``````````````````````````````````````````````
ሉዓላዊነት ህዝቢ ንወረርቲ ኣሕሊፉ ዝሃበ ኣመራርሓ ህግደፍ ብዛዕባ ነፃነት ኤርትራ ንክዛረብ ፖለቲካዊ፣ ሕጋዊ ተቐባልነትን ሞራላዊ ስብእናን የብሉን !!
ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ኣብ ውሽጥን ወፃእን እትነብር ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ተጋድሎ 30 ዓመታት ብኩሉ መዳያዊ ቃልስካን ብ10ታት ኣሽሓት ክቡር መስዋእትነት ሙሩፃት ተጋደልትን ሃርበኛታትን ደቅኻ፣ መስፍናዊ ስርዓት ሃ/ስላሴን ፋሽሽታዊ ወታደራዊ ኣገዛዝኣ ቀዳማይ ደርግን ንሓንሳብን ንሓዋሩን ደምሲስካ፣ ቅድሚ 31 ዓመታት ኣረጋጊፅካዮ ንዝነበርካ መዓልቲ ነፃነት ኤርትራ እንዃዕ ኣብፀሐካ! ዝብል መልእክቲ ዮሃና፣ መንግስቲ ትግራይ ብስም ህዝቢ ትግራይ እንተምሓላልፈልካ፣ ህዝቢ፣ ሰራዊትን መንግስትን ትግራይ ኣብ ነፃነትን ሉዓላዊነትን ህዝቢ ኤርትራ፣ ነቕ ዘይብል ፅኑዕ ህዝባዊ መስመሮምን ንፃት ዘይሸራረፍን ቅዋሞም ደጊሞም ብምርግጋፅ እዩ፡፡
በዚ ኣጋጣሚ ኣስታት ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራት “ፖለቲካዊ ሕፅቦ ” ዝብል እከይ ጭርሖ ተሓንጊጡን ካብ ሚሒር ሑዱር ፅሊኢቱ ተበጊሱን ኣብ ጠላዕ ፀሓይ ሕንኽ ከይበለ ኣብ ኣደባባይ ቅሉዕ ወራር ኣዊጁ ጀምላዊ ጨፍጫፍ ዝጀመረ ኣረምኔ ኣመራርሓ መንግስቲ ህግደፍ፣ ምስ ደመኛ ታሪኻዊ ፀላእቲ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ዝኾኑ ተስፋሕፋሕቲ ሊሂቃን ሓይልታት ትምክሕቲ ኣምሓራ ዘይተቐደሰን፣ መትከል ኣልቦ ምሕዝነት ሰይጣናዊ ጥፍኣት ግንባር ፈጢሩ፣ ናይ ቀረባን ሩሑቑን ኩለመዳያዊ ሓገዝን ተኣማሚኑ፣ ትግራይ ካብ ካርታ ዓለም፣ ንህዝቢ ትግራይ ድማ ካብ ገፅ ምድሪ ንምጥፋእ ብመልክዕ ፓኬጅ ሓንፂፁ፣ መሪሑን፣ ኣራዊት ዕጡቕ ሓይሉ ኣዋፊሩን፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን መንግስትናን ዝፈፀሞ ኣረምንያዊ ባርባራዊ ጆኖሳይድ ብምቅዋም ኣብ ጎኒ ህዝቢ፣ ሰራዊትን መንግስትን ትግራይ ተሰሊፍኩም፣ ዓቕሚ ዘፍቀዶ ኩለ መዳያዊ ሓገዝ፣ ንዝገበርኩም ዲያስፖራ ኤርትራ ተቓወምቲ ፓርትታት፣ ተመራመርትን ሙሁራንን ኤርትራ፣ ብፍላይ ኣሰና ሚድያ ሓዊስካ ኩሉኹም ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን፣ መንግስቲ ትግራይ ዘለዎ ናእዳ ብኽብሪ እንትገልፅ፣ ዘለኩም ኩለ መዳያዊ ቃልሲ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ንምስግጋር ፖለቲካዊ ሓድነትኩም ኣደንፊዕኩም ከምትቕፅሉሉ ተስፋ ብምግባር እዩ፡፡
ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ 31 ዓመታት ብደሙ፣ ኣዕፅምቱ ኣረጋጊፅዎ ዝነበረ ነፃነት፣ ሎሚ ዓመት ዘኽብሮ ንፁህ ኣየር ሓርነት እናተንፈሰ ብሃሴት ከይኮነስ፣ ካብ ፅባሕ ነፃነት ጀሚሩ፣ ክሳብ ሕዚ ብምኽንያት ክሕደትን ጥልመትን መንግስቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂ፣ ብዙሕ ዝተዘመረሉን ዝዝመረሉን ዘሎ ስማዊ ነፃነት እውን ስኢኑ፣ ዳግም ናብ ባርነትን መግዛእቲ ክኣትዉ ኣብ ዝተደገሰሉ ሽርሒ ገበቲ ሊሂቃን ሓይልታት ትምክሕቲ ኣመራርሓ ኣምሓራ ኮይኑ እዩ፡፡
ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፉ 31 ዓመታት ሕድሕድ ስድራ ቤት ክጠራጠር ብምግባር፣ ህዝቢ ኤርትራ ከይዛረብ ኣፉ ተለጊሙ፣ ኩነታት ዓዱን ዓለሙን ፈሊጡን ናብርኡ ከየመሓይሽ፣ኩሉ ዓይነት መራኸብታት ተኸልኪሉ፣ ብፀሓይ ቀትሪ መሬት ፀልሚትዎ፣ ኣብ ዕፁው ገዛ ብሚሒር ድኽነትን ድንቁርናን ክነብር ዝተፈረደሉ፣ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፣ ከምኡ እውን ዕድል ገጢምዎ፣ ፋሕ ብጭራሕ ኢሉ ኣብ ኣርባዕቲኡ ኩርንዓት ዓለም ኣብ ስደት ዝነብር፣ ብሽበራ ተሂዲድን ስለያን ህግደፍ ብፍርሕን ጭንቅን ተሸሚሙ፣ ፖለቲካዊ ሓድነት ከይህልዎ ተገይሩ ዘሎ ዲያስፖራ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ሊሂቃንን ፖለቲከኛታትን ኤርትራ ክርደኦም ዝግባእ እዋናዊ ኩነታትን መሰረታዊ ሓቅን ኣሎ፡፡
ብምዃኑ ንዝሓለፉ 47 ዓመታት፣ ፈታውን ፀላእን መምዩም ዝቃለሱ ህዝብን መንግስትን ትግራይ፣ ዝተፈላለዩ ስማስማት እናተውሃቦ፣ ካብ መትከሎም ፈተኽ ከይበሉ ዘየማትእ ቅዋም ሒዞም ንሓርነት ሃለዋትን ድሕንነትን ትግራይ ብፅንዓት ተቓሊሶም ሕዚ እውን ኣንፃር ኩሎም ወረርቲ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብፓኬጅ ጆኖሳይድ ክፍፀም ዝሃንደሰ ዝመርሐን ሕዚውን ይፍፅም ዘሎን፣ መንግስቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቅን፣ ኣራዊት ሰራዊቱ ዝገብሮ ቃልሲ፣ ኣልፋ-ኦሜጋ ዕላምኡ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ እዩ፡፡
ኣብ መወዳእታ ንዝሓለፉ 31 ዓመታት ብሓፈሻ ኣብ ውሽጥን ደገን ትነብር ህዝቢ ኤርትራ፣ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ኤርትራ ግዳይ ሕሱም ስደት ቀለብ ባሕሪ እንስሳን ዝገበረ፣ ኤርትራ መንእሰይ ኣልቦ ገይሩ ዕሸላት ሰገናትን ልዕሊ 50 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታትን ናብ ኩናት ዝጠጠቐ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራት እናተዳመየ፣ ብዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ስም ኤርትራን ምስሊ ህዝባን ብሕማቕ ክረአ ዝገበረ ደም ንፁሃት ሰትዩ ንዘይዓግብ መንግስቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂ! በቃ ይኣክል እትብሉሉን እዋን ሐዚ እዩ ጥራሕ ዘይኮነስ ተወሳኺ ዓመታት ኣብ እንግዳዕኹም ዝነብረሉ ዕዱል ዘይትህብሉን ጥጡሕ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ፡፡
ስለዝኾነ ነዚ ወርቃዊ ዕድል ምስ ዘላቕን ስትራተጅካዊ መሓዛኹምን ዝኮነ ህዝቢ ትግራይ ናይ ቃልሲ ሓድነት ኣሰጣጢምኩም ንቕድሚት ክትምርሹ ይግባእ እንብለሉ ቀንዲ ምኽንያት ነፃነትን ለዓላውነትን ኤርትራ፣ ዶብና ቀይሕ ባሕሪ እዩ ንዝብሉ ተስፋሕፋሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ኣመራርሓ ኣምሓራ ኣሕሊፉ ንዝሃበ ኣረመኔ ኣመራርሓ ህግደፍን ብዛዕባ ነፃነት ኤርትራ ንክዛረብ ፖለቲካዊ፣ ሕጋዊ፣ ተቐባልነት ሞራላዊ ስብእናን ከምዘይብሉ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብዘየማትእ ብምእማን ሓቀኛ ነፃነቱን ሓርነቱን ውሑስ ብምግባር፣ ዘላቕነት ዘለዎ ቅሳነት፣ ሰላም፣ ዲሞክራሲ፣ ምዕባለ ንምርግጋፅን ሰናይ ጉርብትና ንምፍጣርን ዘክኽእሎ እንኮ መማረፂ ምስ ህዝቢ ትግራይ ምትሕብባር ጥራሕን ጥራሕን እዩ፡፡
ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቅልፅምና!
ትግራይ ትስዕር!
መንግስቲ ትግራይ
ጉንበት 16 /2014 ዓ/ም
መቐለ
Please wait, video is loading...
https://www.facebook.com/dimtsiweyane