Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
JudgementDay1234
Member
Posts: 2974
Joined: 10 Mar 2016, 11:47

ስትራተጂካዊ መዋጥር ጃንዳ ማለሊት፡ ትኪ እዉን ከሙልቕ ኣይክእልን.ሽፍታ ህወሓት ብጠጠዋ ሞይታ።ኣኸለ፣ተፈጸመ፣ተደመደመ።

Post by JudgementDay1234 » 12 Aug 2022, 17:25

Center for research and documentation ማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራዉያን

ስትራተጂካዊ መዋጥር ጃንዳ ማለሊት፡ ትኪ እዉን ከሙልቕ ኣይክእልን
===
ጃንዳ ማለሊት ኣብ ትግራይ ንልዕሊ 27 ዓመታት ክትሃንጾ ዝጸንሐት ሓደገኛ ናይ ጽልኢ (ጸረ ኤርትራን ኣምሓራን) ፖለቲካ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ናይ ህላወ ሓደጋ ኣንጊሱ ምህላዉ ኣብ ባይታ ዝረኣዩ ዘለዉ ወድዓዊ ኩነታት የመላኽቱ። ከም'ቲ ብጻይ ጀ/ስብሓት ኢፍሬም ዝበሎ፡ ፖለቲካ ትግራይ ድሕሪ'ቲ ጃንዳ ማለሊት ዝፈጸመቶ ሓደገኛ ናይ ገበጣ ጸወታ ልክዕ ከም ላስቲክ ተመጢጡ ናብ ክልል ትግራይ ተሸምቂቑ ክምለስ ክኢሉ ኣሎ። ብስትራተጂካዊ ኣጠማምታ-- ጃንዳ ማለሊት ሕብረተሰባዊ ዉድቀት ኣጋጢሙዋ፡ ፖለቲክኣ ማህሚኑ ናብ ልመና ስርናይ ወሪዱ፡ ሓቢኣቶ ዝጸንሐት ኣገደስቲ ወተሃደራዊ ኣጽዋራት ተመንዚዑ ኮታስ ከም ሓይሊ ኣብ ኢትዮጲያ ክህልዋ ዝኽእል ፖለቲካዊ ጽልዋ ከም ዓተር ተጸጽዩ ይርከብ። ኣብ 30 ዓመታት ሰሪሕናዮ ካብ ክንብሎ ኣገደስቲ ዕዮታት እምበኣር፡ ምድቓቕ ፖለቲካ ጽልኢ ጃንዳ ማለሊት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኣምሓራን ተፈጢሩ ዘሎ ሓያል ናይ ስራሕ ዝምድና እዩ። ኣብ ትግራይ strategic conundrum ኣንጊስና ንርከብ።
ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጃንዳ ማለሊት ነበር ስዩም መስፍን-- "ኢሰያስ ንፖለቲካ ትግራይ ክሓጽቦ ይደሊ ኣሎ" ክብል ተዛሪቡ ምንባሩ ይዝከር። ስዩም ብፍጹም ኣይተጋገየን--- እቲ ሕጽቦ ብዝግባእ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ነቲ ዝጸንሐ ናይ ጽልኢ ፖለቲካ ብስነ ፍልጠታዊ ኣገባብ ንምብላል ተጀሚሩ እዩ። ምናልባት ድሒርና ንርእዩ ንኸዉን ግን፡ ኣብ ክልል ትግራይ እቲ ዘድሊ ፖለቲካዊ ሕጽቦ ብዘገርም ኣገባብ እንዳተኻየድ ይርከብ።
ሀ) ፖለቲካዊ ሓይሊ ጃንዳ ማለሊት ካብ ሱሩ ተበቲኹ
-- ክልል ኣምሓራ ብሓይሊ ናይ ምጥንኻር ስራሕ ብሰፊሑ ምቕጻል
ለ) ወተሃደራዊ ሓይሊ ጃንዳ ማለሊት ክሳብ ዝደቐቐ ረቛሒ ወሪዱ
-- ክልል ኣምሓራ ኣብ ወተሃደራዊ ዓቕሙ ብዕጽፊ ምጉልባት
ሐ) ስለያዊ ሓይሊ ጃንዳ ማለሊት ካብ ሱሩ ተበቲኹ
-- ክልል ኣምሓራ ሓያል ዝኾነ ስለያዊ መዋቕር ከም ዝዉንን ምግባር
መ) ቑጠባዊ ትሕዝቶ ጃንዳ ማለሊት ስግኣት ከም ዘይከዉን ተጌሩ
-- ቑጠባዊ ኣወዳድባ ክልል ኣምሓራ ምሕያልን ምስ ቑጠባ ኤርትራ ከም ዝተኣሳሰር ምግባር
ኣብ'ዚ ዝለናዮ ደራኺ መድረኽ፡ መሪሕነት ጃንዳ ማለሊት "ኤርትራዊ መንነት ካብ ሱሩ ክሕከኽ ኣለዎ" ብዝብል ዕቡድ ናይ ጽልኢ ፖለቲካ ዝጀመሮ ናይ ጥፍኣት ጎደና፡ ንክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ከበባ ሸሚሙዋ ይርከብ። ኣብ ኢትዮጲያ ዘሎ ዉዱዕ ፖለቲካ ብቐዉታ ምስ እንዕዘብ፡ ትግራዋይ እግሩ መሊኡ ክረግጻ ዝኽእል ኢትዮጲያ ድሕሪ ደጊም ክትህሉ ከም ዘይሙዃና ተራእዩ ኣሎ። ኣብ 1993 ዝተሃንደሰ "ሕገ መንግስቲ"፡ ኣብ ኢትዮጲያ ከቢድ ናይ ዓሌት ምትፍናን ኣንጊሱ እዩ። ብፍላይ ጃንዳ ማለሊት ኣብ ህዝብታት ኦሮሞን ኣምሓራን ዝፈጸመቶ ከቢድ ናይ ጽንተት ተግባራት፡ ህዝቢ ትግራይ ብፍርሒ ዝነብረላ ሃገር ክትህነጽ ኣገዲዱ እዩ። ሎሚ-- ኣብ ኢትዮጲያ ትግራዋይ እየ ኢሉ ብምሉእ ርእሰ ምትእምማን ዝኸይድ ሰብ ኣይርከብን። ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ትግራዋይ ብድፍረት ክኸይድ ምርኣይ ማለት ዳርጋ ሕልሚ እዩ ምባል ቐሊል ዘረባ እዩ። ብደቡባዊ ክፋል ክልል ትግራይ፡ ሓያል ክልል ኣምሓራ ምህንዳስ ሓደ ካብ ቐንዲ ስትራተጂታት መንግስቲ ኤርትራ ክኸዉን ንቡር እዩ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጲያ፡ ሓያል ክልል ኣምሓራ ኣብ ቕድሚ ማእከል ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምቕማጥ ዘርብሖ ሙዃኑ ክኣምን ይግባእ። ኤርትራን ኢትዮጲያን ብሰላም ተሳንየን ክነብራ እንተኾይነን፡ ሓያል ክልል ኣምሓራ ምፍጣር ከም ቐንዲ ኣጀንዳ ተወሲዱ ክስርሓሉ ይግባእ።
"ዕጽዋን ክባን"---- ብዉልቀ ዉሳነ ዝተወስደ ናይ ጥፍኣት መገዲ
-----
ኣብ 1993 ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብሰፊሑ ዝተፈነወ ናይ ጽልኢ ኩናት፡ ኣብ 2002 መሰረት ሒዙ ንልዕሊ 20 ዓመት ብተሪር ተሰሪሕሉ ኣብ 2018 ጥርዚ ሃሪሙ፡ ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ተሪር ልፍንቲ ፈጢሩ ይርከብ። ብቕንዕና ክንዛረብ-- ጃንዳ ማለሊት ምስ ህዝብታት ኤርትራን ኣምሓራን ኣብ ከቢድ ኩናት እያ እትርከብ። ብርድኢትና-- ህዝብታት ኤርትራን ኣምሓራን ስትራተጂካዊ ልፍንቲ ምፍጣሮም ርትዓዊ እዩ። እዞም ህዝብታት እዚኣቶም፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ሰጢሞም ክሰርሑ ግድን ጥራይ ዘይኮነ ንህላወ ኢትዮጲያ እዉን ኣገዳሲ እዩ። ፖለቲካዊ መርገጺ መንግስቲ ኢትዮጲያ ብዘየገድስ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኣምሓራን ተፈጡሩ ዘሎ ሓያል ዝምድና፡ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ኣብ ሕቶ ምልክት ዝኣቱ ኣይኮነን። እዚ ኢልና-- ጉዳይ ወልቃይን ሑመራን ጸገዴን ብቱኽረት ምክትታል ከድሊ እዩ። ስትራተጂካዊ ዘይንጽሩነት (strategic ambiguity) እንዳተጠቐምካ ንጉዳይ ወልቃይት ብስትራተጂካዊ ኣገባብ ምጥማት ኣገዳሲ እዩ።
ኣብ ትግራይ ዘሎ "ነብሰ ዕጽዋን ክባን" (self-encirclement/ self-siege) ፖለቲካዊ ዉሳነ እዩ። መሪሕነት ጃንዳ ማለሊት ነቲ ኣብ 04 ሕዳር 2020 ዝወልዖ ኩናት ኣብ ሕንጻጽ ከብጽሖ ብዘይምኽኣሉ፡ ብፖለቲካዊ ጸወታ ክጭብጦ ህርዲግ ኣብ ምባል ይርከብ። ኣብ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ-- ምምሕዳር ባይደንን ኣብ ትሕቲ ጆሴፍ ቦሬል ዝመሓደር ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኤዉሮጳን ምስ ጃንዳ ማለሊት ምዉጋኖም ብዙሕ ኣይገርምን። መንግስታት ሩስያን ቻይናን ድማ ምስ መንግስታት ኢትዮጲያን ኤርትራን ምስጣሞም ወድዓዊ ይኸዉን። ስለዚ እዚ ብፖለቲካዊ ዉሳነ ዝተወስደ መርገጺ "ዕጽዋን ክባን" ካብ ፖለቲካዉን ወተሃደራዉን ስዕረት ጃንዳ ማለሊት እዩ ዝምንጩ። ብዓንደርእሱ "ዘተ ሰላም" ዝብል ቕኒት እዉን፡ ኪኖ ንስዕረት ጃንዳ ማለሊት ሓሊፉ ንስዕረት ኣሜሪካን ኤዉሮጳዊ ሕብረትን እዩ ዝገልጽ።
ዘተ ሰላም ዝብል ቕኒት ትርጉም ኣልቦ ሙዃኑ ብዙሕ ከሰንብደና ኣይግብኣን። መንግስቲ ኢትዮጲያ ቦታን ጊዜን ኣብ ቖፍኡ ከእቱ ንቡር እዩ። ክሳብ 1 ሚልዮን ሰራዊት ምምልማሉ እዉን ናይ'ዚ ስነ ሞጎት ኣብነት እዩ። ህዝብታት ኣምሓራን ዓፋርን እዉን ዘድሊ ምቅርራባት ምግባሩ እወታዊ ይገብሮ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ-- ኣብ ዝሓለፈ 1 ዓመት ዕዉት ናይ ድልዉነት ዕዮታት ምክንዋኑ ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ዉሕጅ ንምእላይ ከኽእል እዩ።
ናይ ቐጻሊ ጸላኢ-- mortal enemy
----
ጃንዳ ማለሊት እተመሓድራ ክልል ትግራይ ናይ ቐጻሊ ጸላኢት ካብ ሙዃን ኣይትወጽእን። ብፍላይ ኣብ ሃገራዊ መንነትና ሕዱር ጽልኢ ዘለዋ ጃንዳ ማለሊት፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ተቓድያ ክትነብር ብፍጹም ክሕሰብ ኣይግብኦን። እዚ ማለት- ኩናት ግድነት እዩ።
ኣንፈታት---- (directives, and recommendations)
===
(1) ኣብ ትግራይ ክነዓዓብ ጀሚሩ ዘሎ ህዝባዊ ተቓዉሞ ብሰፊሑ ምድጋፍ
(2) ምስ ህዝቢ ኣምሓራ ሕልፍ ብዝበለ ኣገባብ ምዕያይ። ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ምዕባይ
(3) ኣብ ዉሽጢ ሓይልታት ክልል ትግራይ ምክፍፋል ምንጋስን መሪሕነት ጃንዳ ማለሊት ከም ዝዳኸም ምግባርን
(4) ትግራይ ኣብ ቐጻሊ ስግኣት ከም እትነብር ምግባር፡ ንመሪሕነት ጃንዳ ማለሊት ዘዳኽም እዩ። እዚ ማለት-- ኣንጻር ጃንዳ ማለሊት ንዝቃለሱ ህዝብታት፡ ወተሃደራዊ፡ ስለያዊ፡ ቑጠብዊ ሓገዛት ምግባር
(5) መንእሰይ ኤርትራ፡ ፖለቲካ ጃንዳ ማለሊት ብዝግባእ ከም ዝርድኦ ምግባር። ብፍላይ ኣብ ሜድያን ትምህርትን፡ መንእሰይና ንፖለቲካ ጃንዳ ማለሊት ብዕምቆት ክርድኦ ኣገዳሲ እዩ
(6) ምስ መንግስቲ ኢትዮጲያ ብንጡፍ ምዕያይ። ሓይልታት ፈደራል ኢትዮጲያ ንኽመጹ ዝኽእሉ ኩነታት ድሉዋት ምግባርን ምስልጣንን ከከም ኣገዳስነቱ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ሓባራዊ ታዕሊም ምዉዳብ
(7) ጃንዳ ማለሊት ካብ'ቲ ወዲቕዎ ዝርከብ መዋጥር ከምልጥ ኣብ ዝገብሮ ናይ ሕሳብ ጌጋ (miscalculations)፡ ኩናት ምዉልዑ ብፍጹም ኣየጠራጥርን። ኤርትራ ኣብ'ዚ ኩነታት እዚ ተረባሒት ኮይና ንምዉጻእ፡ ዘድሊ ምቅርራባት ክትገብር ይግባእ።
ተደምደመ..!!