Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Eripoblikan
Member
Posts: 3197
Joined: 15 Sep 2019, 13:49

ጽውጽዋይ ወለከ ጽልማይ

Post by Eripoblikan » 25 Nov 2022, 09:30

ኣብ ሓደ ዓዲ፡ ሃብታይ ዝበሃል ሓረስታይ ነበረ። እዚ ሓረስታይ፡ ክፍለ ዝበሃል ወዲ ወለደ። ክፍለ ብብዓመቱ ቁመትን ግዝፍን እንዳወሰኸ በጽሒ ወዲ ኣኸለ።

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ፡ ሃብታይ ንክፍለ ወዱ ሕጂ ጎቢዝካ እንዲኻ፡ ናብታ ስግር ሩባ ዘላ ግራትና ኬድካ ሕረሳ በሎ። ሽዑ ክፍለ "ሕራይ ኣቦ፡ እዘን ቐዳመ-ሰንበት ምስ ተወድኣ ሰኑይ ንግሆ ክወፍር እየ" በለ።