Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Wedi
Member+
Posts: 7983
Joined: 29 Jan 2020, 21:44

ደምሒት ንባዕሉ rebrand ገይሩ ትንሳኤ ብዝብል ሽም መፂኡ እዩ::

Post by Wedi » 29 Mar 2023, 20:15

ደምሒት ንባዕሉ rebrand ገይሩ ትንሳኤ ብዝብል ሽም መፂኡ እዩ::

·
ደምሒት ኢለ ፅሒፈስ ታይ ዝብሃል ደምሒት ተባሂለተቃውሞ በዚሑኒ:: ደምሒት ንባዕሉ rebrand ገይሩ ትንሳኤ ብዝብል ሽም መፂኡ እዩ:: ኣብ ውሽጢ ደምሒት/ትንሳኤ ናይ ቀደም ደምሒት ኣባላት: ኣብ TDF ዝነበሩ ግን ድማ ወለዶም ተኣሲሮምዎም: ወለዶም እርዳታ ተኸልኪሎም ሓሪቆም ዝኣተዩ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ኣለው:: እቶም ነበር ናይ ደምሒት ኣባላት ኣብ ኣመራርሓ ዘለው እንትኾኑ,እቲ ሓሪቁ ዝኣተወ ድማ ኣብ ተራ ኣባልነት ዝተሰርዐ እዩ:: እቲ ኣመራርሓ ድማ ምስ ሽዓብያ ስሩዕ ርክብ ኣለዎ እዩ::

ኣብ ዝሓለፈ ምስ ሓደ ብዛዕባ ደምሒት ናብ ሸራሮ ከይደ ነይረ እየ:: ደምሒት/ ትንሳኤ ብዝሑ ልዕሊ 20,000 እዩ:: ደምሒት/ትንሳኤ ሬድዮ ርክብ ኣለዎ:: ደምሒት/ትንሳኤ ናይ ባዕሉ ፖሊስ ጣብያ የመሓዳድር:: ደምሒት/ትንሳኤ ግብሪ ይቀርፅ ነይሩ:: ደምሒት/ትንሳኤ ናብ ሽረ ከይቀረየ እንዳኸደ ሃፋትም ጨውዩ ቅርሺ ኣምፅኡ እዩ ዝብል ነይሩ:: ደምሒት/ትንሳኤ ምዓት ተጋሩ እዩ ቀንፂሉ:: ደምሒት/ትንሳኤ ንከተማ ሸራሮን ኸባቢኣን ሙሉእ ብሙሉእ እዩ ዘመሓዳድራ ነይሩ::

ትንሳኤ ሕቶታቶም ኣግባብነት ዘለዎ ዋላ እንተነበረ ደምሒት ምስ ኣብ ቀረባ ርሕቀት ዝትርከብ ዋዕላ ንህቢ ትብሃል ዓዲ ዝርከቡ ሽዓብያ ናይ ቀረባ ርክብ እዩ ነይርዎም:: ከምቲ ዝሰማዕክዎ ድማ ደምሒት ብቀጥታ ካብ ሽዓብያ ትእዛዝ ይወስዱ እዮም::

ከተማ ሸራሮ ኣብ ትሕቲ ደምሒት እያ ነይራ:: ሽዓብያ ድማ ብድሕሪት ኮይኖም እዮም ዝዝውርዎም:: እቶም ትንሳኤ ዝብሃሉ ድማ ተራ ናይ ሽፍታ ስራሕ እዮም ዝሰርሑ ዝነበሩ::
ከተማ ሸራሮ ትማሊ TDF ኣትይዋ ኣሎ::

ኣብዚ ዝወዛዕክዎ ሓበሬታ ሓቅነቱ ባዕሎም ደቂ ሸራሮ ክምስክሩለይ ይክእሉ እዮም:: ካብ ርሑቅ ኮይንካ ዋጭ ዋጭ ኣድላዪ ኣይኮነን: ንከተማ ሸራሮ ብቀንዲ ዘማረሩ ብሽዓብያ ዝዝወሩ ተጋሩ እዮም ነይሮም::

Please wait, video is loading...