Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

ይድረስ ለAxumezana እና ለሚመለከታቸው ሁሉ!

Post by Meleket » 20 May 2022, 10:21

ወንድማችን Axumezana እንዲሁም የትግርኛ ቋንቋ 'የሚገባችሁ' ተራ ካድሬዎች፡ እስቲ ትንሽ በግጥም ተዝናኑ፡ ብለን ኤርትራውያን የመሃልና የመስመር ዳኞች ይህን ኤርትራዊ ግጥም ዳግም ጋብዘናችኋል፥ በኤርትራዊ ጭዋነት ኩራትና ትህትናም ጭምር፡ እናመሰግናሎን! ባላችሁበት ሰላምና ጤናንም እንመኝላችኋለን፡ የኤርትራን ሃገራዊ ነፃነት በፍቅር ስሜት እያከበርን!:mrgreen:
Meleket wrote:
08 Jun 2018, 01:43
ንኽብሪ ብጽንዓት ንስለ ሓቂን ፍትሕን ርትዕን በጃ ዝሓለፉ ጀጋኑ ስውአት!!! ግጥሚ!

ይዘንቶ ይዘንቶ ይዘንቶ እቲ ዛንታ፣
ትስተዮ ማይ ህይወት ሃገር ብምልእታ፣
ንርኣዪ እንኪትርባዕ ናይ ሽርሒ ለቖታ፣
ንስማዕ እንከጕርዑ ብኣል ኢታ ሚታ።

ከቢሩ ኪነብር ሀገረይ ዶባታ፣
ንታሪኻ ይፍለጡ ኩሎም ዜጋታታ፣
ምድጋሙ ኪከኣል ናይ ትማሊ ያታ፣
ወነንቲ ምዃንና በዓል ስሉስ* ዋልታ፣ (ሰማይ-ምድሪ-ባሕሪ)*
ይዘንቶ ይዘንቶ ይዘንቶ እቲ ዛንታ።

ሓቂ ሒዛ ኤረይ ኪልዕል ርዝነታ፣
እታ ኣደ-ጥልመት ግን ኪረኣ ፍኹሰታ፣
ዝተቖማጥዐት ኣብ ስርቂ ኣብ ዝምታ፣
ወትሩ እንተምባሁቕ ትምነ ዘይናታ፣
ዓመጻ ይነገር ይገለጽ ብዓውታ፣

ይነገር ይዘንቶ እቲ ሓቀይና ዛንታ፣
መኣስ ዋዛ ኮይኑ እቲ ናይ ርእሲ ቅልስ ናይ ርእሲ ጸወታ።

ይጸወ ይጸወ ይጸወ እቲ ጽዋ፣
ከይዕብሉኸና ዶሮና ናይ ተምቤን ደሮና ናይ ዓድዋ፣
ወትሩ ኣብ ጸጽባሕ ሓሶት ዝፈጥርዋ፣
ሕጂ ማሕላ ጌሮም ደሓር ዝጠልምዋ፣
ምዃኖም ይነገር ይጸወ እቲ ጽዋ።

ንለመጭ መልሓሶም እንተኣመቀርዋ፣
ዓመጽቲ ክንሶም ከይመስሉና ጨዋ፣
ሰብ ክልተ ዓንዴል ከምታ ናይ ኣንጭዋ፣
እንኪከፍኦም ትግራይ እንኪጥዕሞም ሸዋ፣
መሽጐራጕር ዝልቦም ሓቂ ዝጠውይዋ፣
ምስባር ምስ ኣበየቶም ዝለዋውይዋ፣
ምዃኖም ይነገር ይጸወ እቲ ጽዋ፣
ይቆረስ ሃምባሻ ይቀዳሕ እቲ ስዋ፣
ይጸወ እቲ ጽዋ ይጸወ እቲ ጽዋ።

ይገንጸል ይነበብ ይዘንቶ እቲ ሰነድ፣
ፍቕሪ ጀጋኑና አባና ኪንብድበድ፣
ኩምራ ሓሶት ጉርሒ ብሓቂ ኪጭደድ፣
ብፍቕሪ ሀገርና ክንመክኽ ኽንነድድ፣
እቲ ሕውነትና ኪትርንዕ ኪስውድ፣
ብመብጽዓ ሓሶት ቀልብና ከይውሰድ፣
ንንብዓት ናይ ሓርገጽ ምእማኑ ከይልመድ፣
ብምስሉይ ጥበራ ቲ’ሰብና ከይስደድ፣
ይነበብ ታሪኽና ጸላኢና ይርዓድ፣
ሻምላ ሓቅነትና ንሽርሖም ይጨልግድ፣
ማዕጺድ ቅንዕናና ንተንኮላቶም ይዕጸድ፣
እቲ ህያው ታሪኽና በሪቑ የንጎድጉድ፣
ኩሉ መሳለጥያ ዘቃልሕ ይዋደድ፣
ዝወዓለ ይንገር ታሪኽና ይሰነድ።

ይዘንቶ ይሰነድ ይነገር ታሪኽና፣
ሓፊሮም ኪተርፉ ወዓገ ጋውና፣
ሓሶት ዘኾምስዑ ኪዘርጉ ፍቕርና፣
ንሕናስ ንሕና ኢና ጅግንነት ኣመልና፣
ብድሕሪት ዘይኮነ ንውቃዕ ግንባርና፣
ቀደም ኮነ ሕጂ ታሪኽ ምስክርና፣
እቲ ዝወዓልናሉ ኪፈልጦ ሕዝብና፣
ብዘይ ናይ ቃል ዓለም ከነዘንቱ ኢና፣
ንሱ ጸላኢና ትምበሉ ዚብለና።

ይዘንቶ ይነገር ይሰነድ ብወየ፣
ነፍሱ ንኪፍትሽ ብልሽው እንተጠዓየ።
ኪንሳሕ ኪዝክር መብጽዓ ቀደሙ፣
ከምሎም ከይኮነ ከየርሰሓ ስሙ፣
ከይተቖማጠዐ ሕጂ ደጋጊሙ፣
ብላዕ እናወሰደ ባህልና ሰሚሙ፣
ንሃብቲ ናይ ሃገር ንውልቃዊ ጥቕሙ፣
ሃነፍነፍ ከይበለ ኪቆጽር ከም ገዝሙ።

ይዘንቶ ይነገር ይሰነድ ብወየ፣
ያታ ተወሪሱ ፍቕሪ ምስ ፈረየ፣
ፍትሒ ንኪነግስ ከጉላዕልዕ ከም ስየ።

ይዘንቶ ይነገር ይሰነድ ብማሰ፣
መንከማይ በሃሊ እንተ ተጠዓሰ፣
እከይ ግብሪ ገዲፉ ሕዝቢ እንተከሓሰ፣
ብሥርዓት ይመዝገብ ይሰነድ እቲ ማሰ።

ስውእ በጃ- ሕዝቢ እንተተሞገሰ፣
ስንኩል ወዲሕዝቢ ግምጃ እንተለበሰ፣
ሕዝቢ እንተነበረ ሕጊ ከይጠሓሰ፣
ሓዲሽ ወለዶና ታሪኽ እንተወረሰ፣
ሸፈጥን ሸፋጥን ኩሉ ምስ ኣልገሰ፣
ከምቲ መብጽዓና ሕጊ ምስ ነገሰ፣
እቲ ረቒቕ ክብርና ተቓንዩ ብማሰ፣
ብምዑዝ ዜማታት ታሪኽ ምስዝቋሰ፣
ደዋኒ ምስልና ሽዑ ምሓልከሰ፣
ሓሞት ጸላእትና ሽኡ ምፈሰሰ።

ይዘንቶ ይነገር ይሰነድ ጨፈራ፣
ኣእዛንና ከይጸምም ብከንቱ ፈኸራ፣
ክንሰግሮ ንኩሉ ጽዉድ መፈንጠራ፣
ንመብጽዓ ሓሶት ነለሊ ጥበራ፣
ንቖቓሕ ንፈልጣ ብኣነፋፍራ፣
ጉርሒ ወዲ ጉርሒ ሱራ ንቡንቍራ፣
ዑፍና’ኳ ትፈልጦ ናቶም መናውራ፣
ስኑድ ፊደላትና ትእምርተ መጠራ፣
ንግዕዝ ፈጠርቲ ምስ ጉንዳ ካብ ሱራ፣
ምስቲ ጨናፍራ፣
ንምንጪ ጥበባት ነውሕዛ ከም ዛራ፣
ንቕርሲ ኣያታትና ዓቝርና ንሰትራ፣
ሓቂ ምስ ገለጽና ሓሶት ነሸቑርራ፣
ስሉም በዓትና መኽዘነ-ምስጢራ፣
ንሕና ኣግኣዝያን* እነውጽእ ሓራ፣ (ቕኑዕ ትርጉም አግኣዚ ንዝተረደኣኹም)
ንሕና ሰብ አዱሊስ ታሪኽ ንብርብራ፣
ንሕና እወ ሰብ ቦያ ቅርሲ ንምርምራ፣
ንሕና ሰብ ቢሻ ኢና ማዕድን ንፍሕራ፣
ንሕና እወ ሰብ ናቕፋ ስሕለትና ከም ካራ፣
መረሮም ኪብሉና ሕይወት ነመቅራ፣
እዝጊ ምስሰመራ ንሀገር ንፈጥራ፣
ብሓበን ወነንቲ ንሰማየ ምድራ፣
እንብጀወላ ኣብ ማእከለ-ባሕራ፣
ብእግርን ብርእስን ዚፍትን ኪወራ፣
ጥቁሉብ እነብሎ ወርዊርና ጭማራ፣
ንህና ዋልታ ሃገር ብፍቕሪ ንጠምራ፣
ወሊድና ዘዕኾኽና ካብሱራ ንሰውራ፣
ፍለጡና በሉ ንሕና ኢና ኤርትራ።

ይዘንቶ ይነገር ይሰነድ ብኣውሎ፣
ሓሳድ ጸላኢና ስምና ዝበለሎ፣
ንግሩም ምስልና ቀባኢ ጸሎሎ፣
ንንገሮ እቲ ሓቂ ብድሎ ብተሎ፣
ኣፋዊ ያታና ቲ ውሽጥና ዘሎ፣
ማንም ዘይኽእሎ፣
ንማሰ ንወየ ንጨፈራ ኣውሎ፣
ሰንሰለት ውርሻ ባዕልና ነልዕሎ፣ ባዕልና ነዕልሎ፣
እቲ መንነትና ብካልእ ከይጽሎ፣
ማሕላና’ዩ ንህና ኣብ ዘዝበረኸ መሊስና ክንሰቕሎ፣
ድንኳንና’ዩ ኣብ እምባ መን’ከ ኪኽውሎ!?!

ይዘንቶ ይነገር ይሰነድ ምሕሸ፣
ሎምዘመን ካብ ዓሚ ቁሩብ እንተሓሸ፣
ዓደይ ዓደይ ኪብል ዝተሰደ ዝገሸ፣
ኪረዝን ዝግባእ ባዕሉ እንተፈዀሰ፣
ኪእለ ኪጉሓፍ ብልሽው ዝጠስጠሰ፣
ሰሪሑ ዘስርሕ እንተ ተጣየሰ፣
ደም ናይ ጀጋኑና ከንቱ ነይፈሰሰ።

ይነበብ ይዘንቶ ይገለጽ እቲ ማህደር፣
መዝገብ ኣያታትና እቲ ወርቃዊ ደብተር፣
ብራና ናይ ኣበው መኽዘን ዓቢ ምስጢር፣
ታሪኽ ናይ ወደባት ብደቀባት ኪምርመር፣
ጓና ኣብ ማእከል ኣትዩ መታን ከየዕገርግር፣
ወጣም መጣቖሲ ምእንታን ኪሓፍር፣
ሓሶት እናዘርአ ንከየደናግር፣
ኣብ ክንዲ ዚስተር መጺኡ ከይግተር፣
ብዘይ ቃል ዓለም እቲ ሓቂ ይነገር፣
እቲ ውርዙይ ባህልና ኣብ ልብና ይስፈር፣
ይገንጸል ይዘንቶ እቲ ሓቀይና ማሕደር።

ንንበቦ ብዓውታ ይስረጽ ናብ ወለዶ፣
ኣብ ተግባር ነውዕሎ ናይ ቀዳሞት ምዕዶ፣
ሕድሕድ ንመራራሕ ብሓናጺ ጽምዶ፣
ኣብቲ ሓድነትና ፍቕሪ ኪእጐዶ፣
ኣብ ህድሞ ኣብ ኣግነት ትኹል ኩዱኩዶ፣
ታሪኽ ቀዳሞትና እስከ ነንጎድጉዶ፣
መገዲ ኣያታትና ብሓበን ንኺዶ፣
ጉጅምጅም ምስ ጓናስ ከላእ ይዋረዶ።

ይንገር ዝወዓለ ታሪኽ ከይስረቕ፣
ሓሳዊ ኪሕሱ ምእታን ኪስርነቕ፣
እልፊ’ዩ ታሪኽና ኣይንፍራሕ ከይጽንቀቕ፣
ኣመና ኣይንሰከፍ ኣመና ኣንይብቀቕ፣
ይሰነድ ታሪኽና ሓሶት ንኪብርቈቕ፣
ንወርቂ ሃገርና ህዝብና ኪውርቕ፣
ብወርቂ ሃገርና ሕዝብና ይወረቕ፣
ይነገር እቲ ሓቂ ሃገር ይነቓንቕ።

ኣብ መጋርያ ኣብ ባይቶ ሕዝብና ኪሟሙቕ፣
ቀቅድሚ ውድቀቱ ጸላኢ ኪጭነቕ፣
እቲ መንነትና መሊሱ ኪደምቕ፣
ኒሕ ናይ ወለዶና ምናዳ ከብረቕርቕ፣
ሪም ናይ ወለዶና ዝያዳ ኪጽብቕ፣
ሰረተ-እምነትና ዘልዓለም ነይንቕነቕ፣
ሓሞት ወለዶና ፈጺሙ ዘይጽንቀቕ፣
ብደመ ረሃጹ ታሪኽና ዚውርቕ፣
ዋሕስ ህላዌና ጅግና ኣሎ አብ ተጠንቐቕ፣
ጽኑዕ እምባ ኾይኑ እምባ ዘይንቕነቕ።

Axumezana
Senior Member
Posts: 13214
Joined: 27 Jan 2020, 23:15

Re: ይድረስ ለAxumezana እና ለሚመለከታቸው ሁሉ!

Post by Axumezana » 20 May 2022, 10:42

ሐተውተው! መልእኽትኻ፥ አህፅሮ!
አበይ፥ ዘሎ፥ ሃቂን፥ፍትሂን፥ እዩ?
ታሪኽ፥ ኤርትራ፥ ናሃሶትዩ፤ ( mathematically : 100/infinite =0)
ናይትግራይ፥ ታሪኽ፥ ዝኽህድ፥ናይኤርትራ ታሪኽ፥ አብ፥ ሁፃ፥ ተሰርኸ፥ ገዛ፥ማለት፥ እዩ።

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ይድረስ ለAxumezana እና ለሚመለከታቸው ሁሉ!

Post by Meleket » 20 May 2022, 11:01

እናርአካ ክትዐውር እንተዘይደሊኻ፡ ወይ ርእስኻ ከም ሰገን ኣብ ሑጻ ክትቀብር ትፍትን እምበር፡ ሓቂ ድኣ ኣበይ ከምዘላ'ዶ ጠፊኡኻ? :mrgreen:
"ፍዅሰት ናይታ አደ- ጥልመት ኣይረኣካዮን ዲኻ?" ወይ ድማ "ወትሩ ዘይናታ እናተመነየት ተምባሑቕ መን ከምዝኾነት ጠፊኡካ'ዶ?" እታ "ሕጂ ማህላ ጌራ ደሓር ትጠልም ጠፊኣትካ'ዶ?" "ንለመጭ መልሓሳ ከተመቕር ትፍትን መን ከምዝኾነት'ዶ ጠፊኡካ?"

ከም ጠለብካ ኣሕጽር አቢልናልካ ኣሎና፡ ንሕና ኤርትራዉያን ደያኑ ማእከልን መስመርን! ንስካ ማተማቲካሊ ክትሃስብ ንሕና 'ቦተሊካሊ' እናቀመርና!
:mrgreen: :mrgreen:
Axumezana wrote:
20 May 2022, 10:42
ሐተውተው! መልእኽትኻ፥ አህፅሮ!
አበይ፥ ዘሎ፥ ሃቂን፥ፍትሂን፥ እዩ?
ታሪኽ፥ ኤርትራ፥ ናሃሶትዩ፤ ( mathematically : 100/infinite =0)
ናይትግራይ፥ ታሪኽ፥ ዝኽህድ፥ናይኤርትራ ታሪኽ፥ አብ፥ ሁፃ፥ ተሰርኸ፥ ገዛ፥ማለት፥ እዩ።

Axumezana
Senior Member
Posts: 13214
Joined: 27 Jan 2020, 23:15

Re: ይድረስ ለAxumezana እና ለሚመለከታቸው ሁሉ!

Post by Axumezana » 20 May 2022, 12:40

ጽቡቅ፤ ግን፥ ታሪክ፥ መርምር፥ ንምንታይ፥አብዚ፥ ናይ፥ ጽልኢን፥ ክሕደትን፥መንቀርቀር፥ አቲና? መፍቲሁእስ?

ሕሶትን፥ ሐቂ፥ ፍለይ፥ መን፥ ከሃደ?መን፥ ጦርነት፥ ጀመረ፥?ንምንታይ፥?

ትግራይ፥ ዝኽህድ፥ ታሪክ፥ አብ፥ሁፃ፥ ተነድቀ፥ ገዛ፥ እዩ፤

Eripoblikan
Member
Posts: 3197
Joined: 15 Sep 2019, 13:49

Re: ይድረስ ለAxumezana እና ለሚመለከታቸው ሁሉ!

Post by Eripoblikan » 20 May 2022, 15:24

ኣያ መለኸት

ብዛዕባ ጻዕዳ ባሕሪ ትግራይ :lol: :lol: :lol: ፡ ግጠመሎም እምበር ነዞም ደደባት ፈልሲ ደደቢት፡ ገለ ባህ ተበሎም።
Meleket wrote:
20 May 2022, 10:21
ወንድማችን Axumezana እንዲሁም የትግርኛ ቋንቋ 'የሚገባችሁ' ተራ ካድሬዎች፡ እስቲ ትንሽ በግጥም ተዝናኑ፡ ብለን ኤርትራውያን የመሃልና የመስመር ዳኞች ይህን ኤርትራዊ ግጥም ዳግም ጋብዘናችኋል፥ በኤርትራዊ ጭዋነት ኩራትና ትህትናም ጭምር፡ እናመሰግናሎን! ባላችሁበት ሰላምና ጤናንም እንመኝላችኋለን፡ የኤርትራን ሃገራዊ ነፃነት በፍቅር ስሜት እያከበርን!:mrgreen:
Axumezana wrote:
20 May 2022, 10:42
ሐተውተው! መልእኽትኻ፥ አህፅሮ!

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ይድረስ ለAxumezana እና ለሚመለከታቸው ሁሉ!

Post by Meleket » 21 May 2022, 03:33

ሓዉና Axumezana ከይስልችወካ፡ ኣሕጽር ኣቢልና ንምልሰልካ ኣሎና፡ ንሕና ኤርትራዉያን ደያኑ ማእከልን መስመርን ብኤርትራዊ ጭዉነት ሓበንን ምቕሉልነትን። :mrgreen:
Axumezana wrote:
20 May 2022, 12:40
ጽቡቅ፤ ግን፥ ታሪክ፥ መርምር፥ ንምንታይ፥አብዚ፥ ናይ፥ ጽልኢን፥ ክሕደትን፥መንቀርቀር፥ አቲና?

ኣሳወርቲ ጽልኢ ንጽልኢ ሕርሕራይ ገቢሮም ስለዘሳወሩ፡ ገለ ወገናት ሕወሓት ዘይናቶም ስለዝደለዩ፡ መቝነን ካብ ምዕራባዊ ዓለም ተሸሪፎም፡ ቕልጽሞም እንተሓበጠ ዝበርትዑ ስለዝመሰሎም፡ ናብ ዓንዳሪ ናይ ጽልኢን ክሕደትን ዕንኪላሎ "ጠኒኖም" ኣትዮም።


Axumezana wrote:
20 May 2022, 12:40
መፍቲሁእስ?

መፍትሒኡ ደኣ ይግባይ ንዘይብሉ ኣብ ቅድሚ ማኅበረሰብ ዓለም ዝተፈረመ ውዕል ብቕንዕና ብንጽሕናን ምትግባር።


Axumezana wrote:
20 May 2022, 12:40
ሕሶትን፥ ሐቂ፥ ፍለይ፥ መን፥ ከሃደ?

እቱይ ዝከሓደ ደኣ፡ እቱይ ንመግዛእታዊ ዶባት ጥሒሱ ካርታ “ክልሉ” ዘዳለወን፡ ብኣጋ ልዝብ ሓንጊዱ፡ ብኃይሊ ሕልማዊ ድሌታቱ ከተግብር ጥረራ ዝጀመረ ኣካል ሕወሓት። እቱይ “ኤርትራዉያን ከደምቶም ክንከውን ኢዮም ዚደልዩና!”፣ “ንሽሕ ሃመማ ሓንቲ ፊሊት ኢሎም ኢዮም ዚንዕቝና” ፣ “ክንዲ ዝወሰደ ይውሰድ ኵናት ኪቕጽል ኢዩ” እናበለ ንኵናት ዘሳወረ አካል ሕወሓት።


Axumezana wrote:
20 May 2022, 12:40
መን፥ ጦርነት፥ ጀመረ፥?

ኵናት ጻሕታሪ ኣብ ዘይመሬቱ ኣብ ዓዲምሩግ፡ ንናይ ዓፋር ተቓወምቲ ከጥቕዕ ኢየ ብዚብል ሽጣራ ኣብ መሬት ኤርትራ ዝኣተወ ናይ ሕወሓት ዓንዳሪ ኣካል ኢዩ። ጉዳይ ኣብ ባድመ ከይበጽሔ ኬሎ ጋና ኣብ ዓዲምሩግ ምስሕሓብ ምስተጀመረ፡ ብረዚደንት ሃገረ ኤርትራን ጠቕላዪ ኢትዮጵያን ዝተጸሓሓፍዎ መልእኽቲ ምውካስ ይከኣል።


Axumezana wrote:
20 May 2022, 12:40
መን፥ ጦርነት፥ ጀመረ፥? ንምንታይ፥?

ኣብ ገበላታት ዓድዋን ደደቢትን 'ዝተሓንጸጸ' “ውጥን ዓባይ ትግራይ” ንምትግባር።


Axumezana wrote:
20 May 2022, 12:40
ትግራይ፥ ዝኽህድ፥ ታሪክ፥ አብ፥ሁፃ፥ ተነድቀ፥ ገዛ፥ እዩ፤

ትግራይ ታሪኽ ኔርዋ፡ ኣለዋ፡ ክህልዋ ድማ ኢዩ። ነቱይ ጽቡቕ ታሪኻ ክትዕቅብ፡ ነቱይ ግናይ ታሪኻ ድማ ክትእርም ይግብኣ። ካብ ታሪኻ እዉን ክትመሃር ኣለዋ። ሃገረ ኢትዮጵያ ብዓባያ' ዉን ከምኡ። ኤርትራውያን'ዉን ከምኡ ኢና ዚገበርና ንገብር ዛሎናን ንገብርን። ታሪኽ መግዛእታዊ ዶባት ይተግበር፣ ናትና ኣይንህብን ዘይናትና ኣይንደልይን ማለትና ምስክር ጭዉነትና ኢዩ።

ሓዉና Axumezana ኣብ ዘለኻዮ መንፈሳዊ ዕግበትን ኅሊናዊ ሩፍታን እናተመነናልካ፡ ንመበል 31 ዓመት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ ንምርኣይ እንቋዕ በቓዕኻ ንብለካ፡፡ ንሕና ኤርትራዉያን ደያኑ ማእከልን መስመርን፡ ሕጂውን ግጥምና ከተስተማቕር እናጋበዝናካ።
:mrgreen:

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ይድረስ ለAxumezana እና ለሚመለከታቸው ሁሉ!

Post by Meleket » 23 May 2022, 03:51

ኤርትራ ብወርቃዊ ደም ደቃ፡ ዝተረኽበት ሃገር! :mrgreen:

Axumezana
Senior Member
Posts: 13214
Joined: 27 Jan 2020, 23:15

Re: ይድረስ ለAxumezana እና ለሚመለከታቸው ሁሉ!

Post by Axumezana » 23 May 2022, 03:56

ኤርትራ ፥ ቅድሚ፥ ጥልያን፥ ናይትግራይ፥ አካል፥ ኮይና፥ ብራስ፥አሉላ፥ ትማኻደር፥ ነይራ፥ ናብ፥ ኑቡር፥ ክንመልሳ፥ አለና!

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ይድረስ ለAxumezana እና ለሚመለከታቸው ሁሉ!

Post by Meleket » 23 May 2022, 04:38

ወተሃደራዊ ዕንደራ ኮነ ቦተሊካዊ ዕንደራ ከነፍሽል ወትሩ ድልዋት ኢና ደቂ ኤርትራ ብጥሙራትና:mrgreen:

"ፍጻሜ ዘኣሉላ፡ ኣብ ምድሪ ኤርትራ።" ከምዡዪ ኢዩ ዚትረኽ ዛሎ!
:mrgreen:
Meleket wrote:
18 Jan 2020, 05:14
የትግራይ ተራኪዎች እነ ሊቀ ሊቃውንት መምህር ገብረችዳን፣ የመሀል አገሮቹ እነ ተክለጻድቕ መኩሪያና ማሞ ውድነህ እንዲሁም የባህር ማዶዎቹ እነ Richard Pankhurst ሆኑ Haggai Erlich ያልነገሩን አንዳንድ የአሉላ ታሪክ ገጽታዎች በኤርትራዉያን እይታ እንዲህም በትግርኛ ተጽፎ አጋጥሞናል፡ ይዘቱ ጸሐፊዉን የሚመለከት ሲሆን፣ ሰፊው የኢትዮጵያ ህዝብ ይዘቱን ያውቀው ዘንድም በአማርኛ እንዲህ ቀርቧል። መልካም ንባብ። :lol:

ራስ አሉላ ወደ መተማ ለጦርነት በሄደበት ወቅት አንዳንድ ኤርትራውያን ተከታዮቹና የሰራዊቱ አባላት አብረውት ዘምተው ነበር። በርካታ ‘መረታ’ የተባለ ወረዳ ተወላጆች ግን አሻፈረን በማለት አብረውት አልሄዱም። ከመተማ ሽንፈቱ በኋላም በቀጥታ በትውልድ የእናቴ ዘሮች አጎቶቼ ወደሚላቸው ወደ መረታዎች በመሄድ፡ “የእናቴ ዘሮች አልከተልም አሉኝ አይደል?” በማለት ለዝርፊያ የመረብን ወንዝ ተሻግሮ እምበይቶ በተባለ ቦታ በሚገኝ የሚካኤል ቤተክርስትያን መረታ ውስጥ ሰፈረ። አቶ መርቆርየዎስ ቃላት የተባሉ የተከላቢ ተወላጅም የአሉላን ሸርና ተንኮል በደንብ ስላጤኑ፡ የሃገራቸውን ሰዎች ሁሉ አስታጥቀው በመጠበቅ፡ አሉላን አፍጉሮ በተባለ መረታ ሰበነ ውስጥ በሚገኝ ቦታ ጦርነት በመግጠም አሸነፉት። አሉላም ሸሽቶ ወደመጣበት ወደ ሃገሩ ተመለሰ። በዚህ መሰረትም ይህ የሚከተለው እንጉርጉሮና ሙሾ ተደረደረላቸው፡

የአባ ነጋን አልጋ ሰይጣን ሲያሳስታት፣
የአሉላን ሹመት ሰይጣን ሲያሳስታት፣
መግጠም ፈለገች ወይ መረታን ጦርነት!
መች የዋዛ ናቸው የመረታ ልጆች፣
መች የዋዛ ናቸው የአቶ ቃላት ልጆች፣
የመጣው ቢመጣ በጽናት መካቾች፣
በአፍጎሮ መሬት በጽናት መክታ፣
ስንትና ስንት ብረት (መሳሪያ) ማረከች መረታ፣
መረታማ ማለት የሃገር አለኝታ፣
ለሃቅ የምትቆም ለዘላለም ጸንታ።


ለዚህ ክዋኔ ጥሩ እማኝ ይሆን ዘንድም ባሻ ደበሳይ የተባለ የባሕረነጋሲ ጭሮም ልጅ ዓዲ ገሃድ የተባለ በእገላ ሓጺን ወረዳ የሚገኝ ቀየ ተወላጅ፡ በዚህ ውጊያ ለተሰዉ ለባሻ ወልደገብርኤል ዘዓረ ለተባለ ለመረታ ተወላጅ እንዲህ በማለት አለቀሱላቸው።

ሰው የማይወጣበት ያንን ገደል፣
መረታን የማያውቅ ማን ይገኛል?
ጦርነት ሲደረግ በአፍጎሮ መሬት፣
መረቶች ሆናችሁ ኃያል ከኃያላት፣
ብትን አረጋችሁት የአሉላን ሰራዊት፣
ልክ እንዲህ ነው እንጂ ወንድነትስ ማለት፣
ገበሬ ሲያሸንፍ ለንጉስ ሰራዊት።
መረታ ትርጉሙ ከሆነ ጀግንነት፣
ባሻ ወልደገብርኤል ለዓላማህ ስትሞት፣
መች ጠላት ወረሳት የሃገርህን መሬት፣
አንተ እንደሁ የሞትከው አይደለም ለውሸት፣
ሃቅን ጨብጠህ ነው ያለፍከው በጽናት።


ጀግናው አቶ መርቆርየዎስ ቃላትም የኋላ ኋላ ከደጃዝማች ባህታ ሓጎስ (ኣባ ጥመር) ጎን ከጣሊያን አንጻር ሲፋለሙ ሓላይ በተባለው ቀየ በጀግንነት ተሰውተዋል።

በርግጥ አራት ራሶች ከነሱም ውስጥ አንዱ ራስ አሉላ ወደ አጤ ሚኒሊክ ዙፋን አዲስ አበባ ድረስ ሂደው ድንጋይ ተሸክመው “ማረን” ብለው ይቅርታን ከአጤ ሚኒልክ እንደለመኑ ማሞ ውድነህ በጻፈው ታሪካቸው ውስጥ እንዳስነበበን አይዘነጋም።
:mrgreen:

Axumezana
Senior Member
Posts: 13214
Joined: 27 Jan 2020, 23:15

Re: ይድረስ ለAxumezana እና ለሚመለከታቸው ሁሉ!

Post by Axumezana » 23 May 2022, 08:01

ኢሱ፥ፋህ፥ ፋህ፥ገይርኩም፤ እዩኮ፤
Last edited by Axumezana on 23 May 2022, 13:06, edited 1 time in total.

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ይድረስ ለAxumezana እና ለሚመለከታቸው ሁሉ!

Post by Meleket » 23 May 2022, 09:16

ጭዉነት ኣዅሱማዉያን ደቂ ጽዮን’እንከ ረኣናዮ! :mrgreen:
Axumezana wrote:
23 May 2022, 08:01
ኢሱ፥ . . .
ኢሱ’ዶ በልካ? ኢሱ ደኣ ከም ኩሎም ተጋደልቲ ኤርትራ፡ ብህዝቢ ኤርትራ ተጸሪቡን፡ ተሳሒሉን ተወቒሩን ንሃገረ ኤርትራ ንምንዳቕን ንምውራቕን ኣብ እንገብሮ ገድልና ከም ማንም እምኒ ንጥቀመሉ ዛሎና ተጋዳላይ ኤርትራ እንደኣሉ! :mrgreen: . . . ሕዝቢ ኤርትራ ዋዛ’ዶ መሲሉካ፡ ጸሪቡ ስሒሉ ወቒሩ ናብ ረብሕኡ ዚቕይረካ ወረጃ ህዝቢ'ዩ። :lol:

ነተን ነጥቢ ብነጥቢ ዝመለስናልካ ሕቶታትካ ክንመልሰካ'ዶ? ሞጕትካ ምርታዕ ካብ ኣያታትና ዝወረስናዮናዮ ባህልና'ኡ ንኣና ንኤርትራዉያን ደያኑ ማእከልን መስመርን። :mrgreen:
Meleket wrote:
21 May 2022, 03:33
ሓዉና Axumezana ከይስልችወካ፡ ኣሕጽር ኣቢልና ንምልሰልካ ኣሎና፡ ንሕና ኤርትራዉያን ደያኑ ማእከልን መስመርን ብኤርትራዊ ጭዉነት ሓበንን ምቕሉልነትን። :mrgreen:
Axumezana wrote:
20 May 2022, 12:40
ጽቡቅ፤ ግን፥ ታሪክ፥ መርምር፥ ንምንታይ፥አብዚ፥ ናይ፥ ጽልኢን፥ ክሕደትን፥መንቀርቀር፥ አቲና?

ኣሳወርቲ ጽልኢ ንጽልኢ ሕርሕራይ ገቢሮም ስለዘሳወሩ፡ ገለ ወገናት ሕወሓት ዘይናቶም ስለዝደለዩ፡ መቝነን ካብ ምዕራባዊ ዓለም ተሸሪፎም፡ ቕልጽሞም እንተሓበጠ ዝበርትዑ ስለዝመሰሎም፡ ናብ ዓንዳሪ ናይ ጽልኢን ክሕደትን ዕንኪላሎ "ጠኒኖም" ኣትዮም።


Axumezana wrote:
20 May 2022, 12:40
መፍቲሁእስ?

መፍትሒኡ ደኣ ይግባይ ንዘይብሉ ኣብ ቅድሚ ማኅበረሰብ ዓለም ዝተፈረመ ውዕል ብቕንዕና ብንጽሕናን ምትግባር።


Axumezana wrote:
20 May 2022, 12:40
ሕሶትን፥ ሐቂ፥ ፍለይ፥ መን፥ ከሃደ?

እቱይ ዝከሓደ ደኣ፡ እቱይ ንመግዛእታዊ ዶባት ጥሒሱ ካርታ “ክልሉ” ዘዳለወን፡ ብኣጋ ልዝብ ሓንጊዱ፡ ብኃይሊ ሕልማዊ ድሌታቱ ከተግብር ጥረራ ዝጀመረ ኣካል ሕወሓት። እቱይ “ኤርትራዉያን ከደምቶም ክንከውን ኢዮም ዚደልዩና!”፣ “ንሽሕ ሃመማ ሓንቲ ፊሊት ኢሎም ኢዮም ዚንዕቝና” ፣ “ክንዲ ዝወሰደ ይውሰድ ኵናት ኪቕጽል ኢዩ” እናበለ ንኵናት ዘሳወረ አካል ሕወሓት።


Axumezana wrote:
20 May 2022, 12:40
መን፥ ጦርነት፥ ጀመረ፥?

ኵናት ጻሕታሪ ኣብ ዘይመሬቱ ኣብ ዓዲምሩግ፡ ንናይ ዓፋር ተቓወምቲ ከጥቕዕ ኢየ ብዚብል ሽጣራ ኣብ መሬት ኤርትራ ዝኣተወ ናይ ሕወሓት ዓንዳሪ ኣካል ኢዩ። ጉዳይ ኣብ ባድመ ከይበጽሔ ኬሎ ጋና ኣብ ዓዲምሩግ ምስሕሓብ ምስተጀመረ፡ ብረዚደንት ሃገረ ኤርትራን ጠቕላዪ ኢትዮጵያን ዝተጸሓሓፍዎ መልእኽቲ ምውካስ ይከኣል።


Axumezana wrote:
20 May 2022, 12:40
መን፥ ጦርነት፥ ጀመረ፥? ንምንታይ፥?

ኣብ ገበላታት ዓድዋን ደደቢትን 'ዝተሓንጸጸ' “ውጥን ዓባይ ትግራይ” ንምትግባር።


Axumezana wrote:
20 May 2022, 12:40
ትግራይ፥ ዝኽህድ፥ ታሪክ፥ አብ፥ሁፃ፥ ተነድቀ፥ ገዛ፥ እዩ፤

ትግራይ ታሪኽ ኔርዋ፡ ኣለዋ፡ ክህልዋ ድማ ኢዩ። ነቱይ ጽቡቕ ታሪኻ ክትዕቅብ፡ ነቱይ ግናይ ታሪኻ ድማ ክትእርም ይግብኣ። ካብ ታሪኻ እዉን ክትመሃር ኣለዋ። ሃገረ ኢትዮጵያ ብዓባያ' ዉን ከምኡ። ኤርትራውያን'ዉን ከምኡ ኢና ዚገበርና ንገብር ዛሎናን ንገብርን። ታሪኽ መግዛእታዊ ዶባት ይተግበር፣ ናትና ኣይንህብን ዘይናትና ኣይንደልይን ማለትና ምስክር ጭዉነትና ኢዩ።

ሓዉና Axumezana ኣብ ዘለኻዮ መንፈሳዊ ዕግበትን ኅሊናዊ ሩፍታን እናተመነናልካ፡ ንመበል 31 ዓመት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ ንምርኣይ እንቋዕ በቓዕኻ ንብለካ፡፡ ንሕና ኤርትራዉያን ደያኑ ማእከልን መስመርን፡ ሕጂውን ግጥምና ከተስተማቕር እናጋበዝናካ።
:mrgreen:

Axumezana
Senior Member
Posts: 13214
Joined: 27 Jan 2020, 23:15

Re: ይድረስ ለAxumezana እና ለሚመለከታቸው ሁሉ!

Post by Axumezana » 23 May 2022, 13:22

Pls note the following:

- May 1998 war was started by Isaias( refer to UN report)
- Reason was to destroy TPLF and control Ethiopia/Horn of Africa
- Result Isaias/Eritrea was defeated and 1/3 Eritrea was under control of Ethiopia. Isaias surrendered for peace

Nov 2020
- Isaias was the mastermind of the war to destroy TPLF and Tigray
- War preparations we're done from both sides
- TPLF made preemptive attack on the Northern Defence Force on Nov 3 night

- Abiy declared full scale war on Nov. 4

- Eritrea was involved from planning to excecution of the war
- Isaias claim that he was dragged to the war incedentally is another lie

- Tigray defeated Isaias/Eritrea, Abiy /Ethiopia and the Amhara exterimists
- Now the allied forces against Tigray are fighting to each other and in disarry but another round of war may come!
ይኸንን፥ ብዬ፥ ለከርታታዋ፥ የጣልያን፥ አገር፥ የገጠምኩትን፥ ታሪካዊ፥ግጥም(የ60-70 አመት ታሪክና፤ መጪዋን፥ መንግስት፥አልባ፥ ኤርትራ የሚነካካ) ይኸውልህ።

https://mereja.com/forum/viewtopic.php? ... 8#p1295133

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ይድረስ ለAxumezana እና ለሚመለከታቸው ሁሉ!

Post by Meleket » 26 May 2022, 03:34

Meleket wrote:
23 May 2022, 09:16
ጭዉነት ኣዅሱማዉያን ደቂ ጽዮን’እንከ ረኣናዮ! :mrgreen:
ቢልና ምስ ሓጨጭናልካ፡ ሓዉና Axumezana ነቱይ ግዕዙይ 'ንደቂ ኣዅሱም ጽዮን ዛይውክል' ቃላትካ አሪምካ፡ ማለት ን 'ክ' ብ 'ህ' ኣሪምካ ዳግማይ ምምጻእካ ንሕና ኤርትራዉያን መምህራን ጭዉነት ከየሞገስናካን ከየተባባዕናካን ሱቕ ኪንብል ኣይንክእልን። :mrgreen:
Axumezana wrote:
23 May 2022, 08:01
ኢሱ፥ፋህ፥ ፋህ፥ገይርኩም፤ እዩኮ፤

Last edited by Axumezana on 23 May 2022, 13:06, edited 1 time in total.

እቱይ ግጥምካ ኮነ ሞጎተካ ነቢብናዮ፡ እንተኾነ እዙይ ብትዕቢትን ጃህራን ዝተላዕጠጠ አካይዳካ ንክልል ትግራይ ካብ ክባን ዕጽዋን ዘድሕና ኣይመስልን። :mrgreen: እንተ ጕዳይ "ዓዲምሩግ" ጎሲኻ ዝሓለፍካዮ ትመስል ኣሎኻ እሞ፡ ቅድሚ ኵናት ባድመ ጉዳይ ዓዲምሩግ ከምዝነበረ ሕጂ'ዉን ክንገልጸልካ ንፈቱ ንሕና ኤርትራውያን ደያኑ ማእከልን መስመርን፡ ብኤርትራዊ ሃበንን ጭዉነትን!!!
:mrgreen:

Post Reply