Listen to the Voice of Reason, all you gangster cadres of the drunkard King of Adihalo
Posted: 26 Jan 2022, 11:45
Read below and learn some wisdom:
Meleket wrote: ↑26 Jan 2022, 11:05ብወገን ትግራይ ኰነ ብወገን ኤርትራ “ጽልኢ ዘሳውሩ” ሰብ ፍሉይ ረብሓ ኢዮም ንብል ኤርትራዉያን ደያኑ ማእከልን መስመርን።
ደብረጽዮን ኣንጊሑ ብንእስነቱ ምእንቲ ህዝቡ ናብ በረኻ ዝወፈረ ተባዕ ተጋዳላይ ወዲ ትግራይ ኢዩ። ኣብዚ ጽንኩርን መዋጥር እዋን ትግራይን፡ ንትግራይ ራሕሪሑ ንገድሊ ጠንጢኑ ‘ንህዝቢ ትግራይ ከዲዑ’ ናብ ምዕራብ ዲዩ ናብ ምብራቕ አይሳገመን፡ እንታይ ደኣ ኣብታ ዝኣመነላ መትከል፡ “መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ዚዀነ ኃይሊ ኪምንዝዕ ኣየፍቕድን ኢየ!” ቢሉ ከምቲ ናይ ዓንተቦኡ ብጽንዓት ይጋደል ኣሎ።
ኪጋደል ከሎ ድማ በይኑ ዛይዀነ ንህዝቡ ኣእሚኑ ይጋደል ኣሎ። ህዝቡ መሪጽዎ ኢዩ ኣብ መንበር መዝነት ዛሎ። ዘይኣመኖ ኣካል ህዝቢ ትግራይ እንተልዩ ወይ ናብ ሸዋ ወይ ናብ ሃገረ ኤርትራ ብብዝሒ ዕቝባ ኪሓትት ምረኣና።
ደብረጽዮን ኣብ ሜዳ ኤርትራ ተሞክሮ ምቕሳሙ፡ ንረብሓ ትግራይን ረብሓኡን ጥራሕ ዛይዀነ ንረብሓ ሰውራ ኤርትራዉን ኣገዳሲ ስለዝነበረ ኢዩ መሪሕነት ህ.ግ. ዚፈቐደሉ። ኣብ ቦለቲካዊ ኣተሓሳስባ ድማ ናይ ግድን ኣይዀነን ወያነ ምስ ህ.ግ. ክትሳነ፡ ንሶም ናቶም ኣለዎም ህ.ግ. ድማ ናታ ዕላማ ኣለዋ።
እቱይ ጸገም ናቶም ዕላማ ተጻይ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ’ዩ። ነዙይ ድማ ብስልጡን ኣገባብ ምሁራት ኤርትራዉያን ምስ ምሁራት ተጋሩ ኪላዘቡን ከእምኑን ብጭብጢ ኪሙግቱን ካልኣይ ገድሊ የድሊ።
ገሌኹም ምሁር ዚበሃል ትግራዋይ የሎን ከይትብሉ እምበር።
ሕጂ ዛድሊ ንደብረጽዮንን ብጾቱ ‘ተጋደልቲ ጁንታ’ ብናይ ቀደም ምስሎም ምጽራፍ ዛይዀነስ፡ ብከመይ ንረብሓ ሕዝብታት ጐደቦና ብቅኑዕ ማእዘን ንጐዓዝ ቢልካ ምሕሳብ ኢዩ። ብርግጽ ብኣል ደብረጽዮንን ብጾቱኑ “ዛይናቶም መሬት ኤርትራ"፡ ብህጊን ብምጕትን ንኤርትራ ዝተወሰነ መሬት ዛይናቶም ምዃኑ ብልዝብ ከተረድኦም ምፍታን እዉን ናይ ለባማት እምበር ናይ በሃማት ምርጫ ኣይዀነን። እዙይ ድማ ብስልጡን ኣገባብ ኪሰላሰል ይኽእል ኢዩ፡ ብክልቲኡ ሸነኽ "ዚሓለፈ ገልጠምጠም ይኣኽል" ዚብል ለባምን መስተውዓሊን ዓቓልን ሓዳግን እንተተረኽበ።