግዚኣብሔር ታሕጓስ መንፈስ ዚህብ፡ ንዚደለዮን ኣብ ዘይሓሰብካዮ ጊዜን ኢዩ። እግዚኣብሔር እቲ መንፈሳዊ ዝኾነ መና ሓጐስ እንተሂቡካ፡ ባህጊ ናይቲ ሥጋዊ ዝኾነ ጣዕሚ መና ኣይኪህልወካን ኢዩ። መንፈሳዊ ጣዕሚ፡ እቲ ናይ መዠመርያ ሰማያዊ ጣዕሚ ጥራሕ ኢዩ። ንመንፈሳዊ ታሕጓስ እናፈተኻዮ ብዝኸድኻ መጠን፡ ነቲ ኵሉ ብወጻኢ ዚመጸካ ስቓይ እውን፡ እናለመድካዮ ክትከይድ ኢኻ።

ብመንፈስካ ሓጐስ ኪስመዓካ ከሎ፡ ብመጽዓን ብማህላን ንኸይትእሰር ተጠንቐቕ። ከምኡ ከኣ ብኣንፃሩ፡ ብነቕጺ መንፈስ እንተደኣ ተሸጊርካ፡ ንመስቀልካ ብትዕግሥቲ ክትሽከም ቍርጺ ፍቓድካ ከተሕድስ ይግባእ። ብጊዜ መንፈሳዊ ታሕጓስ ኮነ ብጊዜ መንፈሳዊ ነቕጺ ኮነ፡ እቲ ሓቀኛ መንፈሳውነት ወይ ቅድስና፡ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ክትወድቕ ከሎኻ ኢዩ።

ብሰንኪ ናእሽቱ ኃጢኣትካ፡ ነቲ ብጸሎት ዚርከብ መንፈሳዊ ታሕጓስ፡ ከተጕድል ከሎኻ፡ ናብ ናይ መንፈስ ነቕጺ ክትወድቅ ትርከብ። እምበኣር ኣብ ነቕጺ መንፈስ ምስ ትርከብ፡ ነቲ ካብ ጸሎት ዚርከብ ታሕጓስ ምስ ዚጐድለካ፡ ብምንታይ ምኽንያት ከምዚጐድለካ መርሚርካ ምስ ኣለለኻዮ፡ ቃልስኻ ኣንጻር እቲ ዝተገልጸልካ ጕድለት ከተቕንዖ ይግባእ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “መንፈሳዊ ሕይወትን፡ ሓቀኛ መንፈሳውነትን።” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Post Reply