Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

ኣንታ ንበር ኤርትራ ጸገማታ ክትምርምር ኣንታ ንበር!

Post by Meleket » 07 Mar 2023, 09:58

ጽሟቕ ትሕዝቶ ቃለ መሕትትን ምልልስን ዘቤታዊ ጉዳያት ኤርትራ፡ ከምዘርእየና፡ ዝተዓመመ ተግባራት እንተሎኳ፡ ንሕና ኤርትራውያን ደያኑ ማእከልን መስመርን፡ ጌና ብዙሕ ዘይተዓመመ ጉዳያት ከምዘሎ ክንግንዘብ ክኢልና ኣሎና። እስከ ኣብዡይ ኣብ መረጃ ዚነጥፉ ኤርትራዉያን ካድራትና፡ "ጽቡቕ ኣሎና ንሕምበብ ኣሎና፡ ቁጠባና ዓቢ ገስጋስ የርእይ ኣሎ ወዘተ" ጥራሕ እናበሉ ካብ ክዉንነት ርሒቖም ዘዳኽሩ፤ ገለ ፍታሓት እንተሓበሩ ብምባል፡ ነቱይ ክፋል ቃለመሕትት ኣብዡይ ኣምጭናዮ'ሎና'ሞ ኣይተስተዋሕድዎ።

ከም ርእይቶና፡ ኣብ ሃገረ ኤርትራ ንቁጠባ ሃገር ዚመጹ ብሮጀክትታት ማለት ምስራሕ ዲጋ ኮነ ጽርግያ ንግዚኡ ኣወንዚፍካ፥ ቀንዲ ማሕንቖ ልምዓት ንዝዀነ ጉዳይ ጸዓት ብምሉእ ናህሪ ምግጣም ዘድሊ ይመስለና።
ክንዲ ዝዀነ ድማ ጸዓት ካብ ሃጽቢ ህዳሴ ኣባይ ከይተጸበኻ፡ ሃገርና ብጸዓት ነፍሳ ንኽትኽእል፡ ብምሉእ ዓቕሚን ገዚፍ ምትብባዕን ኣብ ጉዳይ ጸዓት ዚንጠፈሉ ግዜ ሕጂ ይመስለና፡ ክንብል እንከሎና ብኤርትራዊ ጭዉነት ሓበንን ፍናናንን ኢና:mrgreen:

1. ብዛዕባ ዲጋታት

እቲ ኣርእስቲ ግፍሕ ዝበለ’ዩ ብምሉእ ጕሕጕሕ ኣቢልካ ክትዛረበሉ ግዜ ስለዝወስድ ከፋፊልካ ምርኣዩ የድሊ። ብግዜ ናይ ክልተ-ሰለስተ ዓመት እናበልካ ብዙሕ ረቋሕታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ክዝረበሉ ይከኣል ይኸውን። (ግርም)

እቲ ዋና ነገር፡ እንታይ ገይርና? እንታይ ኣሳሊጥና? እተወጠኑ መደባት ከም’ቲ ዝድለ ከይዶም’ዶ? ዝብል እዩ። (ግርም ሕቶ’ኡ)

እቲ ዕማም ዲጋታት ምህናጽ ጥራይ ኣይኮነን። (እዋ እሂናይ ደኣ፡ እንታይ ኣፍረየ ኢዩ ዋና ነገር)

ብቐዳምነት ግን ዝናባዊ ማይ ተዋህሊሉ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕለሉ ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ። (ንህዝቢ ጎስጓስ ገቢርካ ዛላታት እንተገበረ ንግዚኡ ዓቢን እኹልን ዕማም’ኡ። መንግስቲ ኣብ ማይ ዛውጽኦ ወጻኣኢ ኣወንዚፉ፡ ናይ ጸዓት ምንጪ ካብ ጂኣኦ ተርማል የውሕሰልና እንተበልና፡ ጸዓት ቀንዲ ማሕንቖ ቁጠባ ሃገር ምኳኑ ክንዲዝፈለጥና’ ኢና። )

ማይ ምውህላል ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝውህለል ማይ ከመይ ትጥቀመሉ’ውን ዝዓበየ ጉዳይ እዩ። (ብርግጽ፡ ጸዓት ምክኒት ከይገበርና፡ ንኣውፈርቲን በብዓቕሞም ንውህሉል ማይን ዝሕረስ ቦታን ብምድላው፡ ገለ ኣታዊ ምርካብን ዘቤታዊ ጠለባት ፍርያት ሕርሻ ምሽፋን ኣይከኣልን’ዶ ይኸውን?)

ኣብ ከርከበት ኣዋህሊልናዮ ዘለና ማይ፡ ኣብ ምንታይ መዓላ ኣውዒልናዮ? ከምቲ ዝግባእ ተጠቒምናሉ’ዶ? እንድሕር ኢልና፡ ብዙሕ እትዓመ ነገር ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። (ኣብ ምንታይ መዓላ ከነውዕሎ ከምዘሎና ከይሓንጸጽና ዲና ናብ ምሕናጹ ተጓይና? ዝተዓመ ኣሎ ዝበሃል ኣንተዀይኑ ንኡኡ ዝያዳ ብምትብባዕ ፍርያት ምስሳን’ኡ ፈውሱ፡ አድላይ እንተዀይኑ ንብሕታዊ ኣውፈርቲ ገለ ቦታታት ምሃብ፡ ንኦኦም እናተባባዕካ ምቁጽጻር . . . )

ኣስመራ፡ ከረን ባጽዕ ካልኦት ብብዝሒ ሰብ ዝሰፍረለን ከተማታት ብዘይ ስክፍታ ቀረብ ማይ ክወሓሰለን ኣለዎ። ከተማታት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ገጠራት ዘሎ ሰብ’ውን ጽሩይ ዝስተ ማይ ክረክብ ኣለዎ። ካበይ? ብኸመይ መገዲ? (እዡይ ደኣ ፍሉጥ፡ ንካኢላታት ብምትብባዕ፡ መጽናዕቲ ጌርካ ናብ ትግባረ ምምራሽ’ኡ ፈውሱ)

ኣብ ሕርሻ ዝኣከብናዮ ማይ ብኣድማዕነት ክንጥቀመሉ ክኢልና’ዶ? እንታይ-እንታይ ነፍርየሉ ኣለና? ኣብ ዓመት ክንደይ ምህርቲ ክንሓፍሰሉ ንኽእል? እንታይ ዓይነት ኣዝርእቲ ክንዘርእ ንኽእል? ነቲ ነፍርዮ’ከ ዝተመስርሐ ፍርያት ከነውጽኣሉ ንኽእል’ዶ? ናይ ምስናዕ መደባትና ምስኡ ተዛሚዱ እንታይ ይመስል? (እዡይ ክኢላታት ሚንስትሪ ሕርሻ እንተተዛረቡሉ’ዶ ኣይሓይሽን)

ከምቲ ክንከዶ ዘለና ብዙሕ ስለዘይሰጐምና ድማ፡ ካብ 2023 ጀሚርና ኣብዚ ዝመጽእ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ናህሪ ምውሳኽ ከድልየና’ዩ። (ካብ ኣካይዳ ጐብየ’ዶ ናብ ኣካይዳ ኢራብ’ዶ ክንሰግር ደሊና)

ዝሓለፉ መደባትና ኣካይዳኦም ኣዕጋቢ ነይሩ ክንብል ኣይንኽእልን። (እቶም ናይ ዝሓለፉ መደባት ዝሓንጸጹ ሰባት፡ መደባቶም ብካልኦትታብቲ ዝሓለፉ መደባት ዘይተሳተፉ ክኢላታት’ውን ክፍተሽ ግሩም ኢዩ። ሕጂ’ውን ዘይረኣዩዎ ጉዳያት ከይህሉ።)

2.. ብዛዕባ ሕርሻ

ማይ ምውህላል ናይ መወዳእታ ዕላማ ኣይኮነን። 500 ሚልዮን ሜትሮ ኪዩብ ጥራይ ዘይኮነ ካብኡ ንላዕሊ እውን ክንኸይድ ዝኽኣል’ዩ። እቲ ክንምልሶ ዝግብኣና ነፍሲ-ወከፍ ሜትሮ ኵቦ ማይ፡ ኣብ ምንታይ መዓላ ውዒላ? ዝብል እዩ። (ግሩም ሕቶ’ኡ ክሳብ ንዓመታ ሓደ መልሲ ከድልዮ ኢዩ፡ ብክኢላታት ናይ ማይ።)

ነግሒ ወይ ልምዳዊ መስኖ ካብ ኣእምሮ ሰብ ክወጽእ ክኽእል ኣለዎ። (ኣማራጺ ምስ ቀረብኻ’ዶ ከማኡ ምባል ኣይምሓሸን።)

እዚ ልምዳዊ ኣሰራርሓ’ዚ ግን ክውገድ ዘለዎ’ዩ። ብዘመናዊ ስርዓተ-መስኖ ክቕየር ኣለዎ። (ንዘመናዊ ስርዓተ መስኖ ዘገልግሉ መሳርሒታት ካብ ቀረጽ ወጻኢ ከምዝኣትዉ ምግባር’ከ ገለ ሓገዝ’ዶ ምገበረ።)

ጀነሬተራት ኣምጺእካ፡ ፓምፓታት መጨንጕዒ ዘርጊሕካ ክትሰርሕ ወጻኢታቱ ላዕሊ ዝለዝኸውን ኣድማዕነት የብሉን። ኣብ ክንድኡ ቅርጺ መሬት ኣለና። በረኽቲ ጎቦታት ኣሎ። ኣብኡ መዕረቒ ሃልዩ፡ ካብ ሓጽቢማይ ተጨንጕዑ ናብቲ መዕረቒ ይበጽሕ፡ ካብኡ ብስሕበት (gravity) ይወርድ። (ምጭንጓዕ ደኣ ኣይተርፍን ኢዩ፡ ኣንተዀነ ግዳ ንካልእ ጉዳይ ኣወንዚፍካ፡ ንጉዳይ ጸዓት ናይ ነፋስ ዲዩ ናይ ጸሓይ ዲዩ ናይ ካልእ ተሓዳሲ ጸዓት ኣማራጺታት ብናሕሪ ምትግባር ኢያ ፈውሳ፤ እንተዘየሎ ሕጂውን ንዓመታ ጸዓት ኢዩ ጸገምና እምበር . . . ዚብል ምክኒት ኢዩ ኪመጽእ።)

ብኣዘራርባ ሞያውያን፡ በቲ ዘመናዊ ስርዓተ-መስኖ እትጥቀመሉ ማይን ብልምዳዊ ኣገባብ እትጥቀመሉ ማይን ፍልልዩ ሓደ ንዓሰርተ እዩ። (ግርም ሞያዊ ንጽጽር’ኡ።)

ኣብ ኣጠቓቕማ ማይ ተተኣታትዎ ኣገባብን ቴክኖሎጂን ልዑል ውጽኢት ዝህብ ክኸውን ኣለዎ። ማይ ተዋህሊሉ፡ ኣብ መዓላ ውዒሉ፡ ዝለዓለ ፍርያት ከተኻዕብት፡ እትጥቀመሉ ቴክኖሎጂ ወሳኒ እዩ። (ፍሉጥ’ኡ እንታይ ኪግበር ተሓሲቡ’ዩ ዛሎ ሕቶ)

ምስቲ ነተኣታትዎ ቴክኖሎጂ ማይ፡ ዓይነት ኣዝርእቲ’ውን ዘዋጻጽኡና ፈሊጥና፡ ልዑል ውጽኢታት ክንረኽበሎም እንኽእል ከነፍሪ ኣለና። (ብዛዕባ እዚ ናይ ቴክኖሎጂን ኣዝርእትን ክኢላታትና ክዛረቡ ኣለዎም፡ ብዘይቀለዓለም ድማ ዓለማዊ ትምህርቲ ዚረኽቡሉ ባይታ ክንፈጥረሎም ኣይግባእን’ዶ፧)

3. ጸዓት

ተሓዳሲ ጽዓት ክትጥቀም እንተኽኢልካ፡ ወጻኢታትካ ዝወሓደ፡ ፍርያትካ ዝበዝሐ እዩ ዝኸውን። እዚ እውን ማዕረ ማዕረ ካልእ እነተኣታትዎ ቴክኖሎጂ ክምዕብል ኣለዎ። (ናይ ዝባን ሓዳሙ’ሞ ነቐላጥፎ፡ ተመሳሳሊ ድማ ኣብ 2-3 ስፍራታት እንተተግቢሩ ዓቢ ዝላ’ኡ ኺኸውን፤ ንናይ ጸዓት ብሮጀክትታት አደስኪልካ ወይ ኣጎናዲብኻ ወይ ኣወንዚፍካ ዚመጽእ ኢኮኖምያዊ ለውጢ ከምዘየሎ ንሕና መሃይማን’ኳ ፈሊጥናዮ ኣሎና።)

ብሓፈሻ ኣብ ኣጠቓቕማ ማይ የዋጻጽኣና እዩ ንብሎ ቴክኖሎጂ ሓሪና ወዲእና ኣለና ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን። ነጠብጣብ (ድሪፕ) ምንጻግ ዝበሃልን ካልእ መምስ ከባቢኡ ዝኸይድ ዝተፈላለየ ዓይነት ቴክኖሎጂ ናይ መስኖ እዩ ዘሎ። (ስለምንታይ ብውሑድ ዓቐን ዝተፈላለዩ ቴክኖሎጂታት ዘይንጥቀም፡ ቀስ እናበለ ይምዕብል ሕጂ ግን ክጅመር ኣለዎ። ጸዓት ምክኒት ከይከውን፡ ንህዳሴ ናይ ኢትዮጵያ ካብ ሓንጐልና ኣውጺእና ክንዓዪዪ ኣሎና። ኤርትራና ብጸዓት ነፍሳ ዘይትኽእለሉ ምክኒት የሎን፡ መንግስቲ ብምሉእ ኣቕሙ እንተዓዪዩ።)

ዲጋታት ምብዛሕን ምውሓድን ዘይኮነ ግን፡ ብቐንዱ ኣጠቓቕማን ኣድማዕነትን እዩ ወሳኒ። (ብርግጽ እቲ ሓቂ ንሱ ካብ ኮነ፡ ዲጋ ምስራሕ ንግዚኡ ተወንዚፉ፡ ጉዳይ ምውሓስ ጸዓት ብዕጽፊ ኪስርሓሉ ኣይግባእን’ዶ፤ መክንያቱ ነተን ዘለዋ ዲጋታት ገለ ንንጠፈለን’ሞ፡ ካልእ ዲጋታት ምስራሕ ቀስ ኢልና ነርክበሉ፤ ጸዓትና ምስ ኣውሓስና። ንግዚኡ ንዲጋ ዚወጽእ ጸጋ ሃገር ንተሓዳሲ ጸዓት ኪወጽእ ይግባእ።)

ካልእ ኣብዚ ኣርእስቲ’ዚ ክርሳዕ ዘይብሉ ናይ ሰብ ረቋሒ ኣሎ። (ሰብ ደኣ ክንደይ ምሁር ከሲርና ከይንከውን ኪህሰበሉ ኣለዎ፡ ሕጂ’ውን ሰብና ከነምህር ይግባእ ምክንያቱ ዘይተማህረ ኣየድሕን ኢዩ እቲ ምስላ።)

እዚ ዝተጠቕሰ ጸጋታት ኣብ ዘለዎ ከባቢታት ሰብ ብስፍሓት ክዝርጋሕ ክኽእል ኣለዎ። ነዚ ዘድሊ ውዳበ ክህሉ ኣለዎ። ምሕደራን መሳለጥያታትን ክቐርብ ክኽእል ኣለዎ። (እሞ ብውሑድ ዓቕሚን ፡ምትግባር ከይጅመር እቲ ማሕንቖ ጸገም ጸዓት ካብ ኰነ፡ ካልእ ንጸጋ ሃገር ዚጕህጉሕ ብሮጀክትታትን ስራሕን ንግዚኡ ኣወንዚፍካ ጉዳይ ጸዓት ንምቕላል ብምሉእ ናህሪ ምስራሕ’ኡ ፈውሱ።)

ካብ ኣፍራዛን ባዴላን ጀሚርካ፡ ክሳብ እቲ ዝለዓለ ኣሎ ዝበሃል ማሽነሪ ተዋፊሩ ክሰርሕ ክኽእል ኣለዎ። (ኣፍራዛን ባዴላን ደኣ ወትሩ ምስ ሰርሓ ኢየን፤ መኣስ’ከ ምስ ኣእረፋ። እንተኰነ ግዳ ሓንቲ ማሽነሪ ትሰርሖ ዕጽፍታት ስለዝዀነ፤ ብማሽነሪታት ምስራሕ’ኡ ኪድፍኣሉ ዛለዎ።)

Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኣንታ ንበር ኤርትራ ጸገማታ ክትምርምር ኣንታ ንበር!

Post by Meleket » 07 Mar 2023, 10:54

4 ሰማያዊ ቁጠባ

ኣብ መንጎ ባህግን ድሌትን፡ ኣብ መንጎ ክ ውንነንትን ተኽእሎን ዘሎ ጋግ ዓቢ እዩ። (ብርግጽ)

ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ ኣብ ዓመት ካብ 80-120 ሽሕ ቶን ዝኸውን ናይ ዓሳ ጸጋ ኣሎና። (እሞ ምስዚ ጸጋ እዚ ደኣ ንብሕታዊ ኣውፈርቲ ሂብካ ሃገር ትረብሓሉ ኩነት ምፍጣር ኣይከኣልን ማለት ዲዩ?)

ካብዚ 80 ሽሕ ቶን ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት ክንደይ ዝኣክል ኣሳ ኣብ ዓመት ክንገፍፍ ክኢልና እንተተባሂሉ ልዕሊ 10 ሽሕ ቶን ኣብ ዓመት እውን ኣይከውንን እዩ። (ደሓን ዝሓለፈ ሓሊፉ’ሎ ብሕጂ’ከ ንዓመታ ከምኡ ዲዩ ኪኸውን ወላስ፡ ለውጢ ክንጽበ’ና)

ይትረፍ ንሰደድ ነቲ ዘቤታዊ ዕዳጋ ዘዕግብ’ውን ክግፈፍ ኣይጸንሐን። (ምስቲ ዝነበረ ኩነታት ከም ውሁብ ወሲድና ብሕጂ’ከ እንታይ ንጽበ ኢዩ እቲ ጉዳይ)

እዚ ዅሉ ቅሙጥ ጸጋ እናሃለወ ስለምንታይ ከነማዕብሎ ኣይከኣልናን? እንተድኣ ኢልና፡ ንኽተማዕብሎ ቅድም ሰብ የድልየካ። ድሕሪኡ ዝተፈላለየ ቴክኖሎጂ- ጃላቡ፡ መግፈፊን መመስርሒን ከተምጽእ ኣለካ። (እሞ’ከ ደኣ ዘይነምጽእ፡ ሰብ ደኣ ተሳኢኑ ማለት ዲዩ፧)

ቅድሚ ዝኣገረ እንታይ መሳለጥያታት ኣሎና? ኣብ ኩሉ ገማግምና ወደባት፡ ማርሳታት ኣሎ ድዩ? እዚ ከይተዋደደ እንታይ ክንገብር ንኽእል? ( 1 እሞ ኢልና ንጀምር ቀስ ብቀስ 2 3 ክንብል መታን፡ ብሓንሳብ ንኩሉ ገማግም መሳለትያ ንግበር ማለት ክዉንነታዊ ኣይዀነን)

ኣብ ጢዖ ዕዲ ገልዓሎ ንገፈፍቲ ዓሳ ዝኸውን ንኣሽቱ ወደባት ወይ ማርሳታት ንመስርት ተባሂሉ ተሰሪሕሉ፡ መፍረ በረድ፡ መዝሐሊ መሳርሒታት፡ ንመተዓራረይ ጀላቡ ዝከውን ኣገልግሎት ዝህብ ቤት-ዕዮ ክህሉ በዘን ሰለስተ ነቝጣታት መበጋገሲ ዝኸውን ዝተዓመ ስራሕ ነይሩ። እቲ ዝተሰርሐ ወደብ ወይ ማርሳ፡ ኣብኡ ዝተቐመጠ መሳለጥያ ሕጂ ኣበይ ኣሎ? በረድ ይሰርሕ ኣሎ ድዩ እንተድኣ ኢልና፡ የለን ዳርጋ ባዲሙ እዩ። ስለምታይ? ( ብዘይ ጽፉፍ መጽናዕቲን ብዛዕባ ግብራውነቱ ጽፉፍ ወድዓዊ መጽናዕቲ ከይተገብረ ብሃታ ሃታ ተሰሪሑ ከይከውን ምጥንቃቕ’ኡ ክኢላታት ክዋስኡሉ ኣለዎም እምበር ጸጋ ሃገር ሱቕ ኢሉ ኪባኽን ግቡእ ኣይኮነን።)

ናይ በሓቂ ነዚ ‘ሰማያዊ ቁጠባ’ ዝበሃል ክንጥቀመሉ እንተዀንና፡ ንብምሉኡ ገማግምና ዝግባእ ትሕተ ቅርጺ ክነዋድደሉ ክንክእል ኣለና። (ብሙሉኡ ገማግም ትሕተ ቅርጺ ቀስ ኢሉ ይስራህ፡ ብገለ ክፋሉ ደኣ ይጀመር ፈለማ፡ ንሱ እናዓዬዬ እቲ ካልእ ክፋል ድማ ቀስ እናበለ ይቅጽል፡ ናብቲ ዘዝቐደመ ትምህርቲ እናተቐስመ፡ ዝያዳ ጽፈት ዘለዎ ስራሕ ኪስራሕ ይከኣል’ኡ)

ዓሳታት፡ በብዓይነቶም ክርከብሉ ዝኽእሉ ከባቢታት ኣበይ ኣበይ እዩ? ግቡእ መጽናዕትታት ተገይርሉ፡ ምስኡዝመጣጠን መሳለጥያታትን መመስርሕን ክዋደድ ኣለዎ። (ሃብቲ ዓሳ ደኣ ከጽንዕዎ ምሉእ ስልጣንን ገንዘባውን ንዋታውን መሳለጥያታት ምሃብ ኢዩ ፈውሱ፡ ብገለ ክፋል ባሕርና ይጀምርዎ፤ ንሎሚ ዓመት ደሓር ቀስ እናበለ እቲ ካልእ ክፋል ድማ ይጽናዕ። ኩሉ ብሓንሳብ ኪግበር ምጽባይ ካብ ኵውንነት ምውጻእ እዩ። ንሃብቲ ዓሳ መጋበርያታት ከይቀረብካ ኪዓምዎ መጽባይ ድማ ክዉንነታዊ ኣይዀነን።)

ዘመናውያን ገፈፍቲ መራኽብን ጀላቡን መመስርሒ ትካላትን ብምልኣት ክትቅርብ ኣለካ።(ኣብ ሓንቲ ማርሳ’ሞ እዚ ይፈተን፡ ደሓር ድማ ብሕታዊ ትካላት ከምዝዋስኡ ምግባር ሓደ ጥበብ ኢዩ። ምስቲ ናይ ላዕለዋይ ሃሳብ ዚኸይድ’ኡ።)

ወደባት ንገዛእ ርእሱ ብቕዓት ክህልዎ ኣለዎ። (መን ኢዩ ብቕዓቱ ኪዕቕኖ፡ ንኣሽሓት ዓመታት ይሰርሕ ዝነበረ ወደባት ሕጂውን በቲ ዘሎ ዓቕሙ’ሞ ይስራሕ፡ ቀስ ብቐስ ድማ ካብቲ ዛለዎ ዝያዳ ዓቕሙ ዝምዕብለሉ ሜላታት ምፍጣር’ኡ ፈውሱ።)

ኣብቲ ገማግም ዝነብሩ ዘለዉ ዜጋታት ምሉእ ደገፍ ረኺቦም፡ ዘለዎም ዓቕሚ ተጠቒሞም፡ እቲ ዝዋደድ ትሕተ ቅርጺ ይኩን ዝተፈላለየ ዝተኣታቶ ቴክኖሎጂታት ክጥቀምሉ ክኽእሉ ኣለዎም። ነዚ ኩሉ ኣወሃሂድካ ክትሰርሕ ቀሊል ብድሆ ኣይኮነን። (ብርግጽ፡ ን ዓለማዊን ዞባዊን ጉዳይ ነጥፍኦ ሓልኪ ነኪና፡ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳይና ዝያዳ ምድሃብ ኢያ ፈውሳ ትኸውን።)

ዝሓለፈና ዕድል ኣምሊስና ዝያዳ ክንጎዪ፡ ዝያዳ ክንሰርሕ ኣለና ተባሂሉ ሕጂ ጉያ-ጉያ ይበሃል ኣሎ። (ግርም ጉያ ጉያ፡ ጉይ ዘርኢ ሰናይ ይግበሮ)

ኣብዚ እዋን’ዚ ብግብሪ ዝለምዕ ዘሎ ወይ ዝእከብ ዘሎ ሃብቲ ዓሳ፡ ምስቲ ዕቑር ትሕዝቶ ናይቲ ባሕሪ ቁንጣሮ እዩ። ናብ ዓበይቲ ዓበይቲ ንጥፈታት ምግፋፍ ዓሳ ክንከይድ ክንክእል ኣለና። (ነቲ ዘሎ’ሞ ብምልኣት ነተባብዓዮ፡ ነቲ ኣብ በቦታኡ ዛሎ ቁንጣሮ’ሞ ነተባብዓዮ ተደማሚሩ ንሱ ኡ ደሓር ገዚፍ ዚኸውን። እቲ ዓበይቲ ይቕጽል)

ናይ ዓበይቲ ንጥፈታት ምግፋፍ ዓሳ ክንከይድ ክንክእል ኣለና። (ፈለማ ነቶም ቁንጣሮ ዝበልናዮም ብምሉእ ዓቕምና ነተባብዕ!)

ናይ ዓበይቲ መመስርሒ ትካላት ክንኣቱ ኣለና። (ሃየ’ሞ ክኢላታት ኣዋሲእና፡ ነእቱ)

ፍሬሽ ዓሳ ንዞባና ይኹን ንዓለም “ኤክስፖርት” ክንገብር ፈለማ ንዕኡ ዘድሊ ብቕዓት ክንፈጥር ኣለና። (‘ኤክስፖርት’ ደኣ ካልኣያዊ ኢዩ፡ ፈላማ ዘቤታዊ ጠለብ ምምላእ ኢዩ ኪስራዕ ዛለዎ።)

ክሳብ ሕጂ ዝተፈተነ ስርዓት ተዓዊትናሉ ኣብ ቁጠባ ሃገር እዚ ኣበርክቶ ነይሩዎ ኢልካ ክዝረበሉ ዝኽኣል ኣይኮነን።(እሞ’ከ ደኣ ብከመይ ኢዩ ዓበይቲ ንጥፈታት ክነካይድ ዝበሃል ዛሎ፡ ዝተፈላለዩ ክኢላታት ዘይሓለፍዎ መጽናዕቲ፡ ፍሬኡ ወትሩ ብላሽ ክንዲ ዝዀነ፡ ክኢላታት ምስ ተሓታትነቱ ኺዋስኡ ኣለዎም። ልምዳዊ መሃንድሳት ከም ድሌቶም ክሕምጡ ኪግደፉ የብሎምን)
ኣንታ ንበር "ኤርትራ" ጸገማታ ክትምርምር ኣንታ ንበር! :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኣንታ ንበር ኤርትራ ጸገማታ ክትምርምር ኣንታ ንበር!

Post by Meleket » 09 Mar 2023, 06:07

ተራ ካድራትና ኣይተስተዋሕድዎ ኢኹም፡ ክንዲ ብዙሕ ቍጸርዎ ነዙይ፡ ምዕዶና። ካብ ምጥቓዕን "ቁጠባና ይሕምበብ ኣሎ" እናበልኩም ካብ ምዕፋር ሓሊፍኩም፡ ሓሳባት ደኣ ኣፈልፍሉ። ምስ ንላዘብ ምኽሪ ይርከብ ኢዩ ዝበሉ ቀዳሞናትና ብኤርትራዊ ጭዉነት ሓበንን ፍናንን። :mrgreen:
5 ሰማያዊ ሃብቲ/ቁጠባ ምስ ጨው

ክሳብ ሕጂ ክፈሪ ዝጸንሐ ግን ንዘቤታዊ ዕዳጋ ዘርዊ እውን ኣይኮነን። (ነዚውን ጸዓት ኢዩ እቲ ምክኒት ወላስ ምስ ጉዳይ ልቸንሳን፡ ሰኣን ንነጋዶን ኣብቲ ዓውዲ ዝነጥፉ ዜጋታት ግቡእ ምትብባዕ ዘይምግባር ኢዩ ጸገምና። ከምዡይ ዜጋታት መዓር ኣፍርዮም ገለ ክፋል ምህርቶም ከም ድሌቶም ናብ ድሌቶም እንኮላይ ንሰደድ ከየቕንዑ፡ ቦሊሲታትና ዝድርኾም ከይከውን ይተሓሰበሉ ደኣ።)

ክሳብ ሕጂ ግን ጨው ኣብ ፕላስቲክ ዓሺግና ምሻጥ እንተዘይኮይኑ፡ ናብ ገዚፍ ኢንዱስትርያዊ ልምዓት ክኸይድ ዝኽእል ስራሕ ኣይተሰርሐን። (ናይ ዲያስቦራ ዜጋታትና ብሓፈሻ፡ ብስም ስድራ ቤት ስውኣት ኢንቨስት እንተዝገብሩን መንግስቲ'ዉን ብምሉእ ልቡ እንተዘተባብዖምን፡ ጨው ንዘቤታዊ ኮነ ንሰደድ ዝቐንዐ ክፈርየሉ ዘይክእል ወላ ሓንቲ ምክኒት ኣይምሃለወን፡ ንግዳዊ ቦሊሲታትና’ውን ምክላስ ዘድልዮ እንተኰነ ኪክለስ ይግባእ፡ ህግታትና “ቅዱስ መጽሓፍ” ኣይዀነን።)

ኩሉ ገማግምና ከነሀብትሞ ክንክእል፡ እቲ ኢኮሎጂ ሓደ ብሓደ ብግቡእ ተጸኒዑ ኣብ ዘድሊ ቦታታት፡ ባህርያዊ ሃብቲ ናይ’ቲ ገማግም ክዕቀበሉ ዝኽእል መደባት ክትግበር ክኽእል ኣለዎ። (ክኽእል ኣለዎ ግርም፡ ነዚ ዝገብር ግን ክእለት ዘለዎን ክኢላን ጥራሕ ኢዩ። ዝያዳ ኣብዚ ዓውዲ ብዝተፈላለየ ጨናፍሩ ምሁራት መታን ኪበዝሑ፡ ኣብ ትምህርቲ ዛሎና ቦሊሲ ኪክለስ ኣለዎ። ኣብ ሃርቫርድን ኦክፎርድን ወዘተን ብገዛእ ቅልጽሙ ስኮላር ዝረኸበ ዜጋ ከይተረፈ፡ ፈቓድ ትምህርቲ ካብ ብረዚደንቲ ጥራሕ ኪወሃቦ፡ ጥፉሽ ኣገባብ'ኡ። ዜጋታትና ብድላዮም ዓውዲ ኣብ ሃገር ዘይርከብ ትምህርቲ ናይ ምቕሳም መሰሎም ክህሎ ይግባእ፡ እቲ ምንታይ እንተተባህለ እዚኩሉ ዚበሃል ዛሎ ብግቡእ ክትግበርን ክሕንጸጽን ኪምራህን ኪሰላሰል ዚኽእል ካብ ዩኒቨርሲቲ ብዘዝለቝ ሰባት ዛይኮነስ፡ ክሳብ ጥርዚ ብዝተመሃሩ ዜጋታት ኢዩ።)

ካልእ ከኣ ብልጫታት ገማግም ናይ ባሕሪ፡ ከመንጭዎ ዝኽእል ናይ ጸሓይን ንፋስን ጸዓት እዩ። እዚ ጸጋ’ዚ ምስ መደባት ምምዕባል ተሓዳሲ ጸዓት ክንጥቀመሉ ዘለና እዩ። (ናይ ነፋስ ተሓዳሲ ጸዓት ካብ ዚጽናዕ ክንደይ ዓመታት ዝገበረ፡ ሕጂ ብዘይ ቀሚሽ ኣደይ ሓንኵሉኒ ምባል ናብ ትግባረ ምቕናዕ ኢዩ። ናይ ጋህሮ ግዝግዛ ወዘተ ከምኡውን ናይ ጸሓያዊ ጸዓት ካብ ቆላ ሰራየ ዝተረኽበ ተሞክሮ ኣብ ዝባን ሃዳሙ ብምትግባር ቀጻሊ 2-3 ተመሳሳሊ ናይ 30ሜጋ ብሮጀክታት ክንገብር ዘይከኣል ኣይኮነን፡ እተን ድሮ ዝተሃንጻ ዲጋታት ኣብ ጥቅሚ ከየውዓልና፡ ካልኦት ዲጋታት ብምህናጽ ጸጋ ሃገር እንተዘየባኸንና ኣይምረጽን’ዶ? ማህንቖ ልምዓት ጸዓት ካብ ኰነ፡ ጉያ ጉያ ናብ ምውሓስ ጸዓት፡ ብተሓዳሲ ጸዓት።)

ነዊሕ እዋን ክንዛረበሉ ዝጸናሕና፡ ከም ሕልሚ ማዕጾ ክርኣ ዝጸንሐ፡ ናይ ጂኦተርማል ጸጋ እውን ኣሎ። (መኣስ ደኣ ኢና ነዊሕ እዋን ተዛሪብናሉ፡ ተራ ካድራትና ያኢ ንጸዓት ካብ ህዳሴ ናይ ኢጦብያ ኢዮም ኪምልእዎ ዚደልዩ፡ ነፍስኻ ምኽኣል እንከሎ ተጸባዪት ያኢ ኺገብሩ ንሃገርና። ዳይ ጉያ ጉያ ኣብዚኣ እያ ተድሊ፡ ኣብ ኩልሊ’ውን ክንጥቀመላ ጉያ ጉያ ናብ ምውሓስ ጸዓት።)

ኣብ ሪፍት ቫሊ ኢና ዘለና፡ ኣብዚ ኣብ ሪፍት ቫሊ ዘሎ ዓቕሚ ናይ ጂኦተርማል ከምዚ ትማሊ ኣብ ኬንያ ዝረኣናዮ ቀሊል ኣይኮነን። ቅድሚ 10 ዓመታት ምናልባት 20 ሜጋ የመንጪዉ ነይሮም፡ ሕጂ ካብ ጂኦተርማል ዘውጽእዎ ዘለዉ ጸዓት፡ ልዕሊ 1100 ሜጋ ዝኸይድ እዩ። ንሕናዉን ከምኡ ዕድል ኣለና። (ጉያ ጉያ ሕጂ ተድሊ፡ ኬንያ ከይድኩም እንተዘይትርእዩ፡ ካን ከምዘየለ ምተቆጽረ ማለት ዲዩ? ዕድሉ ደኣ ኣለና እወ፡ ንጠቐመሉ ደኣ፤ ንኩሉ ግዜ ኣለዎሞ፡ እቶም ነዚ ዓውዲ ተማሂሮም ተስፋ ስኢኖም ዝነበሩ ምሁራትና ኣበራብርዎም ደአ፡ ዝኸሰርናዮም ከሲርናዮም’ና።)

ንጂኦተርማል ከተማዕብሎ እንተንኽእል፡ ምስቲ ተሓዳሲ ጸዓት ደሚርካ ክንደይ ብልጫታት ምሃበና ኢልና ክንሓስብ ንኽእል። (ኣብ ምሕሳብ ግዜ ኣይንብላዕ፡ ተባዕ ውሳኔ ወሲንና ናብ ትግባረ ምምራሕ ኢዩ። ናብ ኢጋድ ንምኻድ’ዶ ወሲንና ቢልኩምና፡ ካብዚ ናይ ኢጋድ ጉዳይ፡ ጉዳይን ዛዕባን ጂኦ ተርማልን ጸዓትን ይገዝፍን ይዓቢን፡ ንህዝብናን ንሃገርናን፤ መክንያቱ ዝያዳ ደገ ውሽጣዊ ኩነትና ንህዝብና ስለዘገድሶ።)

ሃብቲ ዓሳ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ገማግም ዘሎ ጸጋታት እውን ኣጣሚርካ ክርኣ ዘለዎ እዩ። ካብቲ ቀዳምነታትና ተባሂሉ ተሰሪዑ ዘሎ መደባት ድማ እዩ። (እዚ ቀዳምነት ኣይኰነን፡ በቲ ባዕልኹም ዝገለጽኩምልና ኣዘናትዋን ሎጂክን፡ ሃብቲ ዓሳ ወይ ማዕድን ወይ ማይ ኣይኰነን ቀዳምነት፡ ቀዳምነት ጸዓት ኢዩ፡ ክንዲ ዝዀነ ድማ ናብ’ዚ ዓቢ ደራኺ ልምዓትን ምዕባለን ዝዀነ ጽላት ጸዓት ፍሉይ ኣሕቦን ብምሃብ ብዘይ ነግ ፈረግን ብዘይ ዕጥይጥይን ንምምራሽ ተባዕ ውሳኔ የድሊ። )

ግዜ ከይከደ፡ እቶም ከነዋድዶም ዘለና መሰረታውያን ረቋሒታት ከነዋድድ ኣለና። ሕጂ ናብኡ’ዩ ጉያ ጉያ ዝበሃል ዘሎ። (ግዜ ደኣ ከምቀደሙ ይከይድ ኢዩ ዛሎ፡ መዓስ'ከ ኣዕሪፉ፤ በዡይ ዀነ በቱይ ጉያ ጉያ ናብ ጽላት ጸዓት፡ እቲ ካልእ ካልኣያዊ ኢዩ። “መሬት ሒዝካዩ መሬት ኢያ ዝበለት ብርኽቲ፡ ንመሬት ምስ ወነንካ ሕጂ "ጸዓት ሒዝካዩ ጸዓት ዝበሃለሉ መዋእል ኢዩ።”)

ነዚ ሰማያዊ ሃብቲ/ቁጠባ ብስፍሓት ክንሰርሓሉ’ዩ መደብና። ምስኡ ዝተዛመዱ ካልኦት ዓበይቲ መደባት’ውን ኣለው ብምምዕባል ኣገልግሎት ወደባት፡ ቱሪዝም ኢንዱስትሪ ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝኸይድ። እዚ’ውን ንባዕሉ ገዚፍ ኣርእስቲ ኢዩ። (ይጽናሓልኩም እዡይ፡ ናብ ጸዓት ጉያ ጉያ ኢያ ተዋጽእ፡ ጸዓት ኣብቲ መትንታት ቁጠባ ዚሰላሰለሉ ቦታታት ኣጸቢቕኹም ምስ ኣውሓስኵም፡ ተርክቡሉ ኢኹም።)

ጅግና ተጋዳሊት ብርኽቲ ወልደስላሰ (ታንኪ) "መሬት ሂዝካ'ዩ መሬት . . . . ኩልኻ ወዲ መሬት ተዓሚትካ . . . እቲ ክብረት መሬት ሒዝካ'ዩ መሬት!" ቢላ ነበረት ቀደም ግዜ ገድሊ፡ ሕዪ ድማ ዘመኑ

"እቲ ልምዓት፡
ጸዓት ሒዝካ'ዩ ጸዓት! . . . ናብ ተሓዳሲ ክተት"
ዀይኑ'ሎ! :mrgreen:

ኣንታ ንበር "ኤርትራ" ጸገማታ ክትምርምር ኣንታ ንበር!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኣንታ ንበር ኤርትራ ጸገማታ ክትምርምር ኣንታ ንበር!

Post by Meleket » 10 Mar 2023, 06:32

ተራ ካድራትና ኣሎኹም'ዶ? :mrgreen: ናጻ ኤርትራዊ ርእይቶ ፈዪ ኣቢልናልኩም ኣሎና፡ ብኤርትራዊ ጭውነት ሓበንን ፍናንን ኣይተስተዋሕድዎ!!! :mrgreen:
6 ማዕድን ምስ ቦታሽ

ኣብዛ ሃገር ዘሎ ማዕድን፡ መዳርግቲ ኣለዎ እውን ክትብል ኣይትኽእልን። ብመጠን ጽበት ናይ’ቲ ጆግራፍ፡ እንተርኢካዮ፡ ገዚፍ ሃብቲ ኢዩ። (ከመይ ማለት ደኣ’ዩ መዳርግቲ ኣልቦ’ዩ ዚበሃል ዛሎ። ኤርትራ መን ኢዩ ጽበት ኣለዋ ዝበለ። ጸቢባትኩም ዲያ። እኽልቲ ሃገርን ትስፍው ጽላትን ምባሉ’ዶ ኣይምሓሸን፤ ኣጠቓቕማ እንተጸቢቑ!)

ናይ ቢሻ፡ ዛራ ዕደና፡ ምስ’ቲ ድምር ዕቑር ሃብቲ ‘ፖተንሻል’ ናይዚ ሃገር እንታይ ሚዛን ኣለዎ? እንተድኣ ኢልና ንእሽቶ ኢዩ። (በየናይ መዓቐኒ? ‘ፓተንሻል’ ዝተባህለ ክጽናዕ ዓመታትን ብዙሕ ሃልኺ ከምዝወስድ’ከ ኣስተውዒልኩምሉ’ዶ? እቲ ‘ፖተንሻል” ዝበሃል ዛሎ “ቨርቺዋል ጸጋ” ወይ “ስዉር ጸጋ” ኢዩ፡ “ኣክችዋል ጸጋ” ምዃኑ ብመጽናዕቲ ክስነዪ ኣለዎ ክብሉ’ና ንሰምዖም እቶም ሊቃውንቲ ዓለም።)

ናይ ማዕድን ሃብቲ ኣገዳስነቱ፡ ነቲ ሓፈሻዊ ቁጠባዊ ዕብየት ደራኺ ሓይሊ ዝኸውን፡ ቅሩብ ጸጋ ምዃኑ እዩ። (‘ቅሩብ ጸጋ’ ዚበሃል እንተተጸኒዑን ዓቐኑን እንተተፈሊጡ እንደኣሉ፡ እንተዘይተጸኒዑ ‘ቅሩብ ጸጋ’ ኪበሃል ኣይከኣልን ‘ስውር ጸጋ’ ኢዩ ኪበሃል ዚክእል፡ ዘይተፈተሸን ዓቐኑን ዘይተጸንዐ እንተዀይኑ ብናትኩም ኣገላልጻ “ፖተንሻል” ብሊቃውንቲ ዓለም ኣገላልጻ ድማ “ቨርችዋሊ ስውር ጸጋ”።)

ኣብ ካልኦት ዝተፈላለዩ ጽላታትን ኢንዱስትሪታትን ዘለዉ ናይ ልምዓት መደባት ንምምዋል ዓቢ ኣበርክቶ ስለዘለዎ፡ ዘሎ ናይ ማዕድን ሃብቲ ብግቡእ ተገምጊሙ ‘ንቀረባ ማእከላይን ነዊሕን ግዜ’ ኣገልግሎት ከም ዝህብ ጌርና ክንጥቀመሉ ዘለና ኢዩ። (ንካልኦት ጽላታት ምምዋል ጥራሕ ዘይኰነ ንነፍሱውን ክምውል’ኡ ዝግባእ። እስከ ካብ ቢሻን ዛራን ካብ ዚርከብ ሃብቲ ቁንጣሮ ሰሊዕኹም ናይ ሃገራዊ ትካል ኩዕታ ማዕድን ክተጣይሹ ሕሰቡ’ሞ፡ ኣብ ሃገር ዛሎ ኩሉ ኩዕታ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ብሃገራዊ ትካል ከምዝሰላሰል ግበሩ፡ ክንደይ ሃብትን ገንዘብን ምተረክቦ ነቢሩ እንተትበሃሉ እንታይ ምበልኩም። ክንደይ መንእሰይውን ነዚ ትካል ከካይድን ክሰርሕን ምተዓደለ ነቢሩ፤ እንተኰነ ግዳ “ሳንክሽን” ዚበሃል ፈሊጥ ዘመና ኣሰኪፉኩም ኢዩ መስለና ነዡኣ ኣይደፈርኩማን።)

ብኣጠቓላሊ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዕደና ዝተተግብረ መደባት ዕዉት ነይሩ ኢልካ ክትዛረብ ዝኸኣል ኣይኮነን። (ምስዬናይ ዓውዲን ጽላትን ኢኹም ኣነጻጺርኩሞ፡ ዕዉት ኣይነበረን ትብልዎ ዛሎኹም፤ ኣዪ ንሱ እንዲዩ ካብቶም ሸርፊ ወጻኢ ንሃገር ዘበርክት ዛሎ ርኡይ ጽላት! ዝተረፈ ክምላእ ዚግብኦ እንተሎ ኣብ ከይዲ መልእዎ።)

ክሳብ ሕጂ ኣብ ቢሻ ተጕሕጕሑ ዝወጸ ወርቂ ክንደይ ቁም-ነገር ተረኺብዎ? ኣብ ምንታይ መዓላ ውዒሉ? ገንዘባዊ በሎ፡ ካልእ እንታይ ኣበርክቶ ገይሩ? ኣብ ቁጠባዊ ውሕስነት እንታይ ፋይዳ ነይሩዎ እንተድኣ ኢልና፡ ዋላ ሓንቲ። ምናልባት በብዝመጽኦ ተጠቒምናሉ ሃሊኹ ኢልና ክንዛረብ ንኽእል። (ዋላ ሓንቲ ኣይበሃልን ኢዩ ነዉሪ ኢዩ። በብዝመጾ ተጠቒምናሉ እናበልካ፡ ወላ ሓንቲ ሃሊኹ ምባል ኣይከኣልን ኢዩ፡ ተሓሺሹ ከይበሃል ዚሕሸሽ ቁጽሪ ኣይኮነን። ግቡእ ተሓታትነትን ግሉጽነትን እንተልዩ፡ እቲ እቶት ዋላ ሓንቲ አይተጠቐምናሉን ኪበሃል ኣይከኣልን ኢዩ። እንተዘይተጠቂምናሉ ክሃልኽ ኣይክእልን ኢዩ፡ ኣሎ ማለት ኢዩ። እንተተጠቒምናሉ ድማ፡ ዋላ ሓንቲ ሃሊኹ ኣይበሃልን’ኡ።)

ወርቂ ቢሻ ተወዲኡ፡ ድሕሪኡ ነሓስ (copper) መጺኡ፡ ኣብቲ ክጅምር ከሎ ተሃዊኽና ዝወሰድናዮም ውሳነታት፡ ሕጂ ተመሊስና ክንርእዮም እንከለና ዘጠዓሱና ውሑዳት ኣይኮኑን። (ሕጂ ንትጠዓሱሉ ዛሎኹም ውሳነታት ሽዑዑ ንዝወሰንኩም ሰባት፡ ፎርም ናይ ጣዕሳ ከነምልኣኹም ኢና ቢልና’ዶ ክንዋዘ፡ ኣብቀጻሊ ዘለዋ ማዕናዊ ጸጋታት ዘየጣዕስ ውሳኔ ክትወስዱ ፈትኑ፡ ኣይትተሃወኹ፡ ንብሮጀክትታት ተሓዳሲ ጸዓት ምስ ‘ጋራንቲኡ’ ጥራሕ ተሃወኹሉ።)

ስለምንታይ ኣብ ነሓስ ኣተኵርና፡ እዘን ኩለን መካይን ካብ ቢሻ ንወደብ ባጽዕ እናተመላለሳ ጎማ፡ ነዳዲ . . . ዘህልኻ ዘለዋ ስለምንታይ? ("ሰብኣይን ደሊኽን ጭሕሚን ጸሊእክን"፡ ሓደው መገዲ ባቡር ምድሪ ምድላው ምተገበኣ፡ ጥልያን ክሳብ ቢሻ ንጎንደርን ጁባን ገጹ ዓሊሙ መገዲ ባቡር ምድሪ ሰሪሑ ነቢሩ ክበሃል ንሰምዕ ኢና። እዚ ኩሉ ተጸሊኡ ዛሎ ብመካይን ምምልላስ፡ ናብ ባጽዕ ንምብጻሕ እንተዀይኑ፡ ኣኻኪብኻ፡ ብዓበይቲ ነፋሪት ተኻሪካ፡ ነቲ ዝጉረት ዛሎ ማዕድን ቢሻ ባጽዕ ምብጻሕ ኣይምተካእለን’ዶ? ሽዑዑ ወጻኢታት ጎማታት፡ ዕንወት ጽርጊያታት ምተኣልየሞ፡ ንማዕርፎ ነፈርቲ ባጽዕ ድማ ናይ ስራሕ ዕድል ምተረኽበሉ ነቢሩ።)

ምናልባት ኣብ እዋኑ ክንድዚ ዝኣኽል ገንዘብ ክንረክብ እንተንኽእልሲ ሓደ ብኸፊል መመስርሒ ትካል መስሪትና እንተንኸውን’ዶ ኣይምሓሸን ኢልና ክንሓስብ ንኽእል ንኸውን። (ቅጫኻ ሓደው ክትበልዓ ወይ ከተጽንሓ ኢኻ ትኽእል፡ ድሮ ነቲ ቍንጣሮ በብዝመጾ ኣሕሊኽናዮ ኢና እንዲኩም ኢልኩምና። ብቍንጣሮ ገንዘብ ደኣ ከመይ ቢሉ’ኡ ብኸፊል መመስርሒ ትካል ክምስረት ኣይንብልን ኢና፡ ሕጂ ተሪፉ ንዛሎ መመስርሒ ትካል እንዶ ስርሑሉ፡ ንምዃን’ከ ኣብ ሃገር ክንደይ መመርመሪ ናይ ማዕድናት ኣሎና? ኣብ ሃገርና ዛለው ናይ ስነ ቐመም ምሁራት ንከምዚታት ብቝዓት ኣይዀኑን ዲዮም። ኣብ ሃገር ዛሎ ጸጋ ማዕድን ኣብ ሃገር ኪምርመር ይኽእል’ዶ ኣሎ? ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ካብ ዝምስረት ክንደይ ዜጋታትን ብዓውዲ ስነ ቐመም ምሂሩ ይኸውን? ካብዚኦም’ዶ ቍሩብ ትምህርቲ ከምዝውስኹ ገቢርካ ገለ ክግበር ኣይምተካእለን’ዶ?)

ካብዘን ንጉሆን ምሸትን ጽርግያታትና እናዕነዋ ዝኸዳ ዘለዋ መካይን እንታይ ኢና ተጠቒምና? ስለምታይ’ከ ከምቲ ንደልዮ ዘይተጠቐምና። (ብኣኣን ዝተጓረተ ማዕድን እንደኣሉ ገንዘብ ኣምጺኡልና ዝበሃል ዛሎ። ወይ ካብ ፈለማ ነዚ ብመጽናዕቲ ኣሰኒካ ንዘስዕብኦ ጠንቕታት ብምፍታሽ፡ ነተን መካይን ኣሊኻ ካልእ ኣማራጺ ምድላይ ነቢሩ እምበር፡ ዝኹለስ ዀሊስካስ እቱይ ጸብሒ ጨው በዚሕዎ ምባልስ ኣይግድን።)

ዝረባሕናሉ ናይ ዕደና መደብ ነይሩ ዝብል ሰብ እንተሎ ነቲ ሓቂ ኣጸቢቑ ዘይፈልጥ ጥራይ ኢዩ። (መደብ ዕደና ኣማኢት ወይ ኣሽሓት ዜጋታት ቆጺሩ የስርሕ ይህሉ፡ በዘን ስድራታት ድማ ኣሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታት ይናበሩ ይህልዉ። ዜጋታትና ብቀጥታ ረቢሖም ኢዮም፡ መንግስትና ነቲ ገንዘብ ብዓቢዩ ኣይረባሕናሉን ክብል እንተዀይኑ፡ ስለምታይ? ትብል ሕቶ ኢያ ትስዕብ “ቍንጣሮ ኢዩ ክንዛረበሉ ኣይግባእን” እንተተባሂሉ ድማ "ዶ? ንፈራዲ ይጭነቖ’ኡ" ዚበሃል።)

ቦታሽ

ሕጂ ፖታሽ ይመጽእ ኣሎ። እቲ ዋና ነገር ከመይ ጌርና ነማዕብሎ’ዩ? ካብ ኩሉሊ ብቀጥታ ዲና ናብ ሰደድ (ኤክስፖርት) ኢና ክነቕንዖ? . . . ወደብ ክህሉ ኣለዎ . . . መጓዓዝያ ጽርግያ ክህልወና ኣለዎ። መስመር ባቡር ድማ ዝበለጸ ኣበርክቶ ክገብር ምኸኣለ። ካልኦት መሳለጥያታት እውን ክህልዉ ኣለዎም። (ፈለማ ኣብ ተሓዳሲ ጸዓት ንጽቐጥ እቱይ ዝተዘርዘረ ካልኣያዊ ኢዩ። “ጸዓት ሒዝካዩ ጸዓት!”፡ እዡይ ኵሉ ዝበልኩሞ ተዋዲዱ፡ ኣማስያኡ ስኣን ጸዓት ከምዡይ ኣባ ከምቱይ እባ ከንይብል፡ ፈለማ ወላ ብውሑድ ዓቕሚ ኣብ መትንታት ቁጠባ ዘለወን ስፍራታት ጸዓት ኣውሕሱ፡ እንተተካእለ ተሓዳሲ ጸዓት ወይ ጂኦ ተርማላዊ ጸዓት ኣውሕሱ፡ ብድህሪኡ እቱይ ረብሓ ዝተዓጻጸፈ ይኸውን ኪበሃል ኣይሰማዕኹምን'ዶ።)

ጥረ ፖታሽና ናብ ዕዳጋታት ዓለም ክወርድ ኮይኑ፡ ብቐጥታ ኣብ ዕደና ክወርድ ፍርያት ኮይኑ ክምስራሕ ክኽእል ኣለዎ። . . . መመስርሒ ትካላት ክህሉ ኣለዎ። . . . ኣብቲ ዝምስርሓሉ ከባቢ ናይ ኤሌክትሪክ ኣገልግሎት ናይ ልምዓት ንማይን ቀረብ ምሉእ ብምሉእ ክወሓስ ክኽእል ኣለዎ። . . . ዝኣክል ናይ ጉልበትን ሞያውያንን ዓቕሚ ክህሉ ኣለዎ። (“ክኽእል ኣለዎ” እንተኰይኑ ዘረባ “ኽኢላታት” የድልይዎ። ሞያውያን ዘይብሉ “ዕንኪላሎ” ክንዲዝዀነ፡ ሃገር 20-30 መንእሰያታ ብዛዕባ ዝተፈላለየ ምስ ዕደና ፖታሽ ርክብ ዛለዎ ትምህርቲ ካብ ሕጂ ከተዳሉ ኣለዋ። ብዙሃት ምሁራት ደቂ ሃገር ብዘይስክፍታን ብወኒን ዘይተሳተፍዎ ዕደና፡ ኣማስይኡ ከምዚ ናይ ቢሻ ብቝዘማ ኣይረባህናሉን በብዝመጾ ሃሊኹ ዘጣዕሰና ነገር ጌርና ወዘተ ብዚብል ቍዘማ ኢዩ ኪዛዘም።)

“ላይም’ ካብ ደገ ነእቱ፡ እዚ ኩሉ ጸጋ እንከለና። ሓንቲ ንእሽቶ ፋብሪካ ተኺልና ኣብ ክንዲ ንሰርሕ እዚ ቀሊል ኢዩ። ከምቶም ክቡራት ማዕናት ወርቂ ብሩርን ካልእን ኣይኮነን። (መን ደኣ ኢድና ሓዘና ነቲ ትካል ላይም ምስ ተሓዳሲ ጸዓቱ ኪተክሉ ዝኽእሉ መወልቲን ኣወፈርቲን ዲና ስኢንና ወላስ ብጽፍርና ባዕልና ክንገብሮ ኢና ኢልና ኣወንዚፍናዮ። “ጸዓት ሒዝካ’ዩ ጸዓት” እሞ ነታ ትበሃል ትካል ምስ ተሓዳሲ ጸዓታ ክንደይ ወጻኢ ከምዘድሊ ተጸኒዑ ዘየጣዕስ ውሳኔኹም ብሕጹጽ ኣንብሩሉ ኢኹም፡ ንዓመታ ድማ ነዛ ዘረባ ከይትደግምዋ።)

ኣብዚ ሃገር ዘሎ ንሲሚንቶ ዝኸውን ጥረ ንዋት መወዳእታ የብሉን። (መወዳእታ ዛይብሉ ማዕድን የለን። ብዙሕ ኢዩ ንምባል እንተዀይኑ ድማ፡ ንሕዝብና ዘፍርየሉ ነገር የብሉን መጽለሊ ኣይዀኖ እንጌራ ኣይዀኖ፤ እንታይ ደኣ፡ ብውሑድ ዓቐንውን ይኹን ምስ ተሓዳሲ ጸዓቱ ሓደ ትካል ብምሕናጽ ምጅማር ኢዩ ፈውሱ፡ ተስፋን ሃፋን ወይ ቍዘማ ኣየድልይን ኢዩ፡ ቅኑዕ ተበግሶ፡ ተባዕ ውሳኔ፡ ቅንዕና ዕላማ ንስራሕ’ኡ ዘድሊ።)

ገደም ፋብሪካ ጥራይ ድምር ትሕዝቶ ጥረ ንዋት ስሚንቶ 20 ሚልየን ቶን ወይ 18 ሚልየን ቶን ኢዩ እንተኾነ፡ ኣብ ጢዖ ዘሎ ዕቝር ጥረ ናይ ሲሚንቶ ልዕሊ 100 ሚልየን ቶን ዝግመት ኢዩ። ኣብኡ ፋብሪካ ኮፍ ኣቢልና ንዘቤታዊ ዕዳጋ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዞባውን ዓለማውን ዕዳጋታት ክንሸይጥ ንኽእል። . . . ግን ጸዓት የድልየካ። (ኣሊድ ካብ ጢዖ ርሑቕ ዲዩ ዀይኑ ወላስ ኣብ ከባቢ ጢዖ ጸሓይ ኣይትበርቕን፡ ተሓዳሲ ጸዓት ግብሩሞ ጉያ ጉያ በሉ “ግን ጸዓት የድልየካ” እናበልኩም ብዓቢኹም ምኒን ኣይትበሉ ከይንብል ተሰኪፍና።)

ኣብ ኣጀንዳ ዘሎ እምኒ ዓረ እንተርኢኻ መወዳእታ የብሉን። . . . ነዳዲን ጋዝን እውን ኣሎ። (ዓረ ምስ ተባህለ እቲ ገዲም ተጋዳላይ ሰናይ እንዶ ተዘኪሩና፡ ምሒርኹም እንዶ ፍትሕዎ ነዚ ብጻይኩምን መጋድልትኩምን መቓልስትኩምን፡ ምሕረት ግበሩሉ ናብ ዕደናዊ ትካሉ ተመሊሹ ከበርክት መታን። ትካል ኣቡኡ ቀደም ንምሉእ ሃገር ዚርከባ ቤት ትምህርትታት “ኩርሽ” ይቕርብ ነቢሩ ኪበሃል ንሰምዕ ነቢርና። “ኵርሽ”ከ ካብ ደገ ዶ ነምጽእ ንህሉ ሕዩ፡ ወላስ “ብዅርሽ” ምማሃር ተሪፉ’ሎ። ነዳዲን ጋዝን ከኣ ሃገርና ኣለዋ ዲያ? ንምድህሳሱ እንታይ እንታይ ጻዕሪ ገቢራ ትኸውን?)

https://mereja.com/forum/viewtopic.php?f=2&t=316861

https://mereja.com/forum/viewtopic.php?f=2&t=314097


እቲ ልምዓት
ጸዓት ሒዝካዩ ጸዓት! :mrgreen:

ምዕባለ ዚሰምር፡
ዕብዬት ዚፍጠር፡
ምሁር ሒዝካ’ኡ ምሁር!
ነዡይ 'ኣይፋል' ንዚብል "ጠርጥር"! :mrgreen:

ኣንታ ንበር "ኤርትራ" ጸገማታ ክትምርምር ኣንታ ንበር! :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኣንታ ንበር ኤርትራ ጸገማታ ክትምርምር ኣንታ ንበር!

Post by Meleket » 11 Mar 2023, 04:32

ናጻ ርእይቶና በዡይ'ዶ ክንዛዝሞ! :mrgreen: ነቶም ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጦብያ ጠብሎቕሎቕ ዝብሉ ዛለዎ ተራ ካድራትና፡ ጕዳይና ንግበር ዝመጸ ከመይመጸ . . . እናበልናን ን"ፊዚካል ዲማርኼሽን" እናተጋህናን ከምዡይ ገቢርኩም ሃሳባት ኣፈልፍሉ እምበር፡ "ንሕምበብ" ኣለና እናበልካ ዶሮንዶሮን ንህዝብናን ንመንግስትናን ዝዓብሰሉ የብሉን ንብሎም፡ ንሕና ኤርትራውያን ደያኑ ማእከልን መስመርን ብኤርትራዊ ጭዉነት ሓበንን ፍናንን። :mrgreen:
ሓጺን

ኣብ ሓጺን መጺእካ ኣብዛ ሃገር ዘሎ ናይ ሓጺን ዕቝር ጸጋ መወዳእታ የብሉን። እዚ ሕጂ ዝተፈልጥ ዘይኮነ ቀደም ተዳህሲሱ ዝተረጋገጸ ኢዩ። ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ጥራይ ልዕሊ 20 ሚልየን ቶን ጥረ ሓጺን ኣሎ። በቲ ናይ ዘመን ጥልያን 12 ሜትሮ ጥራይ ኵዒትኻ ዝተገብረ ገምጋም ማለት እዩ። ካብኡ ብዕምቝት እንተዝዅዓት ክንደይ እሞ ምስኮነ ኢሎም ዝግምትዎ ዝነበሩ ናይ 200 ሚልየን ቶን ጥረ ሓጺን ኣሎ። (እዡይ ኣበሃህላ “ሕልሚ” ጥራሕ ኢዩ። ኣብ ከባቢ ኣስመራ ክንድዚ ዝዓቐኑ ሓጺን እንተዝሕሉ ደኣ ክሳብ ሕጂ እንታይ ኰይኖም ኢዮም ትካላት ዕደና ዓይኖም ዘየንበሩሉ? ትካላት ቻይና ስለምንታይ ተንኪፎም ገዲፎሞ? ህላዌ ሓጺን ደኣ ብማግኔት እኳ ዝፍለጥ፡ ኣየናይ ስፍራ ወይ ከባቢ ኣስመራ ኢዩ ደኣ ከምዡይ ኣይነት ዓቐን ዛለዎ ሓጺን ኣለዎ ዚበሃል ዛሎ፡ ደፈረ ዲዩ ጣዕረሽ ወይስ ኡናላላይ ዲዩ ዛግር።)

ካልኦት ክንዛረበሎም እንክእል ብዙሓት ማዕድናት እውን ኣለዉ። (ነፍስ ወከፍ እምኒ ኣብ ቤረዲክ ቴብል ዛለው ባእታታት ብዝተፈላለየ ዓቐን ከምዘለዎ ኪግለጽ ንሰምዕ ነቢርና ካብ መምህራን ስነቐመም፡ ብኢኮኖምያዊ መገዲ ክነውጽኦ ንክእል’ዶ ወላስ ኣይንኽእልን ኢዩ ዛሎ ዘረባ። ወከረንስ ካልእ ዲቦዚት ካልእ ክብሉ ንሰምዕ ፈላጣት። ብግቡእ ተፈቲሹን ተጸኒዑን ዓቐኑ ዛይተፈልጠ “ቨርቺዋል ጸጋ” ወይ “ ‘ስቱር’ ጸጋ፡ ኣሎና ኣናበልካ ትንየተሉ ኣይኮነን፡ “ኣክችዋል ጸጋ” ከምዝዀነ እንተተረጋጊጩ ግና፡ ይሃበናን ይሃብኩም’ኡ ንሃገርናን ህዝብናን፡ ብግቡእ መዓላ እንተውዒልናዮ። ህዝብና ክምስል ከሎ ካን ንዓመታ ደርሆ ሎም ዘመን ዕንቛቑሖ ማለት ‘ዕንቁላሊሕ’ ኢዩ ዚብል።)

ቦታ ብቦታ ዞባ ብዞባ ከባቢ ብከባቢ ከይድካ ነዚ ዓዲዚ እንድሕር ርኢኻዮ ዘሎ ዕቝር ማዕድናዊ ጸጋታት ማእለያ የብሉን። ካብቲ ዝሓሰረ ዝመስል እምኒ ጀሚርካ ክሳብ ዝኸበረ ‘ሜታላት’ እዚ ንገዛእ ርእሱ ዓቢ ኢንዱስትሪ’ዩ። (ከመይ ጌሩ ኢዩ፡ ‘ኢንዱስትሪ’ ዚኸውን፡ ምህላውን ብቑጠባዊ ኣርባሒ ብዝኾነ ኣገባብ ከምዝወጽእ ከየረጋገጽካ፡ በየን ዝመጸ ኢንዱስትሪ ኢዩ ኪከውን፡ ጸዓት’ከ በየን ዚጥቐም ኢንዱስትሪ ክንብሎ’ና፡ እዡስ ኣይዘረባን)፡ ክሳብ ዘየውጻእናዮን ናብ ረብሓና ዘይወዓለን፡ እምኒ ጥራሕ ኢና ክንብሎ ንኽእል፡ ሓቝ ንሱ ስለዝኰነ። የግዳስ ፍትሕትሕ በሎ እሞ ኣብቲ ከምዡይ ዓይነት ስራሕ ወፍሪ ንዝገብሩ ትካላት ኣተባብዑ ግዳ።)

ዘዝተረኽበ ሸይጥና ንጽባሕ ኣይግድሰናን እናበልና ክንከይድ ኣይንኽእልን። (ኣብዚኣ ግርም ኣሎኹም። ቁንጣሮ ኢዩ፡ ንመጻኢ ወለዶ ደኣ ገዢፍ ኣለዎም ዛያውጻእናዮ፡ ማዕናዊ ጸጋና ማእለያ የብሉን እናበልና ነብስናን ህዝብናን ምዕሻው ኣይከርብሃናን’ኡ።)

ንወለዶታት ዝኸይድ ኣብቲ ቁጠባ ክህልዎ ዝኽእል ኣበርክቶ’ውን ዘይንዓቕ ስለዝኾነ፡ ነዚ ከነማዕብሎ ኢልና ክንሓስብ፡ ጽቡቅ ስትራቴጂ ኮፍ ኣቢልና፡ ንዕኡ ዝትግብር ውጥናት ሓንጺጽና፡ ፕሮጀክት ብፕሮጀክት እዚኦም ቀዳምነታት ኣለውና እናበልና ክንሰርሕ ኣለና። (ቁንጣሮ ነቢሩ፡ ተሃዊክና ዝወሰድናዮ ውሳኔ ሕጂ’ውን ኣጣዒሱና ኢዩ ከይትብሉና፡ ሕድእ ቢልኩም ወስኑ፡ ብሃብቲ ወለዶታት ‘ተማሂርናሉ’ እናበልኩም ብዙህ ድፍረት ዛለዎ ውሳኔ ኣይትወስኑ። ንብዙሓት ምሁራት ሃገር እውን ኣሳትፉ፡ ብውሱናት ዝግበር ስትራቴጂ፡ ሕንጻጽ ትግባረ- ውጥን ወትሩ ዕውት ኣይኰነን፡ ንህዝቢን ንብዙሓት ምሁራት ሃገርን ዘሳተፈ ከይዲ ግን ረብሓ እምበር ኪሳራ የብሉን። ብዙሃት መንእሰያት በብዓውዱ ኣምህሩ፡ ዝተፈላለዩ ምሁራት ኣሳትፉ ቢልና ክንምዕድ’ዶ።)

ባህጊ በይኑ’ዩ ባህግኻ ከተረጋግጽ ወይ ከተውሕስ ናብኡ ዘብቅኣካ፡ ኵነታት ምፍጣር ከኣ ካልእ’ዩ። (ብርግጽ ንከምኡ ኢና ንሰርሕ ዛሎና እንተተባሂሉ፡ ንዜጋታትና ብዝተፈላለየ ዓውዲ ትምህርቲ ልዑል ትምህርቲ ንክቐስሙ ባብ ክረሆ ኣለዎ። ዕጹው ማዕጾ፡ መሃይምነት ኢዩ ዚጭጭሕ፡ ‘በብዝመጾ ኣህሊክናዮ’ ወይ “ ውሳኔና ኣጣኢሱና’ ኢዩ ዘብለካ፡ ጉያ ጉያ ንትምህርቲ ጉያ ጉያ ንጸዓት፡ ወለዶ ትማል ኣተባባዕቲን መሃርትን እንምበር ዕንቕፋት ትምህርቲን ምሁርን ኣይትኹኑ።)

ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ንዝተጠቐምናሉ ማዕድን ቍንጣሮ እዩ፡ ኣብ’ቲ ዕቝር ናይ’ዛ ሃገር ጸጋታት። (ቍንጣሮ ማለት ክንደይ ኢዩ 2 ቢልየን ዶላር ይበጽሕ’ዶ? ነዡይ ‘ቁንጣሮ’ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ሃገርና’ከ ይፈልጦ’ዶ? ንጉዳይ ሃገራዊ ድሕነት ዚምልከት ገዲፍካ እቲ ቁንጣሮ ዝበሃል ዛሎ ወጻኢታቱ ትራንስባረንሲ ብዘለዎ መገዲ’ዶ ኣብ ህንጸት ሃገር ይውዕል’ዶ ኣሎ ወላስ ‘ዘኢይትነገር’ ኢዩ ተባሂሉ ክህለፍ ዚድለ።)

ንሓዋሩ ክነማዕብሎ ክንክእል ኢልና እንተደኣ ንሓስብ ኣለና፡ በዚ ቁንጣሮታት እዚ ክንዛረብ ስለዘይብልና፡ ናብ ገዚፍ መደብ ዘእትወና ሓደ ጽጹይ ስትራተጂ ኣቐሚጥና ክንሰርሕ ኣለና ኢልና ጀማሚርናዮ ኣለና። (መንደኣሉ ብዛዕባ ቁንጣሮ ተዛሪቡ? ሰራቕ መባእ ባዕሉ ይለፋለፍ ቢሎም ከይሕጭጩልኩም’ባ እቶም ተዛረብቲ። ምዃን ንስኹም ክንደይ ጉድ ሃገር ጸርኩም ትኸዱ’ ኢኹም። ነቲ ዛሎና ዝርካቡ ማዕድን ጥራሕ ኣመስርሒኹምን ዝያዳ ከሲብኩምንናብ መዓላ ኣውዕልዎ እምበር፤ ደጊም “ተጣዒሽና” ከይትብሉና። ጸዓት ድማ ጸሓያዊ ግበሩ ኢኹም፡ መኽሰቡ ብዡሕ ኢዩ። )

ክሳብ ሕጂ ግና ዕደና ዝበሃል ብዙሕ ዝተመሃርናሉ እንተዘይኮይኑ ብዙሕ ዝተጠቐምናሉ የለን። (ብዙሕ ትምህርቲ ብዙሕ ጠቕሚ የብሉን ቢልኩም ዲኹም ትሓስቡ? ወይለይ ብዙሕ ተማሂርና እናበልኩምስ ብዙሕ ኣይተጠቐምናን ድማ ትብሉ፡ ኣይዘረባን’ኡ። ቢልና ፍሽኽ ከነብለኩም። በዡይ ዓውዲን ምሳኡ ዚኸይድ ዓውድታትን ክንደይ ሊቃውንቲ ሃገር ፈሪኹም ትዀኑ፡ ጉዳይ ትምህርቲ ሃገርና ክትገልጹ ከለኹም ትህብሩና ትዀኑ እምበር። በዡይ ዀነ በቱይ ዜጋታት ሃገር ድላዮም ዓውዲ ኣብ ድላዮም ሃገር ንኪመሃሩ ማዕጾ ክረሃወሎም ይግባእ፤ እቲ ምንታይ እንተተባህለ ዝተመሃረ ጥራሕ’ኡ ገዚፍ ለውጢ ኣብ ሓጺር ግዜ ከምጽእ ልዑል ዕድል ዛለዎ። ዲያስቦራ ድማ ኣብ ዘዘለዎ ሃገር ኪመሃር ኣለዎ እምበር ሕሱር ተራ ካድር ጥራህ ዀይኑ ዘረባ ከንጀባርርን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጥዕቢያ ጥዕብሎቕሎቕ ኪብል ጥራሕ ክትርእዮ ሕንኸት’ኡ ክሳራ’ኡ ንሃገርን ንነብሱን ንወለዱን።)

https://mereja.com/forum/viewtopic.php?f=2&t=316861

https://mereja.com/forum/viewtopic.php?f=2&t=314097


ጅግና ተጋዳሊት ብርኽቲ ወልደስላሰ (ታንኪ) "መሬት ሂዝካ'ዩ መሬት . . . . ኩልኻ ወዲ መሬት ተዓሚትካ . . . እቲ ክብረት መሬት ሒዝካ'ዩ መሬት!" ቢላ ነበረት ቀደም ግዜ ገድሊ፡ ሕዪ ድማ ዘመኑ

እቲ ልምዓት
ጸዓት ሒዝካዩ ጸዓት!

እቲ ዕብዬት
ጸዓት ሒዝካዩ ጸዓት!
ዚበሃለሉ ዀይኑ'ሎ። :mrgreen:

ምዕባለ ዚሰምር፡
ዕብዬት ዚፍጠር፡
ምሁር ሒዝካ’ኡ ምሁር!
ነዡይ 'ኣይፋል' ንዚብል "ጠርጥር"! :mrgreen:

ኣንታ ንበር "ኤርትራ" ጸገማታ ክትምርምር ኣንታ ንበር!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኣንታ ንበር ኤርትራ ጸገማታ ክትምርምር ኣንታ ንበር!

Post by Meleket » 14 Mar 2023, 08:39

ብረዚደንትና፡ ኣብ ሃገረ ኤርትራ ሕጂ ዘሎ ዓቕሚ ምምንጫው ጸዓት ከባቢ 100 ክሳብ 120ሜጋ ዋት ምኳኑ ሓቢሮምና። ግርም።

ንዓቕሚ ምምንጫው ጸዓት ናይ ሃገር፡ ኣብ ሓጺር እዋን ብ360 ሜጋዋት ክብ ንምባል መደባት ምሕንጻጾም እውን ሓቢሮምና ኣለው። እንተዀነ ግዳ። እቲ ውጥኖም ፊዚካሊ ኣብ ባይታ ብግብሪ መኣስ ክትግበር ኢዩ፡ ኣብ ከይዲ ክንርእዮ ኢና። ክሳብ ሽዑ ግን እዙይ ውጥን "ቨርቺዋል" ውጥን ጥራሕ'ኡ። ከምዡይ ዶብና "ፊዚካል ዲማርኼሽን" ኣዬድልዮን'ኡ "ቨርቺዋሊ ዲማርኬትድ" ኢዩ፥ እናበሉ ከጽምሙና ዝፍትኑ፡ ወረጃ ማዕዶታትን በሃማትን፡ ኣይዀናን ንሕና ኤርትራውያን ደያኑ ማእከልን መስመርን፤ እንታይ ደኣ ንትግባረ ምድላብ ዓቕሚ ምምንጫው ጸዓት ሃገርና፥ ደቂቅ ብደቂቅ እናተኸታተልና፡ "ካብ ቨርቺዋል ውጥን" ናብ ስጋ ዝለበሰ "ኣክችዋል" ግብራዊ ስራሕ ኣብ ባይታ ንኪቐላጠፍ ብምሉእ ኅልናና ክንዓዪዪ ኢና፡ ንብል ብኤርትራዊ ጭዉነት ሓበንን ፍናንን።

https://www.electricrate.com/solar-ener ... e-per-kwh/



ኣብ ሃገረ ኤርትራ ፡ ንዘቤታዊ ኰነ ንንግዳዊ ንጥፈት ዚውዕል ጸዓት ቆጣቢ፡ ናይ ሶላር ፓናልስ ንምእታው፡ መንግስትና የተባብዕ'ዶ ወላስ ይዕንቕፍ? ሓደ ዜጋ ሶላር ፓናላት ከምድላዩ ናብ ሃገር ከእቱ ይኽእል'ዶ? መንግስቲ'ከ ካብ ቀረጽ ነጻ ብምግባር ነዚ ጽላት ስለምንታይ ዘየተባብዕ? ጸዓት ሃገር ዘሕልኻ መካይን ብዘይቀረጽ ክኣቱ ዝፈቀደ መንግስትና ጸዓት ቆጣቢ ሶላር ወይ ተሓዳሲ ምንጪ ጸዓት ስለምንታይ ካብ ቀረጽ ወጻኢ ኪኣትዋ ንዜጋታት ዘየተባብዕ? እንተተባህለ፤ ምላሽ ተራ ካድራትናን ሰብ ፍሉያት ረብሓታት (ሰ.ፍ.ረ) እንታይ ኢዩ! . . . "ጽቡቕ ኣሎና ብቁጠባና ንሕምበብ ኢና ዘሎና!" ዚብል ዲዩ።

ኣንታ ንበር "ኤርትራ" ጸገማታ ክትምርምር ኣንታ ንበር!
:mrgreen:

Post Reply