Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

ዕላል ምስ ዓንዳት ወልደጊዮርጊስ!

Post by Abe Abraham » 20 Mar 2023, 14:43


ኣል-ሰሓርቲ ኣል-ሰምሃሪ ፥ ዓንዳት እንታይ ደኣ ኰንካ ኣብዚ እዋን እዚ ከም ዙርባን ዕፋና ትነዝሕ ዘሎኻ ? ካብ ኮሮና ንክትካላኸል ሓርኢ ዝመልአት ሓፋዛ ናይ ህጻናት ኣብ ኣፍካ ኣሲርካ ዲኻ ትጓዓዝ ዘሎኻ ?

ዓንዳት ፥ እቲ ትብሎ ዘሎኻ ናይ ሓፋዛ ሓቂ እዩ ግን ብዝያዳ ከኣ ሕማም ናይ እቶም ንዘራይ ዘይብሉ መልኣከ ተኽለ ኣቕቲሎም ዝሃደሙ ኣባላት ሰውራዊት ባይቶ ሒዙኒ ኣሎ ።

ኣል-ሰሓርቲ ኣል-ሰምሃሪ ፥ ብኸመይ ?

ዓንዳት ፥ ብቐዳምነት ንሰራየ ንውክል ኢና ንዝብሉ ጋንታ ስውራዊት ባይቶ --- ቤተ-ክርስትያን እንዳ ገብርኤል ኣብ ሰራየ ብነፋሪት ጸላኢ ተደብዲባ ምስ ተሰምዐ እንዳ ጎየዩ ብዘይ ሕንከትን ሕፍረትን ናብ ትግራይ ከይዶም ኣብ መዓኮር ወያነ ዝተኸተቱ -- ተኸቲለ ነቲ ዘኽበረኒ ፕረዚደንት ዘሃገረ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብራሃም ዘሰሓርቲ ዘሓማሴን ኣንበሳ ናቕፋን ደቂ ዓዱን ደቂ ርስቱን ደፊረ ተጻሪፈ ሕጂ ኸኣ ዋላ ኣብ መንደፈራ ወፍሪ ከይትገብሩ እንዳ በልኩ ዕፋናይ ይነዝሕ ኣለኹ ።

ኣል-ሰሓርቲ ኣል-ሰምሃሪ ፥ ንዓኻ ደኣ ብክቡር ፕረዚደንት ዘሃገረ ኤርትራ ዝተገብረልካ ፍሉይ ኣተሓሕዛ ኔሩ ድዩ ?

ዓንዳት ፥ ወዲ ዓይኒ መዓር ስለ ዝኾንኩን ዝተማሃርኩን መንግስቲ ኮራዪ ምዃነይ እንዳ ፈለጠ ሓላፊ ናይ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ጌሮምኒ ብድሕሪኡ ከኣ ኣብ ብራሰልስ ናይ ኣምባሳደር መዝነት ተዋሂቡኒ ኔሩ ። ኣብ ግዜ ቃልሲ ድማ ኣባል ሃገራዊ ባይቶን ወኪል ውድብ ኣብ እታ ዋላ ብለይቲ ዘይትድቅስ ፓሪስ ኮይነ ተመዲበ ኔረ ።

ኣል-ሰሓርቲ ኣል-ሰምሃሪ ፥ እሞ እዚ ኩሉ ትገብሮ ዘሎኻ ሕሱርን እከይ ተግባራት ካብ እንታይ ዝተላዕለ ይመስለካ ?

ዓንዳት ፥ ካብ ንዓይ ስለምንታይ የኽብሩንን ብቕዓተይ ድማ ብግቡእ ይመዝኑን ካብ ዝብል ሕርቕርቖት ። ቁመተይ ከኣ ካብ ክቡር ፕረዚደንት ዘሃገረ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብራሃም ዘሰሓርቲ ዘሓማሴን ኣንበሳ ናቕፋ ዝሓጸረ ስለ ዝኾነ ።

ኣል-ሰሓርቲ ኣል-ሰምሃሪ ፥ እሞ ምስ ተፈጥሮ ገዲፍካ ምስ ሃገረ ኤርትራ ክትባኣስን ክትኳረን መሪጽካ ማለት ድዩ ?

ዓንዳት ፥ እወ

ኣል-ሰሓርቲ ኣል-ሰምሃሪ ፥ ብኸመይ?

ዓንዳት ፥ ባህርያተይ ከምኡ ስለ ዝኾነ ።

ኣል-ሰሓርቲ ኣል-ሰምሃሪ ፥ ንቑሕን ህዱእን እንዲኻ ትመስል ?

ዓንዳት ፥ እወ ንቑሕን ህዱእን ኮራይን ኩንታ ኪንተን ።

ኣል-ሰሓርቲ ኣል-ሰምሃሪ ፥ ኩንታ ኪንተ ?

ዓንዳት ፥ ባዕዳውያን ኣብ ርሑቕ ወሲዶም መንነተይ ሰሪቖም ኣንጻር ህዝበይን ሃገረይን ዘኽብረኒ መንግስተይን ከም ዝኸውን ጌሮምኒ ።

ኣል-ሰሓርቲ ኣል-ሰምሃሪ ፥ እሞ ኣዝማድካ ዓንዳት ተጨውዩ ኢሎም ዘእውዩ ሓቆም እዮም ?

ዓንዳት ፥ ሓቂ ብሓቂ ! መጀመርታ ነብሰይ ብኩራ ጨውየያ ዳሕራይ ድማ ጸዓዱ ካብ መጻእካና ኢሎም ኢደይ ጠውዮምን ክሳደይ ጠምዚዞምን መሳርሒኦም ጌሮምኒ ። ንዓይ ጸዓዱ ንሰኽራም በላዕ ጥረ-ስጋን ዘማውን ወዲ ኣርዮስ ድማ ጸዓዱን ሱዳንን ተዛራርዮም ተጻዊቶምሉ ።

ኣል-ሰሓርቲ ኣል-ሰምሃሪ ፥ ሱዳን ?

ዓንዳት ፥ ኣብ እርጋኑ ጓልኩም ሃቡኒ ምስ በሎም ዝኽፈል ዋጋ ኣሎ ኢሎም ኣኽፊሎሞ ።

ኣል-ሰሓርቲ ኣል-ሰምሃሪ ፥ መስኪናይ ኣርዮስ በቲ ከልቢ ወያነ በቲ ድማ ግዳይ ቪያግራን ለሓሲ ጸዓዱን ኮይኑ ?

ዓንዳት ፥ ሓቂ ብሓቂ ! ወዲ ኣርዮስ ሓደ ማዓልቲ ኣብ ዝባን " ድራከንስበርግ " ተሰቒሉ ጸዲፉ ስቱኽ ከይብለና እሰግእ ።

ኣል-ሰሓርቲ ኣል-ሰምሃሪ ፥ " ድራከንስበርግ " ኣብ 'ቲ ሓድሽ ዓዱ ድዩ ?

ዓንዳት ፥ እወ ኣብ 'ቲ ሓድሽ ዓዱ ።

ኣል-ሰሓርቲ ኣል-ሰምሃሪ ፥ ሰብኣይ ዲፕሎማት ተባሂላ ኣብ ተነቃፊ እዋን ስርሓ ገዲፋ ግዜኣ ኣብ ደድሕሪ ደቂ-ኣንስትዮ ሙግያይን ጥረ-ስጋ ምብላዕን ዊስኪታት ምጭራምን ኣሕሊፋቶ ።

ዓንዳት ፥ ሓቂ ብሓቂ ! ኤርትራ ከኣ ንከምኡ ዝኣመሰለ ሰብ ሒዛ ኣብ ሃርቨርድ ዝተማህረ ወዲ ኣሎኒ ትብል ኔራ!

ኣል-ሰሓርቲ ኣል-ሰምሃሪ ፥ በል ዓንዳቲኖ ጥዑም ዕላል ። ናብ ልብኻ ክትምለስ ተስፋ ንገብር ። ኣይቀበጽናካን !! ንሰውራዊት ባይቶ ከኣ ንክትናስሑ ቤተ-ክርስትያን እንዳ ገብርኤል ዓዲ ዃላ ( ብታሪኽ ፥ በዚኣ ዓዲ እኳ ኣላ ) ትጽበየኩም ኣላ በለልና ።

ዓንዳት ፥ ሕራይ ። ክብረት ይሃበለይ ።

ኣል-ሰሓርቲ ኣል-ሰምሃሪ ፥ ኣምላኽ ናብ ልብኻ ይምለስካ ። ጻዕዳ ከኣ ይጽናሕካ ። ንሕና ቃላትና ነትርር ናብ ነቕርቦ ጥራሕ ኢና ። ክድዓት 'ውን እንተሎ ንሓውኻ ደኣ 'ምበር ንጓና ከዳዕ ኣይትብልን ኢኻ ። ዙርባን ( skunk )እንታይ እዩ ብምባል ጊር እንተ ኢሉካ ስእሉ ኣብዚ እነሀለካ ፥





-

Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: ዕላል ምስ ዓንዳት ወልደጊዮርጊስ!

Post by Abe Abraham » 21 Mar 2023, 22:47

ብኢድ ጃጃውትን ከዳዓትን ጠላማትን ተሓባበርቶምን ኣራዊት ጀብሃ ዝተቐትለ ጅግና መልኣከ ተኽለ ዘሓማሴን ዘኤርትራ ።





-

Post Reply