Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Zmeselo
Senior Member+
Posts: 33606
Joined: 30 Jul 2010, 20:43

(BBC): ቅልውላው ትግራይ፡ ህወሓት ወለዲ ናይቶም ክዓጥቁ ፍቓደኛታት ዘይኮኑ መንእሰያት ይኣስር ኣሎ ተባሂሉ

Post by Zmeselo » 04 May 2022, 16:50



ቅልውላው ትግራይ፡ ህወሓት ወለዲ ናይቶም ክዓጥቁ ፍቓደኛታት ዘይኮኑ መንእሰያት ይኣስር ኣሎ ተባሂሉ

https://www.bbc.com/tigrinya/news-61321170

ቅድሚ 9 ሰዓታት



ንዝሓለፉ 17 ኣዋርሕ ምስ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ኲናት ተጸሚዱ ዝርከብ ገዛኢ ሰልፊ ትግራይ ህወሓት ወለዲ ናይቶም ክዓጥቁ ፍቓደኛታት ዘይኮኑ መንእሰያት ይኣስር ከም ዘሎ ገለ ግዳያት ተዛሪቦም።

ህወሓት ብወገኑ፡ ከምዚኦም ዝበሉ ተግባራት ጠጠው ኢሎም'ዮም ይብል።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ ተወላዲ ትግራይ ቈልዑ ንክዓጥቑ ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖም ኣቡኡን ኣኩኡን ከም ዝተኣሰሩ ገሊጹ።

እዚ ሕጂ ካብ ትግራይ ወጻኢ ዝርከብ ትግራዋይ
ንኣቦይ ወድኻ ኣምጽእ ኢሎምዎ፤ ክህቦም ስለ ዘይኽኣለ ግን ንሓደ ወርሒ ኣሲሮምዎ። ድሕሪኡ ፈቲሖምዎ ነይሮም፤ ሕጂ ዘለወሉ ኩነታት እኳ እንተዘይፈለጥኩ፡ ንመወዳእታ ግዜ ብስልኪ ክረክቦም እንከለኹ ግን ንኣቦይ ኣሲሮምዎ ነይሮም
ኢሉ።

ምስ ቢቢሲ ቃለ መጠይቕ ዝገበረ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ውድብ ባይቶና ዓባይ ትግራይ ኣይተ ክብሮም በርሀ ብወገኑ፡ ንኡሽቶ ሓፍቱ ክትዓጥቕ ድልየት ስለ ዘይብላ ኣዲኡ ከም ዝተኣሰረት ገሊጹ።


_______________



ቢቢሲ፡ ወላዲትካ ኣብ ትግራይ ከምዝተኣሰራ ዝገልፅ ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ'ሎ። እዚ ሓበሬታ ሓቂ ድዩ ካብ ዝብል ሕቶ ክንፍልም?

ክብሮም፡ ከም ኣጋጣሚ 'ጠሚና' ክብል ዝደወለለይ ቤተሰብ ነይሩ። ጉዳይ ዓዲ ከረጋግፅ ከለኹ ድማ ከምዝተኣሰረት ነጊሩኒ። ከም ዝተኣሰረት ኣረጋጊፀ ኣለኹ። ብጣዕሚ ሓዚነ፤ ኣይተፀበኽዎን።

ብርግጽ ኣዴታት ትግራይ ይእሰራ ከም ዘለዋ፤ ዩኒቨርሲቲታትን ኣብያተ ትምህርትን መእሰሪ ኣዴታት ኮይነን ከም ዘለዋ ሓበሬታ ኣለኒ። ኣብ መቐለ ከይተረፈ ኣብያተ ትምህርቲ መእሰሪ ኮይነን ኣለዋ።

ስለዚ ብጣዕሚ ዘሕዝን'ዩ። ህዝቢ ትግራይ ጥምየቱ፣ ሞቱን ዝተደፈሮን ከይኣኽሎ ናትና ብእንብሎም ካድረታት ህዝቢ ይሳቐ'ሎ። ኣብ ካልእ ከባቢታት ኢትዮጵያ ንእሰሮ ከይኣኽለና፤ ብጣዕሚ ስምዒት ዝትንክፍ'ዩ። ኣብዚ ኮይነ ሪኢየዮ እየ [ኣዲስ ኣበባ]። ብዙሕ ትግራዋይ ተኣሲሩ ኢልና ሓዚንና ኢና።

ብዘይ ማይ፣ ብዘይ ምግቢ፣ ብዘይፍትሒ አብ ኣዲስ ኣበባ ኮነ ኣብ ዓፋር ተኣሲሩ ዘሕዝን'ዩ ነይሩ። ኣነ'ውን ኣብ ዓፋር ተኣሲረ ነይረ። ስለዚ እዚ ኣብ ትግራይ ክድገም ከሎ እንታይ ማለት'ዩ? ከምዚ ዝገብሩ ዘለዉ እንታይ ደልዮም'ዮም? ኣነ ብዛዕባ ኣደይ ጥራሕ ክዛረብ ኣይኮንኩን ደልየ። ብሓፈሻ ኣዴታታት ትግራይ ዝኾነ ኣካል ክትንክፈን የብሉን።

ቢቢሲ፡ መዓስ ሰሚዕካ?

ክብሮም፡ ትማሊ [ሰኑይ 02-05-2022] እየ ሰሚዐ። ብድሕሪኡ ዘሎ ኩነታት ግን ከረጋግጽ ኣይከኣልኩን። ስልኪ ሓደ ጊዜ ምስ ተደወለኒ ብድሕሪኡ ግን ኣይተደወለን፤ ኔትወርክ ብጣዕሚ እዩ ዘጸግም። ተፀጊምና ዝበሉ ቤተሰብ እዮም ነጊሮምኒ።

ቢቢሲ፡ መራኸብታት ኣብ ትግራይ ከምዘየለ ዝፍለጥ'ዮሞ፤ ኣበይ ኮይኑ እዩ እቲ ቤተሰብ ሓበሬታ ሂቡካ?

ክብሮም፡ ኣበይ ከም ዝኾነ ኣይፈለጥኩን ግን ኣላማጣ ይመስለኒ። ብዙሕ ከፃርይ ኣይከኣልኩን። ብዛዕባ ኣደይ ጥራሕ ኣይኮንኩን ሓቲተዮ። ኣደታት ትግራይ ተኣሲረን፤ ምኽንያት ኣለና ኢሎም ክኣምኑ ከለዉ ዝሓመመ ከይተረፈ ተሸኪሞም'ዮም ዝኣስርዎ።

ቢቢሲ፡ ወላዲትካ ኣበይ ይነብራ ነይረን፤ ኣበይከ እየን ተኣሲረን?

ክብሮም፡ እቲ ኔትዎር፡ በዚ መዓልቲ ተኣሲራ፤ በዚ መዓልቲ ወጺኣ ዝብል ንምዝርራብ ኣፀጋሚ ነይሩ። ብጣዕሚ እዩ ዝቆራረጽ። እቲ ቦታ ግን ጉሎመኸዳ ዝብሃል ቦታ እዩ። ኣበየናይ ቤት ትምህረቲ ዝብል ኣይፈለጥኩን። ፍትሒ የለን፤ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐርቡሉ መስርሕ እውን የለን። ካድረታት'ዮም ንዝህቢ ከም ድላዮም ዝገብርዎ ዘለዉ።

ቢቢሲ፡ ወላዲትካን ካልኦትን ዝተኣሰሩሉ ምኽንያትከ እንታይ እዩ?

ክብሮም፡ ኔትወርክ ኣጸጋሚ ስለዝኾነ ዝርዝር ምኽንያት ንምዝራብ ኣጸጋሚ እዩ። ግን ድማ እቲ ምኽንያት ምስ ግፋ ምስ ምግዳል እዩ ዝተሓሓዝ። ኣብ ገዛና ሓንቲ 18 ዓመት ዘይመለአት ቆልዓ ኣላ። ካልእ ዝተረፈ ኣብ ስደት እዩ ዘሎ። 'ንምንታይ ዘይተጋደለት ብዝብል እዩ" ዝብል ሓበሬታ ኣሎ።

ካልእ ፖለቲካዊ ነገራት እውን ክህልዎ ይኽእል እዩ። ካብኡ ነጻ እዩ ምባል ኣይከኣልን። ብዝደልዮ መጠን ከረጋግጽ ደልየ ነይረ ግን ኣይከኣልኩን። መሊሰ'ውን ስልኪ ክድውል ደጋጊመ ፈቲነ ክሰርሓለይ ግን ኣይከኣለን። እቲ ዝብሃል ዘሎ ምኽንያት ግን ዘየጋደልኩም ዝብል'ዩ።

ክትጋደል እንተኺኢላ ኣነ ሕጉስ ምኾንኩ፤ ኩሉ ክጋደል እየ ዘተባብዕ። ናይ ብዓላ ውሳነ እዩ ዝኸውን። ንሳ ዘይተጋደለት ተባሂሉ ግን ንወለዲ ምእሳር ኣብ ዓለም ዘየለ ሕጊ እዩ። ስለዚ ዘሕፍርን ነውሪ ዝኾነ ተግባር ስለ ዝኾነ ነዚ ዝገበሩ ሰባት ብሕጊ ክሕተቱ ኣለዎም። ብሕጊ እንተዘይተሓቲቶም ኣፀጋሚ እዩ ክኸውን።

ቢቢሲ፡ ነዚ ኩነታት ምስፈለጥካ ንዝምልከቶም ኣካላት ክትሕብር ወይ ክተዘራርብ ፈቲንካ'ዶ ነይርካ?

ክብሮም፡ ጉዳይ ገዛይ ወይ ቤተሰበይ ኣይኮነን። ኣነ ናይ ህዝቢ ትግራይ ተቓላሳይ እየ። ዝፈልጦም ሰባት ስለ ዘለዉ ንኣደይ ከፍትሓ ይኽእል እኸውን። እንተነጊረዮም ዝኣብዩ ኣይመስለንን። ኣነ ግን ነቲ ፖሊሲ እየ ዝቃወም ዘለኹ።

ኣዴታት ትግራይ ንምንታይ ይእሰራ እምበር ኣደይ ንምንታይ ትእሰር ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። መግቢ'ውን ኣይቐርበለንን ዘሎ። ምስ ኣሰርወን መግቢ ኣየቕርቡለንን። ኣብዚ [ኣዲስ ኣበባ] ቤት ማእሰርቲ ሰብ መግቢ ኣይቐርበሉን ዘሎ እናበልና ክንደይ ንቃወም። ኣብኡ ድማ ዝገደደ።

ቢቢሲ፡ ምናልባት ምስናትካ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዝዛመድ መንቀሊ ይህልዎ'ዶ ይኸውን?

ክብሮም፡ ከፃርይ ስለ ዝደለኹ'ምበር ክኾኑ ካብ ዝኽእሉ ነገራት ሓደ ንሱ'ዩ። ካብ ልምዲ ከም እንፈልጦ ኣይገብሩን ኣይብሃልን። ቀደም ኣብ ዓረና [ፖለቲከዊ ውድብ ትግራይ] ከለና'ውን ዝገብርዎ ግፍዕታት ነይሩ።

ኣብ ብዓል ኣብርሃ ደስታ [ፖለቲከኛን መሪሕነትን ዓረና] ካልኦትን ብውሱን ድማ ኣባይ ዘብጽሕዎም ነገራት ነይሮ፤ ስለዚ ኣይገብርዎን ኣይብሃልን። ከረጋግፆ ስለ ዝግባእ እምበር ክሳብ ሕዚ ዝኣከብክዎ ሓበሬታ ኣለኒ።

ቢቢሲ፡ ከም ፖለቲከኛ እቲ ከምዚ ዝበለ ነገራት ካብ እንታይ ዝነቐለ ክኸውን ይኽእል ኢልካ ትሓስብ?

ክብሮም፡ ውግእ ክጅምር ከሎ ኣብ ትግራይ እየ ነይረ። ሽዑ ዝረኣኽዎ ህዝቢ ክጋደል ደልዩ ዘጋድሎ ዝሰኣነ፤ ተሰሊፉ ኣጋድሉና እናበለ ዘጋድል ዝተሰኣነሉ ጊዜ እዩ ነይሩ። ዘገድዶ ኣካል ዘይነበረ ህዝቢ ከም ህዝቢ እዩ ክጋደል ዝደልይ ነይሩ።

ስለዚ ነዚ ተጋዳላይ ዝመርሖ ሓይሊ እዩ ዘየለ እምበር ትግራይ ናይ ተጋዳላይ ፀገም ስለ ዘለዋ ኣይኮነን ከምዚ ዝፍጠር ዘሎን ተኸቢብና ተሪፍና ዘለናን። ካብ ደገ ኣትዮም ዝተጋደሉ ከም ዘለዉ'ውን ንፈልጥ ኢና።

እዚኦም እናሃለዉ ዝጋደል ተሳኢኑ ኢልካ ምሕሳብ ኣይከኣልን። እቲ ዓብዪ ፀገም ኮይኑ ዘሎ እቲ ግፍዒ እዩ፤ ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ ካድረ ጨቋኒ ስርዓት ንኹሉ ትግራዋይ ሰንሰን ኣቢሉ ክገዝእ ስለ ዝደልይ ገዛ ንገዛ 'ቶታሊታሪያን' [ምልካዊ] ዝኾነ ስርዓት ዘርጊሑ ይርከብ።

ቢቢሲ፡ እዚ ዘሎ ኩነታት ብኸመይ ክፍታሕ ይኽእል ትብል?

ክብሮም፡ እቲ ዘሎ ስርዓት ናብ ካልእ ሓደጋ ከይወሰደናለ ከሎ ዝኾነ ፍታሕ ክመጽእ ኣለዎ ዝብል ናይ ውድባት [ሰልፊታት ፖለቲካ] ሓሳብ ኣሎ። ኣነ'ውን ከምኡ እየ ዝብል። ንኹሉ ዓቕሚ፣ ተሞክሮ፣ ሓድሽ ሓሳብ ዘለዎ ትግራዋይ ዝሓቁፍ ሓድሽ መድረኽ ፖለቲካ እንተዘይተፈጢሩ ብናታቶም ኣካይዳ ካብ ጥፍኣት ናብ ካልእ ጥፍኣት እምበር ናብ ለውጢ እንኸደሉ መስርሕ የለን።

ስለዚ ንኹሉ ዝሓቁፍ ፖለቲካ ክመፅእ ክኽእል ኣለዎ። እዚ ናይ ስልጣን ጉጅለ ጥፍኣት እንተዘይኮይኑ ልምዓት ከምፅእ ከም ዘይኽእል ሪኢና ኣለና። ስለዚ ኮፍ ኢልካ ናይ 'ጠረጴዛ' [ዝርርብ መድረኽ] ልመጽእ ኣለዎ።

ንኹሉ ትግራዋይ እትኸውን ትግራይ ክትፍጠር ኣለዋ። እንተዘይኮይኑ ከምድላዮም ዝዕድሩላን ዝደለይዎ ዝፍፅሙላን ትግራይ ክትቕንይ ኢልካ ምሕሳብ ኣይከኣልን። ምኽንያቱ ክንቃለስ ኢና፤ ኩሉ ትግራዋይ ክቃለስ'ዩ። ኩሉ ይግፋዕ ኣሎ።

ስለ ዘይተሰምዐ እዩ እምበር ዘይተኣሰረ ዘይተገፍዐ ትግራዋይ የለን። ሻዕቢያ ኮይኖም ዘለዉ እቶም ካድረታት ህወሓት እዮም። ስለዚ እዚ ብቕልጡፍ ደው ክብል ኣለዎ።

እቲ እመርሕ ኣለኹ ዝብል ጉጅለ ናብ ቀልቡ ተመሊሱ፤ ካብ ጥፍኣቱ ተማሂሩን ካብ ዝሓለፈ ተሞክሮ ወሲዱን ህዝቢ ትግራይ ንቐጻሊ ታሪኽ ክሰርሕ ብዘኽእል መገዲ ንኹሉ ዝሓቁፍ ስርዓት ክህነፅ ኣለዎ ኢለ እሓስብ። ናይ ኩለን ፓርቲታት ሓሳብ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣካይዳ ክመጽእ ኣለዎ ኢለ እሓስብ።


______________



ነዚ ብዝምልከት ካብ ቢቢሲ ሕቶ ዝቐረበሉ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ወጻኢ ትግራይ፡ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረ ህይወት እቲ ድምዳመ ጌጋ እዩ እኳ እንተበለ፡ ገለ ምልክታት ከም ዝነበሩ ግን ተኣሚኑ።
ምልክታት ነይሮም እዮም፤ እንተኾነ ወለዲ ዘእሰር ምኽንያት የለን። ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ይጋደል ኣሎ እዩ። ምእሳር ጥራይ ኣይኮነን ካልኦት ምልክታት'ውን ግን ነይሮም እዮም። ሕዚ ኣብዝሓ እቶም ሽግራት ተፈቲሖም እዮም
ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እንተኾነ፡ ብዛዕባ እቶም ተራእዮም ነይሮም ዝበሎም ምልክታት ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ።
ጫፋት ሒዝካ፡ ንህዝቢ ትግራይ ዓጺኻ፡ ባዕሉ ንባዕሉ ክታዃተኽ ናይ ምግባር ኣጀንዳ'ውን ኣሎ እዩ
ዝበለ እቲ ሓላፊ ብውልቀ ሰባት ደረጃ ዝፍጸሙ ጎዶሎታት ከም ዝኾኑ ሓቢሩ።

ወሲኹ፡
ሽሕን ሚኢትን ጎዶሎታት ኣለዉ እዮም። እዚኦም ናይ መንግስቲ ቅዋም ዘይኮኑስ ውልቀሰባት ዘፈጽምዎም እዮም። ኣብኡ'ውን ምስትዕርራይ ይግበር ኣሎ
ምባሉ ይዝከር።