Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

ኣይረሳዕናዮን!

Post by Zmeselo » 06 Jun 2020, 05:16

ኣይረሳዕናዮን!



(ጓል ፈዳይን ሻዕቢያ ቫይናክ) - ሓደ ካብ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ኤርትራዊያንን ዝተፈጸመ፣ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ግፍዒ፣ እቲ ብወየንቲ ተጋሩ፣ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራዊያን ዝተፈጸመ ማእሰርቲ፣ ዝምታ ማእለያ ዘይብሉ ንብረትን ጥረ ገንዘብ፣ ቅትለትን ምስጓጒን እዩ።

ኣብ'ቲ ካብ ወርሒ ሰነ 1998 ጀሚሩ ንዓመታት ዝቐጸለ ግፍዓዊ ምስጓግ፣ ልዕሊ 100,000 ዝኸውን ሰላማዊ ኤርትራዊ፣ ብኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኣገባብ፣ ገሊኦም፣ በታ ተኸዲኖማ ዝሓደሩ ክዳን ለይቲ፣ ገሊኦም፣ በታ ኣብ ስራሕ ከለዉ ተኸዲኖማ ዝነበሩ በጃ ክዳን፣ ገሊኣቶም፣ ካብ መገሻኦም ኣብ መንገዲ፣ ገሊኣቶም፣ ካብ'ቲ ብብሕትውና ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቕመጡሉ ዝነበሩ ገዳማት ኢትዮጵያ፣ ገሊኣቶም እውን ካብ'ቲ ክሕከሙ ደቂሶሙሉ ዝነበሩ ዓራውቲ ሆስፒታላት ኣብ ኢዶም ተተኺሉሎም ዝነበረ ናይ ጉሉኮስ ኢንፊዥን እንዳተነቕለ፣ ኣብ ናይ ቀይዲ መዓስከራት ከም ዝዳጎኑ ተጌሩ።

እቲ ኣብ ልዕሊ እዞም ሰላማዊያን ኤርትራዊያን ብወየንቲ ተጋሩ ዝቐረበ ውንጀላ ድማ
ናይ ሻዕቢያ ኮማንዶ እዮም፣ ሰለይቲ እዮም፣ ንሻዕቢያ ገንዘብ የዋጽኡ እዮም፣ ሽጉጥ ተገንዪዎም፣ ሬድዮ ርክብ ተገንዪዎም
ወዘተ ዝብል ናይ ሓሶት ጠቐነ እዩ።

ነዚ ናይ ምስጓግ፣ ዝምታ ንብረትን ገንዘብን ኤርትራዊያን፣ ብኮሚቴ ተወዲቦም ዘተግብርዎን ንኣፈጻጽማኡ ብዝምልከት፣ ክሳብ ነቶም ናይ ቀበሌ ናይ ተጋሩ ኣባላት ሕመረት ህወሓት ምክትታል ዝገብሩን ዝነበሩ፣ ኩሎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ወያነ ትግራይ እዮም።

ስደት ኤርትራዊያን ናብ ኢትዮጵያ መዓስን ብኸመይን፥

ጃምላዊ ስደት (exodus) ኤርትራዊያን ናብ ኢትዮጵያ፣ ብቐንዱ፣ ካብ ምፍራስ ውዕል ፌዴሬሽንን ብሰንኪ ስዒቡ ኣብ ኤርትራ ዝመጸ ፖለቲካዊ ነውጺን ዘይምርግጋእን ኣብ 1962 ዝጅምር እዩ።

እዞም መብዛሕትኦም ብዕድመ መንእስያት ዝነበሩ ኤርትራዊያን፣ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢጣልያ ንዘጥረይዎ ዝተፈላለየ ቴክኒካዊ ክእለት፣ ተሞክሮ ወፍርን ርእሰ ማልን (entrepreneurship) ሒዞም እዮም ናብ ኢትዮጵያ ተሰዲዶም።

እዞም ኤርትራዊያን መንእሰያት እዮም፣ ነታ ዝጥቀስ ርእሰ ማላዊን ይኹን ናይ ቴክኒካዊ ሞያን ተሞክሮን ዘይጸንሓ፣ መስፍናዊት (feudal) ኢትዮጵያ፣ ዓይኒ ዘመናዊ ስርዓተ ቁጠባ ዘንቁሑላ።

ወንነቲ ትካላት ስርሓት ፎርኖ፣ ሕብስቲን ኬክን፣ ጋራዣት፣ መዐደሊ ነዳዲ፣ ሆቴላት፣ ፋርማሲታት፣ ኣብያተ ስእሊ፣ ናይ ታክሲ ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎት፣ ምውናንን ምምራሕን ናይ ደረቕን ፈሳሲን ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መኻይን፣ ምውናንን ምምራሕን ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ኣውቶቡሳት፣ ስርሓት መሸጢ ናይ ህንጻ ናውቲ፣ ንግዳዊ ሕርሻ (Commercial farming)፣ ትካላት ናይ ሕክምና ኣገልግሎት፣ ኣብ ስርሓት ህንጻን ጽርግያታትን፣ ትካላት እንዳ ጎልፎ፣ መሸጣ ክዳውንቲን ጫማን፣ ምስባሕን ምርባሕን እንስሳ፣ ምምስራሕ ፎርማጆን ውጽኢት ጸባን ወዘተ. ተዋፊሮም ንኢትዮጵያ ገዚፍ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ኣበርክቶ ጌሮምላ እዮም።

ኤርትራዊያን ሰብ ጸጋ፣ ካብ ሑሞራ ክሳብ ሞያሌ፣ ካብ ኣሶሳ ክሳብ ጅግጅጋ፣ ካብ ጎንደር ክሳብ ሃዋሳ፣ ካብ ባህር ዳር ክሳብ ኣርባ ምንጭ፣ ካብ ወልድያ ክሳብ ጅማ፣ ካብ ኮምቦልቻ ክሳብ ባሌ ጎባ፣ ወንነቲ ዝተፈላለየ ዓበይቲን ንኣሽቱን ትካላት ኔሮም።

ብሓጺሩ፣ ቀንዲ ኣንቀሳቓሲ ሞተረ ቁጠባ ኢትዮጵያ፣ ኣእምሮን ቴክኒካዊ ብቕዓትን ጻዕራም ኤርትራዊ እዩ ኔሩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን።

ብተወሳኺ እውን ልዑል ኣካዳሚያዊ ትምህርቲን ቴክኒካዊ ብቕዓትን ዝውንኑ ዝነበሩ ኤርትራዊያን ኣብ ከም በዓል ኣየር መንገድ፣ ቴሌኮሚውኒኬሽን፣ ወንጂ ስኳር ፋብሪካ፣ መትሃራ ስኳር ፋብሪካ፣ ኣውራ ጎደና፣ ህንጻ ኮንስትራክሽን፣ ባህር ዳር ፖሊቴክኒክ፣ ባቱ ኮንስትራክሽን፣ መብራት ሃይል፣ መድህን ድርጅት፣ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ፣ የኢትዮጵያ ስራ ኣመራር ኢንስቲትዩት፣ ኦርቢስ፣ ECA...AU ወዘተ ዝሰርሑ ዝነበሩ ንኢትዮጵያ ብጻዕዳ ኢዶም ገዲፎም ብጸሊም ኢዶም ዘገልገልዋ ኤርትራዊያን ካብ'ዚ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ማእሰርቲን ምስጓጒን ኣየምለጡን።

ነዚ ተራን ኣበርክቶን ኤርትራዊያን ኣብ ቁጠባን ፖለቲካን አትዮጵያ ብዝግባእ ንምርዳእ፣ ነታ ብኣሜሪካዊ ኣማኻሪ ሃጸይ ሃይለስላሴ ዝነበረ John Spencer ንዝተጻሕፈት፣ "Ethiopia At Bay" እትብል ህብብቲ መጽሓፍ ምንባብ ይከኣል እዩ። እዛ መጽሓፍ "ጥርስ የገባች ሃገር" ብዝብል ኣርእስቲ እውን ብኣምሓርኛ ተተርጒማ እያ።

እቲ ፈታው ስራሕ ኤርትራዊ፣ እቲ ንሓቂን ስለሓቂን ዝመውት ኤርትራዊ፣ እቲ ብኣከዳድናኡ ጽፉፍ ኤርትራዊ፣ እቲ ብኣተሓሕዛ መንበሪ ገዝኡ ወሓለ ኤርትራዊ፣ እቲ ኤርትራዊ ብምኻኑ ጥራይ፣ ንሓድሕዱ ዝተሓላለ፣ ዝተሓጋገዝ ዝነበረ፣ ፈቃር ኤርትራዊ፣ እቲ ብትምህርቲን ቴክኒካዊ ፍልጠትን ኣውራ ዝነበረ ኤርትራዊ፣ እቲ ብኤርትራዊነቱ ሕቡን ዝነበረ ኤርትራዊ፣ በቲ ውሕሉልን ጽፉፍን ትግርኛኡ ዓው ኢሉ ክዛረብ ዘይሓፍር ኩሩዕ ኤርትራዊ፣ በቲ ካልእ ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ክቡርን ሕፉርን እዩ ኔሩ።
ኤርትራዊ ኣይዋሽም፣ ኤርትራዊ ኣይሰርቅም፣ ኤርትራዊ የስራ ሰው ነው፣ እንዴ! እሱ ኮ ኤርትራዊ ነው! እንዴ! እሷ ኮ ኤርትራዊት ናት!
እውን ይበሃል ኔሩ እዩ።

ኣብ ጊዜ ስርዓት ሃይለስላሴን ደርግን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብር ዝነበረ ኤርትራዊ፣ ከም እኩብ ሕብረተሰብ፣ ኣብ ልዕሊኡ ብሰንኪ ኤርትራዊ መንነቱ፣ ዝኾነ ጸገም ኣጋጢምዎ ኣይፈልጥን እዩ ኔሩ።

ብድሕሪ ምምጻእ ስርዓት ወያነ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ግን እዚ ከም ክሬም ናይ'ቲ ሕብረተሰብ ዝፍለጥ ዝነበረ ኤርትራዊ፣ ኣብ ዓይኒ ሓሳዳት ወየንቲ ተጋሩ ክኣቱ ጊዜ ኣይወሰደሉን።

ብፍላይ ድማ ኣብ ግንቦት 1998 ብድሕሪ ወራር ወያነ ትግራይ ምጅማሩ፣ ነቶም ብዓይኒ ሕስድናን ቅንኢን ይጥምትዎ ንዝነበሩ ብዙሓት ተጋሩ፣ ጽቡቕ ዕድልን ኣጋጣሚን እዩ ፈጢሩሎም።

እቲ ረጽሚ ኣብ ናይ ፈለማ ወርሒ ግንቦት 1998 ምስ ጀመረ፣ ብኡ ንብኡ፣ ወያነ ትግራይ፣ ንኤርትራዊያን ነበርቲ ኢትዮጵያ፣ ንመንግስቲ ሻዕቢያ "ወራሪ ኢኻ" ኢልኩም ኴኒንኩም፣ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ግበሩ ኢላ ክትጉስጉስ ጀሚራ። እቲ ወትሩ ንቑሕ፣ ንመፈንጥራ ደመኛታት ጸላእቱ ተጋሩ ኣቐዲሙ ዘለለየ ኤርትራዊ ግን፣
እዚ ጉዳይ፣ ብደረጃ ውድባትን መንግስታትን ፍትሕዎ፣ ንሕና ነዚ ጉዳይ ኣይንፈልጦን ኢና፣ ኣብ'ዚ ምሳኻትኩም እንዲና ዘለና
ዝብል መልሲ እዩ ሂብዋ።

እቲ ተንኮልን ክፋእን ከም'ቲ ዝወጠነቶ ዘይከደላ ጃንዳ ወያነ ትግራይ፣ ብኡ ንብኡ እያ ናብ ኣልማማ ምእሳር፣ ዝምታ ንብረትን ገንዘብን፣ ምስጓግ ኤርትራዊያን ጀሚራ።

እታ ብተጋሩ ላዕለዋይ መሪሕነት ወያነ ትግራይ ዝቖመት ላዕለወይቲ ኮሚቴ ንምስጓግ ኤርትራዊያን ካብ ኢትዮጵያ፣ ክሳብ ብደረጃ ምምሕዳር ቀበሌ ዝወርድ፣ ብተጋሩ ጥራይ ዝቖማ ንኡሳን ኮሚቴታት ብምቋም እያ ነቲ ስርሒት ሽፍትነት ተካይዶ ኔራ። መሳኪን ኤርትራዊያን፣ ንዓመታት ብርሃጾም ንዘጥረይዎ መንበሪ ቤቶም ምስ ሙሉእ ናይ ገዛ ኣቑሑ፣ ምስ ኣብ ካንሸሎታቶም ደው ዘበልወን ጽቡቓት መኻይኖም፣ ብጠቖማ ጎረባብቶም ተጋሩ ተሓዲጎም፣ ናብ ክሳብ ናብ ሃገሮም ብጥርኑፍ ዝስጎጉ ክጸንሑሉ ዝተመደበ ጊዚያዊ መአከቢ (መዳጎኒ) መዓስከር እዮም ዝውሰዱ ዝነበሩ።

እዚ ማእለያ ዘይብሉ ገዛውቲ፣ መኻይንን፣ ጥረ ገንዘብን ድማ ወየንቲ ተጋሩ ንኣውነ ኣረጋዊ ጻድቕ "እንዳመስገኑ" ክወርስዎ ጀመሩ። ካብ ገጠራዊት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝመጽእ ሓደ ዓመት ዘይመልኦ ትግራዋይ፣ ኣብ ሓደ ረፍዲ ንነብሱ ኣብ ውሽጢ ከመይ ዝኣመሰለ ቪላ ገዛ እዩ ረኺብዋ። ወናኒ ቪላን መኻይንን ኮይኑ።

ብሕጽቦ ናይ ኣስኳቡሊ ክዳውንቲ ትናበር ዝነበረት መስኪን ትግራወይቲ፣ ኣብ ሓደ ረፍዲ፣ ወናኒት ቪላ ገዛ ኮይና ንኣኽሱም ጽዮን ኣመስጊና።

"መጥረጊያ መወልወያ!" እንዳበለ መወልወሊን ኣስኮባን ክሸይጥ ፍቖዶ ገዛውቲ ብእግሩ ዝኽርትት ዝነበረ ትግራዋይ፣ ከይሓሰቦ ወናኒ ትካል ኮይኑ ተሓጉሱ።

እዚ መን ይረኽቦ!?

- ወያነ ትግራይ ዝሃበቶ!

በዚ ኣጋጣሚ ከይጠቐስክዎ ዘይሓልፍ፣ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ Old Airport ከባቢ ቴሌ ሓሊፍካ ዝርከብ "ቀበሌ 12 ጽህፈት ቤት" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ቦታ፣ ቀንዲ ናይ'ዚ ግፍዒ መፈጸሚ መዓስከር ኮይኑ ብተጋሩ ዝተመርጸ እዩ ኔሩ። ኣብ'ዚ መዳጎኒ መዓስከር፣ ካብ ከባቢ Old AirPort ፣ መካኒሳ፣ ቄራ፣ ልደታ፣ ጦር ሃይሎች፣ ሶስት ቁጥር ማዞርያ፣ ቡልጋርያ፣ ጨርቆስ፣ በግ ተራ፣ ሳሪስ፣ ሜክሲኮ፣ ኣብነት፣ ንፋስ ስልክ፣ ጎፋ ወዘተ ዝበሃሉ ገዛውቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ (ኤርትራዊ ብብዝሒ ዝነብሩለን ዝነበሩ ከባቢታት እየን)፣ ዝተኣከቡ ማእለያ ዘይብሎም ኣቦታት ኣዴታት፣ መንእስያት ህጻውንቲ ኣብ'ቲ ቀዝሒ ሲሚንቶ እንዳደቀሱ፣ ብጥምየትን ጽምኢ ማይን እንዳተሳቐዩ፣ ንዒጫ ናይ'ቶም ብድሕሪኦም ፋሕ ጭንግራሕ ኢሎም ዝተረፉ ደቆም፣ ኣሕዋቶምን መቕርቦምን እንዳሓሰቡ፣ ኣብ ልዑል ጭንቀትን ጸቕጢ ናይ ኣእምሮን ወዲቖም።

በቶም ናይ'ቲ ቀጽሪ ኣባላት ሓለዋ ወያነ ትግራይ፣ ኣብ ልዕሊ እዞም ንጹሃት ኤርትራዊያን ዝተፈጸመ ግፍዕን ምክልባትን ድማ መግለጺ ዝርከቦ ኣይኮነን።

እዚ ዘስካሕክሕ ግፍዒታት፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ ዝተፈጸመ ዘይኮነስ፣ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራዊ ዝርከበለን ዝነበረ ከተማታትን ገጠራትን እዩ ተፈጺሙ።

እቲ ካልእ ዘሕዝን ናይ ጭካነ ተግባር ወየንቲ ተጋሩ፣ ንስድራ ቤታት ኮነ ኢሎም ንምብትታን ንኣቦ ወይ ኣደ፣ ንሓዲኦም ምስ ገለ ደቆም ፈልዮም ብምእሳርን ብምስጓግን ነቶም ካልኦት ይገድፍዎም ኔሮም።

ኣቤት ሽዑ ዝነበረ ናይ ስጎጉና'ባ በጃኹም ለመና!

ብዙሓት ብድሕሪ ስድራ ቤቶም ዝተረፉ ኤርትራዊያን መንእስያት፣ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ተሓቢኦም ናብ ኬኒያ ክወጹ ክብሉ፣ ኣብ መንገዲ፣ ብኣራዊት ዝተበልዑ፣ ውሕጅ ዝወሰዶም ኣዲኦም ትቑጸሮም። ብኽንደይ ጉቦ ናብ ጅቡቲ ኣትዮም ከርፋሕ ናብራ ጅቡቲ ክመርሑ ዝተገደዱ እውን ከምኡ ኣዲኦም ትቑጸሮም። ዝበዝሑ ካብ'ዞም ናብ ኬኒያን ጅቡቲን ዝሰገሩ ድማ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ኣትዮም፣ ነቶም ናብ ኤርትራ ዝተሰጎጉ ኤርትራዊያን ስድራቤቶም ዝኣለዩን ዝሓገዙን ኣለዉ። ልዑል ክብሪን ምስጋናን ይግብኦም እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራዊ ዕማማት፣ ገዚፍ ሃገራዊ ኣበርክቶ ኣብ ምግባር ዝርከቡ እውን ኣለዉ።

እቲ ካልእ ወየንቲ ተጋሩ ኣተኲሮም ዝሰርሑሉ ነገር እንተነይሩ፣ ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ናብ ኤርትራ መጽዮም ሃገራዊ ኣገልግሎት ንዝፈጸሙ ኣሽሓት መንእስያት ኤርትራዊያን ነበርቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ብላቴዴዴሳን ዝበሃሉ ደርጊ ዝመስረቶም ናይ ውትህድርና መዓስከራት ታዕሊም፣ ንዓመታት ኣሲሮሞም እዮም። ብፍላይ ኣብ መዓስከር ብላቴ፣ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጃንዳ ትግራይ ዝኾነ፣ ስብሓት ነጋ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ናብ መዓስከር ብላቴ ብምምጻእ፣ "ንሻዕቢያ ጽልእዎ ኢኹም" ዝብል ሕሱር ፕሮፓጋንዳ ዓጀውጀው ምስ በለ፣ ካብ'ቶም ጀጋኑ ኤርትራዊያን መንእስያት ተባዕ ናይ ተቓውሞ መልስታት እዩ ኣጓኒፍዎ። በዚ ዝሓረቐ ኣይተ ርስሓት ነጋ
በሉ፣ ከም ማንዴላ ኣብ'ዙይ ቤት ማእሰርቲ ክትበልዩ ኢኹም
ዝብል ናይ ሕጫጨ መልሲ እዩ ሂቡዎም።

ብመሰረት ዝበጽሓኒ ሓበሬታ፣ ሽዓ መዓልቲ እንተዘይተጋግየ፣ ኣይተ ርስሓት ነጋ፣ ጸሊም ሌዘር ጃኬት ጌሩ እዩ መጽዩ። ሓቀይ ድየ!

ካብ'ቶም ኣብ መዓስከር ዴዴሳ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኤርትራዊያን ክዳውንቶም ንምሕጻብ ኢሎም ናበቲ ዓርሞሸሽ ሩባ ዴዴሳ ምስ ከዱ፣ በቲ ውሕጅ ዝተወስዱን ብሓራግጽ ዝተብልዑን ኣዲኦም ትቑጸሮም። ኣብ መዓስከር ብላቴ እውን ብሕማም ዓሶ ዝሞቱ ኔሮም እዮም።

እቲ ካልእ ዘሕዝን ናይ ጭካነ ተግባር ወየንቲ ተጋሩ ድማ፣ ገለ ውልቃዊ ቅርሕንቲ ዝጸንሖም ተጋሩ፣ ጉቦ እንዳኸፈሉ፣ ብኣባላት ስለያ ወያነ ትግራይ ኣጭውዮም ዘሕቀቕዎም/ ዝቐተልዎም ኤርትራዊያን ሰብ ጸጋ ብዙሓት እዮም። ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ደሃይ ዘይብሉ ኣነ ዝፈልጦ ናይ ቀረባ ቤተሰበይ እውን ኣሎ። ካብ'ቶም ናብ ሃገሮም ክሰጉዎም ኣብ ኣውቶቡሳት ዝሰቐልዎም ኤርትራዊያን እውን እንተኾነ፣ ንዘዝደለይዎ ኣብ መንገዲ (ብፍላይ ኣብ መሬት ትግራይ ምስ በጽሑ)፣ ካብ ኣውቶቡሳት እንዳውረዱ፣ ኣብ'ዚኣ ኣትዩ ወይ ኣብዚኣ ኣትያ ዘይብሉ፣ ዘሕቀቕዎም፣ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዝኾነ ደሃይ ዘይብሎም ኤርትራዊያን ብዙሓት እዮም። ንምዝካሮም ዝኣክል ድማ ንኣስማቶምን ዓዶምን ኣብ'ቲ ናይ ኮሜንት መውሃቢ ቦታ እንተጽሒፍኩሞ ጽቡቕ እዩ።

እቲ ካልእ ዘሕዝን ናይ ጭካነ ተግባር ወየንቲ ተጋሩ ከኣ፣ ንባሕታዊያንን ፈለስቲን፣ ኤርትራዊ መበቆል ስለዘለዎም ጥራይ፣ ካብ'ቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝባሕተውሉ ገዳም፣ "ናይ ሻዕውያ ኮማንዶ፣ ናይ ሻዕውያ ሰላዪ" ብምባል ብግፍዒ ምስጓጎም እዩ።

ሓደ ኣነ ብውልቀይ ዝፈልጦ ህያው ኣብነት ኣሎ፥

ኣባ ኣፈወርቅ ዝተባሃሉ ኤርትራዊ፣ ልዕሊ 60 ዓመታት ኣብ'ቲ ኣዝዩ ውሩይ ዝኾነ ገዳም ዋልድባ ዝባሕተዉ መነኮስ፣ በቶም ተጋሩ ፈለስቲ፣
ስለያ ናይ ሻዕውያ እዩ፣ ሬድዮ ናይ ሻዕውያ ተሓቢኡ ይሰምዕ እዩ፣ ናይ ገንዘብ መዋጮ ናብ ሻዕውያ ይሰድድ እዩ
ዝብል ሰይጣናዊ ውንጀላ ስለዝቐረበሎም ጥራይ፣ ናብ'ታ ቅድሚ 60 ዓመት ስለ ፍቕሪ ክርስቶስ ተሰዲዶም ዝገደፍዋ ሃገሮም ብግፍዒ ተሰጒጎም መጽዮም።

ኣባ ኣፈወርቅ፣ ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ኣብ ነፋሲት፣ እንዳ ኣቡነ ፊልጶስ ቤተ ክርስትያን፣ ህጻውንቲ ቆልዑ ግብረ ዲቁናን ክህነትን እንዳመሃሩ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ይርከቡ ኣለዉ። እቲ በቶም ተጋሩ ካድረታት ፈለስቲ ኣብ ልዕሊ ኣባ ኣፈወርቅ ዝተፈጸመ ዘደንጹ ግፍዕታት፣ ዝርንዝሕ እንዳነብዐ ካብ ቃላቶም ክሰምዕ ዝደለየ ሰብ፣ ኣብ መንገዲ ኣስመራ-ባጽዕ፣ ኣብ ነፋሲት ወሰን ቀንዲ ጽርግያ ናብ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ኣቡነ ፊልጶስ ክኸይድ ይኽእል እዩ። ከም'ዚ ናይ ኣባ ኣፈወርቅ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ዘጋጠሞም ኤርትራዊያን መነኮሳት ብዙሓት እዮም።

እቶም ናይ ፈለማ ናብ ኤርትራ ዝተሰጎጉ ኣስታት 800 ዝኾኑ ኤርትራዊያን፣ ብዘጥረይዎ ሃብቲ፣ ብደረጃ ኢትዮጵያ ኣዝዮም ፍሉጣት ዝነበሩ ሰብ ጸጋን ዕድመን እዮም። ብድሕሪ ናይ መዓልታት ነዊሕን ኣድካምን ጉዕዞ፣ ብመስመር ሑመራ-ኦምሓጀር-ተሰነይ ናብ ሃገሮም ኣትዮም። ብዙሓት ካብኣታቶም፣ ለይቲ ከካብ መደቀሲኦም፣
ሓንሳብ ንጥያቔ ደሊናኩም እንኤና፣ ቀልጢፍኩም ናብ ገዛኹም ክትምለሱ ኢኹም
እንዳተባህሉ ዝተወስዱ ብምንባሮም፣ ብሸበጥ ሳእንን ብክዳን ለይቲ (ፒጃማ) እዮም ኣስመራ፣ ኣብ ጊዚያዊ መዕረፊ ቦታኦም፣ ማይ ተመናይ በጺሖም።

ኣብ ማይ ተመናይ ምስ በጽሑ፣ ኣዝዩ ዘሕዝን፣ ኣዝዩ ዘብኪ ፣ ኣዝዩ ዘሐርን ትራጂካዊ ትርኢት ድማ ኔሩ። መብዛሕትኦም፣ ሰብ ናይ ዕድመ ጸጋ ስለዝነበሩ፣ ከም ሽኮርያ፣ ደም ብዝሒ፣ ድኻም ልቢ ዝኣመሳሰሉ ሕዱር ሕማማት ዝነበሮም እዮም። መዓልታዊ ዝወስድዎ ዝነበሩ መድሃኒታት እውን ብቕንያቱ ስለዘይወሰዱ፣ ሰንከልከል ክብሉን ካብ ኣውቶቡሳት ክወርዱ ከለዉ ውነኦም ስሒቶም ዘልሓጥሓጥ ክብሉ ዝተራእዩ ብዙሓት ኔሮም። እቲ ንዓታቶም ግዚያዊ መቐበሊ ተባሂሉ ኣብ ማይተመናይ፣ መደቀሲ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ዝነበረ ኣሰቃቒ ትርኢት፣ ንዘንትእለት ኣብ ኣእምሮይ ተሳኢሉ ክነብር እዩ።

ብድሕሪ ናይ'ዞም ናይ ፈላማ ዝተሰጎጉ ኤርትራዊያን፣ ማእለያ ዘይብሉ ተኸታታሊ ምስጓግ ኤርትራዊያን ብመስመር ራማ-ክሳድ ዒቓ-ዓዲ ካላ፣ ብመስመር ዛላንበሳ-ሰንዓፈ፣ ብመስመር ቡሬ-ዓሰብ ቀጺሉ።

ብፍላይ ሓንቲ ዘይትርስዓኒ ፍጻመ ኣላ፥ ኣብ'ቶም ብመስመር ዛላንበሳ-ሰንዓፈ ናብ ኤርትራ ዝስጎጉ ዝነበሩ ዘጋጠመት እያ። ኣብ ሓደ መስርሕ ናይ'ቲ ምስጓግ፣ ብዓሰርተታት ኣውቶቡሳት ከውታ ለይቲ ናብ ዶብ ሃገሮም ዝመጹ ኤርትራዊያን፣ በቲ ቀንዲ ጽርግያ ዛላንበሳ-ሰንዓፈ ናብ'ቲ ማእለያ ዘይብሉ ብፈንጂታትን ብከበድቲ ኣጽዋራትን ዝተሓጽረ ድፋዕ ሰራዊት ኤርትራ፣ ዝኾነ ምልክት ከይተዋህበ፣ ብማይክሮፎን እውን ከይተሓበረ፣ ወየንቲ ትግራይ ብእግሮም ንክኸዱ ኣገዲዶሞም። በቲ ከውታ ለይቲ፣ እንዳቐረቡ ዝመጹ ዘረባ ናይ ጻዕዳ ጋቢ ዝተኸድኑ ሰላማዊያን ሰባትን ጫቑጫቕ ናይ ዝበኽዩ ህጻውንቲ ቆልዑ ዝሰምዑ፣ ኣብ ሓለዋ ዋርድያ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፣ ተሰናቢዶም ዝኾነ ተኹሲ ከይከፈቱ፣ ብውሕሉል ኣገባብ፣ ነቲ አዝዩ ሓደገኛ ናይ ተንኮል መጻወድያ ኣልዮሞ እዮም። ተንኮል ወየንቲ ተጋሩ ፍሉጥ እዩ ኔሩ። ወየንቲ ተጋሩ፣ በቲ ከውታ ለይቲ፣ ዝኾነ ምልክት ከይሃቡ፣ ንቆልዓ ሰበይቲ በቲ አዝዩ ሓደገኛ መስመር ምስዳዶም፣ ሰራዊት ኤርትራ ተሰናቢዱ፣ (nervous) ኮይኑ፣ ተኹሲ ንክኸፍት'ሞ፣ እቶም ሰላማዊያን ሰባት ንኽቕተሉን ብኡኡ ኣቢልካ ድማ "ሻዕቢያ ንገዛእ ህዝቡ ቀቲሉ" ብምባል ናይ ፕሮፓጋንዳ መኽሰብ ንምርካብ እዩ ኔሩ።

ተንኮል ወየንቲ ተጋሩ ክሳብ ክንድ'ዚ እዩ!

እቲ ካልእ ዘሕዝን ተግባር ወየንቲ ተጋሩ ድማ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝሰጉዎ ዝነበሩ፣ ነቲ ብዘይካ ርሂጽካ ምብላዕ ካልእ ኣበሳ ዘይብሉ ኤርትራዊ ንምክልባት፣ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ናይ መጓዓዝያን ሎጂስቲክስን ተወሳኺ ጸቕጢ ንምፍጣር፣ ኣብ ክንዲ በቲ ልሙድ መስመራት ናይ ከበሳ ናብ ኤርትራ ዝሶግዎ፣ "ድፍዓትናን ኣጽዋራትናን ከይርአ" ዝብል ምስምስ ብምፍጣር፣ በቲ ካብ ኣስመራ ኣዝዩ ዝርሓቐ መስመር ቡሬ-ዓሰብ፣ ኣሽሓት ኤርትራዊ ሰጉጎም እዮም። ይኹን'ምበር ኣብ'ቲ እዋን "ንላም ቀርና ኣይከብዳን እዩ" ዝበለ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ብኣሽሓት ዝቑጸር ኤርትራዊ ብመራኽብ ጌሩ፣ ካብ ዓሰብ ናብ ባጽዕ፣ ካብ ባጽዕ ድማ ብኣውቶቡሳት ናብ ኣስመራን ደቀምሓረን ኣጎዓዒዙን ዓቕሙ ዘፍቅዶ ናይ ሎጀስቲክስ ሓገዛትን ጌሩ እዩ።

ኣብ'ዚ ናይ አማኢት ኪ.ሜ ናይ መርከብ ጉዕዞ፣ በቲ ጋሻ ዝኾኖም ኩነታት ኣየርን ምንቅስቓስ ማዕበልን ዝሓመሙን ዝሞቱን ኤርትራዊያን ብዙሓት እዮም።
.
ኣብ'ዚ መስርሕ ምስጓግ ኤርትራዊያን ካብ ኢትዮጵያ ከይተጠቕሰ ዘይሓልፍ ድማ፣ ብጠቖማ ጎረባብቶም ዝነበሩ ተጋሩ፣ ኤርትራዊያን ክእሰሩን ክስጎጉን፣ ንብረቶም ብተጋሩ ክዝመትን ክውረስን ከሎ፣ እቲ ካልእ ኢትዮጵያዊ ይበክን ይሓዝንን ኔሩ እዩ። ሕሉፍ ሓሊፎም ገለ ኢትዮጵያዊያን risk ወሲዶም፣ ንኤርትራዊያን መንእስያት ከይስጎጉ ኣብ ገዛኦም ዝሓብኡ፣ "ትግሬዎቹ እየመጡ ነው"፣ "እቶም ተጋሩ ክወስዱኹም ይመጹ ኣለዉ" ዝብል ሓበሬታ ብምሃብ፣ ዝተደናገጹ፣ ንብረትን ገንዘብን ብእምነት ከየጉደሉ ዘጽንሑ ኢትዮጵያውያን ብዙሓት እዮም።

ናይ'ዚ ህያው መርኣያ ድማ ብድሕሪ ናይ 2018 ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ኣመት ናይ ቅድሚ 20 ዓመት ዝገደፍዎ ንብረቶም ንምግባር ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ዝኸዱ ኤርትራዊያን እቶም ጎረባብቶም ኢትዮጵያዊያን ንንብረቶም ብዝጋብእ ሓልዮም ኣጽኒሖም ዘረከቡ ሕሉፍ ሓሊፎም ውህሉል ናይ ዑቁብ ገንዘብ ዝኸፈልዎም ሰብ እምነትን ቃል ኪዳንን ኢትዮጵያዊያን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ተቓሊሑ ርኢናዮ ኢና። ክብርን ምስጋናን ይግብኦም እዩ። ብዙሓት፣ በቲ ዝካየድ ዝነበረ ዝምታ ንብረትን ምስጓግ ኤርትራዊያን ኣዝዮም ዝጎሃዩ፣ ንርዝነት ኤርትራዊነት ብዝግባእ ዝተረድኡ ኢትዮጵያዊየን
ንዓኻትኩም ብፍቕሪ እንዳበኸና ምስ ናፍቖትና ነፋንወኩም ኣለና፣ ነዞም ወየንቲ ተጋሩ ግን በታ ጌሮማ ዝመጹ ጥላም ሳእኒ ጌርና ኮብኲብና ከነባርሮም ኢና
ክብሉ ተሰሚዖም እዮም።

እቲ ብወገን ተጋሩ ሽዑ ዝነበረ ሃነፍነፍ ንዝምታ ንብረት ኤርትራዊያን ድማ ንሕና ደቂ ሰብ ኣብ'ዛ ምድሪ ንኽንደይ ዓመታት ዲና ክንነብር ዘብል እዩ ኔሩ።

ብተወሳኺ እውን፣ ተጋሩ ንዓመታት ምስቲ ኤርትራዊ ሓቢሮም ከምዘይበልዑን ከምዘይሰተዩን፣ እቲ ኤርትራዊ ጠቕሊሉ ካብ ገዝኡ ከይወጸ እንከሎ፣ "እዚ ገዛ ናተይ እዩ፣ እዛ መኪና ናተይ እያ" ክበሃሃሉ ምርኣይ ዘደንጹን ኣዝዩ ዘሕዝንን ተርእዮ እዩ ኔሩ።

እቶም ብመስመራት ትግራይ ናብ ኤርትራ ዝተሰጎጉ ኤርትራዊያን ኣብ ዘዝሓለፍዎ ከተማታት ትግራይ ብፍላይ ብመንእስያት ተጋሩ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ ኣነዋሪ ጸርፊን ኣሽሙራትን መግለጺ የብሉን። ካብ በሃሊኡ ደጋሚኡ ከይኮነኒ ሓዲገዮ ኣለኹ።

ብዙሓት ካብ'ዞም ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝተሰጎጉ ኤርትራዊያን ሰብ ናይ ዕድመ ጸጋ፣ ከም ወዮ ናይ ስጋ ሕሱም ዝብልዎ፣ ብሰንኪ እቲ ንዓመታት ርሂጾም ዘጥረይዎ ንብረትን ገንዘብን ኣብ ሓደ መዓልቲ ብተጋሩ ምዝማቱ ዝፈጠረሎም ብስጭት፣ ዝተፈላለየ ከበድቲ ሕማማት ኣጥርዮም ኣብ ዘይመዓልቶም ዝሞቱ ኣዝዮም ብዙሓት እዮም።

ብዙሓት ነዚ ጽሑፍ ተንብቡ ዘለኹም ኤርትራዊያን ኣሕዋተይ፣ ነቶም ኣዚኹም፣ ኣዚኹም፣ እትፍቅርዎም ተናፈቕቲ ወለድኹም፣ ገሌኹም ደጊምኩም ብኣካል ንኽትርእይዎም ዕድል ከይረኸብኩም፣ ብኸምዚ ዝጠቐስክዎ ምኽንያት ብሞት ከምዝተፈልዩኹም ርግጸኛ እየ። መንግስተ ሰማያት የዋርሶም!

ኣብዚ ጽሑፈይ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ፣ ኣብ መሬት ወልቃይት ጸገደ ንክልተ ሰለስተ ወለዶታት ኣብኡ ዝተቐመጡ፣ ብኣሽሓት ዝቑጸራ ጥሪት ማል ዝነበሮም ኤርትራዊያን፣ ኤርትራዊ መበቆል ስለዝለዎም ጥራይ ብሚልዮናት ብር ዝግመታ ጥሪቶም ኣብ ሓደ ረፍዲ ብተጋሩ ፈለጥቶም ተዘሚቶም፣ ገሊኦም ተቐቲሎም ገለን ዕድል ዝገበሩ ድማ ናብ ሃገሮም ኤርትራ ተሰጒጎም እዮም።

እቲ ካልእ ኣዝዩ ዘሕዝን ድማ ነዚ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ምስጓግ ኤርትራዊያን ካብ ኢትዮጵያ ዘይከም'ዚ ሕጂ "ኣሕዋት ኢና" እንዳበሉ ብኣላጋጭ ኣእዛንና ዘጽሙሙና ዘለዉ፣ ዝኾነ ዓገብ ዝበለን ዝኾነኖን ትግራዋይ ዋላ እውን ካብ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ኣይነበረን። እኳ ደኣ ኣብ ከም በዓል ትግራይ ሆቴል ዝኣመሰላ ብተጋሩ ዝውነና ሆቴላትን ባራትን፣ ናይ "እንቋዕ ነዚ ኣርኣየና" ቢራን ውስኪን ከም ማይ እንዳፈሰሰ፣ " ሐዚማ ትምክሕቲ ኤርትራዊያን ሴርናዮ ኣለና፣ሐዚማ እንታይ ቀረየ? ቺርስስስስ እንዳተበሃሃሉ ንመሬት ኣይትጽርና ክብሉ፣ ንለይቲ የውግሕዋ ኔሮም እዮም።

ነዚ ጠገለ ዘይብሉ ሽብዳዕዳዕ ተጋሩ፣ እቲ ካልእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተገሪሙ እዩ ዝርእዮ ኔሩ።

ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ካልኦት ኢትዮጵያዊያን፣ ካብ በዓል ፕሮፌሰር መስፍን ወልደማርያም ጀሚርካ ብዙሓት ጋዜጠኛታትን ፍሉጣት ሰባትን
ዓገብ፣ ሕማቕ ታሪኽ ትገድፉ ኣለኹም፣ ዘይወጽእ ሕነ ምፍድዳይ ክመጽእ እዩ፣ ንኻልኦት ብሄራት ኢትዮጵያ እውን ለከ ከም'ዚ እውን ይግበር እዩ ዝብል ሕማቕ ትምህርቲ ኢኹም ትህቡ ዘለኹም
ብምባል ብትሪ ኴኒኖሞ እዮም።

እቲ ኣዝዩ ዘገርም ድማ ብድሕሪ እዚ ትንቢት ቅዱሳን ዝመስል ናይ ዓገብ ምሕጽንታ ኢትዮጵያዊያን፣ ብድሕሪ ዓመታት፣ ብርክት ዝበሉ ተጋሩ፣ ካብ ሰፊሕ ከባቢታት ክልል ኦሮምያን ክልል ኣምሓራን ብደናጉላን ኣባትርን ከም ኣብ ዕዳጋ ዝተረኽበ ተመን ተጨፍጪፎም ተቐቲሎም እዮም። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ቤት ንብረቶም ተቓጺሉ፣ ዝድንግጸሎም ዘይብሎም ናብ ትግራይ ሃዲሞም ከይዶም እዮም። ናብ ትግራይ ምስ ከዱ እውን ደንጊጹ ዘጸግዕ ቤተሰብ ኣዝማድ ዘይረኸቡ፣ ክሳብ ሕጂ ኣብ መኻዚኖታት ተጨቓጪቖም ዝነብሩ ተጋሩ ብዙሓት ከምዘለዉ ኣብ ቴሌቭዥን ትግራይ ዝርኣናዮ እዩ።

ኢድ ሸናሒት ጸናሒት ዝበሃል ከም'ዚ እዩ!

ብኣንጻሩ እቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰጎገ ኤርትራዊ፣ ዘይ ከምቲ ወያነ ትግራይ ዝሓሰበቶ ኣብ ጎደና ጽርግያ ወጽዩ ከይለመነ፣ ተጸባዪ ሓገዝ መንግስቲ ከይኮነ፣ ብኤርትራዊ ጽንዓትን ናይ ምትሕግጋዝ ባህሊን ነቲ ፈታኒ እዋን አሕሊፍዎ እዩ። ከም'ቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝበሎ ድማ ንላም ቀርና ስለዘይከብዳ፣ እኳ ደኣ ብጻዕሩን ፋሕተርተሩን ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ቁጠባ ተዋፊሩ ንነብሱ ኮይኑ ንሃገሩ ጠቒሙ እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ፣ ሓደ ካብ'ቲ ንሓደ ፍጻመ ታሪኽ፣ ናብ ውሉድ ወለዶ ዝሓልፈሉ ኣገባብ፣ ምቋም ናይ ዝኽሪ ሓወልቲ ስለዝኾነ፣ ዝምልከቶ ኣካል፣ ንታሪኻዊ ርዝነት (historical importance) ናይ'ዚ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ምስጓግ ኤርትራዊያን ካብ ኢትዮጵያ ኣቓልቦ ሂቡ፣ ነባሪ ናይ መዘከሪ ሓወልቲ (memorial statue) ኣብ ርእሲ ከተማና ኣስመራ ከትከል ግቡእ ምኻኑ ከዘኻኽር እደሊ።

ፍቱዋት ደቂ ኤረይ፣ በቲ ትግራዋይ ለገሰ ዜናዊ፣ ብዛዕባ ምስጓግ ኤርትራዊያን ካብ ኢትዮጵያ ብዝምልከት፣ ኣብ ሓደ ቃለ መጠይቕ ብዝሃባ ኩልኹም ኣጸቢቕኩም ብእትዝክርዋ መልሲ፣ ነዛ ጽሑፋይ ክዓጹ መሪጸ ኣለኹ፥
ማንኛውም የውጭ ሃገር ዜጋ፣ ኢትዮጵያ ውስጥ መኖር የሚችለው፣ በኢትዮጵያ መንግስት መልካም ፍቃድ ብቻ ነው። ጀርመናዊም ይሁን ጃፓናዊም ይሁን ኤርትራዊ፣ የኢትዮጵያ መንግስት የኣይናችሁ ቀለም ኣላማረኝም ካለ መውጣት ብቻ ነው ያለባቸው! የጸጥታ ሌላ ነገር ሳይነሳ
እሞሲ፣ ኣይረሳዕናዮን!

ኣይረሳዕናዮን!

ከመይ ኢልካ ክርሳዕ!?

ኤርትራዊነት ዘይብተኽ ሰንሰለት!

እዛ ጽሕፍቲ ነቶም በዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ኣገባብ ብወያነ ትግራይ ብግፍዓዊ ኣገባብ ካብ ኢትዮጵያ ንዝተሰጎጒ ኩሎም ኤርትራዊያን ወለደይን ኣሕዋተይን መዘከርታ ክትኮነለይ ኣወፍየያ ኣለኹ።

ሼር ምግባር ኣይንረስዕ!

Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: ኣይረሳዕናዮን!

Post by Zmeselo » 06 Jun 2020, 05:26


ኣይረሳዕናዮን... Today, in our history!

6 ሰነ 1998 ኣብ ቅነ መዓልቲ ሰማእታትና ልክዕ ከምዚ ሎሚ: ቅድሚ 22 ዓመት: ጃንዳ ወያነ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ን2ይ ጊዜ ዝደብደበሉን ነፋሪት ዝተሓምሸሸትሉን ፓይሎት ዝተማረኸሉን ዕለት'ያ። (Courtesy of Taezaz Abraha)

Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: ኣይረሳዕናዮን!

Post by Zmeselo » 06 Jun 2020, 05:32

An alleged tie between TPLF in Tigray and a militant group in Oromia (aka OLF Shennie) is being reported about, that ranges from military training to the supply of arms. How is such destructive and terrorist acts by the TPLF, being tolerated?



(VOA) — በርከት ያሉ የህወሓት ታጣቂዎች ከኦነግ ሸኔ ጋር ተደባልቀው አየተንቀሳቀሱ ነው ሲል የኦሮምያ ክልላዊ መንግሥት ወንጅሏል።

የክልሉ ምክትል ፖሊስ ኮሚሽነር ግርማ ገላን ለመገናኛ ብዙሃን እንዳሉት ከሥልጠና ቦታ ጠፍተው የመጡ ወጣቶችም ማን እንዳስለጠናቸው እና ተልዕኮ እንደሰጣቸው በግልፅ ይናገራሉ ብለዋል።

ለተጨማሪ የተያያዘውን የድምፅ ፋይል ያዳምጡ።

https://av.voanews.com/clips/VAM/2020/0 ... 5d_16k.mp3



Axumezana
Senior Member
Posts: 13507
Joined: 27 Jan 2020, 23:15

Re: ኣይረሳዕናዮን!

Post by Axumezana » 06 Jun 2020, 08:20

Ascaris you have the habit of lieing & telling one side of the story! What about the thousand of Ethiopians deported from Eritirea?

sebdoyeley
Member+
Posts: 5507
Joined: 14 Feb 2020, 04:27

Re: ኣይረሳዕናዮን!

Post by sebdoyeley » 06 Jun 2020, 08:28

Axumezana wrote:
06 Jun 2020, 08:20
Ascaris you have the habit of lieing & telling one side of the story! What about the thousand of Ethiopians deported from Eritirea?
shut up agame qomal sahsah, :mrgreen:

( ͡° ͜ʖ ͡°)
Member
Posts: 2312
Joined: 11 Jan 2020, 21:22

Re: ኣይረሳዕናዮን!

Post by ( ͡° ͜ʖ ͡°) » 06 Jun 2020, 15:05

It is my wish to erect a large monument on top of the highest mountain at the border areas, to stand as a tribute to the 100,000 Eritrean victims of TPLF's forced expulsion, as well as to serve as an important reminder that the righteous will always prevail over those cruel in heart (Libi Tigray).

ኣይረሳዕናዮን! ኣይረሳዕናዮን! ኣይረሳዕናዮን! ኣይረሳዕናዮን! ኣይረሳዕናዮን!

molover
Member
Posts: 2327
Joined: 26 Apr 2013, 05:16

Re: ኣይረሳዕናዮን!

Post by molover » 06 Jun 2020, 18:02

Axumezana wrote:
06 Jun 2020, 08:20
Ascaris you have the habit of lieing & telling one side of the story! What about the thousand of Ethiopians deported from Eritirea?
Can you tell me One Person that got Deported From Eritrea??? Do the Government Of Eritrea Loot their Properties????????

Axumezana
Senior Member
Posts: 13507
Joined: 27 Jan 2020, 23:15

Re: ኣይረሳዕናዮን!

Post by Axumezana » 06 Jun 2020, 21:57

Ascaris are immature and emotional , whenever they are challenged with ideas they immediately resort to insults. That is how their masters Italians had programmed their mind set.

( ͡° ͜ʖ ͡°)
Member
Posts: 2312
Joined: 11 Jan 2020, 21:22

Re: ኣይረሳዕናዮን!

Post by ( ͡° ͜ʖ ͡°) » 07 Jun 2020, 01:22

Axumezana wrote:
06 Jun 2020, 21:57
Ascaris are immature and emotional , whenever they are challenged with ideas they immediately resort to insults. That is how their masters Italians had programmed their mind set.
Your agame's IQ is 63, the lowest in the world. You are chimpanzees mimicking human voices. My dog is smarter than you! :lol: :lol: :lol:

Axumezana
Senior Member
Posts: 13507
Joined: 27 Jan 2020, 23:15

Re: ኣይረሳዕናዮን!

Post by Axumezana » 07 Jun 2020, 22:39

Halai Ascaris you know that we are your masters! Tell me if you have built a single city or managed a successful company or have developed your country. You only know how to destroy what you have and steal the brave history of Tigrayans. You appreciate/love your slavery with Italians and hate and sabotage your brothers.

quindibu
Member
Posts: 3279
Joined: 31 Dec 2010, 13:17

Re: ኣይረሳዕናዮን!

Post by quindibu » 07 Jun 2020, 22:53

( ͡° ͜ʖ ͡°) wrote:
07 Jun 2020, 01:22
Your agame's IQ is 63, the lowest in the world. You are chimpanzees mimicking human voices. My dog is smarter than you! :lol: :lol: :lol:
Well.....if they were not chimps, they would not have been quarantined in that god forsaken land while the tanks and the banks were in their own hands!

Post Reply