Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
tarik
Senior Member+
Posts: 33102
Joined: 26 Feb 2016, 13:04

A Cursed-Land-Tigray Mom Told Terrorist Alem-Gebrewahid Stop Killing Only Poor Tigray Kids?!!! WEEY GUUD !!!

Post by tarik » 12 May 2022, 20:41

Center for research and documentation ማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራዉያን
·
ሕጂ’ውን ኣኼባን ሓሶትን ወያኔ ንጥፍኣትን እምበር ንድሕነት ህዝቢ ትግራይ ኣይኮኑን
===
ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣዝዩ ጽዑቕ ኣኼባን ጎስጓስ ንጥፍአትን ኣብ መላእ ትግራይ ብፍላይ ከኣ ኣብ መአከቢ ኣዳራሻት መቐለ ይቓናዕ ኣሎ። ከይተሓልመ ዝተፈትሐ ዕላማ ሒዙ ዝጋባእ ዘሎ እዚ ሰሚናራት፡ ሕጂ’ውን ምእንቲ ውሑዳትን ስሱዓትን፡ ሸፋቱን ጐሓላሉን ኣመራርሓ ህወሓት ምዃኑ ዝዝንግዖ መንእሰይ ትግራይ የለን። ሓቅነት ናይዚ ሓበሬታ ድማ እቲ ብስቕታን ብጋህድን ዝቐርብ ዘሎ ናይ ተቓውሞን ናይ ነቐፌታን መልሰ ግብሪ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ።
ንምክትል ፕረሲደንት ክልል ትግራይ ንፈትለ ወርቅ ዝቐረበላ ሕቶታት ካብቲ ብዙሕ ውሑድ ኣብነት እዩ። ፈትለ ወርቅ ኣብ ደቡብ መቐለ ኣብ ዘካየደቶ ኣኼባ፡ “ህዝብና ኣብ ዝኸፍአ ድኽነት ጥሜትን ተሳጢሑ ይርከብ፡ ንሓዝን” ምስ በለት ኣዳራሽ መሊኡ ዝነበረ ተስታፊ እምምምምምምምምም ክብል ተሰሚዑ። ኣንጸርጽሮታን ቁጥዕአን ክትሽፍን ንብዓትን ዓቕምን ዝሓጽራ ፈትለ ወርቂ ከብዲ ድኻ ዘይበልዕ ሓርገጽ ጥብ ከም ዘበለት ካብቲ ከባቢ ዝልኣኹልና ሓበሬታ የመልክት። (ኣመሳቒልና ዘረጋገጽናዮ ሓቂ ብምዃኑ ከነስምረሉ ንፈቱ።)
ብተመሳሳሊ ንኣባል ፈጻሚ ኮሚተ ኣመራርሓ ትግራይ፡ ደቁ ኣብ ኣመሪካ ዘስፈረ ሃብታም ኣለም ገብረዋህድ ዝተዋህቦ መልሰ ግብሪ ዘስደምም እዩ። ናይ ግድን ኩሉ ስድራ ውላዱ ከኽትት እዩ ምስ በለ፡ ተሪፎም ዘለዉ ደቅ ድኻታት እዮም። ንሶም ድማ ካብ ቀደሙ ንሞት ዝተፈርዱ እዮም” ዝበለት ሓንቲ ኣደ ብሚልሻታት ወያኔ ናበይ ከም ዝተወሰደት ክሳብ ሕጂ ክፍለጥ ኣይተኻእለን። እታ ኣደ፡ ደሃይ ክልተ ደቓ ዘይብላን ገና ተሪፎማ ዘለዉ ክልተ ቘልዑ ክወስዱላ ምዃኖም ስለ ዘይተጠራጠረት፡ ደቅኹም ደገ ኣስፊርኩም ደቅና ኣይትወድኡልና ክትብል ዝተሰምዐት። ዕጡቓት ሚልሻ ነታ ኣዶ እናወሰዱላ ኣብቲ ኣዳራሽ ዝነበረ ተስታፊ ናይ ተቓውሞ ድምጺ እንተኣስምዐ ካብ ዓፈና ከናግፋ ኣይክኣለን። ብዘይካ እቲ ኣድሕኑና ዝጭርሕኡ ግን ከኣ ሓቢርኩምና ዝጥፍኡ ዝዕላምኡ ሰፊሕ ጎስጓሳት ካልእ ጠቐነን ምስይጣንን ብሰፊሕ ይቕጽል ኣሎ። ካብቶም ግዳያት ዝኾኑ ዘለዉ ተሓለቕቲ ህዝቢ ራያ ጌታቸው ከበደ ይርበቦም። ጌታቸው ከበደ፡ ኣቦ መንበር ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ራያ እዩ። ንሱ፡ ዘይከምጌታቸው ረዳ፡ መንእሰይ ትግራይ ካብ መቕዘፍቲ ንኽድሕኑ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ኣሎ። እንተኾነ ወያኔ ንእኡን ንኣርባዕተ ተመሳሳሊ ዕላማ ዝሓዙን ሰባት፡ ክሳብ ብህይወት ኬጥፍእዎም መዲቦም ይርከቡ።