Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

"ተቃለስቲ" ዶ ኣሸበርቲ .. .. .. የ 9/11 አሸባሪዎችም " በAwel Seid ታጋዮች ወይም ተቃለስቲ" ተባሉ! ድንቄም ታጋይ!

Post by Meleket » 03 Dec 2022, 05:39

Meleket wrote:
03 Dec 2022, 05:15
ወዲ ሓወቦና ካብ ዝፈነወን ገለ ገለ ትሕዝቶ ክንሰምዕ ዕድል ረኺብና ነቢርና’ሞ፤ ብዙሕ ቁምነገር ተዛሪቡ ንስለቲ ጻዕሩን ተበግሶኡን ንሙግሶ። እተን ዳግማይ ኪሓስበለን ዚግባእ ጉዳያት ድማ ብኤርትራዊ ጭውነት ሃበንን ምቕሉልነትን ድማ ነካፍሎ፡ ንሕና ኤርትራውያን ደያኑ ማእከልን መስመርን

“ድርብ ዕያር” ዶ ኣይዀነን?

ብዛዕባ ልዑላውነት ኤርትራ እናሞገተ፡ ንልዑላውነት ሃገረ ኡክሬን ጎሲዩ ንወራሪ ፑቲን ምምጓሱ ተዓዚብና፤ እዙይ “ድርብ ዕያር” ዚበሃል ድማ ከምዡይ ዓይነት ኣተሃሳስባን ኣካይዳን ኣይኮነን ዲዩ? ልዑላውነት ሃገር ኪበሃል ከሎ እታ ሃገር ምስ ድላያ ክትቋረን ክትዛመድ መሰላ’ዶ ኣይዀነን? ንኣብነት ሃገረ ኤርትራ፡ ምስ ሃገረ የመን ዝነበረ ጉዳይ ብዘየገድስ፡ ኣብ ዓሰብ ንቀጠር’ዶ ንኤሜሬት መዓርፎ ነፈርቲ እንተካረየት ጐረባብታ ከጉባዕብዑላ ቅቡል ዲዩ? ጅቡቲ ሰፈር ዝተፈላለዩ ሃይልታት ክትከውን ብምምራጻ ጐረባብታ ሃዲድናያ ንፈልጥ ዲና? ክንዲ ዝዀነ ድማ ሃገrን ህዝብን መንግሥትን ዩክሬን ምስ ድላዩ ሃገር ኮነ ሃይሊ ዝምድና እንተመስረተ ኪጉበጠን ኪውረርን ይግባእ ዲዩ? ነቲ ቅሉዕ ወራር ሩሲያ ንልዑላዊ ሃገር ዩክሬን ኪነመክንየሉ ይግባእ ዲዩ? ንአሽሓት ሰላማውያን ሰባት ግዳዪ ዚገብር ዛሎ ንወራሪ ፑቲን’ከ ክንምጉስን ክነመላኽእን ይግባእ ዲዩ? ምስቲ ወዲ ሃወቦና ብዛዕባ እዙይ ጉዳይ ዝተዛረቦ እዙይ ሕቶና ኅሊና ዝኹርኹህ ጉዳይ ኪኸውን ተስፋ ንገብር። ንገለ ቦሊሲታት ኣማሪካ ስለዝጸላእና ወይ ግዳይ ገለ ቦሊሲታት ኣማሪካ ስለዝዀንና፡ ንዕላዊ ወራር ሩሲያ ክንድግፍ ይግባእ ዲዩ?

ምንጪ ጥቀሱ

ካብ ካልኦት ዝወሰድኩሞ ሃሳብ ኮነ ታሪክ ክትገልጹ ከለኹም ምንጪ ጥቀሱ ቢሉ ይዕድመናሞ እሞ ንሱ “ባንኪን ታንኪን” ቢሉ ኪገልጽ ከሎ ካብ ጋዜጠኛታት ጦቢያ ከምዝተለቅሖ ኣይገለጸልናን። ከምዡይ ኪገብር ከሎ ንሱውን ምንጪ ይጥቀስ ደኣ።

“ተቃለስቲ’ዶ ኣሸበርቲ ወይ ግብረሽበራውያን

ኣብ ሓደ መደርኡ ወዲ ሓወቦና ከምዡይ ቢሉ፥-
ሓደ ናይ ምሁር ደንቆሮ ኤርትራዊ’የ ዚብል እንታይ ኪብል ሰሚዔዮ መስለኩም “ምስ ኣሜሪካ ትኣኽል፡ ምስ ምዕራባውያን ዝኣክል ይበኣሱ እዚኦም” ኢሉ ብተምሳጥ ከሕነቕንቕ ሰሚዔዮ። ሓዚነ፡ ኣብ ሻዕብያ ከየብጻሕኩ ባዕለይ ክምልሰሉ ኢየ። እዚኣ ንዓይ ግደፉለይ። ሓዝ መልሰይ፡ ግብርሓፋሽ እንተአትጋሂሱ፡ ልዑላውነት ሃገር እንተተደፊሩ ከም ሕዝብኻ ብቁመና እንተፈሪስካ ኣኸለ’ዩ፤ ኣብነትካ ትግራይ ትኹን። ‘ኣሜሪካ ሃገር ኢያ’። እወ። ‘ኃያል እውን ኢያ።’ እወ። ከፊኡ እንተከፍኣ ግን ማንታ ህንጻኣ ‘ተቃለስቲ’ ሮማዕ ከምዘበልዎ ኣስተውዕል። ኢለ መሊሰልካ ኣሎኹ። . . . .


እሞ’ከ ደኣ ተቃላሳይ ንአሽሓት ሰላማውያን ሰባት ዕላማን ግዳይን ይገብር ዲዩ?

ተቃላሳይ ማለት አብ ክንዲ ወተሃደራዊ ዕላማ ንአሽሓት ሰላማውያን ሰባት ዚቐዝፍ ተግባር ዚፍጽም ዲዩ?

ተቃላሳይ ህንጻታት ዚሰርሕ ዲዩ ሕንጻታት ዜዕኑ?

ኣብዚ ነታ ሕቶ ናብ ሻዕብያ ከየብጻሔ ባዕሉ ኪምልሳ ብምፍታኑ፡ ርኡይን ዓብይን ጌጋ ተጋጊዩ። እዞም ኣሽሓት ዜጋታት ዓለምና ብሰላማዊ መንገዲ ዝዓዩለን ዝነበራ ንማንታ ህንጻ ዜዕነው ባእታታት ኣሸበርቲ ወይ ግብረ ሽበራውን እምበር ተቃለስቲ ወይ ተጋደልቲ ኣይዀኑን። ተጋዳላይ ወይ ተቃላሳይ ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባት ምእንቲ ኬድሕን በጃ ይሓልፍ እምበር ንሰላማውያን ሰባት ግዳዪ ኣይገብርን ኢዩ። ክንዲ ዝዀነ ድማ እዞም ማንታ ህንጻ ዘዕነው “ሮማዕ ዘበሉ” ውልቀሰባት አሸበርቲ ወይ ግብረሽበራውያን እምበር ተቃለስቲ ክንብሎም ኣይግባእን።

ወዲ ሓወቦና ካብ ዝሰማዕናሉ ፍትዋት አገላልጻታት ሓደ ክልተ ፈዪ ከነብል፦

ንመራሕቲ ‘መንግሥቲ ክልል ትግራይ’ “ምስ ክራቫታኦም ናብ ፕሪቶሪያ ከይዶም ዝተማረኹ” ቢሉ ንበኣል ስታሊን ዝመለሰሎም ግሩም አገላልጻ ኢያ። 100/100 ሂብናዮ ኣሎና።

ኤርትራዊ ኣብ እምኒ ሕነ ኣይፈድይን ኢዩ። ሓውልቲ ሰማእታት ተዀምብያ ብወያነ ስለዝዓነወ፡ እቱይ ንጥንታዊ ግዕዛዊ ፊደላትና ሰቲሩ ንዘመናት ንቅድመ-ኣኽሱማዊ ታሪካዊ ዛንታታት ህዝብና ዝዓቐበ ሓወልቲ መጠራ፡ ብወየንቲ ከምዝዓኑ እንተተፈረደኳ፤ መንግሥትን ህዝብን ኤርትራ ግዜ ሂቡና ቢሎም ንሓወልቲ ኣዅሱም ከዕንዉ ኣይደለዩን ዚበሎ ኣገላልጻ ፈቲናሉ ኣሎና። ብርግጽ ንጭውነት ኤርትራውያን ዝያዳ ዜጉልህ፤ ንአራዊታዊ ተግባር ወየንቲውን ዝያዳ ዚገልጽ ግሩም አገላልጻ። ኣገናዕ ወዲ ሓወቦና ክንብሎ ንፈቱ! ኣብዡይ እውን 100/100 ሂብናዮ ኣሎና።

ኣብ ቀጻሊ “ያበጠው ይፈንዳ” ቢሉ ኮነ ምስ “መምህሩ” ተላዚቡ ብዛዕባ “ፊዚካል ዲማርኬሽን” እንተተብተቦ ድማ ኣይጽላእን ኢዩ። ኢሳያስ ጸጋይ “ንዶብ እንድዩ ተኸፊሉ ጅግና” ከምዝበለ፤ እዙይ ኩሉ ናይ ዓመታት ገልታዕታዕን ከልበትበትን ህዝቢ ኤርትራ ብ“ቨርችዋል ዲማርኬሽን” ዘይዀነ ብ “ፊዚካል ዲማርኬሽን” ኪዛዘም አይግባእን’ዶ? ቢሉ ይሕተት። “ፊዚካል ዲማርኼሽን” ንህዝቢ ኤርትራ የርብሖ’ዶ የኽስሮ? ቢሉውን ይሕተተልና ንመምህሩ። ኣብ ቀጻሊ ስርሓቱ ብዛዕባ ህንጸት ብዛዕባ ኮንስትራኽሽን ብዛዕባ ሕርሻ ብዛዕባ ቱሪዝም ብዛዕባ ጸዓት ወዘተ ዛሎ ተኽእሎታት ስራሕ እንተቀረበ ድማ ንጽበዮ።

በዙይ በለ በቱይ እቱይ ጉዳይ ዶብን ልዑላውነትን ኣብዙይ ኪጥመር ይግባእhttps://mereja.com/forum/viewtopic.php?f=2&t=308857

ኤርትራውያን "ናትና ኣይንህብን ዘይናትና _ _ _ _ _ _ _!" ክንብል ከሎና ብወገን ኢትዮጵያ ክንየው እዘን 146 ነቑጣታት ወይ መዓስከራት ነማዕድዎ ነገር የብልናን ማለት'ና ዶ ኣይዀነን? :mrgreen:
Last edited by Meleket on 05 Dec 2022, 11:05, edited 2 times in total.

Fiyameta
Senior Member
Posts: 12600
Joined: 02 Aug 2018, 22:59

Re: "ተቃለስቲ" ዶ ኣሸበርቲ

Post by Fiyameta » 03 Dec 2022, 06:43

‘ኣሜሪካ ሃገር ኢያ’። እወ። ‘ኃያል እውን ኢያ።’ እወ።
"ኃያል" ኢሉ ዝጽሕፍ ኤርትራዊ የብልናን። እዚአስ ናትካ ናይ ሓደ አብ ዕጽዋን ክባን ዝርከብ ትግራዋይ አጸሓሕፋ እያ ትመስል። እቲ ሓሶትካ ገደብ እንተገበርካሉ ይሓይሽ ፣ ምኽንያቱ እቶም ብሓሶት ክትጥቅኖም ትፍትን ዘለኻ ኤርትራውያን አሽንኳይዶ ንሓደ ደንቆሮ ከዳሚ ትግራዋይ ከማኻ ተባዕታይ ሃመማ ብቐሊሉ ከለልዩ ዝኽእሉ፣ ብኣተሓሳስባ፣ ብፍልጠት ዝበሰሉ፣ ጸጋ አእምሮ ዝተዓደሉ ህዝቢ ምዃኖም ከረጋግጸልካ ይፈቱ። :mrgreen: :mrgreen:






Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: "ተቃለስቲ" ዶ ኣሸበርቲ

Post by Abe Abraham » 03 Dec 2022, 06:59



ኣብ ዓሰብ ንቀጠር’ዶ ንኤሜሬት መዓርፎ ነፈርቲ እንተካረየት ጐረባብታ ከጉባዕብዑላ ቅቡል ዲዩ? ጅቡቲ ሰፈር ዝተፈላለዩ ሃይልታት ክትከውን ብምምራጻ ጐረባብታ ሃዲድናያ ንፈልጥ ዲና?

Meleket,

ናይ ጅቡትን ኤርትራን ጉዳይ ዝተፈላለየ እዩ ። ካብ ደቂ ዓዲ ዝበሃሉ ጀሚርካ ኣብ ርእሲ ኤርትራ ሕስድና ዝመልኦ ኣረኣእያ ኣሎ ።

Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: "ተቃለስቲ" ዶ ኣሸበርቲ

Post by Meleket » 05 Dec 2022, 05:22

"መንግትታት" ቢሉ ዚጽሕፍ ኤርትራዊ'ከ ኣሎና'ዶ? :mrgreen:
Meleket wrote:
09 Nov 2022, 03:45
. . .
ናብ ትግርኛናን ቋንቋዊ ውርሻና ክንምለስ፦ ኣብታ "መንግታትን" እትብል ቃል ዛላ ፊደል "" እንታይ ዀይና ኢና ኣብ ሓዳስ ኤርትራናን ኣብ ኤርትራዊ ጽሑፋት ድሕሪ ናጽነት ዛይንርእያ ዛሎና፧ መን ኣጥፍኣ፧ ስለምንታይ፧ ንምንታይ'ከ፧ ንመን'ከ ተወኪሱ፧ ምስ መን'ከ ተላዚቡ፧ ወዘተ . . . ንፊደላትናውን 'ፍልልይ ከይገበርካ" ምዕቃብ ኣይምተገብኣናን'ዶ፧ ቢልና እንተ ሓተትና መን ኮን ኢዩ ኣዕጋቢ ምላሽ ዚህበና 'ልሒቕና'፧
:mrgreen:
Zmeselo wrote:
08 Nov 2022, 22:04

Nov 1971, "Fight The oppression of Humans by Humans": Nhnan Elamanan
Fiyameta wrote:
03 Dec 2022, 06:43
‘ኣሜሪካ ሃገር ኢያ’። እወ። ‘ኃያል እውን ኢያ።’ እወ።
"ኃያል" ኢሉ ዝጽሕፍ ኤርትራዊ የብልናን። . . . :mrgreen: :mrgreen:
Fiyameta 'ጓል መገዲ'ዶ መሪጭኪ? :mrgreen: ነዙይ ናይ ፊደላት ጕዳዪ ካልእ ግዜ ክንምለሶ'ና!https://mereja.com/forum/viewtopic.php?f=2&t=308805&

ለመሆኑ ኮለኔል ታሪኩ እንዴት ናቸው? :mrgreen: መቼም አማርኛ ነው ይበልጥ የሚገባሽና በአማርኛ እናስረዳሽ። Awel Seid የተባለው ኤርትራዊ ኣርቲስት፡ በየግዜው የሚለቀውን ቪዲዮ ተመልክተን ሃሳብ ሰጥተናል። በ9/11 ፍጻሜ ዙርያ "የአሜሪካን መንታ ህንጻዎችን "ተቃለስቲ" ወይም "ታጋዮች" ዶግ ኣመድ አድርገውታል" ማለቱን ተከትሎ፤ እኛ ኤርትራውያን የመሃልና የመስመር ዳኞች ደግሞ "አሸባሪዎች"ን "ተቃለስቲ' ማለት ትልቅ ስህተት ነው ብለን ምክራችንን ለግሰነዋል። ኣይዞሽ ይሄ ምክራችን ደስ ስላላለሽ "ኣሸባሪት" ብለን አንጠራሽም!

ተቃላሳይ ወይ ታጋይ፡ በሽዎች የሚቆጠሩ ሰላማውያን ሰዎችን ታርጌት ያደርጋል እንዴ?

ተቃላሳይ ወይ ታጋይ ሰላማውያን ሲቪል ሰዎች የሚሰሩባቸውን ስፍራ ዒላማ አድርጎ ጥቃት ይፈጽማል እንዴ?

ተቃላሳይ ወይ ታጋይ ህንጻ ነው የሚሰራው ወይስ ህንጻን ያወድማል?

ተቃላሳይ ወይ ታጋይ በሽዎች የሚቆጠሩ ሲቪሎችን ገድሎ፡ በሽዎች የሚቆጠሩ ቤተሰቦቻቸውን አደጋ ላይ ይጥላል እንዴ?

የኣሜሪካን መንታ ህንጻዎች ያጠቁት ሰዎች ወይም ኃይሎች "ተቃለስቲ ወይም ታጋዮች" ከተባሉ፡ "አሸባሪዎች ወይም ግብረ ሽበራዎች" የሚለው ቃል ታድያ ለማን ሊሰጥ ነው? :mrgreen: ብለን ኅሊናን የሚኮረኩር ጥያቄ ነው የጠየቅነው። ከቻልሽ መልሽ ካልቻልሽ ደግሞ ሚመልሱትን ሰዎች አዳምጭ፡ ካልሆነ ግን "ጓል መገዲ" በመሄድ ከጽሑፍ አርእስት ውጭ ለማጭበርበር መሞከርሽ ምንነትሽን ብቻ ነው ቁልጭ አድርጎ የሚያሳዬን። ኰለነል ታሪኩን ደግሞ ሰላም በዪልን።። :mrgreen:

የዘላቂ ሰላም ዋስትኖቻችን፡ 146ቱ የጋራ ፈርጦቻችን ናቸው። "ፊዚካል ዲማርኼሽን" ኣሁኑኑ! :mrgreen:
https://mereja.com/forum/viewtopic.php?f=2&t=308857

Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: "ተቃለስቲ" ዶ ኣሸበርቲ .. .. .. የ 9/11 አሸባሪዎችም "ታጋዮች ወይም ተቃለስቲ" ተባሉ! ድንቄም ታጋይ!

Post by Meleket » 05 Dec 2022, 10:06

ስምንተኛው ሽ ደረሰ መሰል፡ የ "9/11 'አሸባሪዎች' እንደ ጀግኖች ተቆጥረው በኤርትራዊው ኣርቲስት በ Awel Seid "ተቃለስቲ ማለትም ታጋዮች" እየተባሉ ነው" (14ኛ ክፍል ቪዲዮውን ይመልከቱ) :mrgreen: ይህን መሰሉ መረን የለቀቀ ኣመለካከት፡ ህዝብንና የዋሆችን እንዳያሳስት፡ መታረም እንዳለበት መግለጽ ደግሞ ኅሊናዊ ግዴታችን ነው፡ ለኛ ለኤርትራውያን የመሃልና የመስመር ዳኞች:lol:

ጐበዝ ሚናህን ለዪ "አሸባሪን አሸባሪ" እንዲሁም "ታጋዪን ታጋይ" ማለት የግድ ይላል። አሸባሪ በሽዎች የሚቆጠሩ ስቪሎችን ዒላማ ኣድርጎ አጥፍቶ ይጠፋል፡ ታጋይ ደግሞ በሽዎች የሚቆጠሩ ሰላማውያን ዜጎች ሰላማቸው እንዳይደፈርስ፡ ራሱን መስዋእት በማድረግ የብዙዎችን ሰላም ይታደጋል። ኣይደለም እንዴ?

ዶማም ዶማ ኣካፋም ኣካፋ መባል ኣለበት። ኣይደል?
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: "ተቃለስቲ" ዶ ኣሸበርቲ .. .. .. የ 9/11 አሸባሪዎችም " በAwel Seid ታጋዮች ወይም ተቃለስቲ" ተባሉ! ድንቄም ታጋይ!

Post by Meleket » 06 Dec 2022, 06:02


ግብረ-ሽበራውያን” ናበይ ደኣ ኣበሉ፧

ሰላማውያን ዜጋታት በልማማ ዝቐትሉ፡
3ሽሕ ሰባት አብ ቅርዓት ዝቐትሉ፡
ስቪላት ቐዚፎም ህዝቢ ዝብድሉ፡
ማንታ ሕንጻ ኣዕንዮም ደምነት ዝተኽሉ፡
ብጽልኢ ኣዕበድቢዶም፡ ሰላም ዝምንጥሉ፡
ተቃለስቲ’ እዮም እንካብ ተባህሉ፡
እቶም “ግብረ-ሽበራውያን” ናበይ ደኣ ኣበሉ፧

(ዝክረ ሰማእታት 9/11)

Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: "ተቃለስቲ" ዶ ኣሸበርቲ .. .. .. የ 9/11 አሸባሪዎችም " በAwel Seid ታጋዮች ወይም ተቃለስቲ" ተባሉ! ድንቄም ታጋይ!

Post by Abe Abraham » 06 Dec 2022, 06:30

  • ናይ ኢብን ላድን ዲኻ
    ትዛረብ ዘሎኻ ኣታ?
    ጎይታ ቶራቦራ
    ንኣሜሪካ ዘሕረራ፡
    ልባ ኣቃጺሉ
    መዓንጣኣ ዝኾምተራ?

    ካብኡ ዝገደደ
    ኣሎካንዶ
    ወይን ዝገበሮ
    ኣብ ምድረ ዓፋር ይኹን
    ዓደምሓራ !
    ክንዛረብ ተኾይንና
    ብዛዕባ
    መን'ዩ ተቓላሳይ
    መንከ መራሕ ሽበራ !!!!!!

Meleket
Member
Posts: 3057
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: "ተቃለስቲ" ዶ ኣሸበርቲ .. .. .. የ 9/11 አሸባሪዎችም " በAwel Seid ታጋዮች ወይም ተቃለስቲ" ተባሉ! ድንቄም ታጋይ!

Post by Meleket » 06 Dec 2022, 10:08

Meleket wrote:
06 Dec 2022, 06:02

ግብረ-ሽበራውያን” ናበይ ደኣ ኣበሉ፧

ሰላማውያን ዜጋታት በልማማ ዝቐትሉ፡
3ሽሕ ሰባት አብ ቅርዓት ዝቐትሉ፡
ስቪላት ቐዚፎም ህዝቢ ዝብድሉ፡
ማንታ ሕንጻ ኣዕንዮም ደምነት ዝተኽሉ፡
ብጽልኢ ኣዕበድቢዶም፡ ሰላም ዝምንጥሉ፡
ተቃለስቲ’ እዮም እንካብ ተባህሉ፡
እቶም “ግብረ-ሽበራውያን” ናበይ ደኣ ኣበሉ፧

(ዝክረ ሰማእታት 9/11)
:mrgreen:

Post Reply