Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

(BBC): ብገበናት ክትራንን ስርቅን ትሕመስ ዘላ ትግራይ

Post by Zmeselo » 04 Feb 2023, 16:53



ብገበናት ክትራንን ስርቅን ትሕመስ ዘላ ትግራይ

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/ce4ynpj81x9o



4 ለካቲት 2023

መሰረት ሓድሽ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ቴሌፎና መልእኽቲ ከም ዝመጽኣ ዝሕብር ድምጺ ኣስሚዓታ - ሓደ ስነ ጥበባዊ መሳርሕታ እዩ።
ትማሊ ኣነ’ውን ከምኣ ኣጋጢማትኒ ኣላ፤ ፍሉይ ሓይሊ ኢና ዝበሉ ዕጡቓት ናብ ጽልምት ዝበለ ቦታ ኣእቲዮም ዘለና ነገር ወሲዶም፣ ቀጥቂጦም ሰዲዶምና
ዝብል መልእኽቲ ከም ዝልኣኸላ ትዝክር።

እዚ፡ እቲ ንርእሳ ዘጋጠማ ክስተት እዩ ኣዘኻኺሩዋ።

ብ30 ጥሪ 2023 ኣጋ ግዘ፡ ካብ ስራሕ ወጺኣ ናብ ገዝኣ ኣብ እትኸደሉ እዋን ኣብ ከባቢ ሓውዜን ኣደባባይ የማነ ጸጋም ኣእዳዋ እናጐተቱ ብዘዋጠሩዋ ከተርቲ መጥቃዕቲ በጺሑዋ።

ኣብ ማእኸል ኣደባባይ ሓውዜን እዩ - እዚ ኣብ ንቡር ግዜ ብዙሓት መካይን ዝሓልፋሉ፣ ምንቅስቓስ ሰባት ዘይፍለዮን ከባቢ።

መሰረት፡ ኣብቲ ዕለት ኣርባዕተ መናእሰይ ከቢቦም እቲ ሓደ ኢዳ፣ እቲ ካልእ ጁባኣ፣ እቲ ካልእ ድማ ቦርስኣ ክመናጠሉ እንከለው፡ ጸጸግዑ ሒዙ ዝዕዘብ ብዝሕ ዝበለ ሰብ ኣብቲ ከባቢ ምንባሩ ትዛረብ።
ሓግዙኒ . . . እናተወቓዕኹ ስቕ ኢልኩም ዲኹም ትርእዩኒ . . . እናበልኩ ይጠርዕ ነይረ። ግን ፊልም ዝቕረጽ ዘሎ ክሳብ ዝመስል ሰብ ጠጠው ኢሉ እዩ ዝርኢ ነይሩ።በዚ ብጣዕሚ ሓዚነ’የ፤ ንሓጺር ሰዓት’ውን እንተዀነ ከቢድ ነይሩ
ኢላ።

እንተዀነ፡ ሰብ’ውን ስለ ዝፈርሕ
ኣነኸ ንነብሰይ እንታይ ሒዘላ?
ኢሉ ኣይ ከምቲ ቀደምን ክግልግለካ ወይ ክሕግዘካ ኣይደፍርን ዘሎ።

መሰረት፡ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኩነታት ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝዀና ደቂ ኣንስትዮን ካልኦት ማሕበራዊ ጉዳያትን ዝድህስስ ምድላው ቴሌቪዥን ከተሰናድእ ዝጀመረት መምህር ሙዚቃ እያ።

ኣብ ትግራይ ኪኖ እቲ ዘሎ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላው ሰባት ብልምዲ “ሃንግ” ኢሎም ዝጽውዑዎ ክትራንን ዘረፋን ሓያል ስግኣት ጸጥታን ድሕነትን ነበርቲ ከም ዘስዓበ ብብዝሒ ይዝረብ ኣሎ።

እዚ ብዝተወደበ መልክዑ ዝርአ፣ ዕጥቂ ብዝሓዙ ውልቀሰባት ዝፍጸም ክትራን እናተለመደ ምምጽኡ ብምሕባር፡ መዓልታዊ ድሕነት ውልቀሰባት ሓደጋታት ዘንጸላለዎ እናዀነ ምምጽኡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርኢይቶ ገሊጾም።

መሰረት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ከተማ ዝርአ ዘሎ ዓይነትን ባህርን ክትራን፡
ኣዴታት፣ መናእሰይ . . . ብዙሕ ሰብ ይሞተና ኣሎ። ምንም ነገር ንዘይረኽብሉ’ዮም ሰብ ብካራ ዝወግኡዎ
ብምባል ኣዝዩ ዘሰክፍ ምዃኑ ተረድእ።

ጸሓፊ መጽሓፍ
ከመይ ኢልና ንደቅስ?
ጸጋይ ገብረመድህን’ውን፡ ምሸት ከባቢ ሰዓት ኣርባዕተ ናብ ገዝኡ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን ብሰለስተ ሰባት መጥቃዕቲ በጺሑዎ።
ብድሕሪት መጺኦም ክሳደይ ሓኒቈምኒ፤ ኣብ ማእኸል ኮብልስቶን ኣውዲቘም ድማ ኣብ ጁባይ ዝነበራ ዝተወሰና ገንዘብን ተንቀሳቓሲ ስልክን ወሲዶም። ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣቢለ እየ ናብ ውነይ ተመሊሰ
ብምባል ይዝክሮ።

ካብኡ ሓሊፉ፡ ኣብዚ ሰሙን ብቐረባ ዝፈልጦም ክልተ ሰባት ግዳያት ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከም ዝዀኑ እዩ ዝገልጽ።
ክልቲኦም ኣብ መገዲ ተሓኒቘም ዝነበሮም ቁሩብ ገንዘብን ሞባይልን ተመንጢሎም፤ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ንጉሆ ሰዓት 12፡30 ኣብ ማእኸል መገዲ ካራ ሒዞም ኣፈራሪሖም ስልከን ዝወሰዱለን ይፈልጥ እየ፤
ሰባት ካብ ገዛ ወጺኦም ብእግሮ ክኸዱ ይሰግኡ'ዮም።
እዚ ምርግጋእ ኣርእዩ እኳ እንተነበረ ብፍሉይ ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ሰሙናት ከም ዝገደደ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርኢይቶ ይዛረቡ።

እቲ መሓውር ጸጥታ ድሕነት ነበርቲ ዘይሕልወሉ፣ ሰብ ሰጊኡ፣ ተሰቒቑ ዝኸደሉ ኩነታት’ዩ ዘሎ ብምባል ንደረጃ እቲ ስግኣት ይገልጾ።


ኣብዚ ሕጂ እዋን መዓልታዊ ህይወት መቐለ ናብ ንቡር ተመሊሱ ይርከብ/ GETTY IMAGES

‘ናይ ባዕሎም ኬላታት ዝገበሩ’

መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን፡ ንኽልተ ዓመታት ዝዘለቐ ኲናት ሓድሕድ ጠጠው ንምባል ስምምዕ ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦታት ካብ ዝፍርሙ ድሮ ሰለስተ ኣዋርሕ’ኳ እንተተቘጽሩ፡ ክሳብ ሕጂ ጋዜጠኛታት ናብቲ ክልል ክኣትው ኣይተፈቕደን ዘሎ።

ስለዚ፡ እቲ ንብዙሓት ከዘራርብ ዝቐነየን ሓያሎ ስግኣታት ፈጢሩ ዘሎን ነገረ ክትራንን ውዱብ ዝምታን ከብርሁልና ዝሓተትናዮም ውልቀሰባት፡ ኣብታ ከተማ ክሳድ ሰብ ሓኒቅኻ ምምንጣል፣ ብካራ ኣፈራሪሕኻን ወጊእኻን ኣብ ኢዱ ዝሓዞም ነገራት ምምንዛዕን ካብኡ ሓሊፉ ዕጥቅን መኪናን ሒዝካ ዝፍጸም ዝምታን ክትራንን ኣሎ እዮም ዝብሉ።

ቀበሌታት 14፣ 15፣ 16 ከምኡ’ውን ከባቢ ኣብርሃ ካስትልን ኣብ ከባቢ ቀጽሪ ዓዲ ሓቂ ዩኒቨሰርቲ መቐለ ዘሎ ኣደባባይ ማርታን እዚ ገበናት ብብዝሒ ዝርኣየሎም ከባቢታት ኰይኖም ከም ዘለው እውን ሓቢሮም።

ብርክት ዝበላ ኣብያተ መስተ፡
ዕጥቂ ሒዝካ ምእታው ኣይፍቀድን
ዝብሉ መልእኽታት ጠቂዐን ኣለዋ።
ሕጂ ዝተፈለየ ዝገብሮ ናይ ርክብ ሬድዮ፣ መኪና ዘለዎም’ዮም ኣብዚ ተግባር ዝሳተፉ ዘለው። መኪና ምልአቲ ትስረቕ። ገዛ ክንፍትሽ ኢና፤ ናይ ቤት ፍርዲ ወረቐት ኣለና ኢሎም ኣትዮም ይሰርቁኻ፤ ናይ መራሕቲ ገዛ እንከይተረፈ እዩ ዝስረቕ ዘሎ
ይብል ሓደ ሽሙ ክንረቑሖ ፍቓደኛ ዘይኰነ ኣባል ሓይልታት ትግራይ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ በዚ ምኽንያት መዓልታዊ ሰብ ይመውት’ዩ ዘሎ። ንርእሱ፡ ድሕሪ ሰዓት ክልተ ናይ ምሸት ኣብታ ከተማ ኣይንቀሳቐስን።

ካብ መቐለ ወጻኢ ኣብ ዘለዋ ካልኦት ከተማታትን ገጠራትን ብርክት ዝበሉ ዘሰክፉ ነገራት ኣለው ዝብል እዚ ውልቀሰብ፡ ከተማታት ዓዲ ግራትን ዓብዪ ዓድን ብኣብነት ጠቒሱ።
ኣብ ከተማ ድኻ ይኹን በዓል ገንዘብ እዩ ዝጥቃዕ ዘሎ። ኣብ ገጠር ድማ፡ ጥሪቱን እኽሉን ይምንጠል። ካብኡ ሓሊፉ ግን ናይ ባዕሎም ኣርቴፊሻል ኬላታት ዝገበሩ ሰብ ዕጥቂ'ውን ኣለው
ኢሉ።


ATKLTI DEJENE

‘ሱማሌ ተራ’

ዳርጋ ኣብ ኩለን መንደራት መቐለ ቴሌፎን ኰነ ካልእ ክጠቅም ዝኽእል ነገራት ተሓዲግና፣ ተወቒዕና ዝብል ሰብ ብዙሕ ምዃኑ ይንገር።

ኣብ ትግራይ እቲ ንልዕሊ 18 ኣዋርሕ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ቴሌኮም ናብ ንቡር ካብ ዝምለስ ንድሓር ብዙሓት ተንቀሳቐስቲ ስልክታት ይስረቓ፣ ብሰንኩ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ይበጽሕ ከም ዘሎ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ወሃብቲ ርኢይቶ ገሊጾም።

መሰረት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መገዲ ክትጥቃዕ እንከላ ሓደ ኣባል ፍሉይ ሓይሊ ከም ዝገልገላ ክትገልጽ እንከላ፡ ንሓደ ካብኣቶም ምስ ሓዞ ድማ እቲ ካብ ጁባኣ ዝወስደ ስልኪ ከም ዝተመልሰላ ትዛረብ።
ንሱ፡ ንሓደ ካብኣቶም ምስ ሓዞ ነታ ሞባይለይ ኣምጺኦም ሂቦምኒ፤ ኣብ ኢደይ ኣቐሚጡዋ ክኸይድ እምበር ከመይ ከም ዝሃቡኒ ኣይተፈለጠንን።
ካልኦት ብዙሓት ዝተሰረቓ ቴሌፎናት ግን፡ ኣብ ድሕሪ ሆቴል ፕላኔት ዘሎ መእተዊ ዕዳጋ 11 ተመንን ደረጃን ወጺኡለን ይሽየጣ።

ብዙሓት ሪጋ ሒዞም ከም ዝርኣዩ ምንጪታት ቢቢሲ ገሊጾም።

ሕጂ እዚ ከባቢ፡ ከምቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብርክት ዝበሉ ዝተሰረቑ ኣቑሑ ይሽየጠሉን ብቐሊሉ ይርከበሉን እዩ ዝብሃል ‘ሱማሌ ተራ’ ተባሂሉ ዝጽውዓሉ ሽም ወጺኡሉ ኣሎ።
ዝደለኻዮ ዓይነት ምህርቲ (Brand) ትነግሮም፤ እንተዘይሃልዩዎም (ሰሪቘም ክሳብ ዘምጽኡ) ሓደ/ክልተ መዓልቲ ሃበና ኢሎም ቆጸራ ይህቡኻ እሞ የምጽኡልካ
ይብል ሓደ ካብኣቶም።

ካብዚ ብዝብገስ፡ ስርቂ ዳርጋ ዕለታዊ ስራሕ ውሑዳት ዘይብሃሉ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ኰይኑ ምህላው ሓቢሮም።
ኣነ ብስራሕ ስልኪ፣ ላፕቶፕ፣ ሃርድ ዲስክ ክሕዝ እየ። ሓንቲ ቦርሳይ እንተወሲዶምለይ ኩሉ ነገር ይጠፍእ ኣሎ ማለት እዩ . . . ስርሐይ ይኸስር ኣለኹ። እዚ ጥራይ ኣይኰነን ክረኽቡልካን ዘይክረኽቡልካን ከይፈለጡ ዘለካ ሒዞም ንክኸዱ ቀዲሞም ይወግኡኻ ኣለው። እዚ ጉዳይ ብቐሊሉ ክርአ ዝግብኦ ኣይኰነን
ትብል መሰረት።


ስማርት ስልክታት/GETTY IMAGES

እዚ ክስተት፡ ምስቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ህልዊ ኩነታት ዝተሓሓዝ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝገልጹ እቶም ወሃብቲ ርኢይቶ፡ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ምንጪ እቶት ዝዀኖም ኣማራጺታት ዘይምህላዎም፣ ብዙሓት ካብ ስራሕ ዝቦዀሩን ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ወርሓዊ ደሞዝ ዘይተኸፈሎም ሰራሕተኛታት ምህላዎም፣ ሃንደበት እቲ ኲናት ጠጠው ድሕሪ ምባሉ ድማ እቲ ኣብ ሰራዊት ተጸንቢሩ ዝጸንሐ ጌና እኹል ህንጸት ስነ ምግባር ስለ ዘይተዋህቦ ካብኡ ከም ዝነቅል ግምቶም ሂቦም።
ብውሑድ ኣብቲ ሰራዊት ናይ ኢንዶክትሪኔሽን ስራሕቲ ክስርሑ ኣለዎም፤ ንውግእ ዝሃነጽካዮ ንሰላም’ውን ክትሃንጾ ይግባእ። ኣብ ናይ ውግእ ስነ ልቦና ዝጸንሐ እንተውሓደ ድሕሪ ስንባደ ዝመጽእ ጸገም (PTSD) ክህልዎ እዩ። ነዚ ከየምሃርካ፣ ቁጠባዊ ሕቶታቱ ከይመለስካ ቀሊል ክኸውን ኣይክአልን። እዚ እንተተረሲዑ ወይ ሸለል እንተተባሂሉ ክኣ ሳዕቤኑ ቀሊል ኣይኸውንን
ክብል እቲ ኣባል ሰራዊት ገሊጹ።

እቶም ንግብራውነት እቲ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተፈረመ ስምምዕ ዝፈረሙ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣባላቶም ዕጥቈም ኣውሪዶም ክጣየሱን ስልጠናታት ተሓድሶ ክወስዱን ትጽቢት ከም ዝግበር ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ሆስፒታላት ዘተኣናግድኦ ግዳይ

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ቁጽሪ እቶም ብሰንኪ ክትራንን ተዛመድቲ ሓደጋታትን ጉድኣት በጺሑዎም ናብ ሆስፒታል ዝመጽኡ ሰባት ከም ዝወሰኸ ምንጪታት ሆስፒታል ሓቢሮም።

መብዛሕትኦም እቶም ግዳያት ናብ ሆስፒታል መቐለ ዝኸዱ እኳ እንተዀኑ ምምሕዳር እቲ ሆስፒታል ግን ኣብዚ ጉዳይ ካብ ኣብያተ ጽሕፈት ጸጥታ ወጻእ ንዘለው ኣካላት ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ፍቓደኛ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።

ኣካያዲ ስራሕ እቲ ሆስፒታል ዶክተር ፊልሞን ንሕቶና ብጽሑፍ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ
ብመሰረት መምርሒ እቲ ሆስፒታል፡ ከምዚ ዓይነት ሓበሬታ ኣብያተ ጽሕፈት ጸጥታ ስሩዕ ደብዳበ ገይረን እንተሓቲተን ጥራይ ኢና ንህብ። ክሳብ ሕጂ ድማ ብዛዕብኡ ኣይሓተቱን
ብምባል መብርሂ ክህበና ፍቓደኛ ዘይምዃኑ ሓቢሩ።

መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ግን፡ ቁጽሪ ኣብ ሞንጐ ሰባት ብዘጋጥም ግጭት ተሃሪሞም ናብ ሆስፒታል ዝመጽኡ ካብቲ ዝጸንሐ ውጽእ ዝበለ ምዃኑ ሓቢሩ።

ብመስተ ተደፋፊኦም ብጉጅለ ሓደጋ በጺሑዎም ዝመጽኡ ድማ ከም ዝዛይዱ ኣመልኪቱ።

ሜዲካል ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር ኣብርሃ ገብረእግዝኣብሄር፡ ሓፈሻዊ ብእምኒ ዝተወቕዐ፣ ብካራ ዝተወግአ፣ ብጥይት ተሃሪሙ ዝመጽእ ሓዊሱ መዓልታዊ ካብ 10 ክሳብ 13 ሰባት ከም ዘተኣናግዱ ገሊጹ።
ብጥይት ተወቒዑ ዝመጽእ ልዕል ክብል ይኽእል እዩ፤ ድሕሪ ህይወት ምሕላፉ ናብ ክፍሊ መርመራ ሬሳ ዝመጽእ ናይ ጥይት መውቃዕቲ እዩ
ይብል።

ብፍላይ፡ ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰኑይ ኣብ ዘሎ ናይ ሃንደበታዊ ሕክምና ኣገልግሎት ዝወሃበሎም መዓልታት ክሳብ 50 ዝበጽሑ ተገልግልቲ ናብቲ ሆስፒታል ከም ዝመጽኡ ዝገልጽ እቲ ዳይሬክተር፡ እዚ ካብቲ ኲናት ዝነበረ ከም ዝዛይድ ሓቢሩ።

ቅድሚ ምጅማር ኲናት ትግራይ፡ ሓደ ሰራሕተኛ እቲ ሆስፒታል ኣብ ዙርያ መጥባሕቲ ሓንጎልን ዕትብቲ ዓንዲ ሑቐን ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ሃንደበታዊ መጥባሕቲ ዕትብቲ ዓንዲ ሑቐን ሓንጐልን ክካየድ እንከሎ እቲ መውቃዕቲ ድማ ብኸም ኮብል ስቶን ዝበሉ ብርቱዕ ሓደጋ ከብጽሑ ዝኽእሉ ዝመጽእ ምዃኑ ዘመላኸተ ምንባሩን ከምዚ ዓይነት ተርእዮታት ክእረሙ ከም ዘለዎምን ዶክተር ኣብርሃ የገንዝብ።
ከም ህዝቢ ኣብ ከቢድ ሓደጋ እናሃለና፣ ዋሕዲ መድሓኒት ከይተማልአ፣ ሰራሕተኛታትና ኣብ ድኻምን ጥምየትን ኰይኖም ከገልግሉ ዝርኢ ህዝቢ፡ ነዚኦም ክእርሞም ይግባእ። ብሰንኪ ዋሕዲ መድሃኒት ዝጽበዩ ተገልገልቲ ኣብ ዘለውሉ ግዜ፡ መድሃኒት ቀጥቀጥ እናበልና ክነባጽሐን እናጽዓርና፡ ዋላ ንኡሽቶ ቁጽሪ ተገልጋሊ እንተወሲኹ የተሓሳስበና እዩ
ብምባል ስክፍታኡ ገሊጹ።

ምምሕዳር እቲ ክልልኸ እንታይ ኢሉ?

ንኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ኮሚሽነር ጀነራል ይሕደጎ ስዩም፡ ስርቂ፣ ሞባይል ምምንዛዕ ከም ዘሎን፣ ካብዚ ልዕል ኢሉ ድማ ዕጥቂ ሒዝካ ዝፍጸም ዝምታ ከም ዝተራእየን ተኣሚኑ።

ኩነታት ጸጥታ እቲ ክልል ምስቲ ኲናት ዘተኣሳስሩዎ ብዙሓት ነገራት ኣለው’ዮም ድማ ይብል።
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ወይ ከባቢ ሕዳር ዕጥቂ ሒዞም ዝንቀሳቐሱ ሰባት ነይሮም፤ መብዛሕትኦም ኣብ ቁጽጽር ኣውዒልናዮም ስለ ዝዀንና ሕዚ ሰፊሕ ከምኡ ዓይነት ምንቅስቓስ የለን፤ ዕጥቂ ሒዝካ፣ ተወዲብካ ዝግበር ክትራን ኣዐርዩ ነክዩ’ዩ፤ ከም ክስተት ግን ክርአ ይኽእል’ዩ
ዝብል እቲ ኮሚሽነር፡ ገሊኦም ኣባላት ሰራዊት ዝነበሩ፣ ወይ ኣባላት ፖሊስ ዝነበሩ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ሓቢሩ።

እንተዀነ፡
ናይ ፖሊስን ሰራዊትን እናሰርሑ ዘይኰነ ንዕኡ ከም ሽፋን ተጠቒሞም ናብ ስርቂ ዝተዋፈሩ እንተዀይኖም ከም ዝዀነ ሌባ ኢና ንርእዮም። ሓሓሊፉ’ውን ስቪል ኰይኖም ዝጋደሉ ዝነበሩ እሞ ተመሊሶም መጺኦም ብሽርክና ዝገብሩዎ ምንቅስቓስ ኣጋጢሙና ነይሩ፤ ዝዀነ ፖሊስ ወይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ግን ገበን ክፍጽም ኣይኽእልን ዝብል ርኢይቶ የብለይን
ኢሉ።

እቲ ክልል ኣብ ኲናት ዝጸንሐ ከም ምዃኑ መጠን ስሩዕ ናይ ምምሕዳርን ጸጥታን ስራሕቲ ይስራሕ ነይሩ’ዩ ምባል ኣይክኣልን ዝብል እቲ ኮሚሽነር፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት (2014 ዓ.ም ብኣቆጻጽራ ግእዝ) ጀሚሩ ግን እቲ ኮሚሽን ከም ብሓድሽ ተጣይሹ፣ ኣባላት መልሚሉን ኣሰልጢኑን ናብ ስራሕ ከም ዘእተወ ሓቢሩ።
ኰይኑ ግን እቲ ኣብ ክረምቲ ብኹሉ ኣንፈት ዝነበረ ከቢድ ውግእ ነቲ ኩነታት ጸልዩዎ እዩ
ኢሉ።

ኣብተን ሕጂ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ትግራይ ዘለዋ ከተማታትን ገጠራትን ዝርኣዩ ጸገማት ከም ዝነበሩ ዝጠቅስ ኮሚሽነር ጀነራል ይሕደጐ፡ ብፍላይ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝኸፍአ ኩነታት ከም ዝነበረ ተኣሚኑ።


ብ2020፡ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ፍሉይ ፖሊስ ኣሰልጢኑ ነይሩ/GETTY IMAGES

ድሕሪ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ህወሓትን፡ ጸጥታን ድሕነትን ነበርቲ ዝሕሉ ሓይሊ ከም ዝተዋፈረን ካብ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ኣብ መቐለ ኣንጻራዊ ምርግጋእ ተራእዩ'ዩ ዝብል ኮሚሽነር ይሕደጐ፡ እቲ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ኣጸልሚትካ ዝዝረቦ ኣይኰነን ብምባል ይምጉት።
ኣብ መቐለ ክትንቀሳቐስ ኣይትኽእልን፣ ሰብ መዓልታዊ እዩ ዝመውት እናበሉ ክዛረቡ ንሰምዕ ኢና፤ ከምኡ ኣይኰነነን። ሓሓሊፉ ገበን ይፍጸም እዩ
ብምባል ነዚ ንምቁጽጻር ሕብረተሰብ ኣብቲ ናይ ጸጥታ ስራሕቲ ዝለዓለ ብጽሒት ስለ ዝጻወት ነቲ ገበን ንምንካይ ይጽዕሩ ምህላዎም ተዛሪቡ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ኣብ ሞንጐ ብመስተ ዝተደፋፍኡ ክልተ ውልቀሰባት ብዘጋጠመ ጸገም ምኽንያት ህይወት ሓደ ሰብ ከም ዝጠፍአ ብኣብነት ጠቒሱ።
በዚ ህይወት ክጠፍኣካ ትሓዝን፣ ይስምዓካ፤ ኣካል ናይ ጸጥታ ገይርካ እውን ትወስዶ። እዚ ተርእዮ ሒዝካ ግን ኣይውጻእን ኣይእቶን፣ መዓልታዊ እዩ ሰብ ዝቕተል ክብሃል ኣይክእልን። ብእስ ዝበለሉ ግዜ ነይሩ፤ ሕጂ ግን ተመሓይሹ እዩ። ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ስለ እንደሊ ከነኣእሶ ኣይደልን፤ ንስርሓሉ ግን ይብል
ኢሉ።

ነዚ ንምሕጋዝ፡ ሓድሽ መሓውር ፖሊስ ተጣይሹ ምህላውን ናይ 24 ሰዓታት ኣገልግሎት ይህብ ከም ዘሎን ሓቢሩ።

ከም ጸጋይ ገብረመድህን ዝበሉ ነበርቲ ከተማ መቐለ ግን፡ ኣብ ከተምኦም ዝረአ ዘሎ ስርዓት ኣልቦነትን ስምዒት መንግስቲ ኣልቦነት ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ፖለቲካዊ ዕረያ ክግበር ይጠልቡ።

ኣብ ሞንጐ ዕላል ቴሌፎን ጓላ ትድሃያ ዝነበረት መሰረት ክኣ፡ እቲ እትናፍቘ ርግኣት መቐለ ኣብ ቀረባ ናብ ንቡር ክምለስ ተመዓዱ።

sesame
Member+
Posts: 5775
Joined: 28 Feb 2013, 17:55

Re: (BBC): ብገበናት ክትራንን ስርቅን ትሕመስ ዘላ ትግራይ

Post by sesame » 04 Feb 2023, 17:31

ውዒጊን ኵናት ዘይክእልዋ ጓይላ ኣትዮም ተኾኒኖም። ሕጂ ኣብታ ናይ ብሓቂ ባህላዊ ጸውተኦም እዮም ዝጻወቱ ዘለዉ። ስርቅን ቀጠፍጠፍን ምሽክንክንን ደኣ ደይ ናቶም ኢያ። በዓል ገታቸው ረዳ ከይሓፈሩ ምስ ኣቢይ ኮፍ ኢሎም ትእዛዛት "መሽረፈት" ክቕብሉ ክትርእዮም ከለኻ፡ ዓጋመ ክሳብ ክንደይ ድርባያት ህዝቢ ምዃኖም ይበርሃልካ።
Please wait, video is loading...

Mesob
Member
Posts: 1516
Joined: 23 Dec 2013, 21:03

Re: (BBC): ብገበናት ክትራንን ስርቅን ትሕመስ ዘላ ትግራይ

Post by Mesob » 04 Feb 2023, 20:09

The mayor of Mekele Dr Debretsion can not keep peace of his little town, let lone Adgrat, Adwa, Shire and Axum. What did happen to Humera, Welqait and Tegede? :oops: :oops:
Was the TPLF was dreaming to govern Ethiopia, as they did below


Fiyameta
Senior Member
Posts: 12335
Joined: 02 Aug 2018, 22:59

Re: (BBC): ብገበናት ክትራንን ስርቅን ትሕመስ ዘላ ትግራይ

Post by Fiyameta » 04 Feb 2023, 21:23

:shock: :shock: :shock: :shock:

መረረት ህዝቢ ከተማ ሽረ፡ ፖሊስ ኣካል ሃንግ እዩ ኢሎም




quindibu
Member
Posts: 3279
Joined: 31 Dec 2010, 13:17

Re: (BBC): ብገበናት ክትራንን ስርቅን ትሕመስ ዘላ ትግራይ

Post by quindibu » 04 Feb 2023, 22:03

ወይ ጉድ! When ወይከ ፈተኸ doesn't make the world amenable to their wish........."ትግራይ ናይ የሱስ' ያ" (ትግራይ የኢየሱስ ናት)! :roll:


Please wait, video is loading...

Digital Weyane
Member+
Posts: 8408
Joined: 19 Jun 2019, 21:45

Re: (BBC): ብገበናት ክትራንን ስርቅን ትሕመስ ዘላ ትግራይ

Post by Digital Weyane » 04 Feb 2023, 23:58

ዋይ ዋይ ዋይ ዋይ ዋይ :cry: :cry: :cry: :cry:
Please wait, video is loading...

Weyane.is.dead
Member+
Posts: 6796
Joined: 19 Oct 2017, 11:19

Re: (BBC): ብገበናት ክትራንን ስርቅን ትሕመስ ዘላ ትግራይ

Post by Weyane.is.dead » 05 Feb 2023, 03:09

:shock: :shock: :shock: tplf administered mekele is lawless. Worse than Afghanistan :mrgreen: credits to low iq jizzseeker :mrgreen:

Weyane.is.dead
Member+
Posts: 6796
Joined: 19 Oct 2017, 11:19

Re: (BBC): ብገበናት ክትራንን ስርቅን ትሕመስ ዘላ ትግራይ

Post by Weyane.is.dead » 05 Feb 2023, 03:14

The mother of Weyanay jizzseeker is selling her you know what to survive. Sher.mutna runs in her dna :lol: :lol: :lol: :lol: :lol:

Digital Weyane
Member+
Posts: 8408
Joined: 19 Jun 2019, 21:45

Re: (BBC): ብገበናት ክትራንን ስርቅን ትሕመስ ዘላ ትግራይ

Post by Digital Weyane » 05 Feb 2023, 03:43

ዕፅዋይ ኽባይ ላብ <<ኽትራይ ቅትላይ>> ተቐይሩ ህዝቢ ትግራይ በቶም ኻው አብራኹ ልወፁ አሸበርቲ ቲ.ዲ.ኤፍ ደም ይነብዕ እኒኦ። ኡቱ ቀደም ፀላም ተኸዲኖም ልፍፅምዎ ልነበሩ ሃንጊ ድሕሪ ስዕረት ወያነ አው ጠራራ ፀሓይ ይፍፅሙዎ አለዉ። ኡዛ ልዕሊ ሓደ ምልዮን ደቃ ዝሰአነት ትግራይና መረበትና ዓዲ ነፍሰ ገዳይ ሸፋቱ ሆይና ቐርያ። ዋይ ዋይ ዋይ ዋይ ዋይ :cry: :cry: :cry:

Fiyameta
Senior Member
Posts: 12335
Joined: 02 Aug 2018, 22:59

Re: (BBC): ብገበናት ክትራንን ስርቅን ትሕመስ ዘላ ትግራይ

Post by Fiyameta » 05 Feb 2023, 08:21


ሃየ! ሃየ! ከመይ ከረምኩም፣ ከመይ ኮነ ጥጁእ ሓሳብኩም? ሃየ! :mrgreen:

ከመይ ጸኒሑ እቲ ትብልዎ "ሰብ የለን ጥርሑ".... ሃየ! :mrgreen:
ስንና እንዳመወጽና ክንአቱ ኢና.... ሃየ! :mrgreen:
ኲናት እኮ'ዩ ባህላዊ ጸወታና.... ሃየ! :mrgreen:
አብ ሓደ ረፍዲ ክንቀብረኩም ኢና.... ሃየ! :mrgreen:
ሕብሪ ዓይንኹም ደስ አይበለናን.... ሃየ! :mrgreen:
መሬታ 'ምበር ህዝባ አይድልየናን.... ሃየ! :mrgreen:
ህዝባ 'ምበር መንግስታ አየድልየናን.... ሃየ! :mrgreen:





ደቂ ማይ ጠላሚት ስንቆም ጉራ፣
ዕሽነቶም ጸወታ ብኻራ
ለኪማቶም ጽጋብ ዘይምጻራ
ዳጒንካዮም ኣብ በዓቲ ጭፍራ




Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: (BBC): ብገበናት ክትራንን ስርቅን ትሕመስ ዘላ ትግራይ

Post by Zmeselo » 05 Feb 2023, 09:19

ቁስልኹም አይትሕከኹ (2ይ ክፋል)


Post Reply