Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
pushkin
Member+
Posts: 9536
Joined: 23 Jul 2015, 06:10

The Hawzen drama in action!

Post by pushkin » 29 Sep 2022, 08:04

Hameddibewoyane
Member
Posts: 3890
Joined: 25 Sep 2019, 02:42

Re: The Hawzen drama in action!

Post by Hameddibewoyane » 29 Sep 2022, 08:54

Weyane.is.dead
Member+
Posts: 6796
Joined: 19 Oct 2017, 11:19

Re: The Hawzen drama in action!

Post by Weyane.is.dead » 29 Sep 2022, 08:55

Terrorist tplf has a habit of bombing itself and blaming it on Eritrea. According to wikileaks terrorist tplf carried out the Addis Ababa bomb attack and blamed it on olf and Eritrea.
pushkin wrote:
29 Sep 2022, 08:04

Temt
Member+
Posts: 5279
Joined: 04 Jun 2013, 22:23

Re: The Hawzen drama in action!

Post by Temt » 29 Sep 2022, 11:30

ህጹጽ ሓበሬታ ንኹሎም ኤርትራዉያን‼️
===
ከመይ ትዉዕሉ ኣንበብቲ ማ/ም/ስ/ግ/ሃ፡ ኣብ ዝሓለፉ 3 መዓልታት ኣብ ዲያስፖራ ዝቕመጡ ጸለዉቲ ተጋሩ ኣብ ዙም (ZOOM) ኣኼባ ከካይዱ ቐንዮም ኣለዉ። እዚ ህጹጽን ዕጹዉን ኣኼባ'ዚ ካብ መቐለ ብቐጥታ ዝተሳኽዐ ኮይኑ፡ ቐንዲ ዝሓዞ ኣጀንዳ ህዝባዊ ናይ ዲፕሎማሲ ስራሕ ዝብል'ዩ ኔሩ። ረኺብናዮ ብዘሎና ሓበሬታ፡ እቲ ኣኼባ ኣብ'ዘን ዝስዕባ ነጥብታት ኣቶኪሩ ምንባሩ ክንሕብር ንፈቱ።
√ ዓወታት ሰራዊት ትግራይ
-------
ብመሰረት ተመሓላሊፉ ዘሎ ህጹጽ ሓበሬታ፡ ኣብ ደገ ዝነብሩ ተጋሩ "ዓወታት ሰራዊት ትግራይ" ብዝብል ኣርእስቲ፡ ዝተጋነኑ ቑጽርታት እንዳቐመጥካ ክጸሓፍን ቪድዮታት ክስርሓሎምን መምርሒ ሓሊፉ'ሎ። ድሮ ልዕሊ 150 ክፍለ ሰራዊት ተደምሲሶም ኣለዉ ተባሂሉ'ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ካልእ ሰሚዕናዮ ዘይንፈልጥ ቑጽርታት ክንገረና'ዩ።
√ ተራ ኤርትራ ኣብ ኩናት ትግራይ
-------
ብመሰረት ሓሊፉ ዘሎ ህጹጽ ሓበሬታ፡ ንሰራዊት ኤርትራ ዝምልከት ልዕሊ 1000 ዝተሰንዐ ቪድዮታት ተዳልዩ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዝርጋሕ ጀሚሩ ይርከብ። እዚ ንማሕበረሰብ ዓለምን ህዝብታት ቐርኒ ኣፍሪቃን ንምሽፋጥን ብኡ ኣቢልካ ድማ UN ዓቃብ ሰላም ንምስዳድን ዓሊሙ ክዋደድ ዝጸንሐ ስኑዕ ቪድዮታት፡ ብቐጻሊ ክጋዋሕ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ይርከብ። ኣብ ዝመጻ መዓልታት ብስታሊን እትዳሎ ዛራ ሜድያ ነዞም ስኑዓት ቪድዮታት ብተደጋጋሚ ከተጋዉሕ'ያ።
**** ኣልባሳት ሰራዊት ኤርትራ ዝተኸደኑ ተጋሩን ካብ መዓስከር ዘምጽእዎም ኤርትራዉያንን ከም ምሩኻት ብቐጻሊ ክቐርቡ'ዮም።
**** ኣብ ግንባራት ዝሞቱ ሰራዊቶም ኣልባሳት ሰራዊት ኤርትራ ክቕይሩሎም ቐንዮም ኣለዉ። እዚ ብደረጃ ቪድዮታት ኣብ ድምጺ ወያነ፡ ቲቪ ትግራይ፡ TMH፡ Zara፡ ASSENA ክዝርጋሕ ተወሲኑ ኣሎ።
ማሕበረብ ዓለም፡ ኤርትራ ኣብ ኩናት ትግራይ ትሳተፍ ኣላ ንምባል ዝስራሕ ዘሎ ድራማታት ኣደንጸዉቲ'ዮም ክበሃል ይከኣል። ከም'ቲ ብቐጻሊ እንዕዘቦ ዘሎና፡ ኣልባሳት ሰራዊት ኤርትራ ዝተኸድኑ ተጋሩን ገለ ኣብ መዓስከራት ትግራይ ዝነበሩ ኤርትራዉያንን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምቕራብ፡ "ህዝቢ ኤርትራ ደቅኻ ይሞቱ ስለ ዘለዉ፡ ነቲ ኩናት ኮኑኖ" ዝብል ሕሱር ፕሮፖጋንዳ ጀሚሩ ቐንዩ እዩ። ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣይኣተወን ዝበለ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ'ዉን፡ ነቲ ብጃንዳ ማለሊት ዝስራሕ ዘሎ ድራማታት ዘቕለበሉ ይመስል። ኣፈኛ UN'ዉን እንተኾነ ኤርትራ ካብ ዶባታ ፍጹም ከም ዘይሓለፈት ገሊጹ'ዩ። ማለሊት በተን ገንዘብ እትሽርፈን ትካላት ዜና EriSat, ASSENA ኣቢላ፡ ህዝቢ ኤርትራ የጋግዩ'ዮም ዝበለቶም ነዝሒ ፖለቲካ ኣብ ምፍብራኽ ቐንያ ኣላ። እዚ ምስ'ቲ ቕድሚ ሕጂ ዝራእናዮም ቪድዮታት፡ ከም ኣብነት "ኣጋንንዮ፡ ኣቲ ኣጋንንዮ" እንዳተባህለ ዝተሰርሐ ፖለቲካ፡ ሞናሊዛ ሰራዊት ተጋሲሱዋ፡ ጽንተት ኣኽሱም ወዘተረፈ ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ብዙሕ'ዩ ክኸዉን።
ብዘይካ'ዚ ሰራዊት ኤርትራ ደብዳብ ፈጺሙ፡ ኣዋልድ ዓሚጹ ወዘተረፈ ዝብሉ ነዝሕታት ኣብተን ስታሊንን ኣሉላ ሰሎሙንን ዝዉንንወን TMH ከምኡ'ዉን Zara ክዝርግሖ ጀሚሮም ይርከቡ። መሸስ ሓሶቶም መዳርግቲ የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ወጢጥካ ኣብ ዘየለወሉ ኩናት ንምእታዉ፡ ካብኡ ሓሊፍካ'ዉን ዓለም ዓቃብ ሰላም ንምስዳድ መታን ክከኣል፡ ኤርትራ ትድብድበና ኣላ ንምባል ብዙሕ ድራማታት ተሰሪሑ ንምዝርጋሕ ተቐሪቡ ኣሎ። ዕላምኦም ንጹር'ዩ-- ዓለም እዚ ሽግር ናይ ኢትዮጲያ እዩ፡ ኣብ ዉሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጲያ ጣልቃ ኣይንኣቱን ኣብ እትብለሉ ዘላ እዋን፡ ማለሊት ነቶም ኣብ ደገ ዘለዉ ኣንጨብጨብታ "ኤርትራ እያ ትዋጋኣና ዘላ" ዝብል ጎስጓስ ከካይዱ ህጹጽ ሓበሬታ ኣመሓላሊፋ ኣላ። ከም'ቲ ብቐጻሊ እንብሎ፡ እዚ ኩናት እዚ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጲያን ጃንዳ ማለሊትን ዝግበር ዘሎ'ዩ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ትርፎ ዶባቱ ረጊጡ ሃገሩ ምሕላዉ፡ ካልእ ዕዮ የብሉን።
ኣብ መደምደምታ ሰራዊት ኢትዮጲያ ንቕድሚት ብፍጥነት ይግስግስ ምስ ምህላዉ፡ እቲ ክንጽበዮ ዝጸናሕና ኣዉያት ብኣዝዩ ዝተጋነነ ድምጺ ክወጽእ'ዩ። ኤርትራዊ ንቓሕ በዞም ኣብ ኣጋ መቶም ዘለዉ ደመኛታት ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ከይትግራህ። ኣብ ቐጻሊ ብዉሽጢ ዝመጾም ሓበሬታታት እንዳተኸታተልና ከነቕርበልኩም ኢና ሸርን ኮመንትን ኣይንሕመቕ።

ሓሶት ባህሪ'ዩ። ሓሶት ልምዲ'ዩ። ሓሶት ባይሎጂካዊ ትዕድልቲ ክኸዉን ኣይክእልን። ሓሶት ኣብ ጊዜ ቐስ ብቐስ እትላበሶ ባህሪ'ዩ። ኣብ ፖለቲካ ሓሶት ስልቲ'ዩ። ሓሶት ከም ቐንዲ መሳርሒ ናይ ኣጀንዳታትካ ክኸዉን ይኽእል'ዩ። ንሓሶት ተጠቒሞም ኣጀንዳታቶም ዘተግብሩ ዉሑዳት ኣይኮኑን። ከም ኣብነት ኣሜሪካ ንኢራቕ WMD ትዉንን'ያ ዝብል ክሲ ከተቕርበላ እንከላ፡ ቕንጣብ'ዉን ትኹን ጭብጢ ኣየቕረበትን። እንታይ ድኣ ብሓሶትን ምትላልን ህዝብታት ዓለም ኣእሚና ኣብ ልዕሊ ኢራቕ ወራር ንምፍጻም ዝተጠቕመትሉ ስልቲ'ዩ ኔሩ። ብሰንኪ'ዚ ሓሶት'ዩ እዉን ኣብ ኢራቕ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ንጹሃት ሰባት ዝሃለቑ። ኣብ ሊብያን ሶርያን ኣፍጋኒስታንን'ዉን ተመሳሳሊ ምኽንያታት'ዩ ቐሪቡ። ብሰንኪ'ዞም ክንዲ ጎቦ ዝኾኑ "ሓሶትን ሸፈጥን"፡ ልዕሊ 6 ሚልዮን ንጹሃት ሰባት ግዳይ ኮይኖም።

ኣብ ትግራይ ንምጻእ። ኣብ ትግራይ ሓሶት ብደረጃ ትካል'ዩ ዝስርሓሉ። ኣብ ትግራይ ሓሶት ክእለት'ዩ። ኣብ ትግራይ ጃንዳ ማለሊት ካብ ዝሃነጸቶም ዓበይቲ ትካላት እንተሃልዮም ትካል መፍረ ሓሶት'ዩ። ማለሊት ንሓሶት ከም ስነ-ጥበብ'ያ ርቀት እትዉስኸሉ። ከም ቕብኣ ሕብሪ ሓዋዊሳ ዉቁብ ትገብሮ። ከም ተበሃጊ ዝስተ መስተ ኣቃሚማ ኣብ ዕዳጋ ተዉርዶ። ከም ሃይማኖት ከም ዝስበኽ ትገብሮ። ከም ደብሪ ናብ ዝስገደሉ ቕርሲ ተበርኾ። ኮታስ ማለሊት ንሓሶት ብሳይንስን ጥበብን'ያ እተንቀላዉጦ። ኣብ 2002 ፍርዲ ኮምሽን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣብ ዝተዋህበሉ እዋን፡ ሚኒስተር ወጻኢ ኢትዮጲያ ነበር ስዩም መስፍን "ባድመ ንዓና ተዋሂባትና ኣላ" ክብል ኣብ ትካል ወጻኢ ጉዳያት ክሕሱ ተራእዩ ኔሩ። ድሕሪኡ'ዉን ይቕሬታ ኣይሓተተን። ኣብ ትግራይ ትሕሱ እምበር፡ ይቕሬታ ኣይትሓትትን ኢኻ።

ካብ'ቲ ዘሕዝን መንእሰይ ትግራይ ኣብ ሓሶት ጃንዳ ማለሊት ዝዓኾኸ'ዩ። ነቲ ናታ ሓሶት ይኣምኖ ዘይኮነስ ከማዕብሎ'ዩ ጀሚሩ ዘሎ። ብፍላይ ኣብ ዲያስፖራ ዝርከብ ደጋፊ ህወሓት ንሓሶት ካድራት ማለሊት ብዓይኒ ጥርጣረ ዘይኮነስ ዝርእዮ፡ ብዓይኒ ተደንቆ'ዩ ዝቀናጀወሉ። ኣብ ገጻት ትዊተር ምስ እንኸይድ መናእሰያት ዲያስፖራ ተጋሩ ንዶ/ ቴድሮስ ኣድሓኖም መዓልታዊ ክሕሱ ይሓትዎ። ንሱ ድማ እቲ ዝድለ መዓልታዊ ሓሶት ፈይ የብለሎም። ኣብ ድምጺ ወያነ ምስ እትኸይድ ኣዴታት በላ ዝተባህልኦ ብዘይሕቶ ከጋማድሖኦ ትሰምዕ። ኣቦታት ብዘይድፍኢት ንሓሶት ጃንዳ ማለሊት ከም ስዋ ኣብ መለሊኽ ክገማጥልዎ ተስተብህል። እንታይ ዝወረዶም ህዝቢ'ዮም ኢልካ ብሕፍረት ትስቆቕ። ማለሊት ንህዝቢ ትግራይ ብሓሶት ተታልሎ ጥራይ ዘይኮነት፡ ኣብ'ቲ ናታ ሓሶት ተሳታፊ ከም ዝኸዉን'ያ እትገብር ዘላ።

እቲ ዘሕዝን ህዝቢ ትግራይ ንሓሶት ጃንዳ ማለሊት ከም ዕለታዊ መቕኖኑ ተሰሪዑ ክህንክቶ ምርኣይ እዩ። ኣብ ትግራይ "ንምንታይ ምስ ሓዉ ህዝቢ ኤርትራ፡ ህዝቢ ኣምሓራ፡ ህዝቢ ዓፋር ተጓኑጹና" ኢሉ ዝሓትት ሰብ ፍጹም ኣይትርእይን። ኣብ 1998 ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ወራር ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን፡ ህዝቢ ትግራይ "ንምንታይ ምስ ሓዉ ህዝቢ ኤርትራ ክንጓነጽ ይድለ ኣሎ" ዝብል ሕቶ ፍጹም ክሓትት ዘይምርኣዩ እዩ። ኣብ ግንባራት ባድመ፡ ጸሮና፡ ዓሰብ ኣብ ዝነበረ ኩናት፡ ገባር ህዝቢ ኣእዱግ ኮብኪቡ ንኤርትራ ክዘምት ተራእየ። ኣብ ከተማታት ባረንቱ፡ ተሰነይ፡ ሰንዓፈ ኣብ ዝነበረ ዘረፋ ህዝቢ ትግራይ ብኣካል ተሳተፎ። ሓረስቶት ተጋሩ ክሳብ መንከሽከስ፡ ድስቲ፡ ጠረቤዛ፡ ዚንጎ፡ ባላ ሓሊፍዎም ክሳብ ባዞ ክዘምቱ ተራእዩ። ማለሊት ልዕሊ 80,000 ንጹህ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኢትዮጲያ ኣብ ዝሰጎጎትሉ እዋን፡ ህዝቢ ነቲ ንብረቶም ክዘምት ተራእየ። እዚ ኣብ ታሪኽ ክልቲኣቶም ህዝብታት ኣዝዩ ከቢድ በሰላ ዝገደፈ'ዩ ኔሩ። ግን ኣብ ትግራይ "ንምንታይ" ዝብል ሰብ ብፍጹም ኣይትርእን። ሓሶትን ሸፈጥን ጃንዳ ማለሊት ከም ሃይማኖት'ዩ ዝምለኽ። ስለምንታይ፧ ህዝቢ ትግራይ ክሳብ መዓስ'ዩ ኣብ ሓሶት ጃንዳ ማለሊት ክነብር፧

እስከ ሞራላዊ ሕቶ ነቕርብ....!!!

ሀ) ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ብምክያድ ኣብ 04 ሕዳር 2020 ሃንደበት ኩናት ተኸፍተ። ነዚኣ ዓገብ ዝበለ ትግራዋይ'ሲ ይህሉ'ዶ ይኸዉን?

ለ) ሰራዊት ጃንዳ ማለሊት ኣብ ወልቃትን፡ ማይ-ቃድራ ዝበሃል ከተማ ብምእታዉ፡ ልዕሊ 1500 ንጹሃት ሰባት ብኻራ፡ ጎዞሞ፡ ፋስ ቐተሉ። ኣዴታት ኣጥባተን ብኻራ በተኽዎ፡ ዓዲ ብሓዊ ኣቃጸሉዋ። ነዚኣ ዓገብ ዝበለ ትግራዋይ'ሲ ይህሉ'ዶ ይኸዉን፧

ሐ) ኣብ 13 ሕዳር ከተማ ሰንዓፈ፡ ኣብ 17 ሕዳር ድማ ከተማ ኣስመራ ብሮኬታት ተደብደባ። ነዚኣ ዓገብ ዝበለ ትግራዋይ'ሲ ይህሉ'ዶ ይኸዉን፧

መ) ኣብ ግንቦት 2021 ኣብ ልዕሊ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ወራር ተፈጸመ። ህዝቢ ተጋፍዐ፡ ተሓርደ። ነዚኣ ዓገብ ዝበለ ትግራዋይ'ሲ ይህሉ'ዶ ይኸዉን፧

እቲ ሓቂ ብትብዓት ንግጠሞ። ኣብ ትግራይ ይኹን ወጻኢ ካብ ትግራይ፡ ሓሶት ባህሊ ኮይኑ'ዩ። ዘሕዝን'ዩ ክበሃል ዝከኣል'ዉን እዚ'ዩ። ንሓቂ ደዉ ዘይብል ህዝቢ ኣብ ዓለም ሰላም ረኺቡ ክነብር ማለት ኣዝዩ ኣሸጋሪ'ዩ። ኣብ ትግራይ መራሕቲ ጃንዳ ማለሊት ዝበልዎ ቃል ከም ታቦት'ዩ ዝስገደሉ። ህዝቢ 360 ዲግሪ ክሳብ ዝኽበብ ኣብ ድቃስ'ዩ ጸኒሑ። መራሕቲ ጃንዳ ማለሊት 27 ዓመታት ህዝብታት ኢትዮጲያ ከም ሕሱም ክረግጹ፡ ህዝቢ ትግራይ ዓገብ ኣይበለን። ኣብ 1998 ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ግፍዒ ክፍጽሙ፡ ህዝቢ ትግራይ ዓገብ ኣይበለን። ብቕንዕና ንዘራረብ እንተተባሂሉ፡ ህዝቢ ትግራይ ሰረገላ ጃንዳ ማለሊት ካብ ዝኸዉን ቐሊል እዋን ኣይገበረን። ካብ'ቲ ዘደንጹ ድማ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ማለሊት ንመናእሰይ ትግራይ ከም ኣቕሓ ክትሸጦን ክትልዉጦን ትዉዕል ምህላዋ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ 1 ዓመት፡ ማለሊት ንህዝቢ ትግራይ ክጭበጥ ዘይክእል መብጽዓታት እንዳጋማድሐት ደቁ ናብ ግንባራት ከዉሕዝ ክትሓትት ጸኒሓ ኣላ። ህዝቢ ትግራይ'ዉን ደቁ ጫሕ ኣቢሉ ክህባ ይረኣይ። እስከ ማለሊት ንህዝቢ ትግራይ ዝኣተወትሉ መብጽዓታት ንፈትሽ፦

√ ብቕልጽምና ክንፍንጽሕ ኢና!

√ ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ስድሪ መሬት ትግራይ ብቕልጽምና ሓራ ከነዉጽእ ኢና!

√ ንሻዕብያ ዝድምስስ ሰራዊት ሃኒጽና ኣሎና። ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ድማ ከነርእዮ ኢና!

ርቀት ሓሶት ጃንዳ ማለሊት ንምርዳእ ብዙሕ ጥበብ ኣየድልን'ዩ። ኣብ ዘይጭበጡ መብጽዓታት ሃነይነይ ኣቢላ ንምዕንዛዝ ዝተኸተልዎ ስልቲ ንተዓዘብ።

ሑመራ ዝብል ደርፊ ተዳልዩ፡ ኣብ ደገ ዘለዉ ኣንጨብጨብቲ ማለሊት ነዚ ከጋማድሑ ተነግሮም። ጥምረት ተጋሩ ኣብ ዲያስፖራ ንሓጎስን ፈንጠዝያን ምሽብሻባቱ ዛዚሙ ክሳብ እትንገሩ ኣብ ሜድያ ከይትዛረቡ ተባህሎም። ዝገርም ዜና ከስምዑና ኣፎም በልዖም። 24 ነሓሰ 2022 ወጋሕታ ነቲ ወፍሪ ብወገን ቢጭሮ፡ መንደፈራ፡ ኣጻድፍ ዞበል፡ ኣጻድፍ ገደባ ንቖቦ ኣንፈት ሒዙ ተጀመረ። ኣጋ ሰዓት 8 ናይ ቕድሚ ቐትሪ ድምጺ ወያነ "ኣቢን ሻዕብያን ወራር ጀሚሮም" ዝብል ወረ ኣናፈሳ። ንዓለም ንምእማን ኣሎ ዝበሃል ወረታት ኣጋዉሑ። ኣፈኛታት ጃንዳ ማለሊት ህዝቢ ኢትዮጲያ ንምርዓድ ኣሎ ዝበሃል ናይ ጉራን ጃህራን መናፍሓት ወቕዑ። ህዝቢ ትግራይ ደጊሙ "ዉፈር ተበገስ" ተባህለ። ዝገርም ምእንታት'ዩ። ወረ ኣብ ገለ ገለ'ሲ ወልድያ ሒዝናያ ዝብል ወግዕታት ኣጋዉሑ። ሒዝናዮ ዝብልዎ ቦታታት ኣብ ፈቐዶ ማሕበራዊ መራኸቢታት ለጠፍዎ። ህዝቢ ነጠረ፡ ኣንጨብጨበ፡ ዓለለ፡ ኮታስ ኣብ'ቲ ናይ ማለሊት ናይ ሓሶት ባህሊ ከኹድድ ተራእየ።

ኣብ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ልሙድ ናይ ሓሶት ኩነታት ንባህሪ ጃንዳ ማለሊት ዝምጥን ጠባይ ምምዕባል ኣገዳሲ'ዩ። እቲ ምንታይ ማለሊት ኣብ "ኩናትን ወረ ኩናትን" ጥራይ እትነብር ጭፍራ ምስ ሙዃና፡ ኣእምሮ ህዝብታት ይብጽብጽ'ዩ ዝበለቶ ዳንኬራ'ያ እትገብር። በዚ መንጽር ስቕታ ዝበለጸ ስልቲ'ዩ። መንግስቲ ኢትዮጲያ ንህዝቡን ማሕበረሰብ ዓለመን መብርሂ ዝህብ ሕጽር ዝበለ መግለጺ ድሕሪ ምዉጻእ፡ ኣብ ስቕታ ክዓስል መረጸ። መንግስቲ ኤርትራ'ሞ ንግደፎ። ብቐደሙ'ዉን ንባህሪ ጃንዳ ማለሊት ከም ጻዕዳ ኢዱ'ዩ ዝፈልጦ። ስቕታ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ዘርዓዶም መራሕቲ ጃንዳ ማለሊት ኣሎ ዝበሃል ቑጽርታት ክድርብዩ ጀመሩ። 21፡23፡46፡57፡43፡33 እንታይ'ሞ ክበሃል? ልዕሊ 150 ክፍላተ ሰራዊት ደምሲስና ክብሉ ተሰምዑ። ሰራዊት ማሪኽና ንምባል ኣብ ፈቐዶ መዓስከራት ትግራይ ዝነበሩ ኤርትራዉያን ልብስታት ሰራዊት ኤርትራ ከዲኖም ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ከቕርቡዎም ተራእዩ። ኣብ 2021 ዝተማረኹ ሰራዊት ኢትዮጲያ ኣብ ፈቐዶ ጎደናታት መቐለ እንዳዞሩ ህዝቢ ክሳብ ዝዓብድ ገበሩዎ። ኣብ ደገ ንዘለዉ ሰዓብቶም ንምስዳዕ'ዉን ን'TMH, Zara, ASSENA, ERISAT, Ethio360 ኣኽቲቶም 24/7 መናፍሓት ሓሶት ክነፍሑ ምርኣይ ልሙድ ኮነ። ካብ'ቲ ዝገርም--- 150 ክፍለ ሰራዊት ማለት ልዕሊ 2,000,000 ሰራዊት ማለት'ዩ። እሞ ክንድዚ ዝኣክል ሰራዊት ካብ ደምሰስካ፡ ሑመራ ንምእታዉ መን ከልኣካ? ዛላምበሳ ንምእታዉ መን ከልኣካ? እቲ ሕቶታት መወዳእታ የብሉን።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕቡድ ናይ ሸለብ ገለብ ኣካይዳታት፡ ማለሊት ብዓደርቃይን ጸለምትን ተቖሪጻ፡ ኣብ ግንባር ገምሃሎ ዝነበራ ሰራዊት ምሉእ ብምሉእ ተደምሲሱ፡ ኣብ ደደቢት ዝነበረ ድፍዓታት ረጥሪጣ ክትሃድም ተራእየት። ንከተማ ሸራሮ ምሉእ ብምሉእ ገዲፋ ሃደመት። ኣብ ከተማ ሽረ'ዉን ዝነበራ ሰራዊትን ኣጽዋርን ተዳኺሙ ኣብ ከተማ ህዝቢ ንምህላቕ ተዳለወት። ሰራዊት ኢትዮጲያ ንከተማ ሽረ ተጸጊዒ ህዝቢ ካብ'ታ ከተማ ክወጽእ ኣብ ምዕዳም ይርከብ። ኣብ ከተማ ሸራሮ ዝነበረ ህዝቢ'ዉን ብሰንኪ'ቲ ኩናት ሃዲሙ ንከተማ ሸሸቢት ክኣቱ ተራእየ።

እምበኣርከስ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት የሕዝን'ዩ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዲቕ ዝበለ ጸልማት'ዩ ዝነብር ዘሎ። መንእሰይ ትግራይ ኣብ ፈቐዶ ሓዊ ክጥጠቕ ይዉዕል፡ ህዝቢ ካብ ድምጺ መዳፍዕ ክሃድም፡ ህጻዉንቲ ድምጺ ኩናት ሰሚዖም ከእዉዩ፡ ኮታስ ትግራይ ናብ ዲቕ ዝበለት ድፋዕ'ያ ተቐይራ እትርከብ። ልዕሊ 500,000 ካብ ህዝቢ ትግራይ ድሮ ከም ሓዊ ተሃሚኹ'ዩ። ኣብ'ዘን ዝሓለፋ ሰሙናት ጥራይ፡ ኣብ ትግራይ ሃሊቑ ዘሎ ሂወት መዳርግቲ ኣልቦ'ዩ። ነዚ ርኢኻ ህዝቢ ትግራይ ብሓሶትን ሸጠፍን ጃንዳ ማለሊት ክታለል ኣዝዩ የሕዝን። ክሳብ መዓስ? ኣብ ዘገምታ ንርእዮ።

ይቕጽል...

መርበብ ስለያ
ኣባላት ጨንፈር ምጽንጻን
ኣባላት ጨንፈር ማ/ሜ

Temt
Member+
Posts: 5279
Joined: 04 Jun 2013, 22:23

Re: The Hawzen drama in action!

Post by Temt » 29 Sep 2022, 14:46

September 29, 2022 ዝከፈልካ ከፊልካ ክፍኖ ኣለዎ | እዋናዊ ሓበሬታ |

Weyane.is.dead
Member+
Posts: 6796
Joined: 19 Oct 2017, 11:19

Re: The Hawzen drama in action!

Post by Weyane.is.dead » 29 Sep 2022, 14:59

Terrorist tplf is trying to cover up for its humiliating defeat by making up fake victories. Terrorist tplf is surrounded and desperate with no way out. It's only a question of time now. Terrorist tplf will be neutralized.

Temt
Member+
Posts: 5279
Joined: 04 Jun 2013, 22:23

Re: The Hawzen drama in action!

Post by Temt » 29 Sep 2022, 15:51

Ethiopia - ለ 3 ቀን በመቀሌ የተደረገው ሚስጥራዊ ስብሰባ | ሾልኮ የወጣው የነጌታቸው አዲስ ትዕዛዝ

Weyane.is.dead
Member+
Posts: 6796
Joined: 19 Oct 2017, 11:19

Re: The Hawzen drama in action!

Post by Weyane.is.dead » 29 Sep 2022, 17:14

Well curated and timely information 8)
Temt wrote:
29 Sep 2022, 11:30

Post Reply