Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
pushkin
Member+
Posts: 9527
Joined: 23 Jul 2015, 06:10

በጨረቃ መርጠው በፀሐይ ለቅሶ ተቀመጡ አይ ወያኔ!

Post by pushkin » 16 Sep 2020, 03:25

Please wait, video is loading...

Kuasmeda
Member+
Posts: 6384
Joined: 26 Mar 2015, 08:47

Re: በጨረቃ መርጠው በፀሐይ ለቅሶ ተቀመጡ አይ ወያኔ!

Post by Kuasmeda » 16 Sep 2020, 03:32

Please wait, video is loading...


Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: በጨረቃ መርጠው በፀሐይ ለቅሶ ተቀመጡ አይ ወያኔ!

Post by Zmeselo » 16 Sep 2020, 08:29



ሳወት፡ ተወዳደርቱን ተዓዘብቱን ምፍርራሕን ጸቕጥን ይበጽሖም ከምዝነበረ ኣፍሊጡ

https://www.bbc.com/tigrinya/news-54147605.amp

14 መስከረም 2020



ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ኣብ’ቲ ሎሚ ንጉሆ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ከይዲ መረጻ ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ተወዳደርቱን ተዓዘብቱን ዝበጽሐ ‘ምፍርራሓትን ጸቕጥታትን’ ከምዝነበረ ኣፍሊጡ።

ሳወት፡ ነቲ ኣብ ቀረባ መዓልታት ዝተኻየደን፡ ውድብ ህወሓት ብኣዝዩ ልዑል ድምጺ ዝተዓወተሉን መረጻ ኣመልኪቱ ሎሚ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ እዩ ነዚ ዝበለ።

ቲ ብመናእሰይ ዝምራሕ ውድብ፡ መረጻ ትግራይ ንኽካየድ ጻውዒት ከቕርብ ምጽንሑን፡ እቲ መረጻ’ውን ታሪኻዊ ምንባሩን ይገልጽ።

እቲ መረጻ ብምክያዱ ሕጉስ ምዃኑ’ውን እዩ ዝገልጽ።
ብመስዋእቱን ዓወቱን ዘረጋገፆ መሰል ዓርሰ ውሳነን ሉኣላዊ ስልጣኑን ከምዘይዋገ ንዓለም ዘመስከረሉ መረፃ ትግራይ ኣካል ብምዃኑ ኹርዓትን ሓበንን ይስምዖ
ኢሉ ኣብ መግለጺኡ።

እንተኾነ፡ ቅድሚ እቲ መረጻን ኣብ እዋን እቲ መረጻን ነይሮም ንዝበሎም “ሕጽረታትን ዕንቅፋታትን” ዘርዚሩ።

ኣብ ልዕሊ ገዛኢ ውድብ ዘቕረቦም ክስታት

ሳወት ካብ ዘቕረቦም ክስታት ሓደ፡ ኣባላት ገዛኢ ውድብ፡ ቅድሚ እቲ መረጻ ገዛ ንገዛ እናዞሩ
ኣብዚ ኢኹም ምልክት ትገብሩ
ዝብል ጽዕንቶታት ይገብሩ ነይሮም ኢሉ።

ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ተወዳደርቱን ተዓዘብቱን “ምፍርራሕ” ከምዝበጽሖም ይገልጽ።
ንሕፁያት ተመረፅቲ ኣባላትናን ቤተሰቦምን፡ ብናይ ወረዳን ጣብያን መሓውራት ምፍርራሕን ብህዝቢ ከም ፀላኢ ክስርዑ ምሹቕራርን [ነይሩ]
ይብል።

ካብኡ ሓሊፉ ድማ፡ ኣብ ልዕሊኦም
ገዛኢ ውድብ ብሚድያን ብሰነድን ኣደጊፉ፡ ሰፋሕቲ ፀለመታትን ጠቐነታትን
ኣካይዱ ክብል ከሲሱ።
ኣብ እዋን ምሃብ ድምፂን ቖፀራን ንተወከልቲን ንተዓዘብቲን ካብቲ መድረኽ ንምርሓቕ ዝተገበሩ ፅዕንቶታት [ነይሮም]
ድማ ኢሉ።



'ጸገማት ኮሚሽን መረጻ’

ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ኣብ ምጥያሽ ኮሚሽን ጸገም ከምዝነበረ’ውን ጠቒሱ’ሎ።
ፈፀምቲ መረፃ ብፈፃሚ ኣካል መንግስቲ ዝተጣየሹ ምንባሮም
ከም ሓደ ጸገም ከምዝወስዶ እቲ ውድብ ኣፍሊጡ።
ኣብ ናቑጣታት መረፃ ተዓዘብቲ ንምትእንጋድ ድልዊ ዘይምዃን
ካልእ ጸገም ምንባሩ’ውን ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ድማ
ንመረፃ ዘድልዩ ሓበሬታታትን ሰነዳትን ብእዋኑ ዘይምቕራብን ዘይምብፃሕን፡ ኮሚሽን መረፃ በቢ ብርኩ ዘለው መሓውራቱ ብሕግን ኣሰራርሓን መረፃ መሰረት ንምፍፃም
ውስንነት ከምዝነበሮም ድማ ገሊጹ።

እዞም ጸገማት
ኣብ ቐፃሊ ምዕራፍ ፖለቲካ ትግራይ፡ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዝቃለሶም ሕፅረታት
ከምዝኾኑ እቲ ውድብ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ’ሎ።
ብኻሊእ ወገን ብዛዕባ ኣብቲ ስርዓት መረፃ ተመዓዳዳዊ ሓንፈፅ /80/20/ ውክልና ዝምልከት ድማ ውድብና ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ድምፂ ህዝቢ ከይባኽንን ንዝሐሸ ዲሞክራስያዊ ተሳትፎን መንግስቲ ከጣይሽ ዘኽእል ወንበር ዝረኸበ ውድብ ኣብቲ 20% ክሳተፍ የብሉን ብምባል እቲ ኣዋጅ መረፃ ክወፅእ እንተሎ ኣጥቢቑ ዝተሟጎተሉ ነጥቢ ዝነበረ ዋላ እንተኾነ ኣብቲ እዋን ተቐባልነት ኣይረኸበን። ድሕሪ ኣዋጅ ምፅዳቕ ግን ውድብና ኣብ ምኽባር ሕጊን መትከላዊነትን ዝኣምን ውድብ ስለ ዝኾነ ውፅኢት መረፃ በቲ ኣዋጅ መሰረት ጥራሕ ክፍፀም ይፅውዕ
ድማ ኢሉ።

ኮምሽነር ኮምሽን መረፃ ትግራይ መምህር ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም ግና
ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ተዓዘብቶም ከየቕርቡ ኣይከልከልናን
ኢሎም::

ኣብ ጣብያታት መረፃ፡ ገጠራት ትግራይ ፀገማት ነይሮም ዝብል ክሲ እውን ብግልባጡ ንፃዕሪ ኣፈፀምቲ ዘህስስን ከይረኣኻ ምፍራድን እዩ ብምባል ነቲ ጥርዓን ነፂጎም።


Fiyameta
Senior Member
Posts: 12331
Joined: 02 Aug 2018, 22:59

Re: በጨረቃ መርጠው በፀሐይ ለቅሶ ተቀመጡ አይ ወያኔ!

Post by Fiyameta » 16 Sep 2020, 12:05

It was very easy to throw all Weyane criminals in jail back in 2008, but that wouldn't be painful enough for the blood-thirsty thieves who need to taste their own medicine beyond maximum dosage. It's happening and I love it! :oops: :oops: :oops: :oops:

Post Reply