Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

President Ruto, arrives in Eritrea.

Post by Zmeselo » 09 Dec 2022, 13:04

ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ብዕድመ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ሎሚ ሰዓት 5፡00 ድሕሪ-ቐትሪ ኣስመራ ኣትዩ።



ጸሓፊ ካቢነን ሚኒስተር ምክልኻልን ዓደን ባረ ድዋለን ምኽትል ሓለቓ ስታፍ ጆፋት ኮሊ ናኮን ዝርከብዎም ሰበ-ስልጣንን ኣባላት ባይቶን ዝርከብዎ ልኡኽ፡ ምስ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ሓቢሩ መጺኡ'ሎ።



On the invitation of President Isaias Afwerki, the President of the Republic of Kenya, H.E. Dr. William Ruto, arrived in Asmara in mid-afternoon hours today for a two-day official visit. President Ruto & his delegation, were accorded warmly.

Yemane G. Meskel: @hawelti
Last edited by Zmeselo on 09 Dec 2022, 17:56, edited 1 time in total.

Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: President Ruto, arrives in Eritrea.

Post by Zmeselo » 09 Dec 2022, 13:12


On Dec 3,1993 AMB Jacques Tumwa presented his credentials to Pres. Isaias as Kenya's first AMB to Eritrea. On 14 Sept, 1993 AMB Beyene Russom presented his credentials as Eritrea's first ambassador to Kenya to Pres. Daniel Arap Moi. Eritrea & Kenya established diplomatic relations, in 1993.

On Dec 6-7, 1993, Kenyan Pres Moi visited Eritrea, one of the 1st leaders to visit Eritrea & the first foreign leader to visit the Port of City of Massawa. General Agreement on Friendship & Cooperation, was signed. Welcome! Karibu! President Ruto.
History of Eritreaታሪኽ ኤርትራ.تاريخ إريتريا: @Erihistory

Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: President Ruto, arrives in Eritrea.

Post by Zmeselo » 09 Dec 2022, 14:09





Kenya treasures the cordial relations it enjoys with Eritrea and is keen on furthering this cooperation for regional stability and prosperity of the two countries.

Held bilateral talks with Eritrea's President H.E. Isaias Afwerki in Asmara.

William Samoei Ruto, PhD: @WilliamsRuto

Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: President Ruto, arrives in Eritrea.

Post by Zmeselo » 09 Dec 2022, 16:25



ጅግንነት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ 50 ዓመቱ

December 9, 2022

Tsegay Teclemicael

https://shidamedia.com/50th-memorial-day/



ዓርቢ 08 ታሕሳስ 1972፡ ቅድሚ 50 ዓመት፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ሓደ ምንጋሩ ዘጸግም ፍጻሜ ተኻየደ። ኣብ ክሊ ዕድመ 24- 28 ዝርከቡ ሰለስተ ኤርትራውያንን ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያንን ንነፋሪት ንመገዲ ኣየር ክጨውዩ ተበገሱ። እቶም ክልተ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ እቶም ኣርባዕተ ገሊኦም ትምህርቶም ዛዚሞም ኣብ ስራሕ ዝተዋፈሩ ገሊኦም ድማ ትምህርቲ ዘቛረጹ፡ ሻብዓይ ድማ ምስ ሰለስተ ብጾቱ ናብ በንጋዚ – ሊብያ ዝኣተወን ኣብ ግንቦተ 1972 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተጸምበረን ነበሩ። እዞም ሸውዓተ መንእሰያት፡ ኣማንኤል ዮሃንስ፡ ማርታ መብራህቱ፡ ዮሃንስ ፍቓዱ ኤርትራውያን፡ ዋለልኝ መኮንን፡ ታደለች ኪዳነማርያም፡ ተስፋየ ቢረጋ፡ ጌታቸው ሃብቴ ከኣ ኢትዮጵያውያን ነበሩ።

ኣማንኤል ዮሃንስ፡ ኣብ 1966 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ብ 23 ጥሪ 1971 ምስ ሰለስተ ብጾቱ ካብ ባህርዳር ዲሲ-8 (DC-8) ዝዓይነታ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጨውዩ ናብ ሊብያ ቤንጋዚ ዝኣተወ እዩ። ኣማንኤልን ብጾቱን፡ ንከባቢ ዓመትን ፈረቓን ካብዝን ናብትን ከርተት ድሕሪ ምባል፡ ኣብ መጀመርያ ግንቦት 1972 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ሜዳ ኣብ ዝተጸንበሩሉ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጸሊም ስምብራት ኲናት ሓድሓድ ዘካየደሉ እዋን ነበረ።

ኣማንኤል ዮሃንስ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ተልእኾ ተዋሂቡዎ ካብ ሜዳ ብስም መሓመድ ዑስማን መሓመድ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣተወ። ኣብኡ፡ ነቶም ቅድሚ ሜዳ ምውጽኡ ብጾቱ ዝነበሩ ክውድብ ተንቀሳቐሰ። ኣብዚ ንጡፍ ተልእኮ’ዚ ከሎ’ዩ እምበኣር፡ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንምጭዋይ ዝወጠኑ። ነዚ ንምስላጥ፡ ምስ ካልኦት ተቃለስቲ ኢትዮጵያውያን ዝምድና ፈጠሩ። ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን ኣብቲ ጭውያ ነፋሪት ክሳተፉ ተሰማምዑ፣ ዋለልኝ፡ ታደለች፡ ተስፋየን ጌታቸውን።

ንኣማንኤል ዮውሃንስ ኣመልኪታ፡ ጋዜጣ ሕብረት ታሕሳስ 1972

… ካብ ፖሊስ ዝተዋህበ ተወሳኺ መግለጺ


ኣብ ዝብል ዓምዳ፣
ዋለልኝ መኰንንን ናይ ተግባሩ ተሓባበርትን፡ ካብ ብዙሕ ጊዜ ጀሚሮም ናይቲ ናይ ሽፍታታት ድርጅት ደገፍቲ ከም ዝነበሩ ብመረድኢ ተረጋጊጹ ኣሎ። … እዚ ከኣ፡ በላይ ታደሰ ወይ ከኣ መሓመድ ዑስማን መሓመድ (ኣማንኤል ዮሃንስ)፡ ናይ ኤርትራ ነጻ መውጽእቲ ኢና ካብ ዝብሉ ሽፍታ ተላኢኹ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብዝመጸ፡ ምስ ዋለልኝን ምስቶም ካልኦት ናይዚ ተግባር እዚ ተሓባበርትን ክመኻኸሩሉ ቀንዮም ኢዮም። ብድሕር’ዚ ዋለልኝ ነቶም ሽፍታ ሓኪም ከምዘድልዮም ካብ በላይ ታደሰ (ኣማንኤል ዮሃንስ) ብዝተረደኦ መሰረት፡ ነዚ ሞያ’ዚ ዘገልግን ፍቓደኛ ሰብ ሃሰስ ክብል ጸኒሑ፡ ኣብ መጨረሽታ ብታደለች ኣቢሉ፡ ንማርታ መብራህቱ ኣብዚ ተግባር’ዚ ንኽትሕወስ ኣተኣማሚኑ … ነቲ ጥያቐ ብፍቓዳ ተቐቢላቶ
ክትብል፡ ወደብቲ ጭውያ፡ ኤርትራውያን ምዃኑም ገሊጻ።

ማርታ መብራህቱ፡ ተማሃሪት መወዳእታ ዓመት ሕክምና፡ ጓል ጀነራል መብራህቱ እያ። እሳ፡ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ብሓያል ምንቅስቓሳ እትፍለጥ ኤርትራዊት ነበረት። ተማሃራይ ዩኒቨርሲቲ ዝነበረ ዮሃንስ ፍቓዱ፡ ገና ካብ ንእስነቱ ኣንጻር መግዛእትን ጭኮናን ዝተቓለሰ መንእሰይ እዩ። ኣብ 1967 ምስ ብዙሓት መዛንኡ ኣብ ተሓኤ ተወዲቡ እናተቓለሰ ከሎ ብጸላኢ ተታሒዙ። ካብቶም ብጸላኢ ዝተታሕዙ 16 ተማሃሮ ናብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኢትዮጵያ ብ”ግዞት” ምስ ተሰዱ ኣብ ኣምቦ ትህምህርቱ ቀጺሉ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣደስ ኣበባ ተጸምበረ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሳ ኣስመራ፡ ኣቴንስ፡ ሮም ናይ መወዳታ በረራኣ ፓሪስ ዝኾነት ቦይንግ 707 ቁጽሪ 708 ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብተክኒሻናት ተፈቲሻ ንኽትበርር ኢንጅን ኣሞቐት። 14 እንግሊዛውያን ኣፍቀርቲ ኣዕዋፍ፡ ብስራሕ ዝመጹ ክልተ ኣሜሪካውያን ፕሮፈሰራትን ደራሲ መምህር ሙሳ ኣሮንን ዝርከብዎም 94 ገያሾን 9 ሰራሕተኛታት ናይታ ነፋርቲን ንኽብገሱ ኣብ ምሽብሻብ ነበሩ። ነፋሪት፡ ንኽትበርር ገያሾ መሳፈሪ (ቦርዲን) ወረቐቶም ሒዞም ናብ መውጽኢ ኣፍደገ ክቐርቡ ተዓደሙ። ተቖጻጻሪ፡ ፓስፖርን መሳፈሪ ወረቐትን እናርኣየ ኣሕለፎም፣ ኣብ ነፋሪት ተሳፈሩ፣ ነፋሪት ንኽትበርር ተዳለወት።

ካብ 1969 ጀሚሮም ኤርትራውያን ተጋደልቲ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተጻዒኑ ዝነበረ ናይ ስቕታ ሓጹር ንምስባርን ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓለም ከም ዝፍለጥ ንምግባርን ኣብ ልዕሊ ነፈርቲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተፈላለየ ስርሒታት ከካይዱ ጀሚሮም ነበሩ። ገለ ካብቲ ቀንዲ ስርሒታት ንምጥቃስ፣

• 11 መጋቢት 1969 እዩ። ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኽለተ ኣብ ኣቴንስ ዝተሳፈሩ ኤርትራውያን ኣብ ፍራንክፈርት ምስ ዓለበት ብዘጻወዱላ ቡምባ ከቢድ ጉድኣት ወረዳ፣ መሓመድ ዓሊ ዑመር ኣፍዓሮራመሓመድ ዑስማን ዮሱፍ ሰይቕን ተልእኾኦም ፈጺሞም ናብ መበገሲ ቦትኦ ተመለሱ።

• 18 ሰነ 1969። ዓሊ ሰይድ ዓብደላ፡ ፍስሃ ኣብርሃ ፍካክመሓመድ ኢድሪስ ጥሉልን ኣብ ፓኪስታን ከተማ ካራቺ ዝዓለበት ቦይንግ 707 ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘጻወዱላ ፈንጂ ናብ ሓኹሙሽቲ ተቐየረት።

ሰውራ ኤርትራ፡ ካብቲ ብምዕራባውያ ንልዕሊ ሸሞንተ ዓመት ዜናዊ ዓፈና ዝተኻየደሉ ህሞት ወጺኡ፡ ህላውነቱ ማሕበረሰብ ዓለም ክፈልጦ ተገደደ። ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ሽዑ ዘይነበራ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራ ዝሰልጠኑ
ድሕነትን ሓለዋን በረራ ነፈርቲ (ጸረ ጭውያ)
ከተሰልጥን ተገደደት።

ደራሲ ስንታየሁ ካሳ
ናይቲ እዋን’ቲ፡ ኣዛዚ ጠቕላላ ስታፍ ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበሩ ሌ/ጀነራል እያሱ መንገሻ ንሞያ ድሕነትን ጸጥታን ዝበቅዕ ካብ ምክልኻል “ካሳ እዩ” ኢሎም ከም ዝሓጸይዎ ኰሎኔል ስምረት መድሃኔ ነጊሮምኒ፡
ብምባል ንታሪኽ ሂወት ኣቡኣ፡ ኮሎኔል ካሳ ገብረማርያም፡ ኣብ ዝጸሓፈታ መጽሓፍ ተዘንቱ።

ኮይኑ ድማ፡ ኢትዮጵያ፡ ብመሪሕነት (ኮሎኔል) ካሳ ገብረማርያ (ኣብ ሓምሻይ ወራር፡ ኣብ ጎቦ መእደነ ሓምለ 1979 ዝተቐትለ) ብርክት ዝበሉ ኣባላት ኣሰልጠነት። ነፈርቲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብዘይ ሓለዋ ነፈርቱ ከብርር ስለ ዝተሸገራ፡ ኣብ ንብሲ ወከፍ ኣህጉራዊ በረራ፡ ነፈርታ፡ ብውሑዱ ካብ 4 ክሳብ 6 ኣባላት ድሕነትን ሓለዋን በረራ ነፈርቲ ሒዘን ክገሻ ተገደዳ።

ኣብዛ ብኣስመራ ኣቢላ ናብ ፓሪስ ትበርር ቦንግ 707 ነፋሪት’ዚኣ፡ ካብ ወትሩ ፍልይ ብዝበለ ሓደ ሻምበል ዝመርሖም ኣባልት ድሕነትን ሓለዋን በረራ ተሳፈሩ። ሻምበል ተስፋየ ኣረሩ፡ ካብቶም ቀዳሞት ሰልጠንቲ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣቐዲሙ ሓበሬታ በጺሑዎ ከም ዝነበረን ነቲ ናይ ምክልኻል ስርሒት ከም ዝሓንጸጾን ይፍለጥ።

ጨወይቲ ኣቐዲሞም ዘድልዮም ብረትን ክልተ ናይ ኢድ ቦምባን ከም ዝዳሎ ገበሩ። እተን ናይ ኢድ ቦምባ ካብ ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ፈዳይን ክመጻ ነይሩወን። ኣማንኤልን መስፍንን ኣቐዲሞም’ዮም ዝፋለጡ። ኣማንኤል ካብ ሜዳ ምስ መጸ’ውን መስፍን ገዛ ቀይሩ ጸኒሕዎ ኣጣይቑ’ዩ ረኺቡዎ። መስፍን፡ ብዓልቲ ቤቱ ኣሜሪካዊት’ያ፣ ሓንቲ ውላድ ነበረቶም። ነተን ናይ ኢድ ቦምባ ካብ ኣስመራ ከምጽአን ተሰማምዐ። ከመይ ኣቢሉ ከም ዘምጽአን ኣሰላሰለ፣ ነታ ንእሽቶ ጓሉ ሑዝዋ ክኸይድ መደበ፣ ኣስመራ ብሰላም ኣተዉ።

ኣብ ስዓታት ድሕሪ ቀትሪ’ዩ፣ ኣብ ከባቢ ቤተ ክርስትያን ሳንፍራንቺስኮ ክልተ መንእሰያት ተቛጸሩ። መስፍን፡ ነቲ ዝተቛጸሮ መንእሰይ ረኸቦ፣ ነተን ክልተ ናይ ኢድ ቡምባ ብጨርቂ ጠቕሊሉ ሃቦ። መስፍን፡ ንጽባሒቱ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክምለስ ነይሩዎ፣ ነተን ናይ ኢድ ቦምባ ኣብ ሳንጣ ናይታ ህጻን ጓሉ ኣእተወን። ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ በጽሐ፣ ጓሉን ሳንጣኣን ከይተፈተሻ ሓለፋ።

ጋዜጣ ሕብረት፣
… ነቲ ናይ ጉዕዞ ቲኬትም ዝዓደግዎ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ማለት፡ ካብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከተማ፡ ኣብ ደጎል ኣደባባይን፡ ኣብ ጥቓ ቀዳማዊ ሃይለ ስላሴ ትያትር ካብ ዘሎ ናይ ኢትዮጵያ ኣየር መንገድ ናይ ቲኬት መሸጢ እዩ። ብዘይካ’ዚ ድማ ንዋለልኝ መኰንንን፡ ንበላይን (ኣማንኤል ዮሃንስ) ፡ ንማርታን፡ ካብ ቍሪ ንምክልኻል ዘገልግል ጎልፎ (ሹራብ) ካብቲ ኣብ ጎዳና ቀዳማዊ ሃይለ ስላሴ ዝርከብ ድንኳን ቶፊክ፡ ብተወሳኺ ንማርታ ሓደ ስረ ካብቲ ኣብ ጥቓ ድንኳን ሞዝቮልድ ዝርከብ ሹቕ ገዚኦም ነበሩ። ከምኡ ከኣ መሳርያታቶም ንምሕባእ መታን ክጥዕሞም፡ ዘይተለምደ ዝለዓለ ቍጽሪ ዘለዎ ክሳዕ ዳንጋ ዝሽፍን ጫማ ገዝኡ።
ክትብል ቲኬትን ካልእን ኣበይ ከም ዝገዝእዎ ኣብ ዓምዳ ኣስፊራ ትርከብ።

ጭወይቲ ምቅርራቦም ወድኡ። ሓሙስ 7 ታሕሳስ። ሸውዓቲኦም መንእሰያት ኣማስያኦም ናብታ ዝተቛጸሩላ ሆቴል በብወገኖም ኣምርሑ። ዋለልኝ፡ ነታ ካብ ስራሕ ዝተለቃሓ ናይ ሰራሕተኛታት መመላለሲት (ሰርቪስ) ማኪና ሒዙ ንኣማንኤል ዮሃንስ፡ ማርታ መብራህቱ፡ ታደለች ኪዳነ ማርያምን ጌታቸው ሃብቴን ኣሳፊሩ ናብቲ ኣብ መገዲ ደብረዘይት ዝርከብ ሆቴል ኣምረሐ። ዮሃንስ ፍቓዱን ተስፋየ ቢረጋን ኣርከብዎም። መን እንታይ ከም ዝገብር ተረዳዲኦም’ኳ እንተነበሩ፡ ንዝለዓለ ውሕስነት መሊሶም ደገምዎ።

ነዚ ኣመልኪታ፣
ጌታቸው ሃብቴ ከደ፣ እቶም ካልኦት ኣልቤርጎ ተኻርዮም፡ ታደለች ጥራይ ክትድቅስ ከላ እቶም ሰለስተ … ጽሑፍ ከሰናድኡ ኮፍ ኢሎም ኣውግሕዎ፡
ብምባል፡ ጋዜጣ ሕብረት ትገልጽ።

ዝብገስሉ ሰዓት ተቓረበ፣ ኣማንኤል፡ ማርታን ዋለልኝን ነቲ ኣብ ፒያሳ ኣብ ጥቓ ሞዝቮልድን ቶፊክ ዝተባህለ መሸጣ ክዳውንቲ ቡቲክን ዝተዓደገ ክዳውንትን ንመሕብኢ ብረቶም ዝኸውን ነዊሕ ቡት ጫማን ወደዩ። ዋለልኝ ዘዳለዎ፡ ኣብ ነፋሪት ንገያሾ ዝዕደል ወረቐት ኣብ ቦርሳ ኣተወ። ቀም ከብሉ ዝነበሮም ግዜ ሓጺር’ዩ፣ ኣየበሉን፣ ስዓት ተበገስ ኣኸለ፣ ተበገሱ።

ኣማንኤል፡ ማርታ፡ ታደለችን ጌታቸውን በብተራ ካብ ሆቴል ወጺኦም ኣብ ማኪና ተሳፈሩ፣ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣምርሑ። ድሕሪ ሓጺር ጉዕዞ ኣማንኤልን ጌታቸውን ካብ ማኪና ወሪዶም ታክሲ ናብ ዝረኽብሉ ቦታ ኣምርሑ። ዋለልኝ ንማርታ ኣብ ታክሲ ትረኽበሉ ቦታ ኣብጺሑ ምስ ታደለች መገዶም ቀጸሉ፣ ዮሃንስ ፍቓዱን ተስፋየ ቢረጋን በብወገኖም ናብ መዓርፎ ነፈርቲ በጽሑ።

ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ክትብገስ ምዃና ተሓበረ። ጨወይቲ፡ መንነት ወረቐቶም ኣርእዮም መሳፈሪ ወረቐት ተዋሃቦም። ናብ መፈተሺ ኣምርሑ፣ ተፈተሹ፣ ዝነበሮም ኣይነበሮምን፣ ንፈተሽቲ ንጹሃት ገያሾ ነበሩ። ሻምበል ተስፋየ ኣረሩ ኣቐዲሙ ሓበሬታ ዝበጸሖ’ዩ ዝመስል። ብዘይ ብኡ፡ ዋለልኝ፡ ኣዝዩ ተጠርጣሪ ብምንባሩ፡ ቲኬት ከም ዝገዘአ ክፍሊ ጸጥታ ሓበሬታ በጺሕዎ ነይሩ ዝብሉ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን።

ሻምበል ተስፋየ፡ ብጊሓቱ፡ ሓደ ውጥን ከም ዘሎ ኣይሰሓቶን፣ ንዋለልኝ ካብ መፈተሺ ክሳብ ናብ ነፋሪት ዝኣቱ ካብ ዓይኑ ኣይፈለዮን፣ ተኸታተሎ። ሸውዓቲኦም ብጾት ናብ ነፋሪት ኣምርሑ፣ መሳፈሪ ወረቐቶም (ቦርዲንግ ካርድ) እናረኣዩ ኮፍ ዝብልሉ ቍጽሪ ቦታ እናተመልከቱ ፋሕ ኢሎም ኮፍ በሉ፣ ጋዜጣ ዝሓዘ ጋዜጣኡ መጺሔት ዝሓዘ ድማ መጽሔቱ ገንጸለ።
ኣማንኤል ዮሃንስ፡ ማርታ መብራህቱ፡ ታደለች ኪዳነማርያምን ዋለልኝ መኰንን ኣብ ናይ ቱሪስት ቦታ ኮፍ ኢሎም ነበሩ። ዮሃንስ ፍቓዱን ጌታቸው ሃብተን ቅድሚትን ድሕሪትን ተስፋየ ቢረጋ ድማ ድሕሪት ኮፍ ኢሉ ነበረ።
ብምባል ጋዜጣ ሕብረት ትሕብር።

ሻምበል ተስፋየ ኣረሩን ብጾቱን ቦታ ቦትኦም ሓዙ፣ ከም ተራ ገያሻይ ፋሕ ኢሎም ኮፍ በሉ። ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጉዕዞኣ ናብ ኣስመራ፡ ኣቴንስ፡ ሮምን ፓሪስን ክትፍልም ሰዓት 07፡30 ብቐስታ ናብ መሐምበቢ ጽርግያ ኣምረሐት፣ ንቑሩብ ካልኢት ኣዕሪፋ፡ ፍጥነት ወሲኻ ተሓምቢባ ናብ ኣየር ደየባ ኣንሳፈፈት።

ጋዜጣ ሕብረት ነቲ ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ዝነበረ ኩነታት ኣብ ዓምዳ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣስፊራቶ ትርከብ።
… ማርታ መብራህቱ ኮልት 38 ካሊበር ዝኾነት ሽጉጥ ሒዛ ናብታ ነፋሪት ዝኣተወት ብላስቲክ ጠቕሊላ ብገመድ ኣብ ሰለፋ ኣጣቢቓ ኣሲራ ክትድይብ ከላ … ድሕሪ ኣስታት 13 ደቒቕ በረራ፡ … ነታ ኣብ ሰለፋ ዓጢቓታ ዝነበርት ኮልት ንዋለልኝ ሃበቶ፣ ነቲ ኣብ ኢዳ ዝነበረ ናይ ኢድ ቦርሳ ድማ ካብ ሰለፋ ኣልዒሉ (ዋለልኝ) ኣሕሊፉ ንኣማንኤል ዮሃንስ ኣቐበሎ።
እታ ናይ ኢድ ቦምባ ኣብኡ ነበረት።

ጌታቸው ሃብቴ፡” ትብል ጋዜጣ ሕብረ፣
… ሽጉጡ ካብ ሳእኑ ኣውጺኡ ንዮሃንስ ፍቓዱ ኣቐበሎ። ተስፋየ ቢረጋ ድማ ገመዱ ቀረበ፡
ብምባል እቲ ምቅብባል ብረት ብኸመይ ከም ዝተኻየደ ተብርህ።

ኣማንኤል ዮሃንስ፡ ነታ ካብ ዋለልኝ ዝተቐበላ ቦርሳ ከፊቱ ናይ ኢድ ቡምባ ኣውጺኡ፡ ናብ ቕድሚ ቀሪቡ ነፋሪት ከም ዝተጨውየት ኣፍለጠ።

ጋዜጣ ሕብረት፣
… ኣብዚ ግዜ’ዚ ሓደ ካብቶም ገየሽቲ ኣእዳዉ ንምልዓል ክወላወል ከሎ፡ ዋለልኝ ኣከታቲሉ ብምትኳስ ነቲ ኢንስፔክተርን ገያሻይን ኣቝሰሎም።” ትብል’ሞ፡
… እቲ ኢንስፐክተር (ኣባል ድሕነትን ሓለዋን በረራ) ምንም’ኳ እንተቈሰለ፡ ከመቅጽበት ንዋለልኝ ብብልሓት ሃሪሙ ዘርጋሕ ኣበሎ።
እዚ ኣብ ዝኾነሉ ጊዜ፡ በላይ ታደሰ (መሓመድ ዑስማን መሓመድ (ኣማንኤል ዮሃንስ)) ዝተባህለ ድማ ነታ ሒዙዋ ዝነበረ ቦምብ መባረቒእ ለቒቑ ክድርብያ ክብል፡ ካልእ ኢንስፐክተር ንበላይ ታደሰ (መሓመድ ዑስማን መሓመድ) ምስ ቦምብኡ ክሕዞ ክፍትን ከሎ፡ ታደለች ኪዳነ ማርያም ነቲ ኢንስፐክተር ብድሕርኡ ሓኒቓ ክትቃለሶ ከላ፡ እታ ቡምባ ወዲቓ ምስ ተተኰሰት፡ ንዓኣን ንኻልኦትን ኣቝሲላ፡ ነታ ነፋሪት’ውን ጎድአታ፡
ክትብል፡ ንኣማውታ ኣማንኤል ዮሃንስን መቑሰልቲ ታደለች ኪዳነማርያምን ገሊጻ።

ጌታቸው ሃብቴን ዮሃንስ ፍቓዱን ሽጉጦም መዚዞም ክትኩሱ ጀመሩ፣ ኣባላት ድሕነትን ጸጥታን በረራ ቶኲሶም ኣውደቑዎም። ማርታ መብራህቱን ተስፋየ ቢረጋን ተውቒዖም ወደቑ። ነፋሪ ኣብ ገለ ኣካላታ በቲ ነትጒ ተበስዐት፣ ማይ ፈርሻሕሻህ በለ፣ ሓደ ኢንጂን ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮነ። ብዘይካ ታደለች ኪዳነማርያም፡ ኩሎም ብጾት ተሰውኡ።

ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሓደ ኢንጂን ኣስታት ሰዓት 08፡25 ናብ መሬት ዓለበት። ስዉኣት፡ ናብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ተወሰዱ። ወለዲ ሬስኦም ተቐበሉ። ማርታ መብራህቱ፡ ክንዲ መርዓኣ ናብ ናይ መወዳእታ መዕረፊኣ መካነ መቓብር ቅዱስ ጳውሎስ ወጴጥሮስ ተበገሰት፣ ኣብኡ ድማ ሓመድ ኣዳም ለበሰት። ኣብ ሳልስታ፡ ሬሳ ፍቓዱ ዮሃንስ ናብ ኣስመራ ተወሰደ፣ ብተማሃሮን መንእሰያትን ተሰንዩ ኣብ መካነ መቓብር ጸጸራት ሓመድ ኣዳም ለበሰ። ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሩ ዝተኻፈሉ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ዝኾኑ ተማሃሮን መንእሰያትን ተሰሊፎም ጐደና ሰማእታት ሓሊፎም ጐዳና ሓርነት ኣትዮም ኣብ አሪተል ሓሊፎም ኣብ መብራህቲ ትራፊክ (ሰማፎሮ) በጽሑ፣ ሃንደበት ተዅሲ ተሰምዐ፣ ሰልፈኛታት ፋሕ ፋሕ በሉ።

ኣማንኤል ዮሃንስ ግና፡ ከምቶም ቅድሚኡ ኣብ ፈቐዶ ጎቦታትን ስንጥሮታትን ኤርትራ ተሰዊኦም ንቡር ቀብሪ ዘይረኸቡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ብጾቱ፡ እሱ’ውን፡ ከምቶም ዝቐደሙ ብጾቱ፡ ስቕታ ማሕበረሰብ ዓለም ሰይሩ መንነቱ ከይተፈልጠ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ሓመድ ኣዳም ለበሰ።

ብዛዕባ እቲ ዝተኻየፈ ፈተነ ጭውያ፡ ብብዙሓት ኢትዮጵያውያን ጸሓፍቲ ዝተጻሕፈን ንኣማንኤል ዮሃንስን ዮሃንስን ፍቓዱን ዘገለለ ብሓደ ወገን፡ ንማርታ መብራህቱ ኢትዮጵያዊት መንነት ዘልበሰን ንስለ ናይ ኢትዮጵያ ሰውራዊ ምንቅስቓስ በጃ ከም ዝኾነትን ገይሩ ዝቐረበን በቲ ኻልእ ኮይኑ፡ ሓንጻጽን ወዳብን ዋለልኝ መኰንንን ካልኦት ኢትዮጵያውያንን ምዃኑ’ዩ ዝዝንቶ። ብሓጺሩ፡ ኢትዮጵያዊ ታሪኽ’ዩ ተባሂሉ። እንተኾነ፡ ብብዙሓት ናይቲ እዋን’ቲ ኣዕሩኽትን መማህርትን፡ ኣማንኤል ዮሃንስ፡ ፈተነ ጭውያ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 8 ታሕሳስ 1972 ብኤርትራውያን ዝተሃንደሰን ዝተወደበን፡ ዋለልኝን ካልኦትን ንስለ ምድልዳል ምሕዝነት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተቃለስቲ ከም ዝጽምበርዎ ከም ዝተገብረ፡ ታሪኽ ፈተነ ጭውያ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ይሕብረና።

ዝኽርን ሞገስን ንስዋኣትና!

Temt
Member+
Posts: 5279
Joined: 04 Jun 2013, 22:23

Re: President Ruto, arrives in Eritrea.

Post by Temt » 09 Dec 2022, 17:53

Thanks, bro! This a historic achievement that both Eritreans and Ethiopians should be proud of.

Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

Re: President Ruto, arrives in Eritrea.

Post by Zmeselo » 09 Dec 2022, 17:58

Temt wrote:
09 Dec 2022, 17:53
Thanks, bro! This a historic achievement that both Eritreans and Ethiopians should be proud of.
Brother Temt, something for you to laugh about for the weekend. :lol:


Temt
Member+
Posts: 5279
Joined: 04 Jun 2013, 22:23

Re: President Ruto, arrives in Eritrea.

Post by Temt » 09 Dec 2022, 18:22

"Forces from Eritrea and America"! :lol: :lol: :lol: Holi cow! Tigraionline is crying foul, now that the western neocons, the master of the evil criminal Weyanes, are dumping them like hot potatoes!

Post Reply