Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
tarik
Senior Member+
Posts: 33102
Joined: 26 Feb 2016, 13:04

ግርም ምስላ ናትና አርትራውያን ነታ ዝሞተት ኣሸባሪት-ህወሓትን ኣያታታን ኮራኹራን: "ባዕሉ ከይዱ ሳምቡእ ዝኸልኡዎ፡ ሰብ ልኢኹ እግሪ ስደዱለይ በለ"!!! WEEY GUUD !!!

Post by tarik » 21 May 2022, 07:56

Center for research and documentation ማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራዉያን
·
ባዕሉ ከይዱ ሳምቡእ ዝኸልኡዎ፡ ሰብ ልኢኹ እግሪ ስደዱለይ በለ
===
ኣብ ባይታ ዘሎ ዉዱዕ ኩነታት ካብ ኣሰካፊ ናብ ሃዋጺ ኣብ ዝዓርገሉ ዘሎ እዋን፡ መሪሕነት ጃንዳ ማለሊት ናይ መርገጺታት መንቀራቕሮ ኣጋጢምዎ የዕነኒ ምህላዉ ካብ ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣነጺሩ። እዚ ካብ ፖለቲካዉን ወተሃደራዉያን ፍሽለት ዝመንጨወ ኣዋጣሪ ኩነት'ዚ፡ ንመሪሕነት ጃንዳ ማለሊት ኣብ ናይ ተስፋ ምቑራጽ ኣተሓሳስባታት ኣሲሩ ብምሓዝ ናብ ናይ ነብሰ ቕትለት ኩነተ ኣእምሮ የገምጅዋ ምህላዉ እቲ ሓበሬታ መሊኡ የነጽር። ፖለቲካዉያን ዛዕባታት ህዝቢ ትግራይ ከም ዘአንፍትዎ፡ "ናበይ'ዩ ኣንፈትና"፡ "እዚ ኩናት'ዚ ብኸመይ'ዩ ክዛዘም"፡ "ሕጂ'ኸ እቲ ኩናት ናብ መሬት ትግራይ ክምለስ ድዩ"፡ "ህ/ወ/ሓ/ት ነዚ ኣትይዎ ዘሎ ፖለቲካዉን ወተሃደራዉን ዉድቀት ብብቕዓት ክወጾ ይከኣል'ዶ" ካልእን ኣብ ዝብሉ መልሲ ዘይተረኽቦም ሕቶታት ኣብ ኣእምሮ ማንም ትግራዋይ ከሽከርክሩ ጀሚሮም ይርከቡ። እንታይ ተረኽበ?
ታህዲድን ፈኸራን ጃንዳ ማለሊት ደርት ኣልቦ ሙዃኑ ድሮ ንህዝቢ ትግራይ ዉን ግልጺ ኮይኑ ዘሎ ይመስል። ንልዕሊ 2 ሰሙናት ኣብ ዝተኻየዱ ሰሚናራት፡ ህዝቢ ኣኪባ "ወዲአ ኣለኹ"፡ "ሕጂ ዝኸፍቶ ኩናት ናይ መወዳእታ'ዩ"፡ "ሻዕብያ ክድምስስ ዝኽእል ዓቕሚ ደሊበ ኣለኹ"፡ "በቃ ንዓለም ዉን ኣፍሊጠ'የ" ካልእን ዝብሉ ናይ ኣትሓዙና ጭርሖታት ኣብ ኣእዛን ህዝቢ ትግራይ ጉሕፍ ቐንያ እያ። እንተስ ንመኽፈቲ ሸዉሃት ደልያቶ እንተስ ዝፈሳ ደም ኣብ ርእሳ በጽቢጸንኣ፡ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ትንዕ ኣብ ዝበለትሉ እዋን ድም ቕልጽም ህዝቢ ኤርትራ ብሕሱም ኩርማጅ ገሪፋ ዘፍ ኣቢልዋ ኣሎ። ካብ ኣፍ ህዝቢ ትግራይ መናዚዓ ብድሕሪት እንዳኾብኮበት ናብ ድፍዓትና ዘእተወቶ ንጹህ ትግራዋይ፡ ከም መሸላ ዘርጠብጠብ ኣቢላቶ'ያ ከም ኣመላ ህድማ ዝተተሓሓዘቶ። ድሕሪ'ዚ ዝወጹ ዘለዉ ቓናታት እንታይ ይመስሉ ምስትብሃል ቐሊል'ዩ።
ኣብ 04 ሕዳር 2020 ድሌትን ጥሙሕን ህዝቢ ትግራይ ረጊጽካ ዝተኣወጀ ኩናት፡ ኣብ ኣህዛብ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ድማ ፍልይ ብዝበለ ክብደት ዘለዎ ኩነታት ፈጢሩ ምህላዉ ዘካትዕ ኣይኮነን። ሓቂ'ዩ-- ህዝቢ ትግራይ ብድቁሱ፡ ኣብ ቤቱ፡ ኣብ መረበቱ'ዩ እቲ ኩናት ተወሊዑ። ከም ኣዘራርባ ኣፈኛ ጃንዳ ማለሊት ኣቶ ጌታቾዉ ረዳ፡ "ህ/ወ/ሓ/ት ዓመጽ ንኽመርሕ ዝተመርጸ መንግስቲ'ዩ" ዝብል ስነ ሞጎት ቐሪቡ'ኳ እንተሎ፡ ህዝቢ ትግራይ ዓምጽ፡ ሸፍት፡ ሕረድ፡ ኣዕኑ፡ ኣህልቕ ዝብል መንግስቲ ድዩ መሪጹ ወይስ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ሰላምን ኣንግሰለይ ብምባል'ዩ መንግስቲ መሪጹ ዝብል ሕቶ እዋናዊ ጌሩዎ'ሎ። ኣብ ትግራይ ከቢድ ዝኾነ ክትዓት ኣብ ማንም ስድራቤት ይሽክርከር ምህላዉ ኣገዳሲ'ዩ። ናይ ብሓቂ ድዩ ህዝቢ ትግራይ ንኩናት መሪጹ? ኣንጻር ሕገ መንግስቲ ዓምጽ ብምባል ድዩ ንጃንዳ ማለሊት መሪጽዎ? እቲ ምንታይ-- ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዚ ዝተፈጸመ ገበን፡ ዓመጽ፡ ግፍዒ፡ ክሕደት፡ ንሰላም ዝዘርግ ኩነታት ምፍጣር'ዩ ዝበሃል። ናይ ብሓቂ'ኸ ህዝቢ ትግራይ ንሰሜን እዚ ሕረዱ ዝብል ድምጺ ሂቡ ድዩ? ኣብ'ዚ ህዝቢ ትግራይ ብኸመይ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ከም ዝወደቐ ዝሓተሉ ኩነታት ክፍጠር ጀሚሩ ይርከብ። እቲ ምንታይ፡ ዓመጽ ክንመርሕ ኢና ተመሪጽና ዝብል ስነ ሞጎት እንተሃልዩ፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዚ ማሕረድቲ ክፍጸም ኣፍቂዱ ንምባል ስለ ዝዕድም። እቲ ሓቂ ግን ካልእ'ዩ። ህዝቢ ትግራይ ነዚ ዕቡድ ደም እንዳመጠጠ ንጹሃት ዘህልቕ ዘሎ ጸቢብ ጉጅለ ብፍጹም ኣይመረጸን።
ድሕሪ'ዚ ሕሱም መግረፍቲ ዉን እንተኾነ መሪሕነት ጃንዳ ማለሊት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኩናት ደቁ ከህልቕ ዘኽእል ጎስጓሳት ካብ ምንዛም ፍጹም ኣየዕረፈትን። ህዝቢ ነቲ መድረኽ ብዝግባእ የንብቦ ብምህላዉ፡ ኪኖ ምንባብ ኣንደልሂጹ ዉን ኣእጋሩ ናብ ዝመርሖ ይብተን ብምህላዉ፡ ኣብ ዉሽጢ መሪሕነት ጃንዳ ማለሊት ከቢድ ናይ ዓቕሊ ጽበት ኩነታት ኣንጊሱ'ሎ። ተስፋ ምቑራጽን ክዉንነት ብዝግባእ ምንባብን ክራጸሙ ጀሚሮም ኣለዉ። ህዝቢ ትግራይ ነቲ ንኣብ ባይታ ዘሎ ሓቃዊ ኩነታት ክጥምዝዝ ዝህቅን ትረኻ ጃንዳ ማለሊት ብግሉጽ ክብድህ ጀሚሩ ኣሎ። ካብ'ዚ ንንየዉ ዝስማዕ ገልጠምጠም ጃንዳ ማለሊት---"ባዕሉ ከይዱ ሳምቡእ ዝኸልኡዎ፡ ሰብ ልኢኹ እግሪ ስደዱለይ በለ" ጥራይ'ዩ ክበሃል።