Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 20 Oct 2022, 10:16

ሰላም ነበብቲ፡ እቶም ሊቃውንቲ ኣቦታትና ዚጸሓፍዎ ጽሑፋት፡ ኣብ ከብሒ ሱቕ ቢሉ ካብዚቕመጥ፡ ኣብዡይ ኣብ ቕርዓት እንተተብተብናዮ፡ እቶም ታሪኽ ክንፈልጥ ንደሊ፡ ክንነቦን ክንመሃረሉን ይሕግዝ ኢዩ ብዚብል ኣተና፡ ነዙይ ኤርትራዊ ዛንታ ንቐደም በሉ ንብለኹም፡ ንሕና ኤርትራውያን ደያኑ ማእከልን መስመርን፡ ብኤርትራዊ ጭውነት ሓበንን ምቕሉልነትን።

ታሪኽ ምፍላጥ ብብዙሕ መገዲ ይሕግዝ፡ ኪድገም ከሎ’ውን ንምስትብሃል ይሕግዝ፥ ጌጋታት ንምእራምውን ይሕግዝ . . . ወዘተ ይብሉ ነቢሮም ኤርትራውያን ሊቀ ሊቃውንቲ ከም ብኣል ተጋዳላይ ዶ/ር ኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ። ሰናይ ንባብ። :mrgreen:

ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

ታሪኽ ኤርትራውያን ሓርበኛታት፦
* ደግያት ማሕራይ ኣባሰላማ
* ደግያት ኣቡበከር
* ዓሊ ኑሪ

መቕድም
መእተዊ
ምዕራፍ 1፡- ሃጸይ ምንሊክ ፍጥረት ጣልያን
ምዕራፍ 2፦ ምንሊክን ጣልያንን ይመሳገኑ
ምዕራፍ 3፡- ኣዋጃት ደግያት ገረስላሰ
ምዕራፍ 4፦ ምንሊክ ዶባት ንምሕንጻጽ ብገንዘብ ይዋገ
ምዕራፍ 5፡- ንህዝቢ ኤርትራ ሓቢርካ ናይ ምጭፍጫፍ ናይ ጣልያንን ናይ ምንሊክን እኩይ መደብ
ምዕራፍ 6፦ ደግያት ማሕራይ
ምዕራፍ 7፡- ጀመርና ከኣ
ምዕራፍ 8፦ ገና ተግባራት ደግያት ገረስላሰ
ምዕራፍ 9፡- ማርቲኒ ንምንሊክ ይበጽሖ
ምዕራፍ 10፦ ሓጺር ሓበረታ ብዛዕባ ሳሆ
ምዕራፍ 11፡- ኣቡበከር ኣሕመድ
ምዕራፍ 12፦ ጣልያን ብናይ ሳሆ ዝተናወሐ መኸተ የንጸርጽሩ
ምዕራፍ 13፡- 20 ኣንጻር 200፡ ዓወት ነይብሉ
ምዕራፍ 14፦ ሰፊሕ ኣከባ ሰዓብቲ ኣቡበከር፡ ንኸንቱ ዓወንወን፡ ሰይቲ ኣቡበከር ትታሒዛ
ምዕራፍ 15፡- ፋሉልነት ኣብ ትግራይ፡ አቡበከርን ሕቡእ ቦታኡን
ምዕራፍ 16፦ ሓዲስ መደብ ወፍሪ ኣንጻር ኣቡክአር ህዝቢ ግን ምስ ሓርበኛታቱ
ምዕራፍ 17፡- ውጽኢት ዘይብሉ ዳህሳስ፡ ኣንጸርጽሮት ማርቲኒ፡ ህዝቢ ገና ካብ ብልጫታት ንሓርበኛታቱ ይመርጽ
ምዕራፍ 18፦ ድብያታት ወተሃደራት ጣልያን፡ ድኾኖ ብለይቲ ትውቃዕ፡ ህላወ ኣቡበከር
ምዕራፍ 19፡- ምዑታት ኣቦታት፡ ወይ ፍትሑዎም ወይ ከነጥቅዕ ኢና
ምዕራፍ 20፦ ምኒሊክ፡ ንኤርትራውያን ንዚድግፉ ትግራዎት ይኣስር
ምዕራፍ 21፡- መሓመድ ኑሪ ካልእ ሳሆታይ ሓርበኛ
ምዕራፍ 22፦ ገለ ሸርሕታት ጣልያንን ገረስላሰን
ምንጪ ጽሑፍ

ነዙይ ዛንታ፡ ሕዝብና ከምኡውን ፈታዊናን ጸላኢናን ኩሉ ኪፈልጦን ኪዝንቶን እንደኣሉ ተጻሂፉ፡ ሽሕ እኳ እዙይ ኪዝንቶ ዘይደልዩ ባእታታት እንተለው፡ :mrgreen: ንሕና ግን: "ተር ከም ዓተር" ነዙይ ታሪኻዊ ዛንታ ከነካፍለኩም ኢና፡ ኣብ ቀጻሊ ክፋል፡ ኣብ "መቕድም" የራኽበና!
:mrgreen:

Abere
Senior Member
Posts: 10891
Joined: 18 Jul 2019, 20:52

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Abere » 20 Oct 2022, 10:41

ወደ አማርኛ ብትተረጉምልን ምን እንደተጻፈ፥ ከየት መረጃው እንደተጠናቀረ፤ ለምን እንደተጻፈ እውነት ወይም ሃሰት ስለመሆኑ አግቦ ለመስጠት ለብዙሃኑ አንባብያን ይጠቅም ነበር።
Meleket wrote:
20 Oct 2022, 10:16
ሰላም ነበብቲ፡ እቶም ሊቃውንቲ ኣቦታትና ዚጸሓፍዎ ጽሑፋት፡ ኣብ ከብሒ ሱቕ ቢሉ ካብዚቕመጥ፡ ኣብዡይ ኣብ ቕርዓት እንተተብተብናዮ፡ እቶም ታሪኽ ክንፈልጥ ንደሊ፡ ክንነቦን ክንመሃረሉን ይሕግዝ ኢዩ ብዚብል ኣተና፡ ነዙይ ኤርትራዊ ዛንታ ንቐደም በሉ ንብለኹም፡ ንሕና ኤርትራውያን ደያኑ ማእከልን መስመርን፡ ብኤርትራዊ ጭውነት ሓበንን ምቕሉልነትን።

ታሪኽ ምፍላጥ ብብዙሕ መገዲ ይሕግዝ፡ ኪድገም ከሎ’ውን ንምስትብሃል ይሕግዝ፥ ጌጋታት ንምእራምውን ይሕግዝ . . . ወዘተ ይብሉ ነቢሮም ኤርትራውያን ሊቀ ሊቃውንቲ ከም ብኣል ተጋዳላይ ዶ/ር ኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ። ሰናይ ንባብ። :mrgreen:

ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

ታሪኽ ኤርትራውያን ሓርበኛታት፦
* ደግያት ማሕራይ ኣባሰላማ
* ደግያት ኣቡበከር
* ዓሊ ኑሪ

መቕድም
መእተዊ
ምዕራፍ 1፡- ሃጸይ ምንሊክ ፍጥረት ጣልያን
ምዕራፍ 2፦ ምንሊክን ጣልያንን ይመሳገኑ
ምዕራፍ 3፡- ኣዋጃት ደግያት ገረስላሰ
ምዕራፍ 4፦ ምንሊክ ዶባት ንምሕንጻጽ ብገንዘብ ይዋገ
ምዕራፍ 5፡- ንህዝቢ ኤርትራ ሓቢርካ ናይ ምጭፍጫፍ ናይ ጣልያንን ናይ ምንሊክን እኩይ መደብ
ምዕራፍ 6፦ ደግያት ማሕራይ
ምዕራፍ 7፡- ጀመርና ከኣ
ምዕራፍ 8፦ ገና ተግባራት ደግያት ገረስላሰ
ምዕራፍ 9፡- ማርቲኒ ንምንሊክ ይበጽሖ
ምዕራፍ 10፦ ሓጺር ሓበረታ ብዛዕባ ሳሆ
ምዕራፍ 11፡- ኣቡበከር ኣሕመድ
ምዕራፍ 12፦ ጣልያን ብናይ ሳሆ ዝተናወሐ መኸተ የንጸርጽሩ
ምዕራፍ 13፡- 20 ኣንጻር 200፡ ዓወት ነይብሉ
ምዕራፍ 14፦ ሰፊሕ ኣከባ ሰዓብቲ ኣቡበከር፡ ንኸንቱ ዓወንወን፡ ሰይቲ ኣቡበከር ትታሒዛ
ምዕራፍ 15፡- ፋሉልነት ኣብ ትግራይ፡ አቡበከርን ሕቡእ ቦታኡን
ምዕራፍ 16፦ ሓዲስ መደብ ወፍሪ ኣንጻር ኣቡክአር ህዝቢ ግን ምስ ሓርበኛታቱ
ምዕራፍ 17፡- ውጽኢት ዘይብሉ ዳህሳስ፡ ኣንጸርጽሮት ማርቲኒ፡ ህዝቢ ገና ካብ ብልጫታት ንሓርበኛታቱ ይመርጽ
ምዕራፍ 18፦ ድብያታት ወተሃደራት ጣልያን፡ ድኾኖ ብለይቲ ትውቃዕ፡ ህላወ ኣቡበከር
ምዕራፍ 19፡- ምዑታት ኣቦታት፡ ወይ ፍትሑዎም ወይ ከነጥቅዕ ኢና
ምዕራፍ 20፦ ምኒሊክ፡ ንኤርትራውያን ንዚድግፉ ትግራዎት ይኣስር
ምዕራፍ 21፡- መሓመድ ኑሪ ካልእ ሳሆታይ ሓርበኛ
ምዕራፍ 22፦ ገለ ሸርሕታት ጣልያንን ገረስላሰን
ምንጪ ጽሑፍ

ነዙይ ዛንታ፡ ሕዝብና ከምኡውን ፈታዊናን ጸላኢናን ኩሉ ኪፈልጦን ኪዝንቶን እንደኣሉ ተጻሂፉ፡ ሽሕ እኳ እዙይ ኪዝንቶ ዘይደልዩ ባእታታት እንተለው፡ :mrgreen: ንሕና ግን: "ተር ከም ዓተር" ነዙይ ታሪኻዊ ዛንታ ከነካፍለኩም ኢና፡ ኣብ ቀጻሊ ክፋል፡ ኣብ "መቕድም" የራኽበና!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 21 Oct 2022, 04:07

ወንድም Abere፡ እዚህ የምትጽፋቸውንና የምታራምደውን አካሄድ በማዬት፡ ኣንተ ለእውቀት ያለህ ኣመለካከት ሁነኛ መሆኑን ተረድተናል። ኣንዳንድ ሰዎች "እኛ ብቻ እንናገር፡ እኛ ብቻ ነን ሃቀኞች፡ እነ እገሌ ሃሰተኞች ናቸው፡ እኛን ብቻ ስሙ" ብለው ስም ሊያጠለሹ ሲሞክሩ፡ ኣንተ ደግሞ “መናገር የሚፈልግ ይናገር፡ እኛ ደግሞ እንስሶች ኣይደለንም ኣእምሮ ያለን ለባዊ ፍጥረቶች ነንና መርምረን እውነቱን ከሃሰቱ ራሳችን እንለያለን" የምትል፡ ጎበዝ የእውቀት ሰውና የህዝብህ ሁኔታ የሚያንገበግብህ ዜጋ እንጂ “እረኞች ፈቅደው ባሰማሩት ቦታ ብቻ እንደሚግጥ ከብት" ማለትም መናኛ ካድሬ ኣለመሆንህን ተረድተናል። በመሆኑም ለአንተና ያንተ ለሆኑት ሁሉ ክብር የዚህን ጽሑፍ የአማርኛ ትርጉምም ለማቅረብ እንሞክራለን

ጽሑፉን የጻፉት ኣባት ኤርትራዊ የነጻነት ታጋይ ማለትም ሻዕብያና ኣባም ናቸው፡ ኤርትራ ውስጥ በርካታ መጻሕፍት ጽፈዋል ተብለው ከሚጠቀሱት ሰዎች መካከል ኣንዱ እኒህ ኣባት ናቸው። የመጻሕፍታቸው ዝርዝር አርእስት እዚህ ይገኛል https://mereja.com/forum/viewtopic.php? ... 8&start=20 ኤርትራዊው የነጻነት ታጋይ ኣባ ይስሃቅ ገብረኢየሱስ በአንድ የአውሮፓ ዩኒቨርሲቲም ለእውቀት መስፋፋት ያደረጉትን ጥረት በማዬት ይመስለናል የክብር ዶክትሬት ማእረግ ተሰጥቷቸዋል። . . . እንደነ ጥላሁን ገሠሠና ቴዲ ኣፍሮ ወዘተ መሆኑ ነው መሰል።

ይሄኛውን ጽሁፋቸው ያጠናከሩት፡ ከ1897 እስከ 1907 ኤርትራን ‘ያስተዳደረው’ ኢጣሊያዊው ፈርዲናንዶ ማርቲኒ “ዲያርዮ አሪትረዮ፡ አርትራዊ ‘ዜናመዋዕል’” በሚል ርእስ የ10 ዓመታት ዕለታዊ መረጃዎቹን፡ በ4 ትልልቅ ቅጾች በጠቅላላ 2626 ገጽ ባዘለው የ19,300 ዝርዝር መረጃዎችን ከሰነደባቸው መጻሕፍት ውስጥ ቀንጭበው ያቀረቡት ነው።

እንደሚታወቀው በተለያዩ አካላት መካከል፡ ቅዱስ ኪዳን (ቃልኪዳን) ወይ ውል እንዳለ ሁሉ “ዘይቅዱስ” ማለትም ቅዱስ ያልሆነ ኢፍትሓዊ ወይ ርካሽ ኪዳን (ውል) ስምምነትም ኣለ። እንደ እርሳቸው አመለካከት በጣልያንና በምኒልክ መካከል የኤርትራን ህዝብ ለመጨፍለቅ ቅዱስ ያልሆነ ኪዳን ተደርጎ ነበር፡ በማለት በማስረጃ አስደግፈው ለመግለጽ ሞክረዋል። ጽሑፉ ኤርትራውያንን ያለመ ነው። እዚህ መረጃ ላይም በርካታ ኤርትራውያን ይኖራሉ ብለን ስለገመትን፡ ታሪኩን ለማያውቁ ኤርትራውያን ይጠቅም ዘንድ፡ በትግርኛ እንዳለ ለመጋራት እንሞክራለን። ለኢትዮጵያውያን አንባቢዎችም ሊጠቅም ስለሚችልም፡ በጥያቄህ መሰረት በተወላገደው ኣማርኛችን ተርጉመን አዲስ ርእስ በመክፈት እዚያ ለማቅረብ እንሞክራለን። እዚህኛው ክፍል ግን በትግርኛው ትርክት እንቀጥላለን።

ቍምነገሩ፡እነ ፕሮፌሶር ኣፈወርቅ ገብረ ኢየሱስ ሚኒልክን በአንድ በኩል ሲያዩዋቸውና ሲገልጧቸው፡ እነ ታጋይ ዶ/ር ኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ ደግሞ ሰነድ አጣቅሰው፡ ምኒልክን በሌላ በኩል ተመልክተዋቸዋል። የጽሑፉ ዓላማ “ኪዳን፡ ቃል ኪዳን፡ ውል፡ ስምምነት” ቅዱስ መሆን ኣለበት፡ አለበለዚያ ኣንድን የህዝብ ክፍል ወይ ኣንድን ህዝብ ወይም ኣንድን አካል ለመደፍጠጥ የሚደረግ “ኪዳን፡ ቃልኪዳን፡ ውል፡ ስምምነት” ርካሽ ነው ለማለት ይመስላል። ለምሳሌ፡ ኤርትራን ለማጥቃት “ሰንዓ-ፎረም” የተባለ ቅዱስ ያልሆነ ኪዳን በቅርብ ግዜ ነበር፡ . . . አሁንም ተመሳሳይ ቅዱስ ያልሆነ ኪዳን በአካባቢያችንና በቀጠናችን ካለ ለማስተዋል ይበጀናል። . . . ኣንድን ብሄር ኣማራ ሊሆን ይችላል፡ ትግሬም ሊሆን ይችላል፡ ኦሮሞም ሊሆን ይችላል ወዘተም ሊሆን ይችላል ለማጥቃት የሚደረግ የቦለቲካ ፓርቲዎች ሆነ የሃገራት ርካሽ-ኪዳን ኣለ ወይስ የለም? ግለሰቦችን፡ እዚህ ጽሁፍ ውስጥ እንዳሉት አርበኞችን ወይም ፋኖዎችን ለማጥቃት የተደገሰና የተከወነ የቦለቲካ ፓርቲዎች ሆነ የ ሃገራት ቅዱስ ያልሆነ ኪዳን ኣለ ወይስ የለም? ለማጤን ይጠቅመናል። ወዘተ . . .

ይህንና መሰል ጽሑፎችን ማንበብም፡ አንድን አካል ሌሎች እንዴት እንደሚመለከቱት በመገንዘብ፡ ወደፊት ለሚደረግ ማንኛውም ዓይነት ውይይት፡ የኔ ብቻ ነው ትክክለኛው ኣመለካከት ከማለት ይልቅ፡ ሌሎችስ ስለዚህ ጉዳይ ምን ይላሉ? በማለት ይዘቱን ኣብጠርጥሮ በመመዘን፡ በኅሊና በመመራት ሚዛናዊ ግንዛቤን በማጉልበት፡ “ቅዱስ ኪዳን”ን በማበራከት “ቅዱስ ያልሆኑ ኪዳኖችን”ም ለማስተዋል ለመንቀፍም ጭምር በር ይከፍታል ብለን እናስባለን፡ እኛ ኤርትራውያን የመሃልና የመስመር ዳኞች፡ በኤርትራዊ ጭዋነት ኩራትና ትህትና ጭምር።
:mrgreen:
Abere wrote:
20 Oct 2022, 10:41
ወደ አማርኛ ብትተረጉምልን ምን እንደተጻፈ፥ ከየት መረጃው እንደተጠናቀረ፤ ለምን እንደተጻፈ እውነት ወይም ሃሰት ስለመሆኑ አግቦ ለመስጠት ለብዙሃኑ አንባብያን ይጠቅም ነበር።
Meleket wrote:
20 Oct 2022, 10:16
ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

ታሪኽ ኤርትራውያን ሓርበኛታት፦
* ደግያት ማሕራይ ኣባሰላማ
* ደግያት ኣቡበከር
* ዓሊ ኑሪ . . .

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 21 Oct 2022, 09:26

መቕድም
ተመስገን . . . ! ሎሚ ምስ ምንሊክ ኣብ ዝገበርናዮ ምይይጥ፡ በቲ ዝተገብረ ናይ ኵሉ ጕዳያት ዝርርብ ኣብ ፍጻመኣኡ በጺሑ። . . . ናይ ደንከልያ ዶባት ኣብ ካርታ ኪረጋገጽ ተሰማሚዕና። ናይ ንግድ ውዑላት ብዚምልከት፡ እቲ በኣና ዝቐረበ (እማመ) ቅቡል ኰይኑ። . . . ምንሊክ ብዛዕባ ጥዕናይ ሓቲቱኒ። ትግራዎት ክፉኣት እዮም። . . . ዕርክነትና ምእንቲ ከበላሽዉ፡ ገለ ነገር ከይፍጸሙ እጥርጥር እየ ከኣ ኢሉኒ።
. . . ብዛዕባ ዓጋመ ብዚምልከት ከኣ ፥ደስታ ምሳካትኩም ስለ ዘየሳኒ፡ ካብኡ ኣልየዮ።

“ዓጋመ ንገረስላሰ ሂነዮ ኣሎኹ። ንሕናን ንስኻትኩምን ብሰላም ምእንቲ ክንነብር ኢሉኒ። ወደብ ዓሰብ ክንከፍተሉ ብምስጢር ሓቲቱኒ። ንሕና ንባሕሪ እንተ ተቐላቐልናስ እንታይ ሕማቕ ከይንገብረኩም ኢና፡ ከኣ ኢሉኒ። ሕራይ ክሓትት ኣየ ምስ በልኩዎ ከኣ፡ ንስኹም ዓቢ ሰብ እኹም! በጃኹም እዚ ከተሳልጡለይ ኢሉኒ።

“ምኒልክ ክሰናበተኒ ከሎ፡ ካብ ኣውሮጳውያን እቶም ኣውራ ኣዕርኹቱ ንሕና ጠላይን ከም ዝኾንና እናዘኻኸረ፡ ብዙሕ ዓቢ ነገር ከም ዚጽበ . . . ኣተሓሳሲብኒ።” (ማርቲኒ፡ ዲያርዮ፡ 1906፡ ገጽ 492, 493)

እዚ ቃላት እዚ፡ እቲ ካብ 1897 ክሳዕ 1907 ንአርትራ ዘምሐደረ ኢጣልያዊ ፈርዲናንዶ ማርቲኒ፡ ንምንሊክ ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ብዕለት 19.7.1906 ኣብቲ ውሩይ ዝየና ዕለታቱ (Diario Eritieo) ዝጸሐፎ እዩ።
ኣብ ቅድሚ ጣልያን ናይ ምኒልክ ኣበስቀደስን ምምሽኻንን ከኣ፡ እቲ ቀዳማይ ኣብዚ ዚረኣኣየካ ሓቂ እዩ። ምንሊክ ንጣልያን ከም ፍጥረቶምን መተን፡ ቀዳማይ ዓርኮም ኣብ ኣፍሪቃ እዩ ነሩ።

ነዚ ዚምስክር መወዳእታ ዘይብሉ ሰነዳት ኣሎ። ህዝባዊ ያታ ብምሉኡ እውን ነዚ ሓቅዚ ኳዕ! ኣቢሉ የብርሆ እዩ። ምንሊክ ብሳላ ጣልያን እዛ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ፤ ጣልያን ሳላ ዕርክነት ምንሊክ ንህዝቢ አርትራ ጨፍሊቆም ንአርትራ ገዚኦም። ናይ አውሮጳ ሃጸይነትን ድሑር ናይ አፍሪቃ ባርባራዊ መስፍንነትን ዕጹብ ብዝኾነ ኪዳን ተጣሚሮም!

ኣብዚ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዞባና፡ ሓደ ሓበሻዊ ተባሂሉ ዚፍለጥ ስልጣነ ነሩ። ሓበሻዊ ስልጣነ፦ ኣብ ገምገም ምዕራባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዝባናት አርትራ ምስ ጸንሐ፡ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዚፍለጥ መዋኦሉ፡ ኣኽሱም ዝሕምብርቱ ነበረ።

ኣኽሱም ከኣ፡ ካብ ስዋኪን ክሳዕ ዘይላ፡ ካብ ኣጥባራ ክሳዕ ላዕለዋይ ተከዘ ጽልዋኡ ተዘርጊሑሉ ዝነበረ ግዝየ እውን ነሩ እዩ። ስልጣነ ኣኽሱም ግን ከም ኵሎም ናይ ጥንቲ ግልያውያን ስልጣነታት፡ በብናቱ ፍሉይ ታሪኻዊ መስርሕ ዝዓነወ፡ ኣክሱም እውን፡ ብናይ ደቡብ ህዝብታትን በቶም ኣብዚ ሕጂ አርትራ ዚበሃል ዘሎ ዞባ ዝጐይትተቱ ህዝብታት ብጃን ተቐርቂራ፡ ተፈራኽሻ ቀሃመት። ሓበሻዊት ኣክሱም ጽልዋታታን ባህላን ዝያዳ ዘርጊሓትሉ ዝነበረት ኣብ ከባቢኣ ዚርከብ ዞባታት፡ ዞባ ሓበሻ ማለት “ኣቢሲንያ” እውን ይበሃል ኔሩ። ክሳዕ ሎምውን ብኸምኡ ይፍለጥ።

ኣብ ዝተፈላለየ ዞባታት ኣቢሲንያ ከኣ፡ ሓበሻውያን ዝተባህሉ ዝተፈላለዩ ንግስነታት ተተቐልቂሎም ቀሃሙ። ካብዚኣቶም እቶም ኣውራ ፍሉጣት፦
ኣብ ሸዋ፡
ኣብ ላስታ፡
ኣብ በጌምድር፡
. . . ወዘተ ዝተራእዩ እዮም። ዞባ ሓበሻ ከኣ ብዝተፈላለዩ ተተቐልቂሎም ዝጠፍኡ ናኣሽቱ ባርባራውያን መሳፍንቲ፡ ኣብቲ ዝደሓረ ባርባርነት ጠሓሉ።

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ብምኪአል ስሑል ጀሚሩ፡ ብውብየ ዚውድእ መዋእል ዘበነ መሳፍንቲ ከኣ፡ ሓደ ንሓበሻ ሓንቲ ኪገብራ እየ፡ ሓንቲ ስጋ ኣብሊዐ ኣብ ሓንቲ ሃይማኖትውን ከእትዋ እየ ኣናበ በለ ዚፍክር፡ ብስም ተድሮስ ዚፍለጥ ባርባራዊ መስፍን እውን መጽኣ። እዚ እውን ከስትኑ! ክርስትያን ዝሓረዶ ብልዑ! እና በለ፡ ነቲ ኣብ ምስልምና ዝኣምን ዝነበረ ህዝብታት ካብ ምህላቕ ሓሊፉ ኣብ ካልእ ከይበጽሐ፡ ኣብ ባርባርነቱ ኣንከራረወ።

ድሕሪ ተድሮስ ዝተቐልቀለ ሐበሻዊ መስፍን እቲ ብዮሃንስ ዚፍለጥ እዩ። ናይ ዮሃንስ ማእከል ኣብ ትግራይ ነበረ። ዮሃንስ፡ ብፍላይ ንኸበሳታት አርትራ በቲ ውሩይ ራስያታቱ ኣሳቐዮ። መብዛሕታኦም መሳፍንቲ አርትራ ከኣ ኣንጻር ዮሃንስ እና መከቱ በረኻ ሓዙ።

ኣብዚ እውናት’ዚ ጣልያን ቅድም ብዓሰብ ጸኒሖም ከኣ ብባጽዕ ተቐልቀሉ። ዮሃንስ፡ ምስ ጣልያን ዝጀመሮ ውሽጣዊ ስምምዓት ከይፈጸሞ ኣብ መተማ ደርቡሽ ርእሱ ቆሪሶም ወሰዱዋ። ብኸምዚ ከኣ፡ ባርባራዊ ንግስነት ትግራይ’ውን ኣብቀዐ። ምንሊክ 2ይ ብዚብል ሃጸያዊ መጸውዒ ከኣ፡ ሓደ ካልእ ባርባራዊ ንግስነት ሓበሻ ኣብ ሸዋ ተቐልቀለ። ምንሊክ ግን ብመሰረቱ፡ በቶም ኣብ ባጽዕ ማእከላይ ቦታኦም ገሮም ንአርትራ ዝገዝኡ ዝነበሩ ኢጣልያውያን ተፈጢሩ፡ በኣታቶም ዝዓበየን ዝደልደለን ነበረ። በኣታቶም ጥራይ ተደጊፉ ከኣ ከምቲ ዝተባህለ፡ ሓንቲ ኢትዮጵያ እትበሃል ሓዳስ ሓበሻዊት ንግስነት መስረተ።

ምንሊክ ንአርትራውያን እና ጨፍለቐሎም፡ ጣልያን ንትግራይ እና ጨፍለቑሉ ከኣ፡ ብእዋናዊ ስምምዓትን ውዑላትን፡ ናይ ኢጣልያ አሪትረያን ናይ ምንሊክ ኢትዮጵያን ደልዲለን በብወገነን ኣስፋሕፍሓ።

ብዛዕባዚ ዕርክነት ምንሊክ ምስ ጣልያን ከኣ፡ ኣድጊ ተጻዒና ብዘይትኽእሎ ሰነዳት ዝተረጋገጸ እዩ።


እዚ መብዛሕታኡ ካብቲ ዲያርዮ ኣሪትረዮ አርትራዊ ዝየና ዕለታት ዚብል ናይ ፈርዲናንዶ ማርቲኒ ናይ 10 ዓመታት ዕለታዊ ሓበረታት፡ ዝሓቘፈ፡ በርባዕተ ገዘፍቲ ቅጽታት (2616 ገጻት ብድምር!) ካብ ዝቖመ ሰነድ ዝተዋጽአ ሓበረታ፡ ጉድ ዝኾነ ነገራት ይምህረካ። ኣብቲ ናይ 19300 ዕለታት ዝየናኡ ከኣ፦
- ብዘይሕለልን ቀጻልን ተቓውሞ ህዝቢ ኤርትራ
- ድልዱል ኪዳናት ምንሊካዊት ኢትዮጵያን ኢጣልያንን ብዘይሕበል ጭብጥታቱ የርእየካ።


ኣብዚ ካብ ምንሊክ ጀሚርካ፡ ኵሎም ራእስታቱ፡ ደግያታቱ በብውልቆም እውን ከይተረፈ፡ ኣዕርኽቲ ናይቲ ንአርትራ ዚገዝእ ዝነበረ ማርቲኒ ኪኾኑ ዚጽዕሩ፡ ነብስ ወከፎም ከኣ ብጣልያን ኪፍቶ፡ ገለ ህያባት ኪትኰበሉ ኪጽዕር ይረኣዩ። ብዙሓት መኳንንቲ ምንሊክ ብስዉር፡ ናይ ስርዓት ጣልያን ፎርማቶሪ (= ሓባሪ ወይ ሰላዪ) ኰይኖም ኪሰርሑ እውን ትዕዘብ። ኣንጻር መንግስቶም ይኹን ኣንጻር አርትራውያን ዕለታዊ ክቡር ሓበረታኦም ንመንግስቲ ኢጣልያ ኪልግሱ እና ተዓዘብካ ተስካሕክሕ።

እዚ ዚስዕብ ናይ ሓርበኛታት ተቓወምቲ አርትራውያን ሓድሓደ ኣብነታት ከኣ፡ ዝተጠቕሰ ሃዋህው ምስ ዚዳእ ጥራይ እዩ ዕብየቱን ጽንኩር ኵነታቱን ዚርደአካ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል፡ ን"መእተዊ" ናይ ደራሲ ክነስተማቕር ኢና!
ሰላም ወሰናይ!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 22 Oct 2022, 02:53

መእተዊ

ናብ መጀመርታ መበል 19 ክ.ዘበን ምልስ ኢልና ብህድኣት ምስ እንዕዘብ፡ በረኻታትን ዱርን ገደልን አርትራ ሃገርና፡ ብዅሉ መኣዝናቱ፡ ንመግዛእቲ ኢጣልያ ብዚቃወሙ ዘይተጠርነፉ ዕጡቓት ጕጅለታት ተጐቢኡ ንርኢ። መብዛሕትኦም ኣብቲ መጀመርያ ግዝየ፡ ኣንጻር ትግራይን ኣምሓራን ብጣልያን ዝተዓጥቁ እዮም።

ንጣልያንን ንደገፍቶምን ንወተሃደራዊ ንቑጣታቶምን ከኣ በብመዳዮም የጥቅዑ ነበሩ።

እዚ ኣንጻር መግዛእቲ ኢጣልያ እና ተባረዐ ዚከይድ ዝነበረ ምንቅስቃስ’ዚ፡ ብፍላይ ድሕሪቲ በዳህን ውሩይን እብያ ደገያት ባህታ፡ እና ተረረ ከደ። ብፍላይ ናይ ሳሆ ተቓውሞ ኣንጻር መግዛእቲ ኢጣልያ ከኣ፡ ንዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ኪቕጽል ከኣለ።

እዚ ናይ ህዝቢ አርትራ ቀጻሊ እብያታት ከኣ፡ እቲ ናይ ጣልያንን ናይ ምንሊክን ተማሳጢርካ ኣብ ልዕሊ ናይዚ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ምስፍሕፋሕ ዕላማ ሓደገኛ ስለ ዝነበረ፡ ህዝቢ አርትራ፡ ብምንሊክን ብጣልያንን ኪጭፍለቕ፡ ምንሊክ ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ እንተ ዘይተሓባበር ከኣ፡ ጣልያን እውን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ ትግራይ ኣይምተሓባበሩን እሞ፡ ንግዝኣትካ ምእንቲ ምድልዳልን ምስፋሕን እቲ እኩይ ኪዳን ኪትከል ባህርያዊ ነበረ። ብኸምዚ ከኣ፡ እቲ ብዘይካ ምትሕብባር መግዛእቲ ኢጣልያ ኪበርስ ዘይምኸኣለ ንግስነት ትግራይ ተጨፍሊቑ ቀሃመ። እቲ ብዘይካ ናይ ኢትዮጵያ ምትሕብባር ኪግዛእ ዘይምተኻእለ ህዝቢ አርትራ ከኣ ተጨፍለቐ። ኣብዚ ዚስዕብ ገጻት ብዘይካ ናይቶም ቀንዲ መዛረቢ ኰይኖም ዘለዉ ጅግንነት ብዘየዳግም እንመሃሮ ካልእ ኣውራ ሓቂ እንተ ሃልዩ ከኣ፡ እዚ ጕዳይ’ዚ እዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል፡ "ምዕራፍ 1፡- ሃጸይ ምንሊክ ፍጥረት ጣልያን" ዚብል ትሕዝቶ ክነካፍለኩም'ና! ሰላም ወሰናይ!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 24 Oct 2022, 07:09

ምዕራፍ 1 - ሃጸይ ምንሊክ ፍጥረት ጣልያን

ብድክሪስቶፎሪስ ዚምርሑ ዝነበሩ ወተሃደራት ጣልያን፡ ኣብ ተድዓሊ (ዶግዓሊ)፡ ብሰራዊት ሃጸይ ዮሃንስ ምስተደምሰሱ፡ ጣልያን ኣንጻር ሃጸይ ዮሃንስ ዓሚቝ ቅርሕንቲ ሓደሮም። ንሃጸይ ዮሃንስ ከመይ ገሮም ሓደ ግዝየ ንዅሉሳዕ ከጥፍኡዎ ዚከኣለሉ መገዲ ከኣ ሃሰው ይብሉ ነበሩ። እዚ መገድዚ ከኣ ቀልጢፉ ባዕሉ፡ ብሽዋ ኣቢሉ መጽኦም።

እቲ ንሃጸይ ዮሃንስ “ሕራይ . . . ምሳኻ ኣሎኹ . . .” እና በለ ንናይ ምዕብላል ሕልምታቱ ክዉን ንምግባር፡ ተንኰል ንተንኰል እና ኣለመ ህርድግ ዚብል ዝነበረ ሽወታይ ራእሲ፡ ካብ ኣውሮጳውያን ሓይልታት ኣያታት ዝኾኑዎ ሃሰው ይብል ነበረ። ብዕለት 10-3-1889 ናብ ናይ ጣልያን ንጉስ ኡምበርቶ ከምዚ ዝትሕዝቶኡ መልእኽቲ ጸሓፈ፦

“. . . ግርማውነትኩም ነቶም ኣብ ባጽዕ ዘለዉ ጀነራላትኩም ዘረባ ተጋሩ ከይሰምዑ ንገሩዎም . . . ። ነስመራ ኪሕዝዋ፡ ብጽኑዕ እውን ኪዕርዱዋ፡ ንትግራዎት ከኣ ንባጽዕ ኣቢሎም ተንከስ ከይብሉ ከልክሉዎም ኣዝዝዎም። . . . እዝጊሀር ስልጣን ነኣይ ሂቡኒ እዩ። . . . ኢጣልያ ብረት ብምሃብ እንድሕሪ ሓጊዛትኒ ከኣ፡ ነቶም ኣብ ዶግዓሊ ዚጠፍኡ ወተሃደራት ኢጣልያ ባዕለይ ሕነኦም ክፍድየሎም እየ . . .” (ጉዊዶ ኮርተዘ፡ 1934፡ 66) ከኣ በለ።

ኣብዚ ናብ ኣዉሮጳዊ መግዛእቲ ምምሽኻንን ናብ ጣልያን ጽግዕግዕ ምባልን ግን ሃጸይ ዮሃንስ ንገዛእ ርእሱውን ቀዳማይ ቦታ ይሕዝ ነበረ። ሃጸይ ዮሃንስ ፍጥረት እንግሊዛዉያን ከም ዝኾነ ከኣ ታሪኽ ዚምስክሮ እዩ። ብዕለት 29.3.1888 ናብቲ ኣብ ከባቢ ዓይለት ዓሪዱ ዝነበረ ጀነራል ዲ ሳማርሳኖ ዝለኣኻ መልእኽቲ ከኣ ከምዚ ትብል፦

“ናይ ኣምላኽ ነቢ ዮሃንስ፡ ንጉስ ጽዮን፡ ናይ ኢትዮጵያ ንጉስ ነገስቲ፡
ናብ ዝኸበረ ጀነራል ዲ ሳማርሳኖ፡ ናይ ሰራዊት ኢጣልያ መራሒ።

“ከመይ ኣሎኻ፡ ብስምካ ጥራይ እየ ዝፈልጠካ። ኣነን ሰራዊተይን ብሓይሊ ኣምላኽና ኣብ ጽዮን ብዘሎና እምንትን ብጸሎት ልዑላን ቅዱሳንን ጽቡቕ ኣሎና። ቅድም ሕጂ ምስ ኡምበርቶ ንጉስ ኢጣልያ ናይ ዕርክነት መልእኽቲ ንጽሓሓፍ ነርና። ኣዕርኽቲ ከኣ ኢና ነርና።

“ምስ ኣመሓዳሪ ብራንኪ ከኣ፡ ብዛዕባ ብዓሰብ ክትከፍቱልና ዘሎኩም መተንፈሲ ተዘራሪብና። ናተይ ትምኒት፡ ኣነን ንስኻትኩምን ኣንጻር እቶም ባርባራውያን [ኤርትራ፡ ደቡብ ኢትዮጵያ ደርቡሽ ወዘተ . . .] ህዝብታት፡ ብሓባር ክንዋጋእ እዩ ኔሩ። ሓደ ኣካል እንተ ንኸውን ከኣ ብሓባር ምገዛእናዮም። ንብራንኪ ብጽቡቕ ተቐቢለ መዳልያ ሰሊመ ኣፋንየዮ። ብድሕሪኡ ሲኞር ቢያንኪ መጺኡ። ምስኡ እውን ከምኡ ተዘራሪብና። ናይ ዕርክነት መልእኽትን ንመኰንናት ኢጣልያ ስልማትን ሂበ ከኣ ኣፋንየዮ።

“ . . . እዝጊሀር ሓይሊ እንተ ሂቡኒ፡ ኣነን ንስኻትኩምን በብወገንና፡ ንደርቡሽ ተዋጊእና ደምሲስና፡ ንግዝኣትና ክነስፍሕ ንኽእል ኢና። ከምኡ ምሓሸ። ኣነን ንስኻትኩምን ኵላትና ክርስትያን ኣሕዋት፡ ብዘይ ምስናይና ከኣ፡ መስሓቕ ካልኦት ክንከውን የብልናን። ራእስ ኣሉላ ዝገበሮ፡ ንኣይ ከይነገረ እዩ። እቲ ዝተፈጸመ ግብሪት ከኣ ስራሕ ሰይጣን እዩ። ድኻታትን ነጋዶን ምእንቲ ኪሽቅጡ ባጽዕ ክፈቱልና። ተጽሕፈ 26 መጋቢት 1880 ዓ.ም.” (ኮርተዝ፡ 1934፡ 66-68)።

ሃጸይ ዮሃንስ ንሓደ ካብቲ ምድረ ባርባሪያ ዚብሎ ጎጃም፡ ብ9/10/88 ወሪሩ እዚ ዘይበሃል ህልቂትን ራስያን ፈጸመ። እቲ ኣብ ልዕሊ ቈልዓ ሰበይቲ ዝተፈጸመ ናይ ጽንታን ራስያን ተግብሪት ከኣ ክትጽውዮ ጥራይ ዘሰቅቕ ነበረ። ብ15/1/1889 ምንሊክ ካብ ጣልያን ብረት ተቐበለ።

ብዕለት 10/3/1889 ሃጸይ ዮሃንስ ብደርቡሽ ኣብ መተማ ተቐትለ። ብ22/3/1889 ከኣ ምንሊክ ሃጸይ ኢትዮጵያ ተባሂሉ ንግስነት ሽዋ መስረተ። ካብ ወኪላት ዓለም ኣብቲ ናይ ምንሊክ ዘውዲ ናይ ምድፋእ በዓል ኣጋጣሚ ተጸምቢሩ ዝወዓለ ወኪል ሓደ ንእንኮኡ፡ ናይ ኢጣልያ ጥራይ ነበረ። ምኽንያቱ ንምንሊኽ ጣልያን እዮም ዚፈጥሩዎ ዘለዉ። ኣብቲ ዚስዕብ ወርሒ ግንቦት ማለት፡ ብዕለት 2/5/1889 ከኣ፡ ምንሊክ እቲ ንምሉእ ንግስነቱ ከይተረፈ ናብ ትሕቲ ግዝኣት ኢጣልያ ዚወድቕ ውዑል ውጫለ ምስ ኢጣልያ ተፈራረመ። ኣብቲ ዚቕጽል 2 ሰነ ኢጣልያ ንኸረን ሓዘት። ብምኽሪ ምንሊክ ከኣ ብ30 ነሓሰ ናይቲ ዓመት እቲ፡ ኢጣልያ ነስመራ ሒዛ ኣብኣ ዓረደት።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል፡ "ምዕራፍ 2 - ምንሊክን ጣልያንን ይመሳገኑ።" ዚብል ትሕዝቶ ክነካፍለኩም'ና! ሰላም ወሰናይ!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 25 Oct 2022, 05:26

ምዕራፍ 2 - ምንሊክን ጣልያንን ይመሳገኑ።

ሞት ትግራዋይ ሃጸይ ዮሃንስ ንጣልያንን ንምንሊክን ዓቢ መኽሰብ ነበረ። ብዓንተቦ ምንሊክ ክተት ተባሂሉ ክንሱ፡ ይመጽእ ኣሎኹ፡ እናበለ ናብ ውግእ መተማ ዘይምእታዉ፡ ንተጋሩ እውን ምስ ሃጸዮም ዕድሎም ኪርእዩ ምጥላሙ፡ ብዘይ መደብ ነሩ ኪኸውን ኣይክእልን። ሰራዊት ትግራይ ከኣ ሃጸዩ ኣጥፊኡ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብ መተማ ጓጕኑን ንያቱ ዓሪቡዎን ተመልሰ።

እዚ ንምንሊክን ንጣልያንን፡ ኪምዝመዝ ዝነበሮ ፋስጋን ፈስታን ነበረ። ጣልያንን ምንሊኽን ንግስነት ትግራይ ኣብ ምጭፍላቕ ሓደ ዝሚዛኑ ጥቕሚ ስለ ዝነበሮም፡ ብናይ ሓባር ጥቕሚ ዝያዳ ተኣሳሰሩ። ጀነራል ኦርሮ ነስመራ ምስ ሓዘ ዝጽሐፎ፦

“ማእከላይ ቦታይ ካብ ባጽዕ ነስመራ ዘግዓዝኩም፡ ነቶም ጸላእትናውን ዝኾኑ ጸላእቲ ምንሊክ (አርትራን ትግራይን) ብቕልጡፍን ብዝመቸአን ወስ ከም ዘይብሉ ንምግባር ምእንቲ ኪጥዕም እየ” . . . ዚብል ኣሎ (ኮርተዘ ገጽ 115)። ነቶም ምናልባት ኣራእሶም ሓፍ ከብሉ ዚኽእሉ ተጋሩ ንያቶም ኣዕሪብካ ኣብ ትሕቲ እቲ ዓርኪ ጣልያን ዝኾነ ምንሊክ ከም ዚምብርከኹ ምእንቲ ምግባር ከኣ ጀነራል ኦርሮ፡ ንዓድዋ ብሃንደበት ወሪሩ፡ ብ27.1.1890 ሓዛ። ናይ ተጋሩ ዕርበት ሕልና፡ ንናይ ሽዋ ምንሊክ ፍናን ምስ ኣረጋገጸ ከኣ፡ ንዓድዋ ለቒቑ ነስመራኡ ተመልሰ። በዚ ከኣ ጣልያንን ምንሊክን ፍጹም ተሓጓጉሱ።


እዚ ጥራይ ግን ኣይኮነን። ጣልያን ሓደ ክሳዕ ሎሚ መለሊኽ ተባሂሉ ዚፍለጥ መሳተያን መስፍርን፡ ስእሊ ንጉስ ምንሊኽ ኣብኡ ሓቲሞም፡ ናብ አርትራን ኢትዮጵያን ዘርግሑ። እዚ ሎሚ ትርጉም ዘይብሉ ንእሽቶ ነገር ዚመስል ናይ ጣልያን ሽሕጣን ንመነሊኽ፡ ኣብቲ ግዝየቲ ዓቢ ትርጕም ዝሓዘ ነበረ። ምንሊክ ብወገኑ ከኣ በቲ፦

ብ24.3.1891 ፣ ብ15.4.1891 ፣ ብ5.5.1894 ዝተገብረ ስምምዓት (ማርቲኒ፡ ዲያርዮ፡ 1ይ ቅጺ፡ ገጽ 170) ንጣልያን ንምሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ግዝኣቶም ምፍላጡ ጥራይ ዘይ ኮነስ፡ በቲ፦

“ግርማውነቶም ንጉሰ ነገስት ዘኢትዮጵያ፡ ምስ ካልኦት ሓይልታት ወይ መንግስታት ኪህልዎ ንዚኽእል ጕዳይ ኵሉ፡ ብመገዲ ናይ ኢጣልያ ግርማዊ ንጉስ “ረ” ኪውዳእ የፍቅድ” ዚብል ዓንቀጽ 17 ውዑል ውጫለ፡ ነታ ኣብ ኢዱ ዝትሓዙዎ ኢትዮጵያኡ ከይተረፈ ኣብ ትሕቲ ጽላል ጣልያን ክትከውን ፈረመ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል፡ "ምዕራፍ 3 - ኣዋጃት ደግያት ገረስላሰ" ዚብል ትሕዝቶ ክነካፍለኩም'ና! ሰላም ወሰናይ!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 26 Oct 2022, 02:59

ምዕራፍ 3 ኣዋጃት ደግያት ገረስላሰ

ኵርኩር ምንሊኽ ዝነበረ ትግራዋይ ደግያት ገረስላሰ ብ1904 ደጋጊሙ ዘውጽኦ ኣዋጅ እውን እዚ ዚስዕብ፡ ንዕርክነት መግዛእቲ ኢጣልያን ንሃጸይ ኢትዮጵያ ምንሊክን ዝያዳ ኰሊዑ የብርሆ፦

“ስምዑ፡ ስምዑ!! ብትእዛዝ ግርማዊ ንጉስ ረ ናይ ኢጣልያ፡ ኣነ ምስ ክቡር ካቫለር ፈርዲናንዶ ማርቲኒ፡ ምሉእን ወግዓውን ዝኾነ ስምምዕ ገረ። ብፍጹምን ምሉእን ዝኾነ ጽንዓት ሕጊ ከም ዚኽበር ክንገብር ከኣ ወሲንና” ይብል።

እቲ ስምምዖም ከኣ ንዝኾነ ተቓውሞ፡ ብፍላይ ከኣ ኣንጻር ኢጣልያዊ መግዛእቲ ብአርትራውያን ንዚለዓል ተቓውሞ፡ ሓቢርካ ናይ ምድቋስ ውሳነ እዩ እምበር፡ ካልእ ከም ዘይኮነስ ካብዚ ዚስዕብ ናይቲ ኣዋጅ መቐጸልታ ንርድኦ። እቲ ኣዋጅ ይቕጽል፦

“ስምምዕና ከመይ ከም ዝተገብረ ከኣ እንሀ፡

“ዝኾነ ይኹን ሰብ፡ ንመንግስቱ ኢጣልያ በዲሉ፡ ሕጉ እውን ግሂሱ፡ ካብ መቕጻዕቲ ከምልጥ፡ ዶብ ጥሒሱ ናብ ምድርና ዝኣተወ፡ ተኣሲሩ ናብ ኢጣልያዊ መንግስቲ አርትራ ኪርከብ እዩ።

“መራሕቲ ዓድታትን ወኪላቶምን እቶም ከም ጭቃታት ኰይኖም ዘገግሉን ይጠንቀቑ። ነዞም ዝተጠቕሱ ሰባት ኣሲሮም እንድሕሪ ዘየረኪቦም፡ እምብዛ ተሪር ዝኾነ መቕጻዕቲ ኪወርዶም እዩ

“ተቐማጦ ትግራይ ንኣይ [ወኪል ምንሊክ ኣብ ትግራይ] በዲሎም ንአርትራ እንድሕሪ ኣትዮም፡ ተቐፊዶሞ ናባይ ኪምለሱ እዮም።

- እዚ ኣዋጅ እዚ ብክልተ ናይ ኢትዮጵያን ኢጣልያን መንግስታት ዚእወጅ ዘሎ እዩ።

- ኦ ህዝቢ እዞም ህዝብታት[ ጣልያንን ኢትዮጵያን] ብፍጹም ዕርክነትን ሰላምን ኪነብሩ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ፍለጡ።

- -ኵሉ ብፍትሒ ኪካየድ እዩ። እምቢተኛ ኣብ ምድርና ይኹን ኣብ ምድሪ አርትራ ኪቕጻዕ እዩ።

- እዚ ኣዋጅ እዚ ዝዘርጋሕና፡ ኵልኻትኩም ሕጊ እናኽበርኩም፡ ሰላም ምእንቲ ክሀልወኩም ንማለት እዩ። ነዚ ኣዋጅ እዚ ዘየኽበረ፡ ኪቕጻዕ እዩ። ደጊም ከኣ ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ!

- እዚ ነገራት’ዚ፡ ብ6 ለካቲት 1904 ዓመት ጸጋ፡ ኣብ ከተማ ዓድዋ ጽሒፈዮ” (ማርቲኒ፡ ዲያርዮ 3ይ ቅጽ፡ ገጽ 490)

ካብዚ ዚልዕልን ካብዚ ዚተርርን ናይ ክልተ ምስፋሕፋሕቲ መንግስታት ኪዳን እንታይ ኪህሉ ይኽእል፧ ብርግጽ እዚ ዝተጠቕሰ እዋናት ከኣ፡ እቲ መንግስቲ ጣልያንን ምንሊክን ዚሕበኑሉ ናይ ዝለዓለ ሓድነቶምን ፍቕሮምን እዋናት፡ ብውልቀ ይኹን ብጅለ፡ ከም ናይ በዓል ደግያት ኣበራ ዘጸዓዘጋ ዝበለ ሓያሎ ናይ እብያ ምንቅስቓሳት ኣብ ኤርትራ ዝተደርቈሰሉ እዋናት፡ ስርዓታት ምንሊክን ጣልያንን እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ንምሕጋዝ ዚፍጽሞ ብዝነበረ ሚያታት ዝመሳገኑሉ ዝነበሩ ግዝያት ነበረ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ምዕራፍ 4 - ምንሊክ ዶባት ንምሕንጻጽ ብገንዘብ ይዋገ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ሃሳባት ክንካፈል'ና። ሰላም ወሰናይ! :mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 27 Oct 2022, 01:53

ምዕራፍ 4 - ምንሊክ ዶባት ንምሕንጻጽ ብገንዘብ ይዋገ

እስኪ ምስዚ ናይ ሎሚ ናይ ኣምሓራ ጉራን ማሕላን መን ምኣመኖ፧ ብዝኾን ግን ካብዞም ናይ ሎሚ ገዛእቲ ኣምሓራ፡ እቲ 100 ዓመት ኣቐዲሙ ዝነበረ ዘይተማህረ ምንሊክ ይልብምን ይኽእልን። ምንሊክ ይትረፍዶ አርትራስ፡ እታ ኢትዮጵያ እትበሃል ዘላውን ብዘይካ ብሓገዝ ናይ ውጻኢ ሓይልታት ብምልእታ ከም ዘይትብጽሖ፡ ኣጣሊሉ ይፍልጥ ነሩ። ስለዚ ከኣ ኣርትራ ኣካለይ እያ ብምባል ሰራዊቱ ናብ ኣርትራ አውፊሩ ክህልቕ እኳኳ ኣይፈተነን።

ትግራይ እንድሕሪ ተደቝሳ፡ ነኣኡ እኹል ነሩ። ኣብቲ ዶባት ተዋግዩ ተዋጋግዩ፡ ገለ ኣቕራሽ ጥራይ’ኳ እንተኸሰበ ከኣ፡ ንምንሊክስ “መን ነገረካ” ዘብል ዓቢ መኽሰብ ነበረ። ካብ ዘይግበኣካ ጕዳይ መኽሰብ ምርካብ ስለ ዝኾነ። እዚ ዚስዕብ ጭቡጥ ሰነድ እስኪ ንተዓዘብ፦

“23/4/1900 ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓደ ተለግራም መጺኡ። ምንሊክ፡ ካብ መስመር መረብ - በለሳ - ሙና ንነጀው ፍጹም ቍሊሕ ከይብል ሕራይ ኢሉ።

መተካእታ ግን 5,000,000 ፈረንካ ይሓትት። ፍጹም ምስጢር ከኣ ይሓትት ብዛዕባ እቲ መተካእታ።
እቲ ተለግራም ገለ ከይወሰኽኩ ንሮማ እሰዶ። ኪቕብሉዎ ድዮም፧ ኣብ ዝሓለፍ ንሓሰ 6 ሚልዮን ኪህቡ ተዳልዮም ነሮምስ ከመይ ገሮም ኪኣብዩ እዮም ሕጂ፧ እቲ ምስጢራዊ ውዑልከ፧

“. . . ብወገነይ ኣብዚ ብዘይ ውልውል ምስምማዕ የድሊ። እቲ 5 ሚልዮን ከኣ ካብዚ ናይዛ ግዝኣትና (አርትራ) ኣታዊ ባዕለይ ኪርከብ እየ” (ማርቲኒ ዲያርዮ 2ይ ቅጺ፡ ገጽ 143-44)። ገመል ሰሪቖምስ ጉምብሕ ጉምብሕ ይብሉ ከም ዝተባህለ ከኣ፡ ብዛዕባ ምስጢር 5 ሚልዮን ፈረንካ ካብ ኢድ ምንሊክ ከም ዝተዋህባስ፡ ዝኾነ ኣብ ግዝየ መግዛእቲ ኢጣልያ ዝነበረ ሰብ ዚፈልጦን ዘዕልለሉን ዝነበር ጉዳይ ነበረ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ምዕራፍ 5 - ንህዝቢ አርትራ ሓቢርካ ናይ ምጭፍጫፍ ናይ ጣልያንን ምንሊክን እኩይ መደብ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ሃሳባት ክንካፈል'ና። ሰላም ወሰናይ!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 28 Oct 2022, 02:03

ምዕራፍ 5 - ንህዝቢ አርትራ ሓቢርካ ናይ ምጭፍጫፍ ናይ ጣልያንን ምንሊክን እኩይ መደብ

ናይ ጣልያንን ምንሊክን ውግእ ኣብ ዓድዋ፡ ብፍላይ በዚ ናይ ሎሚ ፕሮፓጋንዳዊ ኣቀራርባ ንዚፍልጥ ሰብ፡ እዚ ዚበሃል ዘሎ ነገራት ምናልባት ግር ኪብሎ ይኽእል ይኸውን። እቲ ናይ 29/2/1896 ኣብ ሞንጎ ናይ አርትራ ሰራዊት ጣልያንን ሰራዊት ምንሊክን ዝተገብረ፡ ንጣልያን ዘይዕዉት ውግእ፡ መኽሰቦምን ክሳራኦምን ደማሚሮም፡ ኣጕዲሎም ከለልዩ ናይ ዘይክኣሉ መራሕቲ ሰራዊት ኢጣልያ፡ ግዝያዊ ገጋ እምበር፡ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኢጣልያን ናይ ዝነበረ ብነዊሕ ዝተሓሰብሉ ጽልኢ ኣይነበረን።

ውግእ ዓድዋ፡ ሓደ ንዕርክነት ጣልያንን ምንሊክን ቁሩብ ደበንገረ ዚገብር፡ ነቶም ገና ታሪኾም ዘይተነግረ ኣርትራውያን ምሩኻት ኣብ ቅድሚ ታቦትን መስቀልን ብዓጀብ ካህናትን ኣቡናትን ኣካላቶም ብምቝራጽ ቝጠዐኡ ዘዝሓለ፡ ቀልጢፉ ዝተዓረየ፡ ጊዝያዊ ናይ ጣልያን ገጋ ነበረ።


ኣብ ውግእ ዓድዋ እውን፡ እቶም ብመግዛእቲ ኢጣልያ ተገዲዶም ናብቲ ውግእ ዝኣተዉ አርትራውያን ምሩኻት ዓሳክር እምበር፡ ብብየተ ክህነትን ብታቦትን ተኸቢቡ ኣካላቱ ብፋስ ዝተቘርጸ ኢጣልያዊ ይኹን ኢትዮጵያዊ ኣይነበረን። እዚስ ንአርትራውያን ደኣ ተበየነ፦

“እቲ ዘሰቅቕ ስቓይ ከኣ ኣብቲ ዝተፈላለየ መዓስክራት ተፈጸመ። 800 ኣቢሎም ዝኾኑ አርትራውያን ግን፡ መብዛሕትኦም ኣብ ሓደ ቦታ መሓዉሮም ተቘርጹ። ብዙሓት አርትራውያን ጀጋኑ ዝተማረኹሉ ምኽንያት ከኣ፡ ንዝተወግኡ ብጾቶም ከድሕኑ ኪብሉ ጥራይ ነበረ። ኣብቲ ካብ ፍረሞና ንዓሰም ዘብል ቍልቝለት፡ ኣእዳውን ኣእጋርን ዓቢ ኵምራ ኮነ። ከምኡ ኢሉ ከኣ ንነዊሕ ጸንሐ። እቶም ምሩኻት ነቲ ስቓይ ብዓቢ ትዕግስቲ ጸወሩዎ። ከምቲ ዚውረ ከኣ ሃይ ኢሉ ዘእዊ ወላ ሓደኳ ኣይተራእየን። ብዙሓት ከምኡ ኢሎም ኣደዳ ጸሓይን ቍርን ኰይኖም ሞቱ። ብዙሓት ከኣ ንአርትራ ኣቢሎም ኪሳለዩ ኣብ መገዲ ሞቱ። ካብ 400 ቍሩብ ብዝሕ ዝበሉ ንአርትራ ኣትዮም ኪሕከሙ ከኣሉ።” [Carlo Conti Rossini. Italia e Etiopia, dal trattato di Uccialli alla battaglia di Adua page 451]

እቲ ክሳዕ ሎሚ ንዓለም ዘስደምም ዘሎ ጕዳይ እዩ።

ኣብዚ ውግእ’ዚውን ምንሊክ፡ እቲ ቅድመኡ ዝነበረን እቲ ድሕረኡ ዚስዕብን ዕርክነቱ ምስ ጣልያን ኣይረሰዐን። ንዅሎም ኢጣልያውያን ምሩኻት ብኽብርን ብሰብአዊ ክንክንን ክሕዞም ከሎ ከኣ፡ ነቶም ኣሽሓት ኣማእት ምሩኻት አርትራውያን ብኺንገር ዘይከአል አረመንነት አካላቶም ቆራረጾም። ንአርትራን ንአርትራውያንን ዝነበሮ ጽልኢ ከአ ብዘይሕከኽ ማሕተም ፈረሞ። ናብ ዘረባና ንመለስ።

ድሕርቲ ንጣልያን ዘንቀጥቀጠ ዓቢ እብያ ደግያት ባህታ፡ እቲ ብዕምቆቱ ዝበርተዐን ንጣልያን ዘስግአን ዚፍለጥ ናይ እብያ ምንቅስቓስ፡ ደግያት ኣበራ ዘጸዓዘጋ እዩ። ምንቅስቓስ ደግያት ኣበራ ግን ወላ’ኳ ንጣልያን የስገኣዮምን የርዕዶምን እምበር፡ እዚ እውን ኪዕወት ኣይከኣለን።

ኣበራ ምስ ሰዓብቱ ናብቲ ዝሓሸ ዓንድሕቆ ይኾነኒ ዝበሎ ንትግራይ ተሳገረ። ምንሊክ ወላኳ፦ ከሺ ኣማራ ኣንድ ኣበራ፡ ካብ ሽሕ ኣምሓራ ሓደ ኣበራ ኢሉ ከድንቖ ይገደድ እምበር፡ ካብ ትግራይ ተበጊሱ ኣንጻር መግዛእቲ ኢጣልያ ወፍርታት ከይገብርስ ብጽኑዕ ደኣ ከልከሎ። ብዛዕባዚ እዚ ዚስዕብ ሰነድ ንተዓዘብ፦

“. . . ደግያት ገረስላሰ ናይ ዓድዋ ገዛእን ደግያት ኣብርሃ ናይ ሽረ ገዛእን ተዓሪቖም። ንኣና ጽቡቕ ውጽኢት እዩ። ገረስላሰ ካብ ዝኾነ ፍርሃት ነጻ ኰይኑ፡ ነቶም እብያታት ዘካይዱ ጸላእትና እናሃደነ ነቲ ዶብ ይቆጻጸሮ ኣሎ ማለት እዩ። ኣበራ ዘጸዓዘጋ ከኣ ካብ ትግራይ ከም ዚርሕቕ ተገሩ፡ ሰዓብቱ ካብኡ ከም ዚባረሩ ስለ ዝተገብረ ከኣ ብቝጽሪ ተዋሒዶም” (ማርቲኒ ዲያርዮ 8-6-1902)

ሓደ ወርሒ ቅድምዚ ዕለትዚ ግን፡ ፈርዲናንዶ ማርቲኒ፦

“ኣባ ወልደገርግስ ባህልቢ ዝተባህለ መነኮስ፡ ኣብ መወዳእታ መጋቢት ዕለት ተዝካር ብዓቢ ክብሪ ብንጉስ ተባዒሉ። ደግያት ኣበራን ካልኦት አርትራውያንን ከኣ፡ ንሕና ናብቲ በቶም መረትና ዚሸጡ፡ ዕንጨይትና ዚሸጡ፡ ዕንጨይትና ዚሸጡ፡ ንመቓብር ግብሪ ዚኸፍሉ ባዕዳውያን ዚገዝኡዎ ዘለዉ ሃገርና ክንምለስ ዘይንኽእል ስለ ምንታይ ኢና፧ ንጉስ ንስኹም እንድሕሪ ኰንኩምስ ንኹሉ ግዝኣትኩም ኣይትገዝኡዎን ዲኹም፧ . . .” ኪብሉ ጠሪዖም። ምንሊክ ከኣ፡ “ኣነ ምስኣታቶም [ምስ ጣልያን] ተዓሪቐ ሰላም ገረ እየ። ደሓር ከኣ ንሳቶም ንፉዓት ሰባት እዮም” ኪብል መልሹሎም። ደግያት ኣበራ ብንጉስን ብራእስን ብሕማቕ እዩ ዚረአ” (ማርቲን ዲያርዮ 13.5.1902: 600) ኪብል እውን ጽሒፉ ነሩ።

እዚ ዝተጠቕሰ ሓፈሻዊ ኵነታት ከም መእተዊ ንውስዶ እሞ፡ እስኪ ካብ ዝርዝር ኣብነታት ገለ ገለ ንርአ። እቶም ኪጥቀሱ ዚከአሉ’ኳ ቍጽሪ ዘይብሎም እንተኾኑ፡ እቶም ዝያዳ ኣብዚ እንተኵረሎምስ፦

- ደግያት ማሕራይ ዘኣባ ሰላማ

- ኣብበከር ሳሆታይ

- ዓሊ ኑሪ ሳሆታይ ዚበሃል ሓርበኛታት እዮም።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ምዕራፍ 6 - ደግያት ማሕራይ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ሃሳባት ክንካፈል'ና። ሰላም ወሰናይ!
:mrgreen:

Aba Mela
Member
Posts: 4
Joined: 18 Oct 2022, 21:55

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Aba Mela » 28 Oct 2022, 02:13

Zeyigerim, but you have a secret agenda. Abe gubegnaw don’t fall for his sugar coated rant.

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 29 Oct 2022, 02:59

ምዕራፍ 6 - ደግያት ማሕራይ

ብዛዕባ ደግያት ማሕራይ፦

“ማሕራይ ሓወየ፡ ማሕራይ ሓወየ፡
ኣጥፊኦሙኻዶ ናብ ናዅራ ናብ ቀላየ፡
ሽመትካ እምበር ኮነት ኣደዳ ትግራየ፡
ሕነ ከይፈድየልካ ኰይን ዘባጥ ብዕራየ።

ዚብል፡ ኣብ ግዝየ ምእሳር ደግያት ማሕራይ ብሓደ ሓዉ ዝተልቕሰ ዚበሃል ጥራይ ዘይኮነስ፦

“ማሕራየ ማሕራየ፡
ጨዲድዋ ከደ ንቐላየ።”

ዚብል ደግያት ማሕራይ ንማእሰርቲ ናዅራ ጥሒሱ፡ ንቐላይ ባሕሪ ሓምቢሱ ከም ዘምለጠ ዘበስር ደርፊ እውን ኣብ ውሽጢ ህዝብና ክሳዕ ሎሚ ይዝከር እዩ።

እቲ መልቀስ ከኣ ኣብ ቦታ እቲ “ኣይግዛእን!” ዝበለ ማሕራይ፡ ኣብ ጣልያን ተዓሲቦም ንህዝቢ አርትራ ብፍላይ ከኣ ንህዝቢ ኣከለጉዛይ ዚሳቐዩ ትግራዎት ከም ዝነበሩ እዩ ዝሕብር ዘሎ። እዚ ከኣ ሓቂ እዩ።

ድሕሪ እብያ ደግያት ባህታ፡
ኣብቲ ነዊሕ ግዝየ ዝወሰደ ንከለጉዛይ ናይ ምንብርካኽ ወፍሪ፡ ከም በዓል ደግያት ፋንታ ዚበሃሉ ተጋሩ ዕሱባት፡ ናብ ጣልያን ተዓስኪሮም፡ ብዘይ ንሕስያ ነቲ ህዝቢ ቀጥቀጡዎ። ደግያት ፋንታ ኣቐዲሙ’ውን ዓስከር ራእሲ ኣሉላ ዝነበረ ዕሱብ እዩ። ጸኒሑ ከኣ ናብቶም ዝያዳን ንዝነውሐ ግዝየን ከርብሑዎ ከም ዝኽእሉ ዝኣመነሎም ኢጣልያውያን ሰለለ። እንተኾን ፋንታ ንመንግስቲ ጣልያን’ኳ ብእምነት የገልግል ንህዝቢ አርትራ ከአ ብዙሕ የጋፍዕ እምበር፡ ኣብ ኣጋ እርጋኑስ ጣልያን ብዘይ እስትሕጋግ ደኣ ጠንጠኑዎ።

ናብ ዘረባና ንመለስ። ገና ክሳዕ ሎሚ ብያታ ከም ዚውረ ከኣ፡ ንሕልፍቶም ኣብ ናዅራ ካብ ዝተኣሰሩ አርትራውያን ሓያሎ፡ ሓደ መዓልቲ፡ ነታ ብውሑዳት ወተሃደራት እትምራሕ ዝነበረት መርከብ ማሪኾም፡ ነቶም ወተሃደራት ኣብ ባሕሪ ደርብዮም ንዓደን ተሳገሩ። ብዛዕባ እዛ ዝተጨውየት መርከብ መጠረሽታኣ ናበይ ከም ዝኣተወት ጣልያን ንገዛእ ርእሶም ዘቕርቡዎ ዚፍለጥ ሰነድ የልቦን።

እቶም ሓርበኛታት ኣቦታት ግን ንትግራይ ተጠውዮም ብረቶም ኣንጻር መግዛእቲ ኢጣልያ ኣቕንዑ። ሓደ ካብዚኣቶም ብትእዛዝ ምንሊክ ተታሒዙ ናብ ኢድ ጣልያን ተረከብ። ከንቲባ ሰንጋል ይበሃል። ጣልያን ንኸንቲባ ሰንጋል ኣብ ዓድቐይሕ ብስሚ ቀተሉዎ። እቶም ካልኦት ብዙሓት ግን ንመግዛእቲ ኢጣልያ ዕረፍትን ድቃስን ከሊኦሙዎ ነበሩ። ብናይ ምንሊክን ናይ ትግራይ ራእስታቱን ጥራይ መግዛእቲ ጣልያን ነዞም ሓርበኛታት ኪድርቁስ ከኣለ። ሓደ ካብዞም ሓርበኛታት ኣቦታት እዚ ዚስዕብ ደግያት ማሕራይ እንሀልኩም

“ደግያት ማሕራይ ኣብ ናዅራ ተኣሲሩ ነሩ እዩ። መእሰሪኡ ከኣ ነሩዎ እዩ” ኪብል ኣመሓዳሪ ፈርዲናንዶ ማርቲኒ የስቆርቁር (ማርቲኒ፡ ዲያርዩ፡17-3-1900)።

ማርቲኒ ከምኡ ኪብል ዝጸሓፈ፡ እቲ ብዶብ ትግራይ ኰይኑ ኵርኳሕ ዝኾኖ ዝነበረ ማሕራይ ተኣሲሩ ምስ ሰምዐ እዩ። እንተኾነ ደግያት ማሕራይ ተኣሲሩ ዚብል ወረ’ኳ ይሰማዕ እምበር፡ ደሃይ ደግያት ማሕራይ ኣብ ዶብ ትግራይን ኣርትራንስ ኪቕጽል ደኣ ንርእዮ። ንኣብነት፦

“ዕለት 23-3-190 ። ኣብ መጠረስታ ናይዚ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ንሓደ ተድላ ጻዕዱ ዚበሃል ወተሃደርና [ናይ ጣልያን]፡ ገለ ዕጡቓት ተዅሲ ከፊቶሙሉ። ንሱ እውን ተኸላኺሉ። እንተኾነ ተድላ ብጥይት ተወጊኡ። ብጾቱ ተሰኪሞሙዎ ኣብ ዝቦን ጕላ ምስ ብጽሑ ከኣ ሞይቱ። እቶም ተዅሲ ዝኸፈቱ፡ ሰዓብቲ ደግያት ማሕራይ ምዃኖም ተፈሊጡ” (ማርቲኒ ዲያርዮ ገጽ 101) ኪብል ምስ ጸሓፍ፡ ብኸምዚ ዚስዕብ ከኣ ቀጻሊ መግለጺ የስፍር፦

“ፎርማቶሪ ገረንክኤል ዕቝባይ፡ ንደግያት ማሕራይ ኣብ ዓድዋ ከም ዝረኣዮ ነጊሩኒ” (ማርቲኒ ዲያርዮ 29-3-1900)።

ጣልያን ንአርትራውያን ተቓወምቲ ንምጥፋእ ዝኾነ ሕሱር መጋበርያ ከም ዝጥቀሙ ከኣ፦

“ሓደ ንደግያት ማሕራይ ዚጸልእ፡ ኣሰላፊ ገበንየ ዝተባህለ ትግራዋይ ንደግያት ማሕራይ እንተ ቀተልኩዎስ ኣብ ኣከለጉዛይ ከንብረኒ ዚኽእል ገንዘብዶ ትህበኒ፧ ኪብል ሓቲቱና” (ዲያርዮ 9-4-1900) ካብ ዚብል ንዕዘብ። እንተኾነ ኣሰላፊ ገበንየ፡ ንማሕራይ ቀቲሉዎዶ ኣይቀተሎን፡ ስለምንታይከ ንዚብል’ኳ ብምሉኡ መልሲ እንተ ዘይብሉ፡ ማሕራይ በሰላፊ ገበንየ ከም ዘይተቐትለ ጥራይ ዘይኰነስ አርትራውያን ተቓወምቲ እውን እናበዝሑ ከም ዝኸዱ በዚ ዚስዕብ ንርዳእ፦

ራእሲ መኰንን ካብ ሓውዝየን ከምዚ ኪብል ጽሒፉ፦ ኣነ ካብ ኣከለ ጉዛይ ኪከላኸለልካ፡ ንስኻ ካብ ተጋሩ ትኸላኸለለይ በዚ ከኣ ክልተና ክንተሓጓጐስ” (ማርቲኒ አብኡ) ዚብል ሰነድ ምስዚ ካልእ ዚስዕብ የረጋግጽ። ብዕለት 20-4-1900 ዝተመዝገበ ናይ ማርቲኒ ዝየና ዕለታት ከኣ፦

“ሓደ ፎርማቶሪ ከም ዚብሎ፦
- ዓሳዎርተታይ ዓሊ ኑሪ፡
- ባሻይ ንጉሰ፡
- ከምኡ እውን ካልኦት እምቢተኛታት ብራእሲ መኰንን ተኣሲሮም። ደግያት ማሕራይ ከኣ ናብ ግዝኣትና ኣቢሉ ተንከስ ከይብል ተኸልኪሉ ኣሎ። (ደሮሲ)” ድሕሪዚ ክልተ መዓልቲ ግን፡ ደግያት ማሕራይ በቲ ኣገልጋሊ ምንሊክ ዝነበረ ራእሲ መኰንን ከም ዝተኣስረ በዚ ዚስዕብ ይፍለጥ፦

“ሰገነይቲ ዕለት 22. ሰዓት 11. ሹም ጓንጕል በዓል ኣኽራን ከም ዚሕብሮ፡ ደግያት ማሕራይ ብትእዛዝ ራእሲ መኰንን ተኣሲሩ። መእሰሪኡ ከኣ እቲ ናብ ደግያት ተድላ ኣባጎበን ዝለኣኾ ጽሑፍ ስለ ዝተረኸበ እዩ። - ደሮሶ”። ገና ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ከኣ፦

“ - 4- 1900. ደግያት ተስፋማርያም ከም ዚሕብሮ፡ ደግያት ማሕራይን ልጅ ገረመድህን ሓዉ ልጅ ተድላን ዝተኣስሩ ብትእዛዝ ራእሲ መኰንን እዮም። ልጅ ተድላ ግን ምስ ሓደ ተኸታሊኡ ብዘይብረት ናብ ኢጣልያዊ ዶብ ኣቢሉ ኪጐዓዝ ተራእዩ። - ሙላሳኒ።”

ምስ ምንሊክ፦ ከማና ጸሊም፡ ከማና ኣፍሪቃዊ፡ ከማና ወድ ሓበሻ ተጸጊዕና ካብ ዶብ ትግራይ እና ነቐልና ንጣልያን ጸላኢና ንወግእ ዝበሉ ሓርበኛታት ኣቦታት ከኣ፡ ጕርብትናን ሕብረቆርበትን ኣጋገዮም። ሓደ ካብ ዶብካ ዚርከብ ኣፍሪቃዊ መንግስቲ፡ ምስቲ ካብ ስግር ቀላይ ዝመጸአ ዓመጸኛ ፍጹም ተሻሪኹን ኣሻርዩን ንሓደ ውጹዕ ጐረበት አፍሪቃዊ ህዝቢ ይደቁስ’ዩ ዚብል ሓሳብ ከኣ፡ ኣቐዲሞም’ኳ እንተ ዘይገመቱዎ፡ ብግብርን ብምረትን ከስተማቕሩዎ ደኣ ተገደዱ። በቲ ጠፊኦሙዎ ዝነበሩ ዓደን ንሱ ዝኣንፎም ጠፊኦም፡ ሸቂሎም ኪናበሩ ይኽእሉ ነሮም። እንተኾነ ወዮ ፍቕሪ ሃገር’ከ! ወዮ አርትራዊ ሓቦኸ!! እዚ ብኽቡር ኪኽፈል ይግባእ።

እቲ ናይዞም ሓርበኛታት ድራማ ከኣ ይቕጽል። እስኪ እዚ ካብ ዓድኳላ ብሙላሳኒ (መረሳኒ?) ዝተላእከ ሓበረታ ንርአ፦

“9-6-1900. ብዕለት 6 ካብ መቐለ ዝተበገሰ ፎርማቶሪ ተስፋይ ወልደማርያም፦ ሾብዓተ ተኸተልቲ ደግያት ማሕራይ ተኣሲሮም፡ ደድሕሪ ራእሲ መኰንን ኪጕሰሱ ብዓይነይ ርእየ። ነቶም ወተሃደራት ከኣ፡ እና ኣፈራርሀ፡ ክሳዕ ቆቦ ኪቕጽሉ ኣዚዙዎም።- መላሳኒ።”

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ምዕራፍ 7 - ጅመርና ከኣ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ሃሳባት ክንካፈል'ና። ሰላም ወሰናይ! :mrgreen:

ንዘረባ ዘረባ የምጽኦ ኢዩ'ሞ፡ ደቂ ኤርትራና ነዙይ እውን እንተ ነበብኩሞ ታሪካዊ ቍምነገርስ ክትረክቡሉ ኢኹም

http://www.ehrea.org/historypast.php

https://shabait.com/2013/01/18/the-infa ... of-nakura/

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 31 Oct 2022, 03:50

ምዕራፍ 7 - ጅመርና ከኣ

እቲ እዋናት መግዛእ’ቲ ኣዝዩ ዉዕውዕ ናይ ተቓውሞን እብያን እዋናት ከም ዝነበረ ከኣ ዝኣክል ሓበረታ ኣሎ። ኣብዚ ከም ኣብነት ዚቐርቡ ዘለዉ’ኳ ውሑዳት ውልቀ ሰባትን ገለ ሰዓብቶምን ጥራይ ይኹኑ፡ እቲ ጕዳይ እውን ንቐጻሊ ምርምር ዚግደፍኳ ይኹን እምበር፡ ኣይንግዛእን ኢሎም ብረቶም ዓቲሮም ፈቐዶ በረኻ ዘኸርተቱ ጀጋኑስ ፍቕዲ ኣይነበሮምን።

ንኣብነት ኣብዚ ዓመት’ዚ ዚጥቀሱ ካልኦት እምቢተኛታት ጥራይኳ፡-

- ብወገን ደምበላስ ከንቲባ ሓየሎም፡ ብወገን ሰለድ፡ ዓሰዎርተታይ ዓሊ ኑሪ። በዓል ኣኽሩር ፊተውራሪ ስብሃቱ። ዕባይ ደግያት ባህታ፡ ልጅ ህብትዝጊ (ማርቲኒ፡ ጸብጻብ 1898 – 9 -1900፡ ገጽ 7” እውን ነሮም።

በብመኣዝኑ ኪዝምብዩ ዚረኣዩ ዝነበሩ ንመግዛእቲ ዝበድሁ አርትራውያን፡ ንወራራት ኢጣልያ ኣብ አርትራ ኣስጋእቲ ነበሩ። ስለዚ ከኣ፡ መግዛእቲ ኢጣልያ፡ ንዅሉ ዕለታዊ ምንቅስቓሳቶም ብዅሉ ናይ ስለያን ርክብን መጋበርያኡ ኪከታተሎ ይግደድ ነበረ። ብዛዕባዚ መግዛእታዊ መዋዕልዚ ዝተመርመረ ዝተጻሕፈ ነዚ ኵነታት’ዚ ኰሊዑ ዘብርህ መጽናዕቲ ዘይምህላዉ ከኣ ከየሕዘነካ ስቕ አይብልን። እዚ ዚስዕብ ናይ ምጭፍላቕ ዚመስል ሰነድ ንተዓዘብ፦

ዕለት 30-1-1901. ኪዲ በሊ!! ጀመርና ከኣ ምስ እምቢተኛታት!! ካብ ኰዓቲት ካብ ለመጨሊ፡ ካብ ሰገነይቲ ሓበረታታት ይውሕዝ ኣሎ። ገለ ዝተዓጥቁ እምቢተኛታት፡ ድሮ ነከለጉዛይ ኣትዮም። ወይ ንኺኣትዉ ኪዝምብዩ ይረኣዩ ኣለዉ። ብልጅ በይን (ደግያት) ዝተመርሑ ንኣብነት 12 ዕጡቓት ተራእዮም” (ማርቲኒ ዲያርዩ፡ 2ይ ቅጺ፡ 337”)።

ክልተ ዓመት ድሒሩ፡ ፈርዲናንዶ ማርቲኒ፡ ኣብ ሓደ ካብቲ ውሩይ ኰለላኡ ንአርትራ ንዝባን ኣባ ሰላማ ምስ ገሸ፦

እዚ ብእምኒ ተነዲቑ ዝተሰርሐ ብየተ ክርስትያን ኣባ ሰላማ፡ ብደግያት ማሕራይ እዩ ተሰሪሑ። ማሕራይ ኣይግዛእን ብምባሉ ኣብ ናዅራ ዝተኣስረ እዩ። ካብ ናዅራ ግን ብ1899 ምስ ካልኦት ብጾት ኣምሊጡ” (ዲያርዩ ዕለት 17-11-1903) ኪብል ይዝክርን ጅግንነት አርትራውያን ባዕሉ ይምስክርን። ነቶም ካብ ናዅራ ፈንጢሶም ዘምለጡ እናዘከረን ምዑትነቶም ህጥራኖምን ትዝ እናበሎን እዩ ከኣ።


ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ምዕራፍ 8 - ገና ተግባራት ደግያት ገረስላሰ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ሃሳባት ክንካፈል'ና። ሰላም ወሰናይ!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 01 Nov 2022, 02:39

ምዕራፍ 8 - ገና ተግባራት ደግያት ገረስላሰ

ኣብቲ ዝቐደመ ሓበረታታት፡ ደግያት ማሕራይ ከም ዝተኣስረ’ኳ ንተዓዘብ እምበር፡ ንመግዛእቲ ኢጣልያን ተሓባባሪኡ ናይ ምንሊክ ኢትዮጵያን ገና፡ ድቃስ ኪኸልኦምን ላዕልን ታሕትን ከብሎዎን እውን ክንርእዮ ኢና። እዚ ዚስዕብ ረአ፡-

“ደግያት ገረስላሰ ንደግያት ማሕራይ ዚሕዙ የዋፍር ከም ዘሎ፡ “ማሰ’ቲ “ ካብ ዓድዋ ተለግራም ይገብር ኣሎ። እዚ ከኣ ድላይናን ድላይ ንጉሰን እዩ።
ማሕራይ ተጋሩ ምስ ጐየዩዎ፡ ናብ ግዝኣትና ከይሰግር ሞሰቲ ፍርሃት ኣለዎ። ምናልባት ነኽራን ኣቢሉ ይሃድም ይኸውን። ደግያት ገረስላሰ ምስቲ ናቱ ዝተወሃሃደ፡ ናትና ናይ ሃድን ስርሒት ኪግበር ይሕብር። ጽቡቕ! እቶም ናቱ መኣስ ከም ዘበግሶም ይንገረና። ድሕርደጊም ዚህውኸናን ንጸጥታ ዘስግእን ማሕራይ ጥራይ እዩ” (ማርቲኒ ዲያርዮ 17-9-1905.)

ካብዚ ዝበለ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ክልተ ገዛእቲ ሓይልታት ምትሕብባር እሞ እንታይ ክንርኢ ኢና፧ ካብቲ ባዕሉ ብኣካል ዝወዓለለኡን ዝገደዶ ዘይብሉ ዝመስከሮን ዝኣመነሉን ዝበለ ካልእ ምስክርከ መን ኣሎ፧

ኣብ ዓለም ብዙሕ ክድዓት ይረአ እዩ። ከምዚ ናይ ኢትዮጵያ ዝበለ፡ ሓደ ኣፍሪቃዊ ጐረብየት ሃገር፡ ኣንጻር ሓደ ዝኸምኡ ናይ ጐረብየት ኣፍሪቃዊ ህዝቢ ምስ አውሮጳዊ መግዛእቲ ሸርሞጥመጥ ዚብል ግን ከቶ ኣይተራእየን። ከይሓፈርካ ከይሓነኽካ፡ ተመሊስካ ትብጽሓኒ እያ ኣካለይ እያ ምባል ከኣ እሞ፡ ናይ ጊንጢ ጊንጢ ካብ ምባል ሓሊፍካ ካልእ መግለጺ ዘይርከቦ ነገር እዩ (እዚ ጽሑፍ ብግዝየ ቃልሲ ዝተገብረ እዩ፡ መብዛሕትኡ ክፋላቱ።)። በዚ ጊንጢ ዝኾነ ኣተሓሳስባ’ዚ ምኽንያት ከኣ ክንደይ ህዝቢ ሃለቐ፡ ክንደይ ህይወት ከኣ ጠፍአ። ናብ ዘረባና ንመለስ።

እቶም ኣንጻር አርትራውያን ተቓወምቲ እከይ ኪጥጅኡ ድሉዋት ዝነበሩ፡ ምንሊክን ናይ ትግራይ ኣገልገልቱን መግዛእቲ ኢጣልያን ከኣ፡ ብቐትሪ ተመንዩዎምስ፡ እቲ ናይ ተንኰል ዘተኦም ብለይቲ ከይተረፈ የካይድዎ። እዚ ዚኽተል ንርአ፦

“ ዓድዋ 5-12-1905። ምስ ደግያት ሹም ዓጋም ደስታ፡ ወድ ራእሲ ስብሓት ብዙሕ ግዝየ ተራኺብና። ሎሚ ግን ምሸት ምድሪ መጺኡኒ። ሰብ ምእንቲ ከይርእየና እዩ። ምኽንያት መምጽኢኡ፡ ጕዳይ ደግያት ማሕራይ እዩ። መንግስቲ አርትራ ምእንቲ ከይጸልኦ ከኣ፦ ማሕራይ ኣብ ምድርና’ኳ እንተ ሃለወ፡ ንመሓዙስ ቀሊል ኣይኮነን ይብል ሹም ዓጋመ። ብዝኾነ ግን ጕዳይ ደግያት ማሕራይ፡ ከም ዝተደምደመ፡ ንሱ [ሹም ዓጋመ] ከኣ፡ ዓርኪ ጣልያን ኪኸውን ከም ዚደሊ ገሊጹ። ኣብ ዕጹው ገዛ ተዘራሪብና። ኣነ ከኣ፡ መንግስቲ አርትራ ብዛዕባ ማሕራይ፡ ካብ ዶብ ምርሓቑ እንተ ዘይኰይኑ፡ ካልእ ዚጸቕጠሉ ነገር የብሉን ኢለ ገሊጸሉ። - ምሰቲ” (ማርቲኒ ዲያርዩ) ኣብ ዓድዋ ዝነበረ ወኪል ጣልያን ዝጸሓፎ ተሌግራም እዩ።

ደግያት ማሕራይ ግን ውዒሉ ሓዲሩስ ብናይ ትግራይ ሹም ዓጋመ ደስታ ተኣሲሩ እዩ። ኣብ ከመይ ኵነታትን መኣስን’ኳ እንተ ዘይተፈልጠ። ብስዉር ምኽንያት ገና ናብ ጣልያን ወይ ናብ ምንልክ ከረክቦ ከም ዘይደሊ ግን እዚ ዚስዕብ ንርእ፡ ምናልባት ንግዝየኡ ይኸውን።

“ኣዝማች ተስማንኪኤል በዓል ዓድ ዃላ [ዓስከር ጣልያን] ንኣውድዓመት ሕዳር ጽዮን ንዅሱም ምስ ከደ፡ ንሹም ዓጋመ ደስታ ኣብኡ ረኺቡዎ። ኣዕሊሉዎ ከኣ። ተስማንኪአል ስለ ምንታይ ንደግያት ማሕራይ ከም ዝኣሰሮ፡ ንሹም ዓጋመ ሓቲቱዎ። ሹም ዓጋመ ደስታ ከኣ፡ ማሕራይ ርጉም ሰብ ስለ ዝኾነ እየ ኣሲረዮ” ኪብል መልሹ።

- ንምንሊክ ክተረክቦ ዲኻ፧ ኪብል ተስማንኪአል ሓቲቱዎ። ሹም ዓጋመ፦

“ምስጢር ደኣ ሓዝ እምበር፡ ንጣልያን ከየረክብኩ ምሳይ ኣሲረ ኪሕዞ ምስ ንጉስ ተሰማሚዕና ኣሎና ኪብል መልሹ።” (ማርቲኒ ዲያርዩ 7-11-1905 ።)

ትግራዋይ ሹም ዓጋመ ኣልዕል ኣቢሉ እዩ ፡ ምስጢርባ ገለባ ዚብል ዝነበረ።

ኣብ ልዕሊ ማሕራይ ውልቃዊ ጽልኢ ከም ዝነበሮውን ካብ መግለጺኡ ይእመት። ብዛዓባቲ ንማሕራይ ምስኡ ምሓዙን ዘይምሓዙን ግን ንሱ ኣይውስኖን እዩ። ስልጣኑ ካብታ ንእሽቶ ዓጋመ ስለ ዘይሓልፍ። ደሓር ከኣ ማሕራይ ብትእዛዙውን ኣይተኣሰረን።


ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ምዕራፍ 9 - ማርቲን ንምኒሊክ ይበጽሖ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ሃሳባት ክንካፈል'ና። ሰላም ወሰናይ!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 02 Nov 2022, 02:09

ምዕራፍ 9 - ማርቲን ንምኒሊክ ይበጽሖ

እዋኑ፡ ጣልያንን ምንሊክን ሓድሕድ ዝዅሽምሽሙሉ ዝያዳ ኪዳናት፡ ዝያዳ ውዑላት ዘተኣታተውሉ ዝነበሩ ግዝያት እዩ። ሽወታይ ንጉስ ምንልክ ከኣ፡ ንፈርዲናንዶ ማርቲኒ፡ ገጽ ንገጽ ኪራኸቦ ብኽንደይ ናይ ናፍቖትን ተለግራማትን ዓደሞ። ኣብ “ብሩ ምየዳ” ኪራኸቡ ከኣ ተሰማምዑ። ኣብ መወዳእታ ግን ብምኽንያት ሞት ራእሲ መኰንን (ኣቦ ሃይለስላሰ፧) ምንሊክ ቦታኡ ለቒቑ ኪገይሽ ስለ ዘይከኣለ፡ ንማርቲኒ ንኣዲስ ኣበባ ይዕድሞ።

ማርቲኒ ከኣ ብዕለት 23-4-1906 ካበስመራ ይነቅል። ክሳዕ ዓድዃላ ብካሮሳ ካብኡ በባቕል ይጐዓዝ። ኵሎም ካብ ትግራይ ክሳዕ ሸዋ ዚርከቡ፡ ዝተፈላለዩ ናይ ምንሊክ ራእስታትን ደግያታትን ኣብ ገግዝኣቶም፡ ንማርቲኒ ብወተሃደራዊ ሰልፊ ዓጅቦም ከሕልፉዎ ብምንሊክ ትእዛዝ ተዋህቦም። ምንሊክ ባዕሉ ከኣ፡ ነቲ ናይ መግዛእቲ ኢጣልያ ኣመሓዳሪ ኣብ አርትራ ፈርዲናንዶ ማርቲኒ፡ 60 ሽሕ ወተሃደራት ኣስሊፉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኽብርን ዓጅበን ተቐብሎ።

ማርቲኒ ብዛዕባ እዚ ንኣዲስ ኣበባ በጺሑ ዝተመልሰሉ ካብ 100 መዓልቲ ዘይውሕድ ናይ መገሻ ጉዕዞ፡ ኣብኡ ዝረኣዮን ዝተዓዘቦን ብዙሕ ኣገዳሲ ነገራት ጽሒፉ ኣሎ።

ንኣዲስ ኣበባ ከኣ፦ “ከተማ ዘይኮነስ እኽብካብ ቁሸታት እያ” ኢሉ ይገልጻ። ኣብዚ ከምዚ ዝበለ፡ ምንሊክ ምስቶም ንኣፍሪቃ ዝወረሩ ናይ ኣውሮጳ ገዛእቲ ዘቕመጽምጸሉ ዝነበረ ወቕቲ እዩ ከኣ፡ ምንሊክ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ አርትራ ዝነበሮ ጽልእን ምስ ናይ ኣውሮጳ ገዛእቲ ዝነበሮ ድልዱል ኪዳንን ምስኩር ምእንቲ ምግባር፡ ንተቓወምቲ አርትራውያን ንምጭፍላቕ ዝያዳ ዝዓየየ። ንደግያት ማሕራይ ምስ ብዙሓት ካልኦት ከኣ ብሰንሰለት ጐሲሱ ንሽዋ ገጾም ኣጥፈኦም። ደጊም ብዛዕባ ደግያት ማሕራይ ኣይኪዝረብን እዩ። እዙ ዝስዕብ ናይ መወዳእታ ጥራይ ንርአ፦

“ደግያት ገረስላሰ ሎሚ ኣየሰነየንን” ይብል ማርቲኒ፡ ኣብቲ ንሽዋ ምእንቲ ኪኸይድ ብትግራይ ዝሓለፈሉ። ናብቲ ካብ ሓውዝየን ርሕቕ ዝበለ ግዝኣቱ ከይዱ። ነቶም ካብ እምባጽዮን ዚመጽኡ ዘለዉ እሱራት [አርትራውያን ብዘይ ጥርጥር] ይጽበ ኣሎ። ንሽዋ ኪማልኦም እዩ። ምስቶም እሱራት፡ እቲ ካብ ናዅራ ዘምለጠ ደግያት ማሕራይ ኣሎ።” (ማርቲኒ፡ ዲያርዮ 3-5-1906 ።)

እቶም ካብ ጥንቲ ኣካል ኢትዮጵያ ዚበሃሉ ዘለዉ እቲ ኣካል ኢትዮጵያ ዘብሎም ሓደ ጭቡጥን ታሪኻውን ነጥቢ እንትልዩ፡ እዚ ጥራይ እዩ እምበኣር፦ አርትራውያን ካብ ጥንቲ፡ ንነጻነቶም ኪቃለሱ፡ መሳፍንቲ ኣምሓራን ትግራይን ከኣ ምስ ዝኾነ ተሓባባሪኦም ወራሪ ተኣሳሲሮም ክጭፍልቑ። ታሪኽ ጎንደር ምስ ትርኵ፡ ታሪኽ ሃጸይ ዮሃንስ ምስ እንግሊዘ-ግብጺ፡ ታሪኽ ሃጸይ ምንሊኽ ምስ ጣልያን፡ ታሪኽ ሃይለስላሰ ምስ ጣልያንን ምስ ኣመሪካን፡ ታሪኽ ደርጊ ምስ ኣመሪካን ሶቭየትን . . . ወዘተ ከኣ፡ ናይ ህዝቢ አርትራ ዘይሕለል ዘይነጽፍ፡ ዘይኽማህ ሓርበኝነትን ናይ ኢትዮጵያ ምስ ዝኾነ ዓለማዊ መግዛእቲ እና ተደጋገፍካ ንህዝቢ አርትራ ናይ ምድቁስ ታሪኽ ጥራይ እዩ።

ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ምዕራፍ 10 - ሓጺር ሓበረታ ብዛዕባ ሳሆ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ሃሳባት ክንካፈል'ና። ሰላም ወሰናይ!
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 03 Nov 2022, 02:55

ምዕራፍ 10 - ሓጺር ሓበረታ ብዛዕባ ሳሆ

ህዝቢ ሳሆ ሓደ ካብቶም ፈተውቲ ነጻነቶምን ብመንነቶም ዚዀርዑን ህዝብታት አርትራ እዮም።
ንዘበን ዘበናት ከኣ ንዚመጽኦም ወራራት ክምህ ብዘይብል ብሄራዊ ኩርዓት መከቱ።

ህዝቢ ሳሆ፡ ብፍላይ ኣብቲ ቅድሚ ምምጻእ ጣልያን ዘሎ 300 ዓመታት፡ ብዓሳዎርታ ተመሪሖም፡ በቲ ጽንኩር ኣኽራናቶም ተሓጊዞም፡ ነቲ ንባጽዕ ዚኸይድ መስመር መሳሊሕ - ማህዮ - ሓዳስ - ሕርጊጎ ተቘጻጸሩዎ።

ነገስታት ትግራይን ጎንደርን ከኣ ምስ ሳሆ ብምስምማዕን ንሳሆ ግቡእ ቀረጽ ብምኽፋልን በዚ ዝተጠቕሰ መስመር ንባጽዕ ኪሓልፉ ይኽእሉ ነበሩ። እተን፦
- ቆርበት፡
- ስንሓርማዝ፡
- ዘባት፡ ወዘተ . . . ዝተጻዕና ናይ መሳፍንቲ ትግራይ ኣምሓራን ቃፍላያት ከኣ፡ ቅድም ኣብ መሳሊሕ፡ ጸኒሑ ኣብ ማህዩ፡ ካብኡ ድሒሩ ከኣ ኣብ ተኾንዳዕ ቀረጽ ይኸፍላ ነበራ።

- ንሓደ ጽዕነት ብቕሊ ፍርቂ ባጤራ ቅርሺ፡
- ንሓድ ጽዕነት ገመል ፍርቂ ባጤራ ቅርሺ፡
- ንሓድ ጽዕነት ኣድጊ ርብዒ ባጤራ ቅርሺ፡
- ንዝተሰከነ ሓደ ሰብ፡ ሓደ ዕማኾ (እኽሊ፡) ከኣ ይኸፍላ ነበራ።” (ማርቲኒ ዲያርዮ 1904፡ ገጽ 406)።
-
እቲ ግብሪ ከኣ፦
“- ሓደ ኣፍ ንፈቐርቶ፡
ክልተ አፍ ንላሊሽ ዓረ፡
ክልተ አፍ ንማሱንዳ (ዓሳኽረ፡ ዓሳሊሰን) ይኣቱ ነበረ” (ማርቲኒ ኣብኡ ረአ)።

ብ1891 መግዛእቲ ኢጣልያ ነቲ ቀረጽ ስዒሩ፡ ንመራሕቲ ዓሳዎርታ መሃያ ገበረሎም። ኣብዚ መወዳእታ ዘበናት ዚፍለጡ ዓሳዎርቶት መራሕቲ ሳሆ ሰብ ቆጽሊ፦
- ኣቡበከር ናስር፡
- ሹም ዕመር ሲለማን፡
- ሹም ዕመረዲን ኢብራሂም፡
- ሹም ሙሳ ኣሕመዲን፡
- ቃዲ ኢብራሂም ዓብዱ . . . ወዘተ እዮም።

ሳሆ ኣቦታት ከኣ፡ ናይ ጥንቲ ናይ ውግእ ዓወታቶም ብዅርዓት ይዝክሩ። ኣብ ዲማ (ትሕቲ ማህዮ) ኣንጻር ትርኵ ተዋግኡ። ንጉስ ልብነ ድንግል ንሳሆ ከገብር፡ ብምሉእ ሰራዊቱ ክሳዕ ድኾኖ ኣውረሮ። ሳሆ፡ ኣብ ጥቓ ሓዳስ ሰዓሩዎ

ሰራዊት ልብነ ድንግል፡ ብሳሆ ፍጹም ተሳዒሩ ተበታተነ። ሓሙስ መዓልቲ ነበረሞ፡ ክሳዕ ሎሚ "ሚዐ ሓሙስ"፡ እቲ ጽሙቕ ሓሙስ” ተባሂሉ ይዝከር።

ብ1872 ራእሲ ኣርኣያ ናይ ትግራይ ንሳሆ ክገብር ፈተን። ሳሆ ከኣ ኣብ ጥቓ ሓዳስ ሰዓሩዎ። ብ1879 እቲ ብብላታ ገብሩ ዚምራሕ ሰራዊት ራእሲ ኣሉላ ንሳሆ ከገብር ወፈረ። ኣብ ሩብሩብያ ብርቱዕ ውግእ ኮነ። ትግራይ ተዳሂሎም ተሳዕሩ። አሉላ ባዕሉ ዳግም ወፈረ። እንተኾነ ተሳዒሩ ብጥራይ እግሩ ሃዲሙ ነብሱ ኣውጽአ።


ሳሆ ከኣ፡ ካብ ሰራዊት አሉላ ማእለያ ዘይብሉ ብረትን ንብረትን መንዝዑ። ጸኒሖም’ውን ሳሆ፡ ንሰራዊት ራእሲ ኣሉላ ኣብ ከሪቡሳ ሰዓሩዎ። ሳሆ፦ “ኣሓይ ጉማይ ዓለማለ” ዝብል ናይ ውግእ ጭርሖ ኣለዎም። “ተኸተለኒ ኣምራ፡ ዕላማ ኣሎ [ገምቢ ኣሎ]” ከም ማለት እዩ።

ሳሆ ንንጉስ ዮሃንስ ምእንቲ ምውጋእ’ኳ ኣቐዲሞም ካብ ጣልያን ብረት እንተ ተቐበሉ፡ ጸኒሖም “እምቢ ኣይንግዛእን!” ኢሎም ንጣልያን ኣበዩ። ብፍላይ ቶርዓ ከኣ ንእብያ ደግያት ባህታ ቀዳሞት ደገፍቲ ኮኑ።

ዝኾነ ንጣልያን ኣይግዛእን ዝበል አርትራዊ፡ ዓንድ ሕቖኡን ደጅኑን ሳሆ ነበሩዎ።

መግዛእቲ ኢጣልያ ንሳሆ፡ ብውግእ ዘይኮነስ፡ ብተንኰልን ስሕድን ጥራይ፡ ድሕር ናይ 15 ዓመት ውግእ፡ በብቑሩብ ኪቆጻጸሮም ከኣለ።

እዚ ዚስዕብ ኣብነት ከኣ፡ ኣብቲ መወዳእታ እዋናት መኸተ ሳሆ፡ ከመይ ከም ዝነበረ ገለ ጩራ ይኸፍተልና።


ኣብ ቀጻሊ ክፋል “ምዕራፍ 11 - አቡበከር አሕመድ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ዛሎ ሃሳባት ክንካፈል'ና። ሰላም ወሰናይ!
:mrgreen:

Fiyameta
Senior Member
Posts: 12331
Joined: 02 Aug 2018, 22:59

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Fiyameta » 03 Nov 2022, 03:17

:mrgreen: :mrgreen: :mrgreen: :mrgreen:











አይተ መለከት፣ ንህዝቢ ኤርትራ ዝጾሞቕኩሞ ዕረ፣
መሪሩኩም ሓቅነት ምስ ሰዓረ፣
ስትዩዎ ምበር፣ አበይ ድሕር ድሕረ፣
አበይ ድሕር ድሕረ፣
:mrgreen: :mrgreen:




Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 03 Nov 2022, 04:04

እዡይ ዛንታ ንድሕድሖ ዛሎና፡ ሓደ ካብ ሊቀ ሊቃውንቲ ኤርትራና ክቡር ተጋዳላይ ዶ/ር ኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ ዝሰነዱልና ታሪኽ ሃገርና ስለዝዀነ ኢዩ። ኤርትራና ቅድሚ "ጀብሃ-ሻዕብያ" እንታይ ዓይነት መኸተ ከምዝገበረት እዩ ዜዘንቱ። ንለባማት'ኡ ተጻሂፉ ንበሃማት ኣይዀነን። :mrgreen:

ክቡር ተጋዳላይ ዶ/ር ኣባ ይስሃቕ "እንገራ ተሰንኪቱ እንድሕሪ ዘይተበልዐ ጥቕሚ የብሉን፡ ዝተጻሕፈ እንድሕሪ ዘይተነበ ከኣ . . . ።" ይብሉ ነበሩ። ንሕና ኤርትራውያን ደያኑ ማእከልን መስመርን ድማ መታን ኪንበብ ናብ ቅርዓት ድቕድቕ ኣቢልናዮ ግዲ፡ ብኤርትራዊ ጭዉነት ሓበንን ምቕሉልነትን። :lol:

እዡይ ባህ ዛይብላ "ኰለኔል ታሪኹ ትናፍቕ" ኣካል እንተላ፡ "ጕልባባ'ያ ዚቐልዐት" እናልና "እዡኣስ ሱሳ ኣላታ" ንብላ!!!
:mrgreen:
Fiyameta wrote:
03 Nov 2022, 03:17
. . .

Fiyameta
Senior Member
Posts: 12331
Joined: 02 Aug 2018, 22:59

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Fiyameta » 03 Nov 2022, 04:51

ሱቅ በል ቆማል ዓጋመ። ንዘይፈልጠካ ከምኡ በሎ። ደንቆሮ መሃይም። ብናትካ ብናይ ዕጉም ድሑር አተሓሳስባስ ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተናቑት ዘለኻ መሲሉካ እዩ። ዓሻ ትግራዋይ። አሽንኳይዶ ከማኻ ዝበሉ ጠዋይ ልቦም ዓጋመ፣ ተባዕታይ ሃመማ ከነለሊ ንኽእል ኤርትራውያን ኢና። አው ርእስኻ ኮፍ ኢልና ኢና እቲ ናይ ሰላም ውዕል ፈሪምናዮ። እንታይ ከተምጽእ ብዘይካ ፈኸራ። ድምሱስ። ባርያ ፈረንጂ። ነዲኡ ብሓንቲ ቅርሺ ዝሸይጥ ከዳሚ። :P :P


Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ኪዳናት ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ አርትራ (ሰነድ 1897 – 1907) ብኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ

Post by Meleket » 03 Nov 2022, 05:34

ኣቤት ኣተሓሳስባ . . . ኣቤት ትንታነ . . . ኣቤት ሊቅነት ኣቤት 'ጭውነት' . . ርኢናልኪ! :mrgreen:

እዘን ትርእይየን ኣዴታት፡ ክንደይ ጀጋኑ ዝፈረያ ከምዝዀና፡ ንሕና ኤርትራውያን ደያኑ ማእከልን መስመርን ንፈልጥ፡ ታሪኽ 6ይ ወራር ስለንፈልጥ። ሕሱር ፍቕሪ "ኰለኔል ታሪኹ" ሓንሳብ ምስ ለኸፈኺ፡ ንህዝቢ ትግራይ ብኣልማማ ብምጽራፍ ንህዝቢ ኤርትራ ብምሉኡ ምስ ሕዝቢ ትግራይ ንምብኣስ ዘይፈሓርኽዮ ተንዀል የሎን። ንሕና ግን ንከምዡይ ዚበለ እኹይ ተግባር ከምቲ ንስኺ "ንተባዕታይ ሃመማ" ትፈልጥዮ፡ ንሕና ድማ ነቒሕናሉን ገጢምናዮን ኢና፡ ኣይፋል ንጽልኢ፡ ንብል ዛሎና።
:mrgreen:
Fiyameta wrote:
03 Nov 2022, 04:51
ሱቅ በል ቆማል ዓጋመ። ንዘይፈልጠካ ከምኡ በሎ። ደንቆሮ መሃይም። ብናትካ ብናይ ዕጉም ድሑር አተሓሳስባስ ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተናቑት ዘለኻ መሲሉካ እዩ። ዓሻ ትግራዋይ። አሽንኳይዶ ከማኻ ዝበሉ ጠዋይ ልቦም ዓጋመ፣ ተባዕታይ ሃመማ ከነለሊ ንኽእል ኤርትራውያን ኢና። አው ርእስኻ ኮፍ ኢልና ኢና እቲ ናይ ሰላም ውዕል ፈሪምናዮ። እንታይ ከተምጽእ ብዘይካ ፈኸራ። ድምሱስ። ባርያ ፈረንጂ። ነዲኡ ብሓንቲ ቅርሺ ዝሸይጥ ከዳሚ። :P :P

ሕጂ ኣብ ካልእኪ ኬድኺ ኣውደኽድኺ፡ ብሓደ ካብ ሊቀሊቃውንቲ ኤርትራና ብክቡር ተጋዳላይ ዶ/ር ኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ ዝተጻሕፈ ታሪኽ ኤርትራና ንነግር ኣሎና። ታሪኽ ሃገርኩም ኣይትፍለጡ ክትብልና ኣየምህረልኺን ኢዩ። እንተደሊኺ ብብሮፌሰር ኣፈወርቂ ገብረኢየሱስ ዝተጻሕፈ "ታሪክ ሓጸይ ምኒልክ" ነቢብኪ ምጺ፡ ኰለኔል ታሪኹ መታን ኪሕጐሱልኪ :mrgreen:

Post Reply