ሓደ ግዜ ሳርኮን ኣክሱምኤዛናን ዝበሃሉ ገበነኛታት በብሓደ ኣብ ቅድሚ ፈራዳይ ቀሪቦም ናይ ሞት ፍርዲ ምስ ተበየነሎም ፈራዳይ ንሳርኮ " ገበነኛ ሳርኮ ናይ ሞት መቕጻዕትኻ ብሚቕሰላ ዶ ብሴፍ ክፍጸም ትደሊ ? " ኢሉ ምስ ሓተቶ ሳርኮ እንዳነብዐ ምስ ሕንቕንቑ " ጎይታይ ፈራዳይ ካብ ቁልዕነተይ ኣስማተይ እንዳቀያየርኩ ብዝፈጸምክዎም ሰፍ ዘይብሉ ገበናት ኣብ መወዳእታ ዓለም ኣርኪባትኒ ግብኣተ-መሬተይ ካብ ኣኸለ ፈነዋይ ቅልጡፍን ቃንዛ-ኣልቦን ንክኸውን ካብ ሴፍ ሚቕሰላ እመርጽ ። " ኢሉ ምስ መለሰ ፈራዳይ ድልየት ገበነኛ ግብራዊ ንምግባር ንሳርኮ ብክልተ ወተሃደራት ኣሰንዮ ናብ ቦታ ሚቕሰላ ይሰዶ ። ኮይኑ ድማ ክሳድ ሳርኮ ዝተመደበላ ቦታኣ ከም ትሕዝ ምስተገብረ ወያ ሚቕሰላ ድሕሪ ተደጋጋሚ ፈተነታት ብግቡእ ክትሰርሕ ብዘይምኽኣላ ንሳርኮ " ማዓልትኻ ካብ ዘይኣኸለት ኪድ ናብ ገዛኻን ስድራኻን " ተባሂሉ ክፋኖ ምስ ተገብረ ተርታ ኣክሱምኤዛና ደበኽ በለት ።
ኣብ ቤት ፍርዲ (በዓል ሓላፊ መንገዲ ካብ ስፍራ ተዓዘብቲ እንዳቋመቱ)
ፈራዳይ ፥ ገበነኛ ኣክሱምኤዛና ናይ ሞት ፍርዲ ስለ ዝተበየነልካ መቕጻዕትኻ ካብ ብሴፍን ብሚቕሰላን በየናዮም ክኸውን ትመርጽ ?
( ኤዱን ኣልማዝ ሽሉን ብትሑት ድምጺ " ብሚቕሰላ ብሚቕሰላ ምረጽ ብሴፍ ክሳድካ ከይትቑረጽ ! " )
ኣክሱምኤዛና ፥ ላይ ሞት ሰዓት ኣኺሉ ለይተሓዝ እግርን ኢድን መልሓስን ኻው ተታሕዘ ሴፍ መሪጸ ኣለኹ ። ሴፍ መምረጽየይ ድማ እታ ሚቕሰላ ጽቡቕ ጌራ ትሰርሕ ኻምዘየላ ኢንፎርሜሽን ስለ ለግኔኹ እየ ።
ፈራዳይ ፥ ድሌት ገበነኛ ይፈጸም !
( ሓላፊ መንገዲ ምስ ኤዱን ኣልማዝ ሽሉን እንዳኣዕለለ ፥ " ኣክሱምኤዛና ቲፒካል ርእሰ-ቅትለታዊ ዓርሱ ብዓርሱ ለጥፍእ ትግራዋይ እዩ ። ስለ ልኾነ ካብ ከም ኣክሱምኤዛና ልኣመሰሉ ለለዉን ልሞቱን ተጋሩ ክጋላገል ካብ ሕዚ ልልየው ላብ ሰልፊ ደቂ ተምቤት ተጸንቢረ ላይ ተምቤነይ ጉዳይ ጥራሕ ክገብር መዲበ ኣለኹ ። ካብ ሽግር ወጺኡ ላብ ሽግር ልኣትይ ትግራዋይ ሰብ ዶ ኣራዊት ትብልኦ ? ኤዱ ሰብ-ኣራዊት ክትብሊ ይሰምዓኪ ኣለኹ ግን ግዚኡ ላይ ጫወታ ለኾነይ ። ብሸነኸይ ጫወታ ተኣሊሹ እዩ ። ኣኸቲሙ እዩ ። )
-
-
- Senior Member
- Posts: 14412
- Joined: 05 Jun 2013, 13:00
ኣክሱምኤዛናን ሳርኮን ኣብ ፈተነ ሚቕሰላ(ጊለቲን) !
ኣክሱምኤዛናን ሳርኮን ኣብ ፈተነ ሚቕሰላ(ጊለቲን) !
-
- Senior Member
- Posts: 13225
- Joined: 27 Jan 2020, 23:15
Re: ኣክሱምኤዛናን ሳርኮን ኣብ ፈተነ ሚቕሰላ(ጊለቲን) !
Tog and Tarik have already lost their mind unable to cope the pressure they get from this forum , it looks you are also following them!
By the way, ንጎይታኻ፥ ኢሱኸ፥ ታይ፥ ፍርዲ፥ ክንህቦ?
By the way, ንጎይታኻ፥ ኢሱኸ፥ ታይ፥ ፍርዲ፥ ክንህቦ?
-
- Senior Member
- Posts: 14412
- Joined: 05 Jun 2013, 13:00