Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Meleket
Member
Posts: 731
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 08 Sep 2020, 08:59

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና!

36 - ናይ ተኣዝዞ፡ መንፈሳዊ ኃይሊ


ንስኻ ንእግዚኣብሔር ዚያዳ እተሕጕሶ፡ ብመሥዋዕቲ ሰብነትካ ዘይኮነስ፡ ብተኣዝዞኻ ከምዝኾነ ፍለጥ ኢኻ (1ሳሙ 15፡22 ረኣ)። ተጋድሎ ክትገብር ከሎኻ ንሰብነትካ ኢኻ ትሥውዕ፡ ክትእዘዝ ከሎኻ ግን ንፍቓድካ ኢኻ ትሥውዕ። እዙ ካልኣይ መሥዋዕትነት እዙይ፡ ብእግዚኣብሔር ዚያዳ ቅቡል ኢዩ።

ንስኻ ንኵሉ ሃብትኻ መኒንካ ኃዲግካዮ ኢኻ፡ ሕጂ ከኣ ብምሉእ ኃይልኻ ንፍቓድካ ንኽትምንን ተሰናደወሉ። ካብ ተጽዕኖ ፍቓድካ ተገላገልን ናጻ ኩንን። ድልየትካ፡ ንተኣዝዞ ኣህሉቕኻ ንምምላእ ጥራይ እንተኾይኑ፡ ኣብ መንፈስካ ዓቢይ ቅሳነት ክስመዓካ ኢዩ።

ብተኣዝዞ ንፍቕሪ ርእስኻ ኣጥፊእካ፡ ነቲ ደቂ እግዚኣብሔር ብምዃን፡ ዚጥረ ናጽነት ክትረክብ ኢኻ። ንስኻ፡ ብኵሉ ተኣዛዛይ እንተደኣ ኰይንካ፡ ዋላ’ውን ኣብቲ ንኽትእዘዝ ርትዕን ሓቅነትን ዘይትርእየሉ ነገር፡ እንተኾነ ድኅሪ ብዙኅ ጊዜ፡ እግዚኣብሔር በቶም ዚእዝዙኻ ሰባት ገይሩ፡ ካብቲ ንስኻ ትጽበዮ ዝነበርካ ነገርን መደብን ዚዓቢ፡ ኣብ ሕይወትካ ከምዚፈጸመልካ ኪርደኣካ ኢዩ። ብኵሉ ነገር ተኣዛዛይ እንድኅሪ ኮይንካን ብንጹሕ ኅሊና እውን እንተነቢርካ፡ እግዚኣብሔር ካብ ቅኑዕ መንገዲ ከምዘይትወጽእን ብሸይጣን ከምዘይትታለልን ከምዘይጐድኣካን ኪገብርካ ኢዩ።

ብርግጽ፡ እቲ ኵሉ ንሥርዓትካ ዚፃረር ነገር፡ ዕንቅፋት መንፈስ ኢዩ። ኣብ ፍርዲ እግዚኣብሔር፡ ብዛዕባ’ቲ ኵሉ ትእዛዝ-ኣዛዚኻ ክትመልእ ኢልካ ዝገበርካዮ ነገር፡ እትሽከሞ ኃላፍነት የብልካን (ዕብ 13፡17 ረኣ)። ከመይሲ ተኣዚዝካ እትገብሮ ነገር፡ ፍቓድ ኣምላኽ ትገብር ከምዘሎኻ፡ ርግጸኛ ክትከውን ይግባእ። ተኣዝዞ ብእምነት ዚግበር መንፈሳዊ ኃይሊ ኢዩ።

ከምቲ ካብ መንፈሳዊ ንጽሕናን፡ ድኽነትን፡ ተኣዝዞን ሰብነትካ፡ ኵሉ ዓይነት መንፈሳዊ ኃይሊ ዚርከብ፡ ከምኡ ከኣ፡ ካብቲ ኵሉ ኣንፃር እዙ መንፈሳዊ ኃይልታት ዝኾነ ተግባር፡ ኃጢኣት ኢዩ። ሓደ ሰብ፡ ሕይወቱ ንእግዚኣብሔር ዝወፈየ፡ ንመብጽዓ ተኣዝዞኡ ኣኽቢሩ ኪነብር ከሎ፡ ብዛዕባ ውፉይ ሕይወቱ ሕጉስ ኮይኑ ይነብር ከምዘሎ ኢዩ ዚግለጽ።

ንስኻ ከኣ ብተኣዝዞ ትነብር እንተደኣ ኮይንካ፡ እግዚኣብሔር ምሳኻ ኪህሉ ኢዩ። ኣብቲ ኣዚዩ ትሑት ዝኾነ ስራሕ እውን እግዚኣብሔር፡ ብመንፈስ ምሳኻ ኪህሉ ኢዩ። ተኣዝዞ ናብቲ ዝለዓለ ጫፍ ቅድስና፡ ብዝቐልጠፈ ጊዜ ዜብጽሕ መንገዲ ኢዩ። ሓቀኛ ትሕትና እንተደኣ ኣሊዩካ፡ ብገርህነት ክትእዘዝ ኢኻ። ዕቡይ ሰብ ግን፡ ብገርህነት ኪእዘዝ ኣይኽእልን ኢዩ።


ንስኻ ከኣ፡ ሕጉስ ተኣዛዚ ክትከውን እንተደሊኻ፡ ስለምንትይ ይእዙዙኻ ከምዘለዉ ክትፈልጥ ከይደለኻ፡ እሺ ኢልካ ተኣዘዝ። ንዓኻ ተኣዝዞ ኪበሃል ከሎ፡ ብፍቕሪ ተደሪኽካ ዚግበር ሥራሕን፡ ከምኡ እውን ነቲ ከተገልግሎ ብሕይወትካ ዝተወፈኻሉ መደብ እግዚኣብሔር ናጻ ዝኾነ ተበግሶ ደኣ እምበር፡ ብኣስገዳድ ወይ ብፍርሃት ዚግበር ኣይኮነን።

ንፋስን ባሕርን ንፈጣሪኦም ኢዮም ዚእዘዙ (ማቴ 8፡27 ረኣ)፥ ንስኻኸ፡ ነቲ ንኽትፈልጦን ንኸተፍቅሮን ኢሉ ክእለት ዝሃበካ ኣምላኽካ፡ ኣብ ትሕቲ ፍቓዱ ክትገብር ትደሊዶ?
እቲ ክሳብ ጊዜ ሞቱ እናተኣዘዘ ዝነብር ዝነበረ ኢየሱስ (ፊሊጵ 2፡8 ረአ)፡ ንስኻ’ውን በታ ንሱ ዝኸደላ መንገዲ ተኣዝዞ፡ ክትከይድ ኢዩ ዚደሌካ። እምበኣር ነቲ ፍጹም ዝኾነ ተኣዝዞ ወዲ እግዚኣብሔር ኢየሱስ እናዘከርካ፡ በቲ ጐደሎ ዝኾነ ተኣዝዞኻ ሕፈር።

እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኢየሱስ’ኳ ንብዙኅ ዓመት ኣብ ትሕቲ ፍቓድ ክልተ ፍጡራቱ ኮይኑ እናተዋፈረ ዝነበረስ ከመይ ኢልካ ደኣ ንስኻ፡ ፍጡር ክነስኻ፡ ኣብ ትሕቲ ካልኦት ንኽትነብር ዚብርትዓካ?(ሉቃ 2፡51 ረኣ)። እምበኣር ናብ ናዝሬት ከድካ ካብ ኢየሱስ ምእዛዝ ተመሃር። ኢየሱስ ዝሞተ፡ ነቡኡ ክእዘዝ ኢሉ ክንዲ ዝኾነ፡ እቲ ዝበለጸ መሥዋዕቲ ኢዩ ፈጺሙ (ዕብ 10፡5-10፥ 1ሳሙ 15፡22 ረአ)።

ነቲ ካብ መስቀል ዘረር ዚብል ደም ኢየሱስ እንተለሚንካ፡ ንኽትእዘዝ ኃይሊ ክትረክብ ኢኻ፡ ንፍቓድካ ደኣ ናብ ደም ኢየሱስ እልኽ ኣብሎ። እወ፡ ተኣዝዞ ኣርዑት ኢዩ፥ እንተኾነ ምስ ኢየሱስ ኮይንካ እንተተሸኪምካዮ ኪፈዅሰካ ኢዩ (ማቴ 11፡30 ረአ)።

ኢየሱስ ንተኣዝዞ ካብ ዝተወልደሉ ዠሚሩ ክሳብ ዝሞተሉ ጊዜ ክሳብ ክንድዙይ ካብ ኣፍቀራን ተሠውዓላን፡ ተኣዝዞ ዓባይን መለኮታዊትን ነገር ምዃና ኢዩ ዜረድእ (ዮሓ 8፡29 ረአ)። ንስኻ እውን በቲ ኵሉ ክትእዘዝ ኢልካ እትፍጽሞ ነገር፡ ክብርን ሰላምን እትረክብ ይግበርካ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ነሕሉቕ ምእዛዝ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 731
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 22 Sep 2020, 03:56

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)።

37 - ነሕሉቕ ምእዛዝ


ንውሳኔ እቶም ዜመኃድሩኻ ብእምነት ተቐበሎ። እግዚኣብሔር ንደንቆሮ ሰብ እውን ብጥበብ ኢዩ ዚመርሖ። ምስ ፍቓድ ኣሕሉቕካ ሠሚርካ ክትከይድ ብዝጸዓርካዩ መጠን፡ ብኡኡ መጠን ከኣ፡ ፍቓድኻ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ከተሥምሮ ክትጽዕር ኢኻ። ክርስቲያናዊ እምነትና፡ ትእዛዝ ሓለቓ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገልጽ ተግባር ከምዝኾነ ኪነግረና ከሎ፡ ብገዛእ ርእስኻ እትገብሮ ነገር ግን፡ ፍቓድ ኣምላኽ ይኹን ኣይኹን፡ ሓንቲ ነገር እትፈልጦ የብልካን። ንስኻ በቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዝኾነ ፍቓድ ሓለቓኻ፡ ከምትምራሕ ግበር። ክንየው መልክዕ ሰብ ንኣምላኽ ክትርኢ ይግባእ።

ተኣዝዞ ናይ ሕይወትካ ጸሎተ ምሥጋን ኢዩ። ነሕሉቕካ ምስ እትሕጕስ፡ ንእግዚኣብሔር ከምዘሕጐስካ ኮይኑ ክረኣየካ ይግባእ። ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትካ እቲ ካብ ትሕቲ ፍቓድ ኣሕሉቕካ ከይወጻእካ ከምትነብር እትገብሮ ጻዕሪ ንዓኻ ጠቓሚ ኢዩ። እቲ ትእዛዝ ብኣምላኽ ይምጻእካ ወይ በቲ ናይ እግዚኣብሔር ቦታ ኂዙ ዚርከብ ሰብ ይምጻእካ፡ ንኵሉ ተገዲስካ ብሓደ ፈጽሞ ኢኻ።

እግዚኣብሔር ብእምነት ምእንቲ ክትሰርሕ፡ በሕሉቕካ ገይሩ ኢዩ ዚእዝዘካ እምበር፡ ባዕሉ ብቐጥታ ኣይእዝዘካን ኢዩ። ካብቲ ንእግዚኣብሔር ብቐጥታ እትእዘዞ ከሎኻ፡ ምእንቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢልካ፡ ንሰብ ክትእዘዝ ከሎኻ ዝበለጸ ተኣዝዞ ኢዩ። ተኣዝዞ ልቢ፡ ዚውፈ ንፍቕርን ንኣገልግሎት ኣምላኽን፡ ኢዩ። መንፈሳዊ ምጽንናዕ ዚርከብ፡ ንፍቓድካ ኣብ ትሕቲ ኣሕሉቕካ ኣንቢርካ፡ ንፍቓድካ ክትክሕድ ከሎኻ ኢዩ። ምእንትዚ ንስኻ እውን፡ ነቲ ሓለቓኻ ክትገብሮ ዚእዝዘካ ነገር ተገዲስካ ፈጽሞ።

እቲ ዝዓቘርካዮ፡ ብዙኅ ጥበብን ፍልጠትን ናብ ዕሽነት ከይመርሓካ ተጠንቐቕ ደኣ። ጥበበኛ ዅን፡ ክብለካ ከሎኹ፡ ንጥበብካ ብትዕግሥቲ ተጠቐመሉ ማለተይ ኢየ። ተኣዝዞካ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዚያዳ ፍጹም ዝኸውን፡ ኣብ ጽንኩርን፡ ተጸላእን ነገር እሺ ኢልካ ክትእዘዝ ከሎኻ ኢዩ። ብዙኅ ጊዜ፡ እግዚኣብሔር ሕሱማት ሰባት ኪምረጹ ዚፈቕደሉ ምኽንያት፡ ናይቶም ዜፍቅሮም ሰባት መንፈሳዊ ኃይሊ ምእንቲ ኪምዕብል ኢሉ ኢዩ።

ክእለት ሓለቓኻ ብዝወሓደሉ መጠን፡ ጻማ ተኣዝዞኻ ዝበዝኄ ኢዩ ዝኸውን። ንኼመኃድር ዝተመዘዘ ሰብ፡ ኣብ ቤተ ኣምላኽ፡ እቶም ካልኦት ከመይ ኢሎም ኪነብሩ ከምዘለዎም ብኣብነቱ ከርእዮም ኢዩ ዚግባእ። እንተኾነ ግን፡ ብዙኅ ጊዜ ሕያውነት ሓለቓ በቲ ሕያውነት ዜጋታቱ ስለዚውሰን፡ እቲ ሓለቓኻ ብጠባዩ ዘይምስገን እንተኾይኑ፡ ነቲ ዘመኃድረካ ዘይኮነስ ንባዕልኻ ደኣ ንቐፍ።

እዚ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ “መማህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም ኣለዉ። ስለዚ ንሳቶም ዚብልኹም ኵሉ ግበሩን ሓልዉን፥ ግናኸ ንሳቶም ይብሉ ደኣ እምበር ኣይገብሩን ኢዮም እሞ ከምቲ ዚገብሩዎ ኣይትግበሩ” (ማቴ 23፡ 2-3)። ነሕሉቕካ እንተተኣዚዝካ፡ ጌጋ ትእዛዝ ብምሃብ ንሳቶም ኪጋገዩ ይኽእሉ ደኣ እምበር፡ ንስኻ ከቶ ኣይትጋገን ኢኻ።

ትእዛዝ ኣሕሉቕካ ምስ ናትካ ሓሳብ ዚሰማማዕ እንተኾይኑ ተኽብሮ ትኸውን ኢኻ፡ ግን ምናልባት ዘይሰማማዕ እንተኾይኑ ብዙኅ ኣይተኽብሮ ትኸውን ትኸውን’ሞ፡ ነሕሉቕካ ከምትእዘዞም ግበር ደኣ እምበር፡ ኣሕሉቕካ ንዓኻ ከምዝእዘዙ ኣይትግበር።

ነቲ ዝተኣዘዝካዮ ነገር ክትፍጽሞ ከሎኻ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እቲ ዝበለጸ ተግባር ከምትገብር ኣይትረስዕ። ሰብኣዊ ባህርይኻ ኣብ ትሕቲ ሰብ ካብ ምንባር፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ክትነብር ኢዩ ዚደፋፍኣካ። ግን ብመንፈሳዊ ጥቕሚ ክንርእዮ ከሎና፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኮይንካ ካብ ምእዛዝ፡ ኣብ ትሕቲ ካልኦት ኮይንካ ፍቓድ ካልኦት ምምላእ ክንደይ እኳ ደኣ ይሓይሽ!

ንፍቓድ ሓለቓኻ ከም ገዛእ ፍቓድኻ ገይርካ ረኣዩ። ተኣዝዞኻ ናብ ቅድስና ዚቕየርን ምስቲ ዝተቐደሰን ዝተባረከን ፍቓድ ኣምላኽ ከኣ ዚወሃሃድ፡ ንስኻ ምእንቲ መንፈሳዊ ተኣዝዞ ኢልካ ነቲ ዝኸበረ ናይ ልብኻ ፍቕርን ነቲ ጽኑዕ ዝኾነ ናይ ኅሊናኻ እምነትን፡ ምስ እትሥውዕ ኢዩ።


ኣብ ቀጻሊ ክፋል “መንፈስዊ ኃይሊ ትዕግሥቲ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 731
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 03 Oct 2020, 03:53

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና!

38 - መንፈስዊ ኃይሊ ትዕግሥቲ


መንፈሳዊ ሰብ ክትከውን እንተደሊኻ፡ ሓደ ካብቶም ቅድሚ ኵሉ ከተጥርዮ ዚግብኣካ መንፈሳዊ ኃይሊ፡ ትዕግሥቲ ኢዩ (1ጢሞ 6፡11 ረአ)። ቍጥዓ ዕረ ኪኸውን ከሎ፡ ትዕግሥቲ ግን መዓር ኢዩ፥ ቍጥዓ ከድክመካ ከሎ፡ ትዕግሥቲ ግን የበርትዓካ ኢዩ፤ ቍጥዓ ንኽፉእ ዝንባሌ ዜለዓዕል ኪኸውን ከሎ፡ ትዕግሥቲ ግን ንቝጥዓ ዜዝሕል ኢዩ፥ ትዕግሥቲ ጥበብ ኪህበካ ከሎ፥ ቍጥዓ ግን ንብርሃን ኣእምሮኻን ንልዕልና ሓሳብካን ዜጸልምት ኢዩ፥ ትዕግሥቲ ንርእስኻ ከምትቋጻጸር ኪገብረካ ከሎ፡ ቍጥዓ ግን፡ ንኽእለትን ኃይሊ ነፍስኻን ዚበታትን ኢዩ።

ቁጡዕ ሰብ ዕግርግር ኪፈጥር ከሎ፡ ትዕግሥተኛ ግን ንዕግርግር ዜህድእ ኢዩ (ምሳ 15፡18 ረኣ)፡ ትዕግሥተኛ ሰብ ኃይሊ ካብ ዘለዎ ሰብ ይበልጽ፥ ንርእሱ ዚመልኽ ሰብ፡ ካብቲ ኣብ ውግእ፡ ከተማታት ጸላኢኡ ዚወርር ይኅይል (ምሳ 16፡32 ረአ)፥ ትዕግሥተኛ ሰብ፡ ሕስብ ኣቢሉ፡ ብቕንዕና ዚሰርሕን፡ ከየዕዘምዘመ ንበደል ዚዕገሥን ኢዩ።

ንስኻ ከኣ፡ ኣብ ሕማቕ መዓልቲ ህይወትካ፡ ትዕግሥቲ እንተገይርካ፡ ካብ ፈተናኻን ስቓይካን፡ ጥቕምን ትርጉምን ክትረኽበሉ ኢኻ፥ ነዙ ኵሉ ከኣ ጽቡቕ ፍረ ከምዚፈሪ ገይርካ፡ ብታሕጓስ ክትሥዕሮ ኢኻ። ከመይሲ ትዕግሥቲ፡ ንመከራን ንስቓይን ጥዑም ኢዩ ዚገብሮ፡ ትዕግሥቲ ዘይምግባር ወይ ምቝጣዕ ግን፡ ናብቱ ዝኸፍኤ ጥርዙ ኢዩ ዜብጽሖ። ትዕግሥቲ እንተገይርካ፡ ነቲ መዋጽኦ ዘይረኣየሉ ዝነበረ ጽንኩር ነገር የቕልሎ። ንስኻ፡ ከይተሸበርካ ክትዕገሥ ከሎኻ፡ ዋላ እውን ኣብ ሽግርካ ፈጺምካ ወይ ምሉእ ብምሉእ ኣይትገላገል እምበር፡ እዙይ ንገዛእ ርእሱ ዓቢይ ጸጋ ኢዩ። ንስኻ ንዕቤት ትሕትናኻን ትዕግሥትኻን ክትመዝኖ እትኽእል፡ ብፈተና ጊዜ ጥራይ ኢዩ።

ንገዛእ ርእስኻ እውን ትዕግሥቲ ክትገብር ኢዩ ዚግብእካ። ንኣብነት፡ ንርእስኻ ከተመሓይሽ ኢልካ ብዙኅ ጽዒርካ፡ ከምቲ እትብህጎ እንተዘይኮይኑልካ፡ ምስ ገዛእ ርእስኻ ትዕግሥቲ ክትገብር ኣሎካ። እቲ ንኻልኦት ኣብ ጸገሞም እትልግሶ ጽቡቕ ምኽሪ፡ ንባዕልኻ ለግሶ ኢኻ። ብዙኅ ጊዜ፡ እግዚኣብሔር ንጸሎትካ ምቕባል ዚድንጕየካ፡ ትሩፋትካ ምእንቲ ኬብዝኃልካ ኢሉ ኢዩ።

ብትዕግሥቲ ምስቓይ፡ ፍሉይ ምልክት ፍቕሪ-እግዚኣብሔር ኢዩ። ትዕግሥቲ፡ እግዚኣብሔር ንዚህበካ መስቀል ተሓጕስካ እሺ ኢልካ ብምቕባልካ ደኣ እምበር፡ ባዕልኻ ብኢደ ወነንካ እትገብሮ ነገር ስለ ዘይኮነ፡ እዙይ ንስራሕኻ ፍጹም ኢዩ ዚገብሮ (ያዕ 1፡4)። ብርግጽ ትዕግሥቲ፡ ንቅዱሳን ኢያ ትፈጥር (ያዕ 1፡4)። ብጊዜ ቅሳነት፡ ኣባኻ፡ ብዘይካ እቲ ናይ ትዕግሥቲ መንፈሳዊ ኃይሊ፡ ብዙኅ ካልእ መንፈሳዊ ኃይሊ ተገሊጹ ኪረኤ ይከኣል ኢዩ።

ትዕግሥቲ ካብ ኵሉ መንፈሳዊ ኃይሊታት እታ ዝበለጸት ሓርበኛ ኢያ፥ ስለምንታይ፡ ንሳ ናይ ሓርበኛ ምስሊ ስለ ዘይትገልጽ ኢያ። ንዝጸርፉኻ እንተተዓጊስካን፡ ንጸላእትኻ እንተፍቂርካን ብውሽጥኻ ሳምዕ ክትከውን ኢኻ። ስቓይ ኣብ ሰብነትካ ከየርኣኻ ኣብ ውሽጥኻ ክትሳቐ ኢኻ።

ብትዕቢት ሕቶ ንዜቕርበልካ ሰብ ብገርህነትን፡ ብምስትውዓልን፡ ብለዋህነትን፡ ክትምልሸሉ ጽዓር። ንቑጡዕ ሰብ፡ ብትዕግሥትኻን ብልኡም መልስኻን ክትከስቦ ኢኻ። ንኻልኦት ጽቡቕ ነገር እተምህር፡ ኣብ ሕይወትካ ዚገጥመካ ሕማቕ ነገር ብትዕግሥቲ ዓቕሊ ብምግባር ደኣ እምበር፡ ብሓሳብ ጥራሕ ምምሃር ኣይኣክልን ኢዩ (ምሳ 19፡11 ረኣ)።

ኣስተውዕል፡ ንገዛእ ርእስኻ ኣመና ርኅሩኅ እንተደኣ ኮይንካ፡ ንኻልኦት ግን ዘይተናሕሲ ጨካን ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ብናይ ብጻይካ ኣመል ትዕግሥትኻ ዚጐድል እንተኾይኑ፡ ገና ኣብ ፍጽምና ከምዘይበጻሕካ ግሁድ ኢዩ። እቲ ንውራይ ርእሱ ዕሽሽ ኢሉ ብውራይ ብጻዩ ዚሻቐል፡ ዓሻ ኢዩ።

እግዚኣብሔር ብሰንኪ ኃጢኣትና፡ ማዕረ ክንደይ ከምዚዕገሠና እሞ ሕሰብ! እግዚኣብሔር ንዅራ ደንጓዪን በዓል ምሉእ ምሕረትን ኢዩ። ንሱ ከም ብዝኂ ኃጢኣትና ኣይቐጽዓናን ኢዩ (መዝ 103፡8 ረአ)፡ እንታይደኣስ ኵላትና ኣብ ጣዕሳ ኃጢኣትና ንኽንበጽሕ፡ እሞ ክንጠፍእ ስለ ዘይደሊ፡ ብትዕግሥቲ ኢዩ ዚጽመመና (2 ጴጥ 3፡9፥15 ረአ)።

ኣብ ቅድሚ እቲ ክፉእ ዝኾነ ተግባር ርጉማት፡ ኢየሱስ ኪዅርየልካ እንተዘይደሊኻ፡ ንቍጢዓኻ ኣህድእ ኣብሎ (ሉቃ 9፡55 ረአ)። ሓቀኛ ትዕግሥቲ፡ ካልኦት ኪጐድኡኻ ከለዉ፡ ናይ ቍጥዓ ምልክት ከየርኣኻ፡ ብህዱእ መንፈስ ክትጻወሮም ከሎኻ ኢዩ።

ነቲ ወልደ እግዚኣብሔር ዝኾነ ኢየሱስ ኣብ ሕማማቱ ውርደትን መከራን ዝተጻወሮ ኵሉ እሞ ሕሰብ!። ናብ ቤት ማእሰርቲ ተጐቲቱ ከም ዚውሰድ በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን (ኢሳ 53፡7 ኦዘ 11፡19 ረኣ)። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንድዙይ ዚኣክል ስቓይ እናተሳቐየ ከሎ፡ ንስኻ ግን ንመስቀልካ ኣውሪድካ ካባኻ ትድርብዮ። ኢየሱስ ንጹሕ ክነሱ፡ በዣ ኃጢኣት ካልኦት ኪሳቐ ከሎ፥ ንስኻ ግን ብሰንኪ ኃጢኣትካ ትሳቐ ዘሎኻ ኢኻ።

ኢየሱስ ንጹሕ በጊዕ እግዚኣብሔር ኪኸውን ከሎ፥ ንስኻ ግን ዝጠፋኤት በጊዕ ኢኻ። ኣብ ሕማቕን ኣብ ፈተና ጊዜን ካብቲ ኣዚዩ ትሑት ዝኾነ ኢየሱስ ለዋህነትን ትዕግሥትን ተመሃር። ንስኻ እውን እቲ ኣብ ልቢ ኢየሱስ ዝነበረ ስቓይን ድኽነትን ምናኔን ከምናትካ ገይርካ፡ እንተዘይ ኣጥሪኻዮን ፍቕሪ ብዝመልኦ ትዕግሥቲ እውን እንተዘይጸርካዮ፡ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትካ ብዙኅ ስጕምቲ ዝገበርካ ኣይምሰልካ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ሕያውነት፡ ብርቱዕ ኃይሊ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 731
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 17 Oct 2020, 02:26

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)።

39 - ሕያውነት፡ ብርቱዕ ኃይሊ


ንርእስኻ ቅጻዕ፡ ምስ ካልኦት ግን፡ ሕያዋይን ለጋስን ክትከውን ጽዓር። ሕያውነትን ለዋህነትን፡ ዕምባባ ፍቕርን ፍረ መንፈስ ቅዱስን ኢዩ (ገላ 5፡22 ረአ)። ሕያውነትን ለዋህነትን ንልቢ፡ ቂምታ ካም ምኃዝ ኪዕቅቦ ከሎ ንጸርፍን ንበደልን ከኣ፡ ተዓጊሱ ኪጻወሮ ከሎ፡ እዙይ ሓቀኛ ሕያውነትን ለዋህነትን ምዃኑ የረጋግጽ (ምሳ 19፡11 ረአ)።

ለዋህ ምዃን ማለት፡ ኣብ እምነትን ኣብ ፍቕርን ተመሥሪትካ ብትሕትና ንእግዚኣብሔር ምግልጋል ማለት ኢዩ ገላ (5፡22)። ንዜሳድደካ ብሕያውነትካ ገቢርካ ሠዓሮ። ንትዕቢተኛን ስዲ ንዝኾነ ሰብ እውን፡ ኵሉ ጊዜ ብሕያውነት ንኽትምልሸሉ ጽዓር። ዝበሉ እንተበሉኻ፡ ብኵሉ ኣገባብራኻ ሕያዋይ ኩን፥ ብሕርቃን ኣይትሸነፍ።

ቂምታ ብምኃዝ ሕነኻ ብምፍዳይን፡ ወትሩ እናተጠዓስካሉ ክትነብር ኢኻ። ንኽፉእ ነገር ብጽቡቕ ነገር ከምተሸንፍ ደኣ ግበር እምበር፡ ብኽፉእ ኣይትሸነፍ (ሮም 12፡21 ፥ 13፡10 ፥ 1ተሳ 5፡15)። ንኽፉእ ዘረባ ብጽቡቕ ዘረባ ንኽትምልሸሉ ጽዓር። ካብ ብኃይልኻ ተኸላኺልካ እትረኽቦ ጥቅሚ፡ ኣብ ኣካልካ ግፍዒ ወሪዱካ፡ ብትዕግሥቲ ተጻዊርካዮ፡ እትረኽቦ ጥቕሚ ይበዝኅ። ለዋህነት ንልቢ ናብ ሕያውነትን ተስፋ ናብ ምግባርን ኪድርኾ ከሎ፡ ኃይሊ ግን ንልቢ ዜቐይምን ዚሽጕርን ኢዩ።


ብዓያሹ እንተተወቐስካ፡ ኣንፃሮም ክንዲ ትቍጣዕ፡ ነቲ መሠረት ዘይብሉ ናይ ሓሶት ወቐሳ ምሒርካ፡ ነቲ ንኺወቕሱኻ ምኽንያት መለዓዓሊ ኮይኑ ዘሎ ነገር፡ ክተጥፍኦ ጽዓር። ንጸርፍን ንሕሜታን ክንድቱይ ግዲ ከይሞትካሉ ሸርተፍ ምባልን፡ ካብ ምዅራይን ሕነኻ ካብ ምፍዳይን፡ እቲ ዝሓሸ ኣገባብራ ኢዩ። ሐደ ሰብ ኣዀሪዩካ እንተደኣ ኾይኑ፡ ምስኡ፡ ብሕያውነትን ብጣዕምን ንኽትዛረብ ጸዓር። ከምኡ እውን ኣብ እተካይዶ ክትዕ፡ ከምቲ ንስኻ እትሓስቦን እትኣምኖን እንተዘይኮይኑ፡ ንልቢ ሰብ ብኃይሊ ቃል ከየቐየምካ፡ ንኽትረዳዳእ ጽዓር።

ነቲ ክትቅበሎ ዘይትኽእልን ዘይትኣምነሉ ነገርን፡ ብጽቡቕ ዘረባን ብህያውነትን ክትነጽጎ ትኽእል ኢካ። ጽቡቕ ሓሳብ ወይ ጽቡቕ እማመ ከተቕርብ ክትደሊ ከሎኻ ከኣ፡ ልቢ ሰብ ናባኻ ንምስሓብ ብሕያውነትን ብጥዑም ዘረባን ከተቕርቦ ከሎኻ፡ ጥዑም ምግቢ ከም ምቕራብ ኢዩ። ዘረባኻ ኵሉሻዕ ብሕያውነት ዝተቓመመ ኪኸውን ይግባእ፥ ኣብ ልቢ ዝተሓንጸ ዘረባ እንተደኣ ተዛሪብካ፡ ጸመማት እውን ኪሰምዑኻ ኢዮም።


ኣብ እተወድአ ዘረባን፡ ወግዕን፡ክትዕን፡ ዝወግእ ዘረባ ኣብ ክንዲ ምዝራብ፡ ፍቕሪ ዘመኃላልፍን፡ ልዋምን፡ ልዙብን ዝኾነ ቃል ምምራጽ ይሕሸካ። ንኣብነት፡ ልብኻ ተረቢሹ እተሊዩ፡ ኣይትዛረብ። ዝተረበሸ ልቢ፡ ንርእሱ ኪቘጻጸር ኣይኽእልን ኢዩ። ንሰብ፡ ናብ እግዚአብሄር ንምቕራብ፡ ኃይሊ ሕያውነት፡ ብርቱዕ ኢዩ’ሞ፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሕያውነት ክትዛረብ ጽዓር። “ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ፡ ተሪር ቃል ግና ንዅራ የለዓዕሎ” (ምሳ 15፡1)።

ጥዑም ዘረባ ፈተውቲ ኢዩ ዘብዝኃልካ፡ ልዙብ መልሓስ ኣብ ቅድሚ ብዙኃት ተፈታዊ ኢዩ ዚገብረካ (ሲራ 6፡5)። እግዚኣብሔር ምስ ፈታዊ ሰላም ዝኾነ ሰብ ኢዩ ዚነብር፥ ካብ ተበኣሳይ ሰብ ከኣ ይርሕቕኻ። እምበኣር ብሓቂ ንእግዚአብሔር ተፍቅሮ እንተኾይንካ፡ ካብ ክፉእ ጊዜ እውን ንሕውነትካ ከየጥፋእካ ክትነብር ኢኻ። ነፍስኻ ዕረፍቲ ክትረክብ እንተደሊኻያ ለዋህነትን ትሕትናን ካብ ኢየሱስ ተመሃር (ማቴ 11፡29)። እቲ ዝዓበየ ግልጸት ሕያውነትን ለዋህነትን ኣምላኽ፡ ባዕሉ ኢየሱስ ኢዩ (ማቴ 12፡18)።


ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ክእለት ልዝብ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 731
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 30 Oct 2020, 09:13

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

40 ክእለት ልዝብ

ተላዚብካ ምኽኣል ሕድሕዳዊ ጽቡቕ ድላይ ሕያውነትን፡ ምክብባርን፡ ፍቕርን፡ ኢዩ ዜድሊዮ፥ እዙይ ከኣ፡ ድኅነትካ ካብቲ ናይ ብጻይካ ድኅነት ፈሊኻ ክትርእዮ ስለ ዘይከኣል ኢዩ። ጽቡቕ ልዝብ ንምክያድ፡ ቅድሚ ኵሉ፡ ንኵሉ ሰብ ምኽባር፥ ከምኡ እውን ምስ ኵሉ ሰብ ሓቀኛ ምዃን ይግባእ። ልዝብ ዘይብሉ ሰብ ሓቀኛ ዕርክነት እውን ኣይርከቦን ኢዩ። ተላዝቦ መሠረት ስኒትን ሓድነትን ኢዩ። ንኽትሰማማዕ፡ ንኽትረዳዳእ፡ ልዕሊ ኵሉ ግን፡ ንኽትፋቀር ምልዛብ ኣድላዪ ኢዩ።

ተላዚበ እኽእል ኢየ እትብለሉ፡ መኣስ ኢዩ፡ ነቲ መዛርብትኻ ንምሉእ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባኡ ቅኑዕን ርቱዕን ሓናጽን ይኹን ኣይኹን ምስ ትቕበሎ ኢዩ። ንኣብነት፡ ምስ ሓደ ሰብ ክትዛረብ ከሎኻ፡ ጽን ኢልካ ትሰምዖ እንተኾይንካ፡ ንኺዛረብን ሓሳቡ ንኺገልጽን፡ ሕቶ ንኸቕርብን ተራ ትህቦ እንተዀይንካ፥ ከምኡ እውን ነቲ መዛረብትኻ ዜቕርቦ ሓሳብ ብኣኽብሮትን ብርግኣትን ብሕያውነትን ትሓስቦን ተስተውዕለሉን እንተኾይንካ ኢዩ ተላዝቦ ምክያድ እኽእል ኢየ ክትብል እትኽእል።

ቅድሚ ኵሉ እቲ ዜድሊ ነገር፡ ሓናጺ ዝኾነ ናይ ነቐፈታ ሓሳብ ኣቕሪብካ ምኽኣል ኢዩ፥ እዙይ ከኣ ንኻልኦት ብስም ምንቃፍ ዘይኮነስ፡ እንታይደኣ ብቕሱን መንፈስ፡ ልብኻን ኣእምሮኻን ከፊትካ፡ ብሕያውነት፡ ምስ ካልኦት ብኽፉት ልቢ ተላዚብኻ ምኽኣል ኢዩ። እምበኣር ምልዛብ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፡ ንጽቡቕን ንሕማቕን ጐድንኻ ኣለሊኻ ምኽኣልን ናይ መዛርብትኻ ውልቃዊ ጸገም ምርዳእን ይግባእ፥ ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተሰማማዕካሉ ነጥቢ፡ ሕድሕካ ንምቅርራብ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ድኅሪ ምክያድ፡ ንሓቂ ከይበደልካ፡ ኣብቲ ናይ ኃባር ነጥቢ ምብጻሕ ይግባእ።

ንስኻ እውን ከም ወዮም ከምኦም ገይሮም ዘይሓስቡ ሰባት ከም ጸላእቶም ገይሮም ዚርእይዎም፡ አይትኹን። ክልተ ዝተፈላለየ አረኣእያ ዘለዎም ሰባት እውን፡ ኣዕሩኽ ኪኾኑ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ሓሳብ ዘለዎም ሰባት እውን፡ ሓድነት ኪቘውም ይኽእል ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝመሰለ ኵነት ኢዩ እምበኣር፡ እቲ ናይ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ፍልልይ መሊሱ ምእንቲ ከይገፍሕ፡ ዘይሕለል ጻዕሪ ተላዝቦ ምክያድ ዜድሊ።

ብሓጺሩ ተላዚብካ ምኽኣል ማለት፡ ክልተ ሰብ ኣብ ናይ ኃባር ነጥቢ ንምብጻሕ ዚገብርዎ ናይ ልብን ኣእምሮን ሓቀኛ ሕድሕዳዊ ምኽፋት ኢዩ። ንስኻ እውን ምስ ኃውካ፡ ሓቀኛን ልባውን ዝኾነ፡ ምይይጥን ምርድዳእን ከተካይድ እንተደኣ ደሊኻ፡ ናቱ ኣረኣእያ ክትግንዘብ የድሌካ፥ ሓሳቡ ክትርዳእ ኢልካ ዝከኣለካ ጻዕሪ ግበር፥ ንዓለም በቲ ናቱ ኣዒንትን፡ ስግኣትን፡ ሃረርታን፡ ስቓይን ክትርእዮ ጸዓር። ምስ ካልኦት ብሓሳብ ክትማጐት እትኽእል ካባኻን፡ ካብ ውሽጥካን፡ እንድኅሪ ወጺእካ ጥራይ ኢዩ።

ንሓሳብ መዛርብትኻ፡ ብቕንዕና ተቐቢልካ ኣጽንዓዮ፡ እቲ ሓሳብ ጽቡቕ እንተኾይኑ ልበሶን ናትካ ግበሮን። ናይቲ ብቕንዕና ኣብ ነፍሱ ይኹን ኣብ ካልኦት ይኹን ንሓቂ ዚደልያ ሰብ ጠባይ ከምዙይ ኪኸውን ኢዩ ዚግባእ። ተላዝቦ፡ ኣብ ግዳማዊ ሕይወትካ ይኹን ኣብ ምዕባለ ኣእምሮኻ ይኹን፡ ዓቢይ ጥቕሚ ዘለዎ ሜላ ኢዩ። ብርግጽ፡ ጻዕሪ ኵሉ ሰብ፡ ንሓቂ ምድላይን ንሓቂ ምጭባጥን ይኹን እምበር፡ ሓቂ ኪበሃል ከሎ፡ ምሉእ ብምሉእ፡ ኣብ ሓደ ቦታ ጥራይ ኣይኮነትን ትርከብ።

ኵሉ ሰብ ንሓቂ እናናደየ ከምዚነብርን፡ ድኅሪ እዙ ኵሉ ምንዳይ ከኣ፡ ሕጂ ረኸብኹዋ፡ ሕጂባ ኃዝኩዋ ኪብል ከምዘይኽእልን ምስ ተረድኣካ ኢኻ፡ ንስኻ እውን ከም ሰብ መጠን ክትጋገ ከምትኽእል ዚርድኣካ’ሞ ንፉዕ ተላዛቢ ክትከውን እውን እትጅምር። እዙ ኵሉ መንገዲ ምስ መዛርብትኻ ኃቢርካ ምስ ከድካ፡ ትርጉም ተላዝቦ እናቐየረ ይኸይድ እሞ፡ ንኃባራዊ ጸገምካ ብሓንሳብ ኮይንካ ምፍታሕ ማለት ከምዝኾነ እውን ይርድኣካ።

ምእንትዙይ ኣብ እተካይዶ ዘረባን ክትዕን፡ ክሥዕር ኢልካ ካብ እትጽዕር፡ ንኸተረድእ ኢልካ ተዛረብ ክትኵንን ኢልካ ካብ እትጽዕር ንኽትመያየጥ ኢልካ ጸዓር። ምይይጥካ ካብ ልብኻ ዚወጽእ፡ ሓቀኛ ከምዚኸውን ግበር፥ እቲ ንዝኾነ ይኩን ሰብ ክትብሎ እትደሊ ነገር፡ ብሕያውነትን፡ ብሓቅነትን፡ ብገርህነትን፡ ከይተጻረፍካን ከይሓጨጭካን፡ ተዛረብ። ምስ መልሓስካ ሓደ ውዕሊ ክትገብር ጽዓር፥ እዙይ ከኣ፡ ልብኻ ዘይሃድኤ እንተኾይኑ፡ ካብ ኣፍካ ሓንቲ ቃል ከይተውጽእ መሓል።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ጥቅሚ ፍሽኽታ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen: :mrgreen: :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 731
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 04 Nov 2020, 03:08

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)።

41 ጥቅሚ ፍሽኽታ


ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ፣ ብፍሽኽታኻ፡ ንኽንደይ ፍሽኽ ከምዘበልካ እንተትፈልጥ። ንኽንደይ ሰባት ታሕጓስን ተስፋን ኣብ ልቦም ከምዝመለስካሎም ከኣ ምፈለጥካ ነይርካ። ንእትፈልጦ ኵሉ ሰብ፡ ኣብ ልቡ ሓጎስ ከተኅድረሉ ጽዓር፡ ጕንጕን ዕንባባ ኣብ ልዕሊ መቓብር ካብ ምንባር፡ ፍቕሪ ኣብ ውሽጢ ልቢ ሰብ ከተንብር ጽዓር። ንእግዚአብሔር እውን፡ ንፍቓዱ ብፍቕሪ እናመላእካ፡ ፍሽኽ በሎ ኢኻ (ምሳ 17፡22 ረኣ)። ኣብቲ ዝኸፍኤ ስቓይ ሕይወትካ እውን፡ ቅሳነትን፡ ታሕጓስን፡ ፍሽኽታን፡ ካብ ገጽካ ኣይሠወር። ምእንቲ ገዛእ ጥቕምኻ ኢልካ ጥራይ ግዲ ከይሞትካ፡ ንኻልኦት ጽቡቕ ንኽትገብር ጽዓር።

ሽሕኳ ብሕማም ተደኒስካ እንተዀንካ፡ ንእሽቶ እውን ትኹን፡ ገጸበረከት ፍሽኽታኻ ከየቕረብካሉ፡ ንዋላ ሓደ ካባኻ ኣይተፋኑዎ። በጻሕትኻ ልዕሊ ኵሉ ነገር፡ ነቲ ብፍሽኽታኻ ዚበርሄን ዝተዀልዔን ገጽካ ብምርኣይ፡ ናባኻ ኪስሓቡን ኪድነቑልካን ኢዮም፡ ኣብ ሽግሮም ከኣ፡ እምነትን፡ ተስፋን፡ ዓቕልን ገይሮም ከምዚሳቐዩ ኪገብሮም ኢዩ።

ኣብ ሕይወትካ ይኹን ኣብ ሕይወት እማትካ፡ ዝበዝኄ ታሕጓስ ከተእቱ ኢልካ እንተትጽዕር፡ ንእግዚአብሔር ብዙኅ መሐጐስካዮ ነይርካ። ምሉእ ሰብነትካ ብታሕጓስን፡ ብቅሳነትን፡ ብሰላምን፡ እንተደኣ ደሚቑ፡ እግዚአብሔር ነፍሳት ናብኡ ከተምጽኣሉ ክመርጸካን ክምዝዘካን ኢዩ። ብሓደ ንጹሕ ዝኾነ ፍሽኽታ ጥራይ፡ ክንደይ ሠናይ ነገር ክትገብር ከምትኽእል ኣይትዘንግዕ።

ፍሽኽታ፡ ኣዕሩክን ፈተውትን ንምጥራይ እቲ ዝበለጸ ነገር ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ። ብፍሽኽታ፡ ኣብ ልቢ ሰብ፡ ሽዑን ሽዑ ኢኻ መንፈስ ዕርክነት ተኅድር። ሓድሓደ ጊዜ፡ ክትብሎ እትደሊ ቃል ምምጻእ ምስ ዚኣብየካ፡ ሽዑ ፍሽኽታኻ፡ ካብቲ ደሊኻ ዝሰኣንካዮ ቃል ዝበለጸ ትርጉም ኂዙ ኢዩ ዚርከብ። ነቲ ካብ ብዝኂ ህልውና ኣምላኽ ዝተላዕለ፡ ኣብ ውሽጥኻ ሰፊሩ ዘሎ ሓጎስ፡ ንኻልኦት እውን ኣካፍሎ። ንዝልምነካ ድኻ፡ ሓንቲ ነገር ክትተዀበሉ’ኳ እንተዘይኸኣልካ፡ ካልእስ ይትረፍ፡ ንልቡ ዚኸፍተሉን ንነፍሱ ደስ ዜብሎን ፡ ፍሽኽታኻ ለግሰሉ።

ንገለ ሰባት፡ ህያብ ምስ ትገብር፡ እቲ ህያብ ምስ ፍሽኽታኻ ኣሰንዮ። ህያብ ብዘይ ፍሽኽታ፡ ማለት ዕምባባ ብዘይ መዓዛ ማለት ኢዩ። እግዚአብሔር ዚፈቱ ተሓጕሱ ንዚህብ ኢዩ (2ቆሮ 9:7 ረኣ)። ኣብ ሕይወትካ፡ ንእግዚአብሔር ይኹን ንሰብ፡ ንሕያዎት ይኹን ንርጉማት፡ ንሠናይ ጊዜ ይኹን ንኽፉእ ጊዜ፡ ብሓጎስ ይኹን ብሓዘን፡ ንሕይወት ይኹን ንሞት፡ ፍሽኽ ምባል እንተኽኢልካ ብሓቂ ዕድለኛን ብፁዕን ኢኻ!። ብዛዕባ እግዚአብሔር፡ ብሕይወትካ ክትህቦ እትኽእል ዝበለጸ ምስክርነት፡ ንዕኡ እናገልገልካ ምስኡ ክትነብር ከሎኻ፡ ኣብ ገጽካ ሓጐስ ዜንጸባርቕ እንተኾይኑ ጥራይ ኢዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ኣብ ዘረባኻ፡ ጥንቑቕ ኩን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 731
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 14 Nov 2020, 02:56

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና!

42 - ኣብ ዘረባኻ፡ ጥንቑቕ ኩን


ውሽጣዊ ምሥጢር መንፈሳዊ ሕይወትካ፡ ብዘይምኽንያት ንኻልኦት ኣይትግለጽ። ምሥጢርካ ብዘይምኽንያት ንኻልኦት ትገልጾ እንተደኣ ኮይንካ፡ ኣብ ውሽጢ ምዓሙቕካ ኣእቲኻ ክትዓቝሮ ኣይኸኣልካን ማለት ኢዩ። ንሕና ውሽጣዊ ታሕጓስናን ውሽጣዊ ስቓይናን ብቐሊሉ ንምግላጽ ሕፍረት ይሰመዓና ኢዩ። ሓድሓደ ነገር ሱቕ ኢልካ፡ ንኻልኦት ከየፍለጥካ ምእንቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢልካ ክትሳቐ ኢዩ ዚግብኣካ።

እቲ ብዘይ መጠን ዚዛረብ ሰብ፡ ውሽጣዊ ሃብቱ፡ ሒደት ኢዩ። ኣፍ ዓሻ ዘይረብሕ ነገር ኪደግም ኢዩ ዚነብር፥ ዘረባ ጥበበኛ ግን፡ ኣብ ሚዛን ተመዚኑ ኢዩ ዚኃልፍ (ሲራ 21፡25 ረኣ)። ንነዊኅ ጊዜ፡ ብዙኅ ምዝራብ ጠንቂ ሓደጋን ጕድኣትን ኢዩ። ሓድሓደ ጊዜ እውን፡ ኣመና ምዝራብ የጣዕስ ኢዩ። ካብ ብዙኅ ነገር፡ ሓድሓደ ነገር፡ ሓቂ እውን ይኹን፡ ምዝርጋሕ ስለ ዘየድልዮ፡ ንኻልኦት ከይተዛረብካዮ ኣብ ውሽጥኻ ኂዝካ እንተዓቝርካዮ ጽቡቕን ጥበብን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ነቲ እትገልጾ ሓቂ ኣየበላሽዎን ኢዩ።

እቲ ኣብ ውሽጢ ልቢ ሰፊሩ ዘሎ ነገር ናብ ልሳንካ ቅድሚ ምኅላፉ፡ ተጠንቒቕካ ክትሓስበሉ ይግባእ። ብዙኅ ጊዜ እቲ ክትዛረቦ እትህወኸሉ ነገራት እውን፡ ምናልባት ከየውጽእካዮ፡ ኣብ ውሽጥኻ ቀቢርካ እንተኃዝካዮ ዝሓሸ ኢዩ። ልብኻ ሕያዋይ እንተኾይኑ ግን፡ ብዛዕባ ልሳንካ እትስከፎ ነገር ኣይክህሉን ኢዩ፡ ከመይ “ኣፍ ምልኣት ልቢ ኢዩ ዚዛረብ” (ማቴ 12፡34: ሉቃ 5፡45 ረኣ)።

ሓሪቕኻ ከሎኻ፡ ዘየድሊ ዘረባ ክትዛረብ ስለ እትኽእል፡ ከይተዛረብካ፡ ሱቕ በል፥ ከመይ ቝጥዓ ምስ ኃለፈልካ በቲ ዝበልካዮ ክትጠዓስ ትኽእል ኢኻ “እቲ ኣፉን መልሓሱን ዚህሉ ሰብ ካብ ጸበባ ይድኅን” (ምሳ 21፡23)። “ብመልሓስካ ካብ እትዕንቀፍ ኣብ ምድሪ ሸታሕ ኢልካ ምውዳቕ ይሓይሽ” (ሲራ 20፡18)። ህሜታ ብምቅብባል፡ ኣንጭዋ ክልተ ዓንዴል ኣይትኹን፥ ገለ ሕሜታ ኣብ እዝንኻ እንተበጽሔ እውን፡ ኣብ ውሽጥኻ ቅበሮ። ኣብ ውሽጥኻ እንተተቐሚጡ ከምዘይጐድኣካ ፍለጥ (ሲራ 19፡7: 10 ረአ)።”ምሥጢር ተውጽእ እንተ ኮይንካ፡ ሰብ ኣይኣምነካን ኢዩ፥ ዚኣምነካ ዓርኪ ከኣ ኣይትረኽብን ኢኻ” (ሲራ 27፡16)።

ጽቡቕ ምዝራብ እንተዘይኮይኑ፡ ንብጻይካ ወይ ንንብረቱ ኣይተልዕሎ። ሕሜታ ክትሰምዕ ከሎኻ፡ ድጋፍካ ከይሃብካ ሱቕ በል። “ፈላጥ ሰብ ዘረባ ኣየብዝኅን ኢዩ፥ በዓል ህዱእ መንፈስ ከኣ፡ ለባም ኢዩ” (ምሳ 17፡27)። እቲ ብዙኅ ዚሰርሕ፡ ሒደት ኢዩ ዚዛረብ፥ እቲ ብሓቂ ዚገብር ከኣ፡ ሱቕ በሃላይ ኢዩ። ንስኻ ጥበበኛን ገርሄኛን እንተኮይንካ፡ በዓል ብዙኅ ልቦና ክትከውን ኢኻ።

ኣብ እተካይዶ ወግዒ ወይ ዝርርብ፡ ድሌት ካልኦት ኣብ ግምት እናእተኻ፡ ካልኦት እውን ሓሳቦም ኪገልጹን፡ መልሲ ኪህቡን፡ ዕድልን ጊዜን፡ ክትህቦም ደኣ ኣሎካ ኣምበር፡ እናኮለፍካ ንስኻ ጥራይ ክትዛረብ ኣይግቡእን ኢዩ። ጽን እናበልካ ምስማዕ፡ ዓቢይ ክእለት ኢዩ። “ንምስማዕ ድልዊ ኩን፥ ከይሓሰብካ ከኣ፡ መልሲ ኣይትሃብ” (ሲራ 5፡11)። ሓድሓደ ጊዜ፡ ስቕታ ካብ ዘረባ ዚበለጸ ኢዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ስቕታ ፍቶ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 731
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 18 Nov 2020, 03:23

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)።

43 ስቕታ ፍቶ

ካብ ብዙኅ ዘረባ፡ ዕንቅፋት ኣይሰኣንን ኢዩ፥ (ምሳ 10:19 ረአ)። ዘረባ ምስ ተብዝኅ ብዙኅ ጌጋ ኢኻ እትገብር! ሓቂ ኢዩ፥ እንተኾነ ቃልካ ዚህቦ ጥቕሚ፡ ስቕታኻ ካብ ዚህቦ ጥቕሚ ንላዕሊ ኪኸውን ከሎ፡ ስቕ ኣይትበል፡ ተዛረብ ደኣ።

ምእንቲ ከይትጋገ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ሓቂ ዘይብሉ ፍርዲ ካብ ምሃብን ብዘይመጠን ወጃዕጃዕ ካብ ምባልን ተቘጠብ (ምሳ 11፡12: 17፡18 ረኣ)። “ስቅ እትብለሉ ጊዜ ኣሎ፡ እትዛረበሉ ጊዜ ከኣ ኣሎ” (መክ 3፡7)። ጸሎተኛ ሰብ ክትከውን እንተደኣ ደሊኻ ስቕታ ፍቶ።

ሸበድበድን ገርማዕማዕን ኣብ ዚብል ዓለም፡ ንእግዚኣብሔር ክትረኽቦ ኣይትኽእልን ኢኻ። ምስ ሰብ ብዙኅ ትዛረብ እንተ ኮይንካ ከኣ፡ ምስ እግዚኣብሔር ቍሩብ ኢኻ ትዛረብ (ሆሴዕ 2፡16 ረአ)። ምስ እግዚኣብሔር ብዙኅ ትዛረብ እንተኾይንካ ግን፡ ምስ ሰብ ምዝራብ ጥቕሚ ዘለዎ ኮይኑ ኣይኽረኣየካን ኢዩ።

መንፈስ ቅዱስ ኣባኻ ኪወርድ እንተደሊኻዮ፡ ፈታዊ ስቕታን መንፈሳውን ኩን። ምስ እግዚኣብሔር ምዝራብ ከተስተማቕሮ ጽዓር። ኣብ ውሽጥኻ ስቕታ ከምዚነግሥ እንተገይርካ፡ ብመንፈስካ ካብ ጸሎት ነቒሕካ ክትርከብ ከሎኻ፡ ብግዳምካ ንዚርእየካ ግን፡ ኣብ ጉዳይ እዙ ዓለምዙይ ትኽስ ዝበልካን ዘይትረብሕን ጌሩ ኪግምተካ ኢዩ።

እወ፡ ንእግዚአብሄር ጽን ኢልካ ንኽትሰምዖ፡ ምስ ፍጡራት ዘረባ ክትገድፍ ኣሎካ፥ ምእንቲ ክትሰምዕ፡ ሱቕ ክትብል ኣሎካ፥ መንፈስካ ምእንቲ ኪሰምዕ፡ ሰብነትካ ሱቕ ኪብል ኣለዎ፥ ናይ ብሓቂ ከኣ እቲ ቃልካ ነቲ መንፈሳዊ ሃብትኻ ከምዚገልጾ ይግበሮ። ንኵለን ሰዓታት መዓልትኻ ፍቶወን ኢኻ፡ ብኅልፊ ግን፡ ነታ ምስ እግዚኣብሔር ተራኺብካ እትዛረበላ ሰዓት ስቕታ ኢያ’ሞ፡ ንዓኣ ክትፈቱ ኢዩ ዚግብኣካ።

እግዚኣብሔር ዚያዳ ዚሰምዕ፡ ነቲ ብኣፉ ከይተዛረበ፡ ብልቡ ዜፍቅር ኢዩ። ስለዚ ንእግዚኣብሔር ጽን ኢልካ ምእንቲ ክትሰምዖን ብዝበለጸ ኣብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ባህሪኡ ምእንቲ ክትሳተፍን፡ ንስቕታ ሃረር በሎ። ናብ ደንደስ ሓደ ውሒጅ ከይድካ ኣብኡ ኮፍ በል እሞ፡ ሽዑ እግዚኣብሔር ሰማያዊ ዑፍ ሰዲዱ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ልብኻ ዚምስጥ ሓደ ጥዑም ደርፊ ኪደርፈልካ ኢዩ። ኣብ ደንደስ እቲ ውሕጅ ኮፍ ምስ በልካ እግዚኣብሔር ኪዛረበካ ኢዩ። እግዚኣብሔር ዝተዛረባ ቓል ሓንቲ ኢያ፥ ንሳ ከኣ፡ እቲ ቓሉ ዝኾነ ኢየሱስ ኢያ። ነዛ ቓል እዚኣ ከኣ ኪደጋግማ ዚርከብ ዘሎ ካብ ዘለዓለም ጀሚሩ ኢዩ። ነፍስኻ እውን ነዛ ቓል እዚኣ ንዘለዓለም ጽን ኢላ ክትሰምዓ ኢያ።

ሓቂ ክትረኽባ እትኽእል ኣብ ስቕታ ስለ ዝኾነ፡ ስቕ ምባል ፍቶ። ብዙኅ ሰብ ክንድ’ቲ ኣይእመንን ኢዩ። እቲ ተጠንቒቑ ዚዛረብ ሰብ፡ ንሕይወቱ ኢዩ ዜህብትም። እምበኣረይ ንስኻ እውን፡ መንፈሳዊ ክትከውን ጽዓር፥ ንመንፈሳዊ ጥቕምኻ ኢልካ ስራሕ እምበር፡ ጊዜኻ ኣብ ዘይጠቕም ሓሳብ እዙ ዓለምዙይ ኣይትበታትኖ። ስቕታ፡ ዓቃቢ ሰላም መንፈስካ ስለ ዝኾነ፡ ዓቢይ ሓጋዚኻ ኢዩ።

ስቕታ፡ ዓርከ’ቲ ኣብ ገዛእ ኃይሉ ከይኣመነ፡ ኣብ ኃይሊ ኣምላኽ ጥራይ ዚኣምን ኢዩ። ዓለም፡ ንዓኻ፡ ብዛዕባ እግዚኣብሔርን ብዛዕባ ነፍስኻን ኣጸቢቕካ ንኸይተስተንትንን፡ ኣብ ጐዳኢ ዝዀነ ተግባር ከምትዘናጋዕን፡ ጊዜኻ ኣብ ከንቱ ከምተኅልፎን፡ ከምኡ እውን ናይ ስቕታ ጊዜ ከምዘይህልወካን ኢዩ ዚገብርካ። ንስኻ እውን፡ ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንማርያም መግደላዊት ኣብ ጥቓኡ ኮፍ ኣቢሉ፡ ቃሉ ከምትሰምዕ እንተገይሩካ፡ ዕዉትን ብፁዕን ኢኻ (ሉቃ 10፡39 ረአ)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ጽሞና ፍቶ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Post Reply