Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
QB
Member
Posts: 2014
Joined: 05 Dec 2012, 15:14

BBC ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ፡ 'ዘይምኽንያታዊ ግፋን ማእሰርትን መሪርና'

Post by QB » 29 Nov 2024, 22:04

29 ሕዳር 2024

ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሰፊሕ ግፋ ይካየድ ምህላዉ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ካብታ ከተማ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ከምዚ ዝበለ ተርእዮ ሓድሽ'ኳ እንተዘይኰነ ኣብዚ እዋን ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ጃምላዊ ማእሰርቲ ብምዃኑ ኣብ ዓቢ ሻቕሎትን ተስፋ ምቝራጽን ከም ዘእተዎም ነበርቲ ይገልጹ።

እቶም ካብ ኤርትራ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከምዝተሰደዱ ዝገልጹ ስደተኛታት ንህይወቶም ዝፍትን ወጽዓ የሕልፉ ከምዘለውን ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት 'ዩኤንኤችሲኣር' ንጉዳዮም ኣቓልቦ ክህቦን ጸዊዖም ኣለው።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ብዛዕባ ምእሳር ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓበሬታ ከምዘለዎን ንትካል ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ ካብቲ ዘለውዎ ኣብያተ ማእሰርቲ ከውጽኦም ከምዝሓተተ ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሩ።

እቲ ዝተገልጸ ማእሰርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ውሑዳት ካብኣቶም ክፍትሑ እንከለዉ፡ ብዙሓት ካልኦት ስደተኛታት ኣብ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ’ውን ይፍለጥ። ብዛዕባ ሓደጋታት ነዊሕ ማእሰርቲ ግን ብወግዒ ስክፍታኡ ገሊጹ ከምዘሎ እቲ ኮሚሽን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኣስታት 20 ዓመት ዝቐጸለ “ኵነተ ኲናት” ኣብ 2018 ብዕርቂ ተፈቲሑ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ እዋን ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ጽቡቕ ከምዘየለ ይግለጽ።

ኣብ መንጐ ክልቲኣን ሃገራት ዝነበረ ቀጥታዊ በረራ ነፈርቲን መስመር ተሌፎንን ተቋሪጹ መራሕቲ ክልቲኣን ሃገራት ወግዓዊ ርክብ ክገብሩ ኣይተራእዩን።

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cq8vp4vzkezo