ተጋሩ፣ ነዚ ኩሉ ኣጽዋር፣ ምእንቲ ድሕነት ህዝቡን ሃገሩን፣ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ምስ መንጠሎም፣ ብሰራዊት ሻዕቢያ ተመንጢልና ምባል ስለዘሕፈሮም፣ "ድስቲ፣ ማንካን ፋርኬታን" ብዝብል ኮዳት እዮም ክጽዉዕዎ ጀሚሮም።
ኣብ ትግራይ፣ ሮኬት፣ ሚሳይል፣ መድፍዕ፣ ታንኪ፣ ብሬን ብስሙ ኣይጽዋዕን እዩ። "ጡፍ በልዎ" እዩ ዝበሃል።
ሚሳይል ድስቲ እዩ ልበሃል፣ መድፍዕ ማንካ እዩ ልበሃል፣ ታንኪ ፋርኬታ እዩ ልበሃል፣ BM ድማ ጀሪካን እዩ ልበሃል።
ኣጽዋር፣ ብስሙ ኣይጽዋዕን እዩ ብሱሩ። ሽሙ ኣይትጸዉዕዎ እዩ ዝበሃል፣ ዓቢ ነዉሪ እዩ! ብሱሩ ባህሊ ተጋሩ ኣይፈቅድይ!
"ጅንናር" ኣበበ ተክለሃይማኖት፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፣ " ሸዓቢያ፣ ብዙሕ ጋዕ-ገልጠም ወሲዱልና እዩ" ክብል፣ ነቲ ሮኬት፣ ሚሳይላት፣ መዳፍዓትን ታንክታትን ብጋዕ-ገልጠም እዩ ገሊጽዎ። ጋዕ-ገልጠም!
ሰይ ኮቲ ጋዕ-ገልጠም!









