Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum


Fiyameta
Senior Member
Posts: 12662
Joined: 02 Aug 2018, 22:59

Re: ♩ ♪ ♫ ♬ The Song 7.4 Million Eritreans Know By Heart ❤️ ♬⋆☾⋆⁺₊✧.

Post by Fiyameta » 25 May 2023, 23:02



ዋርሳይ እዞም ሰባት ሕልሚ እዮም ሓሊሞም
ዘይጭበጥ ባህጊ ዘይትርጎም ምጉት
ዘይሕባእ ውዲት ኣንቂሎም
ፈኸራ የሕይሎም በትሪ ሃሰውሰው ኣሚቶም
ሕልምን ጋህድን ግን ክልተ ኣርእስታት እዩ ሞ
ሕልሚ ከነሳሲ ኣይጥዕመናን'ዩ
እዞም ሰባት ግን መን 'ዮም መን 'ዮም?

ዋርሳይ እዞም ሰባት መን 'ዮም መን 'ዮም?
ዋርሳይ ሰብ ሕልሚ መን 'ዮም መን 'ዮም?
ኣብ ድቃስ ሓሊሞም
ኣብ ጸድፊ ዘሊሎም
ዋርሳይ ኣባሽፈር ኣለኹ ኢልካዮም

ዋርሳይ እዞም ሰባት መን 'ዮም መን 'ዮም?
ዋርሳይ ሰብ ሕልሚ መን 'ዮም መን 'ዮም?
ኣብ ድቃስ ሓሊሞም
ዓባይ ትግራይ ደልዮም
ዋርሳይ ኣባሽፈር ኣይፋልን ኢልካዮም

መን ዮም ከምዛ ጋሻ ዝኹሕኹሑ
መን ዮም ክሳብ ዓንቀር ዝምክሑ(2)
ዛንታ ክኾነካ ዋርሳይ ኤረ
ቃታ ኣየጽረዩን ክሳብ ሽረ
ሓቂ ክደግመልካ ውላድ ሳዋ ተማሃሮ ዮም ነይሮም ክሳብ ሽዋ

ዘይንመልኮ ቋንቋ ተዛሪቦም 30 ዓመታትና ዘንጊዖም(2)
ደጀኖም እንዲና መፈጠሮም ዕጥቆም ብረቶም ዝናሮም
ኣየ ጋዶ "ሓያላት ኢና" ኢሎም
ከምዛ ዘይንፈልጦም ውሻጢኦም

ዋርሳይ እዞም ሰባት ኣብ ጸድፊ 'ዮም ዘሊሎም
ንመሬቱ መሪር መዋእል ዘሕለፈ ንመሬቱ ረዚን ዋጋ ዝኸፈለ
ብፍቕሪ ሃገሩ ዝነድድ ህዝቢ ሞሳ እምበር ብድዐ ኣይጻምኡን 'ዩ
ናበይ 'ዩ ግን ከመይ ዩ እዚ ጽላለ?

ዋርሳይ እዞም ሰባት መን 'ዮም መን 'ዮም?
ዋርሳይ ሰብ ሕልሚ መን 'ዮም መን 'ዮም?
ኣብ ድቃስ ሓሊሞም
ዓባይ ትግራይ ደልዮም
ዋርሳይ ኣባሽፈር ኣይፋልን ኢልካዮም

ናበያ ናበይ ዩ ዚ ጽላለ
ዘይናትካ ኣይ ናትካን ዩ እንዳተባህለ(2)
ኣባና ዶ ውዲት ተኣጒዱ
ወዲ መሬት እንከሎ ጎይታ ሪሙ
ኤርትራ ትብሃል ትቐደሙ
ጽንዓት ዩ ትቕኒት, ቲ ቀደሙ

ነዛ ርስቲ እንዲና ተዋዲቕና
ንዶብ እንድዩ ተኸፊሉ ጅግና(2)
ዓሰርተ ከይ በልና ኣብ ኣኸዛ
የብልናን ካብ በሉ ሕሉፍ ቃንዛ
ብመሬት ዓደቦ የለን ዋዛ
ዋርሳይ ራዛ ናየቦኻ ሓዛ (3)


Post Reply