Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

. . . ንኤርትራ ፈውሳ! [ኤርትራዊ ግጥሚ]

Post by Meleket » 25 Aug 2021, 03:32

. . . ንኤርትራ ፈውሳ! [ኤርትራዊ ግጥሚ]

‘ጎይታ’ ቢዘን ኢካ ‘ጎይታ’ ኣሶሳ፣
ኣንታ ኃዉ ዓሊ፡ ኃዉ ወዲ ፍላንሳ፣
:mrgreen:
ንተፃይ ኤሩና ደማሲሳ፣
ንተፃይ ሃገረይ ለዃሲሳ፣
እሙን ወዲ እሙናት ንሃገር ዋሕሳ፣
ማንጁስ እንከለካ ጽኑዕ ጓሳ፣
ሰብኣይ ምስኮንካሞ ጠሓሒሳ፣
ሕድሪ እተሰከምካ’ታ ኳዕናን ኣንበሳ፣
ካባካ ከውጽኡ ዝፍትኑ ኣበሳ፣
መንከ ኪኣምኖም ኢዩ’ “እዚኣ’ለዋ ሱሳ”፣
:lol:
ጸላኢ መጺኡ ከይፍንጥሳ፣
ፍሊጶስስ እንከ ንኤርትራ ፈውሳ።
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: . . . ንኤርትራ ፈውሳ! [ኤርትራዊ ግጥሚ]

Post by Meleket » 27 Aug 2021, 10:15

ሳይንስ እንተኾነ፡ ሽሕ ግዜ ኵናት፣
ልዕሊ ሳይንስ ጥበብ፡ ኢዩ ብኡነት። :lol:

ኵናት ጥበብ ኢዩ!”፡ ቢሉ ዝመሃረ፣
ወዲ ኤረ ጻዕዳ፡ ጅግና በዓል ቋረ!
:mrgreen:

Post Reply