Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
JudgementDay1234
Member
Posts: 2966
Joined: 10 Mar 2016, 11:47

ካብ ጥምየትን ናይ ሽፍታ ደቂ ዓድዋ ህወሓት ብሓይሊ ዕስክርና ሞት ይሕሸና ኢሎም ይሃድሙ ኣለው መንአሰያት ትግራይ። አዋይ ይዋርድኩም ተጋሩ።

Post by JudgementDay1234 » 23 Jun 2022, 15:32

https://www.facebook.com/23644633571218 ... PQbc7DsRl/
"ክልቲኡ ሞት'ዩ"፥ ጥሜትን ግዱድ ዕስክርናን ዝኸበዶም መንእሰያት ትግራይ እግሮም ናብ ዝወሰዶም ሃጽ ይብሉ ኣለዉ
===

ዘ-ጋርዲያን ዝተባህለት ጋዜጣ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ትግራይ ከቢድ ሰብኣዊ ቕልዉላዉ ሰፊኑ ምህላዉን መንእሰያት እታ ክልል ድማ ብሰንኪ ጥሜትን ግዱድ ዕስክርናን እግሮም ናብ ዝመርሖም ሃጽ ኢሎም ይጠፍኡ ምህላዎም ኣብ ገጻታ ኣስፊራ።

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ'ቲ ጃንዳ ማለሊት ኣብ 04 ሕዳር 2020 ዝወልዓቶ ኩናት ህዝቢ ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ሓደጋ ወዲቑ ምህላዉ ዘ-ጋርድያን ገሊጻ። ሉሲ ካሳ ካብ ዘ-ጋርድያን ትማሊ ኣብ ዘዉጽኣቶ ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ህዝቢ ብኣስገዳድ ይዕስከር ከም ዘሎን መንእሰያት ድማ ነቲ ግዱድ ዕስክርና ተቓዊሞም ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምኡ ዉን ናብ ኤርትራን ሱዳንን ይሃድሙ ምህላዎም'ያ ኣቃሊዓ። ሉሲ ካሳ ምስቶም ኣብ ክልላት ኣምሓራ ዑቕባ ሓቲቶም ዘለዉ መናእሰያት ኣብ ዝገበረቶ ቃለ ምልልስ፡ ህዝቢ ትግራይ ብኣስገዳድ ደቁ ናብ ሰራዊት ከዐስክርን ናብ ሰራዊት መግቢ ክሰድድ ይግደድ ምህላዉ ከም እተሓበረት'ያ ጽሒፋ ዘላ። ከም ዝፍለጥ ብዙሓት ትካላት ረዲአትን ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ዓለም ኣብ ትግራይ ከቢድ ጥሜትን ግዱድ ዕስክርናን ከም ዘሎ ክገልጻ ኒሐን እየን።

ህዝቢ ኣብ ከቢድ ናይ ጥሜት ሓደጋ ምህላዉ ዝሕብራ ትካላት ረዲኤት ዓለም፡ ህዝቢ ቕልጡፍ ርዳእታ ክረክብ እንተ ዘይኪኢሉ፡ ኣብ'ታ ክልል ከቢድ በሰላ ከኸትል ከም ዝኽእል'የን ዝገልጻ ዘለዋ። እዚ ከም'ዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ኩናት ክቕጽል ኣለዎ ዝብል ዕቡድ ኣተሓሳስባ ጃንዳ ማለሊት ንመንእሰያት ብፍሉይ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኣእትዩ ምህላዉ ካብ ምግላጽ ኣይተቖጠባን። ማለሊት ነቲ ዝጀመረቶ ኩናት በቲ ዝሓሰበቶ ክኸደላ ብዘይምኽኣሉ፡ ህዝቢ ትግራይ ብኣስገዳድ ናብ ካልእ ዕንወት ንምዉሳድ ክትቀራረብ ምጽንሓ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጲያን ንዓለም ከጠንቅቑ ጸኒሖም'ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ማለሊት ምስ ህዝቢ ኤርትራ ሕሳብ ክንወራረድ ኢና ብምባል ኣገዲዳ ናብ ኩናት ዘእተወቶም መንእሰያት፡ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተደምሰሱን ልዕሊ 2000 ድማ ናብ ሰራዊት ኤርትራ ኢዶም ከም ዝሃቡን ጸብጻብ ሓሊፉ'ዩ። ጃንዳ ማለሊት በቲ ዝወረዳ ስዕረት ተዳሂላ ንደንበ ሓበላን ማይ ባርያን ከተማ ሸራሮን ገዲፋ ከም ዝረጥረጠትን ተመሊሳ ንዓለም ተሃሪመ ብምባል ከተእምን ከም ዝሃቀነትን ይፍለጥ።

ንምሉእ ትሕዝቶ ናይ'ቲ ጽሑፍ ንምክትታል፦
https://www.theguardian.com/global-deve ... are_btn_tw