Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 04 Nov 2022, 02:32

ምዕራፍ 11 - አቡበከር አሕመድ

ኣብቲ ብዛዕባ ደግያት ማሕራይ ዝረኣናዮ ወቕትታት እዩ። እቲ ኵነታት ከኣ ብቑሩብ እዩ ዚፈላለ። አቡበከር ዝያዳ ኣብ ውሽጢ አርትራ ኰይኑ ኪሰርሕ ይረአ።

ብስግር ባሕሪ እውን ሓድሓድ ተሓባበርቲ ይቀላቐሉ እዮም። አቡበከር ከኣ ጎቦታት ዓሳዎርታ መረት አቦታቱ ወድ ሓራስ ነብሪ ኪመስል ንጠላይን ላሕ የብሎም።
በዚ ዚስዕብ ንጀምር። ሓበረታ ነስመራ ዚልእኽ ሙላሳኒ ካብ ዓድዃላ እዩ፦

“ፎርማቶሪ ቸሩ ደረስ፡ ቅድሚ ትማሊ ካብ ዓድዋ ዝነቐለ ከም ዚሕብሮ፦
- ባሻይ ንጉሰ፡
- ሓደ ርስቱ ዚበሃል፡
- ገረንስአ ዓንደብርሃን፡
ከምኡ እውን ካልኦት ዕጡቓት፡ ንአርትራ አቢሎም ይሓልፉ ነሮም . . . እቲ ፎርማቶሪ ንዅሎም ስለ ዚፈልጦም ከኣ፡ እቲ ሓበረታ ከም ርጉጽ ኪውሰድ ይከኣል። እቲ ፎርማቶሪ ከም ዚብሎ፡ ካብቶም ናብ ናዅራ ዘምለጡ ሸሞንተ ሳሆታት፡ ካብ ራእሲ ሃዲሞም። ራእሲ ከኣ ናብዚ ግዝኣትና ከይኣትዉ ምእንቲ ምዕጋት ጽኑዕ ዝኾነ መምርሒ ሂቡ ኣሎ። ኵሉ መገድታት ብጽኑዕ ይሕሎ ኣሎ።” (-ማርቲን ዲያርዮ 10-4-1900 ገጽ 107 ።)

ብዙሓት ሓርበኛታት እምበኣር፡ ንናዅራ ፈፈንጢሶም ይውጽኡ ኔሮም እዮም እንታይሞ ምንሊክን ናይ ትግራይ ኮራኹሩን ከለው፡ ካብ መግዛእቲ ኢጣልያ ዘይሕሹ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ምዕራፍ 12 - ጣልያን ብናይ ሳሆ ዝተናወሐ መኸተ የንጸርጽሩ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ሃሳባት ክንካፈል'ና። ሰላም ወሰናይ!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 05 Nov 2022, 01:56

ምዕራፍ 12 - ጣልያን ብናይ ሳሆ ዝተናወሐ መኸተ የንጸርጽሩ

ዝኾነ ፍሕሕታ ጠፊኡ እዩ። ተቓወምቲ ጠፊኦም እዮም። ደጊም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘፍርሃና የብልናን። ንህዝቢ ኤርትራ ከኣ ሓፍ ከም ዘይብል ድቑስናዮ ኢና።

ደጊም ኣብቲ ናይ ዓለታዊ ጽንታ መደብና ክንኣቱ ንኽእል ኢና፡ እና በሉ ይሓስቡሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን ጣልያን፡ ሓደ ፍናን ዝመልኦ ናይ መኸተ ምንቕስቓስ ብወገን ሳሆ ተላዒሉዎም ከም ዘሎ ከኣ ፈለጡ። ምስ ምንቅስቓስ ብሓደ ኣብቲ ሰነዳት አቡበከር ማሕሙድ ኢሎም ዚጽውዕዎ ሓርበኛ ዝተመርሐ እዩ። ንጣልያን ኣውራ ዘስገኦም አቡበከር ብሓይልን ብዕጥቕን እና ማዕበለ ብምኻዱ እውን እዩ። እስኪ ነዚ ብዛዕባ ኣቡበከር ዚጅምር ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ድራማዊ ጸብጻብ ንርአ፦

“ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ፍጹም ህድኣት፡ እቲ ቀዳማይ ትዅሲ ይስማዕ ኣሎ። ሓደ ካብቶም ሰላም ዚኸልኡ፡ እቲ ዓሳዎርተታይ አቡበከር እዩ። ኣብቲ መጀመሪያ ግዝያት ኣንጻሩ ብዙሕ ሰራዊት ምውፋር ዘድሊ ኰይኑ ኣይተራእየናን። ካብዚ ቀረባ እዋናት ንነጀው ግን፡ ብረቱ እናበዝሐ ከይዱ። ከምቱ ዚበሃል ከኣ ናብቶም ሰዓብቱ፡ እቶም ናይ ኮርባርያ
- ደግያት በይንን
- ቀሺ ዘርኡን
ተወሲኾሙዎም ኣለዉ። ኣቡብከር 40-50 ዝኾኑ ዕጡቓት ከም ዘለዉዎ ይግመት። ምስ ምብዛሕ ብረቱ ከኣ ድፍረት’ውን ወሲኹ ኣሎ። ኣብ መስመር ማህዮ ከኣ፡ ነቶም ናይ ስለያ ዓሳክርና ከይተረፈ ተዅሲ ከፊቱሎም።” (ማርቲኒ ዲያርዮ 25-6-1901: 498)።

ጣልያን ነዚ ከምዙ ምንቅስቓሳት፡ ብዅሉ ናይ ሓበረታ መጋበሪያኦም ተጠቒሞም፡ ብደቂቕ ይከታተሎም። ናብ ተቓወምቲ ሳሆ፡ ናይ ካልኦት ብሄራት ሓርበኛታት ኪጽምበሩ ብምዕዛቦም ከኣ ንስግኣቶም ስግኣት ተወስኾ። እቲ ዜናዋሕ ዚንህርን ዘሎ መኸተ ከኣ ንጣልያን ፍጹም ኣንጸርጸሮም።

ጣልያን ከኣ ንሳሆ ብሓጺር ግዝየን ንውትሩን ንምጭፍላቕ ይፍክሩ። እንተ ኾነ ልክዕ ከምዚ ናይ ደርጊ ኣበሃህላ፦

“ መረት ጸንኪሩና እዩ፡ ጎቦ ተሪሩና እዩ ወዘተ . . ." ኪብሉ ከኣ ይስምዑ። መቐጸልታ ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ እዚ እንሆ፦

“ኣብ ዓሳዎርታ’ኳ ጽንኩር፡ ንምትግባሩውን ተስፋን ጽቡቕ ውጽኢትን ዘይብሉ’ኳ እንተኾነ፡ ሓደ ግዝየ ንወትሩ ምጭፍላቑስ ከድሊ እዩ።

“ሎም ንግሆ እዚ ዚስዕብ ተለግራም ካብ ባጽዕ መጺኡ።

“ካብ ዞባ ዖኖኸባ ሰዓት 11 ። ሎም ንግሆ ሰዓት 5፡30 እቲ ንዓዲ ናህባይ ንዳህሳስ ዝተንቀሳቐሰ ፈተውራሪ ረዳ ዓስከርና፡ ኣብ ትዅል ዖኖኸባ ኣንጻር እምቢተኛታት ተዅሲ ከፊቱ። ትልንቲ ቦርሳረሌ ምስ 12 ምሩጻት ዕጡቓት፡ ትልንቲ ኣናድረዩኒ 5 ምሩጻት ዕጡቓት ሓዲኦም ብየማን ሓዲኦም ብማእከል። ኣነን ትልንቲ ደሮሲን ምስ 16 ምሩጻት ዕጡቓት ብጸጋም ነቶም 20 ዝኾኑ እምቢተኛታት ገጢምናዮም። እምቢተኛታት ተኸፋፊሎም፡ ንሰምየን - ምብራቕ ኣቢሎም ተኸዊሎም። ወዮ ፎርማቶርታት ናይ አቡበከር ጉጅለ እዩ ዝበሉዎ፡ ንዓላምቦ ኣቢሉ እውን ዝወረደ፡ ጽዑቕ ትዅሲ ከፊቱ።

“ባንዳ ደሮሲን ዓሳክረይን እቶም ካልኦት ሰራዊትን ከኣ መሊሶሙሉ። ንዓላምቦን ኩመይልን ሓለዋ ኪተዓጻጸፍ ልኢኽ ኣሎኹ”።

ሓደ ግዝየ ንዅሉ ሳዕ ኢሎም፡ ጣልያን ምስ ዓሳኽሮም ንአቡበከር ኣሕመድ ኪድምስሱ ተበጊሶም እዮም። እንትኾነ አቡበከርክ ስቕ ኢሉዶ ከም ቢስኩት ተቖርጣማይ፧ ስለ ምንታይ ዓሳዎርተታይ ኮይኑ አቡበከር፧ ዓሳዎርታ ማለት እኳ ኸኣ በቲ ሓደ ወገንስ ደቂ ነብሪ ማለት እዩ። ዓሳዎርታ ኣቦና ካብ ነብሪ እዩ ወሊዱና ዚብል ዚዀርዑሉ ያታ እውን ኣለዎም። ብስብእነቶም ከኣ ናይ ብሓቂ ናይ ነብሪ ጠባያት የርእዩ እዮም።

ጣልያን ከኣ ነዚ ያታ’ዚ፡ ካብ ካልእ ዝያዳ ይፍልጡዎ። ብጅግንነት ሳሆ ከኣ ተሸቝሪሮም ነበሩ። ኣብዛ ኣንጻር ውሑዳት ሰባት እትመስል ወፍሪ ክንድዚ ዝጭነቑ ከኣ፡ በዚ ምኽንያት እዮም። ናይዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ካብቲ ቦታታት ናይ ውግእ ነስመራ ናይ ዝተላእከ መጠረስታ ክፋል ናይቲ ጸብጻብ ከኣ ከምዚ ይብል፦

“ሰዓት 9፡ መራሕ በርገደሊ (መራሕ ብርገድ) ፍራንሳ ንሓገዝ ተጸዊዑ፡ ምስ ሰዓብቱ ናባይ መጺኡ።

ነቶም ዝደኸሙን ብጽምኢ ማይ ዝተሰነፉን ሰራዊትና ምእንቲ ኪትክእ እዩ። ማይ ፍረን ሒዘ ኣሎኹ። ንትልንቲ ኩነታ ከኣ ምስ 25 ሰዓብቱ ጸዊዐዮ። ናይ ማይ ጸገም ኣሎና። ናብ ታሕታይ ሱሮ ሓደ ኩባንያ (ሓይሊ) ምስዳድ ከድሊ እዩ። ምዅዓቲ፡ ስንቅን ማይን ዘመላልሳ ብዙሓት ኣባቕልን ከኣ የድልየና። ካብ ወይዓ ንደቡብ ኣቢለን እየን ዘድልያ። ብላታ ሓይልዝጊ ዓስከርና ብቐሊል ቈሲሉ። ካብ ራብዓይን ሻብዓይን ኩባንያ ክክልተ ዓሳክር ቈሲሎም። ገረስላሰን ገረኺዳንን ዓሳክርና ብብርቱዕ ቈሲሎም።

ካብ እምቢተኛታት ሓደ ምዉት። ሓንቲ ዝቘሰለት ሰበይቲ እውን ተታሒዛ [ተማሪኻ]። ኣብዚ ሰዓት እዚ፡ ተዅሲ ጠጠው ኢሉ ኣሎ። ፍራንሳ ብወገኑ ከኣ፦
- ሓደ እምቢተኛ ቈሲሉ፡
- ውሕድ ዝበለ ሓርጭ ስገም ተመንዚዑ ይብል ኣሎ። ደም ዝተጸየቐ ጁባ እውን ተረኺቡ። ናይቲ ዝሞተ እምቢተኛ ብረት እውን ተማሪኻ። - ግብጣን ጋረለ” (ማርቲኒ ዲያርዮ 1901፡ ገጽ 498)።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ምዕራፍ 13 – 20 ኣንጻር 200 ዓወት ነይብሉ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ሃሳባት ክንካፈል'ና። ሰላም ወሰናይ!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 07 Nov 2022, 03:23

ምዕራፍ 13 – 20 ኣንጻር 200 ዓወት ነይብሉ

ናይ ኢጣልያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣመሓዳሪ ፈርዲናንዶ ማርቲኒ፡ እዚ ዝረአናዮ ጽብጻባት ምስ አንበበ፡ ፍጹም ይሓርቕ። ዳርጋ ምስ ነብሱ ንበይኑ ከም ዚዛረብ ከኣ፡ ከምዚ እና በለ ጸሓፍ፦

ከምቲ ክርድኦ ክኢለ ዘሎኹስ፡ እቲ ውግእ 5 ሰዓታት ኣቢሉ ዝወሰደ እዩ። ብወገንና፦
- 4 ቍሱላት
- 1 ምዉት
ካብ ሰዓብቲ ኣቡበከር፦
- 3 ቍሱላት
- 1 (ምናልባትውን 2) ምዉታት

ነኣና ዓወት ዚበሃል ዘይብሉ፡ ንሕና 200፡ እምቢተኛታት 20 ጥራይ ከም ዝነበርናን እንድሕሪ ርኢኻ ከኣ . . . ። እንተኾነ ናይ ቦታ ጽንካረ ከኣ ኣብ ግምት ኪኣቱ ኣለዎ። ነቲ ብባጽዕ ዘሎ ትልንቲ ብርኑቺ (ሓኪም)፡ ናብቲ ናይ ውግእ ቦታ ኪኸይድ፡ ናይ ካራቢነሪ ግብጣን ክራቨሪ እውን ነቲ ስርሒታት ናይ ምምራሕ ሓላፊነት ኪስከም ኣዚዘ ኣሎኹ። ካብቶም ኣብ ባጽዕ ዝለዉ ናይ ገምገም ሓለዋ፡ ክፋል ናይ ሓደ ኩባንያ፡ ከምኡ’ውን ካብ ሰገነይቲ ሓደ ናይ ሓምሻይ ቦጦሎኒ ኩባንያ ኵሉ ዘድልዮም ስንቅን መጋበርያን ማይን ሒዞም ኪብገሱ ኣዚዘ።” (ማርቲኒ 1901፡ ገጽ 498) ።

ልክዕ ኣብዚ እውን ናይ ደርጊ ገልጠምጠምን ዕጠቕ ሰልፍን ይመስል። ኣማእት ኣሽሓት ምስ ኵሉ ሓይሎም ኣንጻር ውሑዳት፡ ንሃገራዊ ስምዒት ዚመጣጠንን ዚዓግትን ሓይሊ’ሞ ኣበይ ኪህሉ ኢሉ።


ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ምዕራፍ 14 - ሰፊሕ ኣኸባ ሰዓብቲ አቡበከር ንኸንቱ ዓወንወን ሰይቲ አቡበከር ተታሒዛ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ሃሳባት ክንካፈል'ና። ሰላም ወሰናይ!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 08 Nov 2022, 05:11

ምዕራፍ 14 - ሰፊሕ ኣኸባ ሰዓብቲ አቡበከር ንኸንቱ ዓወንወን ሰይቲ አቡበከር ተታሒዛ

ኣዋልድ ኣርትራ ከኣ በዛ ናይ ዘበን ጣልያን ጅግና ሳሆተይቲ እውን ኪሕበና ይኽእላ እየን። እዚ እቲ ናይ ወርቃዊ ታሪኸን ሓደ ምዕራፍ እዩ።

ጣልያን ከም’ቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ፡ ብኵሉ መኣዝናት ምብራቕ አርትራ’ኳ ሓይልታቶም ኣኽቲቶም ኣዋፊሮም፡ እንተኾኑ፡ ዘፍረዩዎ ነገር ኣይነበረን፡ እንትርፊ ነቶም ዝማረኹዎም ውጉኣት ምስቓይ። ብዛዕባ ኣቡበከርን ስዓብቱን ከኣ ማይ ዓሚኾም ደኣ ተሪፉ።

ብዛዕባ ምዕውንዋኖም ንነብሶም ምእንቲ ምጽንናዕ ከኣ እቲ ወፊሩ ዝነበረ ግብጣን ክራቨሪ ከምዚ ዚብል ጸብጻብ ነስመራ ለኣኸ፦

“ዞባ ዖኖኽባ። 26 ሰነ፡ ሰዓት 21 ። ትማሊ ፍረ ዘለዎ ሃሰሳ። ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ናይ ደም ኣሰር ይረአ። ካብቲ ናይ ውግእ ቦታ ክሳዕ ሓደ ገደል። እንተኾነ ብዘይካ እዚ ኣሰር’ዚ ካልእ ዝተረኸበ የልቦን። ሎሚ ግን ኣብቲ ሃም ዝበለ ገደል ምዉት ከም ዘሎ ዚሕብር ናይ ረሳ ሽታ ይሽትት ኣሎ።

“እቲ ትማሊ ዝቘሰለ ናይ 7ይ ቦጦሎኒ ኣባል ሞይቱ። እታ ትማሊ ቈሲላ ዝተረኸበት ጓለንስተይቲ፡ ሰበይቲ አቡበከር ምኳና ተኣሚና። ሰብኣያ ኣብቲ ጽንኩር ዞባ ኣደላራበ ናይ ኵሎም ሰዓብቱ ሰፊሕ ኣኸባ ኣውጁ ከም ዝነበረ ከኣ ገሊጻ።

“ዝተጠልበ ኩባንያ ብግዝየኡ እንድሕሪ መጺኡ፡ እቶም እምቢተኛታት እውን ኣኸባ ከካይዱ ናብቲ ዝተባህለ ዞባ እንድሕሪ ኣትዮም፡ ክንሕዞም ክንፍትን ኢና። ኣብዚ እንተ ዘይተዓወትና ከኣ፡ ክቡርነትኩም እንታይ ክንገብር ከምዚግበኣና ክትሕብሩና ኢኹም። ስንቂ ይሽግረና እዩ። ብዙሕ ግዝየ ኣብ ዝባን ህዝቢ ኢና እንወድቕ” ይብል ግብጣን ክራቨሪ።

ግብጣን ክራቨሪ እቲ ናይ ዓወንወን መደባቱ’ኳ ንጐይቶቱ ይልኣኸሎም እምበር፡ ዘረባኡስ ከይሓረዱ ሱላ ኣንደዱ ከይኮነ ኣይክተርፍን። ናይ ኣኸባ ቦታ ኣይርከብ፡ ኣኽበኛታት ኣይረክብ። እቲ መልእኽቲ ከኣ ከምዚ እና በለ ይዓጹ፦

“ትማሊ ሰዓት 3፡00 ካብ እምባ ጃውጉደ ክወርድ ከሎኹ ሓምሽተ እምቢተኛታት ተዅሲ ከፊቶምለይ። እቲ ዚመርሓኒ ዝነበረ ዓሳዎርተታይ ከኣ ኣብ ሰለፉ ቈሲሉ። ብተዅሲ መሊስና። እንተኾነ ቁም ነገር ዝገበርና ኣይመስለንን። ካብ ናይ ሽመዛና ዕጡቓት እቶም ቈሲሎም ዘለዉ፡ እሞ ዘይተወጽዑ፡ ኣብ ትሕቲ ትልንቲ ድሮሲ ንሱሩ ኪውሰዱ እዮም። ኣብ ኢድ ሓኪም ኪርከቡ ከኣ እትስፎ። ግብጣን ክራቬሪ” (ማርቲኒ አብኡ)።

ማርቲኒ ባዕሉ ብዛዕባ ናይ ዓሳክር ጣልያን 4 ቍሱላት ሓደ ምዉት ጥራይ ኢሉ’ኳ እንተ ገለጸ፡ ካብዚ መወዳእታ በለቕ ዚብል ዘሎን ካብቲ ኣቐዲሙ “ምስ መዅዓቲኦም ወዘተ . . .” ዚብሎ ዝነበረን ክትግምቶ ትኽእልስ፡ ወተሃደራት ጣልያን ይረግፉ ከም ዝነበሩ እዩ። ደሃይ አቡበከር ግን ገለኸ!

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ምዕራፍ 15 - ፋልልነት ኣብ ትግራይ አቡበከር ሕቡእ ቦታኡን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ሃሳባት ክንካፈል'ና። ሰላም ወሰናይ!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 09 Nov 2022, 02:22

ምዕራፍ 15 - ፋልልነት ኣብ ትግራይ - አቡበከርን ሕቡእ ቦታኡን

ጣልያን ኣንጻር ተቓዋማይ ኣቡበከርን ሰዓብቱን ንምድሪ ሳሆ ሰፊሕ ወፍሪ ከም ዝገበሩ ተዓዚብና ኣሎና። ወተሃደራት ጣልያን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ እውን እንታይ ግፍዕታት ፈጺሞም ኪኾኑ ከም ዚኽእሉስ፡ ኣብዚ’ኳ ባዕላቶም ኣይጥቀሱም እምበር፡ ንጣልያንን ናይ መግዛእቲ ኣሰራርሓን ስለ እንፈልጥስ ባዕልና ክንግምግም ንኽእል ኢና። ብዛዕባ ሓርበኛ ኣቡበከር ግን፡ ከም ብሓድሽ ናብ ሓበረታታት ካብ ምምእራር ሓሊፎም ካልእ ኪገብሩዎ ዚኽእሉ ኣይነበሮምን። እስኪ እዚ ዚስዕብ ጩራ ንርአ፦

“30 ሰነ። ካብ ትግራይ ሓበረታ። ውግእ ኣብ ሞንጎ ደግያት ገረስላሰን ደግያት ተፈርን። መንገሻ ደጋፊ ተፈሪ፡ እቲ ኣምሓራይ ንቡረእድ ከኣ ደጋፍ ገረስላሰ። ዘይተርፍ ተዅሲ፡ ርጉጽን ነዊሕን ፋሉልነት። ነቲ ናይ ተለግራፍ መስመር ጥራይ ኣይተንክፉልና።

“ሓበሬታ ካብ ዓሳዎርታ፡ ተቐማጦ ዓሳዎርታ ከም ዚብሉዎስ፡ እምቢተኛ ኣቡበከር፡ ኣብቲ ሓደ መእተዊ ጥራይ ዘለዎ መሕብኢኡ፡ ኣብ ሳብራ ከይህሉ። ኣቡበከር ኣብ 'ሳብራ' እንተ ዘይኰይኑ ካብ ካልእ ከይመውት ምሒሉ ከይኸውን ከኣ ይኣምኑ” ይብል ገና ግብጣን ክራቨሪ። ዕሱብ ግብጣን ክርቨሪ ንጐይታኡ ባህ ከብል ብዝከኣሎ ሓርኮትኮት ኢሉ፡ ሓንጎሉን ወተሃደራዊ ክእለቱን ክሳዕ ዘፍቀደሉ’ኳ ንኣቡበከር ኪርኸብ ላዕልን ታሕትን እንተ በለ፡ ንግዝየኡስ ዘፍረዩ ከምዘይብሉ ንርእዮ ኣሎና። ንሓዋሩኸ፧ ንኣቡበከር ኪሕዞ ድዩ ኪቐትሎ፧ እዚ ዚስዕብ ንከታተል።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ምዕራፍ 16 - ሓዲስ መደብ ወፍሪ ኣንጻር ኣቡበከር ህዝቢ ግን ምስ ሓርበኛታቱ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ሃሳባት ክንካፈል'ና። ሰላም ወሰናይ!
:mrgreen:


Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 09 Nov 2022, 04:04

ሕራይ ሰሚዕናኺ ኣሎና! :mrgreen:

ክቡር ተጋዳላይ ዶ/ር ኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ ዝጸሐፍዎ ግሩም ኤርትራዊ ታሪኽ ክንድዚ ጸላዕላዕ ዛበለኺ እንታይ'ኡ በጃኺ ጸገምኺ፧ 'ይገርመና'ሎ'! እስከ "ኮለነል ታሪኹ" ዝጸሐፍዎ ጽሑፍ እንተሎ ሃሰስ ቢልኪ ክትነቢ ፈትኒ ንሞራልኪ።
Fiyameta wrote:
09 Nov 2022, 03:40
Meleket is a Junta AGAME!
ንከምዡይ ለኺፉኺ ዛሎ ዓይነት ሕማም፡ ፍቱን መድሐኒት ኣብዡይ ኢኺ ትረኽብዮ https://mereja.com/forum/viewtopic.php?f=2&t=308644 :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 10 Nov 2022, 03:41

ምዕራፍ 16 - ሓዲስ መደብ ወፍሪ ኣንጻር ኣቡበከር ህዝቢ ግን ምስ ሓርበኛታቱ

ግብጣን ክርቨሪ ንአቡበከር ከጥፍእ ተሓሊልዎ እዩ። እንተኾነ ይእዝዙዎ ኣለዉ።

ንሱ ከኣ ካልእ መደብ ወፍሪ ኪሕንጽጽ ይግደድ። ኣብዚ ወፍርዚ ከኣ ክንደይ ሰላማዊ ህዝብን ንብረቱን ከም ዚጉዳእስ ኣይጥርጠርን። እዙ ኣብ ሰላሳ ሰነ ናይቲ ዓመት እቲ፡ ልክዕ ከኣ ሰዓት ሾብዓተ ናይ ንግሆ ዝተጻሕፈ ናይ ግብጣን ክራቨሪ ናብ ማርቲኒ ዝተላእከ መልእኽቲ እስከ ንገንጽል፦

ብዛዕባ ምንቅስቓስ ኣቡበከር ርጉጽ ወረ ተሳኢኑ። ናይ ነሪ ኩባንያ፡ ትማሊ ኣብ ባስጣፍ ስለ ዝበጽሐ፡ ሎሚ ለይቲ ከኣ ገለ ሓበረታ እንተ ተረኺቡ፡ ሓዲስ ፈተነ ኪግበር እዩ።
እንድሕሪ ዘይቀንዓና፡ እሞ ብክቡርነትኩም ከኣ ገለ መምርሒ እንተ ደኣ ዘይተዋህበስ፦
- ክፋል ኩባንያ ጉወሊ ንኢራፋለ፡
- ኣሎሪ ንባጽዕ፡
- እቶም ባንዳ ንሰንዓፈ፡
- ኩነታ ንዓድቐይሕ፡
- ኣንድረይኒ ነስመራ ማለት በቲ ዚጥርጠር፡ መንገድታት ከም ዚኸዱ
ኪገብር እየ።
- ኩባንያ ነሪ፡
- ትልንቲ ቦርሳሬሊ
ከኣ፡ ቀንዲ ቦታታት ዞባ ዖኖኸባን ጐላጉል ኣላምቦን ዒላታት ኩመይለን ክሕዙ እዮም። ተወሳኺ ከኣ ሓደ ብ15 ሰባት ዝቖመ ተወናጫፊ ጋንታ ኣለዎም።

“ኣነ ንግዝየኡ፡ እቲ ንድፊ ከም ብሓድሽ ንኽቡርነትኩም ምእንቲ ከረድእ ነስመራ ኪመጽእ እየ። ክሳዕ ሕጂ ከኣ ብዙሕ ናይ ኣቡበከር መሓብኦ ተቓሊዑን ተደምሲሱን እዩ።

ፈቓት ሓርክ (ሚነፈረ) ኣብቲ ስርሒት ረድዮም (ፈትዮም) ኣይተሳተፉን። ካብ ዓሳሊሰን ከኣ ክሳዕ ሎሚ ኪሕግዝ ዝተራእየ የልቦን።” (ማርቲኒ ዲያርዮ 1901፡ ገጽ 505 ።)

ኣመሓዳሪ ማርቲኒ እዚ ናይ ግብጣን ክራቨሪ ጸብጻብ መወዳእታ ክፋል ምስ ኣንበበ ፍጹም ይግረም። ተስፋ ቆሪጹ ከኣ፦

ዋይ!! እቶም ምስ ኣቡበከር ሕነ ደም ዘለዎም ፈቓት ሓረኽ እኳ ምሳና ዘይተደጋገፉ ደኣ . . . ደገፍ ህዝቢ ምጽባይስ እምበር ዘይሕሰብ እዩ ኣንታ! . . . እስኪ እቲ ሓድሽ ንድፊ ከኣ ክንርእዮ ኢና። ናይ ኣከለጉዛይ ኣመሓዳሪ ከኣ ሓበረታ ረኺበ ይብል ኣሎ። ንሱ ከም ዚብሎ ከኣ፡ ንኣቡበከር ተባሂሉ ዝተላእከ ብረት ያኢ ኣብ ደስየት ኣባ ጎባይ ተኸዚኑ ኣሎ። ሎም መዓልቲ ሰባት ክንሰድድ ኢና ይብል ኣሎ።” (ማርቲኒ ድያርዮ 1901፡ ገጽ 505) ኢሉ ጸሓፈ።

ጠባይ ህዝቢ ኣርትራ ብፍላይ ከኣ ጠባይ ህዝቢ ሳሆ ጠፊኡዎ ማለት ድዩ፧ ባዕዳዊ ባህ ኪብሎስ ንሓዎም ኣሕሊፎም ኪህቡ፧ ማርቲኒ በቲ ኣብ ምንጎ ኣቡበከርን ፈቓት ሓረክን ዝነበረ ምጉንፋጣት ብዙሕ ተተስፍዩ ነሩ። እንተኾነ ዕደ ደኣ!

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ምዕራፍ 17 - ውጽኢት ዘይብሉ ዳህሳስ ኣንጸርጽሮት ማርቲኒ ህዝቢ ገና ካብ ብልጫታት ንሓርበኛታቱ ይመርጽ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ሃሳባት ክንካፈል'ና። ሰላም ወሰናይ!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 11 Nov 2022, 01:26

ምዕራፍ 17 - ውጽኢት ዘይብሉ ዳህሳስ ኣንጸርጽሮት ማርቲኒ ህዝቢ ገና ካብ ብልጫታት ንሓርበኛታቱ ይመርጽ

ጣልያን ንዓሳዎርታ ብፍላይ ከኣ ንፈቓት ሓረክ፡ ብዙሕ ሓለፋታት የተስፍዎም ምእንቲ ኪተሓባበሩዎም ያኢ። ፈቓት ሓረክ ግን ካብ ሓለፋታት ጣልያን ሃገሮምን ሓርበኛታቶምን ስለ ዚፈትዉ፡ በዚ ምዕሻው ኣበዩዎም።
ማርቲኒ ከኣ በዚን ብሳዕቤናቱን ፍጹም የንጽርጽር እሞ፡ ብኽልተ ሓምለ ናይቲ ዓመት እቲ፡ ኣብ ዝየና ዕለታቱ (ዲያርዮ) ከምዚ ኪብል የመዝግብ፦

“ነቲ ዘይእቶን ዘየሕልፍን ቦታታት ገለ መሕለፊ እንተ ተረኸበ ሃሳስ ምባል ይቕጽል ኣሎ። ኩባንያ ዲ ኢሎሪ ከኣ ነቲ ጽንኩር ዞባ ዳህሲሳ። ብዛይ ገለ ውጽኢት ግን . . . መራሕቲ ፈቓት ሓረክ ዝኾነ ብልጫ ወይ ካልእ ሓለፋ ነጺጎም፡ ፍጹም ምትሕብባር ኣብዮም።

“ኣብቲ ጸቢብ ቦታ ሳድም፡ ብዕለት 28 ክልተ ኣብዑር ኰብኪቦም ዝኸዱ ዝነበሩ ዕጡቓት ተራእዮም። ተዅሲ ምስ ተኸፍተሎም ናብ መረት በጥ! ኢሎም። ነቶም ጥሪት ከኣ ገዲፎሙዎም ሃዲሞም። እቶም ክልተ ብዕራይ ናይ ኣቡበከር ምዃኖም ተፈሊጡ።
- ክራቬሪ”።

ብዙሕ ተዅስታት። እምቢተኛታት ግን ወትሮ ደኣ የምልጡ። ብዛዕባ’ዚ ፍጻመታት’ዚ፡ ኣብ ጋዝየጣታት ኢጣልያ፡ ብዝተጋነነ ምቕራቡ እንተ ዘየረጋግጽ ከኣ፡ እዙ ዅሉ ክንድቲ ኣይምገደሰንን። ጋዝየጣታት ኢጣልያ ነዛ ግዝኣትና ብዘይዕገት ተቓውሞ ዝተሳቐየትን ህድኣት ዘይብላን ገሮም የቕርቡዋ። እዚ ከኣ ኣብ ኢጣልያ ሕማቕ ጽልዋ እዩ ዘሕድር።” (ማርቲኒ ዲያርዮ፡ 1901 ገጽ 505 ።)

ኣብዚ ማርቲኒ ከይተፈለጠ ብዙሕ ሓቅታት የምሉቝ። ተቓውሞ ህዝቢ ኣርትራ ኣብ ኢጣልያ ኣጸቢቑ ይስማዕ ነሩ እዩ። እዚ ከኣ፡ ነቲ “ንህዝቢ አርትራ ኣጽኒትካ፡ እንተላይ ንገጠራት አርትራ ብሓረስቶት ኢጣልያውያን ምምላኡ እሞ፡ ሓደ ናይ ኢጣልያውያን ሓረስቶት ሕብረተሰብ ኣብ ኤርትራ ምምስራት” (ሓፈሻዊ ጸብጻብ መርማሪት ሽማግለ 1891፡ 204) ዚብል እኩይ መደቦም ዘተዓናቕፍ ነበረ። ህዝቢ ኢጣልያ እውን ወላ ብዝተዃሕለ ኣቀራርባ እኳ ይኹን እምበር” “አሪትርያ” እንተ በሉዎ ጥራይ ይርዕድ ስለ ነበረ። ብኽንደይ ናይ ጕንዖ ተስፋታትን ምጥባርን ጥራይ ንኣርትራ ከም ዚውሕዝ ገበሩዎ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ምዕራፍ 18 - ድብያታት ወተሃደራት ጣልያን ድኾኖ ብለይቲ ትጥቃዕ ህላወ ኣቡበከር” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ሃሳባት ክንካፈል'ና። ሰላም ወሰናይ!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 15 Nov 2022, 04:57

ምዕራፍ 18 - ድብያታት ወተሃደራት ጣልያን ድኾኖ ብለይቲ ትጥቃዕ ህላወ ኣቡበከር

ጣልያን ከኣ እቲ ሓዲሽ ናይ ወፍሪ መደቦም ኪትግብሩዎ ይፍትኑ። እንተኾነ ወይከ! እቲ ተኣኒኖም ዘዳልውዎ ረቂቕን ዝተጸንዐን ድብያ ከም ብሓድሽ ክሳዕ ዘዳልዉ ግዝየ ከድሊ ከም ዝኾነ ይገልጹ። ብፍላይ ትልንቲ ክራቨሪ ዚበሃል ኣብ ህልኽን ሕርቃንን ዝኣተወ እዩ ዚመስል።

ንሓርበኛታት ሳሆ ከኣ ከይፈተወ ብልጫታቶምን ጅግንነቶም ይገልጽ። ካብቲ ኣብ ሓላይ ዝነበረ ወተሃደራዊ ንቝጣ ዝተጻሕፈ፡ እዚ ዚስዕብ ንመልከት፦

“ሓላይ፡ 7 ሓምለ። ግብጣን ክራቨሪ ካብ ዖኖክባ ዝሰደዶ ከመሓላልፈልኩም በቒዐ ኣሎኹ። ምስ ክቡርነትኩም ምምይያጥ የድልየኒ ኣሎ። እንተ ዘየሎ ካብ ዓሳዎርታ ኣይኺለቅቕን እየ። ምኽንያቱ ከኣ፡ ብዘይካ እቲ ዕማመይ ንምፍጻም ዘሎኒ ድሌት፡ ማለት ንምፍጻሙ ዝኾነ ተኽእሎ ክሳዕ ዝረኸብኩ፡ ምስ ኣቡበከር ኪዓጽዎ ዚግባኣኒ ነዊሕ ዝገበረ ልቓሕ እውን ኣሎ። ስለዚ እየ ከኣ ሓደ መራሕ መገድን ክልተ ዓሳክርን ሒዘ ኮለል ዚብል ዘሎኹ።

ድሕርቲ ብ25 ሰነ ብጥንቃቐን ውሕልነትን ዝተዳለወ ድብያሞ፡ እምቢተኛታት ደቅ መረት ብምዃኖም ካባና ብዘለዎም ብልጫ ተበቲኖም ከምልጡ ብምኸኣሎም ዘይተዓወተ መደብ ከኣ፡ ካልእ ከምኡ ዝበለ ድብያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምጽዋድ ዝጸንከረ ይኸውን። ሕጂ ኣብቲ ናይ ደካናሞ (ድኾኖ ወይ ሕርጊጎ) ኣንጻር ትልንቲ በርንርዲ ዝተገብረ ለይታዊ መጥቃዕቲ ተሓባቢሮም ዝነበሩ ክልተ ደቂ ዲዖት፡ ናይ ኣቡበከር ጓሶት ኣብ ኢድና ኣለውና። በቲ ካብ ሓምሽተ መዓልቲ ኣትሒዙ ነቲ ብዅመይለ ዘብል ጎቦታት ዲዖት ዚድህስስ ዘሎ ትልንቲ በርሳረሊ ዝተኣስሩ እዮም። ኣቡበከር ምስ ገለ 10 ዝኾኑ ዕጡቓት ኣብዚ ዝተጠቕሰ ጎቦታት ከይሃለወ ኣይተርፍን። ኣስማት ናይቶም ሰዓብቱ ሰበይቲ ኣቡበከር ነጊራትና። እና ሓየሻ ይኸይድ ኣሎ። - ትልንቲ ኩቲተሊ” (ማርቲኒ፡ ዲያርዮ 1901፡ ገጽ 513) ።

ተወጊኣ ዝሓዙዎ ሰበይቲ ኣቡበከር ነጊራትና’ኳ ይብሉ እምበር፡ ድሕሪ ክንደይ ስቓይ ኪኸውን ከም ዝኽእልስ ኣየጠራጥርን። ብዛዕባ ኣቡበከርከ ደኣ፧

“ሙላሳኒ ካብ ሰንዓፈ ዝለኣኾ። ብማራንጊ (መረንጊ፡) ካብ መቐለ ዝተላእከ ከምዚ ኪብል ነጊሩኒ። ደግያት ሓጎስ ሃዲሙ ዚበሃል ሓሶት ምዃኑ ይግመት። . . . ከምዚ ንርእዮ ዘሎና ከኣ ኣቡበከር ብ1902 ተሰዊኡ ማለት እዩ

ማርቲኒ ከኣ ደጋግሙ “ኣብ ውግእ ወዲቑ፡ Caduto” ምባሉስ፡ ንጅግንነት አቡበከር በኽብሮት ጥራይ ዚዝክር ይመስል። ነቶም ቀቢላ ኣቡበከር ከይተረፈ፦ “ንኣቡበከር ዘፈረየ ገዚፍ ነገድ” ይብሎም። ማርቲኒ ገዛእን ባዕዳውን’ኳ ይኹን እምበር፡ ከም ምሁር መጠን ክብሪ ናይ ሰባትን ናይ ሃገርን ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ካብ ሓርበኛ አርትራዊ አቡበከር እምበኣር፡ በዚ ሓጺር ሓበረታ ንግዜኡ ንፈላለ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ምዕራፍ 19 - ምዑታት ኣቦታት! 'ወይ ፍትሕዎም ወይ ክነጥቅዕ ኢና'” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ሃሳባት ክንካፈል'ና። ሰላም ወሰናይ!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 29 Nov 2022, 03:19

ምዕራፍ 19 - ምዑታት ኣቦታት! 'ወይ ፍትሕዎም ወይ ክነጥቅዕ ኢና'

ኣቦታት ሳሆ ኣብ መግዛእቲ ዝነበሮም ጽልኢ፡ ናይ ምብዳህ መንፈስ ከኣ ደረት ኣይነበሮን። እዛ እትስዕብ ነመሓዳሪ ማርቲኒ ንሰቲት ዘርከበቶ ናይ ገሊኦም ምዑታት ኣቦታት እስኪ ንርኣ። ነቲ ሓበረታ ዘመሓላልፍ ዘሎ፡ ኣብቲ ግዝየቲ፡ መጽናዕትታቱውን እና ገበር፡ ኣብቲ ናይ ወራሪት ኢጣልያ መንግስታዊ መሳርዕ ብናይ ትልንቲ መዓርግ ዘገልግል ዝነበረ ዓቢ ሊቕ ካርሎ ኮንቲ ሮሲኒ እዩ።

“20 ማዝያ፡ ሲቶና (ሰቲት)። ካብ ሚዲ ሓንቲ መልእኽቲ ናብ መንግስቲ መጺኣ። ጸሓፍቲ፡ - ናይ ዓሳሊሳን ዑስማንን ኣሕመድ ኣድምን እዮም። ንሳቶም፡ ንናዅራ ዘጥቃዕና ንሕና ኢና ይብሉ። እቲ ኣብ ውግእ “ከርበብ” ዝተማረኸ መራሕ ቀቢላን ተኸተልቲ ኣቡበከርን እንድሕሪ ዘይተፈቲሖም ነቲ መጥቃዕቲ ክንደጋግም ኢና ይብሉ። ኮንቲ ሮሲኒ” (ማርቲኒ ዲያርዮ 1902፡ 575)።

ጣልያን ጉድ ረኺቦም። አርትራውያን መውጽኢ ኣብ ዘይብሉ ደስየት ባሕሪ ተሓዪሮም’ውን ኣጥቂዖም ይወጽኡ። ከም ብሓድሽ ከኣ “ከነጥቅ ኢና” ይብሉ። መን እዮም ናይ መጥቃዕትታት መራሕቲ፧ ሰራውር ኣቡበከር ኣይውዳእን።


ውዒሉ ሓዲሩ ከኣ ካርሎ ኮንቲ ሮሲኒ፡ ብዛዕባ መንነት ናይቶም ምዑታት ደገፍቲ ኣቡበከር ሰፊሕ ሓበረታ የቕርበልና። እዚ ዚስዕብ መልእኽቲ (ብ21-4-1902፡ ዲያርዮ፡ ገጽ 577) ምስ ተቐበለ ኣመሓዳሪ ማርቲኒ ከኣ፦ “ብዛዕባ ናዅራ ዝመጽኣና መልኽእቲ፡ ፈቲና ጸሊእና ጭቡጥ እዩ” ይብል እቲ ማርቲኒ ዝተቐበሎ መልእኽቲ እሞ ፈቲና ጸሊእና ዘብሎ ዘሎ፡ እንሀለይ፦
“ሳልቫደይ ኣሎሪ ብዝረኸቦ ሓበረታ፡ እቶም ነቲ መልእኽቲ ዝጸሓፋ ሰባት፦
- ኣሕመድ ኣድም ወዲ 40 ዓመት
- ዑስማን ወድ 32 ዓመት ካብ ቀቢላ ሑመድ ዲሩዓ ዓሳሊሰን እዮም። ኣብ ሕጡምሎ ዓብዮም። ብ1888 ገዛውቶም ተገቢቱ ፈሪሱ ናይ ሕርሻ፡ ናይ ፈተነ ግራት ኰይኑ ምስ ተሓርሰ፡ ምስ ኣቦኣም ንሕርጊጎ ገዓዙ። ብ1895 ከም ብሓድሽ ንሕጡምሎ ተመሊሶም። ብ1898 ኵሉ ንብረቶም ሸይጦም ንዓድ ዓረብ ተሰዱ። ብ1900 ከኣ፡ ኣህመድ፡ ብረት ጽዒኑ ብደንካልያ ኣቢሉ ንዓሳዎርታ ምድሪ ሳሆ ተመልሰ። ኣብቲ ናይ 11 ታሕሳስ 1900 ናይ ከርተት ውግእ ከኣ፡ ናብ ሰዓብቲ ኣቡበከር ተጸምቢሩ ተሳተፈ። ድሕረኡ ንዓድ ዓረብ ከደ። አብዩዎ እምበር ንአቡበከር እውን ናብ ዓድ ዓረብ ምስኡ ኪከይድ ዓዲሙዎ ነሩ። ብ1901 እዞም ክልተ ኣሕዋት እዚኣቶም እቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ብረት ናብ አቡበከር ለአኩሉ . . . ኑሪ ንትግራይ ኣቢሉ ሃዲሙ። - ኮንቲ ሮሲኒ” (ማርቲኒ ዲያርዮ 1902፡ ገጽ 577)።

ንናዅራ ዘጥቅዕ፡ ንእሱራት ካብቲ ናይ ህያዋን ገሃነብ ከምልጡ ዚሕግዝ፡ ዳግም ከጥቅዕ ከም ዝኾነ ብግህዶ ዚእውጅ፡ ብረት ካብ ስግር ቀላይ ንውሽጢ አርትራ እና እለዀ ዘእቱ፡ ኣብ ውግእ ዝሳተፍ። ካብዚ ዝበለ ዝተኣሳሰረ ናይ ህዝቢ እምቢታን ቃልስን እሞ ኣብቲ ግዝየቲ ኣንጻር መግዛእቲ እንታይ ክንርኢ ኢና፧
ብዛእባ ሓርበኛ ኣቡበከር እሞካብ ሕጂ ንንየውስ ቁሩብ ኢና እንሰምዕ። ኣቡበከር ኣብቲ ኣንጻር ናይ ጣልያን ቃፍላያት ዘካይዶ ዝነበረ ድብያታት ከም ዝተሰውአ ከአ ካብዚ ሓጻርትን ጭርምራምን ሓበረታታት ንርዳእ። ፈርዲናንዶ ማርቲኒ፡ ንመጀመርያ ግዝየኡ ንምድርታት አከለጉዛይን ሳሆን ኣብ ዝኾለለሉ ግዝየ፡ ከም ልማዱ፡ ነቲ ዘዝረገጾ ናይ ታሪኽ ቦታታት ይዝክር፡ በቶም ንአቡበከር ዝፈረዩ ቀቢላ ዓሳሊሳን ኣብ ዝሓለፈሉ ከአ፡ ብዕለት 10 ታሕሳስ 1904 ከምዚ ይብል፦

“ኣብ ሱሩ እቶም ንዑዋት ዓሳሊሳን ጸኒሖምኒ። ንአቡበከር ዝፈረየ ገዚፍ ነገድ እዩ። ኣቡበከር ክልተ ዓመት ይገብር ኣብ ውግእ ተሰዊኡ። . . ብ1900 አብ ሓሊለየ ኣብ ሞንጎ እቶም ካብ ሓላይ ዝተበገሱ ካራበኒርን ተቓወምትን ውግእ ተገሩስ ካብ ክልቲኦም ወገናት ሓሓደ ሞይቶም። . . . ኣብ ሰርዓ ደግዓ 12 ዓመት ይገብር፡ ኣብ ሞንጎ እቲ ብባንዳ ዝተሰነየ ናይ ፊናንሳ በርገደልን ኣብ ሞንጎ ተቓወምትን ግጭት ተገብረ። ከምኡ እውን ክልተ ዓመት ይገብር ልክዕ ኣብቲ ቦታ፡ ሰዓብቲ አቡበከር መጥቃዕቲ ፈጸሙ። ክልተ ዓመት ይገብር፡ ኣብ ባጋለ ዓሊተና፡ ሰዓብቲ ኣቡበከር ነተን ንዳካናሞ ዝኸዳ ቃፍላያት ዘሰንዩ ዝነበሩ ዓሳክርን ዛብጥያታትን ኣጥቅዑ። ከምኡ እውን ክልተ ዓመት ይገብር፡ ነቶም ኣብ ድኾኖ ዝተመደኑ ፍርቂ ኩባንያ ዓሳኽር ኣጥቅዑ። . . . ማይ ፍላሕ ብግዝየኡ ውሩይ ነሩ . . . አቡበከር ኣብኡ ኣብ ውግእ ተሰውአ። ሱሩ፡ ልክዕ እቲ ጉበነ ዚራኸበሉ ከኣ፡ ተቓወምቲ ዚእከቡሉ ቦታ እዩ ነሩ። ዓሳዎርታውያን ሓዞ፡ ደብሪ መላ፡ ሚነፈረ ከኣ ኣብኡ ይእከቡ ነሮም። ሱሩ እቶም ብ1867 ንመቕደላ ዘጥቅዑ እንግሊዛውያን በኣኡ ስለ ዝሓለፉ እውን ኣብ ኣውሮጳዊ ታሪኽ ፍሉጥ ኣዩ። ኡኑከቱ ብግዝየኡ ናይ እምቢተኛታት መአከቢ ቦታ ኢዩ ነሩ። ክልተ ዓመት ይገብር ከኣ ኣቡበከር ኣብኡ ተረኺቡ ኣብ ውግእ ተሰውኣ።፥ (ማርቲኒ ድያርዮ 1904፡ ገጽ 10-11)

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ምዕራፍ 20 - ምንሊክ ንአርትራውያን ንዚድግፉ ትግራዎት ይኣስር'” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ሃሳባት ክንካፈል'ና። ሰላም ወሰናይ!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 12 Dec 2022, 09:11

ምዕራፍ 20 ምንሊክ ንአርትራውያን ንዚድግፉ ትግራዎት ይኣስር

ምንሊክ ከኣ፡ ኪነብር እንድሕሪ ኰይኑ፡ ጣልያን ኣብ አርትራ ኪህልዉ አለዎም። ጣልያን ኣብ አርትራ ኪህልዉ ከኣ አርትራውያን ተቓወምትን ዝኾነ ዝተሓባበሮምን ኪጠፍእ ኣለዎ። ጽቑጣት ህዝብታት ምስ ዝኸምኦም ጽቑጣት ኪደናገጹ ባህርያዊ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ኣብ ትግራይ’ውን መግዛእቲ ምንሊክ ዝመረሮም፡ ዘራይ ጣልያን እውን ዝጐጠዮም ምስ ኣርትራውያን ዚደናገጹ ኣይነበሩን ኪበሃልስ ኣይከአልን። እስኪ እዚ ዚስዕብ ሓበረታ ከኣ ንመልከት፦

“ካብ ዓድዃላ ዝተበገሰ ተለግራም ከም ዚህብሮ፡ እቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ምስኡ ሰላምታታት ተለዋዊጥትና ዝነበርና ደግያት ገረስላሰ፡ ሓደ ሓበረታ ኣመሓላሊፉልና ኣሎ። ገረስላሰ ባዕሉ ኣብቲ ምምራኽ ግራዝማች ኣበራ ኣርኣያ (ናይ ኣሕስኣ ኣመሓዳሪ) ተሳቲፉ።

“ኣበራ ኣርኣያ ናይ መሓመድ ኑሪን ንትግራይ ሰጊሮም ናይ ዘለዉ ካልኦት እምቢተኛታትን ዝዓበየን ዝረቐቐን ደጋፊ እዩ። እዚ ማእሰርቲ’ዚ እምበኣር ኣገዳሲ እዩ።

“ብትእዛዝ ንጉስ ካልእ ለውጥታት እውን ይመጽእ ኣሎ። ምስ ምእሳር ኣብርሃ ከኣ ኵሉ ተስፋታት መሓመድ ኑሪ ከንቱ ኪኸውን እዩ።” (ማርቲኒ ዲያርዮ፡ 1902፡ 33።) ኣብየተከ ለውጥታት፧ . . . ምትሕጕጓስ . . . !! ክሳዕ መኣስ ኮን’ዩ፧ ንጉስ ምንሊክ፡ ነቶም ኣብ ዶብ ትግራይ ኰይኖም ንመግዛእቲ ጥልያን ዚጻረሩ አርትራውያንን ተጋሩ ደገፍቶምን ከሳድድ ኣብ ዝጅምረሉ፡ ዓሊ ኑሪ ስቕ ኢሉዶ ይጽበ፧ ንውሽጢ አርትራ ምእታውከ ኪእግሞ ድዩ፧ እዚ ዚስዕብ ሓበረታ በንጻሩ የረድእ፦

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ምዕራፍ 21 - መሓመድ ኑሪ ካልእ ሳሆታይ ሓርበኛ'” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ሃሳባት ክንካፈል'ና። ሰላም ወሰናይ!
:mrgreen:

Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Abe Abraham » 12 Dec 2022, 09:44

ምዕራፍ 20 ምንሊክ ንአርትራውያን ንዚድፍጉ ትግራዎት ይኣስር



ዛንታ ናይ ቀሺ ጥልያን ነቲ ተጋሩ ንኤርትራውያን ከጽንቱ ዝገበርዎ ፈተነ ዝድምስስ ኣይኮነን ።

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 12 Dec 2022, 10:13

ብዓንተብኡ ከምዡይ ቢልና'ና ፈሊምናዮ! :mrgreen:
Meleket wrote:
20 Oct 2022, 10:16
ሰላም ነበብቲ፡ እቶም ሊቃውንቲ ኣቦታትና ዚጸሓፍዎ ጽሑፋት፡ ኣብ ከብሒ ሱቕ ቢሉ ካብዚቕመጥ፡ ኣብዡይ ኣብ ቕርዓት እንተተብተብናዮ፡ እቶም ታሪኽ ክንፈልጥ ንደሊ፡ ክንነቦን ክንመሃረሉን ይሕግዝ ኢዩ ብዚብል ኣተና፡ ነዙይ ኤርትራዊ ዛንታ ንቐደም በሉ ንብለኹም፡ ንሕና ኤርትራውያን ደያኑ ማእከልን መስመርን፡ ብኤርትራዊ ጭውነት ሓበንን ምቕሉልነትን።

ታሪኽ ምፍላጥ ብብዙሕ መገዲ ይሕግዝ፡ ኪድገም ከሎ’ውን ንምስትብሃል ይሕግዝ፥ ጌጋታት ንምእራምውን ይሕግዝ . . . ወዘተ ይብሉ ነቢሮም ኤርትራውያን ሊቀ ሊቃውንቲ ከም ብኣል ተጋዳላይ ዶ/ር ኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ። ሰናይ ንባብ። :mrgreen:

ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

ታሪኽ ኤርትራውያን ሓርበኛታት፦
* ደግያት ማሕራይ ኣባሰላማ
* ደግያት ኣቡበከር
* ዓሊ ኑሪ

መቕድም
መእተዊ
ምዕራፍ 1፡- ሃጸይ ምንሊክ ፍጥረት ጣልያን
ምዕራፍ 2፦ ምንሊክን ጣልያንን ይመሳገኑ
ምዕራፍ 3፡- ኣዋጃት ደግያት ገረስላሰ
ምዕራፍ 4፦ ምንሊክ ዶባት ንምሕንጻጽ ብገንዘብ ይዋገ
ምዕራፍ 5፡- ንህዝቢ ኤርትራ ሓቢርካ ናይ ምጭፍጫፍ ናይ ጣልያንን ናይ ምንሊክን እኩይ መደብ
ምዕራፍ 6፦ ደግያት ማሕራይ
ምዕራፍ 7፡- ጀመርና ከኣ
ምዕራፍ 8፦ ገና ተግባራት ደግያት ገረስላሰ
ምዕራፍ 9፡- ማርቲኒ ንምንሊክ ይበጽሖ
ምዕራፍ 10፦ ሓጺር ሓበረታ ብዛዕባ ሳሆ
ምዕራፍ 11፡- ኣቡበከር ኣሕመድ
ምዕራፍ 12፦ ጣልያን ብናይ ሳሆ ዝተናወሐ መኸተ የንጸርጽሩ
ምዕራፍ 13፡- 20 ኣንጻር 200፡ ዓወት ነይብሉ
ምዕራፍ 14፦ ሰፊሕ ኣከባ ሰዓብቲ ኣቡበከር፡ ንኸንቱ ዓወንወን፡ ሰይቲ ኣቡበከር ትታሒዛ
ምዕራፍ 15፡- ፋሉልነት ኣብ ትግራይ፡ አቡበከርን ሕቡእ ቦታኡን
ምዕራፍ 16፦ ሓዲስ መደብ ወፍሪ ኣንጻር ኣቡክአር ህዝቢ ግን ምስ ሓርበኛታቱ
ምዕራፍ 17፡- ውጽኢት ዘይብሉ ዳህሳስ፡ ኣንጸርጽሮት ማርቲኒ፡ ህዝቢ ገና ካብ ብልጫታት ንሓርበኛታቱ ይመርጽ
ምዕራፍ 18፦ ድብያታት ወተሃደራት ጣልያን፡ ድኾኖ ብለይቲ ትውቃዕ፡ ህላወ ኣቡበከር
ምዕራፍ 19፡- ምዑታት ኣቦታት፡ ወይ ፍትሑዎም ወይ ከነጥቅዕ ኢና
ምዕራፍ 20፦ ምኒሊክ፡ ንኤርትራውያን ንዚድግፉ ትግራዎት ይኣስር
ምዕራፍ 21፡- መሓመድ ኑሪ ካልእ ሳሆታይ ሓርበኛ
ምዕራፍ 22፦ ገለ ሸርሕታት ጣልያንን ገረስላሰን
ምንጪ ጽሑፍ

ነዙይ ዛንታ፡ ሕዝብና ከምኡውን ፈታዊናን ጸላኢናን ኩሉ ኪፈልጦን ኪዝንቶን እንደኣሉ ተጻሂፉ፡ ሽሕ እኳ እዙይ ኪዝንቶ ዘይደልዩ ባእታታት እንተለው፡ :mrgreen: ንሕና ግን: "ተር ከም ዓተር" ነዙይ ታሪኻዊ ዛንታ ከነካፍለኩም ኢና፡ ኣብ ቀጻሊ ክፋል፡ ኣብ "መቕድም" የራኽበና!
:mrgreen:
ክብሪ ንተጋዳላይ ዶ/ር ኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ! ክቡር የኽብረኻ መጠን ነፍሱ . . . :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 19 Dec 2022, 09:23

ምዕራፍ 21 - መሓመድ ኑሪ ካልእ ሳሆታይ ሓርበኛ

ኣብዚ ዝሓለፈ ገጻት 2-3 ግዝየ ተጠቒሱ ነሩ። እዚ እውን ብዛዕባኡ እንፈልጦ ብዙሕ የብልናን። ናይ ቀደምን ናይ ሎምን ጸላእትና፡ ታሪኽና ኪቐበሩ ወትሩ ግዝየ ህርድግ ምስ በሉ እዮም። “ሓቅስ ብርእሳ እንተ ቀበርካያ፡ ብእግራ ትቕልቀል” ስለ ዝኾነ ግን፡ ከም ገለ እናበለ ከኣ፡ ንመቓብራት እናፈንጠሰ፡ ታሪኽ ሓርበኛ ህዝቢ ህይወት ለቢሱ ናብ ብርሃን ጸሓይ ይቕልቀል ኣሎ።

ብዛዕባ መሓመድ ኑሪ፡ ካብቲ ዝርኣናዮ ናይ እምቢተኛ ስም ጥራይ ቁሩብ ብርህ ዝበለ ቀዳማይ ሓበረታ እዚ ዚስዕብ እንህለይ፦

“ኣቝርደት፡ ሰዓት 18፡10፡ . . . ንቺክዲኮላ [ቆንስል ጣልያን ኣብ ምንሊክ] እቶም ኣብ ናዅራ ዘምለጡ ኵሎም፦ በዓል መሓመድ ኑሪ፡ ካሳ፡ ቢታ መሓመድ ዑስማን ኣል ከቢር ወዘተ . . . ኣብ ትግራይ ዚርከቡ ዘለዉ፡ ንሸዋ ኣቢሎም ኪስሓቡ ትእዛዝ ምእንቲ ኪህብ ኪዛረቦ ገሊጸሉ። እዚኣቶም ኣብ ትግራይ ዚርከቡ ዘለዉ ኣንጻር እቲ ምንሊክ ዝሃቦ መምርሒ እዮም። ካብኡ ተረፈ ግን፡ ውጽኢት ናይዚ ዝሓለፈ ናይ ዕርከነትና ዓመታት ተዅሱ ኣብ ዶባት ኪኸውን እዩ።” (ማርቲኒ ዲያርዮ፡ 1901 ገጽ 327)

ብዛዕባ ዕርክነት ምንሊክን ጣልያንን ኣቐዲሙ ብሓያሎ ታሪኻዊ መረዳእታ ተገሊጹ እዩ። ኣብዚ ግን ምንሊክ ነናብር አርትራ ከምቲ ዝድለ ክጭፍልቕ ዓቕሚ ስለ ዝጐደሎ፡ ማርቲኒ ኣብ ምፍርራህ ይኣቱ። ወዳጀ ዕርክነት ጐሓላሉ።

“ኦልየ ሓሙስ ንሸዋ ኪነቅል እዩ። ብዛዕባ መሓመድ ኑሪ ከኣ ዚፍለጥ ወላ ሓንቲ የልቦን ሙላሳኒ”።

“ደሓን! ደሓን! (ይብል ማርቲኒ)። ብዛዕባ መሓመድ ኑሪ ገለ ቁሩብስ ባዕለይ ፈሊጠ ኣሎኹ። እዚ ዘለአለማዊ ሽፍታ’ዚ ብዘይካቲ ካልእ ገበኑ፡ “ነስመራ ኣትየ ንማርቲኒ ክቐትሎ እየ” ኪብል’ውን ተዛሪቡ ኣሎ። ምስ ገለ ዕጡቓት ሰዓብቲ ብወገን ዓይደሮሶ (ዓዲሮሶ) ኣቢሉ ይህሉ እዩ። ንዅሎም ሓለፍቲ ወረዳታት ንቑጣታት ኪጥንቀቑ ተነጊሩዎም ኣሎ።” (ማርቲኒ፡ ዲያርዮ፡ 1902 ገጽ 608)።

ኣየ ማርቲኒ! እቲ ንሱን ምንሊክን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ አርትራ ዚፍጽሙዎ ከም ጽድቂ፡ መሓመድ ኑሪ ኪቐትለካ እየ እንተበሎ ግን ከም ገበን ይጽብጽብ። እዛ ፍትሕስ ኣበይ እዩ ዓዳ፧ ሰባት ወትሩ ግዝየ ብዛዕባ ጥቅሞም ምስ ዚኸውን፡ . . . “ንጸሊም ጻዕዳ፡ ንቐይሕ ቀጠልያ” ኪብሉ ኣይሓንኩን። ናይ ገዛእትን ዓመጸኛታትን ፍሉይ መለለዪ ጠባይ ከኣ ሓሶት” እዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ምዕራፍ 22- ገለ ሽርሕታት ጣልያንን ገረስላሰን” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ሃሳባት ክንካፈል'ና። ሰላም ወሰናይ!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 27 Dec 2022, 04:54

ምዕራፍ 22- ገለ ሽርሕታት ጣልያንን ገረስላሰን

ልክዕ ድሕር ሓደ ወርሒ ከኣ መሓመድ ኑሪ ኣብ ትግራይ ንረኽቦ። ደግያት ገረስላሰ ከኣ እቲ ፍሉጥ እከዩ ኣብ ኣገልግሎት ጣልያንን ምንሊክን ከዘውትሮ ይረአ። ደቂቕ ጸብጻብ ከኣ ናብ ጣልያን ጐይቶቱ’ን የመሓላልፍ።

“ዓድዋ ሰዓት ዓሰርተ። ደግያት ገረስላሰ ከምዚ ይብል ኣሎ። ቅድም ሕጂ ምስ መሓመድ ኑሪ ዕርቂ ክንገብር፡ ብረቱ ኣራጊፉ ከኣ ናብ ሓደ እስላም ዘለዉዎ ናይ ትግራይ ቦታ ኪኸይድ ደልየ ነረ። . . . ሎሚ ለይቲ ግን መሓመድ ኑሪ ናብ ብየተክርስትያን መድሃንየ ኣለም ናብቶም ካህናት ተዓቝቡ። ሰለስተ ሰባት ምስኡ ኣለዉዎ።

ሓደ ካብኣታቶም፡ ተስፋዝጊ ሓዉ ልጅ ዓይላይ እዩ። ሓደ 91 ዝቖጽር ወጅግራ ብረት ኣለዎም። ብዛዕባ’ዚ፡ እቲ ኪገብሩዎ ዘለዎም ብተለግራፍ ክነግሮም እየ። ታቫኖ፡” (ማርቲኒ፡ 1902፡ 55)።

መሓመድ ኑሪ ካብ ኢድ ገረስላሰ ከምልጥ ንግዝየኡ’ኳ ኣብ ብየተ ክርስትያን ይተዓቖብ እምበር፡ ተዓቝቡ ንነዊሕ ኪጸንሕስ ከቶ ዘይከዉን ነበረ። ኵነታት ርእዩ ከኣ መገዱ ይጸርግ። ኣብቲ እንዳ መድሃንየ ኣለም ክንደይ ግዝየ ከም ዝጸንሐ ዚነግር ሓበረታ’ውን የብልናን።እቲ ዚፍለጥስ፦

“መሓመድ ኑሩ ሃዲሙ። ቀሺ ዘርኡ እውን ኣብ ኣኽሱም ተራእዩ ይበሃል ኣሎ።” (ማርቲኒ ድያርዮ፡ 25/3/1903 ገጽ 157) ዚብል። ካብዚ ዝነጸረ ከኣ፦

እቲ ውሩይ እምቢተኛ መሓመድ ኑሪ፡ ካብ ደግያት ገረስላሰ ዘምለጠ፡ ምስ ሓሙሽተ ዕጡቓቱ ኣብ ከባቢ ጕንደት ይዝምቢ ኣሎ።”(ማርቲኒ ዲያርዮ፡ 1903 ገጽ 232) ዚብል እዩ።

ካብዚ ንንየው ብዛዕባ ማህሙድ ኑሪ እውን ደሃይ ኣይኪህልወናን ኣዩ። ኣብ ግዝየ መግዛእቲ ጣልያን፡ ህዝቢ አርትራ፡ ከምዚ ናይ ሎሚ ድልዱልን ዝተጠርነፈን ሓያል መሪሕ’ኳ እንተ ዘይነበሮ፡ በብመኣዝኑ ኣንጻር ጭፍለቓ ጣልያንን ምንሊካዊት ኢትዮጵያን ብምቅላስ፡ ንዘለኣለም ዚኸውን ታሪኽ ከም ዝጸሓፈ ንምርዳእ እዚ ዝረኣናዮ ኣብነታት ብቑዕ መረዳእታ ይኾነና እዩ። ህዝቢ አርትራ ንወራርን መግዛእትን ስዩም ኢሉ ዝተምበርከኸሉ ከኣ ኣብ ታሪኽ ኣይፍለጥን። ሓጺር ሓበረታና ከኣ ኣብዚ ይዕጾ።

እምቢተኛን ተቓላሳይን ህዝቢ ሳሆ ብመግዛእቲ ኢጣልያ እውን ልክዕ ካብዚ ናይ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ብዘይፍለ ብዘስካሕክሕ ተጨፍጨፈ። ጣልያን እውን ከም ኵሎም ገዛእቲ፡ ተስፋታት እናሃቡ ንህዝቢ ምትላል ሓደ ካብቲ ኣሰራርሖኦም ነበረ። ገዛኢ ዘበለ ኵሉ ግን ይትረፍዶ ዘተስፈዎ ከማልእስ ኣይዝክርን’ኳ። እስኪ እዚ ዚስዕብ ናይ መጨረስታ ንተዓዘብ። ሳሆ ኣብ ክንዲ ዝተነግሮም ተስፋታት ዚፍጸመሎም፡ በንጻሩ ኣብ ልዕሊኦም ተኣውጁ ዝነበረ ምሕረት ስለ ዝተጠልሙን ዝተጋህሱን ብትብዓት ጥርዓኖም የቕርቡ፦

“ሰገነይቲ፡ ዕለት 11 ሓምለ። ብ1895 ዓሳዎርታ ካብቲ ግዝየ’ቲ ንቕድሚት ናይ ዝተፈጸመ ነገራት ዘበለ ኵሉ ተማሒርና ከም ዝኾንና፡ መጆር ጋሊያኖ ኣውጁልና ነሩ፡ ኣብዚ ግዝየ’ዚ ግን፡ ቅድም’ዚ ዝተጠቕሰ እዋናት ናይ ዝተፈጸመ ጕዳያት ንእሰርን ንፍረድን ኣሎና። መንግስቲ ዝብሎዶ ኣይዝክረን እዩ፧ ወይ ከኣ መንግስትዶ ዘተስፈዎ ይጠልሞ እዩ፧ ኪብሉ ይጠርዑ ኣለዉ።” (ማርቲኒ ዲያርዮ 1903፡ 232 ።)

ምንጪ ጽሑፍ

ኣንባቢ ቀልጢፉ ከም ዝዕዘቦ፡ እዚ ሓጺር ጽሑፍ’ዚ፡ መብዛሕትኡ ኣብ ዲያርዮ ማርቲኒ ዝተመስረተ እዩ። ኣብ ቀጥታ ትርጕም ናይቲ ዕለታዊ ፍጻመታት ዝደልደለ ብምዃኑ ምስክርነቱ ኣየጠራጥርን። ዝኾነ ግዱስ ባዕሉ ምእንቲ ኪዕዘቦ ንማለት ከኣ፡ እቲ ኣውራ ኣውራ ገጻት እንሀለ።

1. FERDINANDO MARTINI; IL DIATIO ERITREO Editrice Vallecchi.
Volume I Pag.69: 114: 115: 142: 159: 164: 205: 207: 208: 213: 214: 16: 365: 369: 173: 398:
Volume II Pag.33: 47: 55: 97፡ 101፡ 106፡ 107፡ 125፡ 134፡ 141፡ 143፡ 44፡ 45፡ 157፡ 164፡ 232፡ 237፡ 262፡ 326፡ 344፡ 350፡ 356፡ 360፡ 363፡ 364፡ 369፡ 385፡ 388፡ 395፡ 398፡ 409፡ 492፡ 494፡ 498-499፡ 408-409፡ 410 502፡ 504-505፡506፡ 513፡ 516፡ 575-576፡ 554፡ 564፡ 565፡ 600፡
Volume III Pag. 20፡ 48፡ 55፡ 62፡ 116፡ 131፡ 145፡ 157፡ 164፡ 129፡ 159፡ 517፡ 226፡ 132፡ 238፡ 344፡ 350፡ 357፡ 350፡ 357፡ 371፡ 387፡ 406፡ 410፡ 411፡ 447፡ 490፡ 641 ።
Volume IV Pag.63፡ 85፡ 89፡ 306፡ 327፡
2. COMMISSIONE GENERALE DI INCHIESTA Editrice Mantellate. ROMA; 1891 pag
3. GIUSEPPE PUGLIESI CHI E? DELL’ ERITREA Agenzia Rgina; ASMARA. 195 Pag.223,4
4. GUIDO CORTESE; Traccia storica e politica dell’ocupazione Eritrea. ROMA 1934. Pag. 66፡ 67፡ 68፡ 88-89፡ 90፡ 91፡ 97፡ 100፡ 113፡ 115፡ 116

ክቡር ተጋዳላይ ዶ/ር ኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ ንታሪኽ ሃገርና ክንክፈልጥ ነዚ ዛንታ ክንዲ ዝሰነድኩምልና፡ ብሽም ህዝብና ነመስግነኩም፡ ንሕና ኤርትራውያን ደያኑ ማእከልን መስመርን ብኤርትራዊ ጭዉነት ፍናንን ሓበንን! ሰላም ወሰናይ!!!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 23 Aug 2023, 03:31

ምስቲ ኣብ ላዕሊ ተቐሪቡ ዛሎ ዛንታ፡ ብገለ ሸነኩ ርክብ ስለዘለዎ ኣብዚ ኣምጺእናዮ ኣሎና። ምንሊክ "ኣቦ ኩሎም ክርስትያን" ንዚበልዎም ናይ ሮም ሊቀ ጳጳሳት "ሊዎን ፲፫" ብዛዕባ ኣብ ኩናት ዝተማረኩ ጣልያናውያን ዚግበር ናይ ምሕረት ተግባር ዝጸሓፍዎ ናይ መልሲ ደብዳቤ ኢዩ። ንwikimedia.org ከምኡውን Revelations ነመስግን።
Revelations wrote:
22 Aug 2023, 22:27
.. ..

.. ..

Post Reply