Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

ሓንቲ ድሙ ኣብ ትግራይ ኪሎ ስጋ ሰሪቓ ተባሂላ ምስ ተታሕዘት ትምዘን እሞ ሚዛና ኪሎ ኮይኑ ምስ ጸንሐ "እዚኣ ድሙ እንተ ኮይና እቲ ስጋ ኣበይ ኣሎ? ንሳ እቲ ስጋ እንተ ኮይና እታ ድሙ ከ

Post by Abe Abraham » 26 Aug 2023, 11:02


  • ሓንቲ ድሙ ኣብ ትግራይ ኪሎ ስጋ ሰሪቓ ተባሂላ ምስ ተታሕዘት ትምዘን እሞ ሚዛና ኪሎ ኮይኑ ምስ ጸንሐ "እዚኣ ድሙ እንተ ኮይና እቲ ስጋ ኣበይ ኣሎ? ንሳ እቲ ስጋ እንተ ኮይና እታ ድሙ ከ ኣበይ ኣላ ? " ዘብል ሕቶታት ምስ ኣልዓለት ሓደ ሰብኣይ ኣብ መንጎ ብምእታው " ኣቱም ሰባት ስጋ ናይ ኣካለ-ስንኩላት ጉዕዞ ኣዲስ ወይኖም ኣታኽልትን ብጾቱን እዮም ሰሪቖሞ ። ንመስኪነይቲ ድሙ ምብስባስ ፋይዳ የብሉን ። " ኢሎም ብቑጠዐ ምስ ተዛረቡ ሓደ ተዋዛያይ " መልስኹምስ ጨለ ኔሩ መልሓስኩም ግን ከምዚ ኣብ ጌቶ ኣሜሪካ ከይዱ ብናይ ኦክስፎርድ ኢንግሊሽ ዝዛረብ ሰብ ኰንኩም ተሰሚዕኩምና እምበር ። ዋይ ዋይ ኣብ'ዚ ዓዲ ሰብ መልሓሱ እንዳ ጸረየ ብዝኸደ ልቢ እንዳ ገዝአን እንዳ ሻዕበየን ምኻዱ ዘይተርፍ እዩ ። " ብምባል ወሲኾምሉ ።