Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Sabur
Member
Posts: 1364
Joined: 11 Aug 2018, 07:41

Rest in Power Eritrean Tegadalay Zerezghi Dawit The Hero of Arat Kilo

Post by Sabur » 09 Feb 2022, 00:30

ብሰላም ዕረፍ ሓርበኛ ተጋዳላይ ዘርእዝጊ ዳዊት ::

ጎይታ ጠባይ : ሰራሕ ቅያ : ጎይታ ኣራት ኪሎ !!

ሓርበኛ ኣይመውትን 'ዩ : ታሪኹ 'ዩ ዝውረስ !!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና !!

Rest in Peace History Maker and The Hero of Arat Kilo Zerezghi Dawit.

Eternal Glory to Our Martyrs !!

Eripoblikan
Member
Posts: 3197
Joined: 15 Sep 2019, 13:49

Re: Rest in Power Eritrean Tegadalay Zerezghi Dawit The Hero of Arat Kilo

Post by Eripoblikan » 09 Feb 2022, 11:15

RIP Eritrean hero. :cry: :cry: :cry:
Sabur wrote:
09 Feb 2022, 00:30

ብሰላም ዕረፍ ሓርበኛ ተጋዳላይ ዘርእዝጊ ዳዊት ::

ጎይታ ጠባይ : ሰራሕ ቅያ : ጎይታ ኣራት ኪሎ !!

ሓርበኛ ኣይመውትን 'ዩ : ታሪኹ 'ዩ ዝውረስ !!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና !!

Rest in Peace History Maker and The Hero of Arat Kilo Zerezghi Dawit.

Eternal Glory to Our Martyrs !!

Sabur
Member
Posts: 1364
Joined: 11 Aug 2018, 07:41

Re: Rest in Power Eritrean Tegadalay Zerezghi Dawit The Hero of Arat Kilo

Post by Sabur » 09 Feb 2022, 14:32

A must read Testament about Eritrea's Hero Martyr Zerezghi Dawit by an Eritrean Hero Mekonnen Kidane.

ካብ ባሕሪ ብጭልፋ : መስተንክር ጅግንነት ቆራጽነት !!

ጦብላሕታይ ኣብ ወዲ ኣራዊትን መድሕነይን ጅግና ዘርእዝጊ
ካልኣይ ክፋል
መኮነን ኪዳነ (ሻባይ)

ኣብ ዝባነይ ዝቐነየ መብጽዓ ካልኣይ ክፋል ሓጺር ዛንታ ጅግና ብጻይ ዘርእዝጊ ዳዊት (ገናውኖ) እየ ከቕርበልኩም።

ነዛ ዝጸሓፍኩዋ ቀዳመይቲ ኽፋል ቍንጫል ዝኽሪ ብጻይ ዘርእዝጊ ዳዊት (ገናውኖ) ዘንበብኩም፡ ብዙሓት ፈለጥቱን ፈለጥተይን ጽሒፍኩምለይን ደዊልኩምለይን። ንኹሉኹም፡ ስለ’ቲ ዕዙዝ ሓበሬታኹምን ምኽርኹምን አመስግን።

ናይ ኵልኹም ኣስማት ኣብዚ ዘርዚረ ክጽሕፎ’ኳ ኣድላዪነቱ እንተዘይተራእየኒ፡ ቅድሚ ምስላፉ ኣብ ኢስቡ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሽወደናዊ ትካል ናይ ቀረባ መሳርሕቱ ዝነበረ፡ ኣብ ብርጌድ 44 ከለና፡ ኣብ ረቡዕ ዕለት 22 ለካቲት 1984 ኣብ ዝገበርናዮ ዘይተዓወትናሉ ስርሒት ምድምሳስ ውቃው እዝ፡ ማእከልነት ሓይሊ ኰይኑ እናተዋግአን እና’ዋግአን ተወጊኡ ካብ ድፋዕ ዝወረደ ብጻይ ክብሮም መብራህቱ (ወዲ መብራህቱ)፡ ከምኡ'ውን ኣብ ውዳበ ደቂ ኣራዊት መሳርሕቱ ዝነበርካ ኣቶ ሚኪኤልን ዝሃብኩምኒ ንድሕረ-ባይታ ጅግና ብጻይ ዘርእዝጊ ዝገልጽ ሓበሬታ፡ ነቲ ብዛዕባኡ ዝነበረኒ ኣፍልጦ ኣጸቢቑ ዘሀንዙ ብምዃኑ፡ ኣመስጊነ ነመስጋናይ ክህበኩም ግቡእ’ዩ።

ሓደ ካብቲ ኩልኹም ግዱሳት ኣሕዋትን ኣሓትን ዝደጋገምኩምለይ ሓሳብ፡ ብመልክዕ መጽሓፍ እንተዝቐርብ ዝብል እዩ። ጽቡቕ ኣለኹም። ኣነ’ውን “ታሪኽና፡ ኣብ መጽሓፍ እንተጽሒፍናዮ እዩ ውዱንነትን ኢ-መዋትነትን ዝህልዎ” ዝብል እምነት ካብ ዘለዎም ሰባት ሓደ እየ። እዚ ማለት ግን፡ ኣብ መመደርያ ማሕበራዊ መራኸቢታት (Social media platform) ምጽሓፍ’ውን ኣድላዪ ምዃኑ እርዳኣኒ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ፡ ፍሉይ ሸቕታ ዝፈጥረልካ ኣጋጣሚታት ምስ ዘጓንፈካ፡ ውዑይ ስምዒትካ ከተተንፍስ ትደሊ’ሞ፡ ብመንገዲ መመደርያ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቅልቅል ምባል ዝጽላእ ኣይኰነን። ብፍላይ ነዚ “ታሪኽ ናይቲ ናጽነት ንምምጻእ ዝተሓልፈ መስገደላትን ዝተኸፍለ ዋጋን ብግቡእ ኣየዘንተኹምልናን” እናበለ ሓቀኛን ንጹህን ክሲ ዝኸ’ሰና፡ ተረካቢ ሃገር ንኡስ ወለዶና “ገለ በሎ!” ይመጸካ እዩ።

ታሪኽና ከምቲ ዝድለ ብዘይምጽሓፉ፡ ዘለኩም ስክፍታ፡ ስክፍታ ዅልና እዩ። ብብዙሓት ግዱሳት ኣጽናዕትን ጸሓፍትን፡ ገለ ካብቲ ናጽነት ንምምጻእ ዝሓለፍናዮ ብርቂ ታሪኽና ንምጽሓፍ ጻዕርታት ክግበር ጸኒሑን ይግበር ኣሎን። ናይ ኵልና ዕማም ብምዃኑ ምድግጋፍ የድልዮ።

* * * * * * * *

ከምቲ ንጅግና ብጻይ ዘርእዝጊ ማእከሉ ገይረ ክተናኽፎ ኣብ ዝፈተንኩ ቀዳማይ ክፋል ዛንታ ገኔን ብጾቱን ኣብ ስርሒት ምሕራር ቤተ መንግስቲ ኣራት ኪሎ ዝበልኩዎ፡ ብዛዕባ ገኔ ክበሃል ዝኽእል እምብዛ ብዙሕ’ዩ። ብዙሕ ካብቲ ብዝተፈላለየ ኵርናዓት ዝመጸኒ ዘሎ ሓበሬታታት፡ ቅድሚ ሕጂ ጫፉ ጥራይ ይፈልጦ ንዝነበርኩ ማዕከነይ ዘሀብትም ስለ ዝዀነ፡ ንቐጻሊ ክግበር ብዛዕባ ዝከኣል ክትሓስብ ዝድርኽ እዩ።

ሃንደበታዊ መስዋእቲ ናይ ሓርበኛ ብጻይ ዘርእዝጊ ዳዊት (ገኔ) ምስ ኣጋጠመ፡ ቍሩብ ክነብዓሉ ደልየ - ብብርዐይ!
ክሓናጥጥ ምስ ጀመርኩ፡ ንብዓት ብርዐይ ምቍራጽ ጸጊሙኒ። ኣብዛ ንገለ ካብቶም፡ ከይተነግረሎም ምስ ዋናታቶም ሓመድ እነልብሶም ዘለናን ነጋሪ ዝጽበዩ ዘለዉን ውዕሎታት ገድልና፡ ንኡስ ኣበርክቶ እንተሃለዋ ብዝብል ሓሳብ፡ መጽናዕታ ወዲአ ክጽሕፋ ጀማሚረ ዘለኹ ምጥን ዝበለት መጽሓፍ፡ ንገለ ውዕሎታቶም ክነግረሎም ሒዘዮም ካብ ዘለኹ ብጾት ብምዃኑ ግን ጸገም የለን።

ምስ ብጻይ ዘርእዝጊ፡ 40 ዓመታት ዘቝጸረ ሌላ እዩ ዘለና። እቲ ብዝሒ ዓመታት ግን ንስለ ቍጽሪ ጥራይ ኣይኰነን። በቲ ዝኸበረ ሂወት ዝሓትት፡ ዝመረረ ፈታኒ እዋን ዝተሓልፈ ዓመታት ብምዃኑ፡ እቲ ቝጽሪ ልክዕ መግለጺ ንዕምቈት ምፍልላጥና ዘይክኸውን ይኽእል እዩ። ሓንቲ ዓመት ኣብ ኵሉ ኣሎ ዝበሃል፡ ገድሊ ገደል ዝፈጠሮ ምረት ሂወትን ኵናትን፡ ሓንቲ ዓመት ኣብ ሰላምን፡ ብዕምሪ ይኹን ብዓይነት ማዕረ ኣይኰናን። ብሓደ መዐየሪ ክትልክዐን ስለ ዘይከኣል። ብቐሊል ኣበሃህላ፡ ‘ሓንቲ ብቓንዛ እናተለለኻ እትሓልፍ ለይትን ሩፍ ኢልካ ደቂስካ እተውግሓ ለይትን ንውሓተንን መቐረተንን ሓደ እዩ’ ዝብል እንተሎ፡ ዘይፈተና ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል ምበልኩ።

* * * * * * * *

ምናልባት ብዙሓት ሰባት፡ ንሰብ ከም ፍጡር ብሓደ ፍቕዲ ይቘጽሩዎ ይዀኑ። እዚ ናይ ቍጽሪ ስነ-መጐት እዚ ግን፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ሰውራና ኣይሰርሕን እዩ። ወዲ ሰብ እንተተራቢሑ ክንዲ ብዙሓት ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ካብቶም ንቓልስና ዘዐወቱዎ ዓበይቲ ረቛሒታት፡ ኣራባሒ ባህርያቱ እዩ። ገድልና፡ ንሓደ ተጋዳላይ እንተወሓደ ብኽልተ፡ እንተተኻኢሉ ድማ ክሳብ ክራብሖ ብዝኽእል ርባሓት እናባዝሐ ክምልምል ዝጽዕር ምንባሩ፡ ሓደ ካብ ምስጢራቱ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ብዙሕ ቍጽሪ ዝሕዝ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ በዓል ካላሽን ተዋጋኣይ ጸኒሑ፡ ሓኪም፡ መድፍዓጂ ናይ ካብ ዝተሓቱ ክሳብ ዝለዓሉ ስትራተጂካውያን ኣጽዋር፡ ጽንሕ ኢሉ ስትራተጂ ውግእ ሓንጺጹ ዘዋግእን ዘመሓድርን መራሒ፡ ኣመሓዳሪ ህዝቢ፡ ናይ ስለያ በዓል ሞያ፡ ክኢላ ካርታ፡ ባሕረኛ፡ ስነ-ጥበበኛ፡ መካኒክ፡ መራሒ መኪና… ወዘተ እናዀነ እዩ ተቓሊሱ። ኣብ ዝተፈላለዩ ሞያታት እናተገላበጠ፡ ሓደ ክንዲ ብዙሓት ተራቢሑ። ብፍላይ ናይ ገለ ተጋደልቲ ዘገርም እዩ። ተራቢሖም ኣብ ዘዝኣተዉዎ ሞያታት ብዓወት ጸብለል ኢሎም ይወጹ። ብጻይ ዘርእዝጊ (ገኔ) ሓደ ካብኣቶም እዩ።

ገኔ፡ ካብ ቅድመ-ሰውራ ጀሚሩ፡ ኣብ ሰውራ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብዘን ዝሓለፈን ናይ ናጽነት ዓመታት ዝዝርጋሕ ተራባሕነት ዝነበሮ ሓርበኛ ምዃኑ፡ ሓደ ካብ ፍሉይነታቱ እዩ። ብዛዕብኡ ምዝንታው በዳሂ እዩ። ነየናይ ዘርእዝጊ ኢኻ’ሞ ክትሕዝ? በብዅርናዖም ክግለጹ ዝግብኦም ፍልጠታቱ፡ ተመኵሮታት ስርሑ፡ ሞያታቱን ሓላፍነታቱን ብዙሓት እዮም። ተመሃራይ፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ (ቅድሚ ምስላፉ)፡ ወዲ ኣራዊት፡ ተራ ተዋጋኣይ ተጋዳላይ፡ ሓኪም፡ መድፍዓጂ ሃውናትን መዳፍዕን፡ መራሒ ጋንታ፡ ታንከኛ፡ መራሒ ሓይሊ፡ ሓላፊ ክራይ ኣባይቲ፡ ሓላፊ ህዝባዊ መጐዓዝያ ዞባ ማእከል፡ ኣመሓዳሪ ከተማ ከረን. . . ክንደይ ክበሃል! ታሪኽ ጅግና ብጻይ ዘርእዝጊ ብእኹል መጽሓፍ ጥራይ እዩ ክዝንቶ ዝከኣል።

ንኸምዚ ዓይነት ተራባሒ ተመኵሮታት፡ ሞያታትን ሓላፍነታትን ዝውንን ሓርበኛ፡ ኣብ ከምዚ ጸቢብ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት መመደርያ ብምልኣት ከተዘንትወሉ ከቢድ’ዩ። ንምጥቃሱ ጥራይ፡ ንገለ ካብ ተራባሕነት ገኔ ትንክፍ ምባሉ ሓፈሻዊ ስእሊ እንተሃበ ግን ክፍትን።

መንእሰይ ዘርእዝጊ፡ ኣመሓዳሪ ሰራሕተኛታት

ካብ ኣቦኡ ቀሺ ዳዊት ዑቕባገብሪኤልን ኣዲኡ ወይዘሮ ይሕደጋ ኢፋግን ብ 1950፡ ኣብ ዓዲ ቐሺ ዝተወልደ ዘርእዝጊ፡ ሓደ ካብቶም ብሉጻት ተመሃሮ ናይ ግዜኡ እዩ ነይሩ። መንእሰይ ዘርእዝጊ፡ ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቱ ምስ ወድአ፡ ስድራ ቤቱ ንምሕጋዝ፡ ናብ ናይ ስራሕ ዓለም’ዩ ተዋፊሩ።
ኣብ 1971 ድማ፡ ሰራሕተኛ ናይቲ ቀንዲ ስርሑ ምህናጽ መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ገይሩ፡ እንተላይ ናብ ገጠራት ዝኣትዉ ጽርግያታትን ክሊኒካትን ዝሃንጽ ዝነበረ፡ ብናይ ሽዑ ቅርጺ ምሕደራ፡ ኣብ ሓሙሽተ ክፍለ ሃገራት (ኤርትራ፡ ትግራይ፡ በጌምድር፡ ወሎን ጎጃምን) ዝነበረ ኢስቡ/ESBU (Elementary Schools Building Unit) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ሽወደናዊ ትካል ተቘጺሩ።

ገኔ ኣብ ትካል ኢስቡ፡ መደብ ስርሑ፡ ናይቲ ንብምሉኡ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ፡ 150 ሰራሕተኛታት ዝነበሩዎ፡ ኣብ ከባቢ ፋብሪካ ቢራ ኣስመራ (መሎቲ) ዝነበረ ዓቢ ናይቲ ትካል ጨንፈር ስራሓት ዕንጨይቲ (wood work) ኣመሓዳሪ እዩ ነይሩ። ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያን ኤርትራን እናተንቀሳቐሰ ሰሪሑን ኣመሓዲሩን።

ንሱ፡ ብደሞዙ ዝነባበር፡ ከም መንእሰይ ዝሓሸ ናብራ ዝነበሮ፡ እኹል ተመኵሮ ሂወት ደሊቡ ንሜዳ ዝተሰለፈ ሰብ'ዩ ነይሩ። “ኣብ ኣኼባታትና፡ ደቂቕ ኵነታት ናይቶም ዘመሓድሮም ዝነበረ ሰራሕተኛታት፡ ልዕሊ’ቲ ብወረቐት ዘቕርቦ ጸብጻብ፡ ብኣእምሮኡ ተንቲኑ ክገልጾ ከሎ ይግረም ነይረ።” ኢሉኒ ሓላፊ ፐርሰነል ትካል ኢስቡ ዝነበረ ብጻይ ወዲ መብራህቱ፡ ንብልሒ መንእሰይ ዘርእዝጊ ክገልጽ ከሎ።

ወዲ ኣራዊት ዘርእዝጊ

እዞም ንኣሽቱ ኣሕዋትናን ደቅናን መታን ክትፈልጡ፡ ደቂ ኣራዊት ዝብል መጸውዒ፡ ውድብ ህዝባዊ ሓይልታት (ደሓር ህዝባዊ ግንባር) ኣብ ሕምብርቲ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን፡ ንመግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ውሽጡ እናኣተወ፡ ሓለፍቱን ጃሱሳቱን ብምቕንጻል መንጸሮር ኣትሒዙዎ ዝነበረ፡ ታሪኹ ተዓብዒቡ ነጋሪ ዝጽበ ዘሎ ረቂቕ ምስጢራዊ ውዳበ እዩ።

ካብ 1974 ምስ ህዝባዊ ሓይልታት ተወዲቡ ክሰርሕ ዝጀመረ ዘርእዝጊ፡ ኣባል ናይቲ ረቂቕ ውዳበ ደቂ ኣራዊት እዩ ነይሩ። ምስቶም ንዘድልዮም ኣዛዚ ይዅን ተሓባባሪ ጸላኢ ቀንጢቦም ናብ ድርፎ፡ ርእሲ ዓዲን ካልእ መበገሲኦምን ዝምለሱ ዝነበሩ፡ ካብ በረኻ ዝኣትዉ ኣባላት ደቂ ኣራዊት፡ ንኣርባዕተ ዓመታት ሰሪሑ። ዘርእዝጊ ዝርከቦም ቀትሪ ኣጽኒዖም ኣጻፊፎም ዝውዕሉ ደቂ ኣራዊት፡ ጸላም ተጐልቢቦም ኣራእስ ጸላእቲ ክቕንጥቡ ሓዲሮም፡ ንጕሆ ሓንቲ ከም ዘይገበሩ፡ ነናብ ስርሖም ይወፍሩ። ዘርእዝጊ ዘመሓድረን ናይቲ ትካል ናይ ስራሕ መካይን ስለ ዝነበራ፡ ንብዙሓት ካብቶም ኣብ ከተማ ኣስመራ ዘካዪዱዎም ስርሒታት ሰውራ፡ በተን ዘርእዝጊ ዘዳለወን መካይን ስርሑ እዮም ዝፍጽሙዎም ነይሮም። ከም ኣመሓዳሪ ናይቲ ትካል፡ ንባዕሉ መኪና ዝሕዝ ዝነበረ ገኔ፡ ስልጣኑ ተጠቒሙ፡ ኣየነይቲ መኪና ኣበየናይ ስርሒት ከም ትሳተፍ እናለዋወጠ፡ ምስ ብጾቱ ጸላም ተጐልቢቡ፡ ናብ ከይተራእየ ዝጐብጥ ኣራዊት ተቐይሩ፡ ንስርዓት ደርግ ዕብድብድ የእትዮምሉ ካብ ዝነበሩ ምስጢራውያን ተጋደልቲ እዩ።

ገኔ፡ ኣብ 1975-1976 ተጠርጢሩ ተኣሲሩ እዩ ኣሕሊፉዎ። ንዝቐረበሉ ጥርጠራ ኣሉ ቐጣን ብምባል፡ ምስጢር ምእንቲ ከየምሉቝ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣብ ልዕሊኡ ንዝወረደ ስቓይ መርመራ, ብጽንዓት ስኑ ነኺሱ ተጻዊሩዎ። ኣብ መወዳእታ ብቝዕ መርትዖ ስለ ዘይተረኽበሉ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ።

ዘርእዝጊ፡ ሳላ ምስጢራውነቱን ጽንዓቱን ካብ ቤት ማእሰርቲ ነጻ ምስ ተለቐቐ’ውን ንምስጢራዊ ዕማሙ ብዝለዓለ ደረጃ እዩ ቀጺሉዎ። ስፍሓትን ዕምቈትን ናይ ደቂ ኣራዊት ክፋል ቃልሱ፡ መሳርሕቱ ከዘንትዉዎን ክስንዱዎን ስለ ዝበልጽ ካብዚ ኣይክሓልፍን’የ።

ተጋዳላይ ዘርእዝጊ፡ በዓል ተውለ ሞያ

ገኔ፡ ኣብ ናይ ከተማ ምስጢራዊ ስራሓቱ ክጥርጠር ምስ ዝጀመረ፡ ብ 09 ነሓሰ 1978 እዩ ናብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፉ። ኣብ ማህሚመት ወተሃደራዊን ፖለቲካውን ትምህርቱ ወዲኡ ድማ ናብ ብርጌድ 76.23 (ኣጋር ከቢድ ብረት) ተመዲቡ። ዝነበሮ ዓቕሚ ተራእዩ፡ ብሓድሹ እንከሎ፡ ኣጋር ሓኪምን መድፍዕን ተማሂሩ። ኣብ መወዳእታ ዓመተ-1982፡ ውዳበ ተዋጋኢ ክንፊ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ብርጌድ ሓደ ማእከላይ ትርሺታት፡ መዳፍዕን ሃውናትን ዝዓጠቐ ሓይሊ ክህሉ ምስ ተወሰነ ድማ፡ ናብ ብርጌድ 44.04 ተቐዪሩ።

ቅድሚ ምስላፉ 12 ክፍሊ ወዲኡ፡ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ብደረጃ ሓላፍነት ይሰርሕ ስለ ዝነበረ፡ እኹል ተመኵሮ ሂወትን ፍልጠት ሕብረተሰብን ካብ ዝነበሮም ተጋደልቲ እዩ። ምሸት ኣብ እዋን ሓለዋ ቐጽል ይኹን ካልእ ኣጋጣሚታት፡ ነቲ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኢትዮጵያን ኤርትራን እናተቐያየረ ዘሕለፎ ሂወት ንእስነት ከዕልለና ንብህጎ ኔርና። ብፍላይ ነቶም ኣብ በረኻታት ሳሕል፡ ምስ ሕሰም ናብራ ገድሊን ናይ ውግእ ሂወትን እንነብር፡ ንሂወት በቲ ካልእ ገጻ ዘይንፈልጣ መንእሰያት ተጋደልቲ፡ ከም በዓል ዘርእዝጊ ዝኣመሰሉ፡ ንሂወት ሕብረተሰብ ኤርትራን ኢትዮጵያን በቲ ማሕበረ-ቍጠባዊን ባህላዊን ሓቀኛ መዳያቱ ኣስተማቒሮም ዝወጹ መምህራን ክንረክብ ቀሊል ኣይነበረን።

ሰውራ ኤርትራ ካብን ናብን ወለዶታት እናተወራረሰ እዩ ተዓዊቱ። ሓደ ካብቶም ብኽብሪ ንዝክሮም ኣውረስትን መልመልትን ተጋደልቲ ድማ ብጻይ ዘርእዝጊ እዩ። ብልክዕ መምህራንና እዮም በዓል ገኔ። ኣብ ኣሃዱና ተውለ ሞያ ካብ ዝነበሮም ኣባጽሕ ናይ ሓይልና እዩ። ሓኪምን መድፍዓጂን። መድፍዓጂ ሓደ ብረት ጥራይ ኣይነበረን። ብስቑል ዝትኰሱ ካብ ዝነኣሱ ክሳብ ዝዓበዩ ሞርታራት ዝርከቡዎም ሃውናትን ብተንሽንን ሓውሲ ስቑልን ዝትኰሱ መዳፍዕ 75 ቢቴንን። ብሉጽ ተኳሳይን መምህርን ኣጽዋር ነይሩ።

ብሉጽ መምህር ኣካዳሚ እባ ኸኣ። ንዝዀነ ዓይነት ትምህርቲን ክፍሊን ክምህር ዘኽእሎ ፍልጠትን ናይ ኣመሃህራ ክእለትን ነይሩዎ።

ምስ ምቕሉል ጠባዩን ፍሕሹው ገጹን፡ ዓይንኻ ትደፈን ዝብሎ ዘይብሉ፡ ብጭርቃን ኣፍካ ዘየኽድን፡ ብምልእቲ ሓይሊ ዝፍቶ፡ ኣድሃ ተጋዳላይ’ዩ። ንገናውኖ መሬት ቀውጢ ኰይና ጸቢባ ከላ ተጨኒቑ ርእየይዮ ዝብል ኣይርከብን እዩ። እቶም ዝነኣስና ተጋደልቲ፡ ከምኦም ንኽንመስል ካብ እንምነዮም ዝነበርና፡ ሞዴል ገዳይም ተጋደልቲ ናይ ኣሃዱና እዩ።

ይዝከረኒ፡ ኣብ 1984 ዓ.ም. ኣብ ግራት ዓሪድና ከለና እዩ። ኣጋር ሓኪም ክመሃር ተደልየ። ዕጭ ሓንፈፍኩ ኢለ። ብፍላይ እቶም ንኣሽቱ ተጋደልቲ፡ መድፍዓጂታት ክንከውን ጥራይ ኢና ንብህግ ዝነበርና። ብናይ ሽዑ ኣመለኻኽታና እታ ገድሊ ትበሃል ተዋጋኣይ ምዃን ጥራይ እያ ዝነበረት። ካልእ ሞያ ገድሊ ንዓና ካልኣዊ እዩ። ናይ ንእስነትን ዘይብስለትን ነገር’ዩ።

“ኣጋር ሓኪም ኣይመሃርን እየ” ምስ በልኩ፡ መራሕ ሓይልና ሃይሉ ሃብተ (ስዉእ) ጸዊዑኒ። ክገንሓኒ እዩ ደልዩ።
“መእበዪኻ ምኽንያት እንታይ እዩ?” ሓቲቱኒ።
“ኣነ መድፍዓጂ’ምበር ሓኪም ክኸውን ኣይደልን እየ”
“ክልቲኡ ክትኰነልና እንተደለናኸ? በዓል ዘርእዝጊ ኣይትርእዮምን ዲኻ ዘለኻ? መድፍዕን ሕክምናን ብሓንሳብ ኣጣሚሮም ይኸዱ። ክንዲ ክልተ ሰብ ይጋደሉ። ሓኪም ምዃን ካብ ብረት ምትኳስ ዘትርፈካ ኣይኰነን” ኣእሚኑኒ። ንናተይ ሞዴል ዝዀነ ዘርእዝጊ ግብራዊ ኣብነት ገይሩ "ሐራይ" ኣቢሉኒ። ክብድሆ ኣይከኣልኩን። ርዒመ መቃ። እተን ኣብ ሓይልታት ዘሕለፍኩወን መዋእል ገድለይ፡ በታ ናይ ገናውኖ ሞዴል መድፍዓጂ ሃውናትን ሓኪምን ኰይነ ኣሕሊፈየን።

ዘርእዝጊ፡ ቅድሚ ምስላፉ ኣብ ሓፋሽ ውድባትን ደቂ ኣራዊትን ዝተወደበ መንእሰይ ብምንባሩ፡ ካብቶም ብፖለቲካ ዝበሰሉን ንምረት መግዛእቲ ኣጸቢቖም ተረዲኦም ዝተሰለፉን ተጋደልቲ እዩ ነይሩ። ኣብ ፖለቲካዊ ትምህርቲ፡ ገናውኖ ንዝተፈላለዩ ኣምራት ፖለቲካ ኣተኣሳሲሩ ክትንትን እንከሎ ሃህ ኢልና ኢና ንሰምዖ ዝነበርና። ብዝነበሮ ፖለቲካዊ ብቕዓት ድማ፡ ኣብ መፋርቕ ሰማንያታት ፖለቲካዊ ኮሚሳር ጋንታ፡ ብድሕሪ ምድምሳስ ናደው ናብ መካናይዝድ 74 ታንከኛ ብርጌድ 23 ምስ ተቐየረ ድማ፡ ፖለቲካዊ ኮሚሳር ሓይሊ ኰይኑ ተጋዲሉ።

ምስ ዘርእዝጊ ኣድቂቕና ዝተፋለጥናሉ፡ ኣብ 1985 ኮሚሳር ጋንታና ምስ ኰነ እዩ። ብፖለቲካ፡ ኣካዳሚ፡ ትምህርቲ ኣጽዋርን ካልእን ንሰባት ንምምዕባል ድቃስ ኣይነበሮን። ንዓይ’ሞ እንተላይ እቲ ውህሉል ናይ ሕክምና ተመኵሮኡ እና’ካፈለ ብግብሪ ምሂሩኒ።

መድሕነይ ጅግና ዘርእዝጊ

ገኔ ብዙሕ መዘከሪ እዩ ዘለዎ። ቅድሚ ኣዋርሕ፡ ብደረጃ ኣሃዱ ተራኺብና ኣብ ዝገበርናያ ናይ ስነዳ ርክብ፡ ማእከል ስሕበት ተዘክሮታትና ነይሩ። ብዙሕ ናይ እዋን ሰላምን ኵናትን መዘከሪ እዩ ዘለዎ። ኣብቲ ኣኼባና፡ ሓደ ካብ መስከርቲን ኣዘንተውቲን ጅግንነት ዘርእዝጊ ኣነ ነይረ።

ሎሚ ኣብ ቅንያት-ፋንዋኡ፡ ምስ ውዑይ ጓሂየይ፡ ንጅግና ብጻይ ዘርእዝጊ በዛ ሓንቲ ካብተን ጦብላሕታ ዝገደፋለይ፡ ናይ ሓባር ተዘክሮታትና ከልዕሎ ከለኹ ሓበን ይስማዓኒ። ሂወቱ ወፍዩ ብሂወት ኣብ ምድሓነይ ንዘርኣዮ ጅግንነት፡ ብሓዘን ዘይኰነስ ብሓበን ክዝክሮ ስለ ዘለኒ!
በዛ ንዓይን ንዕኡን ጥራይ እትምልከት ኵርናዕ ጥራይ ቍንጭል ኣቢለ’የ ንኽብሩ ክዛረብ። ሕድሮ ጋንታና፡ ንበይኑ ብሰፊሕ ክዝንቶ ዘለዎ፡ ነብሱ ዝኸኣለ ጭርጭር-ዓበደ ብምዃኑ፡ ኣብዚ ዝተናኸፍ ኣይኰነን።

ሰሉስ 15 ጥቅምቲ 1985። ሓንቲ ካብተን ጽሉላት ለይትታት ገድልና።
እቲ ቦታ፡ ኣብቲ ንውቃው እተባህለ ደርማስ እዚ፡ ቅድሚ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ጐላጕል ጥሒንና ኣብ ባሕሪ ዘጥሓልናሉ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል እዩ። ብድሕሪ ንውቃው ምድምሳስና፡ ነቲ ግንባር ገዲፍናዮ፡ ኣብ ካልእ ግንባራት ኢና ዝነበርና።

ጸላኢ ኣብቲ ዘይነበርናሉ ዕርድታትና፡ ኣሀሚሉ ብኣየር-ወለድ ሰራዊት ብምውራድ፡ ከገርሃና ዝፈተነሉ፡ ብ10 ጥቅምቲ 1985፡ ባሕረ-ነጋሽ ዘጠመቖ ወራር ፈንዩልና።

ቅድሚ’ታ ናይ ዕለት 15 ጥቅምቲ 1985 ጽልልቲ ለይቲ፡ ንሓሙሽተ ለይትን መዓልትን ኢና ብዘይ ዕረፍቲ ክንዋጋእ ቀኒና። ምስኡ መራሒ ጋንታና ዝነበረ ዓብለል ረዘነ (ስዉእ) ብድሮ ስለ ዝተወግአ፡ ዘርእዝጊ ንበይኑ እዩ ንጋንታና ሒዙዋ ቀንዩ።

ኣብታ ለይቲ፡ ጸላኢ፡ ቅድም ብዘለዎ መዳፍዕ፡ ታንክታትን ረሻሻትን ንድፋዓትና በናቝሩዎ። ነቲ ከቢድ ደብዳብ ተጐልቢቡ ዝደየበ ሺሾ ኣጋር ሰራዊት፡ ተሪር መጥቃዕቲ ፈንዩ ኣብ ድፋዕና ኣትዩ። ውግእ ኢድ ብኢድ ኰይኑ። ውግእ ተሓዋወስ ብግብ ዝበለ ጸልማት፡ ዝፈተና ጥራይ እዩ ዝፈልጣ። ብጻይካ ድዩ ጸላኢኻ ርኢኻ ዘይተለልየሉ ግናይ ውግእ'ዩ። ብፍላይ ኣብ ወጋሕታ፡ ገለ ወተሃደራት ብጐድንናን ብድሕሬናን ምስ ተጠውዩና ኵነታት እናጸንከረ ከይዱ። ጋንታና ከም ሕሱም ተጨፋጪፋ።

ኣብቲ ምልእቲ ጋንታ ተገዲምና ክንጋጠመሉ ዝሓደርና ተረተር ሽግለት፡ ገኔ ከም ወናም ደባላይ ንየማነ-ጸጋም እናተወናጨፈ ጋንታኡ ከመሓድርን ክተሓናነቕን’ዩ ኣውጊሑዋ። ኣብ ዕጥቁ ዝነበራ ቦምባ ቻይናታት ወዲኡ ብቦምባ ኤፍዋን ኣደፋፋን ክጻወት ብዓይንና ርኢናዮ። ኣብታ ለይቲ ከም ሓላፊ፡ የማነ-ጸጋም እናተጻፍዐ ተጋደልቱ ክኣሊ፡ ከም ተራ ተዋጋኣይ ብቦምባ ኢድ ክደራገምን ዝተወግኡ ከውጽእን ብዝሓደራ ሕድሮ፡ ንዅላ ሰብ ብግብሪ ምሂሩዋ። መሬት ብርህ ክብል ከሎ፡ ንጸላኢ ካብ ድፋዓትና ኣውጺእና ንቝልቍል ኣጽዲፍናዮ።

ጸላኢ፡ ንጕሆ ብሸነኽ ደብረ-እበን ተመዅልዩ ከፍርሰና ካልእ ማዕበል ብጸጋምና ከደዪብ ጀሚሩ። ጸሓይ በሪቓ፡ ኣጸቢቕና ንረኣኣየሉ እዩ ነይሩ። ነዋሕቲ ብረታትና ኣቕኒዕና ክንዓግቶ ጀሚርና። ምድያብ ምስ ከላእናዮ፡ ብስያፍ ብሬን ፒከይ ተኺሉ ክሃርመና ጀሚሩ። ብፍላይ ብሸነኽ ጸጋማይ ወገን ምንቅስቓስ ከሊኡና። እቶም ብሰንኪ ብቕድሚኡን ኣብታ ለይትን ዘጋጠመና ብዝሒ መውጋእትን መስዋእትን ዳርጋ ናብ ፍርቂ ጸሪና፡ ጠያይትናን ቦምባታትናን ኣብ ምውዳእ ዝነበርና ጋንታና፡ ነቲ ብቕድሜና ዝነበረን ብጐድንና ክሃርመና ዝጀመረን ሓይሊ ጸላኢ፡ ንየማነ-ጸጋም እናተገላበጥና ንከላኸል ነበርና።

ብልዕሌና ኰይኑ ዝከታተለና ዝነበረ ዘርእዝጊ፡ ጸዊዑ፡ ምስ ንጕሰ ዘራጽዮን (ሰካ) ነቲ በዓል ብሬን ጸላኢ ክንሕዞ ሓቢሩና። ምስ ሰካ ብሬንና ጠዊና ነቲ ወተሃደር ርእሱ ቀቢርናዮ። ኣስቂጡ። ጸኒሑ በድራጋ ውትፍ-ውትፍ የብለልና። ንምልሰሉ። ንሓጺር ግዜ ተሃላሊኽና። ኣብ ስግርና፡ ንሸነኽ ደብረ-እበን፡ ፍንትት ኢሉ ኣብ መንቀራቕሮ ዓበይቲ ኣኻውሕ ኣትዩ ስለ ዝነበረ ግን ብቐሊል ክንቀትሎ ኣይከኣልናን። እናተበራረና ብጠያይት ብሬንና፡ ነታ ዝነበራ ምንቃዕ ከውሒ ስለ ዝበናቘርናያ ግን ከም ናይ ቅድሚኡ ክቕልቀል ኣይከኣለን። ጸጸኒሑ ጥራይ ክትኵሰልና ጀሚሩ። ጋንታና ቍሩብ ትንፋስ ረኺባ።
ነዊሕ ከይጸንሐ መራሕ መስርዕና ኪዳነ ተወልደብርሃን (ወዲ ኮማንድስ) ተወጊኡ ብየማንና ወዲቑ። ናባና ይቐርብ ስለ ዝነበረ፡ ዘርእዝጊ ከነውጽኦ ሓቢሩና።

ካብታ ምስ ሰካ ዝነበርናያ ትሕተ-መሬታዊት ድፋዕ ቦሎዅ ኢለ ናብታ ኵጀት ክወጽእን፡ ጸሚድናሉ ዝጸናሕና መድፍዓጂ ብሬን ወተሃደር፡ ጥይቱ ኣብ ሰለፈይ ከዕልባን ሓደ ኰነ። ዓጽሚ ሰለፈይ ተሓምሺሹ፡ ኣብታ ቃልዕ ብራኸ ናይታ ኵጀት ራዕ ኢለ ወደቕኩ። ዕጥቀይ ናብ ኣፍልበይ ተጠውዩ፡ ደመይ እናፈሰሰ፡ ስቡር ጸጋማይ ሰለፈይ ዓጽሙ ተገዪጹ፡ ናብቲ ጥዑይ የማናይ እግረይ ተመሳቒሉ ካብ ቍጽጽረይ ወጻኢ ኰነ። በዓል ብሬን ክደግመኒ ነዝሒ ጠያይቱ ብጽዑቕ ፈነወለይ። ኣይጨመተንን። ሰካ’ውን ኣይሓመቐን። ሓንሳብ ናብኡ፡ ሓንሳብ ናብ የማን ዝነበሩ ወተሃደራት እና’በራረየ ተሃላለኾም። ሞራል ዝገበረ በዓል ብሬን ወተሃደር “ዝቐርብ ሰብኣይ እንተሎ ሃየ!” ዝበለ ክመስል፡ ሓንሳብ ናብ ሰካ፡ ሓንሳብ ናባይ ተዅሱ እናበራረየ፡ ነታ ዝወደቕኩላ ብራኸ ኣሲሩ ቀውጢ ገበራ። ብጾተይ ከየልዕሉኒ ጅሆ ሒዙኒ በቃ።

ዘርእዝጊ፡ ብሸነኽ የማንና ንዝነበረ ተሓጋጋዚ መራሕ መስርዕና ወዲ ሰዓድ ከውጽኣኒ ሓቢሩዎ። ወዲ ሰዓድ፡ እናተሳሕተ፡ ቅርጹ ሰይሩ ብድንን ድንን ኣብታ ዘለኹዋ በጺሑ። ኣብ ጐድነይ በጥ በለ። እቲ በዓል ብሬን ወተሃደር፡ ብጻዕቂ ጠያይቲ መሬት ኣጨነቓ። ኣይሃረሞን። እንተዀነ ግን፡ ከውጽኣኒስ ይትረፍ ንዝፈስስ ዝነበረ ደመይ ክጅንነለይ’ውን ኣየኽኣሎን። ብነዝሒ ጠያይት ካብታ ዝደቀሳ ፍሕት ከብሎ ኣይከኣለን።

ኣብ ስግርና ዝነበረ ተባዕ መራሒ ጋንታና ዘርእዝጊ፡ ኣብዚኣ’ዩ ጅግንነቱ ኣርእዩና። ንሱ ሓጻር’ዩ ሓሲቡ። ክድሕን ወይ ብዓረር ናይቲ በዓል ብሬን ወተሃደር ክምንጠል ብዘየገድስ፡ ባዕሉ ከውጽኣኒ ወሰነ። ንወዲ ሰዓድ “ግደፎ ቀልጢፍካ ውጻእ!” በሎ። ወዲ ሰዓድ፡ ኣንፋሒኹ፡ ካብ ርእየት ናይቲ በዓል ብሬን ንቝልቍል ተኸዊሉ። ንገኔ፡ ኣንቴና ረድዮኡ ኣእትዩ፡ ብኽሳዱ ኣሕሊፉ ክሕንገጣ ከሎ፡ ኣብታ ወዲቐላ ዝነበርኩ ኰይነ ብጎቦ ዓይነይ ኣማዕድየዮ።

“ሞኬ! ክልቲአን ኣእዳውካ ሓፍ ኣብለለይ። እንተዘየሎ በታ ጥዕይቲ እግርኻ ክጐ’ተካ እየ” ኢሉኒ ብዓውታ። ንዓይ ከድሕን ሂወቱ ከወፍየለይ ወሲኑ እዩ። ዝሓሰባ ድምብርጽ ከይበሎ ክገብራ ምዃኑ ይፈልጥ እየ። ክልቲአን ኣእዳወይ ሓፍ ኣበልኩሉ።

ገኔ፡ ካብታ ዝነበራ ስግር ናባይ ክመጽእ እንተዀይኑ ክሰግራ ዘለዎ ንእሽቶ ክሳድ ኣላ። እቲ በዓል ብሬን ኣጸቢቑ ዝርእያ ቃልዕ እያ። ዝገደደ ግን ናባይ ምስ ደየበ እዩ። እታ ዝወደቕኩላ ኵጀት ኣጸቢቓ ቀላጥ ብምዃና, መጸግዒ ይኹን መኸወሊ የብሉን። እቲ ብቐሊል ክትህረም ኣብ ዘይትኽእል መንቀራቕሮ ከውሒ ደብረ-እበን ተሓቢኡ፡ ብጾተይ ከየውጽኡኒ ጅሆ ሒዙኒ ዝነበረ ወተሃደር፡ ብነዝሒ ጠያይት ብሬኑ ከውድቖ ልዑል ተኽእሎ እዩ ዘሎ። ገኔ ግን ኣይዓጀቦን። ነፊሩ ክበሃል ብዝከኣል ፍጥነት ነታ ኽሳድ ክቘርጻ ብጕያ ነቐለ። በዓል ብሬን ወተሃደር ከም ሕሱም ጠያይቲ ነፈየሉ። ብዕድል ግን ኣይረኸቦን። ጠኒኑ ኣብታ ዝወደቕኩላ ኵጀት ደበኽ በለ። ኣብኡ’ውን እቲ በዓል ብሬን ወተሃደር ኣይሂ ጠያይቲ ነፈየሉ። ብዕድል ኣይጨመቶን።

ኣድራጋ ጠያይቲ ዝትኰሰሉ ዝነበረ ዘርእዝጊ፡ ሓፍ ኣቢሉ ክስከመኒ ዕድል ኣይነበሮን። በታ ዝመጻ ብኽልቲአን ኣእዳወይ ከም ሽላ ቦጕ ኣቢሉ መንጢሉ ጐቲቱኒ ናብ ድሕሪ ድፋዕና ንቝልቍል ሃተፈ። ኣብቲ ኣእማን ዝበዝሖ ጎቦ፡ ከም ዕንጨይቲ ጐቲቱ ከውጽኣኒ ከሎ ብቓንዛ ተፋሒሰ እየ። ኣብቲ ኸውሊ ኣውሪዱ ኣብ ኣፍ ናይታ ውጉኣት ከነዕቍበላ ዝሓደርና ጁባ (ትሕተ-መሬታዊት ንእሽቶ ገዛ) ደርበየኒ።

“እንታይ ዓይነት ጨካን ፍጥረት ኢኻ! ካብታ ኣምሓራይ ንላዕሊ’ኮ ንስኻ ሓማሺሽካኒ” ኢለዮ። ቃንዛይን ስምዒተይን ኣይተቘጻጸርኩዎን። ጸርጸር ኢለሉ።

ዋላ መሬት ቀውጢ ትኹን ኵራ ዘይፈልጥ ገኔ ግን ክዓጅቦ ድዩ! ፍሽኽ እናበለ “ሻባይ ነብሲ! ምሕምሻሽ ቀቀሊሉ። ዋላ እግርኻ ትቈረጽ፡ ዘገድስ ኣይኰነን። ሂወትካ ጥራይ እንቋዕ ደሓነት” መሊሱለይ ብርግኣት።

በዓል ዕሙር ደቂ መስርዕና ክጅንኑለይ ከለዉ፡ ድሮ ረድዮኡ ካብ ክሳዱ ኣውጺኡ ኣንቴናኡ ብምዝርጋሕ፡ ናብቶም ኣብቲ በሪኽ ኰይኖም ዝኳሽሑ ዝነበሩ ጋንታና እናደየበ፡ ምሕደራ ኵናቱ ጀሚሩ ነይሩ።

ጋንታና ንድሕነተይ ብዘርኣዮ ትብዓትን ተወፋይነቱን እምብዛ'ያ ኣድኒቓቶ። መምህር ብግብሪ! መምህር ብወፈያ ሂወት!

ገኔ፡ ሂወቱ ከይበቐቐ ካብ ምድጋም ናይቲ በዓል ብሬን ወተሃደር ኣድሒኑኒ። እግረይ ኣይተቘርጸትን። ብልዑል ብልሓት ጻዕሪ ሓካይም ህዝባዊ ግንባር ተለቓቒባ ድሒና። ሳላ ዘርእዝጊ ተወፍዩ ዘውጽኣኒ ብቐንዱ ሂወተይ ድሒነ። እምበር ወይ እቲ በዓል ብሬን ምደገመኒ፡ ወይ ድማ ደመይ ጸንቂቐ ምተሰዋእኩ።

ገኔ ግን ንዓይ ጥራይ ኣይኰነን ኣድሒኑኒ። ንሰውራ ኤርትራ’ውን ሓደ ተጋዳሊ ብመስዋእቲ ካብ ምጕዳል'ዩ ኣድሒኑሉ። ብልክዕ መድሕን ሂወት! ሓውየ ናብ ድፍዐይ ተመሊሰ። ገድለይ ቀጺለዮ። ካልኣይ ግዜ ኣጋዲሉኒ ማለት'ኮ እዩ።

ቃልስና፡ ሳላ ከም በዓል ዘርእዝጊ ዝኣመሰሉ፡ ብዘረባ ዘይኰነ፡ ብኣካል ምስ ጸላእቶም ተሓናኒቖም ቦምባ እናደርበዩ ዝምህሩን ኣብ ሓዊ ተጠቢሶም ብጾቶም ዘድሕኑን መምህራን ጅግንነትን ተወፋይነትን ተጋደልቱ’ዩ ተዓዊቱ።

ጐይታ ጠባይ፡ መምህር ጅግንነት፡ ብውልቂ ኸኣ መድሕን ሂወተይ፡ ጅግና ብጻይ ዘርእዝጊ ዳዊት (ገናውኖ)፡ ታሪኽካ ብሰፊሕ ከነዘንቱ ኣኻእሎ ይሃበና። ብሰላም ዕረፍ!

ዘልኣለማዊ ክብሪን ዝኽሪን ንሰማእታትና!
ዓወት ንሓፋሽ!

መኮነን ኪዳነ (ሻባይ)
07/02/2022

sebdoyeley
Member+
Posts: 5507
Joined: 14 Feb 2020, 04:27

Re: Rest in Power Eritrean Tegadalay Zerezghi Dawit The Hero of Arat Kilo

Post by sebdoyeley » 09 Feb 2022, 14:42

R.I.P HERO!!!!!
Sabur wrote:
09 Feb 2022, 00:30

ብሰላም ዕረፍ ሓርበኛ ተጋዳላይ ዘርእዝጊ ዳዊት ::

ጎይታ ጠባይ : ሰራሕ ቅያ : ጎይታ ኣራት ኪሎ !!

ሓርበኛ ኣይመውትን 'ዩ : ታሪኹ 'ዩ ዝውረስ !!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና !!

Rest in Peace History Maker and The Hero of Arat Kilo Zerezghi Dawit.

Eternal Glory to Our Martyrs !!

euroland
Member+
Posts: 7818
Joined: 08 Jun 2018, 12:42

Re: Rest in Power Eritrean Tegadalay Zerezghi Dawit The Hero of Arat Kilo

Post by euroland » 09 Feb 2022, 17:40

Thank you brother for this historic video
I didn't know he passed away. I am shocked....nonetheless, his heroinic deed lives on on his kids

Sabur wrote:
09 Feb 2022, 00:30

ብሰላም ዕረፍ ሓርበኛ ተጋዳላይ ዘርእዝጊ ዳዊት ::

ጎይታ ጠባይ : ሰራሕ ቅያ : ጎይታ ኣራት ኪሎ !!

ሓርበኛ ኣይመውትን 'ዩ : ታሪኹ 'ዩ ዝውረስ !!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና !!

Rest in Peace History Maker and The Hero of Arat Kilo Zerezghi Dawit.

Eternal Glory to Our Martyrs !!

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: Rest in Power Eritrean Tegadalay Zerezghi Dawit The Hero of Arat Kilo

Post by Meleket » 10 Feb 2022, 09:49

ቅኑዕ ተጋዳላይ ንመን ይመስል፧
ንጅግና ጀጋኑ ንጐይታ ጠባይ ንዘርእዝጊ ዳዊት።

ቅኑዕ ምሥክር ጅግና ንመን ይመስል፧
ንጅግና ተጋዳላይ መኮነን ኪዳነ (ሻባይ)።

ቅኑዕ መኽበር ጅግና ንመን ይመስል፧
ንክቡር ሓዉና ንሳቡር!!!

ዘርእዝጊ ንሳንዱቕ ሬሳ ሥርዓት ደርጊ ንዘለዓለም ከምዘይክፈት ጌሩ ኪዓጹ ዝበቕዐ ዕድለኛ ተጋዳላይ ኤርትራ!!!! ቅሰን!!!!
ጽንዓት ንኤርትራና!!!!

Sabur wrote:
09 Feb 2022, 14:32

Meleket wrote:
07 Dec 2021, 11:16
“ህዝባዊ ግንባር ናይ ውልቀሰብ ዘይኮነ ናይ ሓፋሽ ኢዩ፡ ክንዲ ዝኾነ ድማ ኢና “ዓወት ንሓፋሽ!” ንብል!!!” ቃል ጅግና ተጋዳላይ ዘርእዝጊ ዳዊት

ዘርእዝጊ ዳዊት ኣብ 1991 ንወያነ ሓንጊሩ ፊትንፊት ንቤተመንግሥቲ አራት ኪሎ ታንኩን ታንከኛ ኃይሉን መሪሑ ዝኣተወ ጅግና ተጋዳላይ ኤርትራ!
:mrgreen:

Sabur
Member
Posts: 1364
Joined: 11 Aug 2018, 07:41

Re: Rest in Power Eritrean Tegadalay Zerezghi Dawit The Hero of Arat Kilo

Post by Sabur » 11 Feb 2022, 07:24

ክቡር ሓው መለከት :

ናእዳ ኣብዚሕካለይ : የቕንየለይ ክብረት ይሃብለይ !!

ጅግንነት ተባዕነት ብልሕነት ውፍይነት ናይ ኣቦታትና ኣደታትና ዓበይትን ንኣሽቱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብጾትናን መሓዙትናን ጸዊእኻ (ዘርዚርካ) ኣይውዳእን'ዩ ::

ስርሒት ፈንቅል ዓወት ክኽበር ከሎ ብዙሕ ተለዋዋጢ ስምዕታትን ሓሳባትን ቅጅል ቅጅል ይብሉ ::

ምድምሳስ ናደው እዝ ወሳኒ ቅድመ ዓወት ምሕራር ባጽዕ (ምጽዋዕ) ስለ ዝኾነ : ሓደ ካብቶም ጀጋኑ መራሕትን ተጋደልትን ዝነበረ ኣዛዚ መራሒ
ጅግና ዕቑበ ኣብራሃ ከም'ውን ቡዝሓት ጀጋኑ ተባዓት ውፍያት ተጋደልትን መራሕትን ኣብ ማሕዩር ክበልዩ ከለው : ሓጎስን ሓዘንን ይፋራረቐካ ::

Meleket wrote:
07 Dec 2021, 11:16
“ህዝባዊ ግንባር ናይ ውልቀሰብ ዘይኮነ ናይ ሓፋሽ ኢዩ፡ ክንዲ ዝኾነ ድማ ኢና “ዓወት ንሓፋሽ!” ንብል!!!” ቃል ጅግና ተጋዳላይ ዘርእዝጊ ዳዊት

ዘርእዝጊ ዳዊት ኣብ 1991 ንወያነ ሓንጊሩ ፊትንፊት ንቤተመንግሥቲ አራት ኪሎ ታንኩን ታንከኛ ኃይሉን መሪሑ ዝኣተወ ጅግና ተጋዳላይ ኤርትራ!
:mrgreen:
ኣማን ብኣማን !!!

ዘልኣለማዊ ዝኽርን መጎስን ንናጽነትን ፍትሕን ዝወደቑ ጀጋኑ ሰማእታትና !!

Meleket wrote:
10 Feb 2022, 09:49

Post by Meleket » 11 Feb 2022, 10:41

መሪር ሓቂን ኤርትራዊ ክውንነትን፡ Sabur ሓዉና!

'ንኵሉ ገጊዜኡ ኣለዎ' ብዚብል ቃል ንጸናናዕን ንጸንዕን።

Sabur wrote:
11 Feb 2022, 07:24

. . .
ጅግንነት ተባዕነት ብልሕነት ውፍይነት ናይ ኣቦታትና ኣደታትና ዓበይትን ንኣሽቱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብጾትናን መሓዙትናን ጸዊእኻ (ዘርዚርካ) ኣይውዳእን'ዩ ::

ስርሒት ፈንቅል ዓወት ክኽበር ከሎ ብዙሕ ተለዋዋጢ ስምዕታትን ሓሳባትን ቅጅል ቅጅል ይብሉ ::

ምድምሳስ ናደው እዝ ወሳኒ ቅድመ ዓወት ምሕራር ባጽዕ (ምጽዋዕ) ስለ ዝኾነ : ሓደ ካብቶም ጀጋኑ መራሕትን ተጋደልትን ዝነበረ ኣዛዚ መራሒ
ጅግና ዕቑበ ኣብራሃ ከም'ውን ቡዝሓት ጀጋኑ ተባዓት ውፍያት ተጋደልትን መራሕትን ኣብ ማሕዩር ክበልዩ ከለው : ሓጎስን ሓዘንን ይፋራረቐካ ::

ዘልኣለማዊ ዝኽርን መጎስን ንናጽነትን ፍትሕን ዝወደቑ ጀጋኑ ሰማእታትና !!

Meleket
Member
Posts: 3044
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: Rest in Power Eritrean Tegadalay Zerezghi Dawit The Hero of Arat Kilo

Post by Meleket » 08 Feb 2023, 02:20

Post Reply