Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 07 Apr 2020, 03:59

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)።

19 - ሕሹኽታ ኅሊና


ኅሊና፡ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ሕሹኽታ ኣምላኽ ኮይኑ፡ ሕጊ ክትህሉን ሥነ ምግባር ከተዘውትርን ዚእዝዘካ ኢዩ። ሕሹኽታ ኅሊና፡ ቀስ ኢሉ ዚዛረብ ድምጺ ኮይኑ፡ ንስኻ እትዛረቦ ዘረባ ኣይኮነን ዚዛረብ። ኵነታት ተግባር ኅሊና ዚፍለጠካ፡ ኣብ ኵሉ፡ መዓልታውን ናእሽቱን ስራሕ እምበር፡ ኣብ ዓበይቲ ጕዳያት ጥራይ ኣይኮነን። ንስኻ ናይ ኅሊና ሕሹኽታ ምእንቲ ክትሰምዕ፡ ንኵሉ ምድራዊ ኃልዮትካ ረሲዕካ፡ ንውሽጣዊ መሽጐራጉር ነፍስኻ መርምር።

እቲ ኣብ ውሽጥኻ እትሰምኦ ሕሹኽታ፡ ድምጺ ኣምላኽ ኢዩ። ከም ወቐሳ ኅሊና ዜሕምም ነገር የልቦን። ንስኻ ክፉእ ክትሰርሕ ከሎኻ፡ ኅሊናኻ ይግስጸካ፡ ይኹርየልካ፡ ይጣራዕ፥ በደልካ ከረድኣካ ይጽዕር፡ ይዅንነካ፡ ይቐጽዓካ፡ ሰላም ይኸልኣካ፡ ይኅውኸካ፡ ሕፍረት ከምዚስመዓካ ይገብር፡ ይዕፍነካ፡ የሳቕየካ፡ ይቕንጥወካ፡ ይወግኣካ፡ የቝስለካ፡ ብሓጺሩ ግራጭ ይኾነካ፥ ወይ ከኣ ብኣንጻሩ፡ ኅሊና ታሕጓስ የኅድረልካ፡ የጸናንዓካ፥ ጽቡቕ ምስክር ኅሊና፡ ዜጸናንዕ ጥዑም ጻማ ኢዩ፥ ኅሊና ንኵሉ ውርደትካ፡ ዜሕውየልካ መድኃኒት ኢዩ፥ ንጽቡቕ ነገር ካብ ሕማቕ ነገር ፈላልዩ ዜርእየካ ኢዩ፥ ዘብራህርሃልካ፡ እዚ ኪፍጸምን ኪፍጸም ዘይግባእን ተግባር የመልክተልካ፥ ግቡእኻ ክትገብር የዘኻኽረካ፥ ብሓደ ወገን ይእዝዘካ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ይመኽረካ፥ ጽቡቕ ነገር ክትገብር የምህረካ፥ ኅሊና ብሓቂ ብሉጽ መምህር ኢዩ፥ ኅሊናኻ ይነግረካን ይመኽረካን ይምዕደካን ኢዩ።

ኵሉ እቲ ኣብ እምነት ኣምላኽ፡ ተመሥሪትካ ዘይኮነስ እናተጠራጠርካ እትገብሮ ነገር፡ ኃጢኣት ስለ ዝኾነ፡ ንሕጊ ኣምላኽ ተኣማሚንካ ደኣ እምበር እናተጣራጠርካ ኣይትፈጽሞ (ሮም 14፡23 ረአ)። ኅሊናኻን ኅሊና ካልኦትን ተገፊዖም ካብ ምርኣይ፡ ዝኾነ ይኹን መሥዋዕቲ ምግባር ይሕሸካ። ምስ ኅሊናኻ ዋጋ ዕዳጋ ፈጺምካ ኣይትግበር። ኵሉ ነገር ክትገብር ተፈቒዱልካ’ኳ እተኾነ፡ ግን ኵሉ ነገር ከኣ፡ ሓናጺ ስለ ዘይኮነ፡ ምእንቲ ፍቕሪ ሓድሕድ ኢልካ ኅድገት ግበር ኢኻ (1 ቆሮ 10፡23)። ናብ ኃጢኣት ከይትወድቕ ጥንቑቕ ምእንቲ ክትከውንን፡ ኣብ ፍርዲ ኣምላኽ ከኣ ከሳሲኻ ምእንቲ ከይኸውን፣ ንኅሊናኻ ውሽጣዊ ከሳሲኻ ንኺኾነካ ኣተባብዓዮ። ነቲ፡ ካብ ቅኑዕ መንገዲ ወጺኡ ዘሎ ልብኻ ክትግስጾን ናብ ልብኻ ክትመልሶን፡ ዚጽውዓካ ዘሎ ድምጺ ኣምላኽ ጽን ኢልካ ስምዓዮ። እግዚአብሔር ኣብ ልብኻ ይኃድርን ይዛረበካን ኢዩ። ተግሳጹ ከኣ ናብ ኅሊናኻ ብርሃን ኣእቲዩ፡ ንበደልካ ኢዩ ዜርእየካ።

ሓቀኛ ድምጺ ኅሊናኻ ክትሰምዕ እንተደሊኻ፡ ኣብ ከባቢኻን ኣብ ውሽጥኻን ጸጥታን ህድኣትን ክትፈጥር ይግባእ። ኅሊናኻ እንተደኣ ቀንጢዉካ፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ ይቕረታ ኣምላኽ ጥርጠራ እንተሊዩካን ትሳቐ እንተኾይንካን፡ እግዚኣብሔር ምሳኻ ከምዘሎን ከምዘይገድፈካን ኢዩ ዘረጋግጸካ። እንተኾነ ግን እቲ ሕማቕ ኣመልካ ነዙ ናይ ኅሊና ምቅንጣው ከየጥፍኦ ተጠንቐቕ።


ሕሱማት ሰብ፡ ብዓመጽ፡ እንተደኣ ወሪሮሙኻ፡ ንምስክርነት ናብ ኅሊናኻ ተማኅጸን። ካብ ናይ ሰብ ፍርዲ ናይ እግዚአብሔር ፍርዲ ይሕሸካ። ክብርኻ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ደኣ ሓዞ እምበር፡ ኣብ ኣፍ ደቂ ሰብ ኣይተቐምጦ። እግዚአብሔር ምስ ዚፈርደካ፡ እታ ቅድስናኻን እታ ጽብቕቲ ኅሊናኻን ደኣ እምበር፡ ብዝኂ ሃብትካ ኣይጠቕመካን ኢዩ! ካልኦት ሰባት እውን ኣይጠቕሙኻን ኢዮም! ንኅሊናኻ እናተመላለስካ መርምሮ። ኣመል እንተደኣ ኣሊዩኻ ከኣ፡ ብረዲኤት እግዚኣብሔር፡ ከምትእረም ግበር፥ በዙ መንገዲዙይ እንተኸይድካ ኣብ ፍጽምና ክትበጽሕ ኢኻ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ኅሊናዊ ጥርጣሬ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 11 Apr 2020, 11:41

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

20- ኅሊናዊ ጥርጣሬ


ካብቲ ብመንገዲ ቅድስና ክትስጕም ዕንቅፋት ዝኾነካ ኅሊናዊ ጥርጣሬ ርሓቕ። ኅሊናዊ ጥርጣሬን ራዕድን፡ ኃጢኣት ገይረ ኢየ፡ ወይ ከኣ ኃጢኣት ክገብር ቀሪበ ኢየ ብዚብል ጥርጣሬን ራዕድን ዝተላዕለ፡ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ነፍስኻ ዘይጡዑይ ክሲ ምግባር ማለት ኢዩ። ካብዙይ ዝተላዕለ፡ ንስኻ፡ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ዘሎካ ኣተሓሳስባን ስእልን ምናልባት ዘይቅኑዕ ኪኸውን ይኽእል ኢዩ።

መን ይፈልጥ፡ ነቲ ኣዚዩ ዜፍቕረካ እግዚኣብሔር፡ ከም ጨካንን ሕነኡ ዚፈድን ኣምላኽ ጌርካ ትርእዮ ትኸውን፡ እንተኾነ ትጋገ ኢኻ ዘሎኻ፥ ዋላ ሺሕ ጊዜኳ እንተተጋገኻ እግዚኣብሔር የፍቕረካን ይምሕረካን ኢዩ። ስለዚ ነቲ ዜፍቕረካ ኣምላኽ ብኸምዙይ ኣሉታዊ ዝኾነ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ክትርድኦ ግቡእ ኣይኮነን።

እምበኣርከስ ቅድሚ ኵሉ ክትገብሮ ዚግብኣካ ነገር ብኃጢኣትካ ምእማን ኢዩ። ካልኣይ እግዚኣብሔር ምሉእ ምሕረት ከምዚህበካ ፍጹም ኪትጠራጠር የብልካን። ብዛዕባ ተግባርካ ብሕሊናዊ ጥርጣሬን ራዕድን ካብ ምስቓይ፡ ናብ ውሽጥኻ ተመሊስካ ንርእስኻ ካብ ምሕያኽ፡ ነኅዋትን ንእግዚኣብሔርን ከይተቐይም ኢልካ እነተትጽዕር፡ እዙ ኅሊናዊ ወጥሪ ጥርጣሬኻ ብቐሊል ምገደፈካ ነይሩ።


ካብ ዘይትፈልጦ በደል ናጻ ዘውጽኣካ ኅሊናዊ ንጽሕና ክትደሊ ካብ ትውዕልን ብገዛእ ኃይልኻ ጥራይ ካብ ኃጢኣት ናጻ ክትከውን ካብ እትደሊ፡ ነቲ እግዚአብሔር ብሕያውነቱ ዝሃበካ ድኅነት፡ ብትሕትናን ብዓቢይ ምስጋናን ክትቅበሎ ኢዩ ዝግብኣካ። ንስኻ ብሓደ ወገን ናብ ዘይጠቕሙ ናእሽቱ ነገራት ብዘይመጠን ብምቕላብ፡ ብኅሊናዊ ስቓይ ክትሳቐ ትረኤ፡ በቲ ካልእ መዳይ ግን፡ ኣቦ ነፍስኻ ኪእዝዙኻ ንዚኽእሉ ክብድ ዝበለ ነገር ፈጺምካ ኣይትግደሰሉን። ምኽንያት ዘይብሉ ብወቐሳ ኅሊና እናተሳቐኻ ከሎኻ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ በቲ ዘይርጉእ ዝኾነ ጠባይካ፡ ኣብ ጥቓኻ ንዘሎ ብጻይካ ከተሳቕዮ ቅጭጭ ኣይብለካን። ንሕማም ኅሊናዊ ጥርጣሬኻ ክትስዕር ኢልካ እኹል ጻዕሪ ብዘይምግባርካ ተጥዓስ።

ዓቢይ ኃጢኣት ንምግባር ምሉእ ኣፍልጦን ኣእምሮን ፍቓድን ስለ ዜድሊ፡ ኣብ ስምዒትካ ናይ ኃጢኣት ሃረርታ ምስማዕን፡ ኃጢኣት ንምግባር ሃረርታ ምግባርን ዝተፈላለየ ነገር ከምዝኾነ ተረድእ። ኣብ ልብኻ ንእግዚኣብሔር ኪብድሎ ዚደሊ ሓሳብ እንተዘየሊዩ፡ ናብ ኃጢኣት ከይትወድቕ ኢልካ ኣይትፍራህ። ንእግዚኣብሔር በዲለዮ ኢየ እትብሎ ነገር ንጹር እንተዘይኮይኑ ከኣ፡ ብርግጽ ኃጢኣት ኣይገበርካን። ነቲ በዲለ ኢየ እትብሎ ብዘይመጠን ዝተጋነነ ስምዒትካ መርሚርካ ኣጽንዓዮን ኣረጋግጾን። ናይ ኅሊና ጥርጣሬን ራዕድን ዘበለ ኵሉ ፈጺምካ ናባኻ ኣይተቕርቦ።

ብእትገብሮ ናይ ኅሊና መርመራ ክትዓግብ ስለ ዘይኽኣልካ፡ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ምድግጋም ኑዛዜኻ፡ መፍትሒ ርኸበሉ። ኃጢኣት ከምዝገበርካ ምእቲ ብምእቲ ርግጸኛ እንተዘይኮይንካ፡ ኃጢኣት ገይረ ኢልካ ኣይትናዘዘሉ። ንዘረባ ኣቦ ነፍስኻ ከይተጠራጠርካ እመኖ፥ ምእንቲ ጥቕሚ ነፍስኻ ኢልካ ከኣ፡ ነቦ ነፍስኻ ተዓሚትካ ክትኣምኖም ይግብኣካ። ኣቦ ነፍስኻ ከናዝዙካ እንከለዉ፡ ንሶም ኣብ ክንዲ ኣምላኽ ኮይኖም፡ ነቲ ዚህቡኻ ምኽሪ ሰሚዕካ ከምትጥቀመሉ ግበር።

እግዚኣብሔር ንኵሉ ውሽጥኻ ኣጸቢቑ ከምዚፈልጦን ምሉእ ብምሉእ ከኣ ከምዝተቐበለካን እመን ኢኻ። ብዘይገበርካዮ ኃጢኣት ንኸይትናዘዝ ካብ ዝወሰንካሉ መዓልቲ ንድኃር፡ ካብ ኅሊናዊ ጥርጣሬን፡ ፍርህን፡ ራዕድን፡ ናጻ ከምትኸውንን፡ ሓንቲ ስቓይ ከምዘይህልወካን እመን።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ሓቀኛ ዳግማይ መንፈሳዊ ልደት” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 15 May 2020, 06:17

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)።

21 - ሓቀኛ ዳግማይ መንፈሳዊ ልደት

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዚረኣ፡ ጽቡቕ ተግባርን ጽቡቕ ሕይወትን ደኣ እምበር፡ ጽቡቕ ዘረባ ኣይኮነን። ጥዑም ዘረባ፡ ብዙኅ ጊዜ በብዓይነቶም ዕምባባታት ንዝተሳእሎ ዓለባ ወይ ከኣ ወረቐት ንዝተሸፈነ ባዶ ገረወኛ ኢዩ ዚመስል። ኵላትና፡ ይብዛኅ ይውኃድ፡ ብመንፈስ መደልዋንን ኣምሳሉነትን ዝተቘማጣዕና ኢና፥ እዙይ እንታይ ማለት ኢዩ፡ እንገብሮ ስራሕ ኵሉ፡ ንዓይኒ ሰብ ወይ ንዓይኒ ሕጊ ጥራይ ምስራሕ ማለት ኢዩ።

ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዚጀመሮ ሱባኤ፡ ነቶም ኣብ መንገዲ ቅድስና ዚርከቡ ንርእሶም ከየታልሉ ዚሕግዝን ዚምህርን ትምህርቲ ኢዩ። ንስኻ፡ ጌጋ የብለይን፡ ፍጹም ኢየ አይትበል። እኳ ደኣ፡ ጸጸኒሕካ ንርእስኻ መርምር ኢኻ።

ንተግባርኻ ጸጸኒሕካ እናፈተሽካ፡ ክትወቕሶን ክትፈርዶን ጽዓር። ንርእስኻ ምውቃስ ምልክት ውሽጣዊ ሃብቲ ኢዩ፥ ንርእስኻ ከም ዓቢይ ገይርካ እትግምተሉ ጊዜ፡ ሽዑ ኢዩ ድኻምነትካ ዚግለጽ። ንስኻ ብዛዕባ ርእስኻ፡ ፍጹም ኢየ ዚብል ኣተሓሳስባን ልዑል ግምትን እንተደኣ ኣሊዩካ፡ ብመንፈስ ገና ብዙኅ ስጕምቲ ወይ ምዕባለ ከምዘይገበርካ ፍለጥ።

ገለ ጽቡቕ ነገር ፈጺምካ እንተኾይንካ፡ ኣይትተሓበን፥ ከመይ ኵሉ ነገር ናይ እግዚኣብሔር ህያብ ኢዩ። የግዳስ፡ ንስኻ፡ ንብዙኅ ጸጋ እግዚኣብሔር ጽቡቕ ገይርካ ስለ ዘይተጠቐምካሉ፡ ኪምሕረካ ለምኖ።
ብዛዕባ ኃጢኣትካ ክትበኪ እንተደሊኻ፡ እቲ ብዘይመጠን ሕያዋይን ዝዓበየ ገባሪ ጽቡቕካን ዝኾነ እግዚኣብሔር፡ ብዘይጠቅም ምክኒያትን ንዘይጭበጥ ታሕጓስን ኢልካ ከምዘሕዘንካዮ ሕሰብ። ከምዙይ ምስ ትገብር፡ እቲ ብሓቂ ብፁዕ ዝኾነ ንስሓኻ ኣብ ሰማይ ዓቢይ ክብሪ ኬውህበካ ኢዩ።

ካብ መንገዲ ኃጢኣት ወጺእካ ናብ መንገዲ ጽድቂ ክትኣቱ እንተደሊኻ፡ ቀልባዕባዕ ከይበልካ፡ ናብ ውሽጥኻ ኣቲኻ፡ ሃዲእካ ተቐመጥ። ካብ ክፉእ ዝኾነ መኅለፊ ጊዜን፡ ካብ ከንቱ ዝኾነ ጸወታ እዙ ዓለም እዙይን፡ ርሓቕ። ጽቡቓት ዚመስሉን፡ ኣብ ሰብነቶም እውን ብዙኅ ሽልማት ዘለዎም ሰባት፡ ብዙኃት ኢዮም። ግዳ እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ኣብ ልቦም ጨናውን ዕግርግር ዜብል ሽታን ዘለዎም ኾይኖም፡ ንኃላፍን ንዝሞተ ነገርን፡ ፍቕሪ ዚስምዖም ሰባት ኢዮም (ማቴ 23፡27)።

ካብዙ ዓለምዙይ ምስ ተፋኖኻ፡ ተጣዒስካ ናብ ኣምላኽ ክትምለስን ብዝገበርካዮ ኃጢኣት ክትክሕስን ኣይትኽእልን ኢኻ። ንስኻ ክትሓዊ እንተደሊኻ፡ ጊዜ ከሎካ፡ ናብቱ ሓኪምካ ዝኾነ እግዚኣብሔር ተመለስ ኢኻ። ኣብሰማይ ካብ 99 ንስሓ ዘየድልዮም ጻድቃን፡ ንሓደ ንስሓ ገይሩ፡ ናብ ኣምላኹ ንዚምለስ ኃጢኣተኛ፡ ዝበዝኄ ታሕጓስ ኪግበረሉ ኢዩ (ሉቃ 15፡7)።

ከም ወዮ ዑፍ ዓዲ ዓረብ፡ ኣብ ሓሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት፡ ኣብ ሓዊ ተጠቢሱን ሓሪሩን፡ ከምብሓዲሽ ካብ ሞት ተንሢኡ፡ ሓዲሽ ሕይወት ዚዘርእ ዝነበረ፡ ከምኡ ከኣ ንስኻ ናብ ሓዲሽ ሕይወት ክትትንሥእ እንተደሊኻ ንሕማቕ ዝንባሌኻን ንኣረጊት ሰብነትካን፡ ክተጥፍኦም እንተኺኢልካ ኢዩ። ንስኻ ንእግዚኣብሔር ክትረክብ፡ ንርእስኻ ከተጥፍእ ኣሎካ።

ሕይወትካ ምልዋጥ ማለት፡ ነቲ ዝሩግ ዝኾነ ዝንባሌኻ ምቕጻዕ ማለት ኢዩ። ዓወትን ለውጥን ዚርከብ ብጥበብን ከየቋረጽካ ጻዕሪ ብምክያድን ደኣ እምበር ብጊዚያዊ ስምዒት ኣይኮነን።

እምበኣር ዝኸበርካ ኃወይ! እቲ ምሽው ጊዜን እቲ መዓልቲ ድኅነትን ሕጂ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ክትገብሮ ዘሎካ ነገር ሕጂ ወስኖ ኢኻ (2 ቆሮ 6፡2)። ሸይጣን ኣብ ግብሪ ንዘይውዕል ቍርጺ ፍቓድ፡ ኣይፈርሆን ኢዩ። ንስኻ፡ ሕጂ እውን፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ጊዜ ሞትካ ክትገብሮ፡ እትምነዮ ነገር ግበር። ዓቢይ ነገር ምስ ትመርጽ፡ ንጊዜ ሞትካ ደኣ እምበር፡ ንጊዜ ሕይወትካ ክትሓስብ ኣይግባእን።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ሓቀኛ ጣዕሳ ኃጢኣት” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 18 May 2020, 06:49

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

22- ሓቀኛ ጣዕሳ ኃጢኣት


ንዝሞተ ሰብ ካብ ሞት ካብ ምትንሥኡ፡ ካብ እግዚኣብሔር ንዝረሓቀ ኃጢኣተኛ፡ ምምላስ ዝዓበየ ተኣምር ኢዩ። ከመይሲ እዙ ቀዳማይ ተኣምር፡ ናብ ሕይወት ዝተንሥኤ እቲ ከምብሓዲሽ ኪመውት ዘለዎ ሰብነት ኪከውን ከሎ፡ እቲ ካልኣት ተኣምር ግን፡ እታ ናብ እግዚኣብሔር ዝተመልሰት፡ ንዘለዓለም እትነብር ነፍሲ ኢያ።

ኣብ ነፍስኻ ብርሃን ጣዕሳ እንተደኣ በሪሁ፡ ብዝገብርካዮ ኃጢኣት ክትበኺ ኢኻ፥ ድኅሪኡ ከኣ ብብርቱዕ ስምዒት ንመንግሥተ ሰማይ ሃረር ክትብል ኢኻ። ሓዲሽ ሕይወት ከተስተማቕር እንተደሊኻ፡ ኣብ ሕይወትካ ብዝገበርካዮ ኃጢኣት ተጣዒስካ ብኸ።

ጣዕሳ ኃጢኣትካ ኪዓቢ ኪኽእል፡ ብሓደ ወገን ነቲ እግዚኣብሔር ዝገበረልካ ድማዕ ብምሕሳብ ኪኸውን ከሎ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ነቲ ሞሳ ዘይብሉ ዝገበርካዮ ክሕደት ብምሕሳብ ኢዩ፥ ዝኽሪ ኃጢኣትካ ኵሉሻዕ ኣብ ቅድሜኻ ኪነብር ኢዩ(መዝ 51፡5 ረአ)።

እግዚአብሔር ብህያውነቱ ብኃጢኣት ካብ ዝተዘርገ ሕይወት ኣውጺኡ፡ ናብ ቅድስና እንተደኣ ጸዊዑካ፡ ሽዑ ጥራሕካ ከምዝነበርካ ኪርድኣካን ኅሊናኻ ኪወቕሰካን ኢዩ። ንስኻ ንልብኻ ካብ ዘይንጹሕ ፍቕሪ ዚውለድ ኵሉ ናይ ሃረርታ ስምዒት ከተንጽሖ ይግብኣካ ደኣ እምበር፡ ካብ ኃጢኣት ምህዳም ጥራይ ኣይኣክልን ኢዩ።

ነቲ ምንጭን መሠረትን ኵሉ ዝኾነ ልብኻ፡ ናብ እግዚኣብሔር ከምትመልሶ ግበር ኢኻ። ዓሚቝን መሪርን ጣዕሳ ኃጢኣትካ ጥራይ ኢዩ ንጽሕና ልቢ ዚህበካ። ነቲ ኵሉ ምስ ኃጢኣት ዚኣሳስረካ ማእሰርቲ ክትበታትኾ እንተደሊኻ ብኃጢኣትካ ካብ ምጥዓስ ከተቋርጽ የብልካን።

ዝበለጸ ጣዕሚ ዚርከብ፡ ኃጢኣት ኣብ ምግባር ዘይኮነስ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ተደፊእካ፡ እናበኸኻ ምሕረት ምሕታት ኢዩ። እቲ ንምፍዋሱ ዝኃየለ ኃጢኣት፡ ኃጢኣተኛ ምዃንካ ዘይምእማን ኢዩ። ንብዓት ኢየሱስ ዝፈሰሰ፡ ንዝሞተ ኣልኣዛር ዓርኩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቶም ኵሎም ንዕድመኡ ግዲ ከይሞቱ፡ ብትንሣኤኡ ኣይንኣምንን ዝብሉ ኵሎም እውን ኢዩ።

እግዚኣብሔር ኣእዳዉ ዘርጊሑ ተቐቢሉ ኪሓቝፈካ ይጽበየካ ኣሎ’ሞ፡ ብኃጢኣትካ ተጠዓስ። ንስኻ ኃጢኣትካ፡ ንዓለም ክትሓብኦ’ኳ እንተኸኣልካ፡ ንእግዚኣብሔር ግን፡ ክትሓብኣሉ ኣይትኽእልን ኢኻ። ከምቲ ቅድም ነዙ ዓለምዙይ ብምሉእ ኃይልኻ ትደልዮ ዝነበርካ፡ ሕጂ ከኣ ብምሉእ ኃይልካ ካባኻ ኣርሕቆ።

ጣዕሳ ኃጢኣትካ፡ ድሌት ንስሓን ትሕትናን ከላዕለልካ ይግባእ፥ ምስኡ ኃቢሩ ዚኸይድ ከኣ፡ ፍቕሪ ሕያውነት ኣምላኽ ኬኅድረልካ ይግባእ። ጣዕሳ፡ ብርግጽ፡ ንነፍስኻ ካብ ኃጢኣት የጽርያ’ኳ እንተኾነ፡ ግዳ ብሕያውነትን፡ እምነትን፡ ፍቕሪ ኣምላኽን እንተዘይተሰኒኻ ኣብ ፍጽምና ኣይትበጽሕን ኢኻ። ጣዕሳ ኃጢኣትካ ብዘይ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንኽትረክብ ኣይጠቕመካን ኢዩ (1 ቆሮ 13፡3 ረአ)። ንእግዚአብሔር ኣብ ገዛእ ቦታኻ ምቕማጥን ንዓኡ ኣብ ልብኻ ቀዳማይ ቦታ ምሃብን እቲ ዝበለጸ ናብ እግዚአብሔር ዚወስድ መንገዲ ጽድቂ ኢዩ።

ዝኸበርካ ኃወይ! ኣብዙ ተሪፉካ ዘሎ ሓጺር ሕይወት ብኵለንተናኻ ንኣምላኽ ተወፈ፥ እቲ ተሪፉካ ዘሎ ጊዜ ክንደይ ምዃኑ ኣይትፈልጦን ኢኻ፥ ብዘይ መጠን ሓጺር ጊዜ እውን ኪኸውን ይኽእል ኢዩ። ንስኻ ካብ ቅሌታውን፡ ዓለማውን ቀይዲ በተኽ ዝኾነ ሕይወት ወጺእካ፡ ናብ ትሑትን፡ ተጋድሎ ዚመልኦን፡ ብሕጊ ዝተቐየደን፡ ሕይወት ኣቲኻ ናብ እግዚኣብሔር ክትምለስ ጽዓር።

ነፍስኻ ንምፍቃድ ክሳብ ዕለት ሞትካ ኣይትጸበ፥ ኣብዙ ጉዳይዙይ ክሳብ ሞትካ ምጽባይ ማለት፡ ከም ወዮ! ጠላዕ ዚጻወት እሞ፡ ዘይዒራ ኣብ መወዳእታ ስዒረ ንኵሉ ኪመልሶ ኢየ ዚብል ዓሻ ሰብ ምምሳል ኢዩ። እዙ ተዋሂቡካ ዘሎ መዋዕል ኣብ ዕለት መወዳእታ ፍርድኻ ከሳሲኻ ኮይኑ ከይርከብ፡ጊዜኻ ብኸንቱ ኣይትሓሽሽ። ጊዜ ንዓኻ ስለ ዘይጽበ፡ ንስኻ’ዉን ኣይትጸበዮ። እቶም እግዚአብሔር ብትዕግሥቲ ዚጽበዮም ብልቦም ናባኡ እንተዘይተመሊሶም፡ ኣበርቲዑ ኪቐጽዖም ኢዩ።

እቲ ጊዜ ኣብ ኢድካ ከሎ ንነፍስኻ ፍቐድ፥ ንልብኻ ናብቲ ዚጽውዓካ ዘሎ ኣምላኽ ምለሶ፥ ንሱ ኪቕበለካ ኢዱ ዘርጊሑ ይጽበ ኣሎ። ኣብ ህልውና ኃጢኣት ትርከብ እንተደኣ ኣሊኻ ኮይንካ፡ ንጽባሕ ከይተጸበኻ፡ ካብ ሕጂ ኣትኂዝካ፡ ጠባይካ ኣመዓራሪ።

ዝኃለፈ ጊዜኻ መለበሚ ይኹንካ ደኣ እምበር፡ ብዝኃለፈ ጊዜኻ ኅሊናኻ ኣይተዕርብ። እግዚኣብሔር እቲ ግዙፍ አካልካ ከየጥፍኤ ሓዲሽ ፍጥረት ኪገብረካ ኢዩ ወሲኑ ዘሎ። በቲ ተረፍ መረፍን ዘይጠቅምን ኣቝሑት ገይሩ፡ ሓዲሽ ቤት መቕደስ ሕይወትካ ኢዩ ኪሓንጽ መዲቡ ዘሎ።

ክብሪ ኣክሊል ዚቕበል፡ እቲ ከይሰልከየ ክሳብ መወዳእታ ዚቕጽል ደኣ እምበር፡ እቲ ጀሚሩ ዘቋርጽ ከምዘይኮነ ኣይትረስዕ (ሉቃ 9፡62 ረአ)። ብዙኃት ናብ ኣምላኽ ተመሊሶም ጽቡቕ ይጅምሩ’ሞ ቀልጢፎም ከኣ የቋርጹ፥ እቶም ከየቋረጹ ክሳብ መወዳእታ ዚበጽሑ ግን፡ ቁሩባት ኢዮም። ዚሽለሙ እቶም ክሳብ መወዳታ ጥራይ ዚጸንዑ ስለ ዝኾኑ፡ ንስኻ ከኣ፡ ሠናይ ኣብ ምግባር ጽናዕ (ማቴ 10፡22 ረአ)። ኣኽሊል ክብሪ እትቕበል፡ ጽንዓት ጥራይ ኢያ፥ ንሳ ከኣ ንግሥቲ ጽንዓት ትበሃል (ማቴ 24፡13 ረአ)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ኣብ ምሕረት እግዚአብሔር ምእማን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 21 May 2020, 06:55

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)።

23- ኣብ ምሕረት እግዚአብሔር ምእማን

እግዚአብሔር ብምሕረቱ ሃብታም ክንዲ ዝኾነ፡ ብርግጽ፡ ንስኻ እውን፡ ብትሩፋት ሃብታም ኢኻ። እቲ መለኮታዊ ጓሳ ዝኾነ ኢየሱስ፡ ነታ ዝጠፍኤት በጊዕ ከናድያ እናኸደስ፡ ነታ ለይትን መዓልትን ካብ ቤቱ ከይወጸት፡ ናብኡ እተእዊ በጊዕ ደኣ ከመይ ገይሩ ከይተገደሰላ ሱቕ ኪብል ኢልካ ትሓስብ? እግዚአብሔር ንኃጢኣተኛታት ናብኡ ኪመጹ ዚጽውዖም ካብ ኮነ፡ ነቶም ለይትን መዓልትን ሕጉ ኪሕልዉ ኢሎም ዚጽዕሩ እሙናት ኣገልገልቱኸ ደኣ፡ ሽሕኳ ብዙኅ ድኻምነት ይሃልዎም እምበር፡ ከመይ ኢሉ ብሸለልትነት ኪርእዮም ይኽእል? ንስኻ ነቲ ወሰን ዘይብሉ ምሕረት ኣምላኽ ኣይትደርቶ።

ኣምላኽ ትሑት ብምዃኑ ኪገርመካ ኣይግባእን፥ ብምዘይምግራምካ ከኣ ብፁዕ ኢኻ!። ንእግዚአብሄር እቲ ኣውራ ዜኅዝኖ ነገር፡ ኣብ ምሕረቱ ዘይምእማንን ተስፋ ምቍራጽን ኢዩ። እግዚአብሔር ብዓል ምሉዕ ትዕግሥቲ ኢዩ፥ ምሕረቱ ከኣ ዓቢይን ወሰን ዜብሉን ኢዩ።

ንስኻ ንበደልካ ብእምነት ኣብ መንበረ ታቦት ከተንብሮ እንተኺኢልካ፡ ንእግዚኣብሔር ከኣ ኣብ መደብ ድኅነቱ፡ ፍረ ከምዚህብ ኪገብሮ ኢዩ። ይቕረታ እግዚኣብሔር ንኃጢኣትካ ኪሠርየልካ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጸጋታቱ ከምብሓዲሽ ይጽጕወካን ዕርክነቱ ከኣ፡ ዳግም የረጋግጸልካን ኢዩ (ሉቃ 15፡22-24 ረአ)።

እግዚአብሔር ሓኪምካ ኢዩ፥ ንስኻ ከኣ ሕክምና ዜድሌካ ሕሙም ኢኻ። እግዚአብሔር ሩኅሩኅ ኢዩ፥ ንስኻ ከኣ ርኅራኄ ዜድሌካ ምሽኪን ኢኻ። ንሱ ካብ ብዝኂ ሕያውነቱ ዝተላዕለ፡ ዋላኳ ንስኻ እንተካሓድካዮ፡ ንሱ ግን ፈጺሙ ኣይክሕደካን ኢዩ። እቶም ኣውራ ንልቢ ኣምላኽ ዜሕጉሱ፡ ጻድቃን ዘይኮኑስ፡ እቶም ብኃጢኣቶም ተጣዒሶም ናብኡ ዚምለሱ ኢዮም (ሉቃ 15፡7 ረአ)። ኢየሱስ ንኃጢኣተኛታት ደኣ እምበር፡ ንጻድቃን ኣይኮነን፡ ንስሓ ኪገብሩ ዚጸውዔ (ሉቃ 5፡32 ረአ)።

ሕያውነት፡ ብተፈጥሮኣ፡ ንኵሉ ኢያ ትጠቅም። እቲ ደረት ዘይብሉ ሕያውነት እግዚአብሔር ከኣ፡ ታሕጓሱ ኪገልጸልካን ኣብ ታሕጓሱ ከሳትፈካን ኢዩ ዚደሊ። መንፈሱ ካብ ምቕጻዕ ምምሓር ኢዩ ዚፈቱ።

ብኃጢኣት እንተተፈተንካ፡ ነቲ ፍትሔኛ ፍርዲ ኣምላኽ ብምዝካር፡ ኣይትኅጠ። ብፈተና ተሸኒፍካ ኣብ ኃጢኣት ወዲቕካ እንተኾይንካ ከኣ፡ ኣብ ምሕረቱ እምነት ግበር። ብዝኾነ ግን፡ ምሕረት ዝተተስፈወ ነቲ ፍርሃት እግዚአብሔር ዘለዎ ጥራይ ስለ ዝኾነ፡ (ሉቃ 1፡50 ረኣ) ንስኻ ከኣ፡ ዒራ እግዚአብሔር ክምሕረኒ እንድኣሉ ኢልካ ከይትኃጥእ ተጠንቐቕ ኢኻ።

እግዚአብሔር ኪምሕረኒ ኢዩ ኢልካ ተስፋ ገይርካ ኣይትኅጣእ፡ ከመይ እዙ አጉል ተስፋዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ጽዩፍ ኢዩ (ኢዮ 11፡20 ረአ)። ብምሕረት እግዚአብሔር እንተተላጊጽካ፡ ፍርድኻ ናብ ኩነኔ ኪቕየር ኢዩ። ድኅነትካ ብገዛእ ኃይልኻ ከምዘምጻእኻዮ ገይርካ ትሓስብ እንተኾይንካ፡ ንምሕረት እግዚኣብሔር ኣሕሲርካዮ ማለት ኢዩ። እትድኅን ብኃይሊ ኣምላኽ እምበር፡ ብኃይልኻ ስለ ዘይኮነ፡ ንስኻ እምነትካ ካብ ኣብ ባዕልኻ፡ ብዚያዳ ኣብዙ መለኮታዊ ምሕረትዙይ አንብሮ (ኦዘጸ 17፡16 ረአ)።

ክትኃጢ ከሎኻ፡ ትርበሽን ዳርጋ ተስፋ ትቈርጽን እንተኾይንካ፡ እዙይ ኣብ እግዚኣብሔር ዘይኮነስ፡ ኣብ ርእስኻ ጥራይ ከምትኣምን ዜምልክት ኢዩ። ትሑት ሰብ ግን፡ ብዝፈጸሞ ኃጢኣት ይሓዝን እምበር፡ አይርበሽን ኢዩ።

ፍርዲ እግዚኣብሔር ኣየናሕስን ኢዩ፥ እንተኾነ ምሕረቱ እውን፡ ወሰን ከምዘይብሉ ፍለጥ። ኃጥያትካ ማእለያ ዘብሉ ኮይኑ ኣብ ባሕሪ ኃጥያት ጠሊቕካ ትርከብ እንተሎኻ እውን፡ ንስኻ ንብዝኂ ሃብቲ ምሕረት እግዚአብሔር ክትግምቶ ስለ ዘይትኽእል፡ ኅሊናኻ ኣይተዕርብ። እግዚአብሔር ኃጢኣተኛ ናብኡ ተመሊሱ ኪድኅን ኢዩ ዚደሊ እምበር፡ ኪመውት ኣይደልዮን ኢዩ (ሕዝ 18፡32 ረአ)።

መዓሙቕ ድኻምነትካ ንመዓሙቕ ምሕረት ኣምላኽ ኢዩ ዚስሕብ። ሕያውነት ኣምላኽ ካብ በደልካ ይዓቢ፥ ካብ ንሱ ኪምሕረካ፡ ንስኻ ክትብድሎ ክትርብርብ ይቐልል። እግዚአብሔር፡ ከም መጠን ሕያዋይ ኣቦ፡ ዚግድሶ፡ በደል ውልዱ ዘይኮነስ፡ ውልዱ ናባኡ ተመሊሱ፡ ብጠባዩ ኪእረም ጥራይ ኢዩ። ነቲ ኣብ ሕይወትካ ዝገበርካዮ ኃጢኣት ዘኪርካ፡ እግዚኣብሔር ኣይምሕረንን ኢልካ ተስፋ ክትቈርጽ ኣይግብእን። ንስኻ ንሕይወትካ ናብ ጽቡቕ እንተቐዪርካዮ፡ እግዚኣብሔር ከኣ፡ ንፍርዱ ኪቕይሮ ኢዩ።

እቲ ኣብ የማን ኢየሱስ ተሰቂሉ ዝነበረ ሰራቒኳ እምነት ገይሩ ኪልምኖ ዚደፈረስ፡ ንስኻ ደኣ ከመይ ገይርካ ተስፋ ክትቈርጽ ትኽእል? ኣብቱ ንሱ ዝኣተዎ ገነት ንኽትኣቱ ስለምንታይ ትጠራጠር? እቲ ሕይወቱ ዚሠውዓልካ ኢየሱስ፡ ብዛዕባ ዘለዓለማዊ ዕድልካ እውን ከመዓራርየልካ ኢዩ። እዙ ሓሳብዙይ ምሉእ ተስፋ ኪህበካ ኢዩ ዚግባእ። ኢየሱስ ባዕሉ እንተደኣ ተዋሒሱካ ብዝኂ ኃጢኣትካ ከሰንብደካ ኣይግባእን።

ብኃጢያትካ ትሓዝን እንተኾይንካ፡ ብኢየሱስ እመን፥ እቲ ንዓኻ ከድኅን ኢሉ ሕይወቱ ዚሠውዔ ኢየሱስ፡ ከመይ ገይሩ ኪዅንነካ ይኽእል? መለኮታዊ ምሕረት ኣብ ኢየሱስ፡ ሥጋ ለቢሱ ኢዩ ዚርከብ። ነፍስወከፍ ሰብ፡ ብኢየሱስ ድኅነት እግዚአብሔር ርእዩ ኢዩ (ሉቃ 3፡6 ረአ)። ኣብ ባዕልኻ ፈጺምካ ተስፋ ከይገበርካ፡ ብእምነትካን ብተስፋኻን ኣብ ምሕረት እግዚኣብሔር ጥራይ እንተደአ ተጸጊዕካ፡ ንኵሉ ኪትበጽሖ ኢኻ (ፊሊጵ 4፡13 ረአ)።

ኃጢኣትካ ናብቲ ምሕረት ዚመልኦ ልቢ ኣምላኽ ምስ ኣእተኻዮ፡ ናብ ባሕሪ ውቂያኖስ ከም ዝተደርበየ ቍልዒ ሓዊ ኪኸውን ኢዩ። ነቶም ኵሎም ተጣዒሶም ናብኡ ዚምለሱ፡ ምሕረትን ይቕረታን ኣምላኽ ክንደይ ዓቢይ ይመስለካ!

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ምሥጢረ-ኑዛዜ ምስ እግዚኣብሔር ይዓርቀና” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና! :mrgreen:


Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 22 May 2020, 10:25

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

24 - ምሥጢረ-ኑዛዜ ምስ እግዚኣብሔር ይዓርቀና

ድኅነት ንኽትረክብ ገና ጊዜ ከሎካ፡ ብዝገበርካዮ በደል ተጠዓስ። ካብዙ ዓለምዙይ ምስ ተሰናበትካ፡ ንስሓ ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ። ክትናዘዝ እውን ኣይትኽእልን ኢኻ። ነቲ ኪፍውሰካ ዚኽእል ሓኪምካ ዝኾነ ኣምላኽ፡ ተማኅፀኖን ለምኖን። ኢየሱስ ብምሥጢረ ኑዛዜ ገይሩ፡ ብደሙ ዝተሰርሔ ፈውሲ ቀሪቡልካ ኣሎ። እዙ ምስ እግዚአብሔር ዚዓርቀካ ምሥጢረ ኑዛዜ፡ ንቓል መንፈስ ምቝሉል ከምትኸውን እናገበረ ንነፍስኻ የንጽሖ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ኣምላኽ ተፈታዊ ይገብረካ፡ ብነፍስኻ ከኣ ንኽርስቶስ ከምትመስል ይገብረካ።

ምሥጢረ ኑዛዜ ምስታ ብኃጢኣትካ ዘቝሰልካያ ምስጢራዊት ዝኾነት ሰብነት ክርስቶስ ቤተክርስትያን ዘተዓርቕ መጋበሪ ኢዩ። ሓዲሽ ሕይወት ክርስትና ንምርካብ ኣብ ቅዱሳት ምሥጢራት ንምስታፍ ዚግበር ጻዕሪ ኢዩ። እወ፡ ምሥጢረ ኑዛዜ፡ ካልኣይ ተኣምራዊ ጥምቀት ኢዩ። እግዚኣብሔር ብፍርዲ ሓዊ ገይሩ ብኽርስቶስ እንብጀወሉ ምሥጢረ ኑዛዜ ኢዩ።

ዕቤት ኑዛዜኻ ዚምዘን፡ ኣብኡ ብእትኅልፎ ንውኂ ጊዜ አይኮነን፡ እንታይድኣስ ብእተርእዮ ጣዕሳ ኢዩ። ንኑዛዜ ብእትገብሮ ምስንዳው ውጽኢት ሥሬት ኃጢኣትካ ክትርኢ ኢኻ። ብኣፍካ እትገብሮ ኑዛዜ፡ ይቕረታ እትቕበለሉ ዋሕስ ስለ ዝኾነ፡ ናብ ኵሉ ምንጪ ግን፡ ካብ ጽቡቕ ስምዒት ልብኻ ኢዩ ዚውለድ። ጣዕሳ ዚበሃል ድሌት እምበር፡ ስምዒት ኣይኮነን።

ጣዕሳኻ ብተንኰል ዘይኮነስ፡ ብገርህነት ልቢ ምስ ትፍጽሞ፡ ባዕሉ መንፈስ ቅዱስ ኪመርሓካ ኢዩ (ኢሳ 38፡17 ረአ)። ንበደልካ ተመኻኒየሉ እንተኾይንካ ጣዕሳ ከምዘይብልካ ፍለጥ። ንስኻ ክሳብ ዚከኣለካ ብኃጢኣትካ ብኸ። ንብዓት፡ ደም እታ ብሓቂ ተጣዒሳ እትናዘዝ ነፍሲ ኢዩ (ቅ. ኣጎስጢኖስ፡ ስብከት 351፡ 4:7) ብዛዕባ ምሕረት ኣምላኽ ኣይትጠራጠር። እግዚኣብሔር፡ ምሳኻ ዘለዓለማዊ ዝኾነ ኪዳን ተኺሉ ይርከብ (ኢስ 16፡60 ረአ)።

እቲ ንኃጢኣተኛታት እምበር ንቕዱሳን ከምዘይተላእኸ ዝገለጸ ኢየሱስ (ማር 2፡17። ሉቃ 19፡10 ረአ) ኣብ ሰማይ ዓቢይ ሓጐስ መላእኽቲ ዝተሓወሶ (ሉቃ 15፡7 ረአ) ምሕረቱ እናፍሰሰልካ፡ ብዓጀባን ብይቕርታን፡ ኢዩ ዚቕበለልካ። ብርግጽ፡ ንስኻ ኃጢኣኣት ምስ ትፍጽም፡ ጽዩፍ ነገር ኢዩ። ግን ድኃር፡ ኑዛዜን ጣዕሳን ምስ ኮነ፡ ክብርን ጥዕናን፡ ኢዩ ዚዘርአልካ። ፍቕሪ ኢየሱስ ስቑል፡ ካብ በደልካ ኢዩ ዚዓቢ።

እቲ ንጴጥሮስ ነቲ ሕያዋይ ሰራቕን እተለገሰ ምሕረት፡ ኣብ ልቢ ኢየሱስ ዓቐን ዘይብሉን ንዝኾነ ይኹን ዝተናዘዝካዮን ዝበኸኻዮን ኃጢኣት ኬጥፍእ ዚኽእል ፍቕሪ ከምዘሎ ኢዩ ዚምስክር።

ብኃጢኣትካ ክትጠዓስ ደኣ እምበር፡ ክትጠፍእ ስለ ዘይደልየካ (2 ጴጥ 3፡9 ረአ)፡ እግዚኣብሔር ምስኻ ዓቢይ ትዕግሥቲ ኢዩ ዚገብር። ንስኻውን ከም ማርያም መግደላዊት ተጣዒስካ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ፡ ምኽትል ክርስቶስ ዝኾነ ካህን ሳላ ቅድስናኡ ከኣ፡ ምሕረት ኃጢኣትካ ክትቕበል ተንበርኸኽ።

ክርስቶስ ብዘይ ቤተ ክርስቲያን ኃጢኣትካ ኪሠርየልካ ኣይደልን ኢዩ። ከምኡውን ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ክርስቶስ ኃጢኣትካ ክትሠየልካ ኣይትኽእልን እያ። ምስ ቤተ ክርስቲያን ሰላም ከይገበርካ፡ ምስ እግዚአብሔር ሰላም ክትገብር አይትኽእልን ኢኻ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ካልኣይ ክፍሊ ጕዕዞ ቅድስና” ናብ ዚብል ኣርእስቲ ክንሰጋገር ኢና፣ ህድእ ኢልና ድማ “ተጋድሎ ቅድስና
መዓዛ ቅድስና
ምዕባሌ ቅድስና
ንዝበደለካ በደሉ ኅደገሉ
ይቕረ ኪበሃለልካ፡ ይቕረ በል
ኣመልካ ኣርም
ሕድሕዳዊ ምትእርራም
መንፈሳዊ ንጽሕና ሰብነት
መንፈሳዊ ንጽሕና ልቢ
ወዘተ”
ንዚብላ ኣርእስትታት ብምድህሳስ ትሕዝቶኣን ክንቋደስ ኢና።

መዓዛ ቅድስና ዝዓሰሎ ቅንያት ናጽነት ኤርትራ ይግበረልና! :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 29 May 2020, 02:47

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)።

ካልኣይ ክፍሊ ጕዕዞ ቅድስና

25- ተጋድሎ ቅድስና


ንስኻ ክትቅደስ እንተደሊኻ ተግባር ቅድስና ክተዘውትር ጀምር። ተግባር ደኣ እምበር፡ ጽቡቕ ድላይ ጥራይ ኣይኣክልን ኢዩ። ንጽቡቕ ነገር ምዝውታር ደኣ እምበር፡ ትርጉሙ እንታይ ምዃኑ ጥራይ ምፍላጥ ኣይኣኽልን ኢዩ። ከይጸዓርካ እግዚኣብሔር ቅድስና ንኽህበካ ምልማን፡ ብሓደ ኣፉ ንእግዚአብሔር ምፍታን ማለት ኢዩ።

ንስኻ፡ ንቕድስና ክትውንን እትኽእልን ኣንፃር ክፉእ ኣመልካ እውን ክትዋጋእ እትኽእል፡ ብምንባብን ብምስማዕን ጥራይ ኣይኮነን ዚጥረ፡ እንታይድኣስ ቅድሚ ኵሉ፡ ኣብ መንፈሳዊ ተጋድሎ እንተተጸሚድካ ኢዩ። ብኣመልካ እንተተሸጊርካ፡ ነቲ ኣንፃር ክፉእ ኣመልካ ዝኾነ ጽቡቕ መንፈሳዊ ኃይሊ ክተጥሪ ጽዓር። ጽቡቕ ልብሲ መንፈሳዊ ኃይሊ ምጥራይካ ወይ ዘይምጥራይካ እትፈልጦ፡ ነቲ ኣንፃሩ ዝኾነ ክፉእ ኣመልካ ኣብ ርእስኻ ብምምርማር ኢዩ።

ንስኻ፡ ናብ ቅድስና እትበጽሕ፡ ምስ ተፈተንካ ጥራይ ኢዩ። ብፈተና ከይበሰልካ፡ ኣብ ቅድስና ክትበጽሕ ኢልካ ኣይትሕሰብ። ከምኡ እውን ሓሳረ መከራ ከይጠዓምካ፡ ትዕግሥቲ ክተጥሪ፥ ከይተዋረድካ ትሕትና ክትለብስ፥ ብስእነት ከይተጨነቕካ፡ ናይ ድኽነት መንፈሳዊ ብጽዕነት ክትረክብ ኢልካ ምሕሳብ ኣይከኣልን ኢዩ።

ንናእሽቱ መንፈሳዊ ተጋድሎ፡ ምእንቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢልካ መዓልቲ መጸ እንድኅሪ ኣዘውቲርካዮም፡ ብረድኤት ኣምላኽ፡ ዓቢይ ነገር ንኽትፍጽም ኪሕግዙካ ኢዩ። ትርጉም ቅድስና፡ ንናእሽቱ ነገር ብጽቡቕ ምፍጻም ደኣ እምበር፡ ዓበይቲ ነገራት ምፍጻም ማለት አይኮነን። ቅድስናኻ ዚምዘንን ዚግለጽን ኣብቲ መዓልቲ መጸ እትገብሮ ስራሕ ደኣ እምበር፡ ኣብ ዓበይቲ በዓላት ብእትፍጽሞም ነገር ኣይኮነን።

ንስኻ፡ ወርኂ ወርኂ፡ ብተገዳስነት ሓንቲ መንፈሳዊት ኃይሊ ጥራይኳ ከተጥሪ ኢልኻ ቁርጺ ፍቓድ እንተትገብር፡ ብውሑድ ዓመታት፡ ኣብ ዓቢይ ፍጽምና ምበጻሕካ ነይርካ። ብዝኾነ፡ ናይ ኵሉ መንፈሳዊ ኃይላት ነፍሲ፡ ፍቕሪ ምዃኑ ኣይትረስዕ ኢኻ። ንሓደ መንፈሳዊ ኃይሊ እንተደኣ ኣሠልጢንካ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ነቶም ካልኦት መንፈሳውያን ኃይላት ተሠልጥኖም ከምዘሎኻ ፍለጥ።

እዙይ ከኣ ከምቲ ጩራታት ካብ ሓደ ፀሓይ ዚምንጭዉ፡ ከምኡ ከኣ ምንጪ መንፈሳዊ ኃይላት ዚምንጭዉ ካብ ሓደ ኣምላኻዊ ብርሃን ኢዮም። ንሳቶም፡ ኣብ መንጎኣቶም ኪፈላለ ዘይኽእል ናብ ምርኽኻብ ባህሪ ኣለዎም። ሓደ መንፈሳዊ ኃይሊ ብዘይ ካልእ መንፈሳዊ ኃይሊ፡ ወይ ኣብ ቅድስና ዘየብጽሕ ኢዩ ወይ ከኣ ብተግባር ዘየሎ ኢዩ። ንስኻ መምህር ኮይንካ፡ እቲ ንኻልኦት እተምህሮ ነገር፡ ኣቐዲምካ ባዕልኻ ትሕልዎን ተኽብሮን እንተደኣ ኾይንካ፡ ተምሃሮኻ ንትምህርትኻ ኪቕበልዎ ኢዮም፡ ስራሕካ ከኣ ጽቡቕ ኪካየድ ኢዩ።

ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ሕይወትካ፡ ተቓሊስካ ከተጥርዮም እትደሊ መንፈሳውያን ኃይላት፡ ሓደ መሪጽካ ብኣኡ ክትጅምር እንተደሊኻ፡ በቲ ብፍላይ ንጸዋዕታኻ ዜድልየካ መንፈሳዊ ኃይሊ ክትጅምር ይግባእ እምበር፡ ብቓሕታኻን ብባህግኻን ጥራይ ተመሪሕኻ ክትከይድ ኣይግባእን።

ብቕድስና ንኽትነብር ብሓሳብ ምጽዓር ጥራይ ዘይኮነስ እንታይደኣ ንድኹማት ዜዕንቅፍ ስራሕ ከይገበርካ፡ ብሕይወትካ ኣብ ቅድሚ ሰባት ብቕድስና ከምትነብር ግበር። ከምዘይትመውት ገይርካ ብምሕሳብ ኵሉሻዕ ጽቡቕ ግበር፥ ምሸት ምሸት ከኣ ከምትመውት ገይርካ ብምሕሳብ ክፉእ ነገር ኣይትግበር። እቲ ንሰብ ከይትፈርድ ኢሉ ዘጠንቐቐካ ኢየሱስ (ማቴ 6:1 ረአ)፡ ጽቡቕ ተግባርካ እናረኣዩ ነቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኻ ምእንቲ ኪውድሱ፡ ብርሃንካ ኣብ ቅድሚኦም ከተብርሆ ከምዘሎካ እውን ምዒዱካ ኢዩ (ማቴ 5፡15 ረአ)

ዝኸበርካ ኃወይ! ዓበይቲ ነገራት ክትገብር ኢልካ ሃረር እናበልካ ንበር’ሞ፡ ኣብ ጎደና ፍጽምና ብዙኅ ክትስጉም ኢኻ። እቲ ቀዳማይ ሓሳብካን ጻዕርካን፡ መስቀልካ ብትዕግሥቲ ካብ ምሽካም፡ ካብ መስቀልካ ምህዳም እንተደኣ ኾይኑ፡ ንርእስኻ ካብ ምኽሓድ ንርእስኻ ምክልኻል እንተደኣ ኾይኑ፡ ሕይወትካ ካብ ምውፋይ፡ ሕይወትካ ምድኃን እንተደኣ ኾይኑ፡ ንስኻ ሓቀኛ ተኸታሊ ክርስቶስ ከምዘይኮንካ ፍለጥ (ማር 8፡34-45 ረአ)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “መዓዛ ቅድስና” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 04 Jun 2020, 04:30

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

26 - መዓዛ ቅድስና


ንስኻ ኣብ ፎቖዶ ቦታ ናእዳን ዓወትን እናደለኻ፡ ቅዱስ ሕይወት ትነብር ከምዘሎኻ እናምሰልካ ካብ ምንባር፡ ብሓቂ መንገዲ ቅድስና ኂዝካ ምንባር ይግብኣካ። ብሰብ ክትነአድ ኢልካ፡ ቅዱስ ክትከውን ትጽዕር እንተደኣ ኣሊኻ ኮይንካ፡ ጐይታ ኪቝጥዓካ ኢዩ። ኣብ ማኅበራዊ ህይወት፡ ሓደ ካብቶም ኪኸብሩ ዚግብኦም ዝዓበዩ መንፈሳዊ ኃይላት፡ እቶም ኣብ ገዛእ ርእስኻ ኪረኣዩ ዘይትጾሮም፡ ኣብ ብጻይካ ምስ ዚረኣዩ ግን፡ ክትጻወሮምን ክትዕገሶምን ይግብኣካ።

ሰብ መንፈሳዊ ኃይሊ እንተኾይንካ፡ እዙይ ህያብ እግዚኣብሔር ከምዝኾነን፡ ከም ግቡእ እንተዘይ ሰሪሕካሉ ከኣ፡ ክትሕደግ ከምትኽእልን ኣይትረስዕ። ብመሠረቱ፡ ዕቤት ቅድስናኻ ህያብ ኣምላኽ ከምዝኾነን ብመንፍዓትካ ዝመጸ ነገር ሓንቲ ከምዘየሎን፡ ምእንትዙይ በቲ ዘጥረኻዮ ፍጽምና ክትዕበ ከምዘይግብኣካን ተረዳእ ኢኻ (መዝ 115፡1 ረአ)። ብሓቂ ብዓል ጽቡቕ መንፈሳዊ ኃይሊ እንተደኣ ኾይንካ፡ ወናኒ ጽቡቕ መንፈሳዊ ኃይሊ ምዃንካ ኣይመስለካን ኢዩ፥ ብዛዕብኡ ከኣ ኣይክትዛረብን ኢኻ።

ልብኻ ምስቲ ብኣፍካ እትዛረቦ ዘረባ እንተዘይተዋሃሂዱ፡ ቅዱስ ኮይንካ ክትረኤ ጥራሕ እምበር፡ ብሓቂ ቅዱስ ሰብ ክትከውን ኣይኮነን ድሌትካ። ሽሕኳ ንኃያሎ ጊዜ፡ ካብቲ ክፉእ ዝንባሌኻ ዕረፍቲ እንተረኸብካ፡ ፈጺምካ፡ ዘሸነፍካዮም ከይመስለካ። ክሳብ ሎሚ ሓንቲ ነገር ከምዘይገበርካ ተረዲእካ፡ መዓልቲ መጸ ብትሕትና፡ መንፈሳዊ ቃልስኻ ጀምር። ነቲ ዝገበርካዮ ጽቡቕ ነገር ክትርኢ ኢልካ ንድኅሪት ቍልሕ ከይበልካ፡ ንቕድሚት ጥራሕ ክትጥምት ክትጽዕር ይሕሸካ።

ክፉእ ነገር ከይገብር ኢልካ ምጥንቓቕ ጥራሕ እኹል ኣይኮነን፥ እዙይ ኪነድድ ከም ዚግብኦ ዕንጨይቲ ከይተጠቐምካሉ ሱቕ ኢሉ ዚነብር ኢዩ። ንስኻ ኣብ ቅድስና እትበጽሕ ካብ ኵሉ ክፉእ ነገር ርሒቕካ፡ ኣብ ሠናይ ዝኾነ ነገር ተጸሚድካ ክትነብር ከሎኻ ጥራሕ ኢዩ። ዕቤት ሠናይ ነገር ዚፍለጥ ክሳዕ መወዳእታ ጸኒዑ ኪጸንሕ ከሎ ኢዩ (ማቴ 10፡22-24 ረአ)። ክሳብ መወዳእታ ጸኒዕካ እንተዘይቀጺልካዮ፡ ንዝተወሰነ ጊዜ ጥራህ፡ ጽቡቕ ውድድር እንታይ ይዓብስ? እቲ ኣብቲ መወዳእታ ሕንጻጽ ውድድር ዘይበጽሕ፡ ንኸንቱ ኢዩ ዚጐዪ (ማቴ 24፡13 ረአ)። እቲ ዜድሊ ነገር፡ ጽቡቕ ተግባር ጀሚርካ ክሳዕ መወዳእታ ሕይወትካ ክትቅጽሎ ደኣ እምበር፡ ጽቡቕ ጀሚርካ ቀልጢፍካ ክተቋርጾ ከሎኻ ኣይኮነን።

ከምቲ ጽባቔ ዕምባባ ናይ ገዛእ ርእሱ መዓዛ ዘለዎ፡ ከምኡ ከኣ ጽባቔ ነፍሲ ናይ ገዛእ ርእሳ ጥዑም መዓዛ ኪህልዋ ድሌት እግዚአብሔር ኢዩ። ጽባቔ ነፍሲ ብዘይ መዓዛ መንፈሳዊ ኃይሊ፡ የልቦን፥ ወይ መዓዛ መንፈሳዊ ኃይሊ ብዘይ ጽባቔ ነፍሲ፡ የልቦን። ገርህነት፡ ናይ ዓበይቲ ሰባት መንፈሳዊ መልክዕ ኢዩ። ትሕትና ነፍሲ፡ ካብ ፍልጠት ዝጸበቐት ኢያ። ከምኡ እውን ካብ ተጋድሎ ሰብነት፡ ተጋድሎ ልቢ፡ ሺሕ ጊዜ፡ ዚበልጽ ኢዩ። ካብ ቅድስና ዚብርትዕ ብርሃን ስለ ዘየሎ፡ ዋላኳ ሺሕ ጊዜ ተተሓባእካ፡ ከም ብርሃን ቅድስና ኬብርሃካ ዚኽእል ብርሃን የልቦን። እምበኣር እቲ ዝዓበየን ዝበለጸን ሽልማትካ ቅድስናኻ ይኹን።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ምዕባሌ ቅድስና” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 04 Jun 2020, 06:14

ወዳጄ Abdelaziz “ዕንጣጢዕ ንዘርእ ኣሎና!” ዲኻ ትብል ዛሎኻ!
እንዴዴዴዴዴ! በግድ ስደቡኝ ነው እንዴ የምትለው? እምብዬው አንሳደብም፣ ኤርትራዉያንና የመደመር ፍልስፍና ተከታዮች ጭዋዎች ነን። ለነገሩ ትምህርቱ ስለ ቅድስና ነው፡ ቅድስና የሚል ቃል ሲነሳ ነፍሱ እስክትወጣ ወባ እንደያዘው የሚንዘፈዘፈው እንዲሁም ኮቪድ እንደያዘውም ደጋግሞ የሚያስነጥሰው ማን እንደሆነ ጠንቅቀን እናውቃለን። እንዲህ ያንተ ዓይነቱ “ግብሩ ምስክሩ ዝዀነ” ዓለም ያወቀውና ጠሓይ የሞቀው በርኩስ መንፈስ የተያዘ ዜጋ ሲያጋጥመን ደግሞ አንሰድበውም፡ ይልቁንስ ‘ይማርህ’ ነው የምንለው! :mrgreen:

ፍሽኽ ከነብለካ እምበር “አጥሪጡ ይምሓርኻ!
:mrgreen:

Abdelaziz wrote:
04 Jun 2020, 04:34
Meleklekit, ati chenawit catholikawit akalesebarawit , kosmana machid eggir xirsam chicken-boned gual tom guzayat , negede shahay; you idiot zerebis gual bedama, leave midre Agazian , midribahri belongs to Tigray and not to your deqi chaluq-maluq-faluq weirdos.
Meshrefet will not save you, if wedimedhin provokes us by hiding in Meshrefet skirt, we will eradicate the entire cursedartera and lliberate our midribahri, we do not care how many million will die, at the end we will win and we know it. . . .

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 09 Jun 2020, 02:36

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)።

27 - ምዕባሌ ቅድስና


ዕድመ ነፍስኻ ዚቝጸር፡ ብደረጃ ምዕባለ ቅድስናኻ ኢዩ። ንስኻ፡ ብፍርዲ እዙ ዓለምዙይ ንእሽቶ ተባሂልካ ክትፍለጥ እውን ትኽእል ኢኻ፡ ግን፡ ብመንፈስካ ዓቢይ ኢኻ። ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትካ፡ ልዕሊ ኵሉ፡ ብሕድሕዳዊ ፍቕርን ትሕቲ ኵሉ ንምዃንን ዘሎካ ድሌትን ዚምልከት፡ ምዕባለ ተርኢ ምዃንካን ዘይምዃንካን ንርእስኻ ጸጸኒሕካ ክትምርምር ይግባእ። ነቲ ንገሊኦም ኣኅዋትካ ዚስመዓካ ተፈጥሮኣዊ ጽልኢ ምሥዓር እንተስኢንካ፡ መንፈሳዊ ኃይልኻ ብዘይመጠን ድኹም ምዃኑ ኣይትረስዕ። እቶም፡ መብዛኅቲ ጊዜ፡ ጽዒርካ እተጥሪዮም መንፈሳዊ ኃይላት፡ ካብቶም ተሓጕስካ ብጣዕሚ መንፈስን እተጥሪዮም ኣዚዮም ዝኸበሩን ንነዊኅ ጊዜ’ውን ካባኻ ዘይፍለዩ ኢዮም።

ሓቀኛ ትሕትና እንተሊዩካ፡ ብመንፈሳዊ ምዕባሌኻ ኣይትምካሕን ኢኻ፥ ነቲ ኣብ ካልኦት ሰባት እትዕዘቦ መንፈሳዊ ምዕባሌ እውን፡ ካብ ናትካ ዝበለጸ ጌርካ ኢኻ ትርእዮ። ብዛዕባ ድኻምነትካን መንፈሳዊ ምዕባሌኻን ኣጸቢቑ ዚርድኣካ ምስ ካልኦት ምስ ትነጻጸር ኢዩ። ንኽትመሓየሽ ዘተባብዓካ ነገር እንተደሊኻ፡ ነቲ ኣባኻ ዘይርከብ መንፈሳዊ ኃይሊ፡ ካብ ካልኦት ክትረኽቦ ጽዓር። ነቲ ኣባኻ ዘይርከብ ግን፡ ኣብ ካልኦት ዚርከብ መንፈሳዊ ኃይሊ እንተደኣ ትንዕቅ ኮይንካ፡ ንስኻ ደይመደ ኢልካ ካብ እግዚኣብሔር ትርሕቕ ኣሎኻ ማለት ኢዩ። ብገዛእ ኃጢኣትካ ምሕዛን እቲ ናብ ቅድስና ኪደፍኣካ ዚኽእል፡ ዝበለጸ መንገዲ ኢዩ።

እቲ ሡር ቅድስና ይኹን ሡር ኃጢኣት ይኹን ዚርከብ፡ ኣብ ልቢ ኢዩ፥ እቲ ንሰብ ዜራኽሶ ነገር ካብ ልቢ ኢዩ ዚወጽእ (ማቴ 15፡18 ረአ)። ብምሉእ ልብኻ ንእግዚአብሔር እንተተወፊኻ፡ ዋላ ምስ ኵሉ ድኻምነትካ፡ ተሓጕሱ ክቕበለካ ኢዩ። ምስቲ ጽቡቕ ተግባርካ፡ ገለ ሕማቕ ኣመል እንተሎካ እውን፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ ኢኻ፡ ኣጆኻ!።

እቶም ቅዱሳን ዚበሃሉ እውን፡ ሓድሓደ ጊዜስ፡ ንቕድስና ከምዙይ እናገበሩ ኢዮም በጺሖሙዎ። እቶም ክትለብሶም ኢልካ ትጽዕር ዘሎካ ዓበይቲ መንፈሳዊ ኃይላት፡ መሠረት ዘይብሎምን ዘይረብሑን ኮይኖም ምእንቲ ከይትረኽቦም፡ ንናእሽቱ መንፈሳዊ ኃይላት ንኽተጥሪ ኣይትንዓቕ፥ ንኣብነት ከም ትዕግሥቲ፡ ከም ሕያውነት፡ ከም ለዋህነት፡ ከም ጥዑም ልቢ ምጥራይ፡ ትዕግሥተኛ ከም ምዃን፡ ንገዛእ ጕድልነትካ ምዕጋሥ ዝመሰሎ ናእሽቱ መንፈሳዊ ኃይላት ከተጥሪ ጸዓር ኢኻ።

ብምኽንያት ቅድስናኻ እንተደኣ ንዒቖምኻ፡ እቲ ዕሽነት፡ ኣብቶም ነዓቕትኻ ደኣ እምበር ኣባኻ ስለ ዘይርከብ ብምኽንያት ትሕትናኻ ሕጉስ ኩን። ሽሕኳ ንስምካ ከሕስሩዎ እንተፈተኑ፡ ብምኽንያት እዙይ ተዓንቂፍካ ቅድስናኻ ከተጥፍእን ካብ መንገዲ ቅድስና ከተልግስን ኣይግብኣካን ኢዩ። ከመይ ንኽፉእ ሰብ፡ ቅዱስ ሰብ ኢዩ ኪሥዕሮ።

እቲ ኵሉ ኣብዙ ዓለምዙይ ዘሎካ ሃብቲ፡ ክብሪ እዙ ዓለምዙይ ኢዩ፥ ሓቀኛ ክብርኻ ግን፡ ቅድስና ጥራይ ኢዩ። ምስ ሞትካ ምስኻ ኂዝካዩ እትከይድ ቅድስናኻ ጥራይ ኢዩ። ውዳሴ ደቂ ሰብ ንሃብትኻ ጥራይ ኢዮም ዚውድሱ፥ እታ ኣኽሊል ቅድስና ከይትሶትኮካ ተጠንቒቕካ ኃዛ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ንዝበደለካ በደሉ ኅደገሉ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 18 Jun 2020, 08:53

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና!

28 - ንዝበደለካ በደሉ ኅደገሉ

“ምስትውዓል ንሰብ ዓቃል ይገብሮ፡ ምኅዳግ በደል ከኣ፡ ክቡር ይገብሮ” (ምሳ 19፡11)፥ “ኵራ ዓሻ ብኡብኡ ይፍለጥ፥ ለባም ሰብ ግና ተጸሪፉ ከሎ ከም ዘይተጸርፈ ይኸውን”(ምሳ 12፡16)። እቶም ዚያዳ ዘሕረቖም ኪጥሕርዎ ዚደልዩ፡ ንሳቶም ኢዮም ከኣ፡ እቶም ተቐዳዲሞም ሕነኦም ኪፈድዩ ዘይግብኦም። “ምፍዳይ ሕነ ናተይ ኢዩ፡ ሕነ ምፍዳይ ንእግዚኣብሔር ኅደጉዎ” (ሮም 12፡19)። ነቲ ዚጐድኣካ፡ ኣውራ ዜሕንኾ ነገር እንተልዩ፡ ንስኻ ሕነኻ ክትፈዲ ከይደለኻ፡ ብትዕግሥቲ ሱቕ ኢልካ ክትጾሮ ከሎኻ ከምዝኾነ ኣይትረስዕ።

ከምዙይ ዝመሰለ ጠባይ፡ ንጸላእትኻ ከይተረፈ ሠናይ ነገር ኢዩ፥ ንዓኻ’ውን ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ከምትነብር ገይሩ፡ ኣብ ኅሊናኻ ብርቱዕ ሓጎስ ዘኅድረልካ ኢዩ። እቲ ዝበለጸ ንዝተቐበልካዮ በደል ዚፍውስ ፈውሲ፡ ፍቕሪ ኢዩ። ብበደሉ ንዝተጣዕሰ በዳሊኻ፡ ቀልጢፍካ ምእንቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢልካ በደሉ ኅደገሉ፥ ኣብ ርእስኻ ዘውረዱልካ ጸርፍታት ኣይትዘክር፥ ንኵሉ ዝወረደካ ግፍዕን ሓሳረ-መከራን ከኣ ረስዓዮ፥ እቲ ኵሉ ዝተገብረልካ ሠናይ ነገር ከኣ ፈጺምካ ኣይትረስዕ።

ኃውካ፡ ሓቂ ዘይብሉ ቂምታ ብምኃዝ ኣንፃርካ እንተኾይኑ፡ ብጽቡቕ ዓይኒ ረኣዮ’ሞ፡ እቲ ኣንጻርካ ዘለዎ ጽልኢ፡ ኣብ ፀሓይ ከም ዝኣተወ ዕምብረ ኪበንን ኢዩ። ቅምታ ምኃዝ ዓቢይ ኃጢኣት ኮይኑ፡ ናብ እግዚኣብሔር እተቕርቦ ሞባእካ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ከምዘይትኸውን ዚገብሮ ኃጢኣት ኢዩ (ማቴ 5፡23-24 ረአ)። “ንእከይ ብሠናይ ሥዓሮ” (ሮም 12፡21)። “ጸላኢኻ እንተጠመየ ኣብልዓዮ፡ እንተጸምኣ እውን ኣስትዮ፡ ጐይታ ከኣ ጻማኻ ኪህበካ ኢዩ” (ሮም 12፡20)።

ሓድሓደ ሰብ ዘየኽብረካ እንተኾይኑ፡ ሓመድን ሕሙኽሽትን ምዃንካ ኣይትረስዕ፥ ከምኡ እውን እንተበደለካ ኣብ ተሞኽሮ ከምዘሎኻ ሕሰብ። ንስኻ ንኢየሱስ ክትመስል ገና ነዊኅ መንገዲ ክትከይድ አሎካ። እቲ ኣምልኾ ዚግብኦ ዝነበረ ኢየሱስ፡ ብሰብ ተዋሪዱ ኢዩ። ንስኻ ነቶም ዚጸልኡኻ ሠናይ ግብረሎም፥ ነቶም ሕማቕ ዚዛረቡልካ ጽቡቅ ተዛረበሎምን፡ መርቖምን። ምእንቲ እቶም ዘሳድዱኻ ኢልካ ጸሎት ግበር፡ ዓስብኻ ድማ ዓቢይ ኪኸውን ኢዩ (ሉቃ 6፡27-28. 35 ረአ)። ኢየሱስ ኢዩ፡ ከምዙይ ግበሩ ኢሉ ዘምሃረና፥ ቅዱሳን እውን ከምኡ ኢዮም ገይሮም።

ንስኻ ውሉድ እቲ ኣብ ልዕሊ ሕሱማትን ሕያዎትን ፀሓዩ ዜብርቕ፡ ከምኡ እውን ዝናም ንጻድቃንን ንኃጢኣተኛታትን ዜዝንብ፡ ኣብ ሰማያት ዚነብር ኣቦኻ ስለ ዝኾንካ፡ ምምሓር ልመድ። ሓቂ ብሓቂ ድማ፡ ነቶም ዘፍቅሩካ ጥራይ እንተፍቂርካ ደኣ፡ ከመይ ዝበለ ዓስቢ ክትረክብ ትሓስብ? እዙይ ደኣ ኃጢኣተኛታትስ ይፍጽምዎ እንድዮም ግዲ? (ማቴ 5፡45-46 ረአ)።

ምሕረት ምልጋስ፡ ብድኻምነት ወይ ብሸለልትነት ዚግበር ነገር ኣይኮነን፥ ምሕረት ምልጋስ፡ ንኽፉእ ነገር ብጽቡቕ ነገር ምሥዓር ማለት’ዩ። ምስ ዚበደለካ ሓዲሽን ጽቡቕን ምትእስሳር ምጅማር ማለት ኢዩ፥ ከምቲ ሕነኡ ዚፈዲ ምልክት ብዓል ጸቢብን ምሽክንን ልቦና ዝኾነ፡ ብኣንጻሩ ከኣ፡ ምሕረት ዚልግስ ምልክት ጭውነትን ክቡር ዝኾነ ልቦናን ኢዩ።

ንስኻ ንዚበደለካ ሕነኻ ከይፈደኻ ክትኃድገሉ ከሎኻ፡ ኣብ ልዕሊ ጸላኢኻ ኢኻ ትኸውን፥ ሕነኻ ምስ ትፈዲ ግን፡ ካብኡ ኣይትሓይሽን ኢኻ። ቅምታ ብምኅዳግ ዚርከብ ዓወት፡ ኣዚዩ፣ መሕጐስን መጸናንዕን ኢዩ፥ እዙይ ካብ ኵሉ እቲ ብሕነ ዚርከብ ዓወት፡ ዝዓበየ ዓወት ኢዩ። ኣብዙ ዓለምዙይ ከሎኻ ውርደት ምቕባል፡ ካብ ዘለዓለማዊ መቕጻዕቲ ስለ ዚገላግለካ፡ ነዙይ ከም ዓቢይ መኽሰብ ገይርካ ረኣዮ። ኣብቲ፡ ኵሉ በደል ተረሲዑ ዝተርፍ ሰማይ ምስ በጻሕካ ከኣ፡ ዘለዓለማዊ ዝኾነ ዕርክነት እናስተማቐርካ ክትነብር ኢኻ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ይቕረ ኪበሃለልካ፡ ይቕረ በል” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 24 Jun 2020, 02:56

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)።

29 - ይቕረ ኪበሃለልካ፡ ይቕረ በል


እንተዘይፈሪድካ ኣይትፍረድን ኢኻ፥ እንተዘይኰኒንካ ኣይትዅነንን ኢኻ፥ ይቕረ በል፡ ይቅረ ኪበሃለልካ ኢዩ (ሉቃ 6፡37 ረአ)። እግዚእብሔር ኪፈርደካ ከሎ ኪርኅረኅልካ እንተደሊኻ፡ ንስኻ’ውን ነኅዋትካ ራኅርኃሎም። ስለምንታይ እቲ ነኅዋቱ ርኅራኄ ዘይገበረ፡ ንዕኡ እውን ሓንቲ ርኅራኄ ኣይኪግብረሉን ኢዩ (ያዕ 2፡13 ረአ)።

ንስኻ ኣብ ልዕሊ ኃውካ ቂምታ እንተኂዝካ፡ ጐይታ ኢየሱስ ደኣ፡ ከመይ ገይሩ ኪርኅርኃልካ ኢልካ ትጽበ? ንዓ’ኻውን ምሕረት ስለ ዜድሌካ፡ ብምሉእ ልብኻ መሓር ኢኻ። ንርእስኻ ምሕረት ክትሓትት ከሎኻ፡ ንኻልኦት እውን ምሕረትካ ክትህብ ከምዚግብኣካ ሽዑ ክትዝክሮ ኢዩ ዝግብኣካ። ናብ እግዚኣብሔር ክትጽሊ ከሎኻ ይቕረበለለይ ኢኻ ትብሎ፡ ምእንትዙይ ንስኻ እውን ንኻልኦት ይቕረ ክትብል ይግብኣካ ኢዩ (ማቴ 6፡12 ረአ)። ንኃውካ ይቕረ እንተዘይኢልካሉ፡ እግዚኣብሔር በደልካ ንኺኃድገልካ ከመይ ገይርካ ደፊርካ ክትልምኖ ኢኻ (ሲራ 27፡30)፥ 28፡7 ረአ)።

ምሕረት ክትልግስ ከሎኻ፡ ነቲ እግዚአብሔር ብዘይምቍራጽ ንዓኻ ዚገብረልካ ናይ ምሕረት ስራሕ፡ ንስኻ ከኣ፡ ንብጻይካ ናይ ምሕረት ስራሕ ክትገብር ምጽዓር የድሊ። ምሃብ ዘይፍተወካ እንተኾይኑ፡ ከመይ ገይሩ ምቕባል ይፍተወካ? ምሕረት ኣምላኽ የድሌካ ምዃኑ’ሞ እመን፡ ነኅዋትካ ከኣ ምሕረት ክትገብረሎም ኢኻ። ኣብ ሰማይ ምሕረት ክትረክብ እንተደኣ ደሊኻ፡ ኣብ ምድሪ ከሎኻ ምሕረት ግበር። ኣማን ብኣማን፥ ንስኻ ንበደላት ኃውካ ይቕረ እንተልካሉ፡ ንዓኻ ከኣ፡ ሰማያዊ ኣቦኻ ይቕረ ኪብለልካ ኢዩ፥ ንስኻ ንኃውካ ይቕረ ዘይትብል እንተኾይንካ ግን፡ ሰማያዊ ኣቦኻ’ውን ንዓኻ ይቕረ ኣይኪብለልካን ኢዩ (ማቴ 6፡14-15 ረአ)።

በቲ ንኻልኦት እትሰፍረሎም መስፈሪ፡ ንዓኻ እውን ብእኡ ኪስፈረልካ ምዃኑ ኣይትረስዕ (ማር 4፡24 ረአ)። እቲ ንስኻ እትህቦ ይቕረታ፡ መለክዕን መረጋገጽን ናይቲ ብኣምላኽ ኪወሃበካ ዘለዎ ይቕረታ ኢዩ። ምእንትዙይ፡ ንስኻ እውን ይቕረታ ክትህብ ከሎኻ፡ ብመስፈሪ ከይዓቐንካ ይቕረ ክትብል አሎካ (ማቴ 18፡22 ረአ)።

ንስኻ ንበደልካ ይቕረታ እትሓተሉ፡ ንስኻ ንበደል ካልኦት ይቕር ምስ ትብለለሎም ጥራይ ኢዩ። ንዝበደለካ ብልቢ ይቕረ እንተዘይልካሉ፡ ናይቲ ድሮ ይቕረ ተባሂሉልካ ዝመስለካ ዝነበረ ኃጢኣት’ውን፡ እግዚአብሔር ጸብጻብ ክጥይቐካ ኢዩ (ማቴ 18፡23-35 ረአ)። ንናይ ካልኦት እንከን፡ ኣመኻኒኻ ሸለል ክትብሎ ጽዓር፥ ከምኡ እውን ናትካ በደል ካብ ናቶም በደል ከምዚዓቢ ኣሚንካ፡ ንዓበይቲ በደላቶም ይቕረ በል። ከምቲ ኢየሱስን ሰማያዊ ኣቦኻን ዝመሓሩኻ፡ ንስኻ ከኣ፡ ምእንቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢልካ ኵሉሻዕ መሓር (ቆላ 3፡13 ረአ)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ኣመልካ ኣርም” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 01 Jul 2020, 04:41

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናንንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

30 - ኣመልካ ኣርም


ኣንፃር እቲ ዝሩግ ዝኾነ ዝንባሌኻ ብዘየቋርጽ ተጋድሎ ኣበርቲዕካ እንተዘይተቓሊስካ፡ ድኅሪ ኃያሎ ጊዜ፡ እቲ ክፉእ ባህሪ ተፍጥሮኻ ነቲ ዝተወሃብካዮ መንፈሳዊ ጸጋ ዓብሊሉዎ ኪተርፍ ይኽእል ኢዩ። ኦ ተፈጥሮ፡ ኃይልኻ ክንደይ ይብርትዕ ኢዩ! ዝሩግ ዝንባሌኻ፡ ከምታ ንእሽቶ ሳዕሪ ፎግፊጋ ኣብ መንጎ ደናጉላ እትበቍልን እትዓብን ኢዩ።

እቲ ዝሩግ ዝኾነ ዝንባሌኻ ኵሉ ጊዜ ኪፍንጽገካ ኢዩ ዚደሊ። ኣእምሮኻ ንዝሩግ ዝንባሌኻ ብብርቱዕ ኃይሊ ጸቒጡ እንተዘይኂዙዎ፡ ዊዒሉ ኃዲሩ ንሱ እውን፡ ልጓም ከምዘይብሉ ፈረስ ፈንጺጉካ ክነፍጽ ኢዩ። ንስኻ፡ ኣንፃር ክፉእ ዝንባሌኻ እናኸድካ ወትሩ ክትቅየርን ክትመሓየሽን ጽዓር። ኣንፃር ክፉእ ዝንባሌኻ ኢልካ ተጋድሎ ምክያድ፡ ንረብሓ መንፈሳዊ ሕይወትካ ተኣምር ካብ ምግባርን ንምውታን ካብ ሞት ካብ ምትንሣእን ዝበለጸ ኢዩ።

እቲ ኣብ ገዛእ ክፉእ ዝንባሌኻ እትረኽቦ ዓወት፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ጸላእትኻ እትረኽቦ ዓወት ዝበለጸ ኢዩ። ንጸላእትኻ ብጅግንነትካ ክትሥዕሮም ከሎኻ፡ ንገዛእ ርእስኻ ግን፡ ብትሕትና ኢኻ ትሥዕሮ። እቲ ንነዊኅ ጊዜ ብተመሥጦ እትነብሮ ዘሎኻ ጸሎት፡ ካብ ኣበራትካ ንምልቓቕ እንተዘይጠቒሙካ እንታይ ኢዩ እቲ ረብሓኻ?።

ብርግጽ፡ እቲ ከይሓፈርካ እትገብሮ በደላት፡ ነቲ ሡር መንፈሳዊ ሕይወትካ ዝኾነ ዉዕዉዕ መንፈሳውነት ከምዚቕህም ኢዩ ዚገብሮ። ነቶም ናእሽቱ ኣበራትካ፡ ብጥንቓቔ እንተዘይሓሊኻዮምን እንተዘይ ኣጥፊእካዮምን፡ ቀስ እናበሉ ናብ ዝዓበየ ስድነት ኪመርሑኻ ኢዮም። ምናልባት ንስኻ ድኻምነትካ ንምሕባእ ብዙኅ ምስምሳት ትፈጥር ትኸውን።

ንቝጥዓኻ ንፍትሒ ትኸላኸል ከምዘሎኻ ኣምሲልኻ ትዛረበሉ፥ ንትህኪትካ እውን ከም ጥበብ ኣምሲልካ ንድኻምነትካ ከኣ ከም ርኅራኄ፥ ከምዙይ እናበልካ ብረቒቕን ጕርሒ ብዚመልኦን ኣገባብራ ንገዛእ ርእስኻ ክትጐድእ ትርከብ። ምስ ኣረግካ ንርእስኻ ኮነ ንኻልኦት ሰኽሚ ኮይንካ ከይትተርፍ፡ ገና ንእሽቶ ከሎኻ፡ ካብ ክፉእ ኣመልካ ክትእረም ጽዓር። ብንእስነትካ ዘይኣረምካዮ ክፉእ ኣመል፡ ዕድመ ብዝወሰንኽካ መጠን፡ ሡር እናሰደደ ኢዩ ዚኸይድ።

ኣመልካ ክትእርም ከሎኻ፡ ኣውራ ነቶም ኣብ ውሽጥኻ ዘለዉ ዓበይቲ ኣመል ክትብርቝቕን ክትእርምን ጀምር እምበር፡ ኣብቶም ቀለልቲ ጥራይ ኣይተተዅር። ንኵሎም ኣመላትካ ብሓንሳብ ከተጥፍኦም ኢልካ እንተዘይ ተዋጊእካዮም በቶም ሸለል ዝበልካዮም ኣመልካ ክትሥዓር ኢኻ። ከምቲ ሓደ መንፈሳዊ ኃይልኻ ኪብርትዕ ከሎ፡ ኵሎም መንፈሳውያን ኃይላት ከኣ ዚብርትዑ፡ ከምኡ ከኣ፡ ሓደ ኣመልካ ኪድንፍዕ ከሎ፡ ኵሎም ኣመላትካ ኢዮም ዚድንፍዑ።

ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትካ፡ ጥራሕስ፡ ጽቡቕ ፍቓድ ተጋድሎ ይሃሉኻ እምበር፡ ኵሉ ጊዜ ዕዉት ክትከውን ኢዩ። ብጸጋ ኣምላኽን ብጥበብ ጻዕርካን ተሰኒኻ፡ ነቲ ኃያል ዝኾነ ባህሪኻ’ውን ክትቈጻጸሮ ክትክእል ኢኻ። ፍጹም ምዃን ማለት ካብቶም ኣበራትካ ምጽራይ ማለት ኢዩ። እቶም ብኣበራቶም ከይተሰከፉ ቀሲኖም ዚነብሩ፡ ሓቀኛ ቅሳነት ኣብ ዘይኮነ ኣብ ሓደጋ ነፍሲ ኢዮም ዚርከቡ። ከምዙይ ካብ ዝበለ ቅሳነት ተጠንቐቕ።

ገለ ክፉእ ኣመልካ ኬመልክቱልካ ከለዉ እንተደኣ ዀሪኻ፡ እቲ ነገር ሓቂ ስለ ዝኾነ ኢዩ። ሓቂ ምስ ዚዛረቡኻ፡ እንተደኣ ዀሪካ፡ ዓሻ ምዃንካ ትገልጽ ኣሎኻ ማለት ኢዩ። ነቲ ዚእርመካ እኳ ደኣ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ከምዚገበረልካ ገይርካ ክትርእዮ ኢዩ ዚግብኣካ። ነቲ እርማት ዚግበረልካ፡ ባዕልኻ ንባዕልኻ ከምዝገበርካዮ ሓሲብካ ተሓጕስካ ክትቅበሎ ኢዩ ዚግበኣካ።

ንስኻ፡ ክትእረም እናኸኣልካ ከሎኻ፡ እቲ ከይኣረመካ ሱቕ ኢሉ ዚርእየካ፡ ካብ ህማቕ ኵነት ከውጽእካ ኢሉ ኣይሓገዘካን። ብዝኾነ ግን፡ ንኽትእረምን ንኽትመሓየሽን ዚሕግዘካ፡ ጥበበኛን ሓቀኛን ዝኾነ ዓርኪ እንተደኣ ረኺብካ፡ ብሓቂ ዕውት ኢኻ። ንስኻ፡ ናይቶም ኵሎም ኣብ ከባቢኻ ዚነብሩ ጽቡቕ ኣብነት ብኽፉት ልቢ ተቐቢልካ፡ ካብ ክፉእ ኣመልካ ክትእረመሎም ጽዓር።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ሕድሕዳዊ ምትእርራም” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:
Last edited by Meleket on 01 Jul 2020, 07:42, edited 1 time in total.

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 09 Jul 2020, 04:52

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)።

31- ሕድሕዳዊ ምትእርራም


ንኻልኦት ክትእርም ክትብል፡ ንርእስኻ ካብ ምእራም ሸለል ኣይትበል። ከም ወዮ ዓይኒ ንኵሉ እናረኣየ፡ ንርእሱ ግን ዘይርኢ ኣይትኹን። ንሰብነትካ ሓልዎ፥ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ እግዚእብሔር ከም ዘሎኻ ኣይትረስዕ፥ ንጠባይኻን ንኣካይዳኻን ወትሩ ጊዜ መርምሮም። ንስኻ ባዕልኻ፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣመል ከም ትወድቕን ወይ ወዲቕካ ከምዝነበርካን ምናልባት’ውን ካብዚ ዝገደደ ጕድለት ገይርካ ከምዚነበርካን ዘኪርካ፡ ንኻልኦት ክትእርም ክትደሊ ከሎኻ፡ ብጥበብ ንኽትእርሞም ክጠቅመካ ኢዩ።

ንስኻ ብጸጋ ኣምላኽ ክፉእ ኣመል ዘይብልካ እንተኾይንካ ከኣ፡ ነቶም ትእርሞም ሰባት፡ እቲ ንስኻ ዝተቐበልካዮ ጸጋታት ተቐቢሎም እንተዝኾኑ ነይሮም፡ ንሳቶም፡ ካባኻ ዝሓሹ ሰባት ኪኾኑ ይኽእሉ ከምዝነበሩ ገይርካ ሕሰብ ኢኻ። ንጽቡቕ ጠባዩን ተግባሩን ኣብ ግምት ከየእቶኻ፡ ንኽፉእ ኣመሉ ጥራይ ብምርኣይ ንኃውካ ኣበርቲዕካ ክትፈርዶ ኣይግባእን።

ከምቲ ንድኻምነትካ ተመኽኒየሉ፡ ንድኻምነት ኃውካ እውን ከተመኽንየሉ ይግባእ። ካልኦት ኪእርሙኻ ከለዉ ከም ሓቂ ስለ ዘቃጽል፡ ንኃውካ ክትእርሞ እንተኾይንካ ብዓቢይ ጥበብን ሕያውነትን ግበሮ። ኣብ ፍረ ዚበጽሕ እርማት ክትገብር እንተደሊኻ ንበይኑ ደእ እምበር ኣብ ቅድሚ ሰብ ኣይትኣርሞ። ተቘጢዕኻ ከሎኻ ኣይትኣርም፥ ካብ ዘሕርቕ እርማት፡ እናሰሓቕካ እትገብሮ እርማት ይሓይሽ፥ ኣብ ግቡእ ጊዜ ጥራይ ክትእርም ጽዓር።

ኣብ ዘየድሊ ሱቕ ምባል ከኣ፡ ጽቡቕ ኣይኮነን፥ ከመይ ነቲ ኪእረም እናኸኣለ ከሎ፡ ከይተኣረመ፡ ኣብ ኣጓጉል ትሓድጎ ኣሎኻ ማለት ኢዩ። ንስኻ፡ ካብ ብኽእለት ዘረባኻ፡ ብጽቡቕ ስራሕካ፡ ዝበለጸ ክትእርም ከምትኽእል ኣይትረስዕ።

ፍትሒ ምእንቲ ኪኽበር ኢልካዃ ጽቡቕ ዝኾነ ኣነባብራ እንተመረጽካ፡ ግና ምስኡ ኃቢሩ ኪኸይድ ዚግብኦ ነገር ከኣ፡ እቲ ካብ ጸጋ እግዚኣብሔር ዚርከብ መንፈሳዊ ጣዕሚ ከይጐድለካ ክትጥንቐቕ ኣሎካ። ንኃውካ ናብ ጽቡቕ ክትመልሶ እንተደኣ ትጽዕር ኣሎኻ፡ ናቱ ድኽመት ከኣ ከምትጸሮ ግበር ኢኻ። ወዲቑ ንዘሎ ከተልዕሎ እንተደኣ ደሊኻ፡ ድንን ኢልካ ከተልዕሎ ግድነት ኢዩ።

ኣብ መንጎ መላእኽትን ኣብ መንጎ ሓዋርያትን እኳ ጕድለት ዝነበረስ፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ማኅበር ኣኅዋት ደኣ፡ ጕድለት ከይተረኽበ ከመይ ኢሉ ክተርፍ ኢልካ ትሓስብ? እቲ ዜድሊ ነገር ጕድለት ከመዘሎ ኪፍለጥ ከሎ ኪእረም ኣለዎ። ጽንዓት ሕጊ ኣብ ዚነግሠሉ ማኅበር ድኽመታት ተኣሪሞም ኪጠፋኡ ከለዉ፡ ጽንዓት ሕጊ ኣብ ዘይነግሠሉ ማኅበር ግን፡ ድኽመታት እናሰሰኑ ኢዮም ዚከዱ።

ድኽመታት እቲ ኪርድኦ ዓቕሚ ይኹን ድሌት ዘይብሉ ክትእርም ኢልካ ምጽዓር ከንቱ ስለ ዝኾነ ኣይትጽዓር። ንልቦም ክልዉጡ እንተዘይኪኢሎም፡ ንገሊኣቶም ድኽመታቶም ምምልካት ረብሓ የብሉን። ልቢ ዘይሰርሕ ወይ ሞይቱ እንተደኣ ኮይኑ፡ ኣእዳው ምማቝ እንታይ ይዓብስ? እቲ ኪቕየር ወይ ኪመሓየሽ ዘለዎ ልቢ ኢዩ፥ እዙይ ንምግባር ከኣ ነዊኅን፡ ኣድካምን፡ ባዕልኻ ጥራይ እትገብሮ ናይ ብሕትኻ ስራሕ ኢዩ።

ናይ ምምኅዳር ኃላፍነት እንተሊዩካ ከኣ፡ እቲ ምኅደራ ብጽቡቕ ይካየድ ከምዘሎ እንተደኣ ኣመልኪቶሙልካ፡ እቶም ዘመልክቱልካ ኣካላት፡ ብዛዕባ እቲ ዝነገሩኻ ብወገንካ ሓንቲ ስጉምቲ ከምዘይወሰድካሉ ፈሊጦም ከይቕየሙን ካልእ ጊዜ ከኣ እንታይ ገደሸና ኢሎም ተስፋ ቈሪጾም ኢዶምን እግሮምን ኂዞም ንኃዋሩ ሱቕ ምእንቲ ከይብሉ፡ ንስኻ ነቲ ጉዳይ ቀልጢፍካ ፈውሲ ክትረኽበሉን ከተሕውዮን ጽዓር። ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ ዚፈስስ ክስን ጥርዓንን ሓቂ ወይ ሕሶት ምዃኑ ንኽትፈልጦ፡ መንነት እቲ ዚነግረካ ዘሎ ሰብ፡ ኣጸቢቕካ ምፍላጥ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣይትዘንግዕ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “መንፈሳዊ ንጽሕና ሰብነት” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 16 Jul 2020, 05:13

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

32 - መንፈሳዊ ንጽሕና ሰብነት

ከምቲ ትሕትና ብርሃን መንፈስ ዝኾነ፡ ከምኡ ከኣ መንፈሳዊ ንጽሕና ብርሃን ሰብነትካ ኢዩ። ንስኻ፡ መንፈሳዊ ንጽሕና እንተሊዩካ ሰብነትካ ኪቕደስ ኢዩ፥ ትሑት እንተኾይንካ ከኣ ብኣእምሮኻ ክትቅደስ ኢኻ። ንመንፈስ ትዕቢት ኪኃድሮ ከሎ፡ ሰብነት ይራኸስ ኢዩ።

መንፈሳዊ ንጽሕና ንሰብነትካ ንፍቕርን ንኣገልግሎት ኣምላኽን ከምዚውፈ ይገብሮ። ብመንፈሳዊ ንጽሕና ዚነብር፡ ገና ሥጋ ለቢሱ ከሎ፡ ነቲ ንመላእኽቲ ጥራይ ዚግባእ ቅድስና ኪለብስ ይጽዕር። ድንግላዊ ኮይንካ ክትነብር እንተኺኢልካ፡ ኣብ ሰብነትካ ሰብኣዊ ሥጋ ዘይኮነ ሰብነት፡ ኣሎካ ማለት ኢዩ፥ ካብዚ ንድኃር ንስኻ ሰብ ካብ ትበሃል፡ መልኣኽ ክትበሃል ኢኻ።

ከምቲ ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ዚመጽእ ረስኒ ንነፍሲ ዘርስና፡ ከምኡ ከኣ፡ እቲ ካብ ፍትወት-ሥጋ ዚመጽእ ረስኒ ንሰብነት የርስኖ ኢዩ (1 ቆሮ 7፡9 ረአ)። ብሰንኪ ፍትወት ሥጋኻ ክትዓብድ ጸኒሕካ፡ ናብ ልብካ ምስ ተመለስካ፡ ካብ ሕፍረትን፡ ሕንከትን ጣዕሳን ዝተላዕለ ትርህጽ። ፍትወት ሥጋኻ ከይተላዕል፡ ንሰብነትካ ኣመና ክንክን ኣይትግበረሉ። ንሰብነትካ ብዘይመጠን ክንክን ምግባር ማለት ንነፍስኻ ምጕዳእ ማለት ስለዝኾነ፡ ንጥዕና ጥራይ ዚኸውን ክንክን ግብረሉ፥ ብሰንኪ ውዑይ ዝኾነ ደሙን ኣመና ግዝፉን ናብ ኃጢኣት ከየውድቐካ ከኣ፡ ባርያኻ ክሳብ ዚኸውን ቀጺዕካ ኃዞ (1 ቆሮ 9፡27 ረአ)። ብዝኾነ ግን፡ ንኽፉእ ኣመልካ እምበር ንሰብነትካ ኣይትቕተል። ነፍስኻ እትገብሮ ተጋድሎ፡ ነቶም ካብ ህዋሳትካ ዚፍጠሩ ኃጢኣት ፍትወት ሥጋ መኒንካ ካብኦም ርሒቕካ ምንባር ኢዩ።

ንመንፈሳዊ ንጽሕናኻ ካብ ዚዘርግ ነገር ርሓቕ። ሰብነትካ ኣካል ክርስቶስ ከምዝኾነዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ? ሰብነትካ ቤተ መቕደስ መንፈስ ቅዱስ ከምዝኾነዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ? (1ቆሮ 6፡15-19 ረአ)። ንስኻ፡ ንዓቢይን ንልዑል ነገርን ዝተወለድካ ስለ ዝኾንካ፡ ናይ ሰብነትካ ባርያ ኮይንካ ክትጠፍእ ኣይከአልን ኢዩ። ስለዚ ነዙ ካብ ሞት ዚትንሥእን ብነፍሱ ኢመዋቲ ዝኾነን፡ ብዓቢይ ኣኽብሮት ኃዞ። እዙ ሰብነትካ ናትካ ዘይኮነስ፡ ናይቱ፡ ብሰብነትካ ገይርካ ምእንቲ ክትውድሶ ኢሉ፡ ብኽቡር ገንዘብ ዝገዝኣካ ክርስቶስ ደእ እምበር፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ከምዘይኮነ ገይርካ ረኣዮ (1ቆሮ 6፡20)።

ኣብ ልብኻ፡ ሃረርታ መንፈሳዊ ንጽሕናን ፍርሃተ እግዚኣብሔርን ይሃሉኻ። እቶም ዝሩግ ሕይወት ዚነብሩ፡ መንግሥቲ ኣምላኽ ኣይወርሱን ኢዮም (1 ቆሮ 6፡9-10 ረአ)። ንስኻ ናብ እግዚአብሔር፡ ኣማን ብኣማን፡ እትምለስ፡ ካብ ናይዙ ዓለምዙይ ክፉእን ጐዳእን ዝኾነ ፎዀስኰስን ብዕልግናን ምስ ትርሕቕ ጥራይ ኢዩ። ንመንፈሳዊ ንጽሕናኻ ከየጥፋእካ ምእንቲ ክትነብር፡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣንብብ።

ቃል ኣምላኽ ንጹሕ ኢዩ፥ እቶም ኵሎም ንቓሉ ዘስተማቕሩ ከኣ ይነጽሑ ኢዮም። እቲ ዝዓበየ ፈውሲ ተግባር ኣንጻር መንፈሳዊ ንጽሕና ወይ ተኣቅቦ፡ ብትሕትና ዚግበር ጸሎትን፡ ኵሉሻዕ ብኅሊና ኣብ ተጠንቐቕ ምንባርን፡ ድኻምነትካ ከኣ ኣዒሪኻ ምፍላጥን ኢዩ። ንስኻ ካብ ጣዕምን ካብ ተመስጦ ጸሎትን ዘይትፍለ እንተኾይንካ፡ እቲ ኣባኻ ዘሎ ዘይጸግብ ሃረርታ ደስታ እዙ ዓለምዙይ ኪጠፍእ ኢዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “መንፈሳዊ ንጽሕና ልቢ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 29 Jul 2020, 11:45

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)።

33 - መንፈሳዊ ንጽሕና ልቢ


ብህዋሳት ገይሩ ዚመጽእ ዝሩግ ፍቕሪ፡ ንዓይኒ ልቦና ዜጥፍእ ኢዩ። መስተ ጣዕሚ እዙ ዓለምዙይ ንልቢ የደንዝዝ ንኣእምሮ ከኣ ይደፍን ኢዩ። ፍትወት ሥጋ ንኣገልገልቲ እግዚኣብሔር እትቐትል፡ ርግምቲ ዝኾነት ናይ መንፈስ ኣራዊት ኢያ። ክፉእ ሃረርታ ፍትወት ሥጋ ከኣ፡ ውሉደ ሰይጣን ኢዩ። ኃቢርካ ምስ ዘመውቲ ምካድ ማለት፡ ንረስኒ ፍትወት ሥጋኻ መመሊስካ ምግዳድ ማለት ኢዩ። እቲ ነውራምን ዘይግባእ ቅለትን ዚመልኦ ዘረባኦም፡ ንዚሰምዖ ኵሉ፡ ልቡ ብኽፉእ ሓሳባትን ብግዕዙይ ፈተነታትን ኢዩ ዚመልእ።

ከምቲ ሰብነትካ ክትምርዝ ብኣፍካ መርዚ እትሰቲ፡ ከምኡ ከኣ ልቢ ዚምረዝ በቲ ብዓይኒ ዚኣትዎ ኢዩ። ዝሩግ ዝኾነ ዘረባ ንሰብ ጽቡቕ ጠባይ የባላሽዎ ኢዩ (1ቆሮ 15፡33 ረአ)። ነቲ ዕዉርን ርኹስን ዝኾነ ዓለም ዜፍቅሮን ዚትምነዮን ነገራት ኵሉ፡ ንስኻ ከም ሓደ ሕሱርን ከንተ ዝኾነ ነገርን ሓሶትን ገይርካ ርኣዮ ኢኻ። ታሕጓስ እዙ ዓለምዙይ ቀልጢፉ ዚሓልፍ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ነቲ ዘስተማቐሮም ሰብ ከኣ ንነፍሱ ኢዮም ዚቐትሉ።

ታሕጓስ እዙ ዓለምዙይ ኵሉ ከንቱን ስቓይ ነፍስን ምዃኑ ኣስተውዕል (መክ 1፡14 ረአ)። ንስኻ፡ ብብርቱዕ ፍትወት ሥጋ ምስ ተሸገርካ፡ ንሰብነትካ ከምዚሞተ ገይርካ ሕሰቦ እሞ፡ ሽዑ ንመን ተፍቅር ከምዘሎኻ ክርድኣኻ ኢዩ። ንፍትወት ሥጋኻ እንተዘይመሊኽካ፡ እቲ ዘሎካ ኵሉ መንፈሳዊ ኃይሊ ብሓደ ጊዜ ኪዓኑ ኢዩ። እቲ ዘይተቐጽዔ ሥሥዔኻ፡ ንቕድስና ነፍስኻ ከዕንዎ ኢዩ። ድኅሪ እቲ ባህሪያዊ ዝኾነ ምዕቃብ ሕይወት ተፈጥሮ፡ እቲ ስዒቡ ዚመጽእ ዝዓበየ ባህርያዊ ጾታዊ ድሌት ከምዝኾነ’ውን ፍለጥ። ልቢ ሰብ ስለ ዘይኣርግ፡ ብዕድሜኻ ኣይትተኣማመን።

በቲ ንነፍስኻ ሸል ዜብል ፈተና ኅሊናኻ ኣይተዕርብ፥ ብርግጽ ፈተና የሕስር ኢዩ፡ እንተኾነ ንኅሊናኻስ፡ ከርስሓልካ ኣይኽእልን ኢዩ። ህይወትካ ካብ መዋትነት ናብ ክብሪ ኢመዋቲነት ክሳብ ዚቕየር፡ ሸኽሚ እቲ ዝተራኸሰ ባህሪኻ ክትሰምዖ ኢኻ።

እግዚኣብሔር፡ ሳኅቲ ሳኅቲ፡ ንስኻ ትዕቢት ምእንቲ ከይተኅድር ኢሉ፡ ከምትፍተን ይገብረካ ኢዩ። ከምኡ እውን ዚግስጸካ፡ ንልብኻ ካብ ክፉእ ሓሳብ ስለ ተዘንግዖ እምበር፡ ህማቕ ሓሳብ ናብ ኣእምሮኻ ስለ ዝተቐልቀለካ ኣይኮነን። ገለ ክፉኣት ሓሳባት ንሰብነት የርስሑ፡ ንልቢ ዜራኽሱ ኣለዉ። ኃጢኣት ኮነ ቅድስና ኮነ፡ ዚፍጠሩ ካብ ፍቓድ ኢዮም፥ ፍቓድ ኃጢኣት ዚገብር፡ እቲ ክፉእ ሓሳብ ኣብ ልቡ ተቐቢሉ፡ ደስ ምስ ዚብሎ ኢዩ። ንዝኾነ ዘይንጹሕ ሓሳብ፡ ከም ሓደገኛ ዝኾነ ንጣር ሓዊ፡ ካባኻ ኣርሕቆ።

ኃጢኣት ቅድሚ ንሰብነትካ ምርኻስ፡ ኣብ ውሽጢ ነፍስኻ ኢዩ ዚውላዕ (ማቴ 15፡19 ረአ)። እግዚኣብሔር ቅዱስ ክትከውን ኢሉ ኪዕድመካ ከሎ፡ ነፍስኻ ብድኻምነት ሥጋኻ፡ ንቕድሚት ምኻድ ትስእን። እንተኾነ ብረድኤት ኣምላኽ፡ ነቲ መተኃላለኺ ዝኾነ ሥጋዊ ድሌት ትበታትኾ ኢኻ። ንመንፈሳውን ሥጋውን ንጽህናኻ ኣኅሊፍካ ኣይትሃብ።

መንፈሳዊ ንጽሕና ሰብነትካ ብምሉእ ፍቕሪ ምእንቲ ኬፍቅር፡ ንልብኻ ናጻ ኢዩ ዚገብሮ። ንስኻ ንእግዚኣብሔር ብንጹሕ ልቢ ከተገልግሎ እንተዘይክኢልካ ሕጉስ ኣይኽትከውንን ኢኻ። እከይ ነገር ኣብ ሥጋ ኢዩ ዚኃድር፥ ቅዱስ ነገር ከኣ ዚኃድር፡ ኣብ ተስፋ ሰማያዊ ሃብቲ ኢዩ።

እቲ ንጽሕና ልቢ ዘይብሉ፡ ንእግዚኣብሔር ከስተማቅሮ ኣይኽእልን ኢዩ፥ ንጹህን ቅዱስን ዝኾነ ሰብ ግን፡ ምስ እግዚኣብሔር ኃቢሩ ኪነብር ኢዩ።


ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ሃብቲ ድኽነት” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 10 Aug 2020, 09:51

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና! :mrgreen:

34 - ሃብቲ ድኽነት


ንድኽነት ከም ኣዴኻ ገይርካ ኣፍቅራ። ድኽነት ኣደ ጽቡቕ ነገር ኢያ፥ ፍቕሪ ገንዘብ ከኣ፡ ሠሪ ሕማቕ ነገር ኢዩ። ድኽነት፡ ዕቡይ ካብ ምዃን ትሕልወካ፥ ድክነት ግን፡ ብሓቂ፡ ሡር ንትሕትና ሡራን ዓቃቢታን ኢያ። ድኽነት፡ ትብዓት ከተኅድረልካ ከላ፡ ሃብቲ ግን ንትብዓት ካባኻ ተጥፍኦ። ድኽነት፡ ነቲ ናብ ሰማይ ዚወስድ መንገዲ ከተቃልለካ ከላ፡ ሃብቲ ግን ተጸግመልካ። ድኽነት፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ናይ ቅድሳን ምርኵስ ክትከውን ከላ፥ ሃብቲ ግና ኣብ ቅድሚ ዓለም፡ ምርኵስ ሃብታማትን ዓበይትን ኢያ።

እቲ ዓለም ዚንዕቖ ነገር ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ኢዩ። ኵሉ ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ፡ ክንድቲ ካብ ድክነት ክትረኽቦ እትኽእል ሃብቲ ክትህበካ ኣይትኽእልን ኢያ። ድኽነት ንኵሉ ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ክትምንን ክእለት ስለ እትህበካ፡ ጐይታ ኵሉ ኢኻ ትኸውን። ዓለማዊ ሃብቲ ኪርሕቐካ ከሎ፡ መንፈሳዊ ሃብቲ ይቐርበካ። ነፍስኻ ሳላ እዙ መንፈሳዊ ሃብቲዙይ ኪንገር ዘይከኣል ሰላምን ዕግበትን ትረክብ።

ሻቕሎት ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ናብ እግዚኣብሔር ዓሪግካ፡ ምሳኡ ከይትወሃሃድ ይኽልክለካ። ኣብዙ ዓለምዙይ፡ ንስኻ ካብ ሃብቲ ብዝረሓቅካዮ መጠን፡ ብእኡ መጠን ከኣ፡ ብዝቐለለ መንግሥተ ሰማይ ክትወርስ ኢኻ። ካብቲ ብገዛእ ፍቓዱ ንድኽነት ዝኃረየ ሰብ፡ ዚህብትም የሎን። እታ ምእንቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢልካ ዝለበስካያ ድኽነት፡ ብሓቂ ክንደይ ትህብትም ኢያ! እዙ ኵሉ ሃብቲ ከይተጥፍእ ተጠንቀቕ

ድኽነት፡ እተሓብኤ ወርቂ ስለ ዝኾነ፡ ንዕኡ ምእንቲ ክትዕድግ፡ ንኵሉ ንብረትካ ክትሸጦ ኣሎኻ። ኣብዙ ዓለምዙይ ንሓንቲ ነገርኳ ባህጊ ዘይብልካ እንተኾይንካ፡ ብዓል ብዙኅ ሰላምን ወናኒ ሓቀኛ መንፈስን ክትከውን ኢኻ። ብሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ከይትሻቀልን ሰላም ከይትስእንን እንተደሊኻ፡ ንሰማያዊ ሃገርካ ብዓቢይ ባህጊ ቀጥ ኣቢልካ ሓዞ።

ምስቲ ኵሉ ሃብትካ፡ ድኻ ኮይንካ ንበር’ሞ፥ ሳላ ድኽነትካ ከኣ ክትህብትም ኢኻ። ንስኻ፡ ድኻ እትበሃል፡ ንብረት ስለዘይብልካ ኢኻ፥ እምበር ብስእነትካ ከየማረርካን ከየስተማሰልካን፡ቀሲንካ ብትዕግሥቲ ንበር። ግዳ፡ እትድኅን ብስእነት ዘይኮነስ፡ ንስእነትካ ብትሕትናን ብትዕግሥትን ተቐቢልካ፡ ተስፋኻ ኣብ እግዚኣብሔር ገይርካ፡ ሕይወትካ ብእግዚኣብሔር ከምትምራሕ እንተደኣ ኣሚንካ ጥራሕ ኢዩ። ድካ ምዃን ማለት ካብቲ ዜድሌካ ነገር ዝውሕድ፡ ኪህልወካ ከሎ ኢዩ። ሃብታም ምዃን ማለት ከኣ፡ ዜድሊዮ ነገር ፡ ኵሉ ዘለዎ ማለት ኢዩ

ንዓበይቲ ነገራት ዝመነንካ ካብ ኮንካ፡ ልብኻ ብናእሽቱ ነገር ኪማረኽ ኣይግባኣን። ድኽነትኻ ንምትግባር ዘሎካ ዕድል ቝሩብ ስለ ዝኾነ፡ ድኽነት ንምዝውታር ዚገጥመካ ዕድል ኵሉ፡ ተሓጕስካ ተጠቐመሉ። ብዙኃት ኢዮም እቶም፡ ብድኽነት ኪነብሩ ኢሎም፡ ድኅሪ ክንደይ ድኻም፡ ናብ ገዳም ዚኣትዉ! ብዝኾነ፡ እዛ ንዛረበላ ዘሎና ድኽነት፡ ንስኻ ከይዓደምካያ፡ ባዕላ፡ ናብ ገዛኻ ህሩግ ኢላ ስለ ዝኣተወትካ፡ ምናልባት፡ ዝሓሸት ከይኮነት ኣይትተርፍን ኢያ።

ዝኾነ ኾይኑ፡ ንስኻ ሓደ ካብቶም መብጽዓ ድኽነት ዚነብሩ፡እንተኾነ ግና፡ ሓንቲ ነገር ክትጐድሎም ዘይደልዩ ኣይትኹን። ንስኻ ብሓደ ወገን ብፍጹም ድኽነት ክትነብር ኢልካ ንእግዚኣብሔር መብጽዓ ትኣቱ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ገለ ነገር እንተጕደሉልካ ተጕረምርም። ድኽነት ዘይትፈቱ እንተደኣ ኮይንካ፡ ንስኻ፡ ብባህጊ ሃብታም ደኣ እምበር፡ ብመንፈስ ድኻ ክትበሃል ኣይከኣልን ኢዩ።

ብንብረት ድኻ ኮይንካ እናነበርካ ከሎኻ፡ ግን እንከ፡ ንንብረት ሃረር ትብል እንተኾይንካ፡ ሽሕኳ ብዓጸባ ድኽነት እንተተሸገርካ፡ ጻማ ቅድስና ኣይትረክበሉን ኢኻ። እምበኣርከስ ንድኽነት ከም ሃብትኻ ገይርካ ምረጻ’ሞ፥ ድኅሪኡ ካብ ድኽነት ዚርከብ ጣዕሚ ሃብቲ ከተስተማቕር ክትጅምር ኢኻ።

ብድኽነት ክትነብር ኢልካ ስለ ዝኃረኻ፡ ካብ ካልኦት ትበልጽ መሲሉካ፡ ትዕቢት ከይተኅድር ክትጥንቐቕ ኣሎካ። ከምኡ እውን ብሃብትካ ምኽንያት ዘይግቡእ ነገር ውን ዝበልካን ከይትገብር ተጠንቐቕ። ንዓኻ፡ ቀዳማይ ኣብነትካ ድኽነት ኢየሱስ ኢዩ። እቲ ጐይታ ዓለም ዝኾነ ኢየሱስ፡ ንመንበሪኡ ዚኸውን ገዛ’ኳ ኣይነበሮን (ሉቃ 9፡58 ረአ)፥ ኢየሱስ ዝተወልደሉ ብዓቲ፡ ዝሞተሉ ከኣ መስቀል ጥራይ ኢዩ ነይሩዎ። ንስኻ ንኢየሱስ ተፍቅሮ እንተደኣ ኮይንካ፡ ንድኽነት’ውን ብግዲ ከተፍቅራ ኢካ (ፊሊጽ 3፡8 ረአ)

ኢየሱስ ናብዙ ዓለምዙይ ምስ መጸ፡ ንዕቤቱ ዚበቅዕ ክዳን፡ ካብ ድክነት ዚጽብቕ ክዳን ኣይረኸበን። ኢየሱስ ካብዙ ሃብቲ ዓለምዙይ፡ ንገለ ነገር ክትምንን እንተደኣ ሓቲቱካ ኣይትእበዮ። ድኽነት ምስ ኢየሱስ ኮይንካ ክትነብሮ ከሎኻ፡ ታሕጓስ ኢዩ ዚህበካ፥ ሃብቲ ብዘይ ኢየሱስ ከኣ ትካዜ ኢዩ ዚፈጥረልካ (ማቴ 19፡22 ረአ)። ሓንቲ ነገር ካብ ዘይምውናን ዚርከብ ሓጎስ ንምስትምቓርን፡ ምስ ኢየሱስ ኾይንካ ከኣ ንኵሉ ክትውንን ምእንቲ ኢየሱስ ኢልካ ንኵሉ ክትምንን፡ (2 ቆሮ 6፡10 ረአ) ካብ ሓዋርያት ተመሃር ኢኻ (ሉቃ 5፡11 ረአ)።

ወንጌላዊ ብዝኾነ ድኽነት ተመሪሕካ፡ ዘለዓለማዊ ዝኮነ ሃብቲ ዑቘር። ካብ ወንጌላዊ ድኽነት ዜህብትም ነገር የልቦን። ንስኻ እውን፡ ንድኽነት፡ ከም ኣዚያ ፍትውቲ ዝኾነት ዓርኪ ኢየሱስ ገይርካ ብልብኻ ተቐበላ ኢኻ። ድኽነት ብጸይቲ ሕይወትካ ከምትኸውን ግበራ፥ ብተገዳስነት ድለያ፥ ብዓቢይ ፍቕሪ ተቐበላ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ብመንፈስ፡ ሓቀኛ ድኻ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 26 Aug 2020, 05:09

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)።

35 - ብመንፈስ፡ ሓቀኛ ድኻ

ብመንፈስ ሓቀኛ ድኻ ምዃን ማለት፡ ካብ እግዚኣብሔር ወጺእካ፡ ንኻልእ ነገር ዘይምብሃግን ዘይምድላይን፡ ምእንቲ ፍቕሪ እቲ ምእንታና ኢሉ ክሳብ ሞት ዝተሳቐየ ኢየሱስ ኢልካ ምስኡ ኃቢርካ ምስቓይን፡ ብፈተናን ብመንፈሳዊ ድርቀትን ቀሲንካ ምንባር ይግባእ። እቶም ብዛዕባ ፍጹም ድኽነት ዚዛረቡ መጻሕፍቲ ከንቡቡ ኢሎም ዚግደሱ ብዙኃት ኪኾኑ ከለዉ፡ እቶም ፍጹም ንዝኾነ ድኽነት ኣብ ግብሪ ኬውዕሉዎ ዚጽዕሩ ግን፡ ሒዶት ኢዮም።

ንስኻ ብመንፈስ፡ ድኻ እንተደኣ ኮይንካ፡ ዕዉት ኣብ ርእሲ ምዃንካ (ማቴ 5፡3 ረኣ)፥ ሓቀኛ ውሽጣዊ ትሕትናን ናይ ሕፃን ገርህነትን ኪህልወካ ኢዩ፥ ካብቲ ሓቀኛ ክውንነትካ ንላዕሊ ኮይንካ ክትረኤ ከይደለኻ፡ ብዘይ ሓደ ስክፍታን ሻቕሎት-መንፈስን ሓቂ ኂዝካ ክትነብር ኢኻ። ኢየሱስ ነቶም ብመንፈስ ድኻታት ዝኾኑ ዕዉታት ኢዮም ኢሉ ኪምስክረሎም ከሎ፡ መንግሥተ ሰማይ ዚወሃብ ነቶም ሃብቲ እዙ ዓለምዙይ ዘይብሎም ዘይኮነስ፡ እንታይድኣ ነቶም ውሽጣዊ ትሕትና ዘለዎም ከምዚኾነ ኢዩ ዚገልጽ።

ንስኻ ከኣ፡ ብትዕቢት ፍልጠት እዙ ዓለምዙይ ዘይተነፋሕካ እንተኮይንካ፡ ኢየሱስ ባዕሉ ነቲ ሓቀኛ ትሕትና ኬምህረካ ኢዩ። ኣተሓሳስባ ቅዱስ ወንጌል ከምቲ ናይ ሰብ ኣተሓሳስባ ከምዘይኮነ ኣይትረስዕ። ኣብ መንግሥተ ሰማይ እቲ ዝዓበየ ክትከውን እንትደሊኻ ሕጂ ከም ሓደ ንእሽቶ ኩን (ማቴ 18፡4 ረኣ)። እግዚኣብሔር ብኽብሪ ሓፍ ከብለካ እንተደሊኻ፡ ትሑት ኩን።

እግዚኣብሔር ንድኻ ካብ መሬት ሓፍ የብሎ፡ ንዕቡያት ይቕንጽሎም፡ ንትሑታት ከኣ የልዕሎም (ሉቃ 1፡52 ረኣ)። እግዚኣብሔር ኣውራቑ ንዓኻ ቅድሚ ምሃቡ፡ ብዘይካኡ፡ ንበይንኻ፡ ሓንቲ ነገር ክትገብር ከምዘይትኽእል ንኽትርዳእን ንኸይትዕበን ኢሉ ኢዩ፡ ንድኽነትካ ኣጸቢቕካ ከምትፈልጦ ዚገብረካ።

መንግሥቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ትሕትናን ኣብ ድኽነት ዝተመሥረተ ደኣ እምበር፡ ኣብ ሃብትን፡ ክብርን፡ ሰብኣዊ ሥልጣንን ኃይልን ዝቖመ ምድራዊ መንግሥቲ ኣይኮነን። ኢየሱስ ብትሕትና ኢዩ ንትዕቢት ዓለም ዝሠዓረ። ኣባኻ ዘሎ ትዕቢት ቀቲልካ፡ ካብ ክብሪ እዙ ዓለምዙይ ርሓቕ። ትዕቢት ንኣእምሮ ወዲ ሰብ ብጸልማት ሸፊኑ፡ ንኣምላኽ ከምዘይፈልጦ ኢዩ ዚገብሮ። ፍትወት ርእስኻ ከም ደመና፡ ንእግዚኣብሔርን ንባዕልኻን ከምዘይትፈልጥ ይጋርደካ ኢዩ።

እቲ ዝዓበየን ዝገደደን ጸላኢኻ ፍትወት ርእስኻ ኢዩ። እዙይ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንርእስኻ ካብ ግቡእ ንላዕሊ ምሕሳብን ምኽባርን ማለት ኢዩ። ንኃጢኣትካ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ንድኽመት ኃውካ፡ ክትኃብኦ ጽዓር። ብኸምዚ ዝበለ ኣገባብራኸስ፡ ካልኦት ካባኻ ከምዚበልጹን፡ ንስኻ ከኣ፡ ካብ ኵሎም ዝገደድካ ምዃንካን፡ ናይ ምሕሳብ ክእለት ከተጥሪ ምዃንካ ኣይትረስዕ፥ ሽሕኳ ሓለቓ ወይ ኣዛዚ ካብ ትኸውን ኃያሎ ጊዜ እንተኾነ፡ ግን ንትሕትናኻን መንፈስ ኣገልግሎት ኣኅዋትካን፡ ካብቲ ጽቡቕ ጠባይካ ኣይተጥፍኣዮ። ክቡርነት ሓደ ስፍራ፡ ካብቲ ብተፈጥሮኻ ዘሎካ ዕቤት ዝበለጽካ ኪገብረካ ኣይኽእልን ኢዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ናይ ተኣዝዞ፡ መንፈሳዊ ኃይሊ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 08 Sep 2020, 08:59

ንኽብሪ ጓሶት ነፍሳትና ዝዀኑ ኣቦታትን ኣዴታትን እምነትናን፡ ንኽብሪ ለባማትን ውርዙያትን ወለድና ከምኡውን ንክብሪ ሰማእታትና ነዙይ ምኽርታት ብጭውነት ጽን ንብሎ ኣሎና!

36 - ናይ ተኣዝዞ፡ መንፈሳዊ ኃይሊ


ንስኻ ንእግዚኣብሔር ዚያዳ እተሕጕሶ፡ ብመሥዋዕቲ ሰብነትካ ዘይኮነስ፡ ብተኣዝዞኻ ከምዝኾነ ፍለጥ ኢኻ (1ሳሙ 15፡22 ረኣ)። ተጋድሎ ክትገብር ከሎኻ ንሰብነትካ ኢኻ ትሥውዕ፡ ክትእዘዝ ከሎኻ ግን ንፍቓድካ ኢኻ ትሥውዕ። እዙ ካልኣይ መሥዋዕትነት እዙይ፡ ብእግዚኣብሔር ዚያዳ ቅቡል ኢዩ።

ንስኻ ንኵሉ ሃብትኻ መኒንካ ኃዲግካዮ ኢኻ፡ ሕጂ ከኣ ብምሉእ ኃይልኻ ንፍቓድካ ንኽትምንን ተሰናደወሉ። ካብ ተጽዕኖ ፍቓድካ ተገላገልን ናጻ ኩንን። ድልየትካ፡ ንተኣዝዞ ኣህሉቕኻ ንምምላእ ጥራይ እንተኾይኑ፡ ኣብ መንፈስካ ዓቢይ ቅሳነት ክስመዓካ ኢዩ።

ብተኣዝዞ ንፍቕሪ ርእስኻ ኣጥፊእካ፡ ነቲ ደቂ እግዚኣብሔር ብምዃን፡ ዚጥረ ናጽነት ክትረክብ ኢኻ። ንስኻ፡ ብኵሉ ተኣዛዛይ እንተደኣ ኰይንካ፡ ዋላ’ውን ኣብቲ ንኽትእዘዝ ርትዕን ሓቅነትን ዘይትርእየሉ ነገር፡ እንተኾነ ድኅሪ ብዙኅ ጊዜ፡ እግዚኣብሔር በቶም ዚእዝዙኻ ሰባት ገይሩ፡ ካብቲ ንስኻ ትጽበዮ ዝነበርካ ነገርን መደብን ዚዓቢ፡ ኣብ ሕይወትካ ከምዚፈጸመልካ ኪርደኣካ ኢዩ። ብኵሉ ነገር ተኣዛዛይ እንድኅሪ ኮይንካን ብንጹሕ ኅሊና እውን እንተነቢርካ፡ እግዚኣብሔር ካብ ቅኑዕ መንገዲ ከምዘይትወጽእን ብሸይጣን ከምዘይትታለልን ከምዘይጐድኣካን ኪገብርካ ኢዩ።

ብርግጽ፡ እቲ ኵሉ ንሥርዓትካ ዚፃረር ነገር፡ ዕንቅፋት መንፈስ ኢዩ። ኣብ ፍርዲ እግዚኣብሔር፡ ብዛዕባ’ቲ ኵሉ ትእዛዝ-ኣዛዚኻ ክትመልእ ኢልካ ዝገበርካዮ ነገር፡ እትሽከሞ ኃላፍነት የብልካን (ዕብ 13፡17 ረኣ)። ከመይሲ ተኣዚዝካ እትገብሮ ነገር፡ ፍቓድ ኣምላኽ ትገብር ከምዘሎኻ፡ ርግጸኛ ክትከውን ይግባእ። ተኣዝዞ ብእምነት ዚግበር መንፈሳዊ ኃይሊ ኢዩ።

ከምቲ ካብ መንፈሳዊ ንጽሕናን፡ ድኽነትን፡ ተኣዝዞን ሰብነትካ፡ ኵሉ ዓይነት መንፈሳዊ ኃይሊ ዚርከብ፡ ከምኡ ከኣ፡ ካብቲ ኵሉ ኣንፃር እዙ መንፈሳዊ ኃይልታት ዝኾነ ተግባር፡ ኃጢኣት ኢዩ። ሓደ ሰብ፡ ሕይወቱ ንእግዚኣብሔር ዝወፈየ፡ ንመብጽዓ ተኣዝዞኡ ኣኽቢሩ ኪነብር ከሎ፡ ብዛዕባ ውፉይ ሕይወቱ ሕጉስ ኮይኑ ይነብር ከምዘሎ ኢዩ ዚግለጽ።

ንስኻ ከኣ ብተኣዝዞ ትነብር እንተደኣ ኮይንካ፡ እግዚኣብሔር ምሳኻ ኪህሉ ኢዩ። ኣብቲ ኣዚዩ ትሑት ዝኾነ ስራሕ እውን እግዚኣብሔር፡ ብመንፈስ ምሳኻ ኪህሉ ኢዩ። ተኣዝዞ ናብቲ ዝለዓለ ጫፍ ቅድስና፡ ብዝቐልጠፈ ጊዜ ዜብጽሕ መንገዲ ኢዩ። ሓቀኛ ትሕትና እንተደኣ ኣሊዩካ፡ ብገርህነት ክትእዘዝ ኢኻ። ዕቡይ ሰብ ግን፡ ብገርህነት ኪእዘዝ ኣይኽእልን ኢዩ።


ንስኻ ከኣ፡ ሕጉስ ተኣዛዚ ክትከውን እንተደሊኻ፡ ስለምንትይ ይእዙዙኻ ከምዘለዉ ክትፈልጥ ከይደለኻ፡ እሺ ኢልካ ተኣዘዝ። ንዓኻ ተኣዝዞ ኪበሃል ከሎ፡ ብፍቕሪ ተደሪኽካ ዚግበር ሥራሕን፡ ከምኡ እውን ነቲ ከተገልግሎ ብሕይወትካ ዝተወፈኻሉ መደብ እግዚኣብሔር ናጻ ዝኾነ ተበግሶ ደኣ እምበር፡ ብኣስገዳድ ወይ ብፍርሃት ዚግበር ኣይኮነን።

ንፋስን ባሕርን ንፈጣሪኦም ኢዮም ዚእዘዙ (ማቴ 8፡27 ረኣ)፥ ንስኻኸ፡ ነቲ ንኽትፈልጦን ንኸተፍቅሮን ኢሉ ክእለት ዝሃበካ ኣምላኽካ፡ ኣብ ትሕቲ ፍቓዱ ክትገብር ትደሊዶ?
እቲ ክሳብ ጊዜ ሞቱ እናተኣዘዘ ዝነብር ዝነበረ ኢየሱስ (ፊሊጵ 2፡8 ረአ)፡ ንስኻ’ውን በታ ንሱ ዝኸደላ መንገዲ ተኣዝዞ፡ ክትከይድ ኢዩ ዚደሌካ። እምበኣር ነቲ ፍጹም ዝኾነ ተኣዝዞ ወዲ እግዚኣብሔር ኢየሱስ እናዘከርካ፡ በቲ ጐደሎ ዝኾነ ተኣዝዞኻ ሕፈር።

እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኢየሱስ’ኳ ንብዙኅ ዓመት ኣብ ትሕቲ ፍቓድ ክልተ ፍጡራቱ ኮይኑ እናተዋፈረ ዝነበረስ ከመይ ኢልካ ደኣ ንስኻ፡ ፍጡር ክነስኻ፡ ኣብ ትሕቲ ካልኦት ንኽትነብር ዚብርትዓካ?(ሉቃ 2፡51 ረኣ)። እምበኣር ናብ ናዝሬት ከድካ ካብ ኢየሱስ ምእዛዝ ተመሃር። ኢየሱስ ዝሞተ፡ ነቡኡ ክእዘዝ ኢሉ ክንዲ ዝኾነ፡ እቲ ዝበለጸ መሥዋዕቲ ኢዩ ፈጺሙ (ዕብ 10፡5-10፥ 1ሳሙ 15፡22 ረአ)።

ነቲ ካብ መስቀል ዘረር ዚብል ደም ኢየሱስ እንተለሚንካ፡ ንኽትእዘዝ ኃይሊ ክትረክብ ኢኻ፡ ንፍቓድካ ደኣ ናብ ደም ኢየሱስ እልኽ ኣብሎ። እወ፡ ተኣዝዞ ኣርዑት ኢዩ፥ እንተኾነ ምስ ኢየሱስ ኮይንካ እንተተሸኪምካዮ ኪፈዅሰካ ኢዩ (ማቴ 11፡30 ረአ)።

ኢየሱስ ንተኣዝዞ ካብ ዝተወልደሉ ዠሚሩ ክሳብ ዝሞተሉ ጊዜ ክሳብ ክንድዙይ ካብ ኣፍቀራን ተሠውዓላን፡ ተኣዝዞ ዓባይን መለኮታዊትን ነገር ምዃና ኢዩ ዜረድእ (ዮሓ 8፡29 ረአ)። ንስኻ እውን በቲ ኵሉ ክትእዘዝ ኢልካ እትፍጽሞ ነገር፡ ክብርን ሰላምን እትረክብ ይግበርካ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ነሕሉቕ ምእዛዝ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ፍኖተ ጥበብ፡ “La Sapienza del Vangelo” - ጕዕዞ ክርስቲያናዊ ዕቤት - በፍሬያቸው ታውቋችኋላችሁ!

Post by Meleket » 22 Sep 2020, 03:56

. . . መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብ፡ ነዙ መጽሓፍዙይ ኪርድኦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዕኡ እዙ ትምህርትዙይ ዕሽነት ኢዩ (1ቆሮ 2፡14 ረአ)።

37 - ነሕሉቕ ምእዛዝ


ንውሳኔ እቶም ዜመኃድሩኻ ብእምነት ተቐበሎ። እግዚኣብሔር ንደንቆሮ ሰብ እውን ብጥበብ ኢዩ ዚመርሖ። ምስ ፍቓድ ኣሕሉቕካ ሠሚርካ ክትከይድ ብዝጸዓርካዩ መጠን፡ ብኡኡ መጠን ከኣ፡ ፍቓድኻ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ከተሥምሮ ክትጽዕር ኢኻ። ክርስቲያናዊ እምነትና፡ ትእዛዝ ሓለቓ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገልጽ ተግባር ከምዝኾነ ኪነግረና ከሎ፡ ብገዛእ ርእስኻ እትገብሮ ነገር ግን፡ ፍቓድ ኣምላኽ ይኹን ኣይኹን፡ ሓንቲ ነገር እትፈልጦ የብልካን። ንስኻ በቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዝኾነ ፍቓድ ሓለቓኻ፡ ከምትምራሕ ግበር። ክንየው መልክዕ ሰብ ንኣምላኽ ክትርኢ ይግባእ።

ተኣዝዞ ናይ ሕይወትካ ጸሎተ ምሥጋን ኢዩ። ነሕሉቕካ ምስ እትሕጕስ፡ ንእግዚኣብሔር ከምዘሕጐስካ ኮይኑ ክረኣየካ ይግባእ። ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትካ እቲ ካብ ትሕቲ ፍቓድ ኣሕሉቕካ ከይወጻእካ ከምትነብር እትገብሮ ጻዕሪ ንዓኻ ጠቓሚ ኢዩ። እቲ ትእዛዝ ብኣምላኽ ይምጻእካ ወይ በቲ ናይ እግዚኣብሔር ቦታ ኂዙ ዚርከብ ሰብ ይምጻእካ፡ ንኵሉ ተገዲስካ ብሓደ ፈጽሞ ኢኻ።

እግዚኣብሔር ብእምነት ምእንቲ ክትሰርሕ፡ በሕሉቕካ ገይሩ ኢዩ ዚእዝዘካ እምበር፡ ባዕሉ ብቐጥታ ኣይእዝዘካን ኢዩ። ካብቲ ንእግዚኣብሔር ብቐጥታ እትእዘዞ ከሎኻ፡ ምእንቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢልካ፡ ንሰብ ክትእዘዝ ከሎኻ ዝበለጸ ተኣዝዞ ኢዩ። ተኣዝዞ ልቢ፡ ዚውፈ ንፍቕርን ንኣገልግሎት ኣምላኽን፡ ኢዩ። መንፈሳዊ ምጽንናዕ ዚርከብ፡ ንፍቓድካ ኣብ ትሕቲ ኣሕሉቕካ ኣንቢርካ፡ ንፍቓድካ ክትክሕድ ከሎኻ ኢዩ። ምእንትዚ ንስኻ እውን፡ ነቲ ሓለቓኻ ክትገብሮ ዚእዝዘካ ነገር ተገዲስካ ፈጽሞ።

እቲ ዝዓቘርካዮ፡ ብዙኅ ጥበብን ፍልጠትን ናብ ዕሽነት ከይመርሓካ ተጠንቐቕ ደኣ። ጥበበኛ ዅን፡ ክብለካ ከሎኹ፡ ንጥበብካ ብትዕግሥቲ ተጠቐመሉ ማለተይ ኢየ። ተኣዝዞካ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዚያዳ ፍጹም ዝኸውን፡ ኣብ ጽንኩርን፡ ተጸላእን ነገር እሺ ኢልካ ክትእዘዝ ከሎኻ ኢዩ። ብዙኅ ጊዜ፡ እግዚኣብሔር ሕሱማት ሰባት ኪምረጹ ዚፈቕደሉ ምኽንያት፡ ናይቶም ዜፍቅሮም ሰባት መንፈሳዊ ኃይሊ ምእንቲ ኪምዕብል ኢሉ ኢዩ።

ክእለት ሓለቓኻ ብዝወሓደሉ መጠን፡ ጻማ ተኣዝዞኻ ዝበዝኄ ኢዩ ዝኸውን። ንኼመኃድር ዝተመዘዘ ሰብ፡ ኣብ ቤተ ኣምላኽ፡ እቶም ካልኦት ከመይ ኢሎም ኪነብሩ ከምዘለዎም ብኣብነቱ ከርእዮም ኢዩ ዚግባእ። እንተኾነ ግን፡ ብዙኅ ጊዜ ሕያውነት ሓለቓ በቲ ሕያውነት ዜጋታቱ ስለዚውሰን፡ እቲ ሓለቓኻ ብጠባዩ ዘይምስገን እንተኾይኑ፡ ነቲ ዘመኃድረካ ዘይኮነስ ንባዕልኻ ደኣ ንቐፍ።

እዚ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ “መማህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም ኣለዉ። ስለዚ ንሳቶም ዚብልኹም ኵሉ ግበሩን ሓልዉን፥ ግናኸ ንሳቶም ይብሉ ደኣ እምበር ኣይገብሩን ኢዮም እሞ ከምቲ ዚገብሩዎ ኣይትግበሩ” (ማቴ 23፡ 2-3)። ነሕሉቕካ እንተተኣዚዝካ፡ ጌጋ ትእዛዝ ብምሃብ ንሳቶም ኪጋገዩ ይኽእሉ ደኣ እምበር፡ ንስኻ ከቶ ኣይትጋገን ኢኻ።

ትእዛዝ ኣሕሉቕካ ምስ ናትካ ሓሳብ ዚሰማማዕ እንተኾይኑ ተኽብሮ ትኸውን ኢኻ፡ ግን ምናልባት ዘይሰማማዕ እንተኾይኑ ብዙኅ ኣይተኽብሮ ትኸውን ትኸውን’ሞ፡ ነሕሉቕካ ከምትእዘዞም ግበር ደኣ እምበር፡ ኣሕሉቕካ ንዓኻ ከምዝእዘዙ ኣይትግበር።

ነቲ ዝተኣዘዝካዮ ነገር ክትፍጽሞ ከሎኻ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እቲ ዝበለጸ ተግባር ከምትገብር ኣይትረስዕ። ሰብኣዊ ባህርይኻ ኣብ ትሕቲ ሰብ ካብ ምንባር፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ክትነብር ኢዩ ዚደፋፍኣካ። ግን ብመንፈሳዊ ጥቕሚ ክንርእዮ ከሎና፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኮይንካ ካብ ምእዛዝ፡ ኣብ ትሕቲ ካልኦት ኮይንካ ፍቓድ ካልኦት ምምላእ ክንደይ እኳ ደኣ ይሓይሽ!

ንፍቓድ ሓለቓኻ ከም ገዛእ ፍቓድኻ ገይርካ ረኣዩ። ተኣዝዞኻ ናብ ቅድስና ዚቕየርን ምስቲ ዝተቐደሰን ዝተባረከን ፍቓድ ኣምላኽ ከኣ ዚወሃሃድ፡ ንስኻ ምእንቲ መንፈሳዊ ተኣዝዞ ኢልካ ነቲ ዝኸበረ ናይ ልብኻ ፍቕርን ነቲ ጽኑዕ ዝኾነ ናይ ኅሊናኻ እምነትን፡ ምስ እትሥውዕ ኢዩ።


ኣብ ቀጻሊ ክፋል “መንፈስዊ ኃይሊ ትዕግሥቲ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ትሕዝቶ ክንካፈል ኢና!
:mrgreen:

Post Reply