Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

ኤቦኒክስ ትግራይኒክስ ፥ ምስምዕማዕ ምብርህራህ ምቕራፍ(ችግር) ያው ኣንደበት ተሸዊዶም ጎብንዮም(ጎበኘ) ኣግንዮም(ኣገኙ) ቡና ከይዲ(ሂደት) ጦርነት

Post by Abe Abraham » 15 Feb 2023, 09:06

ኤቦኒክስ ትግራይኒክስ
  • ምስምዕማዕ ምብርህራህ
    ምቕራፍ(ችግር)
    ያው
    ኣንደበት
    ተሸዊዶም
    ጎብንዮም(ጎበኘ)
    ኣግንዮም(ኣገኙ)
    ቡና
    ከይዲ(ሂደት)
    ጦርነት
    ምድማጽ (ማዳመጥ)/ ምስማዕ ትብል ሴማዊት ቃል ጓና ኮይናቶም ማለት ድዩ?/
    ማስታወስ / ምዝካር ትብል ሴማዊት ቃል ጓና ኮይኖቶም ማለት ድዩ?/
    ምሽምቓቕ (ማሸማቀቅ)/ ኣብ ትግርኛ ምሽምቓቕ ንክዳን ጥራሕ 'ዩ ዝበሃል።/



Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: ኤቦኒክስ ትግራይኒክስ ፥ ምስምዕማዕ ምብርህራህ ምቕራፍ(ችግር) ያው ኣንደበት ተሸዊዶም ጎብንዮም(ጎበኘ) ኣግንዮም(ኣገኙ) ቡና ከይዲ(ሂደት) ጦርነት

Post by Abe Abraham » 03 Mar 2023, 00:11


ዝተውጻእጽኡ ( ሊያ ካሳ)
ዝተንሻራሸሩ ሓሳባት ( ሊያ ካሳ)
ኮንፈረንስ ( ሊያ ካሳ)
ድርድር (ሊያ ካሳ )
ስምዕምዕነት ( ሊያ ካሳ )
ጥቕምቶ ( ተፈሪ/TPM)




-

Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: ኤቦኒክስ ትግራይኒክስ ፥ ምስምዕማዕ ምብርህራህ ምቕራፍ(ችግር) ያው ኣንደበት ተሸዊዶም ጎብንዮም(ጎበኘ) ኣግንዮም(ኣገኙ) ቡና ከይዲ(ሂደት) ጦርነት

Post by Abe Abraham » 03 Mar 2023, 04:57


  • ብጣዕሚ ( ካብ በጣም!/ "ተጋሩ ብጣዕሚ ከፊእዎም ኣሎ '' ለይበሃልይ!! )
  • ማንነት ( ኣብ ትግርኛ መን እምበር ማን ዝበሃል ሰለ ዘየሎ መንነት ንብል።)



Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: ኤቦኒክስ ትግራይኒክስ ፥ ምስምዕማዕ ምብርህራህ ምቕራፍ(ችግር) ያው ኣንደበት ተሸዊዶም ጎብንዮም(ጎበኘ) ኣግንዮም(ኣገኙ) ቡና ከይዲ(ሂደት) ጦርነት

Post by Abe Abraham » 04 Mar 2023, 19:29



  • ነገር ግን ( ዶክተር ደጀን፡ ሊያ ካሳ)
  • ምጥያስ ( ብምድግጋም ትንፋሳ ዝወጽአት ቃል!! ማለሊት መዓስ ተመስሪታ/ተጣይሳ ? ብቀትሪ ዶ ብለሊት ? ኣብ 'ዛ ዝጠቐስናያ ኣብነት ተመስሪታ ካብ ተጣይሳ ትምረጽ ትመስል ። ምጥያስ ብመሰረቱ ምስ ገለ - ገንዘብ ይኹን መሬት - ምሃብ ዝተኣሳሰረ እዩ ። ነብስኻ ምኽኣል ድማ የስምዕ ።)





Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: ኤቦኒክስ ትግራይኒክስ ፥ ምስምዕማዕ ምብርህራህ ምቕራፍ(ችግር) ያው ኣንደበት ተሸዊዶም ጎብንዮም(ጎበኘ) ኣግንዮም(ኣገኙ) ቡና ከይዲ(ሂደት) ጦርነት

Post by Abe Abraham » 16 Mar 2023, 12:50

ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ኣዝየ ዝፈትወን ከም በዓል ደጊም ፡ እናሻዕ ፡ እንኮ ፡ ንስክላ ፡ ደርደር ፡ ግደ ሓቂ ዝኣመሰላ ቃላት ኣለዋ ። ብፍላይ እታ ዳሕረወይቲ ጥርንፍቲ (ኮምፓክት) ስለ ዝኾነት ክሰምዓን ከንብባን እንከለኹ ኣዝያ ደስ ተብለኒ ።

ስጋዕ ዝሓለፈ ሰሙን መሓሪ ዮሃንስ ክዛረብ እንከሎ " ዓይኒ ሓቂ " ክብል ዝሰምዖ ብዘይካ "ግደ ሓቂ " ካልእ ን " ሓቂ ክንዛረብ እንተ ኰና/ደሊና " ተስምዕ ሕጽር ዝበለት ቃል ዘላ ኣይመስለንን ኔሩ ።

ቋንቋ ትግርኛ ኣዝዩ ምቁር እዩ ። ምቁር ብምዃኑ ከኣ በዓል መሓሪ ዮሃንስን ዶክተር ደጀንን በዓቢኡ ድማ መምህር ሙሉወርቅ ኪዳነ-ማርያም እንዳ ኣስተማቐሩ ክዛረብዎ እንከለዉ ተስተባህለሎም ። ዋላ ጎይተኦም ካሕሳይ ረዳ ከይተረፈ ኣብ 'ዚ ትግራይ ዘላቶ ኩነታት ቢራኡ እንዳ ጎጽጎጸ ብትግርኛ ክዋዘ ርኢናዮ !!

ቆልዑ ቆልዑየ
ተጋሩ ቆልዑየ!
መራሕቲ ትግራይ
ዝባሃሉ
ብቢራ ይጻፍዑየ
ንስኻትኩም ብስንዳይ ኣሜሪካ
ከብድኹም ተነፊሑየ !!!


ኮይኑ ነገሩ !!!



-

Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: ኤቦኒክስ ትግራይኒክስ ፥ ምስምዕማዕ ምብርህራህ ምቕራፍ(ችግር) ያው ኣንደበት ተሸዊዶም ጎብንዮም(ጎበኘ) ኣግንዮም(ኣገኙ) ቡና ከይዲ(ሂደት) ጦርነት

Post by Abe Abraham » 24 Mar 2023, 13:07





ኣብዛ ዘቕረብናያ ጥዕምቲ ናይ ያታን ባህላዊ ውርሻዊ ክብርታትን (ቫልዩስ) ደርፊ ኣርቲስት ተስፋ-ጽዮን ገብረ-መስቀል ናይ ቃላት ስምዒት ስለ ዘለዎ ካብ ምድግጋም " ምሳኺ ውዒለ ምሳኺ ሓዲረ ፈጺመ ኣይመንወክን ...." ክብል ጸኒሑ ተመሊሱ " ምሳኺ ውዒለ ምሳኺ ሓዲረ ወይከ ኣይመንወክን ..." ይብል ።

ኣነ ቅድሚ ሕጂ ንወይከ ብዘይካ ኣብ ሓንቲ ናይ " ህዝባዊ ወያነ " መዝሙር ኣብ ካልእ ሰሚዐያ ኣይፈልጥን እኳ እንተነበርኩ እዛ ናይ ስነ-ጥበባዊ ተስፋ-ጽዮን ገብረ-መስቀል ኣጠቓቕማ ግን ቅሩብ ደዊ ኢለ ከም ዘስተማቕራ ጌራትኒ ።




-

Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: ኤቦኒክስ ትግራይኒክስ ፥ ምስምዕማዕ ምብርህራህ ምቕራፍ(ችግር) ያው ኣንደበት ተሸዊዶም ጎብንዮም(ጎበኘ) ኣግንዮም(ኣገኙ) ቡና ከይዲ(ሂደት) ጦርነት

Post by Abe Abraham » 07 Jun 2023, 11:15



ተጋሩ - ጌቹ ዘለውዎም ከይተረፉ - " ቁጥር " ትብል ቃል ካብ ኣምሓርኛ ተለቂሖም ተርጒሞም " ብልኸደ ቁጽሪ " ክብሉ ይስምዑ ። ካብ ምንታይ ኮን ይኸውን ? ካብ ዋሕዲ ቪታሚን ?


Post Reply