Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
JudgementDay1234
Member
Posts: 2966
Joined: 10 Mar 2016, 11:47

ሓሶትን ሸፈጥን 2 ገጽ ኣብ ሓንቲ ሳንቲም።

Post by JudgementDay1234 » 25 Sep 2022, 09:49

Center for research and documentation ማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራዉያን

ሓሶትን ሸፈጥን 2 ገጽ ኣብ ሓንቲ ሳንቲም
===
ኣብ'ዚ ሰሙን'ዚ ኣሸቀልቲ ጃንዳ ማለሊት ንሰማዒ ወሃ ዘበለ ፖለቲካዊ ቕርጥዉና ከዉግዑና ቐንዮም ኣለዉ። ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ኢትዮጲያ ንዝገብሮ ዘሎ ንጥፈታት ኣመልኪቱ ንወከልቲ ፓርላማ ኣሜሪካ ጸብጻብ ብምሃብ ናይ 1 ወርሒ ዕብድብድ ሃገራት ምዕራብ ብመልክዕ ድራማ ኣቕሪቡልና። ኣብ'ቲ ጸብጻብ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር እቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጲያ ዘሎ ኩነታት መፍትሒ ንኽረክብ፡ ኩናት ደዉ ክብልን ኤርትራ ድማ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ክትስሕብን ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ጉዳይ ዘተ ሰላም'ዉን፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ተጀሚሩ ዝነበረ ተበግሶ ከም ዝድግፍ ብምሕባር፡ ኩላቶም ወገናት ኩናት ደዉ ኣቢሎም ናብ ጠረቤዛ ክምለሱ ኣተሓሳሲቡ። ወሃ ዘበለ ዘረባ'ዩ።
ፍሉይ ልኡኽ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ'ቲ ዝሃቦ መግለጺ ኤርትራ ሰራዊታ ናብ ትግራይ ከም ዘእተወት ጭቡጥ ሓበሬታ ከም ዘይብሎም ብምሕባር፡ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጲያን ግን ኣሰካፊ ምንቅስቓሳት ይርእዩ ከም ዘለዉ'ዩ ገሊጹ። ኣሰይ..!! ኣሰካፊ ኩነታት ድኣ ሎሚ መዓስ ኮይኑ ተራእዩ። ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ካብ ኣሰካፊ ኩነታት ወጺኡ ኣይፈልጥን'ዩ እቲ መልሲ። በዚ ኮይኑ በቲ ግን፡ ኣሜሪካ ብዛዕባ ጉዳይ ሰራዊት ኤርትራ ጭቡጥ ሓበሬታ ከም ዘይብላ'ዩ ኣመላኺቱ። እሞ ጭቡጥ ሓበሬታ ዘይብልካ'ዶ ሰራዊትኪ ኣዉጽኢ ይበሃል'ዩ? ተገላቢጦሽ እንድዩ፡ ደሓን ፋሕ ኢላቶም ኢልና ንሕለፋ።
ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ነቲ ብጃንዳ ማለሊት ዝተወልዐ ኩናት ክኹንኖ ዘይምኽኣሉ'ዩ ኣገራሚ። ሽሕ'ኳ እቲ ኩናት ከም ዝጅምር ኣብ መቐለ ከም ዝተሓበሮ ክሓብእ እንተዘይከኣለ፡ ንምንታይ እቲ ኩናት ቕድሚ ምጅማሩ ደዉ ንኸብሎ ተበግሶ ዘይወሰደ ግን ዝኾነ ምኽንያት ኣይሃበን። ከም'ቲ ንሱ ዝበሎ፡ ኣብ መቐለ ዑደት ክገብር ከይድሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ መራሕቲ ጃንዳ ማለሊት ነቲ ኩናት ከም ዝዉልዕዎ ሓቢሮሞ ከም ዝነበሩ ብዘይሕብእብእ ቶግ ኣቢልዎ'ዩ። ሓቁ እንድዩ ማይክ ሃመር፡ ልኡኻት ኣሜሪካ ኣብ መቐለ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣፈኛ ጃንዳ ማለሊት ጌታቾዉ ረዳ፡ ዶ/ ኣቢ ኣሕመድ ዓሊ ንጠለባት ጃንዳ ማለሊት ምስ ዘይቅበል ኣብ ሓጺር እዋን ኩናት ከም ዝኸፍቱን መራሕቲ ኣሜሪካ'ዉን በቲ ኩናት ክግረሙ ከም ዘይብሎምን ገሊጽሉ ኔሩ'ዩ። እሞ ሕጂ ድኣ እንታይ ገረሞም? ኣይግረምኩም ተባሂሎም'ዶ ኣይነበሩን።
ካብ'ቲ ዝገርም ማይክ ሃመር "ኤእ ሕደጉ" ክብል ኣይተሰምዐን። እንታይ ድኣ፡ ነታ ዘረባ ብምትብባዕ ዝመስል መልሲ'ዩ ሓሊፉዋ። ማለሊት'ዉን ኣብ ቃላ'ያ ጸኒዓ። ነታ ዝበለታ ኩናት ኣብ 24 ነሓሰ ብወገን ግንባር ራያ ብወግዒ ወሊዓታ። ኣብ'ቲ ዝቐጸለ መዓልታት ሓላፊ ዉድብ መግቢ ዓለም ኣሜሪካዊ ዴቪድ ቢዝልይ፡ ማለሊት 15 ታንከር ነዳዲ ካብ መኽዘን ሰሪቓ ኣብ'ቲ ኩናት ተዉዕሎ ከም ዘላ ብወግዒ ገሊጹ ኔሩ'ዩ። ኣብ'ቲ ጸብጻቡ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ነዛ ሓቂ ክጠቕሳ ይኹን ክነቕፋ ፍጹም ኣይደለየን። ሓቁ'ዩ ከመይ ጌሩ ክጠቕሳ? ባዕልና ነዳድን ስንቅን ዕጥቅን ሂብና ኣበጊስናያ ኣሎና'ዶ ይበሃል ኮይኑ?
እዚ ዝተወሃሃደ ናይ ሓሶትን ሸፈጥን መጥቃዕትታት፡ ድሮ ኣብ ኣፋፌት ህዝብን መንግስትን ኤርትራ በጺሑ'ሎ። እወ፡ ኩናት ዝጀመረ ገዲፍካ ጓል መገዲ ሸኾርተት ምባል። ኣብ ሜድያታት ዓለም ከም እንርእዮ ዘሎና፡ ማሕበረሰብ ዓለም ብዝብል ነብሰ ቕብኣ ንነብሱ ከም ጠንቋሊት ሓንጨል መንጪል ዝደርመማ ምምሕዳር ባይደንን ሰረገላታቱን ነቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ልኡላዊ መሬቱ ተገቢቱ ኣብ ልዕሊኡ ዘይፍትሓዊ እገዳ ተነቢሩሉ ክነብር ዝጸንሐ'ሞ፡ ድሕሪ 2018 ኣብ ልዕሊኡ ኩናት ዝተኣወጀሉ ህዝቢ ኤርትራ ክጥቅኑን ኣእዳዎም ከወጣዉጡን'ዮም ቐንዮም። ማይክ ሃመር'ዉን ነዚ ዘይበሊ ኣመል'ዩ ደጊሙ ኣርእዩና። ሃራሚ እንከሎ ተሃራሚ፡ በዳሊ እንከሎ ተበዳሊ፡ ወራሪ እንከሎ ተወራሪ፡ ኮታስ ዘሕምቖ ኣሎኒ በትረይ ሃቡኒ'ዩ ነገራቱ።
ሓቂ'ዩ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ። ማለሊት ነቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ኣበይ ኣሎኻ ኢላቶ ዘይትፈልጥ ህዝቢ ትግራይ ከም ዋና ዘይብለን ኣሓ ብድሕሪት ብመሸንጎጋ እንዳኾብኮበት ኣደዳ ድሮንን መዳፍዕን ጌራቶ ትርከብ። መንግስቲ ኢትዮጲያ'ዉን ነዚ ኩነታት ብሰላም ንምፍታሕ ንልዕሊ 3 ዓመታት ህርዲግ ኢሉ'ዩ። ካብ'ዚ ሓሊፉ'ዉን ንሰለስተ ጊዜ ብጃንዳ ማለሊት ክዉቃዕ ተገዲዱ ይርከብ። መንግስቲ ኤርትራ'ዉን ከምኡ። ኣብ 2020 ብሮኬታት ተደብዲቡ፡ ከተማታቱ ብመዳፍዕ ተበታቲኑ። እዛ ሕጂ ዋይ ዋይ እትብል ዘላ ዓለም ግን ብጭቕ ክትብል ኣይተራእየትን። መንግስቲ ኢትዮጲያ ክሳብ 1 ቢልዮን ብር ኣጥፊኡ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ዓዘቕቲ ጥሜት ንምግልጋል ጽዒሩ'ዩ። ክሳብ 24 ነሓሰ 2020 ካብ ኣእካል ጀሚርካ ክሳብ ነዳዲ ናብ ክልል ትግራይ ክልእኽ ጸኒሑ'ዩ። ማይክ ሃመር ነዚ ከም ሳዕሪ ተተቐንጢቡ ኣብ ሓዊ ዝናኸስ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ክጣበቐሉ ትብዓት'ዉን ኣይገበረን። ክልል ትግራይ ኣብ ዉሽጢ 3 ዓመት ልዕሊ 500,000 ካብ መንእሰያታ ኣብ ሓዊ ቖልያቶም እያ። ኣብዘን ዝሓለፋ ዉሑዳት ሰሙናት ጥራይ፡ ትግራይ ብኣማኢት ኣሽሓት ካብ ደቃ ኣደዳ መዳፍዕን ድሮንን ጌራቶም ትርከብ። ልዕሊ 1 ሚልዮን ህዝቢ ተፈናቒሉ'ሎ። ህዝቢ ከም ህዝቢ ብሳላ መራሕቱ ከም ዓተር ክጽጸ ይዉዕል ኣሎ። ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ግን ብዛዕባ'ዚ ኣይገደሶን። እንታይ ድኣ ነታ ከም ከብቲ ማቻላዮ ኣብ ጸልማት እትሕረድ ዘላ ሃላይ ዝራብዕ ጃንዳ ማለሊት ነገላግላ ክብል'ዩ ተራእዩ። ባቖ ይብላ ኣደይ ወርቅነሽ ክበሃል'ሲ ከምዚ ምስ ተረኽበ'ዩ። ምቕናይ ጥራይ፡ ዝግራህ'ዶ ሎሚ ከይረኽቡ።