Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

ቱርኪ ናይ ዜግነት ጠለቡ ምስ ነጸገቶ ኣብ ሃገሩ ብገበን ዝሕተት ምስራዊ ዳዒያ (ሰባኺ) ወጅዲ ቑነይም ናበይ ኮን የብል ይኽውን ?

Post by Abe Abraham » 04 Jun 2023, 15:34



ቱርኪ ናይ ዜግነት ጠለቡ ምስ ነጸገቶ ኣብ ሃገሩ ብገበን ዝሕተት ምስራዊ ዳዒያ (ሰባኺ) ወጅዲ ቑነይም ናበይ ኮን የብል ይኽውን ?

ወጅዲ ቑነይም ፥ ኣብዚ ዓዲ ትሽዓተ ዓመተይ ብመንግስቲ ተፈላጥነት ስለ ዘይረኸብኩ ዋላ ንምዝዋር ማኪና ዝኸውን ናይ ፍቓድ ወረቐት ከውጽእ ኣይከኣልኩን ። ሰለስተ ኣርባዕተ ማዓልትታት ይገብር ድማ መንግስቲ ቱርኪ ናይ ዜግነት ጠለብካ ነጺግናዮ ዝብል መልሲ ሂቦምኒ ። ፓስፖርተይ ስለ ዝወደቐ ከሐድሶ ኣይክእልን እየ ። ካልእ ዘድልየኒ ወረቓቕቲ 'ውን (ካብ ኤምባሲ ናይ ምስሪ) ክረክብ ኣይክእልን እየ ። ኣነ ነቲ ዜግነት ዝደለኽዎ ርጉጽ መቐመጢ ቦታ ንክህልወንን ንከም ሕክምና ዝኣመሰሉ ጉዳያት ንከሳልጠሉ እዩ ኔሩ ። ሕጂ መጽለሊ ቦታ ንክረክብ ጸልዩለይ( ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ካልኦት ሃገራት ዝገበርኦ መንግስቲ ቱርኪ ካብ ሃገሩ እንተ ኣባሪሩኒ) ።
-

ምምሕዳር ረጀብ ጠይብ አርዶዋን ምስ መንግስቲ ምስሪ ምቅርራብ ይገብር ስለ ዘሎ ንወጅዲ ቑነይም ( ተዋዛይን ካራ ዝመልሓሱን ) ጥራሕ ዘይኮነ ንካልኦት ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት መሓመድ መሓመድ ሙርሲ ዒሳ ኣል-ዓያጥ ኣብ ቱርኪ ንዝተዓቖቡ ምስራውያን -- ገለ ካብ ደገፍቲ ብራዘርሁድ -- 'ውን ናይ ምቕማጥ ወረቐቶም ምሕዳስ ከም ዝኣብዮም ዘሎ ይስማዕ ።