ደሞክራሲ ኣመሪካ
ተስፋይ ወልደጊዮርጊስ
24.11.2021
እዛ ዓለምና ብዙሕ ውግእን ዕግርግርን ርእያ እያ። ድሕሪ ክንደይ ሓጎጽጎጽ ኣብዚ በጺሕናዮ ዘለና ምዕባሌ በጺሓ ኣላ። ከምቲ ግቡኡ ዘይናትካ ምድላይ፣ ምግባት እንተዘይህሉን ብጉቡእ ክንጥቀመሉ እንተንኽእልን እዚ ብተፈጥሮ እተዓደልናዮ ጸጋታ ንኩሉ ምኣኸለን ምተባጽሐን ኔሩ። ግን እንታይ ይገበር ንዓይ ንዓይን ስስዐን በዚሑ ሰላም ተሳኢኑ። ውግእን ነንሓድሕድካ ምጥፋእ ዝደፋፍእ ሃዋህው እናሰሰነ መጺኡ።
ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ምግባት ወራር ሱር ዝሰደደ ምስ ናይ ኤሮጳውያን ምምጻእ እዩ። ብዝተፈላለየ ትንኩልናን ጥበባትን ንኣፍሪቃ ግዝኣቶም ከስፋሕፍሑ ምስ ጀመሩ ዕምሮም ንምንዋሕ ንደቂ መሬት ኣብ ግምት ከየእተዉ ንዕኦም ብዝጥዕሞም መንገዲ ዶብ ሓናጺጾም ጎረቤት ምስ ጎረቤት ከምዝባላዕ ጌሮም። እዚ ከይኣክል ዓይኒ ኣንቂሑ ናብኦም ከየድህብን ከይምክቶምን ብማለት ብሃይማኖት ዓልየትን እናፈላለዩ ነንሓድሕዱ ከምዝናቖት ጌሮሞ። ብኸምዚ ድማ ዕድመ ህላወኦም እናነውሐ መጺኡ። ኤሮጳውያን ጎኒ ንጎኒ ማዕድናትን ተፈላለየ ሃብትን እናመዝመዙ ናብ ሃገሮም ምጉራት ኣየቁዋረጹን።
ድሕሪ 2ይ ውግእ ዓለም እዚ ናይ ባዕዳዋያን መግዛእቲ መልክዑ ቀይሩ እምበር ኣይጠፍአን። መብዝሕትኤን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነበራ ሃገራት ብህያብ ነጻነት ይውሰዳ ድኣ እምበር ብቑጠባ ግን ነጻ ኣይወጻን ኔረንን ኣለዋን። ብስም ዲሞክራሲ ንህዝበን ዘይውክል፣ ምስ ባህለንን ኣካይድአንን ዘይሰማማዕ ካብተን ገዛእተን ዝነበራ ሃገራት ሕገንን ቁዋመንን ከምቲ ዘለዎ ኮፒ ቀዲሐን ኮፍ ኣቢለንኦ። ከም ዲሞክራስያውያን ሃገራት እናተሰመያ ውን ውሽጠን ቦኽቢኹ ከብቅዕ ብደጊኤን ግን ከብለጭልጫ ተራእየን።
ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያተን ጣልቃ እናኣተዋ ከይምዕብላን ነብሰን ከይክእላን ጠሚሮም ብምሓዝ ፍሕት ከምዘይብላ ገይሮመን እዮም። ርሑቕ ከይከድና ንኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 80 ዓመታት ዝገብርዎ ዝነበሩ ዓቡይ ኣብነት እዩ። ናይ ምኒሊክ፣ ሃይለስላሴን መንግስቱን ንጎኒ ገዲፍና ንግብረሽበራዊ ጁንታ ወያነ ንኽድምና ስርሐይ ኢሉ ተታሓሒዝዎ ስለ ዝነበረ ኩሉ ዓይነት ሓገዛት ይገብርሉ ኔሮም። ጌና ውን ነዛ ተሪፋቶ ዘላ 1%^ ቅሩብ ኢንፍዩጅን ሂቦም ፈለኽ ከብልዎ ይጽዕሩ ኣለዉ። ካብ ህጂ ንደሓር ግን ቀብሪ ኢያ ተሪፋቶ ዘላ።
ኣብቲ ወያነ ብስም ኢህወደግ ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ንኢትዮጵያ ብስርቅን ምጥፍፋእን ሓሚስዋ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ዓገብ ከይበሉ ብኣንጻሩ ብቑጠባ ልዕሊ 10% ማዕቢሉ እናበሉ በቲ ሜዳያ ናታቶም የጋውሕሉ ኔሮም።
ነቲ ንይምሰሉ 3 ጊዜ ምርጫ ኣካይድና ክብሉ ከለዉ ትኽክል ከምዘይኮነ እናፈለጡ ቅኑዕን ፍትሓውን ኔሩ ኢሎም መሪቐምሉ። ዲሞክራሲ ኣመሪካን ኤሮጳን ከምይ ከም ዝመስል ሪኢና። ሶማል ክወርር ንክድምንኡ ዝያዳ ዕድል ስለዝረኸበ ከምድልየቱ ክዕንድር ዘይተኣደነ ደገፍ ይገብርሉ ኔሮም።
ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ምስ መጸ ንኢትዮጵያ ካብቲ ዝነበረቶ ዓዘቕቲ ኣገላጊሉ፣ ነቲ ምስ ኤርትራ ዝነበረ ኣይሰላም ኣይውግእ ኩነታት ቀይሩ ንሰላም ኢዱ ዘርጊሑ። ናይ ክልትኤን ሃገራት ጽልኢ ኣብቂዑ ናብ ልምዓት ምስ ተበገሳ ነዚ ዘይተዋሕጠሎም ኤሮጳን ኣመሪካን ክዕንቅፍዎ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣይደቀሱን ዘለዉ። እቲ ተላኣኣኺኦምን ከዳሚኦምን
ዝነበረ ወያነ (ጁንታ )ካብ 4 ኪሎ ተባሪሩ ድሕሪ ውሸባ ናይ መቐለ ሃዲሙ ሃገረሰላም ምስ ተላሕገ ነቶም ተረፍ መረፍ ካብቲ ጉድጉዋዶም ኣውጺኦም ሂወት ክሰኹዕሎም ዘየበርከትሎም ሓገን ኣይነበረን። ምስ ዓለም ዘራኽቦም ሳተላይት ቴሌፎን፣ ናይ ስለያ ሓገዝ፣ መግቢ፣ ኣጽዋር፣ ሕሉፍ ሓሊፍዎም ታርጋ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዘለወን ኣማኢት ናይ ጽዕነት መካይን መግብን ኣጽዋርን ሒዘን ናብ ክልል ትግራይ ኣትየን ናይ ሰራዊት መጎዓዓዚ ክኾና ዕድል ኢበሞም። እንተዝኽእሉ ኔሮም ውን ነቶም ዝሞቱ ከተስእዎም ኣይምስ ጸልኡን ኔሮም። ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብ ክንዲ ነቲ ሰላም ምስ ከባቢኡ ዝደሊ መንግስቲ፣ ሕጋዊ ምርጫ ዘካየደ ዝተሓጋገዙ ንግብረሽበራዊ ክተሓባበሩ ብግብሪ ፈተውቲ ዴሞክራስን ከም ዘይኮኑ እዩ ዘርኢ። ነቲ ንዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ንምሓዝ ተብሂሉ ናይ ኖበል ሽልማት
ዝሸለምዎም ሓቅነት ኣይነበሮን። ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ንበይኑ ስለ ዘይብኣስ ሓንቲ ሃገር ድማ ንበይና ከምኡ። ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ዝነበረ ስማዊ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ብግብሪ ግን ኤርትራ ካብ ካርታ ናይ ምእላይ ስዉር ፕላን ናይ ከዳሚ ወያነ ተኣልዩ፣ ሰላም ምስ ተረኽበ ከምቲ ግቡኡ ንኽልቲኤን ሃገራት ይግብኤን ኔሩ። ከምቲ ኣብ ካልእ ሃገራት ዝገብርዎ ዝነበሩ ኖበል ፕራይስ ኣብ ኢዶም ኣጨቢጦም ካልእ ስራሕ ንኸይሰርሑ ዝምቅሕዎም ዝነበሩ፣ ሎሚ ንዶክተር ኣቢይ ዝብልዎ ዘለዉ ክገርመና የብሉን። ኖበል ፕራይስ ተቐቢሉ ከብቅዕ ውግእ የካይድ ስለ ዘሎ ካሳብ DEN HAAG ዝርከብ ናይ ICC (ዴንሃግ ዝርከብ ናይ ዓለም ቤትፍርዲ) ክቐርብ ኣለዎ ክብሉ ዘስሕቕ እዩ። ከም ወያነ ክኽድመሎም ዘውጽእዎ መደብ ስለ ዝፈረሰ ዝጭብጥዎ ጠፊእዎም ኣሎ። ብናቶም ዓይኒ እዚ ኤርትራውያን ንሃገርና ንምክልኻል ንገብሮ ሕጥያት እዩ። ኢትዮጵያውያን ንሃገሮም ንምክልኻልን ምድሓንን ዝገብርዎ ዘለዉ ሓጥያት እዩ፣ ግን ኦባማን ክሊንተንን ኣብ ደቡብ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ኣስያን ክብሪ ሃገራት ጊሂሶም ሓይሎም ተጠቒሞም ከፍርሱ ግን ንዲሞክራስን ፍትሓውን እዩ ኢለሙና። ጨለ ሓሳብ። ሎሚ ንዶክተር ኣቢይ ኢትዮጵያ ብግብረ ሽበራ ናይ ወያነ እናተሓመሰት ኢድካ ኣጣሚርካ ትም ኢልካ ርኣዮም ኢሎም፣ ዳግማይ 4ኪሎ ክቆጻጸርዎ ትም ኢልካ ርኣዮም ይብልዎ ኣለዉ።
'ተዓመተለይ እሞ ክብለጸልካ' ከምዝብሃል፣ ንኢትዮጵያ ዳግማይ ናብ ዕንወት ምፍራድ እዩ። ነቲ ልዕሊ 110 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ከየእተዉ ማለት እዩ። ሎሚ ዝበዝሕ ኢትዮጵያዊ ነቒሕሎም እዩ። ስርናይኩም ይትረፈና ጁንታ ካብ ምሕጋዝ ተቆጠቡልና ይብሎም ኣሎ። ጁንታ ሎሚ ነቕነቕ እናበሉ ከለዉ ኣብ ዝርፍያ ተዋፊሮም ኣብ በዓል ደሴ እናዘመቱን ቆልዑን ኣዴታትን ብሓይሊ እናተጋሰሱን፣ ከምቲ ናይ ኤርትራ ሕማቕ ታሪኽ ገዲፎም ዝሓለፉ፣ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኢትዮጵያ ውን
ሕማቕ ታሪኽ እናሰርሑ ይሰሓጉ ኣለዉ። ጽባሕ ኣዲስ ኣበባ በጺሖምከ እንታይ ጽቡቕ ስራሕ ክሰርሑ ንጽበ? ጁንታውያን ኣፎም ከፊቶም ኢትዮጵያ ንምፍራስ ንባዕሎም ሰይጣውንቲ ከለዉ ወላ ምስ ሰይጣን ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ከለዉ፣ ኢትዮጵያውያን ኣብ ልዕሊኦም ዘሕድርዎ ጽልኣት ሰማይ ከምዝዓርግ ፍሉጥ እዩ። ንምንታይከ ኢትዮጵያ ምፍራስ ተደለየ? ንወያነ ንምድሓን ተተኻኢሉ ናብ ስልጣን ምምላስ ዝግበር ዘሎ ላዕልን ታሕትንከ? ፈልትማን ናብ ኢትዮጵያን ከባቢናን ክመላልሰ፣ ናይጀርያዊ ኦባሳንጆ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ጸገም ዘይፈትሐ መቐለን ኣዲስኣበባን ክሸራሸር፣ ቀንዮም ኣለዉ። እዚ ንኤርትራ ጎሲኻ ዝግበር ዘሎ ጎቦጎቦ ምኻድ ነቲ ሽግራት ከበኣእሶ እንተዘይኮይኑ መፍትሒ ኣይክርከቦን እዩ። ካብ ጉይይ ምውዓል ክሳብ ምሓዝ ከምዝብሃል፣ ኣብዚ ዞባናን ቀይሕባሕርን ሰላምን ሓቢሮም ክሰርሑ እንተደልዮም፣ ንጁንታ ወያነ ኮኒኖምን ዝገብርሉ ሓገዛት ጠጠው ኣቢሎምን፣ ነቶም ብኦኦምን ብወያነን ልዕሊ 20 ዓመት ከርተት ዝበልና ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ግምት ኣእትዮምን ከም ቀንዲ ሰብ ጉዳይ ርእዮም ጥራይ እዮም ነዚ መፍትሒ ዝረኽብሉ። ብኻልእ መንገዲ ግድን ድዩኸ ኣብ ኩሉ ኢዶም ጦብሎቕ ጠብሎቕ ከብሉ? ከምቲ ኣብ ሃገሮም ስላም ንኽነብሩ ዝዓንቀፎም ዘየልቦ ንዓናኸ ብሰላም ዘይገድፉና። ልዕሊ 80 ዓመት ክከራኸሩና ግድን ድዩ? ኣቦና ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ናይ ኤርትራ ጉዳይ ሓቀኛ መፍትሒ እንተዘይተገይርሉ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ይረክብ ማለት ዘበት ዝበልዎ፣ ታሪኻዊ ዘረባ ዘይምስትውዓሎም እዩ። እቲ ፎስተር ዳልስ ዝበሎ ንጥቕምና ክንብል,,,,,ሎሚ ብቐጥታን ይኹን ብኢድ ኣዙርን ኣይሰርሕን እዩ። ጎኒ ጎኒ ናይዚ ኣመሪካ ብፍላይ ዴሞክራትስ ፓርቲ ድሕሪ 3 ዓመት ኣብ ጊዜ ምርጫ ኣመሪካ ዘይሓስሰብሉ ዘለዉ ጉዳይ እዩ። ቁጽሪ ኤርትራውያንን ኢትዮያውያን ነበርቲ ኣመሪካ ብዙሕ ስለ ዝኾነ ኣብ ዝመጽእ ጊዜ ዲሞክራትስ ናይዚ ኩሉ ዝገብርዎ ዘለዉ ናይ ኢዶም ክህብዎም ይክእሉ እዮም። ንኤርትራ ንምምብርካኽ ኣመሪካን ኤሮጳን ዘዘውጽዎ ፕላን ስለ ዝፈርሶም ክሳብ ህጂ ልዕሊ 20 ተፈላለየ እገዳታት ጌሮም ኣለዉ። እዚ ወግሐ ጸብሐ ዝገብርዎ ዘለዉ እገዳታት መልእኽቱ ንዓና እንከላይ እዩ። ንመራሕትናን ትካላትናን ግንባርናን ጥራይ ከምዘይኮነ ክንፈልጥ ኣለና።
ከምኡ ስለ ዝኾነ ክንረባረብ ኢና እምበር በዝን ወዲ ከምዝን ዝጸዓድ ኣይኮነን ህዝቢ ኤርትራ። ከምቀደሙ ሎሚ ውን እንተኾነ ክተት ከም መድረካዊ ግድነት እናበለ ተላዒሉ አእጃሙ የበርክት ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 40ታት 50ታት ነጻነቱ ከይረክብ፣ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ሳሕል ከሎ ክድምሰስ፣ ብመስዋእቲ ዝመጸት ነጻነት ንምዕፋን ከዳሚ ወያነ ኣዋፊሮም ወራራት ምክያዶም፣ ማእለያ ዘየብሉ እገዳታት ጌሮም ኣይሰለጦምን። ህዝቢ ኤርትራ ንኽብሩን ነጻነቱን መንነቱን ኣንጻር ጸላእቲ ሃለስላሴ፣ መንግስቱ ወያነን ጥራይ ዘይኮነስ ኣንጻር ኩሎም ሓያላት ብፍላይ ኣመሪካን ኤሮጳን እዩ ተቃሊሱን ተጋዲሉን። ህዝቢ ኤርትራ ከም ወርቂ ኣብ ሓዊ ተጠቢሱ ስለ ዝሓለፈ እንታይነት ነጻነትን ሰላምን ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ትዕግስተኛ፣ ዘይናቱ ዘይደሊ፣ኣብ ሓድነቱን ማዕርነቱን ዝኣምን፣ ኣብ ሓለፍቱን መራሕቱን እምነት ዘለዎ፣ ኩሉ ዝጻወር፣ ሽርሕታት ዘፍሽል፣ ጽኑዕ ህዝቢ እዩ። ኣብ ጊዜ ኣምጽኦ ኣብ ተፈላላአየ መድያታት እናተዋስአ #NO MORE፣ ይኣክል ንውግእ፣ ንዝምታ ኣፍሪቃ፣ ኢድ ኣዙር መግዛእቲ፣ እናበለ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ 4 ክፍለዓለማት 30 ከተማታት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ሃዋህው ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያን፣ ሶማላውያንን ካልኦት ካብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ዝተሓወስዎ ሰላማዊ ስልፊ ብሓባር ድምጾም ኣስሚዖም ኣለዉ። እዚ ድማ ዓቡይ መልእኽቲ እዩ ንምዕራባውያን። ከም በዓል CNN; VOA; BBC; DEUTSCHE WELLE፣ ተፈላለያ ጋዜጣታትን መጽሄት ዓለምና በቲ ንኣፍሪቃ ምንሻውን ኣፍሪቃውያን ብፍላይ መንእሰያት ኤርትራ ሃገሮም ገዲፎም ክወጹ ዝነዝሕኦ ካብ ክውኑነት ዝረሓቐ ሓሶትን ፕሮፓጋንዳን ብስርሖም ካብ መንግስታቶም ስለ ዘይፍለያ እዚኤን ምስሊ ሃገራትን መራሕተንን ካብ ምድዋንን ምሕሳውን ክእደባ ጠሊቡ። ሎሚ ውን ከም ቀደምና ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ምስ ጎረባብትና ሃገራት ሓቢርና ነዚ ኣከይ ማሕለኻታትን እገዳን ሰጊርና ናብ ልምዓትና ነድህብ።
ክተት ከም መድረካዊ ግድነት!!
ዓወት ንሓፋሽ!!