Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

ኣክሱምኤዛናን ሳርኮን ኣብ ፈተነ ሚቕሰላ(ጊለቲን) !

Post by Abe Abraham » 07 Jun 2023, 19:27

ኣክሱምኤዛናን ሳርኮን ኣብ ፈተነ ሚቕሰላ(ጊለቲን) !


  • ሓደ ግዜ ሳርኮን ኣክሱምኤዛናን ዝበሃሉ ገበነኛታት በብሓደ ኣብ ቅድሚ ፈራዳይ ቀሪቦም ናይ ሞት ፍርዲ ምስ ተበየነሎም ፈራዳይ ንሳርኮ " ገበነኛ ሳርኮ ናይ ሞት መቕጻዕትኻ ብሚቕሰላ ዶ ብሴፍ ክፍጸም ትደሊ ? " ኢሉ ምስ ሓተቶ ሳርኮ እንዳነብዐ ምስ ሕንቕንቑ " ጎይታይ ፈራዳይ ካብ ቁልዕነተይ ኣስማተይ እንዳቀያየርኩ ብዝፈጸምክዎም ሰፍ ዘይብሉ ገበናት ኣብ መወዳእታ ዓለም ኣርኪባትኒ ግብኣተ-መሬተይ ካብ ኣኸለ ፈነዋይ ቅልጡፍን ቃንዛ-ኣልቦን ንክኸውን ካብ ሴፍ ሚቕሰላ እመርጽ ። " ኢሉ ምስ መለሰ ፈራዳይ ድልየት ገበነኛ ግብራዊ ንምግባር ንሳርኮ ብክልተ ወተሃደራት ኣሰንዮ ናብ ቦታ ሚቕሰላ ይሰዶ ። ኮይኑ ድማ ክሳድ ሳርኮ ዝተመደበላ ቦታኣ ከም ትሕዝ ምስተገብረ ወያ ሚቕሰላ ድሕሪ ተደጋጋሚ ፈተነታት ብግቡእ ክትሰርሕ ብዘይምኽኣላ ንሳርኮ " ማዓልትኻ ካብ ዘይኣኸለት ኪድ ናብ ገዛኻን ስድራኻን " ተባሂሉ ክፋኖ ምስ ተገብረ ተርታ ኣክሱምኤዛና ደበኽ በለት ።

    ኣብ ቤት ፍርዲ (በዓል ሓላፊ መንገዲ ካብ ስፍራ ተዓዘብቲ እንዳቋመቱ)

    ፈራዳይ ፥ ገበነኛ ኣክሱምኤዛና ናይ ሞት ፍርዲ ስለ ዝተበየነልካ መቕጻዕትኻ ካብ ብሴፍን ብሚቕሰላን በየናዮም ክኸውን ትመርጽ ?
    ( ኤዱን ኣልማዝ ሽሉን ብትሑት ድምጺ " ብሚቕሰላ ብሚቕሰላ ምረጽ ብሴፍ ክሳድካ ከይትቑረጽ ! " )

    ኣክሱምኤዛና ፥ ላይ ሞት ሰዓት ኣኺሉ ለይተሓዝ እግርን ኢድን መልሓስን ኻው ተታሕዘ ሴፍ መሪጸ ኣለኹ ። ሴፍ መምረጽየይ ድማ እታ ሚቕሰላ ጽቡቕ ጌራ ትሰርሕ ኻምዘየላ ኢንፎርሜሽን ስለ ለግኔኹ እየ ።

    ፈራዳይ ፥ ድሌት ገበነኛ ይፈጸም !

    ( ሓላፊ መንገዲ ምስ ኤዱን ኣልማዝ ሽሉን እንዳኣዕለለ ፥ " ኣክሱምኤዛና ቲፒካል ርእሰ-ቅትለታዊ ዓርሱ ብዓርሱ ለጥፍእ ትግራዋይ እዩ ። ስለ ልኾነ ካብ ከም ኣክሱምኤዛና ልኣመሰሉ ለለዉን ልሞቱን ተጋሩ ክጋላገል ካብ ሕዚ ልልየው ላብ ሰልፊ ደቂ ተምቤት ተጸንቢረ ላይ ተምቤነይ ጉዳይ ጥራሕ ክገብር መዲበ ኣለኹ ። ካብ ሽግር ወጺኡ ላብ ሽግር ልኣትይ ትግራዋይ ሰብ ዶ ኣራዊት ትብልኦ ? ኤዱ ሰብ-ኣራዊት ክትብሊ ይሰምዓኪ ኣለኹ ግን ግዚኡ ላይ ጫወታ ለኾነይ ። ብሸነኸይ ጫወታ ተኣሊሹ እዩ ። ኣኸቲሙ እዩ ። )



    -

Axumezana
Senior Member
Posts: 13225
Joined: 27 Jan 2020, 23:15

Re: ኣክሱምኤዛናን ሳርኮን ኣብ ፈተነ ሚቕሰላ(ጊለቲን) !

Post by Axumezana » 08 Jun 2023, 03:36

Tog and Tarik have already lost their mind unable to cope the pressure they get from this forum , it looks you are also following them!


By the way, ንጎይታኻ፥ ኢሱኸ፥ ታይ፥ ፍርዲ፥ ክንህቦ?


Post Reply