Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

ኤርትራዊ ኣእምሮ - ኣብ ምህንዳስን ምሕናጽን ቻርተርን ምምሕዳራዊ ቅርጺን ውዱብ ሕብረት አፍሪቓ

Post by Meleket » 15 Feb 2023, 10:02

"ዲብሎማሺ 101" :lol: ትምህርቱ ለነ እንቶኔ ነው! መንፈሳዊ ቅናት ቢያድርባቸው ብለን ነው። :mrgreen:
Meleket wrote:
23 Feb 2019, 02:57
ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሕብረት አፍሪቃ ሓወልቲ ቀዳማዊ ኃይለስላሴ ቆይሙ ይበሃል ኣሎ፣ ብድሕሪ እዚ ሓውልትን ብድሕሪ እዚ ቤት ጽሕፈትን ዘሎ ብሱል ኤርትራዊ ኣእምሮ እስከ ንዘክሮን ንላለዮን!

ዶክተር ተስፋይ ገብረእግዚእ (1917-1967)

ዶክተር ተስፋይ ገብረእግዚእ ተወላዲ አከለጉዛይ ካብ ዝኾኑ ቀኛዝማች ገብረእግዚእ ስብሓትን ወ/ሮ ማና ተስፉን ብ ግንቦት 23 1917 (ከም እቆጻጽራ ግዕዝ) ኣብ አዲስ ኣበባ ተወልዱ። (ኣምቼ ኢዮም ግዲ!) :mrgreen:

ትምህርቶም ኮተቤ አብ ዚርከብ ካልኣይ ብርኺ ቤት ትምህርቲ ቀዳማዊ ኃይለሥላሴ ብምቕጻልውን፦

ቤይሩት (ሊባኖስ) ኣብ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ኣሜሪካ ብሙያ ምምሕዳር ናይ ባችለር ዲግሪ ዓቲሮም፡

ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ኣብ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ዚርከብ ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ ብትምህርቲ ሕጊ ናይ ማስትሬት ዲግሪ ወኒኖም፡

ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ አብ ግዝኣት ማሳቹሴትስ ፍሌቸር ስኩል ኦፍ ሎው ኤንድ ዲፕሎማሲ ናይ ፍልስፍና ማዕረግ ዶክትረይት ዲግሪ ዓቲሮም።

ትምህርቶም ዛዚሞም ናብ ኢትዮጵያ ምስተመልሱ’ዉን
ካብ 1950 – 1952 ዓ.ም. ኣብ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ተሓጋጋዚ ሚኒስተር
ካብ 1952 – 1958 ዓ.ም. ሕቡራት መንግስታት (UN) ቀዋሚ መልእኽተይናን(ወኪልን) አምባሳደርን ኢትዮጵያ
ካብ 1958 – 1964 ዓ.ም. ኣብ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስትር ዲኤታ
ካብ 1964 – 1966 ዓ.ም. ሚኒስትር ዜና ኮይኖም ኣገልጊሎም።

ዶ/ር ተስፋይ ገብረእግዚእ ካብ ምዱብ ስርሖም ብተወሳኺ ብ1955 ዓ.ም. ንውዱብ ሓድነት አፍሪቓ ኬቑሙ ወይ ኪውድቡ ተሓርዮም ንቻርተሩን ምምሕዳራዊ ቅርጹን ብምውዳድ እቲ ውዱብ ሎሚ ኣብ ዚርከበሉ ልዑል ብርኺ ንኪበጽሕ ጽኑዕ ሠረት ኣንቢሮም ኢዮም።

ደርግ ብሚያዝያ 1966 ዓ.ም. ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምስገበሮም ብዘይ ሓደ ፍርዲ ኣብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽንሖም ብኅዳር 14 1967 ዓ.ም. ብግፍዒ ተቐቲሎም።

“የኢትዮጵያ እና ኤርትራ ግጭት መንሥኤ እና መፍትሔ” ዚብል ኣርእስቲ ካብዘለዎ ብዶ/ር ደጃዝማች ዘውዴ ገብረሥላሴ ብኃልዮት “አዲስ አበባ ዩኒቨርስቲ ፕረስ” ካብ ዝተጻሕፈ መጽሐፍ ገጽ 244 ዝተጸብሐ ጸብሒ ኢዩ አስተማቕርዎ።

መታን ሐዲሽ ወለዶና ታሪኽ ኣያታቱን ኣሕዋቱን ኣጸቢቑ ኪፈልጥ ካልኦት ብሱል ኣእምሮ ዝነበሮምን ዘለዎምን ኣብነታዉያን ኤርትራዉያን ድማ እቶም ትፈልጥዎም ሃሰስ እናበልኩም ኣላልዩና ደኣ!!! ወደሓንኩም።

Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኤርትራዊ ኣእምሮ - ኣብ ምህንዳስን ምሕናጽን ቻርተርን ምምሕዳራዊ ቅርጺን ውዱብ ሕብረት አፍሪቓ

Post by Meleket » 29 May 2023, 06:08

"ዲብሎማሺ 102"

ሎም ዘበን ግንቦት 25 መዓልቲ ኣፍሪቃን መበል 60 ዓመት ምምስራት ሕብረት ኣፍሪቃን ከምዝተዘከረ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ሆቴል ኣስመራ ፓላስ ብ26 ግንቦት ኣብ ዝተካየደ ስነስርዓት ድማ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ

"ጭርሖና፡ ራኢ ሕብረት ኣፍሪቃ ንሓድነት ኣፍሪቃ - ብብልጽግና፡ ሰላምን ዘመናውነትን ንዝሓሸት ኣፍሪቃን ዝበለጸት ዓለምን ክኸውን ኣለዎ”
ምባሎም ይፍለጥ

ግን ስለምንታይ “ንዝበለጸት ኣፍሪቃን ዝሓሸት ዓለምን” ዘይበሉ ኣይንብልን። ኩሉ ሓደ ስለዝዀነ . . . !
:mrgreen:

ዘለዓለማዊ ክብርን ዝኽርን ንኤርትራዊ ምሁር ዶክተር ተስፋይ ገብረእግዚእ! . . . ንዉዱብ ሓድነት ኣፍሪቓ ንቻርተሩን ምምሕዳራዊ ቅርጹን ብምውዳድ እቲ ውዱብ ሎሚ ኣብ ዚርከበሉ ልዑል ብርኺ ንኪበጽሕ ጽኑዕ ሠረት ዘንበሩ ኤርትራዊ ጅግና! :mrgreen:


Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኤርትራዊ ኣእምሮ - ኣብ ምህንዳስን ምሕናጽን ቻርተርን ምምሕዳራዊ ቅርጺን ውዱብ ሕብረት አፍሪቓ

Post by Meleket » 29 May 2023, 09:14

"ዲብሎማሺ 103"

ምነው ታለም ቅሬታዉ ለምንድን ነው። እኛ ላፍሪካችን ድንቅ ተግባር የከውኑትን ኤርትራዊ የህግ ምሁር ዶክተር ተስፋይ ገብረእግዚእን የኣፍሪካ ሕብረትን የ60ኛ ዓመት የምስረታ በዓል ምክንያት በማድረግ ጀግንነታቸውን እየዘከርን ነው። ቅሬታሽ ምኑ ላይ ነው ታለም! . . . . እንዳትረሺ ደግሞ ኤርትራዊውን ወጣት 'ምሁርና ኣንቂ' . . . 'በረኸትን' . . . ሰላም በዪልን . . . ጥቅሷን ስላዋሰሽ!!! ገጢምናኪ!
:mrgreen: :mrgreen: :mrgreen:
Fiyameta wrote:
29 May 2023, 08:37
SAY MY NAME, SAY IT LOUDER!
Fiyameta wrote:
29 May 2023, 06:14

ጀግናው ዶክተር ተስፋይ ገብረእግዚእን እየዘከርን ይህችን ኤርትራዊት ግጥም ብናጣጥም ምንም ኣይለንም . . . ኣይደል!
:mrgreen:
Meleket wrote:
23 May 2023, 03:59
ደራሲ ግጥሚ "ሕሳብ ንግበር" ዚብል ርእሲ ዝሃባ፡ ንሕና ኤርትራውያን ደያኑ ማኣከልን መስመርን ድማ "መሬትን ሕዝብን ሕግን ይገብራ፡ ንፍቅርቲ ሃገረይ ሓራ!" ዝብላ መሰጥቲ ቃላት እናስተንተንና፡ እነሆ በረኸት ካብቶም ብሩኻት ዝፈልፈለ ሓቀኛ ኤርትራዊ ግጥሚ፡ ንደለይቲ ጥበብ ፈዪ ኣቢልናልኩም ኣሎና። :mrgreen:

ሕሳብ ንግበር

ነብርሃም፡
ኪዳን ኣትዩሉ’ ዝጊ
ኪባርኾ ብኃድጊ
ናይ ሓርነት ሕጊ
5 ምስ ሰፊሕ ምድሪ
ተጸቢዩ ንፈጣሪ
ተባሪኹ ብበዂሪ፡
መሬትን ሕዝብን ሕግን ይገብራ
ንፍቅርቲ ሃገረይ ሓራ!


10 ንሙሴ፡
ናይ ወለዶታት ዕምሪ
ኬውጽእ ካብ ነውሪ
ኣልዒሉ ካብ ምስሪ
ካብ ናይ ፈርዖን ቀጽሪ
15 ንውጹዕ ዚዘሪ
ብምስሊ ቁጥቋጥ ጓህሪ
ተቐቢሉ ኅድሪ
ዓሊሙ ትኅዞ በትሪ
ነእላፍ መሳገሪ
20 መጐት ምስ ንጉሥ ምስሪ
“ወስታኻ ሕቖ መስበሪ
ወስታይ ጨዳድ ባሕሪ
ኪኾን መሳገሪ
ናብታ ሓራ-ምድሪ”።
25 መሬትን ሕዝብን ሕግን ይገብራ
ፍቅርቲ ሃገረይ ሓራ!



ንሕና’ኸ፧
እስከ ንመልከቶ
ሓራ-ምድሪ ዝሃበቶ
30 ሽላን ጥዑም ሽቶ
ምስ መዝሙር ባሬቶ
ዓኾኻይ ዓኾኻይ
ቁራዕ ሓምሊ ውፃእ
ገዓት ጠስሚ እቶ!
35 ባሩድ ብረት ውፃእ
ብርዒ ብራና እቶ!
ቀለም ደም ንዕገቶ
ከም ናይ ለኻኺቶ
እዝንና ኣይንለኲቶ
40 "ሓደ ኸለና ሠለስተ"
ዚበሉና ሥላሴ
ኣይንምቀል ታቦቶም
ኣባይና የንከርትቶ!
የግዳስ ብኣብነቶም
45 ብኣሠሮም ንፋቶ
ሓደ ሃገር ከለናስ
ሠለስተ (መሬት-ሕዝቢ-ሕጊ)
መሬትን ሕዝብን ሕግን ይገብራ
ንፍቅርቲ ሃገረይ ሓራ!


50
ንሕና’ወ፡
ሓራ-ምድሪ ካብ እንኅዞ
ጌርና ነዊኅ ጉዕዞ
ገና ግን ንቕንዞ
ብዕሙት ተኣዝዞ
55 ረሃጽ-ደም ነውሕዞ
መሲሎም ብጥንቲ፣
“ጸማም ደርፉ ሓንቲ”
“ዛዚምናዮ” ወቕቲ
“ሕጂ’ኸ ናበይ በሉዎ፧”
60 ብሓደ መቓንይቲ
ፍኖት መኣመቲ
ናብ ፀሓይ ምልእቲ . . . .።
ኅቡር ኢድ ይዕንትር
ጥሙር ድርቂ፣ ይኹስትር፡
65 እሙን ኃው ይሰትር፡
ሓጺር ሻፎ ኣባትር፡
ኣድሊውና እንዓትር፡
ሕቖ መን ክንመትር፧
ንውጠጥ ንብል "ግትር"፧
70 ’ታይ ውዲት ክንጽሕትር፧
ኣምዑት መን ክንኩምትር፧
ኣታ ንኡስ ለይለይ፡
ብደም ንደላለ(ይ)
ብሓደ እግሪ ጠለይ
75 ነዊኅ ነይንሳለ(ይ)!
ርኂቕካ ካብ መለይ
ናፊቐ'’ንድኣለይ
“(ጐዲሉ መኣደይ) ብምባለይ
ክሳዕ ዝሓልፈለይ
80 ዓቲረ ብርለይ
ጢን-ጽሩር ዘይኣመለይ!”
መሬትን ሕዝብን ሕግን ይገብራ
ንፍቅርቲ ሃገረይ ሓራ!


እሞ’ኸ፡
ሕጂ’ንታይ ይገበር፧
85 ሓድነት ኪበራበር፥
ቀፎ ሓቂ ኪብርበር፡
ከይንብል ደንበርበር፡
ሓድሕድ ክንከባበር፡
ውዲት ኣባይ ኪስበር፡
90 ሃሰስ ንግደፍ ኣበር፡
ለቕሊቕና ውሽጢ መቓብር፥
ኣይነጸብቕ ደጋዊ ገበር።
መሬትን ሕዝብን ሕግን ይገብራ
ንፍቅርቲ ሃገረይ ሓራ!


95 ድላይና፡
ጽላት-ሕጊ ሠረገላ፡
ሠረታ ደም ማሕላ፡
ቆጽሊ’ውሊዕ ኣብ ባላ፡
ሓራ-ሕዝቢ ኪተኽላ፡
100 ብማዕረ ዚነብሩላ፡
ሓራ ሃገር ኪጽንበላ፡
ኣብ ዳዕሮ ጽላላ፡
ዕዮ ዝተጀመረ፡
ብዕጡቓት ስረ፡
105 ዕላማኦም ዚተረረ፡
እወ ከም እምኒ ዓረ፡
ኪበጽሕ ናብ ፍረ፡
ነቓዕና ኺዕረ፡
110 ትሒትና ብማዕረ፡
ኢሂን-ምሂን ብእብረ፡
ምስ ቡን ዝሓረረ፡
ምኃሸና ነበረ።

ኣንፈትና፡
115 ክንተኻኸል ብመሥርዕ፡
ጥዋፍ ዝኽሪ ክንውልዕ፡
ሓንቲ ሕምባሻ ኽንበልዕ፡
ሰስላምና ኽንሰልዕ፡
ኣእዳውና ኸይምንኲስ፡
120 ከይንስእን ምርኩስ፡
ጸጉርና ኸይፈኩስ፡
ናይ ፋልማይ ሰውራ፡
ተረከብቲ ኃደራ፡
ዘይኮነ ንፈኸራ፡
125 ኩሉ ዚምስክራ፡
እወ በብዙራ፡
ምዑታት እሳተ ጐመራ፡
ንሹም ሰብ ጽሩራ።
መሬትን ሕዝብን ሕግን ይገብራ
130 ንፍቅርቲ ሃገረይ ሓራ


እዘን ሠለስተ በብተራ
ብንጹር ምስተሰመራ
133 ሽዑ’ዩ ምልኣት ፀሓይ ጩራ።


[ካብ ግጥምታት 'ሌላ' ብተ.ሚ.ኣ.]
ብርዕኻ የሰስኖ፡ ብሩኽ ወዲ ብሩኻት ቢልና መሪቕናካ ኣሎና፡ ንሕና ኤርትራውያን ደያኑ ማእከልን መስመርን፡ ብኤርትራዊ ጭዉነት ሓበንን ፍናንን። :mrgreen:

ዘለዓለማዊ ክብርን ዝኽርን ንኤርትራዊ ምሁር ሕጊ ዶክተር ተስፋይ ገብረእግዚእ! . . . ንዉዱብ ሓድነት ኣፍሪቓ ንቻርተሩን ምምሕዳራዊ ቅርጹን ብምውዳድ እቲ ውዱብ ሎሚ ኣብ ዚርከበሉ ልዑል ብርኺ ንኪበጽሕ ጽኑዕ ሠረት ዘንበሩ ኤርትራዊ ጅግና!
:mrgreen:


Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኤርትራዊ ኣእምሮ - ኣብ ምህንዳስን ምሕናጽን ቻርተርን ምምሕዳራዊ ቅርጺን ውዱብ ሕብረት አፍሪቓ

Post by Meleket » 29 May 2023, 10:08

እኛ ኤርትራውያን የመሃልና የመስመር ዳኞች፡ ለኤርትራ ሆነ ለኢትዮጵያ፡ ለኣፍሪካ ሆነ ለዓለም በጐ ያደረጉ ኤርትራውያኖችን ኣሁንም ኣሁንም ስማቸውን እያወሳን ኣክብሮታችንን እንገልጽላቸዋለን። የህግ ምሁሩ ዶክተር ተስፋይ ገብረእግዚእ በሙያቸው ኣፍሪካችንን ካገለገሉ ቆፍጣና ኤርትራውያን ምሁራን መካከል ኣንዱ በመሆናቸው፡ ኣሁንም ደግመን ደጋግመን ስማቸውን እያነሳን ታላቅ ኣክብሮታችንን እንገልጽላቸዋለን። ይህን በማድረጋችን ደስ የማይሰኙ ኣካላት ካሉ ደግሞ፡ እኛ ኤርትራውያን የመሃልና የመስመር ዳኞች ምንም ልናደርግላቸው ኣንችልም። ጀግኖቻችንን አትዘክሩ ዬሚለን ማን ነው? :mrgreen:
Meleket wrote:
29 May 2023, 06:08
"ዲብሎማሺ 102"

ሎም ዘበን ግንቦት 25 መዓልቲ ኣፍሪቃን መበል 60 ዓመት ምምስራት ሕብረት ኣፍሪቃን ከምዝተዘከረ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ሆቴል ኣስመራ ፓላስ ብ26 ግንቦት ኣብ ዝተካየደ ስነስርዓት ድማ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ

"ጭርሖና፡ ራኢ ሕብረት ኣፍሪቃ ንሓድነት ኣፍሪቃ - ብብልጽግና፡ ሰላምን ዘመናውነትን ንዝሓሸት ኣፍሪቃን ዝበለጸት ዓለምን ክኸውን ኣለዎ”
ምባሎም ይፍለጥ

ግን ስለምንታይ “ንዝበለጸት ኣፍሪቃን ዝሓሸት ዓለምን” ዘይበሉ ኣይንብልን። ኩሉ ሓደ ስለዝዀነ . . . !
:mrgreen:

ዘለዓለማዊ ክብርን ዝኽርን ንኤርትራዊ ምሁር ዶክተር ተስፋይ ገብረእግዚእ! . . . ንዉዱብ ሓድነት ኣፍሪቓ ንቻርተሩን ምምሕዳራዊ ቅርጹን ብምውዳድ እቲ ውዱብ ሎሚ ኣብ ዚርከበሉ ልዑል ብርኺ ንኪበጽሕ ጽኑዕ ሠረት ዘንበሩ ኤርትራዊ ጅግና! :mrgreen:

Post Reply