Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
sesame
Member+
Posts: 5895
Joined: 28 Feb 2013, 17:55

ትግራይ ከመይ ኣላ? Horror story about conditions in Tigray By a Resident of Mekele

Post by sesame » 21 Jun 2022, 19:24

Mezeker A. Zemo

ትግራይ ከመይ ኣላ?
ሓደ Broken Windows theory ዝብሃል ብናይ ምሁራት ገበን (Criminologists) James W. Wilsonን George Kellingን ዝብሃሉ ዝተፅሓፈ ቲኦሪ ኣሎ:: ዊልሰንን ኬሊንግን ገበን ኣብ ሓደ ዓዲ ዝበዝሕ እንተኾይኑ ኣብታ ዓዲ ስርዓት ኣልበኝነት(Anarchy) ኣሎ እዩ ይብሉ:: ሓንቲ ዝተሰበረት መስትያት ሃልያ ነታ መስትያት ብግዚኡ ዘይተዐርያ እንተኾይንካ በታ ስባር መስትያት ዝሓልፉ ሰባት ማንም ሰብ በታ ስባር መስትያት ኣይግደስን እዩ ማለት እዩ, ነታ ስባር መስትያት ዝቅይር ማንም ሰብ ኣብ ሓላፍነት የለን እዩ ኢሎም ይሓስቡ:: ፅንሕ ኢሎም ድማ ተወሰኽቲ መስታወታት ምስባር ይጅምሩ, ድሕሪኡ እቲ ስርዓት ኣልበኝነት ይነግስ'ሞ እታ መስታወት ካብታ ህንፃ ሓሊፋ ፅርጊያ ተሳጊራ ናብ ካልእ ህንፃ ትኸይድ:: ምኻዳ ጥራይ ከይኣክል ድማ ኩሉ ዓይነት ገበን እንተሰራሕካ'ዉን ምንም ማለት ከምዘይኮነ ዝብል ግንዛበ ኣብቲ ማሕበረሰብ ንኽተርፍ ይገብሩ::

ገበን ማለት ልክዕ ከም ፋሽን ተመሓላላፋይ (contagious) እዩ ኢሎም ይቅፅሉ እቶም ተመራመርቲ:: ብሓንቲ ስባር መስታወት ተጀሚራ ንኩሉ እቲ ህዝቢ ክትልክም ትኽእል እያ:: እቲ ሌባ ዝነበረ ሰሪቁ ምንም ከምዘይከዉን ዝርኣየ ማሕበረሰብ "ቧእ, እንታይ አእትዩኒ እዩ ድኣ ኣነ ሓቀኛ ኮይነ ሱኽ ዝብል" ኢሉ ናብ ስርቂ እዩ ዝኣትዉ:: ኣብ ሓደ ከተማ ቀለልቲ ዝብሃሉ ስርቂታት ሃልዮም ቁፅፅርን ኽትትልን ብእዋኑ እንተዘይተገይርሎም ድማ ብቀላሉ ናብ ከበድቲ ዝብሃሉ ገበናት እዮም ዝሰጋገሩ::

ሎሚ ኣብ ትግራይ ድማ ባዕላ እዚኣ እያ ዝትኸዉን ዘላ:: ኣናእሽተይ ስርቂታት ዝነበሩ ዋላ እንተኾኑ ብስዓቱ ቁፅፅር ብዘይምግባርና እቶም ገበናት እንዳኸፍኡ እዮም ዝኸዱ ዘለው:: ብቁፅሪ ኣናእሽተይ ዝነበሩ ገበነኛታት ሕጂ ኣሽሓት እዮም ኮይኖም ዘለው:: እታ ናይ መጀመርታ መስትያት ተሰይራ ብእዋኑ ብዘይምዕራይና ብዙሓት መስትያታት እንዳተሰበራ እየን ዝርከባ ኣብ ትግራይ ሎሚ:: ልሙዳት ስርቂታት ከምዘለው ኮይኖም ብዓይነቶም ፍሉያትን ሰሚዕናዮምን ርኢናዮምን ዘይንፈልጥ ግዳያት እንዳጋጠሙና እዮም ዝርከቡ ሕጂ::

*ካብ መቀለ ጀሚሩ ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ትግራይ መብራህቲ ጠፊኡ ይርአ ኣሎ ሎሚ ሎሚ:: ንምንታይ እዩ ዝጠፍእ ዘሎ ኢልካ ምስሓተትካ ዝትረኽቦ መልሲ ብጣዕሚ መደንገፂ እዩ:: ኣብተን ትራንስፎርመራት ዉሽጢ ዘሎ ናይ ሞተር ዘይቲ ይምጠጥ ኣሎ ኢኻ ዝትብሃል:: ናይ ሽዓብያ ስራሕ'ዶ ይኸዉን? ተጋሩ'ማ ከምዚ ኣይገብሩን ኣብ መገዛ ዓዶም ትብል'ሞ ግን ተጋሩ ኮይኖም ትረኽቦም:: እቲ ናይ ሞተር ዘይቲ ንማሂንድራታት ይጠቅም እዩ ለካ:: ዝተወሰኑ ሌያቡ ንኽጥቀሙ ህዝቢ ኣብ ፀልማት ይሓድር እዩ ዘሎ:: እቲ ህዝብና ብዕሊ ፈሊጡ ነተን ትራንስፎርመራቱ ብዕቱብ ክሕልየን ይግባእ:: መንግስቲ'ዉን እንተንኣሰ ነቲ ህዝቢ ከምዚ ይግበር ከምዘሎ ሓበሬታ ኽህቦ ይግባእ::

*ናይ ስሪንጋ(syringe) ኽዳን እንዳ ሽሻታት ንመስሐቢ ከም ፒፓ ይጥቀሙሉ ኣለው ትሰምዕ'ሞ ከመይ ገይሩ መፅአሎም እዚ ሓሳብ እዚ ኢሉ ይገርመካ:: ግን ድማ ምንም ዝገርመካ ነገር የለን ሎሚ:: ኣብዚ ዕፅዋን ኽባን 29 ፋርማሲታት ኣብ መቀለ ከምዝተኸፈታ ትፈልጡ'ዶ? ካበይ መፂኡ እቲ መድሓኒት? መን'ከ እዮም እቶም ብዓል ዋናታት? እንድዒ, እሱ መንግስቲ ይንገረኩም:: ድፍረቶም ግን ብጣዕሚ እዩ ዝገርም:: ኣብ ማእኸል ከተማ በዘይ ምንም ዓይነት ፍቃድ ኮስተር ኢልካ, ህዝቢ ይዕዘበኒ እዩ ከይተብሃለ ተኸፊቶም እዮም ዘለው:: ፍቃድ የብልኩምን ብዝብል ምኽንያት ተዓፅዬም ፅንሕ ኢሎም ግን ምኽንያቱ ብዘይፍለጥ ምኽንያት ዳርጋ ኩሎም ተኸፊቶም እዮም ዘለው::ብኻልእ ገፅ ድማ ሆስፒታል ዓይደር "ስኣን ናዉትን, መድሓኒትን ነዳዲን" ተዓፅዩ እዩ ትብሃል:: እዚ ፈፂሙ ተቀባልነት ዘይብሉ ምኽንያት እዩ:: ናይ ስርቂ መድሓኒት ንከተማ መቀለ ዓብሊልዋ እንዳሃለወስ ዓይደር መድሓኒት የብሉን ኽብሃል? እቲ ነዳዲ ሕፅረት ዝተብሃለ'ኸ ትኽክል ድዩ? ናይ ሓለፍቲ መኪና ወይ ገዛ ኣይብለኩምን እየ ኣብዚ:: ናይ እማን ሕፅረት ኣሎ እንተተብሃለ'ኳ ናብ ህዝቢ, ናብ ብዓል ሃፍቲታት ፃዉዒት ሓገዝ ኣይተቅርብን ዲኻ ቅድሚ እታ ናይ ትግራይ ዝዓበየት ሆስፒታል ዝትዓፅዋ? ኩሉ ኣማራፂኻ exhaust ኣይትገብርን ዲኻ ናብ ከምዚ ዝበለ ዓብዪ ዉሳነ ቅድሚ ምብፃሕኻ? ኩሉ እቲ ህዝቢ ደስ ኢልዎ መዋፅአ'ኮ ዓይደር ንኸይዕፆ:: Please, ዓይደር ምስ ኩሉ ሰርቪሳቱ ናብ ስራሕ ብህፁፅ መልስዎ::

እቲ ምዓልቲ ምዓልቲ ብኣዉሮፕላን ዝመፅእ ዘሎ መድሓኒት ይስረቅ ኣሎ ዝብል ዘረባ ድማ ብሰፊሑ ኣብቲ ህዝቢ ተናፊሱ እዩ ዝርከብ:: ኣነ ናብቲ መድሓኒት ዝርከበሉ ቦታ ከይደን ዝምልከቶም ሰባት ኣዘራሪበን ከምዘረጋገፅክዎ እዚ ዘረባ ፈፂሙ ጌጋ እዩ:: እቲ ብእርዳታ ዝመፅእ ዘሎ መድሓኒት ሓያል ዝብሃል ቁፅፅር ኣለዎ እዩ:: እቲ ህዝቢ ናብ ከምዚታት ዓይነት ዘረባታት ምኻዱ ግን ኣይፈርደሉን እየ:: ምዓልቲ ምዓልቲ ዝመፅእ ዘሎ መድሓኒት እንታይ ከምዝኾነ, ናበይ ከምዝኸይድ ዘሎ መንግስቲ በቢእዋኑ ኣይነገሮን እዩ:: ኣብ ፀበባን ችግርን ስለዘሎ ድማ ናብ ከምዚ ዓይነት ዘረባታት እዩ ዝኸይድ:: Please, ዝምልከቶ መስርያ ቤት በቢእዋኑ እንዳወፅአ ነቲ ህዝቢ እንታይ እንዳመፅአ ከምዝኾነ, ናበይ ይኸይድ ከምዘሎ ከፍልጥ ኣለዎ::

*ግራም እንዳጭበርበሩ ካብ ናይ ሰራዊት ቀለብ ፊኖ እንዳዉፅኡ ዝሸጡ ሰባት ኣለው ትሰምዕ'ሞ ትድንግፅ:: ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ዕፅዋን ኽባን ልዕሊ 20 እንዳ ባኒ ተኸፊተን ትርእይ:: መን እዮም እዞም ሰባት ከምዚ ዝገብሩ ዘለው ትብል'ሞ ግን እሱ መንግስቲ መን ሙኻኖም ባዕሉ ይንገረኩም:: ነገሩ ግን ብጣዕሚ መሰከፊ እዩ::

ናይ ባኒ ካብ ተዛረብኩ ግን ካልእ ዝገረመኒ ነገር ኣሎ ኣብዚ:: ዋጋ ባኒ ካብ 3 ቅርሺ ናብ 6 ቅርሺ እንትድይብ, ፎኖ ካብ 4,200 ብር ናብ 12,000 ብር እንትድይብ ወፂኡ ዝሓትት ሰብ የለን አብ ትግራይ:: ኣነ ምስ ናይ ሱዳን እየ ዘነፃፅሮ ኣብዚ:: ቤንዚን 50 ሳንቲም ወሲኻ ኢሉ, ባኒ ሳናቲም ወሲኻ ኢሉ ንመሰሉ ዝሓትት, ሰልፊ ዝወፅእ ካብኡ ሓሊፉ'ዉን ናዕቢ እዩ ዘልዕል:: ኣብ ዓድና ሰልፊ ይወፃእ ወይ ናዕቢ ይለዓል ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ, እሱ ንማንም ኣይጠቅምን:: ግን ድማ ንምንታይ እዩ ንመሰሉ ዝቃለስ ሰብ ኮነ ሲቪክ ማሕበር ኮነ ፖለቲካዊ ዉድብ ዘየለ? ንምንታይ እዩ ኣብ ዉሽጢ ሓደ ሰሙን ዋጋ ናህሪ ዳርጋ ብ200% ዝወሰኸ? እዚ ሕቶ እዚ ምሕታት'ኮ ኣግባብነት ኣለዎ እዩ, legitimate ዝኾነ ጥያቄ እዩ:: ፊኖ ተሳኢኑ ድዩ ዝወሰኸ ወይስ ካልእ ሓድሽ ነገር ስለዘጋጠመ እዩ ኣብ ሞንጎ?

ኣቅርቦት ስለዝተስኣነ ኣይኮነን ከምዚ ዓይነት hyperinflation ብሓደ ግዜ ዝመፅአ:: ኣብ ሞንጎ ዝወፅአ ሓድሽ ናይ ፋይናንስ መምርሒ እዩ ከምዚ ዋጋ ንክቁለል ዝገበሮ:: እኹል ምኽክር, ፅቡቅ መፅናዕቲ ዘይተገበረሉ መምርሒ ናብ ህዝቢ ስለዝወረደ እዩ ከምዚ ዝኾነ:: ብጌጋ ዝኾኑ መምርሒታትን ፖሊሲታትን ብዙሕ ሰብ ክሃልቅ ከምዝኽእል ብናይ 50ታት ቻይና(Great Leap Forward) ክንምሃር ይግባእ:: Please, እዚ መምርሒ እዚ ምዉፅኡ ዕላምኡ ዋላ ትኽክል እንተኾነ ምንም ግን ኣብ መሬት ክሰርሕ ኣይክኣለን, የግዳስ ነገራት የጋድዶ እዩ ዘሎ:: ብኻልእ ዝሓሸ መምርሒ እስካብ ዝትካእ እተን ዝሰርሓ ዘለዋ ኣካላት እቲ መምርሒ ኣትሪፍካ(ባንክ ትራንስፈር) እቲ መምርሒ እንተዝስሓብ ይሓይሽ:: (ኣብ ቀፃሊ ካብ ዝምልከቶም ሰባት, ነጋዶን ኢኮኖሚስታትን ንምንታይ እዚ መምርሒ ከምዘይተሳኽዐሉ ስፍሕ ዝበለ መብራርሂ ሒዘ ክመፅእ እየ)

*እቲ ዝኣትዉ ዘሎ ናይ እኽሊ እርዳታ ንባዕሎም ይገብርዎ ኣለው,ናብ TDF እዩ ዝኸይድ ዘሎ, ወ.ዘ.ተ ዝብሉ ዘረባታት ብተደጋጋሚ ካብ ናይ ፀላእቲ ሚድያታት ኮነ ኣክቲቪስታት ንሰምዕ ኣለና:: ንምንታይ ከምኡ ምባል ከምዝተደለየ ኩላትና ዝርድአና ይመስለኒ:: ነቲ ናይ እርዳታ ከይዲ ንምትዕንቃፍ ኮነ ኢሉ ዝዝረብ ዘረባ ከምዝኾነ ኩላትና ክርድአና ይግባእ:: መንግስቲ ኣብዚ ሕዚ ስዓት እተን ዝኣትዋ ዘለዋ እርዳታት ናብ ኩሉ እቲ ህዝቢ ንኸባፅሕ ይረባረብ እዩ ዘሎ:: ይረባረብ እዩ ዘሎ እንተበልኩ ዋላ ግን ጌጋታት የለዉን እዮም ማለተይ ኣይኮነን:: ብዙሓት ጌጋታት እዮም ዘለው::

እርዳታ ዝከፋፈል ዘሎ ኣብ ቀበሌታትን ጣብያታትን ብ"ልምዓት ጉጅለ" ዝብሃል ኣወዳድባ እዩ:: ኣብ ብርክት ዝበላ ኸባቢታት እዘን ልምዓት ጉጅለታት ነቲ ህዝቢ ብባልዕን ብቂምን ነቲ ህዝቢ እንዳረበሽኦ እየን ዘለዋ:: ኣብ ብርክት ዝብላ ኸባቢታት እቲ ህዝቢ መጋበሪያ እዘን ኣወዳድባታት እዩ ኮይኑ ዘሎ:: እቲ ቂም ሓዘል ተፃብኦታት ከይኣክል ድማ ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ናይ ስንፈት ብዝመስል መልክዑ እርዳታ ብዕፃ ይኸዉን እዩ ዘሎ, ነኒባዕልኩም ተመያይጥኩም ኣዝዩ ዝፀገሞ ሰብ ባዕልኩም ሕረዩ እንዳተብሃለ ሰብ ነኒባዕሉ ክባላዕ እዩ ዝግበር ዘሎ:: ንምንታይ እዩ ሰብ ፀጊምዎ እንዳሃለወ ናብ ከምዚታት ዝዳረግ ዘሎ?

እተን ልምዓት ጉጅለታት ይፍረሳ ገለ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ ኣብዚ:: ከምኡ እንተገይርካ ዘየለ ኽፍተት ኢኻ ዝትፈጥር:: መንግስቲ ማለት ካብ ቀበሌ/ጣቢያ እዩ ዝጅምር:: ህዝቢ ኣብተን ልምዓት ጉጅለታት እምነት ስኢኑ ኣሎ ማለት ግን ብተዘዋዋሪ ኣብ መንግስቲ'ዉን ይስእን እዩ ዘሎ ማለት እዩ:: ምዓት ጡረተኛታት, መማህራን ከም ቮለንቲር ገይርካ ወዲብካ ነተን ልምዓት ጉጅለታት ክሕግዝወን ግን ይኽእሉ እዮም:: እርዳታ ብግምት ወይ ብዕፃ እንተይኮነስ ዳታ ሒዝካ ሳይንሳዊ ብዝኾነ መልክዑ እዩ ክከፋፈል ዘለዎ::

*ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዝነበረ ናይ ጨዉ ሕፅረት ንኸቃልሉ ብፌዴራሊስት ሓይሊ ዓፋር, ብቢሮ ንግዲን ኢንደስትሪን ክልል ትግራይ ምስ ዓበይቲ ዓዲ በራሕለ ዝርርብ ተገይርሎም ጨዉ ንኸምፅኡ ፍቃድ ዝተዉሃቦም ነጋዶ ነይሮም:: እታ ፍቃድ እንተትርእትዋ "ዕዳጋ ንኸረጋግዑ" እያ ዝትብል:: እቶም ነናዶ ከይዶም ዝሰርሕዎ ስራሕ ግን ብጣዕሚ መሕፈሪ እዩ:: ናብ ዓፋር ከይዶም በታ ስምምዕነት መሰረት ጨዉ ዓዲጎም ዘምፅኡ ዋላ እንተሃለው ሓደሓዲኦም ግና ናብ ዘረፋን ስርቂን እዮም ከይዶም:: ናይ ተጋሩ ፋብሪካታት ከይተረፉ እዮም ተዘሪፎም:: እዞም ነጋዶ ህዝቢ ዓፋር ከቢድ ዝብሃል ፅልኢት ኣባና ንኽሓድር ገይሮም እዮም:: ጨዉ ንህዝቢ ዓፋር ዘለዎ ትርጉም እንተትፈልጥዎ ድማ ሓቆም ንኽትብል እዩ ዝገብረካ::

እቶም ነጋዶ ንህዝቢ ዓፋር ጥራይ ኣይኮነን ዝዘረፍዎ:: ኣብ ከተማ ዝነብር ሰብ ጨዉ ካብ ምግብነት ብዝዘለለ ንካልእ ነገር ኣይጥቀመሉን እዩ:: ጨዉ ማለት ዓብዪ ትርጉም እዩ ዘለዎ:: ካብ ቁርሲ ቡና ናብ ከብቲ እንትሓምማ ምስ ማይ በፅቢፅካ ንመድሓኒትነት እዮም ዝጥቀሙሉ ገባራት ትግራይ:: "ዕዳጋ ንኸረጋግዑ" ተባሂሉ ፍቃድ ዝተዉሃቦም ነጋዶ 7 ቅርሺ ዝትሽየጥ ጨዉ ቀጥታ ናብ 150-180 ብር እዮም ኣደይቦሞ:: ገዚኦሞ, ኸቢርዎም ከይብሃል ድማ ሰሪቆም ዘምፅእዎ ጨዉ እዩ:: 150-180 ብር ዝሸጥዎ ጨዉ ካብ ሕድሕድ ገባር ትግራይ ከምዝሰረቁ እዩ ክቁፀር ዘለዎ:: ናይ መንግስቲ ከምዚ ኽግበር እንተሎ ሱኽ ምባሉ ግን ኣዝዩ መሰከፊን መተዓዛዛቢን ኮይኑ እዩ ሓሊፉ:: ኣብ ሓደሓደ ኬዛት'ማ ኣርሚ እዚ ናይ ስርቂ እዩ ኢሉ ዝሓዘን መኻይን ሓለፍቲ መንግስቲ ከይተረፉ እንዳኸዱ ነተን መኻይን ኸፍትሑ እንተለው ተዓዚብና ኢና::

ናይቲ ጨዉ ከይኣክል ድማ እቶም ነጋዶ ቀሊል ዘይብሃል ዱብ ዕዳ ኣዉሪዶምልና እዮም ተመሊሶም:: ብብዙሓት ናይ ወፃኢ ሚድያታት (VOA, DW, Reuters, etc) TDF ናይ UNHCR ካምፕ ኣብ ዓፋር ዘሪፉ ዝብል ዜና ርኢና ኣለና:: TDF ኣብ ዘይዉዓለሉ ክዉቀስ ርኢና ኣለና:: TDF ሌባ ኣይኮነን:: ልክዕ ከም ናይ ኬንያ ኮነ ቻይና ኮነ ኣሜሪካ ወታደራት ኣብ ዉሽጢ TDF ተሰግሲጎም ዝርብሹ ኣካላት ክህልው ይኽእሉ እዮም:: ንዕኦም ንምፅራይ ዘኽእል መስርሕ ግን ኣለዎ እዩ TDF:: ስርሑ'ዉን እንዳሰርሐ እዩ TDF:: ኣነ ዝብሎ ዘለኹ እቶም እግሪ እግሪ ሰራዊት እንዳተኸተሉ ዝሰርቁን ዝዘርፉን ዘለዉ ነጋዶ እየ:: ዝተወሰኑ ነጋዶ ናብቲ ናይ UNHCR ካምፕ ኣትዮም እዮም ፓስታ, ሽኮር, ሩዝ, ሳሙና, ሞዴስ, ወዘተ ሰሪቆም ዘፅርፉና ዘለዉ:: መን ብዝተጋደለሎም, መን ብዝተሰወአሎም እዮም እዚኦም እንዳሰረቁ ዘፅርፉና ዘለው ብዓለም:: እንታይ ዝገበረ TDF እዩ ዝፅረፍ? እንታይ ዝገበረ መንግስቲን ህዝቢን እዩ ዝፅረፍ, ብህዝቢ ዓፋር ዝፅላእ?

ርክብ ህዝቢ ዓፋርን ትግራይን ናብ ኖርማል ክምለስ ኣለዎ:: መንግስቲ ትግራይ እታ ዝቀደመት ስራሕ ዕርቂ ባዕሉ ኽጅምራ ኣለዎ:: መንግስትና ነቶም እንዳሰረቁን እንዳዘረፉን ዝመፅኡ ሌያቡ ነጋዶ ዘየዳግግ መቅፃዕቲ ክህቦም ኣለው:: ህዝቢ ዓፋር'ዉን ነቶም ሌያቡ ዝግብኦም መቅፃዕቲ ከምዝሃብናዮም ብዕሊ ክፈልጥ ኣለዎ:: እቶም "ዕደጋ ንኸረጋግዑ" ተባሂሎም ብኣንፃሩ ህዝብና ዘበሳበስዎ ነጋዶ'ዉን መንግስቲ ጀሚርዎ ዘሎ እቲ ጨዉ ናይ ምዉራስ ስራሕ ኣዝዩ ዝንኣድ እዩ, እኹል ግን ኣይኮነን:: ሓለፍትና'ዉን responsible እንዳኾንኩም, ምስ መን ቀሪብኩም ከምዘለኹም እንዳፈለጥኩም:: ብጥቅሚ ዝተኣሳሰርኩም እንተኾይንኩም ግን ስሓንዋ, እታ ሓበሬታ ወፂኣ ኣላ ሕጂ::

*እቲ ብጣዕሚ መሰከፊ ኮይኑ ዘሎ ፀገም ናይ ፍትሒ ጉዳይ እዩ ኮይኑ ዘሎ:: ዓዲ ሙሉእ ኽትራንን ሃንግን እያ ኮይና ዘላ:: ዜጋታት ብሰላም ወፂኦም ብሰላም ናብ ገዝኦም ዝምለስሉ ዕድል እንዳፀበበ እዩ ዝኸይድ ዘሎ:: ገፆም ብኮብልስቶን ዝተፈግዑ, ብኻራ ዝተወግኡን ወረታት ሞትን ከም ልሙድ ምቁፃር ጀሚርና ኣለና:: ከም ገለ ኢሎም ናይ ፀጥታ ኣካላት ዝሓዝዎም ሌያቡ ንእሽተይ ፅንሕ ኢሎም ተፈቲሖም ኣብ ፅርጊያ ኢኻ ዝትረኽቦም:: ንምንታይ እዮም ዝፍትሑ ዘለው ኢልካ ምስሓተትካ ዝትረኽቦ መልሲ ብጉቦን ብዘይፍለጥ ምኽንያትን ኢኻ ዝትብሃል:: ከም ኣብቲ ናይ ፀጥታ ኣካል ዝሰርሑ ሰባት እንተኾይኑ ልዕሊ 840 ብሃንግን ኽትራንን ብዕጥቂ ዝተደገፉ ስርቂታት ብዝብል ምኽንያት ከይተረፈ ተታሒዞም ተፈቲሖም እዮም:: መን እዩ ዝዉቀስ ኣብዚ? ብርግፅ ብዉሳነ ካቢኔ ኣብ ቀለልቲ ስርቂታት ዝተሳተፉ ዝተፈትሑ ሰባት ከምዘለው'ዉን ትሰምዕ ኢኻ:: ብቀሊል ኮነ ብኸቢድ ገበናት ተኸሲሶም ብምፍትሖም ዘምፅኦ ሳዕቤን ብዓይንና ግን ንርእዮ ኢና ዘለና ኣብ መሬት:: ሰሪቆም ምንም ከምዘይኾኑ, ወዲያዉ ከምዝፍትሑ ምስተፈለጠ ሓደሽቲ ቆልዑ ናብቲ ናይ ሌብነት ፊልድ ተፀንቢሮም እዮም ዘለው:: ንዕኡ እዩ'ዉን ተጋዲዱ ዘሎ:: ኣብዚ ናይ ኢኮኖሚ ጉዳይ'ዉን ዘሎ እዩ ዝመስል:: ሓደ ዓርከይ ክኸስስ ናብ ጣቢያ ከይዱ ዝረኸቦ መልሲ ብጣዕሚ ዝገርም እዩ:: " ምእሳርስ ክንኣስረልካ ኢና ግን ክትቅልቦ ዲኻ?" እዩ ዝተብሃለ:: እምቧእ! ተበዲልካስ ኣጋር ኽተመላልስ🤦🏽‍♂️

ቅድሚ ሕጂ ሰሚዕናዮም ዘይንፈልጥ ዘረባታት ከም እስርቤት ፍሒሮም ወፂኦም(ሓወልቲ ክ/ከተማ 21 ሰባት), ካብ እስር ቤት ኣምሊጦም(ቀዳማይ ወያነ 3 ሰባት) ዝብሉ ዘረባታት እንዳተደጋገሙ እዮም ዘለው:: ከም ናይ ፀጥታ ኣካላት ጉቦ እንዳሃብካ ሰብ ምእሳር, ሰብ ምፍታሕ ኣብ ትግራይ ምርኣይ ዘሰክፈካ ነገር የለን:: ኣብ ልዕሊኡ ድማ ከየፃረኻ ምእሳር ዝብሃል ነገር ኣሎ እዩ:: ዓበይቲ ንመኸተ ሚልየናት ኣስተዋፅኦ ዝገበሩ ሃፋትም ኸይተረፉ ብዘይተፃረየ ምርመራ ብስርቂ ተኸሲሶም ተኣሲሮም ብቤት ፍርዲ ነፃ ኽብሃሉ እንተለው ርኢና ኣለና ሎሚ ቅነ:: ንህይወታ ኸይሰስዐት በርኻ እንዳመፅአት ንሰራዊትና እኽልን ብዙሕ ናይ ሎጂስትክስ ሓገዛትን ሒዛ ዝትመፅእ ዝነበረት ቆልዓ ወርሒ ሙሉእ በዘይ ምንም ዓይነት ኽሲ ኣብ ማእሰርቲ ወርሒ ሙሉእ እንዳበስበሰት ንርእይ ኢና ዘለና ሎሚ ቅነ::

መንግስቲ ትግራይ ኣብቲ ናይ ፍትሒ ስራሕቱ ብጣዕሚ ጠንኪሩ ክሰርሕ ኣለዎ:: ኣሲርካ ምፍታሕ, ከየፃረኻ ምእሳር ዝብሃሉ ነገራት ኣብ ትግራይ ፈፂምና ኽንርእይ የብልናን::

*ብዛዕባ ተጓሕጊሑ ብዕዳጋ ሓሙስ ገፅ ናብ ዓፋር ዝወፅእ ዘሎ ወርቂ, ብዛዕባ እንዳተበራኸተ ዝመፅእ ዘሎ ናብ ቆቦን ሰመራን ዘሎ ስደት ሰብ, ብዛዕባ እስካብ ሕጂ ቁፅፅር ዘይተገበረሉ ናይ ሓረፃ ፀገም, ብዛዕባ ኣብቲ ዕዳጋ ዝርአይ ዘሎ ናይ ምኽዛን ባህርይ, ብዛዕባ ድሓረ ፀገም ከስዕብ ዝኽእል ኣብ ገዛ ዉሽጢ ካብ ሩዝ ዝስራሕ ዘሎ ጂን, ብዛዕባ ኣብ ኬላታት ዘሎ ስድነት, ብዛዕባ ናይ መሬት ወረራታት... ብዛዕባ ብዙሕ ነገራት ክዛረብ ይኽእል እየ:: እቲ ናይ ገበናት ምብርኻት ግን ከም ተራ ገበናት እንተይኮነስ ከምቶም ተመራመርቲ ገበን ዝበልዎ ብዓይኒ ኣናርኪ እየ ዝርእዮ:: ኩሉ እቲ ምስሊ ከም ሓደ ገይርካ እንትርእዮ ናብ ኣናርኪ ገፅ እዩ ዘምርሕ::

እቲ ዝዓበየ ምልክት ኣናርኪ ግን ካብ መንግስቲ ገፅ ብዝወፅኡ ዘለው ሕጊታትን መምርሒታትን እዩ ዝምስከር:: ብተደጋጋሚ ብመንግስቲ ትግራይ ዝወፅኡ ዘለው ሕጊታትን ኣብ ኣፈፃፅማ ዘለው ግድፈታትን ኣብቲ ስርዓት ኣልበኝነት ናይ ባዕሎም ግደ ኣለዎም እዩ:: እቲ ናይ ፋይናንስ ሕጊ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘርፊታት ዝወፅኡ ዘለው ሕግታት ንምግላፆም'ዉን መሰከፍቲ እዮም:: 10 ንዘይመልኣ ነዳዲ ማዲያታት ዘለወን ነዳዲ ምቁፅፃር ምስኣበየካ 6,000-7,000 መኻይን ጠጠዉ ይበላ ዝብል ትእዛዝ መንገዲ ትራንስፖርት ከዉፅእ እንተሎ ምርኣይ መሰከፊ ነገር የለን:: ኣብ 4 ወርሒ ዉሽጢ 4 ግዜ ሕገ ደንቢ ትግራይ ምቅያር'ኸ እንታይ እዩ ክብሃሎ? በቲ ናይ መጀመርታ ሕገ ደንቢ ተኣሲርካ ነይርካ እታ 4ይቲ ምስወፅአት ኣብ እስር ቤት ዲኻ ኣብ ገዛኻ ኢኻ ዘለኻ? ሰፊሕ ዝብሃል ዘይምንባብ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝወረደ'ዉን እዩ ዝመስል:: ክ/ከተማ ቀዳማይ ወያነ ትልዕል ኢሉ ስዓት ሕላፊ 6 ስዓት እዩ እንትብለካ ክ/ከተማ ሓድነት ድማ 4 ስዓት ይብለካ:: ፅንሕ ኢሎም ድማ ካበይ ከምዘምፅእዎ ኣምሓርኛ ደርፊ, ናይ ፍቅሪ ደርፊ ኣይተደርፍ ኢሎም ይእዝዙ:: ኣብ ኣፈፃፀም ግን ዜሮ:: እቲ ስዓት ሕላፊ'ዉን ሰብ ንዒቅዎ, እቲ ደርፊ'ዉን እቲ ሰብ ከም ልቡ እዩ:: ዝዉር ኢሎም መፂኦም ድማ እተን ናይ ስዓት ሕላፍን ናይ ደርፊን ሓዲግናዮ ኢና ይብሉ::

ሕግታትካ ኣብ ሓፂር ግዜያት ብተደጋጋሚ ትቀያይሮም እንተኾይንካ, ሴንስ ዘይህቡ መምርሒታት ተዉርድ እንተኾይንካ, ከመይ ገይሩ እዩ እቲ ሰብ ኣብቲ ቀፃሊ ዝተዉፅኦ ሕጊ ኽሰምዐካ? መንግስቲ ትግራይ, PLEASE, ብፍላይ ኣብቲ ናይ ፍትሒን ናይ ፋይናንስን ሕግታትን መምርሒታትን ኣቀራርፃ ሰብ ሕወሱ, inclusive ግበርዎ:: ንዓዱ ንኽሰርሕ ዝደሊ ምዓት ምሁር እዩ ዘሎ:: ናይ ግድን ኣብቲ ሲስተም ዝፀንሐን ካድረን ክኸዉን የብሉን::

*እዚ ኩሉ ክፅሕፍ እንተለኹ ግን ኣብ ትግራይ ኩሉ ፀልማት እዩ ወይ ድማ ተስፋ የለን ንምባል ኣይኮነን:: ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝተዛረብዎ ዘረባ ነቶም ሕማቅ ዝሰርሑ ዘለው ነጋዶ ድሓረ ክንኣርዮም ኢና ምባሎም ትኽክልን ክድገፍ ዘለዎ ሓሳብን እዩ:: ወለዲ ይእሰሩ ኣለው ተባሂሉ ምስወፅአ መንግስቲ ትግራይ ዝተኸተሎ መንገዲ ኣዝዩ ዝንኣድ እዩ:: ኣይገበርናን ወይ ድማ ሓሶት እዩ ኢሎም ናይ arrogance መንገዲ ዘይምምራፆም ዘደንቅ እዩ:: ጌታቸዉ ረዳ ወፂኡ ከም ዝተዛረቦ ድማ ስጉምቲታት ይዉሰድ ኣሎ እዩ:: ኣብ ሓደሓደ ኸባቢታት ድማ ናብቲ ህዝቢ ወሪዶም ይቅርታ ዝሓተቱ ኣመራርሓ ኣለው እዮም:: እቲ ኣይትሕመዩና, ኣይተፀልሙና ዝብል ፀረ-ዲሞክራሲ ዝኾነ ሕጊ'ዉን ሰባት ዓዉ ኢሎም ምስተዛረቡ መንግስቲ ትግራይ ነቲ ሕጊ ኣልዒልዎ እዩ:: ሚድያታትና ፀገማት ህዝቢ ምትሕልላፍ ጀሚረን ኣለዋ:: መንግስቲ ትግራይ ናብቲ ህዝቢ ወሪዱ'ዉን ምይይጣት የካይድ እዩ ዘሎ:: ልዕሊ ኩሉ ግን ህዝቢ ብጣዕሚ ተስፋ ዝገበረሉ ፖሊስ ትግራይ ዝብሃል ኣካል ተፈጢሩ ኣሎ::

ብወገነይ, ኣብዚ ወፂእኻ ምፅሓፍ ኣብ መሬት መፍትሒ ከምዝትረክብ ይርእዮ እየ ዘለኹ:: ፀገማት ህዝቢ ኣቃሊዕኻ መፍትሒ ከም ምርካብ ደስ ዝብል ነገር የለን:: መንግስቲ ትግራይ እተን ስባራት መስትያታት ብህፁፅ ከዐርየን ኣለዎ:: ኣብ መኸተ ኢና ዘለና እንዳተብሃለ ናብ ካልኦት ሓደሽቲ ጌጋታት, ገበናትን ሓደሽቲ ሌባታትን እዮም ዝወስዱና ዘለው::ስርዓት ዝፈርስ ብዉሽጢ ዘለው ፀገማትካ እዩ:: እተን ፀገማት ድማ ኩሉ ምስፈለጠን እየን ዝፍትሓ::

መንግስቲ ትግራይ, PLEASE, ካብ ኣናርኪ ኣዉፅአና, ስጉምቲታት ዉሰድ::


https://www.facebook.com/permalink.php? ... 9018173506

sesame
Member+
Posts: 5895
Joined: 28 Feb 2013, 17:55

Re: ትግራይ ከመይ ኣላ? Horror story about conditions in Tigray By a Resident of Mekele

Post by sesame » 21 Jun 2022, 19:50

*እቲ ብጣዕሚ መሰከፊ ኮይኑ ዘሎ ፀገም ናይ ፍትሒ ጉዳይ እዩ ኮይኑ ዘሎ:: ዓዲ ሙሉእ ኽትራንን ሃንግን እያ ኮይና ዘላ:: ዜጋታት ብሰላም ወፂኦም ብሰላም ናብ ገዝኦም ዝምለስሉ ዕድል እንዳፀበበ እዩ ዝኸይድ ዘሎ:: ገፆም ብኮብልስቶን ዝተፈግዑ, ብኻራ ዝተወግኡን ወረታት ሞትን ከም ልሙድ ምቁፃር ጀሚርና ኣለና::


The most concerning problem is the issue of justice. The whole country (Tigray) has become a land of gangs (hang) and muggings. The probability of going out and returning safely to one's home is dwindling. Hearing about people whose face has been smashed by cobble and stabbed is becoming the norm.
Last edited by sesame on 22 Jun 2022, 06:44, edited 1 time in total.

sesame
Member+
Posts: 5895
Joined: 28 Feb 2013, 17:55

Re: ትግራይ ከመይ ኣላ? Horror story about conditions in Tigray By a Resident of Mekele

Post by sesame » 22 Jun 2022, 02:37

ሎሚ ኣብ ትግራይ ድማ ባዕላ እዚኣ እያ ዝትኸዉን ዘላ:: ኣናእሽተይ ስርቂታት ዝነበሩ ዋላ እንተኾኑ ብስዓቱ ቁፅፅር ብዘይምግባርና እቶም ገበናት እንዳኸፍኡ እዮም ዝኸዱ ዘለው:: ብቁፅሪ ኣናእሽተይ ዝነበሩ ገበነኛታት ሕጂ ኣሽሓት እዮም ኮይኖም ዘለው:: እታ ናይ መጀመርታ መስትያት ተሰይራ ብእዋኑ ብዘይምዕራይና ብዙሓት መስትያታት እንዳተሰበራ እየን ዝርከባ ኣብ ትግራይ ሎሚ:: ልሙዳት ስርቂታት ከምዘለው ኮይኖም ብዓይነቶም ፍሉያትን ሰሚዕናዮምን ርኢናዮምን ዘይንፈልጥ ግዳያት እንዳጋጠሙና እዮም ዝርከቡ ሕጂ::

This is what is happening in Tigray today. Because petty theft was not dealt with, the crimes are now becoming serious. The small number of crimes have increased to thousands. The ordinary kind of theft being there, we are now witnessing novel varieties.

When you teach your child that it is OK to steal from the neighours, don't be surprised when he/she turns his skills on you when he can't victimize the neighbours. The entire Tigrayan society is based on theft and looting. Instead of teaching their young generation the virtue of self-reliance and making it on your own by honest sweat, the TPLF thugs brought up their kids to believe that theft is honorable. They grew up witnessing the TPLF thugs become millionaires by robbing Ethiopia. Once that opportunity was closed, Agames had only one option, to exercise their thieving skills on one another. It will be impossible now to return the genie back in the bottle.

Weyane.is.dead
Member+
Posts: 6796
Joined: 19 Oct 2017, 11:19

Re: ትግራይ ከመይ ኣላ? Horror story about conditions in Tigray By a Resident of Mekele

Post by Weyane.is.dead » 22 Jun 2022, 13:19

Sometimes I wonder if there's any one with some common sense left in tigray. The root of all the misery in Tigray is tplf vermin. Why blame everyone else but the elephant in the room :P

Post Reply