Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
-
Meleket
- Member
- Posts: 3057
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
Post
by Meleket » 07 Mar 2023, 09:58
ጽሟቕ ትሕዝቶ ቃለ መሕትትን ምልልስን ዘቤታዊ ጉዳያት ኤርትራ፡ ከምዘርእየና፡ ዝተዓመመ ተግባራት እንተሎኳ፡ ንሕና ኤርትራውያን ደያኑ ማእከልን መስመርን፡ ጌና ብዙሕ ዘይተዓመመ ጉዳያት ከምዘሎ ክንግንዘብ ክኢልና ኣሎና። እስከ ኣብዡይ ኣብ መረጃ ዚነጥፉ ኤርትራዉያን ካድራትና፡ "ጽቡቕ ኣሎና ንሕምበብ ኣሎና፡ ቁጠባና ዓቢ ገስጋስ የርእይ ኣሎ ወዘተ" ጥራሕ እናበሉ ካብ ክዉንነት ርሒቖም ዘዳኽሩ፤ ገለ ፍታሓት እንተሓበሩ ብምባል፡ ነቱይ ክፋል ቃለመሕትት ኣብዡይ ኣምጭናዮ'ሎና'ሞ ኣይተስተዋሕድዎ።
ከም ርእይቶና፡ ኣብ ሃገረ ኤርትራ ንቁጠባ ሃገር ዚመጹ ብሮጀክትታት ማለት ምስራሕ ዲጋ ኮነ ጽርግያ ንግዚኡ ኣወንዚፍካ፥ ቀንዲ ማሕንቖ ልምዓት ንዝዀነ ጉዳይ ጸዓት ብምሉእ ናህሪ ምግጣም ዘድሊ ይመስለና። ክንዲ ዝዀነ ድማ ጸዓት ካብ ሃጽቢ ህዳሴ ኣባይ ከይተጸበኻ፡ ሃገርና ብጸዓት ነፍሳ ንኽትኽእል፡ ብምሉእ ዓቕሚን ገዚፍ ምትብባዕን ኣብ ጉዳይ ጸዓት ዚንጠፈሉ ግዜ ሕጂ ይመስለና፡ ክንብል እንከሎና ብኤርትራዊ ጭዉነት ሓበንን ፍናናንን ኢና።
1. ብዛዕባ ዲጋታት
እቲ ኣርእስቲ ግፍሕ ዝበለ’ዩ ብምሉእ ጕሕጕሕ ኣቢልካ ክትዛረበሉ ግዜ ስለዝወስድ ከፋፊልካ ምርኣዩ የድሊ። ብግዜ ናይ ክልተ-ሰለስተ ዓመት እናበልካ ብዙሕ ረቋሕታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ክዝረበሉ ይከኣል ይኸውን። (ግርም)
እቲ ዋና ነገር፡ እንታይ ገይርና? እንታይ ኣሳሊጥና? እተወጠኑ መደባት ከም’ቲ ዝድለ ከይዶም’ዶ? ዝብል እዩ። (ግርም ሕቶ’ኡ)
እቲ ዕማም ዲጋታት ምህናጽ ጥራይ ኣይኮነን። (እዋ እሂናይ ደኣ፡ እንታይ ኣፍረየ ኢዩ ዋና ነገር)
ብቐዳምነት ግን ዝናባዊ ማይ ተዋህሊሉ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕለሉ ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ። (ንህዝቢ ጎስጓስ ገቢርካ ዛላታት እንተገበረ ንግዚኡ ዓቢን እኹልን ዕማም’ኡ። መንግስቲ ኣብ ማይ ዛውጽኦ ወጻኣኢ ኣወንዚፉ፡ ናይ ጸዓት ምንጪ ካብ ጂኣኦ ተርማል የውሕሰልና እንተበልና፡ ጸዓት ቀንዲ ማሕንቖ ቁጠባ ሃገር ምኳኑ ክንዲዝፈለጥና’ ኢና። )
ማይ ምውህላል ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝውህለል ማይ ከመይ ትጥቀመሉ’ውን ዝዓበየ ጉዳይ እዩ። (ብርግጽ፡ ጸዓት ምክኒት ከይገበርና፡ ንኣውፈርቲን በብዓቕሞም ንውህሉል ማይን ዝሕረስ ቦታን ብምድላው፡ ገለ ኣታዊ ምርካብን ዘቤታዊ ጠለባት ፍርያት ሕርሻ ምሽፋን ኣይከኣልን’ዶ ይኸውን?)
ኣብ ከርከበት ኣዋህሊልናዮ ዘለና ማይ፡ ኣብ ምንታይ መዓላ ኣውዒልናዮ? ከምቲ ዝግባእ ተጠቒምናሉ’ዶ? እንድሕር ኢልና፡ ብዙሕ እትዓመ ነገር ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። (ኣብ ምንታይ መዓላ ከነውዕሎ ከምዘሎና ከይሓንጸጽና ዲና ናብ ምሕናጹ ተጓይና? ዝተዓመ ኣሎ ዝበሃል ኣንተዀይኑ ንኡኡ ዝያዳ ብምትብባዕ ፍርያት ምስሳን’ኡ ፈውሱ፡ አድላይ እንተዀይኑ ንብሕታዊ ኣውፈርቲ ገለ ቦታታት ምሃብ፡ ንኦኦም እናተባባዕካ ምቁጽጻር . . . )
ኣስመራ፡ ከረን ባጽዕ ካልኦት ብብዝሒ ሰብ ዝሰፍረለን ከተማታት ብዘይ ስክፍታ ቀረብ ማይ ክወሓሰለን ኣለዎ። ከተማታት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ገጠራት ዘሎ ሰብ’ውን ጽሩይ ዝስተ ማይ ክረክብ ኣለዎ። ካበይ? ብኸመይ መገዲ? (እዡይ ደኣ ፍሉጥ፡ ንካኢላታት ብምትብባዕ፡ መጽናዕቲ ጌርካ ናብ ትግባረ ምምራሽ’ኡ ፈውሱ)
ኣብ ሕርሻ ዝኣከብናዮ ማይ ብኣድማዕነት ክንጥቀመሉ ክኢልና’ዶ? እንታይ-እንታይ ነፍርየሉ ኣለና? ኣብ ዓመት ክንደይ ምህርቲ ክንሓፍሰሉ ንኽእል? እንታይ ዓይነት ኣዝርእቲ ክንዘርእ ንኽእል? ነቲ ነፍርዮ’ከ ዝተመስርሐ ፍርያት ከነውጽኣሉ ንኽእል’ዶ? ናይ ምስናዕ መደባትና ምስኡ ተዛሚዱ እንታይ ይመስል? (እዡይ ክኢላታት ሚንስትሪ ሕርሻ እንተተዛረቡሉ’ዶ ኣይሓይሽን)
ከምቲ ክንከዶ ዘለና ብዙሕ ስለዘይሰጐምና ድማ፡ ካብ 2023 ጀሚርና ኣብዚ ዝመጽእ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ናህሪ ምውሳኽ ከድልየና’ዩ። (ካብ ኣካይዳ ጐብየ’ዶ ናብ ኣካይዳ ኢራብ’ዶ ክንሰግር ደሊና)
ዝሓለፉ መደባትና ኣካይዳኦም ኣዕጋቢ ነይሩ ክንብል ኣይንኽእልን። (እቶም ናይ ዝሓለፉ መደባት ዝሓንጸጹ ሰባት፡ መደባቶም ብካልኦትታብቲ ዝሓለፉ መደባት ዘይተሳተፉ ክኢላታት’ውን ክፍተሽ ግሩም ኢዩ። ሕጂ’ውን ዘይረኣዩዎ ጉዳያት ከይህሉ።)
2.. ብዛዕባ ሕርሻ
ማይ ምውህላል ናይ መወዳእታ ዕላማ ኣይኮነን። 500 ሚልዮን ሜትሮ ኪዩብ ጥራይ ዘይኮነ ካብኡ ንላዕሊ እውን ክንኸይድ ዝኽኣል’ዩ። እቲ ክንምልሶ ዝግብኣና ነፍሲ-ወከፍ ሜትሮ ኵቦ ማይ፡ ኣብ ምንታይ መዓላ ውዒላ? ዝብል እዩ። (ግሩም ሕቶ’ኡ ክሳብ ንዓመታ ሓደ መልሲ ከድልዮ ኢዩ፡ ብክኢላታት ናይ ማይ።)
ነግሒ ወይ ልምዳዊ መስኖ ካብ ኣእምሮ ሰብ ክወጽእ ክኽእል ኣለዎ። (ኣማራጺ ምስ ቀረብኻ’ዶ ከማኡ ምባል ኣይምሓሸን።)
እዚ ልምዳዊ ኣሰራርሓ’ዚ ግን ክውገድ ዘለዎ’ዩ። ብዘመናዊ ስርዓተ-መስኖ ክቕየር ኣለዎ። (ንዘመናዊ ስርዓተ መስኖ ዘገልግሉ መሳርሒታት ካብ ቀረጽ ወጻኢ ከምዝኣትዉ ምግባር’ከ ገለ ሓገዝ’ዶ ምገበረ።)
ጀነሬተራት ኣምጺእካ፡ ፓምፓታት መጨንጕዒ ዘርጊሕካ ክትሰርሕ ወጻኢታቱ ላዕሊ ዝለዝኸውን ኣድማዕነት የብሉን። ኣብ ክንድኡ ቅርጺ መሬት ኣለና። በረኽቲ ጎቦታት ኣሎ። ኣብኡ መዕረቒ ሃልዩ፡ ካብ ሓጽቢማይ ተጨንጕዑ ናብቲ መዕረቒ ይበጽሕ፡ ካብኡ ብስሕበት (gravity) ይወርድ። (ምጭንጓዕ ደኣ ኣይተርፍን ኢዩ፡ ኣንተዀነ ግዳ ንካልእ ጉዳይ ኣወንዚፍካ፡ ንጉዳይ ጸዓት ናይ ነፋስ ዲዩ ናይ ጸሓይ ዲዩ ናይ ካልእ ተሓዳሲ ጸዓት ኣማራጺታት ብናሕሪ ምትግባር ኢያ ፈውሳ፤ እንተዘየሎ ሕጂውን ንዓመታ ጸዓት ኢዩ ጸገምና እምበር . . . ዚብል ምክኒት ኢዩ ኪመጽእ።)
ብኣዘራርባ ሞያውያን፡ በቲ ዘመናዊ ስርዓተ-መስኖ እትጥቀመሉ ማይን ብልምዳዊ ኣገባብ እትጥቀመሉ ማይን ፍልልዩ ሓደ ንዓሰርተ እዩ። (ግርም ሞያዊ ንጽጽር’ኡ።)
ኣብ ኣጠቓቕማ ማይ ተተኣታትዎ ኣገባብን ቴክኖሎጂን ልዑል ውጽኢት ዝህብ ክኸውን ኣለዎ። ማይ ተዋህሊሉ፡ ኣብ መዓላ ውዒሉ፡ ዝለዓለ ፍርያት ከተኻዕብት፡ እትጥቀመሉ ቴክኖሎጂ ወሳኒ እዩ። (ፍሉጥ’ኡ እንታይ ኪግበር ተሓሲቡ’ዩ ዛሎ ሕቶ)
ምስቲ ነተኣታትዎ ቴክኖሎጂ ማይ፡ ዓይነት ኣዝርእቲ’ውን ዘዋጻጽኡና ፈሊጥና፡ ልዑል ውጽኢታት ክንረኽበሎም እንኽእል ከነፍሪ ኣለና። (ብዛዕባ እዚ ናይ ቴክኖሎጂን ኣዝርእትን ክኢላታትና ክዛረቡ ኣለዎም፡ ብዘይቀለዓለም ድማ ዓለማዊ ትምህርቲ ዚረኽቡሉ ባይታ ክንፈጥረሎም ኣይግባእን’ዶ፧)
3. ጸዓት
ተሓዳሲ ጽዓት ክትጥቀም እንተኽኢልካ፡ ወጻኢታትካ ዝወሓደ፡ ፍርያትካ ዝበዝሐ እዩ ዝኸውን። እዚ እውን ማዕረ ማዕረ ካልእ እነተኣታትዎ ቴክኖሎጂ ክምዕብል ኣለዎ። (ናይ ዝባን ሓዳሙ’ሞ ነቐላጥፎ፡ ተመሳሳሊ ድማ ኣብ 2-3 ስፍራታት እንተተግቢሩ ዓቢ ዝላ’ኡ ኺኸውን፤ ንናይ ጸዓት ብሮጀክትታት አደስኪልካ ወይ ኣጎናዲብኻ ወይ ኣወንዚፍካ ዚመጽእ ኢኮኖምያዊ ለውጢ ከምዘየሎ ንሕና መሃይማን’ኳ ፈሊጥናዮ ኣሎና።)
ብሓፈሻ ኣብ ኣጠቓቕማ ማይ የዋጻጽኣና እዩ ንብሎ ቴክኖሎጂ ሓሪና ወዲእና ኣለና ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን። ነጠብጣብ (ድሪፕ) ምንጻግ ዝበሃልን ካልእ መምስ ከባቢኡ ዝኸይድ ዝተፈላለየ ዓይነት ቴክኖሎጂ ናይ መስኖ እዩ ዘሎ። (ስለምንታይ ብውሑድ ዓቐን ዝተፈላለዩ ቴክኖሎጂታት ዘይንጥቀም፡ ቀስ እናበለ ይምዕብል ሕጂ ግን ክጅመር ኣለዎ። ጸዓት ምክኒት ከይከውን፡ ንህዳሴ ናይ ኢትዮጵያ ካብ ሓንጐልና ኣውጺእና ክንዓዪዪ ኣሎና። ኤርትራና ብጸዓት ነፍሳ ዘይትኽእለሉ ምክኒት የሎን፡ መንግስቲ ብምሉእ ኣቕሙ እንተዓዪዩ።)
ዲጋታት ምብዛሕን ምውሓድን ዘይኮነ ግን፡ ብቐንዱ ኣጠቓቕማን ኣድማዕነትን እዩ ወሳኒ። (ብርግጽ እቲ ሓቂ ንሱ ካብ ኮነ፡ ዲጋ ምስራሕ ንግዚኡ ተወንዚፉ፡ ጉዳይ ምውሓስ ጸዓት ብዕጽፊ ኪስርሓሉ ኣይግባእን’ዶ፤ መክንያቱ ነተን ዘለዋ ዲጋታት ገለ ንንጠፈለን’ሞ፡ ካልእ ዲጋታት ምስራሕ ቀስ ኢልና ነርክበሉ፤ ጸዓትና ምስ ኣውሓስና። ንግዚኡ ንዲጋ ዚወጽእ ጸጋ ሃገር ንተሓዳሲ ጸዓት ኪወጽእ ይግባእ።)
ካልእ ኣብዚ ኣርእስቲ’ዚ ክርሳዕ ዘይብሉ ናይ ሰብ ረቋሒ ኣሎ። (ሰብ ደኣ ክንደይ ምሁር ከሲርና ከይንከውን ኪህሰበሉ ኣለዎ፡ ሕጂ’ውን ሰብና ከነምህር ይግባእ ምክንያቱ ዘይተማህረ ኣየድሕን ኢዩ እቲ ምስላ።)
እዚ ዝተጠቕሰ ጸጋታት ኣብ ዘለዎ ከባቢታት ሰብ ብስፍሓት ክዝርጋሕ ክኽእል ኣለዎ። ነዚ ዘድሊ ውዳበ ክህሉ ኣለዎ። ምሕደራን መሳለጥያታትን ክቐርብ ክኽእል ኣለዎ። (እሞ ብውሑድ ዓቕሚን ፡ምትግባር ከይጅመር እቲ ማሕንቖ ጸገም ጸዓት ካብ ኰነ፡ ካልእ ንጸጋ ሃገር ዚጕህጉሕ ብሮጀክትታትን ስራሕን ንግዚኡ ኣወንዚፍካ ጉዳይ ጸዓት ንምቕላል ብምሉእ ናህሪ ምስራሕ’ኡ ፈውሱ።)
ካብ ኣፍራዛን ባዴላን ጀሚርካ፡ ክሳብ እቲ ዝለዓለ ኣሎ ዝበሃል ማሽነሪ ተዋፊሩ ክሰርሕ ክኽእል ኣለዎ። (ኣፍራዛን ባዴላን ደኣ ወትሩ ምስ ሰርሓ ኢየን፤ መኣስ’ከ ምስ ኣእረፋ። እንተኰነ ግዳ ሓንቲ ማሽነሪ ትሰርሖ ዕጽፍታት ስለዝዀነ፤ ብማሽነሪታት ምስራሕ’ኡ ኪድፍኣሉ ዛለዎ።)
-
Meleket
- Member
- Posts: 3057
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
Post
by Meleket » 07 Mar 2023, 10:54
4 ሰማያዊ ቁጠባ
ኣብ መንጎ ባህግን ድሌትን፡ ኣብ መንጎ ክ ውንነንትን ተኽእሎን ዘሎ ጋግ ዓቢ እዩ። (ብርግጽ)
ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ ኣብ ዓመት ካብ 80-120 ሽሕ ቶን ዝኸውን ናይ ዓሳ ጸጋ ኣሎና። (እሞ ምስዚ ጸጋ እዚ ደኣ ንብሕታዊ ኣውፈርቲ ሂብካ ሃገር ትረብሓሉ ኩነት ምፍጣር ኣይከኣልን ማለት ዲዩ?)
ካብዚ 80 ሽሕ ቶን ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት ክንደይ ዝኣክል ኣሳ ኣብ ዓመት ክንገፍፍ ክኢልና እንተተባሂሉ ልዕሊ 10 ሽሕ ቶን ኣብ ዓመት እውን ኣይከውንን እዩ። (ደሓን ዝሓለፈ ሓሊፉ’ሎ ብሕጂ’ከ ንዓመታ ከምኡ ዲዩ ኪኸውን ወላስ፡ ለውጢ ክንጽበ’ና)
ይትረፍ ንሰደድ ነቲ ዘቤታዊ ዕዳጋ ዘዕግብ’ውን ክግፈፍ ኣይጸንሐን። (ምስቲ ዝነበረ ኩነታት ከም ውሁብ ወሲድና ብሕጂ’ከ እንታይ ንጽበ ኢዩ እቲ ጉዳይ)
እዚ ዅሉ ቅሙጥ ጸጋ እናሃለወ ስለምንታይ ከነማዕብሎ ኣይከኣልናን? እንተድኣ ኢልና፡ ንኽተማዕብሎ ቅድም ሰብ የድልየካ። ድሕሪኡ ዝተፈላለየ ቴክኖሎጂ- ጃላቡ፡ መግፈፊን መመስርሒን ከተምጽእ ኣለካ። (እሞ’ከ ደኣ ዘይነምጽእ፡ ሰብ ደኣ ተሳኢኑ ማለት ዲዩ፧)
ቅድሚ ዝኣገረ እንታይ መሳለጥያታት ኣሎና? ኣብ ኩሉ ገማግምና ወደባት፡ ማርሳታት ኣሎ ድዩ? እዚ ከይተዋደደ እንታይ ክንገብር ንኽእል? ( 1 እሞ ኢልና ንጀምር ቀስ ብቀስ 2 3 ክንብል መታን፡ ብሓንሳብ ንኩሉ ገማግም መሳለትያ ንግበር ማለት ክዉንነታዊ ኣይዀነን)
ኣብ ጢዖ ዕዲ ገልዓሎ ንገፈፍቲ ዓሳ ዝኸውን ንኣሽቱ ወደባት ወይ ማርሳታት ንመስርት ተባሂሉ ተሰሪሕሉ፡ መፍረ በረድ፡ መዝሐሊ መሳርሒታት፡ ንመተዓራረይ ጀላቡ ዝከውን ኣገልግሎት ዝህብ ቤት-ዕዮ ክህሉ በዘን ሰለስተ ነቝጣታት መበጋገሲ ዝኸውን ዝተዓመ ስራሕ ነይሩ። እቲ ዝተሰርሐ ወደብ ወይ ማርሳ፡ ኣብኡ ዝተቐመጠ መሳለጥያ ሕጂ ኣበይ ኣሎ? በረድ ይሰርሕ ኣሎ ድዩ እንተድኣ ኢልና፡ የለን ዳርጋ ባዲሙ እዩ። ስለምታይ? ( ብዘይ ጽፉፍ መጽናዕቲን ብዛዕባ ግብራውነቱ ጽፉፍ ወድዓዊ መጽናዕቲ ከይተገብረ ብሃታ ሃታ ተሰሪሑ ከይከውን ምጥንቃቕ’ኡ ክኢላታት ክዋስኡሉ ኣለዎም እምበር ጸጋ ሃገር ሱቕ ኢሉ ኪባኽን ግቡእ ኣይኮነን።)
ናይ በሓቂ ነዚ ‘ሰማያዊ ቁጠባ’ ዝበሃል ክንጥቀመሉ እንተዀንና፡ ንብምሉኡ ገማግምና ዝግባእ ትሕተ ቅርጺ ክነዋድደሉ ክንክእል ኣለና። (ብሙሉኡ ገማግም ትሕተ ቅርጺ ቀስ ኢሉ ይስራህ፡ ብገለ ክፋሉ ደኣ ይጀመር ፈለማ፡ ንሱ እናዓዬዬ እቲ ካልእ ክፋል ድማ ቀስ እናበለ ይቅጽል፡ ናብቲ ዘዝቐደመ ትምህርቲ እናተቐስመ፡ ዝያዳ ጽፈት ዘለዎ ስራሕ ኪስራሕ ይከኣል’ኡ)
ዓሳታት፡ በብዓይነቶም ክርከብሉ ዝኽእሉ ከባቢታት ኣበይ ኣበይ እዩ? ግቡእ መጽናዕትታት ተገይርሉ፡ ምስኡዝመጣጠን መሳለጥያታትን መመስርሕን ክዋደድ ኣለዎ። (ሃብቲ ዓሳ ደኣ ከጽንዕዎ ምሉእ ስልጣንን ገንዘባውን ንዋታውን መሳለጥያታት ምሃብ ኢዩ ፈውሱ፡ ብገለ ክፋል ባሕርና ይጀምርዎ፤ ንሎሚ ዓመት ደሓር ቀስ እናበለ እቲ ካልእ ክፋል ድማ ይጽናዕ። ኩሉ ብሓንሳብ ኪግበር ምጽባይ ካብ ኵውንነት ምውጻእ እዩ። ንሃብቲ ዓሳ መጋበርያታት ከይቀረብካ ኪዓምዎ መጽባይ ድማ ክዉንነታዊ ኣይዀነን።)
ዘመናውያን ገፈፍቲ መራኽብን ጀላቡን መመስርሒ ትካላትን ብምልኣት ክትቅርብ ኣለካ።(ኣብ ሓንቲ ማርሳ’ሞ እዚ ይፈተን፡ ደሓር ድማ ብሕታዊ ትካላት ከምዝዋስኡ ምግባር ሓደ ጥበብ ኢዩ። ምስቲ ናይ ላዕለዋይ ሃሳብ ዚኸይድ’ኡ።)
ወደባት ንገዛእ ርእሱ ብቕዓት ክህልዎ ኣለዎ። (መን ኢዩ ብቕዓቱ ኪዕቕኖ፡ ንኣሽሓት ዓመታት ይሰርሕ ዝነበረ ወደባት ሕጂውን በቲ ዘሎ ዓቕሙ’ሞ ይስራሕ፡ ቀስ ብቐስ ድማ ካብቲ ዛለዎ ዝያዳ ዓቕሙ ዝምዕብለሉ ሜላታት ምፍጣር’ኡ ፈውሱ።)
ኣብቲ ገማግም ዝነብሩ ዘለዉ ዜጋታት ምሉእ ደገፍ ረኺቦም፡ ዘለዎም ዓቕሚ ተጠቒሞም፡ እቲ ዝዋደድ ትሕተ ቅርጺ ይኩን ዝተፈላለየ ዝተኣታቶ ቴክኖሎጂታት ክጥቀምሉ ክኽእሉ ኣለዎም። ነዚ ኩሉ ኣወሃሂድካ ክትሰርሕ ቀሊል ብድሆ ኣይኮነን። (ብርግጽ፡ ን ዓለማዊን ዞባዊን ጉዳይ ነጥፍኦ ሓልኪ ነኪና፡ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳይና ዝያዳ ምድሃብ ኢያ ፈውሳ ትኸውን።)
ዝሓለፈና ዕድል ኣምሊስና ዝያዳ ክንጎዪ፡ ዝያዳ ክንሰርሕ ኣለና ተባሂሉ ሕጂ ጉያ-ጉያ ይበሃል ኣሎ። (ግርም ጉያ ጉያ፡ ጉይ ዘርኢ ሰናይ ይግበሮ)
ኣብዚ እዋን’ዚ ብግብሪ ዝለምዕ ዘሎ ወይ ዝእከብ ዘሎ ሃብቲ ዓሳ፡ ምስቲ ዕቑር ትሕዝቶ ናይቲ ባሕሪ ቁንጣሮ እዩ። ናብ ዓበይቲ ዓበይቲ ንጥፈታት ምግፋፍ ዓሳ ክንከይድ ክንክእል ኣለና። (ነቲ ዘሎ’ሞ ብምልኣት ነተባብዓዮ፡ ነቲ ኣብ በቦታኡ ዛሎ ቁንጣሮ’ሞ ነተባብዓዮ ተደማሚሩ ንሱ ኡ ደሓር ገዚፍ ዚኸውን። እቲ ዓበይቲ ይቕጽል)
ናይ ዓበይቲ ንጥፈታት ምግፋፍ ዓሳ ክንከይድ ክንክእል ኣለና። (ፈለማ ነቶም ቁንጣሮ ዝበልናዮም ብምሉእ ዓቕምና ነተባብዕ!)
ናይ ዓበይቲ መመስርሒ ትካላት ክንኣቱ ኣለና። (ሃየ’ሞ ክኢላታት ኣዋሲእና፡ ነእቱ)
ፍሬሽ ዓሳ ንዞባና ይኹን ንዓለም “ኤክስፖርት” ክንገብር ፈለማ ንዕኡ ዘድሊ ብቕዓት ክንፈጥር ኣለና። (‘ኤክስፖርት’ ደኣ ካልኣያዊ ኢዩ፡ ፈላማ ዘቤታዊ ጠለብ ምምላእ ኢዩ ኪስራዕ ዛለዎ።)
ክሳብ ሕጂ ዝተፈተነ ስርዓት ተዓዊትናሉ ኣብ ቁጠባ ሃገር እዚ ኣበርክቶ ነይሩዎ ኢልካ ክዝረበሉ ዝኽኣል ኣይኮነን።(እሞ’ከ ደኣ ብከመይ ኢዩ ዓበይቲ ንጥፈታት ክነካይድ ዝበሃል ዛሎ፡ ዝተፈላለዩ ክኢላታት ዘይሓለፍዎ መጽናዕቲ፡ ፍሬኡ ወትሩ ብላሽ ክንዲ ዝዀነ፡ ክኢላታት ምስ ተሓታትነቱ ኺዋስኡ ኣለዎም። ልምዳዊ መሃንድሳት ከም ድሌቶም ክሕምጡ ኪግደፉ የብሎምን)
ኣንታ ንበር "ኤርትራ" ጸገማታ ክትምርምር ኣንታ ንበር!
-
Meleket
- Member
- Posts: 3057
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
Post
by Meleket » 09 Mar 2023, 06:07
-
Meleket
- Member
- Posts: 3057
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
-
Meleket
- Member
- Posts: 3057
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
-
Meleket
- Member
- Posts: 3057
- Joined: 16 Feb 2018, 05:08
Post
by Meleket » 14 Mar 2023, 08:39
ብረዚደንትና፡ ኣብ ሃገረ ኤርትራ ሕጂ ዘሎ ዓቕሚ ምምንጫው ጸዓት ከባቢ 100 ክሳብ 120ሜጋ ዋት ምኳኑ ሓቢሮምና። ግርም።
ንዓቕሚ ምምንጫው ጸዓት ናይ ሃገር፡ ኣብ ሓጺር እዋን ብ360 ሜጋዋት ክብ ንምባል መደባት ምሕንጻጾም እውን ሓቢሮምና ኣለው። እንተዀነ ግዳ። እቲ ውጥኖም ፊዚካሊ ኣብ ባይታ ብግብሪ መኣስ ክትግበር ኢዩ፡ ኣብ ከይዲ ክንርእዮ ኢና። ክሳብ ሽዑ ግን እዙይ ውጥን "ቨርቺዋል" ውጥን ጥራሕ'ኡ። ከምዡይ ዶብና "ፊዚካል ዲማርኼሽን" ኣዬድልዮን'ኡ "ቨርቺዋሊ ዲማርኬትድ" ኢዩ፥ እናበሉ ከጽምሙና ዝፍትኑ፡ ወረጃ ማዕዶታትን በሃማትን፡ ኣይዀናን ንሕና ኤርትራውያን ደያኑ ማእከልን መስመርን፤ እንታይ ደኣ ንትግባረ ምድላብ ዓቕሚ ምምንጫው ጸዓት ሃገርና፥ ደቂቅ ብደቂቅ እናተኸታተልና፡ "ካብ ቨርቺዋል ውጥን" ናብ ስጋ ዝለበሰ "ኣክችዋል" ግብራዊ ስራሕ ኣብ ባይታ ንኪቐላጠፍ ብምሉእ ኅልናና ክንዓዪዪ ኢና፡ ንብል ብኤርትራዊ ጭዉነት ሓበንን ፍናንን።
https://www.electricrate.com/solar-ener ... e-per-kwh/
ኣብ ሃገረ ኤርትራ ፡ ንዘቤታዊ ኰነ ንንግዳዊ ንጥፈት ዚውዕል ጸዓት ቆጣቢ፡ ናይ ሶላር ፓናልስ ንምእታው፡ መንግስትና የተባብዕ'ዶ ወላስ ይዕንቕፍ? ሓደ ዜጋ ሶላር ፓናላት ከምድላዩ ናብ ሃገር ከእቱ ይኽእል'ዶ? መንግስቲ'ከ ካብ ቀረጽ ነጻ ብምግባር ነዚ ጽላት ስለምንታይ ዘየተባብዕ? ጸዓት ሃገር ዘሕልኻ መካይን ብዘይቀረጽ ክኣቱ ዝፈቀደ መንግስትና ጸዓት ቆጣቢ ሶላር ወይ ተሓዳሲ ምንጪ ጸዓት ስለምንታይ ካብ ቀረጽ ወጻኢ ኪኣትዋ ንዜጋታት ዘየተባብዕ? እንተተባህለ፤ ምላሽ ተራ ካድራትናን ሰብ ፍሉያት ረብሓታት (ሰ.ፍ.ረ) እንታይ ኢዩ! . . . "ጽቡቕ ኣሎና ብቁጠባና ንሕምበብ ኢና ዘሎና!" ዚብል ዲዩ።
ኣንታ ንበር "ኤርትራ" ጸገማታ ክትምርምር ኣንታ ንበር!