ሓላዊ ወሰናስን ካብ ታሪኽ ናብ ታሪኽ
===
ሓላዊ ወሰናስን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ነታ ብስም ሰማእቲ ወሰናስና ክሓጽር ማሕላ ዝኣተወላ ቕድስቲ መሬት ቕንጣብ ዉን ትኹን ጎላጉላ ኣደራዕ መስፋሕፋሕቲ ልሂቃን ትግራይ ከም ዘይትኸዉን ደጊሙ ዘመስከረላ ፍጻመ'ያ---- "ዕብዳን ልሂቃን ዓድዋ"።
ጭፍራ ማለሊት ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክትፍጽሞ እትሓስብ ኢ-ሰብኣዊ ገበናት ባይታ ንምጥጣሕ መዓልቲ ቖሪጻ፡ ጎልጎል መሪጻ ብወገን ራማን ዓዲ ጸጸርን ናይ ሰላሕታ ምንቅስቓስ ኣብ ዘካየደትሉ እዋን፡ ምዑታት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከም ኢራብ እንዳ ተወርወሩ፡ ነቶም "እቶ" እንዳተባህሉ ብድሕሪት ዝኹብከቡ ዝነበሩ ሰራዊት ምሉእ ብምሉእ ሓምሺሾም ኣብ ገዛእቲ ቦታታት ተኾየጡ። ካድራት ማለሊት ከም ብበረድ ርእሶም ዝተሃርሙ ኣንቀጥቀጡ፡ ኣብራኾም ራዕ ራዕ በሎም። ጥሒሳ-- ነቶም ኣብ ቕድሚኡ ሓላፍ ዘላፍ ድፋዓት ቖፊሮም ብዒግታ ዶሮና ኣልባቦም ጠፊእዎም ዝነበሩ መራሕቲ ኩናት ጃንዳ ማለሊት ብቕጽበት ሰናጢቑ ኣብ 2 ገመዖም። ንየማኑን ጸጋሙን 360 ኣዚሩ ብምሓዝ ኣብ ፍጹም ከበባ ኣእተዎም። ዝተረፈ ታሪኽ'ዩ ኔሩ---- መንደላይ ሰራሒ ጅግንነት።
ማለሊት ዘይከም'ቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት እትዓፍሮ፡ ሬሳታት ናይ'ቶም ካብ ኣፍ ኣዴታቶም ብሓይሊ ገፊፋ ብድሕሪት እንዳኾብከበት ናብ ሓዊ ዝጠጠቐቶም ትሕቲ ዕድመ ሰራዊት ራሕሪሓ እግረይ ኣዉጽእኒ ጀመረት። ታሪኽ'ዩ....!!