Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Abe Abraham
Senior Member
Posts: 14412
Joined: 05 Jun 2013, 13:00

ንሰራየ ዓዲ ዝፈትዋ ዓባየይ ጻዕዳ - ሻሽ ትመስል - ተነቐፍናስ ንቃላት እንተ ደርበኻሉ ወርቂ ጌሩ ዝመልሰልካ ለባም በዓል ኩዳ ዓረዛ ዝጸላእና መሲልዎም !!

Post by Abe Abraham » 17 Feb 2022, 18:49

  • ንሰራየ ዓዲ ዝፈትዋ ዓባየይ ጻዕዳ - ሻሽ ትመስል - ተነቐፍናስ ንቃላት እንተ ደርበኻሉ ወርቂ ጌሩ ዝመልሰልካ ለባም በዓል ኩዳ ዓረዛ ዝጸላእና መሲልዎም !!

    ሕጂ 'ውን እቶም ኣዝዮም ዝፈትዎም ኣባላት ሰውራዊት ባይቶ ስድራና ኣብ ስደት መርዓ ናይ ትሽዓተ ኣላ ክትባሃል እንከላ ብኽብሪ ተዓዲሞም ኣብ ሓጎሶም ዝካፈልዎም ዝነበሩ ስለምንታይ ንመዋእል ከይጠወቕካዮም ባዕላቶም ንተጋዳላይን ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብራሃም ከም ዝጻረፉ ኣይተረደኣናን ።

    ሕጂ'ውን ድሕሪ ውግእ ናይ ባድመ ኣብ ትሕቲ ሰውራዊት ባይቶ ዝተጠርነፉ ሰረወቶት ( እንተ ዘይተፋቲሖም ባዕልቲ-ቤቱ ንተስፋይ ደጊጋ ቀረበይን ሓፍተይን ኢያ ) ስለምንታይ ተሓጒሶምን ተኣኪቦም ድማ ናብ ሑቕፊ ወያነ ተወርዊሮምን ናብ መቐለን ሃዋሳን ኣዲስን ከይዶም ሸርሞጥ-ሞጥ ይብሉ ኔሮም ?

    ናይ ዝሓለፈ ከይገድድ ከኣ እዚ ሕጂ ቀረባ ኣስመራ በተወንጫፊ ናይ ዓሻ ጅንታ - ኣብ ኣሕዋቱ ዝበልሕ - ተሃሪማ ምስ ተባህለ ስለምንታይ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ሰረወቶት ተሰራሲሮም ? ብድሕሪኡ ከኣ ከይሓፈሩ ንጁንታ ዶላራትን ዩሮታት ኣሕቑፎማ ? ደቂ ሰራየ ደቂ ኤረ ስለ ዝኾኑ ኣብ ኣስመራን ኣብ ሰራዊት ኤርትራን ኣሕዋትን ኣዝማድን የብሎምን ድዮም ? መልሱ ቀሊልን ኣለዎምን ፈረቓን ዝብል እዮም ። እሞ ቆምጨጨን ለባምን ሰረወታይ ከመይ ጌሩ ኣብ ጌጋ ይወድቕ ? እዚኣ ኩልና ኩዳ ዓረዛ እንዳ ሳዕሳዕና ክንሓስበላ ዘለና ነገር ኢያ !

    ካልእ ከ እንታይ ተረፈ ? ካልእ ምስ ኣስላም ተጋሩ ደረዝረዝ እንዳ በልካ ዓዲ ክነጥፍእ ኢና እንዳበልካ ናይ ኣይትሓዙኒ ሸርሞጥ-ሞጥን ከለብ-ለብን ናይ በዓል ፍቱው ዶክተር ገብረ ገብረ-ማርያም ከኣ ኣሎካ ። እቲ ሕቶ ንሰረወታይ ሓማሴናይ/ ጎይታ ኣስመራ ዶ ዋላስ ተመን ኣስላማይ ትግራዋይ ይቐርቦ ? ንህግደፍ ካብ ሓማሴናይ ኣስላማይ ትግራዋይ ከም ዝቐርቦ ንፈልጥ ኢና ። ደፋር ህግደፍ መሬትካ ሰሪቑ ንኣስላማይ ትግራዋይ ዓዲሉ ኣብ ስእሊ ስኢሉ ' ዋይ እዛ ኣስመራ ክትጽብቕ ኮይና ! ረኣያ 'ሞ ! " ኢዮ ዝብለካ ። ብሓንቲ ጓል ኤረ ጋዜጠኛ ጌሩ ከኣ ኣብ ቲቪ-ኤረ ( ናይ ኤረ ዘይኮነ ) ፥ ኣብ ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ምርጫ ሓላፊ ኮሜቴ ምርጫ መሓመድ ብርሃን ዓብደል ዋስዕ ጢዙ ዋስዕ ከም ዝበሎ .....

    እዚ ኩሉ እንታይ ንምባል እዩ ? ቀንዲ ጸላእትና ህግደፍን ኣብ ሰውራዊት ባይቶ ዘለዉ ሃላያት ደቂ ሰራየን እዮም ። መጽሊኢና ከኣ እቲ ክፍኣት ግብሮም እዩ ። ኣከሊኖስ ደቂ ኣክለ-ጅግና ከኣ ከምቲ ተስፋጽዮን ዝብሎ ሓደ ሓደ መንገዶም ዝጠፍኦም ጤለ-በዱታትን ጥልያን ኣብ ገለ ኣንጎሎ ወሲዱ ዝተጻወተሎም ሰባት ገዲፍካ ናይ ጀጋኑ ጀጋኑ እዮም ። ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረ-ማርያም ሓወ-ቦይ ምዃኑ ኣይትረስዑ ወደ-ሞይ ድማ ካብ እቶም ኣብ ናቕፋ ዝተሰውኡ ኣናብስ ኣኽራናት ኤርትራ እዩ ። ሃገር ከኣ በብሓደ እንዳቆጸርኩ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ብስድራ-ቤተይ ኢያ ትምራሕ ዘላ ተትብል ተጋጊኻ ዝብለኒ ኣይምረኸብኩን ።

    እዚኣ ዎ ደሓንኩም !!

.