ብገበናት ክትራንን ስርቅን ትሕመስ ዘላ ትግራይ
https://www.bbc.com/tigrinya/articles/ce4ynpj81x9o
4 ለካቲት 2023
መሰረት ሓድሽ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ቴሌፎና መልእኽቲ ከም ዝመጽኣ ዝሕብር ድምጺ ኣስሚዓታ - ሓደ ስነ ጥበባዊ መሳርሕታ እዩ።
ዝብል መልእኽቲ ከም ዝልኣኸላ ትዝክር።ትማሊ ኣነ’ውን ከምኣ ኣጋጢማትኒ ኣላ፤ ፍሉይ ሓይሊ ኢና ዝበሉ ዕጡቓት ናብ ጽልምት ዝበለ ቦታ ኣእቲዮም ዘለና ነገር ወሲዶም፣ ቀጥቂጦም ሰዲዶምና
እዚ፡ እቲ ንርእሳ ዘጋጠማ ክስተት እዩ ኣዘኻኺሩዋ።
ብ30 ጥሪ 2023 ኣጋ ግዘ፡ ካብ ስራሕ ወጺኣ ናብ ገዝኣ ኣብ እትኸደሉ እዋን ኣብ ከባቢ ሓውዜን ኣደባባይ የማነ ጸጋም ኣእዳዋ እናጐተቱ ብዘዋጠሩዋ ከተርቲ መጥቃዕቲ በጺሑዋ።
ኣብ ማእኸል ኣደባባይ ሓውዜን እዩ - እዚ ኣብ ንቡር ግዜ ብዙሓት መካይን ዝሓልፋሉ፣ ምንቅስቓስ ሰባት ዘይፍለዮን ከባቢ።
መሰረት፡ ኣብቲ ዕለት ኣርባዕተ መናእሰይ ከቢቦም እቲ ሓደ ኢዳ፣ እቲ ካልእ ጁባኣ፣ እቲ ካልእ ድማ ቦርስኣ ክመናጠሉ እንከለው፡ ጸጸግዑ ሒዙ ዝዕዘብ ብዝሕ ዝበለ ሰብ ኣብቲ ከባቢ ምንባሩ ትዛረብ።
ኢላ።ሓግዙኒ . . . እናተወቓዕኹ ስቕ ኢልኩም ዲኹም ትርእዩኒ . . . እናበልኩ ይጠርዕ ነይረ። ግን ፊልም ዝቕረጽ ዘሎ ክሳብ ዝመስል ሰብ ጠጠው ኢሉ እዩ ዝርኢ ነይሩ።በዚ ብጣዕሚ ሓዚነ’የ፤ ንሓጺር ሰዓት’ውን እንተዀነ ከቢድ ነይሩ
እንተዀነ፡ ሰብ’ውን ስለ ዝፈርሕ
ኢሉ ኣይ ከምቲ ቀደምን ክግልግለካ ወይ ክሕግዘካ ኣይደፍርን ዘሎ።ኣነኸ ንነብሰይ እንታይ ሒዘላ?
መሰረት፡ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኩነታት ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝዀና ደቂ ኣንስትዮን ካልኦት ማሕበራዊ ጉዳያትን ዝድህስስ ምድላው ቴሌቪዥን ከተሰናድእ ዝጀመረት መምህር ሙዚቃ እያ።
ኣብ ትግራይ ኪኖ እቲ ዘሎ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላው ሰባት ብልምዲ “ሃንግ” ኢሎም ዝጽውዑዎ ክትራንን ዘረፋን ሓያል ስግኣት ጸጥታን ድሕነትን ነበርቲ ከም ዘስዓበ ብብዝሒ ይዝረብ ኣሎ።
እዚ ብዝተወደበ መልክዑ ዝርአ፣ ዕጥቂ ብዝሓዙ ውልቀሰባት ዝፍጸም ክትራን እናተለመደ ምምጽኡ ብምሕባር፡ መዓልታዊ ድሕነት ውልቀሰባት ሓደጋታት ዘንጸላለዎ እናዀነ ምምጽኡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርኢይቶ ገሊጾም።
መሰረት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ከተማ ዝርአ ዘሎ ዓይነትን ባህርን ክትራን፡
ብምባል ኣዝዩ ዘሰክፍ ምዃኑ ተረድእ።ኣዴታት፣ መናእሰይ . . . ብዙሕ ሰብ ይሞተና ኣሎ። ምንም ነገር ንዘይረኽብሉ’ዮም ሰብ ብካራ ዝወግኡዎ
ጸሓፊ መጽሓፍ
ጸጋይ ገብረመድህን’ውን፡ ምሸት ከባቢ ሰዓት ኣርባዕተ ናብ ገዝኡ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን ብሰለስተ ሰባት መጥቃዕቲ በጺሑዎ።ከመይ ኢልና ንደቅስ?
ብምባል ይዝክሮ።ብድሕሪት መጺኦም ክሳደይ ሓኒቈምኒ፤ ኣብ ማእኸል ኮብልስቶን ኣውዲቘም ድማ ኣብ ጁባይ ዝነበራ ዝተወሰና ገንዘብን ተንቀሳቓሲ ስልክን ወሲዶም። ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣቢለ እየ ናብ ውነይ ተመሊሰ
ካብኡ ሓሊፉ፡ ኣብዚ ሰሙን ብቐረባ ዝፈልጦም ክልተ ሰባት ግዳያት ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከም ዝዀኑ እዩ ዝገልጽ።
ክልቲኦም ኣብ መገዲ ተሓኒቘም ዝነበሮም ቁሩብ ገንዘብን ሞባይልን ተመንጢሎም፤ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ንጉሆ ሰዓት 12፡30 ኣብ ማእኸል መገዲ ካራ ሒዞም ኣፈራሪሖም ስልከን ዝወሰዱለን ይፈልጥ እየ፤
እዚ ምርግጋእ ኣርእዩ እኳ እንተነበረ ብፍሉይ ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ሰሙናት ከም ዝገደደ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርኢይቶ ይዛረቡ።ሰባት ካብ ገዛ ወጺኦም ብእግሮ ክኸዱ ይሰግኡ'ዮም።
እቲ መሓውር ጸጥታ ድሕነት ነበርቲ ዘይሕልወሉ፣ ሰብ ሰጊኡ፣ ተሰቒቑ ዝኸደሉ ኩነታት’ዩ ዘሎ ብምባል ንደረጃ እቲ ስግኣት ይገልጾ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን መዓልታዊ ህይወት መቐለ ናብ ንቡር ተመሊሱ ይርከብ/ GETTY IMAGES
‘ናይ ባዕሎም ኬላታት ዝገበሩ’
መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን፡ ንኽልተ ዓመታት ዝዘለቐ ኲናት ሓድሕድ ጠጠው ንምባል ስምምዕ ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦታት ካብ ዝፍርሙ ድሮ ሰለስተ ኣዋርሕ’ኳ እንተተቘጽሩ፡ ክሳብ ሕጂ ጋዜጠኛታት ናብቲ ክልል ክኣትው ኣይተፈቕደን ዘሎ።
ስለዚ፡ እቲ ንብዙሓት ከዘራርብ ዝቐነየን ሓያሎ ስግኣታት ፈጢሩ ዘሎን ነገረ ክትራንን ውዱብ ዝምታን ከብርሁልና ዝሓተትናዮም ውልቀሰባት፡ ኣብታ ከተማ ክሳድ ሰብ ሓኒቅኻ ምምንጣል፣ ብካራ ኣፈራሪሕኻን ወጊእኻን ኣብ ኢዱ ዝሓዞም ነገራት ምምንዛዕን ካብኡ ሓሊፉ ዕጥቅን መኪናን ሒዝካ ዝፍጸም ዝምታን ክትራንን ኣሎ እዮም ዝብሉ።
ቀበሌታት 14፣ 15፣ 16 ከምኡ’ውን ከባቢ ኣብርሃ ካስትልን ኣብ ከባቢ ቀጽሪ ዓዲ ሓቂ ዩኒቨሰርቲ መቐለ ዘሎ ኣደባባይ ማርታን እዚ ገበናት ብብዝሒ ዝርኣየሎም ከባቢታት ኰይኖም ከም ዘለው እውን ሓቢሮም።
ብርክት ዝበላ ኣብያተ መስተ፡
ዝብሉ መልእኽታት ጠቂዐን ኣለዋ።ዕጥቂ ሒዝካ ምእታው ኣይፍቀድን
ይብል ሓደ ሽሙ ክንረቑሖ ፍቓደኛ ዘይኰነ ኣባል ሓይልታት ትግራይ።ሕጂ ዝተፈለየ ዝገብሮ ናይ ርክብ ሬድዮ፣ መኪና ዘለዎም’ዮም ኣብዚ ተግባር ዝሳተፉ ዘለው። መኪና ምልአቲ ትስረቕ። ገዛ ክንፍትሽ ኢና፤ ናይ ቤት ፍርዲ ወረቐት ኣለና ኢሎም ኣትዮም ይሰርቁኻ፤ ናይ መራሕቲ ገዛ እንከይተረፈ እዩ ዝስረቕ ዘሎ
ንሱ ከም ዝብሎ፡ በዚ ምኽንያት መዓልታዊ ሰብ ይመውት’ዩ ዘሎ። ንርእሱ፡ ድሕሪ ሰዓት ክልተ ናይ ምሸት ኣብታ ከተማ ኣይንቀሳቐስን።
ካብ መቐለ ወጻኢ ኣብ ዘለዋ ካልኦት ከተማታትን ገጠራትን ብርክት ዝበሉ ዘሰክፉ ነገራት ኣለው ዝብል እዚ ውልቀሰብ፡ ከተማታት ዓዲ ግራትን ዓብዪ ዓድን ብኣብነት ጠቒሱ።
ኢሉ።ኣብ ከተማ ድኻ ይኹን በዓል ገንዘብ እዩ ዝጥቃዕ ዘሎ። ኣብ ገጠር ድማ፡ ጥሪቱን እኽሉን ይምንጠል። ካብኡ ሓሊፉ ግን ናይ ባዕሎም ኣርቴፊሻል ኬላታት ዝገበሩ ሰብ ዕጥቂ'ውን ኣለው
ATKLTI DEJENE
‘ሱማሌ ተራ’
ዳርጋ ኣብ ኩለን መንደራት መቐለ ቴሌፎን ኰነ ካልእ ክጠቅም ዝኽእል ነገራት ተሓዲግና፣ ተወቒዕና ዝብል ሰብ ብዙሕ ምዃኑ ይንገር።
ኣብ ትግራይ እቲ ንልዕሊ 18 ኣዋርሕ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ቴሌኮም ናብ ንቡር ካብ ዝምለስ ንድሓር ብዙሓት ተንቀሳቐስቲ ስልክታት ይስረቓ፣ ብሰንኩ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ይበጽሕ ከም ዘሎ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ወሃብቲ ርኢይቶ ገሊጾም።
መሰረት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መገዲ ክትጥቃዕ እንከላ ሓደ ኣባል ፍሉይ ሓይሊ ከም ዝገልገላ ክትገልጽ እንከላ፡ ንሓደ ካብኣቶም ምስ ሓዞ ድማ እቲ ካብ ጁባኣ ዝወስደ ስልኪ ከም ዝተመልሰላ ትዛረብ።
ካልኦት ብዙሓት ዝተሰረቓ ቴሌፎናት ግን፡ ኣብ ድሕሪ ሆቴል ፕላኔት ዘሎ መእተዊ ዕዳጋ 11 ተመንን ደረጃን ወጺኡለን ይሽየጣ።ንሱ፡ ንሓደ ካብኣቶም ምስ ሓዞ ነታ ሞባይለይ ኣምጺኦም ሂቦምኒ፤ ኣብ ኢደይ ኣቐሚጡዋ ክኸይድ እምበር ከመይ ከም ዝሃቡኒ ኣይተፈለጠንን።
ብዙሓት ሪጋ ሒዞም ከም ዝርኣዩ ምንጪታት ቢቢሲ ገሊጾም።
ሕጂ እዚ ከባቢ፡ ከምቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብርክት ዝበሉ ዝተሰረቑ ኣቑሑ ይሽየጠሉን ብቐሊሉ ይርከበሉን እዩ ዝብሃል ‘ሱማሌ ተራ’ ተባሂሉ ዝጽውዓሉ ሽም ወጺኡሉ ኣሎ።
ይብል ሓደ ካብኣቶም።ዝደለኻዮ ዓይነት ምህርቲ (Brand) ትነግሮም፤ እንተዘይሃልዩዎም (ሰሪቘም ክሳብ ዘምጽኡ) ሓደ/ክልተ መዓልቲ ሃበና ኢሎም ቆጸራ ይህቡኻ እሞ የምጽኡልካ
ካብዚ ብዝብገስ፡ ስርቂ ዳርጋ ዕለታዊ ስራሕ ውሑዳት ዘይብሃሉ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ኰይኑ ምህላው ሓቢሮም።
ትብል መሰረት።ኣነ ብስራሕ ስልኪ፣ ላፕቶፕ፣ ሃርድ ዲስክ ክሕዝ እየ። ሓንቲ ቦርሳይ እንተወሲዶምለይ ኩሉ ነገር ይጠፍእ ኣሎ ማለት እዩ . . . ስርሐይ ይኸስር ኣለኹ። እዚ ጥራይ ኣይኰነን ክረኽቡልካን ዘይክረኽቡልካን ከይፈለጡ ዘለካ ሒዞም ንክኸዱ ቀዲሞም ይወግኡኻ ኣለው። እዚ ጉዳይ ብቐሊሉ ክርአ ዝግብኦ ኣይኰነን
ስማርት ስልክታት/GETTY IMAGES
እዚ ክስተት፡ ምስቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ህልዊ ኩነታት ዝተሓሓዝ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝገልጹ እቶም ወሃብቲ ርኢይቶ፡ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ምንጪ እቶት ዝዀኖም ኣማራጺታት ዘይምህላዎም፣ ብዙሓት ካብ ስራሕ ዝቦዀሩን ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ወርሓዊ ደሞዝ ዘይተኸፈሎም ሰራሕተኛታት ምህላዎም፣ ሃንደበት እቲ ኲናት ጠጠው ድሕሪ ምባሉ ድማ እቲ ኣብ ሰራዊት ተጸንቢሩ ዝጸንሐ ጌና እኹል ህንጸት ስነ ምግባር ስለ ዘይተዋህቦ ካብኡ ከም ዝነቅል ግምቶም ሂቦም።
ክብል እቲ ኣባል ሰራዊት ገሊጹ።ብውሑድ ኣብቲ ሰራዊት ናይ ኢንዶክትሪኔሽን ስራሕቲ ክስርሑ ኣለዎም፤ ንውግእ ዝሃነጽካዮ ንሰላም’ውን ክትሃንጾ ይግባእ። ኣብ ናይ ውግእ ስነ ልቦና ዝጸንሐ እንተውሓደ ድሕሪ ስንባደ ዝመጽእ ጸገም (PTSD) ክህልዎ እዩ። ነዚ ከየምሃርካ፣ ቁጠባዊ ሕቶታቱ ከይመለስካ ቀሊል ክኸውን ኣይክአልን። እዚ እንተተረሲዑ ወይ ሸለል እንተተባሂሉ ክኣ ሳዕቤኑ ቀሊል ኣይኸውንን
እቶም ንግብራውነት እቲ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተፈረመ ስምምዕ ዝፈረሙ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣባላቶም ዕጥቈም ኣውሪዶም ክጣየሱን ስልጠናታት ተሓድሶ ክወስዱን ትጽቢት ከም ዝግበር ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።
ሆስፒታላት ዘተኣናግድኦ ግዳይ
ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ቁጽሪ እቶም ብሰንኪ ክትራንን ተዛመድቲ ሓደጋታትን ጉድኣት በጺሑዎም ናብ ሆስፒታል ዝመጽኡ ሰባት ከም ዝወሰኸ ምንጪታት ሆስፒታል ሓቢሮም።
መብዛሕትኦም እቶም ግዳያት ናብ ሆስፒታል መቐለ ዝኸዱ እኳ እንተዀኑ ምምሕዳር እቲ ሆስፒታል ግን ኣብዚ ጉዳይ ካብ ኣብያተ ጽሕፈት ጸጥታ ወጻእ ንዘለው ኣካላት ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ፍቓደኛ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።
ኣካያዲ ስራሕ እቲ ሆስፒታል ዶክተር ፊልሞን ንሕቶና ብጽሑፍ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ
ብምባል መብርሂ ክህበና ፍቓደኛ ዘይምዃኑ ሓቢሩ።ብመሰረት መምርሒ እቲ ሆስፒታል፡ ከምዚ ዓይነት ሓበሬታ ኣብያተ ጽሕፈት ጸጥታ ስሩዕ ደብዳበ ገይረን እንተሓቲተን ጥራይ ኢና ንህብ። ክሳብ ሕጂ ድማ ብዛዕብኡ ኣይሓተቱን
መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ግን፡ ቁጽሪ ኣብ ሞንጐ ሰባት ብዘጋጥም ግጭት ተሃሪሞም ናብ ሆስፒታል ዝመጽኡ ካብቲ ዝጸንሐ ውጽእ ዝበለ ምዃኑ ሓቢሩ።
ብመስተ ተደፋፊኦም ብጉጅለ ሓደጋ በጺሑዎም ዝመጽኡ ድማ ከም ዝዛይዱ ኣመልኪቱ።
ሜዲካል ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር ኣብርሃ ገብረእግዝኣብሄር፡ ሓፈሻዊ ብእምኒ ዝተወቕዐ፣ ብካራ ዝተወግአ፣ ብጥይት ተሃሪሙ ዝመጽእ ሓዊሱ መዓልታዊ ካብ 10 ክሳብ 13 ሰባት ከም ዘተኣናግዱ ገሊጹ።
ይብል።ብጥይት ተወቒዑ ዝመጽእ ልዕል ክብል ይኽእል እዩ፤ ድሕሪ ህይወት ምሕላፉ ናብ ክፍሊ መርመራ ሬሳ ዝመጽእ ናይ ጥይት መውቃዕቲ እዩ
ብፍላይ፡ ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰኑይ ኣብ ዘሎ ናይ ሃንደበታዊ ሕክምና ኣገልግሎት ዝወሃበሎም መዓልታት ክሳብ 50 ዝበጽሑ ተገልግልቲ ናብቲ ሆስፒታል ከም ዝመጽኡ ዝገልጽ እቲ ዳይሬክተር፡ እዚ ካብቲ ኲናት ዝነበረ ከም ዝዛይድ ሓቢሩ።
ቅድሚ ምጅማር ኲናት ትግራይ፡ ሓደ ሰራሕተኛ እቲ ሆስፒታል ኣብ ዙርያ መጥባሕቲ ሓንጎልን ዕትብቲ ዓንዲ ሑቐን ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ሃንደበታዊ መጥባሕቲ ዕትብቲ ዓንዲ ሑቐን ሓንጐልን ክካየድ እንከሎ እቲ መውቃዕቲ ድማ ብኸም ኮብል ስቶን ዝበሉ ብርቱዕ ሓደጋ ከብጽሑ ዝኽእሉ ዝመጽእ ምዃኑ ዘመላኸተ ምንባሩን ከምዚ ዓይነት ተርእዮታት ክእረሙ ከም ዘለዎምን ዶክተር ኣብርሃ የገንዝብ።
ብምባል ስክፍታኡ ገሊጹ።ከም ህዝቢ ኣብ ከቢድ ሓደጋ እናሃለና፣ ዋሕዲ መድሓኒት ከይተማልአ፣ ሰራሕተኛታትና ኣብ ድኻምን ጥምየትን ኰይኖም ከገልግሉ ዝርኢ ህዝቢ፡ ነዚኦም ክእርሞም ይግባእ። ብሰንኪ ዋሕዲ መድሃኒት ዝጽበዩ ተገልገልቲ ኣብ ዘለውሉ ግዜ፡ መድሃኒት ቀጥቀጥ እናበልና ክነባጽሐን እናጽዓርና፡ ዋላ ንኡሽቶ ቁጽሪ ተገልጋሊ እንተወሲኹ የተሓሳስበና እዩ
ምምሕዳር እቲ ክልልኸ እንታይ ኢሉ?
ንኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ኮሚሽነር ጀነራል ይሕደጎ ስዩም፡ ስርቂ፣ ሞባይል ምምንዛዕ ከም ዘሎን፣ ካብዚ ልዕል ኢሉ ድማ ዕጥቂ ሒዝካ ዝፍጸም ዝምታ ከም ዝተራእየን ተኣሚኑ።
ኩነታት ጸጥታ እቲ ክልል ምስቲ ኲናት ዘተኣሳስሩዎ ብዙሓት ነገራት ኣለው’ዮም ድማ ይብል።
ዝብል እቲ ኮሚሽነር፡ ገሊኦም ኣባላት ሰራዊት ዝነበሩ፣ ወይ ኣባላት ፖሊስ ዝነበሩ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ሓቢሩ።ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ወይ ከባቢ ሕዳር ዕጥቂ ሒዞም ዝንቀሳቐሱ ሰባት ነይሮም፤ መብዛሕትኦም ኣብ ቁጽጽር ኣውዒልናዮም ስለ ዝዀንና ሕዚ ሰፊሕ ከምኡ ዓይነት ምንቅስቓስ የለን፤ ዕጥቂ ሒዝካ፣ ተወዲብካ ዝግበር ክትራን ኣዐርዩ ነክዩ’ዩ፤ ከም ክስተት ግን ክርአ ይኽእል’ዩ
እንተዀነ፡
ኢሉ።ናይ ፖሊስን ሰራዊትን እናሰርሑ ዘይኰነ ንዕኡ ከም ሽፋን ተጠቒሞም ናብ ስርቂ ዝተዋፈሩ እንተዀይኖም ከም ዝዀነ ሌባ ኢና ንርእዮም። ሓሓሊፉ’ውን ስቪል ኰይኖም ዝጋደሉ ዝነበሩ እሞ ተመሊሶም መጺኦም ብሽርክና ዝገብሩዎ ምንቅስቓስ ኣጋጢሙና ነይሩ፤ ዝዀነ ፖሊስ ወይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ግን ገበን ክፍጽም ኣይኽእልን ዝብል ርኢይቶ የብለይን
እቲ ክልል ኣብ ኲናት ዝጸንሐ ከም ምዃኑ መጠን ስሩዕ ናይ ምምሕዳርን ጸጥታን ስራሕቲ ይስራሕ ነይሩ’ዩ ምባል ኣይክኣልን ዝብል እቲ ኮሚሽነር፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት (2014 ዓ.ም ብኣቆጻጽራ ግእዝ) ጀሚሩ ግን እቲ ኮሚሽን ከም ብሓድሽ ተጣይሹ፣ ኣባላት መልሚሉን ኣሰልጢኑን ናብ ስራሕ ከም ዘእተወ ሓቢሩ።
ኢሉ።ኰይኑ ግን እቲ ኣብ ክረምቲ ብኹሉ ኣንፈት ዝነበረ ከቢድ ውግእ ነቲ ኩነታት ጸልዩዎ እዩ
ኣብተን ሕጂ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ትግራይ ዘለዋ ከተማታትን ገጠራትን ዝርኣዩ ጸገማት ከም ዝነበሩ ዝጠቅስ ኮሚሽነር ጀነራል ይሕደጐ፡ ብፍላይ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝኸፍአ ኩነታት ከም ዝነበረ ተኣሚኑ።
ብ2020፡ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ፍሉይ ፖሊስ ኣሰልጢኑ ነይሩ/GETTY IMAGES
ድሕሪ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ህወሓትን፡ ጸጥታን ድሕነትን ነበርቲ ዝሕሉ ሓይሊ ከም ዝተዋፈረን ካብ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ኣብ መቐለ ኣንጻራዊ ምርግጋእ ተራእዩ'ዩ ዝብል ኮሚሽነር ይሕደጐ፡ እቲ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ኣጸልሚትካ ዝዝረቦ ኣይኰነን ብምባል ይምጉት።
ብምባል ነዚ ንምቁጽጻር ሕብረተሰብ ኣብቲ ናይ ጸጥታ ስራሕቲ ዝለዓለ ብጽሒት ስለ ዝጻወት ነቲ ገበን ንምንካይ ይጽዕሩ ምህላዎም ተዛሪቡ።ኣብ መቐለ ክትንቀሳቐስ ኣይትኽእልን፣ ሰብ መዓልታዊ እዩ ዝመውት እናበሉ ክዛረቡ ንሰምዕ ኢና፤ ከምኡ ኣይኰነነን። ሓሓሊፉ ገበን ይፍጸም እዩ
ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ኣብ ሞንጐ ብመስተ ዝተደፋፍኡ ክልተ ውልቀሰባት ብዘጋጠመ ጸገም ምኽንያት ህይወት ሓደ ሰብ ከም ዝጠፍአ ብኣብነት ጠቒሱ።
ኢሉ።በዚ ህይወት ክጠፍኣካ ትሓዝን፣ ይስምዓካ፤ ኣካል ናይ ጸጥታ ገይርካ እውን ትወስዶ። እዚ ተርእዮ ሒዝካ ግን ኣይውጻእን ኣይእቶን፣ መዓልታዊ እዩ ሰብ ዝቕተል ክብሃል ኣይክእልን። ብእስ ዝበለሉ ግዜ ነይሩ፤ ሕጂ ግን ተመሓይሹ እዩ። ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ስለ እንደሊ ከነኣእሶ ኣይደልን፤ ንስርሓሉ ግን ይብል
ነዚ ንምሕጋዝ፡ ሓድሽ መሓውር ፖሊስ ተጣይሹ ምህላውን ናይ 24 ሰዓታት ኣገልግሎት ይህብ ከም ዘሎን ሓቢሩ።
ከም ጸጋይ ገብረመድህን ዝበሉ ነበርቲ ከተማ መቐለ ግን፡ ኣብ ከተምኦም ዝረአ ዘሎ ስርዓት ኣልቦነትን ስምዒት መንግስቲ ኣልቦነት ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ፖለቲካዊ ዕረያ ክግበር ይጠልቡ።
ኣብ ሞንጐ ዕላል ቴሌፎን ጓላ ትድሃያ ዝነበረት መሰረት ክኣ፡ እቲ እትናፍቘ ርግኣት መቐለ ኣብ ቀረባ ናብ ንቡር ክምለስ ተመዓዱ።